Page 1 of 1

ሓላፊ መንገድን ሳርኮን እንታይ ኣባኢስዎም ?

Posted: 24 Jan 2022, 12:21
by Abe Abraham
  • ሓላፊ መንገድን ሳርኮን እንታይ ኣባኢስዎም ?


    ሓላፊ መንገዲ ፥ ስማዕ ሳርኮ ካምፓኔላ/ቃጭል ናይ ገዛይ ምስራሕ ኣብያ ስለ ዘላ ጽባሕ መጺእካ ክተዐርያ ምኸኣልካ ዶ ?

    ሳርኮ ፥ ደሓን ጸገም የሎን ! ጽባሕ ቀዳም ክመጽእ እየ ።

    ድሕሪ ቅሩብ መዓልትታት ሓላፊ መንገድን ሳርኮን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ከተማ ይራኸቡ

    ሐላፊ መንገዲ ፥ ኣንታ ሳርኮ እንታይ ደኣ ኰንካ ቆጸራኻ ትጠልም ?

    ሳርኮ ፥ ኣይፋልን ቆጸራስ ኣይጠለምኩን፡ ኣብ ገዛኻ መጺኤ ጭር ተበልኩስ ጭር ትመስክር ዝኸፍተኒ ስኢነ ።

    ሓላፊ መንገዲ፥ ኣንታ ገርናው ፡ ኣንታ እከይ ኣብ መረጃ እከይ ኣብ ደገ እከይ ! ዝተሰብረት ቃጭል ደኣ ከምይ ጌራ ጭር ክትብል ?

    ሳርኮ ፥ ንሱስ ኣየስተብሃልኩሉን ግን እዚ ኩሉ ጸርፊ ግን እንታይ ኣድለየ ኣንታ ረሳሕ !

    ሓላፊ መንገዲ ፥ ረሳሕ ? ናይ ምንታይ ረሳሕ ? ወዲ ዓበይቲ ዓቢ-ዓዲ ዘይረኽቦ ዘይብለይ ፡ ናጤባ ከም'ዚ ዝበለ ናጤባ ኸ ኣሎ ድዩ ?

    ሳርኮ ፥ ረሳሕ እወ ! ቀደም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትማሃር ከለኻ ኣብ 'ቲ ጥቓ መቓብር ዝርከብ ናይ ጽዩቓት መቋጸሪ ቦታ ኬድካ ንሰባት ክትጻናቶ እንከለኻ ኣይዝከረካን ድዩ ?

    ሓላፊ መንገዲ ፥ ከመይ ደኣ ዘይዝከረኒ ፡ ይዝከረኒ እምበር ግን ሓንሳብ 'ስከ ሱቕ ንበል ፡ እንታይ ደኣ ኮይኑ እዩ እዚ መልሓስና ? ናተይ ተንቤንቤን ገዲፍዎ ናትካ ድማ ዓገምገም ።

    ሳርኮ ፥ ያ ለጢፍ ! ያ ለጢፍ ! ሽረ ኣብ ኣውራጃ ዓጋመ ዝርከብ እንተ ኮይኑ ማለት እዩ መምህር ሓላፊ መምህር ካልኩላስ !




    .

Re: ሓላፊ መንገድን ሳርኮን እንታይ ኣባኢስዎም ?

Posted: 26 Jan 2022, 15:43
by Abe Abraham
:lol: :lol: :lol: :lol:

Re: ሓላፊ መንገድን ሳርኮን እንታይ ኣባኢስዎም ?

Posted: 27 Jan 2022, 12:46
by Abe Abraham
:lol: :lol: :lol: :lol:

Re: ሓላፊ መንገድን ሳርኮን እንታይ ኣባኢስዎም ?

Posted: 05 Feb 2022, 14:21
by Abe Abraham
:lol: :lol: :lol: