====
ኤርትራን ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ መድረኻዊ ናይ ጽምዶ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ሎሚ ብወግዒ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ ዉዱዕ ናይ ህንጸት መደባት ኣሲሩ ክካየድ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ፡ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ክትግበር ተሓንጺጹ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ የነጽር። "በዚ ስምምዕ፡ እቲ ሓቀኛ ናይ ጽምዶ ዕዮ ጀሚሩ'ሎ" ክብል ዝገለጸ ሓላፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ሚስተር ያቖብ ኢል ሓሎ፡ ኤርትራ ነዚ ዉዱዕ ናይ ህንጸት መደባት ምስ ሃገራዊ ቻርተራ ኣወሃሂዳ ከተተግብሮ ምብጋሳ ኣዝያ ክትንኣድ ይግብኣ ክብል ደሪዑ ገሊጽዎ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ 24 ዝኣባላቱ ልኡኽ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ኣትዩ ቐንዩ እዩ። እዚ ብሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ዞባዊ ልምዓትን ምትሕብባርን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ያቆብ ኢል ሓሎ ዝተመርሐ 5 ቤት-ጽሕፈታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዘጠቓልል ፍሉይ ልኡኽ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ን'5 መዓልታት ዝቐጸለ ኣኼባ ኣካይዱ'ዩ። ብዘይካ'ዚ እቲ ልኡኽ ናብ ከተማታት ድባርዋ፡ መንደፈራ፡ ዓረዛ ብምጉዓዝ፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ተዓዚቡ። ድሕሪ'ዚ ድማ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተጻሚዱ ክሳብ 2030 ዝጭበጥ ልምዓታዊ ስምምዕ ከቲሙ።
Please wait, video is loading...