Page 1 of 1

ኮምፓሱ ዝጠፍኦ ፖለቲካ ትግራይ! (ካብ 1975-2022)

Posted: 18 Jan 2022, 11:56
by pushkin
ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ (ዳሕራይ ስሙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝተቐየረ) ዝመሃሩ ዝነበሩ መንእስያት ተጋሩ፣ " ኣንጻር ንወጽዓ ህዝቢ ትግራይ ክንቃለስ ኢና" ብምባል፣ ማሕበር ገስገስቲ ብሄር ትግራይ (ማገብት) ዝተባህለ ምትእኽኻብ ኣብ መወዳእታ 1974 ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ፣ ከባቢ ፒያሳ፣ ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ተኣኻኺቦም መስሪቶም።

መስረትቲ ናይ'ዛ ማሕበር ዝነበሩ መንእስያት ተጋሩ፣ በቲ ሽዑ እዋን፣ ኣብ መላእ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተወዓዊዑ ብዝነበረ ፍልስፍና "ማርክሲዚም ሌኒንዝም" ዝተጸልዉ እዮም ኔሮም።

ብድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ምምስራት ናይ'ዛ ማሕበር ድማ ዝበዝሑ ኣባላታ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ናብ ሽረ፣ በረኻ ደደቢት ብምኻድ፣ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ (ተሓህት) ዝተባህለት ዉድብ ኣጣይሾም። ቀንዲ መስረትቲ ናይ'ዛ ዉድብ ካብ ህዝባዊ ግንባር ወተሃደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምውሳድ ዕጥቂን ስንቂን ተለጊሱሎም ከምኡ'ዉን መራሕቲ መንገዲ ተመዲቦምሎም፣ ናብ በረኻ ደደቢት ተመሊሶም ኣትዮም።

ኣብ'ዚ ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ ድማ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ መሓሪ ተኽለ (ሙሴ) ን የማነ ኪዳነ (ጃማይካ) ዝተባህሉ ምኩራት ተጋደልቲ እግሪ ንኸትክልዎም ምስኣታቶም ናብ ትግራይ ከይዶም እዮም።

ህዝባዊ ግንባር ነዚ ኩሉ ሰናይ ግብሪ ዝገብር ዝነበረ ንናይ ሓባር ስትራተጂካዊ ረብሓ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምሕሳብ እዩ ኔሩ።

ቅድሚ እዛ ዉድብ፣ ኣብ ትግራይ በበይኑ ዕላማ ዘለወን ብሄራዊን ሃገራዊን ኣጀንዳ ዘለወን ዉድባት ይንቀሳቐሳ ኔረን። ንሳተን ድማ:-

1. ብድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ፣ ኣብ 1974 ኣንጻር መንግስቲ ደርግ ክቃለስ ብረት ዘልዓለ ብትግራዋይ፣ ልኡል ራእሲ መንገሻ ስዩም ዝምራሕ የኢትዮጵያ ዲሞክራቲክ ሕብረት (EDU) ዝተባህለ ንመሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን ዝሓዘ ዉድብ፣

2. ማርክሲስታዊ ኣተሓሳስባ ብዝነበሮም ኢትዮጵያዊያን መንእስያት ዝተመስረተን ዝበዝሑ መራሒነታ ካብ ተጋሩ መንእስያት ዝነበሩ፣ የኢትዮጵያ ህዝብ ኣብዮታዊ ፓርቲ (ኢህኣፓ) ዝተባህለ ዉድብ፣

3. ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ (ግገሓት) ዝተባህለት ዳሕራይ ድማ ስማ፣ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ (ተሓት) ዝቐየረት፣ ዝበዝሑ ኣባላታ ሓረስቶት ዝነበሩን ብዓባይ ዉድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ሙሉእ ደገፍ ዝግበረላ ዝነበረት ትግራወይቲ ዉድብ፣

ይኹን'ምበር፣ ዉድብ ተሓህት፣ "ብሕታዊት ወኪል ህዝቢ ትግራይ ኣነ እየ፣ ሕብረ ብሄራዊያን ዉድባት ኣብ ትግራይ ክህልዋ የብለንን" ብምባል ምስ ኩለን ዉድባት ኣብ ኲናት እያ ኣትያ።
እታ ኣብ 1977 ዓመተ ምህረት ግእዝ (1984 ዓመተ-ምህረት ፈረንጂ) ስማ ናብ "ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ" ዝቐየረት "ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ" (ተሓህት)፣ ናይ ፈለማ ናይ ጽሑፍ ፕሮግራም ኢላ ኣብ ዝዘርግሓቶ ናይ 1968 ዓመተ ምህረት ግእዝ (1976 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ) ማኒፌስቶኣ፣ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ጭቆና ብሄር ኣምሓራ ሓራ ንምውጻእን ሪፐብሊክ ትግራይ ንኽትምስርት እትቃለስ ብሄራዊት ዉድብ ምዃና ገሊጻ ኔራ። ብመሰረቱ ናይ ወያነ ጌጋ ካብ'ዚ እዩ ዝጅምር። ሓደ ህዝቢ፣ ጸላኢ ወይ በዳሊ ናይ ካልእ ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ብስም ሓደ ህዝቢ ወይ ብሄር ዝሽቅጥ ሓደ ቀጸላ ወይ ደርቢ እዩ ክህሉ ዝኽእል እምበር፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ ጨቋኒ ወይ በዳሊ ናይ ካልእ ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘስሕቕን ድማ ተሓህት ነዚ ማኒፌስቶኣ ብቋንቋ ኣምሓርኛ እያ ጽሒፋቶ። ነዚ ኣዝዩ ዝንቡዕን ምስ ጊዜ ፈጺሙ ዘየዐውትን ኣካይዳን ፍልስፍናን ወያነ ትግራይ ከሎ ገና ዘስተብሃለ ትኩር መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፣ መአረምታ ንኽገብሩሉ በተደጋጋሚ ምኽሪን ሓሳብን ይህብ ኔሩ።

ተሓህት፣ ኣብ 1977 ዓ.ም ግእዝ (1984 ዓ.ም ፈረንጂ)፣ ዝኽተሎ ፍልስፍና ማርክሲዝም ሌኒንዝም እዩ" ብምባል ማርክሲስት ሌኒንስት ሊግ ትግራይ (ማሌሊት) ዝብል ውሽጣዊ ሰልፊ (vanguard party) መስሪታ። ሕሉፍ ሓሊፋ እዉን ኣብ ደደቢት ኮይና፣ ናይ በዓል ሶቪየትን ቻይናን ማርክሲዝም ሌኒንዝም ዝተበረዘ እዩ፣ እቲ ጽሩይ ፍልስፍና ማርክሲዝም ሌኒንዝም ናይ ኣልባኒያ እዩ ብምባል፣ ኣምላኺት ናይ ሽዑ መራሒ ኣልባኒያ ዝነበረ ኤንቨር ሆዛ ኮይና።

ዉድብ ህወሓት ክሳብ 1989 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ዝጥቀስ ውግእ ከየካየደት፣ ጠርቋሽ ናይ ድብያ ተርግእ ጥራይ እንዳገበረት፣ ብጥቕስታት ኣረጊት መጽሓፍቲ ማርክሲዝም ሌኒንዝም እንዳተኻተዐት ጊዜኣ ተሕልፎ ኔራ። ሕሉፍ ሓሊፋ፣ ኣብ ደደቢት ተኾይጣ፣ ንሜላ ውግእ ህዝባዊ ግንባር ክትነቅፍ እያ ጀሚራ። ህወሓት፣ ኣብ መጋቢት 1988 ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነቲ ስርዓት ደርግ ዝምክሓሉ ዝነበረ "ናደው እዝ" ብምድምሳስ፣ ንዓለም ዘዛረበ ኣንጸባራቒ ገዚፍ ወተሃደራዊ ዓወት ምስ ኣመዝገበ ጊዜ ከየጥፈአት ናብ ህዝባዊ ግንባር ክትጽጋዕ እያ ጀሚራ። መን ከም ህዝባዊ ግንባር እዉን ክትብል ጀሚራ።

ህወሓት፣ ኣብ 1989 ዓ.ም ብልዑል ናይ ሜካናይዝድን ኣጋርን ደገፍ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሽረ ዓቢ ዓወት ረኺባ። ነዚ ስዒቡ፣ ስርዓት ደርግ፣ "እስኪ ኣበይ ክበጽሑ እዮም" ብምባል ካብ መላእ ትግራይ ብዘይ ኲናት፣ ብድልየቱ ኣንሳሒቡ ወጽዩ።

እታ ንምምስራት "ሪፐብሊክ ሃገረ ትግራይ" እየ ዝቃለስ ኢላ ንህዝቢ ትግራይ ትጉስጉስ ዝነበረት ማሌሊት ህወሓት፣ ስርዓት ደርግ ዝወሰዶ ሃንደበታዊ ስጉምቲ ዘይተጸበየቶን ዘይተዳለወትሉን ኮይንዋ። ኣሽሓት ኣባላታ ድማ ትግራይ ሓራ ወጽያ እንድያ ብምባል በብወገኖም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ነናብ መረቤቶም ክምለሱ ጀሚሮም። ነዚ ንምብዳህ ድማ ኲናት ደው ኣቢላ "ምጥንኻር" ዝብል መጠነ ሰፊሕ ጎስጓስ ህዝቢ ከተካይድ ጀሚራ።

መሪሕነት ማሌሊት፣ "ሪፐብሊክ ሃገረ ትግራይ" ክእዉጁ ዘኽእሎም ሕጋዊ፣ ታሪኻዊ፣ ሞራላዊ ቁጠባዊ ዓቕሚን ስለዘይነበሮም በዚ ዘይተጸበይዎ ውሳኔ ስርዓት ደርግ ከም ኣብ ጎልጎል ዝወግሖ ዝብኢ ተዓኒዶም እዮም ተሪፎም። እቲ ምኽንያት ድማ ህወሓት/ማሌሊት እንዳበልካ ካብ ትግራይ ወጻኢ ናብ ወሎ ጎንደር ክስገር ስለዘይከኣል ዝነበረ እዩ።

እቲ ስዒቡ ከም ፍታሕ ዘቕረብዎ ድማ፣ ገዚፍ ዓቕሚ ስርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ይሰዓር ስለዝነበረ፣ እታ ንስርዓት ደርግ ዘይተኣደነ ደገፍ ትህብ ዝነበረት ሕብረት ሶቪየት እዉን ትፈራከሽ ስለዝነበረት፣፣ ካብ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ (ኦሮሞ፣ ኣምሓራን ደቡብ ህዝቦችን) ዘጠቓልል ሕበረብሄራዊ ዉድብ ብምጥያሽ "የኢትዮጵያ ህዝቦች ኣብዮታዊ ዴሞክራሲያዊ ግንባር" "ኢህአዴግ" ዝብል ናይ መደናገሪ መንጠሊና ተኸዲንና ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲና ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ንሓዝ ዝብል እዩ ኔሩ። እዚ ማለት ድማ ካብ ኢትዮጵያ ተገንጺልና ሪፐብሊክ ሃገረ ትግራይ ንምምስራት ኢና ንቃለስ ዘለና ክብሉ ከምዘይነበሩ፣ ኣብ ሓንቲ ረፍዲ ግልብጥ ኢሎም፣ ሽግር ትግራይ ኣብ ጽላል ኢትዮጵያ ክፍታሕ ዝኽእል እዩ ብምባል ናይ ኢትዮጵያዊነት ካባ ደሪቦም። ንኣባላቶም እዉን ምስ ካልኦት ጭቁናት ብሄራት ኢትዮጵያ ቃልስና ንቐጽል ብምባል ሓድሽ ጎስጓስ ጀሚሮም።

ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራዉያን ልዑል ስትራተጂካዊ ረብሓ ስለዝነበሮ፣ ገዚፍ ዓቕሚ ዝነበሮ ሜካናይዝድን ኮማንዶ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ንወያነ ሓንጊሩ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ንህወሓት ድማ መፍትሕ ኣራት ኪሎ ቤተ መንግስቲ ኣረኪቡዋ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 1991 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተቓነዐ ናይ ሰላም ጉባኤ (ኮንፈረንስ)፣ ብግብሪ ወያነ ትግራይ ዝመርሖ፣ ብስም ግና ኢህአዴግ ዝመርሖ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ (Transitional government) ተመስሪቱ። ኢትዮጵያ ድማ ብሄር መሰረት ብዝገበረ 12 ክልላት ተሸንሺና። ትግራይ ድማ ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ወልቃይትን ራያን ካብ ጎንደርን ወሎን መንዚዓ ክሳብ ዶብ ሱዳን ዝበጽሕ ሓድሽ ካርታ ሒዛ። እዚ ብሄር መሰረት ዝገበረ ናይ ክልል ኣሸናሽና በቲ ኣብ 1995 ዝጸደቐ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ትካላዊን ሕጋዊን መልክዕ ከምዝሕዝ ተጌሩ።

እቲ ካልእ ፍሉይ ትሕዝቶ ናይ'ዚ ሕገ መንግስቲ ድማ መሰል ብሄራት ክሳብ ምንጻል ዘፍቅድ ዓንቀጽ 39 እዩ። እዚ ዓንቀጽ 39 ንማንታ ልቢ መሪሕነት ወያነ ንምፍዋስ ተባሂሉ ብፍላጥ ዝኣተወ እዩ። እዚ ማለት ድማ ክሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ዝሓዝናን ንክልል ትግራይ ብሃብቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣጸቢቕና ንሃንጻ ከም ኢትዮጵያዉያን ኮይንና ንጸንሕ፣ ብዝኾነ ተኣምር ካብ ስልጣን ናይ ኣራት ኪሎ ቤተ መንግስቲ እንተተሰጉግና ግን ብዓንቀጽ 39 ተጠቒምና ናይ በዓልትና ሃገረ ትግራይ ንምስርት ዝብል ሰይጣናዊን ተንኮለኛን ሓሳብ ዝሓዘለ እዩ።

ወያነ ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወት፣ ነቲ ከም ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ተምልኾ ዝነበረት ፍልስፍና ማርክሲዝም ሌኒንዝም ናብ እንዳ ጓሓፍ ደርቢያ፣ " ናጻ ዕዳጋ ካፒታሊዝም እዩ ዘዋጽኣና" ብምባል ጊዜ ከየጥፍአት እያ ናብ ሕቑፊ ኣሜሪካ ኣትያ።

ብተወሳኺ እዉን፣ ተጋሩ 4% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ (minority) ስለዝኾንና ንዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ ክንገዝእ እንተኾይንና፣ ንተቓውሞ ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ counterbalance ዝገብረልና ግድን ደገፍ ናይ ኣሜሪካ የድልየና እዩ ኢሎም ስለዝኣመኑ፣ ንኣጀንዳታት ሃጽያዊት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ከፈጽሙ እዮም ጀሚሮም። ኣሜሪካ እዉን ነቲ ጎብለል ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ ኢላ ትኣመነሉ ንዝነበረት መንግስቲ ኤርትራ ንምድኻምን እንተተኻኢሉ ድማ ንምእላይን፣ ንወያነ ትግራይ ዘይተኣደነ ቁጠባዊን ወተሃደራዊን ደገፍ ምሃብ ቀጺላቶ።

ኣሜሪካ፣ ብጉዳይ ዶብ ኣሳቢባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቁሉዕ ወራር ንኽፍጽምን ንመንግስቲ ኤርትራ ብምእላይ ካልእ ከርኩር/ተማእዛዚ መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ንምምጻእ ምስ ወያነ ትግራይ ብሓባር እዮም ሰሪሖም። እዚ ፈተነ ግን ብሓያል መኸተ ሓየት ሰራዊት ኤርትራ፣ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ በሪዒኑ ተሪፉ።

እታ ብስም ኢህአዴግ ዝብል ጉልባብ፣ ንህዝቢታት ኢትዮጵያ ብብሄርን ብሃይማኖትን እንዳናቖተት ክትገዝእ ዝጸንሐት ገጅለ እኽብካብ ዓድዋ ብሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ምስ ተኣልየት ሃዲማ ናብ መቐለ እያ ከይዳ። ኣብ መቐለ ኮይና እዉን ኣብ ክንዲ ካብ ሕሉፍ ጌጋታታ ተማሂራ ምስ ዝተፈጥረ ህልዉ ኩነታት ተሳኒያ እትኸይድ፣ ንሰላም ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምዝራግ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ እያ ጀሚራ።

ሓንሳብ ጥምረት ናይ ፌደራሊስት፣ ሓንሳብ ድማ ጥምረት ናይ ኮንፌደራሊስት ሓይልታት ብምባል፣ ንዓኣ ዝመስሉዋ ተኸፈልቲ ዕሱባት ወይጦታት ብምዕዳም፣ ኣብ መቐለ ተደጋጋሚ ናይ እንክሒራ ኣኼባታት ተካይድ ኔራ። "ኢሮብ ትዓቢ ካብ ኤርትራ" እንዳበለት ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ነጋሪት ኲናት ክትሃርም እዉን ጀሚራ። ብመሰረት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ካብ ሕጋዊ መሬት ኤርትራ ተባሂሉ ዝተፈርደ መሬት ባድመ ክወጽእ ዝጀመረ ሰራዊት ፌዴራል ኢትዮጵያ ንኸይወጽእ፣ መንእስያት፣ ኣንስቲን ቆልዑትን ኣብ ጽርግያ ከምዝድቅሱ ብምግባር፣ መንገዲ ብምዕጻው ኣተዓናቒፋ እያ።

ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ሰላም ንምዝራግ ጸልማት ጉልባብ ጌራ ንፌዴራላዊ ሰራዊት ሰሜን እዝ ኣጥቂዓ። ናብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ሚሳይላት ሮኬት ተኲሳ። ጃንዳ ዓድዋ ነዚ ኩሉ ተንኮል ክትገብር ከላ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ደላዪት ሰላም ንኽትመስል፣ "ህዝቢ ኤርትራ ሓውና እዩ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክብ ይጀመር" እንዳበለት ንሽማግለታትን ኣቕሽሽትን ተጋሩ፣ ጻዕዳ ጨርቂ ኣትሒዛ ናብ ዶባት ኤርትራ ን"ዕርቂን ሰላምን" ትሰድድ ኔራ።

በዚ እዉን ከየብቀዐት ንተበግሶ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ድኽመት ብምቑጻር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሳ፣ ንዝሰኣነቶ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ደጊማ ንምቁጽጻር፣ ብሓያል ናይ ሳተላይት ስለያዊ ሓበሬታን ናይ ሚድያ ፕሮፓጋንዳን ደገፍ ኣሜሪካ ዝኣተወቶ ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩ ዝወሰደ መጠነ ሰፊሕ ዕንደራ፣ ብሓያል መኸተ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሃዲማ ተመሊሳ ኣላ።

ሕጂ እዉን ኣብራኻ ተሓምሺሹ፣ ናይ ምግባር ዓቕማ ናብ ዜሮ ወሪዱ እንከሎ፣ "ወልቃይትን ሑሞራን ክሕዝ እየ፣ ኣስመራ ከይደ ሕነይ ክፈዲ ኢየ" ብምባል ነጋሪት ኲናት ካብ ምህራም ዓዲ ኣይወዓለትን ዘላ።

ካብ ጃንዳ ዓድዋ ወጻኢ ዘለዉ ፖለቲካ ዉድባት ትግራይ ብወገኖም፣ እዚ ዘሎ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፈሪሱ ንኹሎም ፖለቲካ ውድባት ዝሓቁፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ክምሰረት ዝጠልብ ጽሑፍ ዘርጊሖም ኣለዉ። እዚ ጠለብ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ርሱን ክትዕ ፈጢሩ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ብርእይቶታት ኣማራጺታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ክልል ትግራይ ይመቓቐል እዩ ዘሎ።

ኣብ መወዳእታ ግን ካብ'ዚ ኩሉ ትርጉም ኣልቦ ዕንደራ፣ ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ፣ እንትርፎ ሞት፣ ሕማም፣ ስደት፣ ጥምየትን ካልእ ዝኸሰቦ ነገር የለን። ብሰንኪ ኣካይዳ ማንታ ልቢ መሪሕነት ጉጅለ ዓድዋ፣ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን እዉን ገዚፍ ዋጋ ንኽኸፍሉ ተገዲዶም እዮም።

ዕንደራ ጉጅለ ጃንዳ ዓድዋ፣ "ዓባይ ትግራይ" ሓሊኑ "ዓባቕ ትግራይ" ሒዙ ዝተረፈ ጸወታ ድምር ናይ ዜሮ (zero sum game) ኮይኑ ተሪፋ ኣሎ።

ጓል ፈዳይን ሻዕቢያ ቫይናክ

Re: ኮምፓሱ ዝጠፍኦ ፖለቲካ ትግራይ! (ካብ 1975-2022)

Posted: 18 Jan 2022, 17:08
by Kuasmeda
ወያነ ኣብ 1984-1985ምስ CIA ብመንገዲ ፖልሄንዘ ኣብ ሱዳን ርክብ ጀሚራ።ኣቦ ወንበርነት ስብሓት ነጋ ብ ኣባይ ጸሃየ ምስተቐየረ ዩ ዝምድና ህግ ምስ ወያነ ዚተበትከ።ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ዚወሃቦም ዚነበረ ናይ ዜና ግዝያት ተጠቒሞም ዮም ንህግሓኤ ብርጅዋዊ ሰውራ እናበሉ ኪጻረፉ ጀመሩ።በዚ ዚተቖጠዐ ተጋዳላይ ሕቶታት ኪሓትት ጀመረ። ሽዑዩ ብጻይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ "ስቕ ዚበልና ሰቕ ስለዚመረጽና"ዚበለ።

ይዝከረኒ ኣብ ከባቢ ሽላሎ ሩባ ጋርዋ ዚነበሩ ዉሑዳት ሓለዋ ዚነበሩ ተጋሩ ካብ ስዑድያ ዚመጸና እናበሉ ፊኖ ቅጫ ምስንካትን፣ ብሽጉርቲ ጸብሒ ምስራሕ ምስጀመሩ ንጋደልቲ ህግ ኪትርጀጉሉ ጀሚሮም ነበሩ።

ንሕና ድማ ሱዑድያ ንዓና ድያ ትፈልጥ ንወያነ እናበልና ንካታዕ ነበርና።ዳሓር ዩ ምስጢሩ ተፈሊጡ ።ሓገዝ ኣመሪካ ብመንገዲ ንግስነት ሱዑድ ዓረብያ ከምዚነበረ። ክሳብ 1988ዝምድና ህግ ምስ ወያነ ጨሪሱ ተበትከ።

ህግ ንናደው እዝ ኣብ 48ሰዓት ምስ ኣፍረሶ፣ ይባሃል ኢላ ድሙ ተኻሂላ ከምዚብልዋ ፣ስረ ከምዘለዋ ነቲ ኣብ መዓስከር ሽረ ዓሪዱ ዚነበረ ኮር 604 ኪትድምስስ 2ሰሙን ድከታ ሰትያ ኣብ ታሪኻ ገጢሙዋ ዘይፈልጥ ኪሳራ ምስ ገጠማ ደም ኣናነብዐት ካብ ሽረ ኣንሳሒባ።ሽዑዩ ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ህግ ዚለመነት።ገና ካብ ተሓኤ ተረፍ መረፍ ዚነበሩ ጉጅለታት ከም ሳግም ቀጽል፣ደምክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ዚበሃሉ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ዚምርሑ ንቐጻሊ መተካእታ ህግ ዚኾኑ ጠርኒፋቶም ነበረት። ህግ ነዚ እናተዓዘበ ሽዑ ውን ስቕ መረጸ።

ድሕሪ ምምሕያሽ ዝምድና ህግ ምስ ወያነ ብሳላ ሓገዝ ሰራዊት ህግ ን መካናይዝድ ኣሃዱታቱን ሽረ ሓመዳ ንላዕሊ ምስተገልበጠት ደርግ ካብ መላእ ትግራይ ኣንሳሓበ።

ንህዝባ ነጻ ትግራይ ኢላ ስለዘእመነቶ ሰራዊታ ገዲፍዋ ነንዓዱ ከደ።ህግ ግን ሃገረ ኢትዮጵያ'ምበር ሃገረ ትግራይ ኣይፈልጥን ስለዚበላ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዚነበሩ ሰራዊታ ኣብ ምግፋፍ ኣተወት።

ኣብ1989 ናብ ወሎ ውግእ ምስ ተጀመረ ኣይከኣለትን ።ብፍላይ ከባቢ ሓይቅ ዚነበረ 3ይ ክፍለ ጦር ደርግ ብኣንበሳ ክፍለጦር ዚፍለጥ ንምሩኻት ወያነ ኣብ ካሻ ኣእትዩ ከም መንደረጋሕ ካብ ጎቦታት ከረውረው ከብሎም ምስ ጀመረ፣ ኣይከኣልናን ህግ ሓገዝኩም ኣይፈለየና በለት። ሽዑ ዚተማረኸ ኣዛዚ 3ይ ክፍለ ጦር ዚነበረ ምስቶም ኣብ ኲሓ ዚነበሩ ምሩኻት ተረሺኑዩ።እንደገና መካናይዝድ ህግ ናብ ወሎ ተላእከ።ዘይርሰዖ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ን6ወርሒ ኣዋጊኡዎም ተመሊሱ።ኣብ ።1990ግን ኢህወደግ ንኪትምስርት ናይ ኦሮሞ ውድብ ኪትምስርት ስለዚደለየት፣ካብ ምስ ህግ ዚነበሩ ምሩኻት በዓል ናይ ሎሚ ጀነራል ባጫ ደበሌ፣ ብሪጋደር ጀነራል ኣባዱላ ገመዳ ወዘተ- ዚኣመሰሉ ከምዚጽንበሩ ተገብረ። ክሳብ ምትሓዝ ኣዲስ ኣበባ ኣሃዱታት መካናይዝድ፣ኮማንዶ፣ሃንደሳን ስለያን መሪሖማ ኣራት ኪሎ ኣእተውዋ።

Re: ኮምፓሱ ዝጠፍኦ ፖለቲካ ትግራይ! (ካብ 1975-2022)

Posted: 21 Jan 2022, 16:42
by Fiyameta