Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Eripoblikan
Member
Posts: 3206
Joined: 15 Sep 2019, 13:49

ኢሰያስን ቁጠባ ኤርትራን

Post by Eripoblikan » 17 Jan 2022, 11:54

ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘሎ ቍጠባ ኤርትራ ተመሓየሸ ማለት ዘበት’ዩ። ምኽንያቱ ኢሰያስ ኮነ ኢሉ እዩ ንቍጠባ ኤርትራ ዘማህምኖ ዘሎ። ካብ ቢሻ ዝተረኽበ ኣታዊ ኣበይ ከም ዘሎ ኣብ ዘይፍለጠላ ሃገር ምዕባለ ክርከብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሃገር ክምዕብል እንተ ተደልዩ ጸጋታት ጨው፡ ዓሳ፡ ሕርሻ ሃገርና ክንሰርሓሎም ኣለና። ኢሰያስ ከሎ ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ክንደይ ትካላት ድዩ ኣዕንዩ ኢሰያስ። ፋብሪካ ጥርሙዝ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን ዝጀመሮ ትካል ማንግሮቭ ኣብ ግማግም ባሕሪ፡ ተጀሚሩ ዝነበረ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ዝነበረ ሕርሻታት ኣራንቺ፡ መንደሪኒ፡ ወይኒ ወዘተ ብሰንኪ ነዳዲ ሓሪሩ ዝተረፈን ዝተፈላለያ ብሰንኪ ምኽልካል ዶላር ደው ዝበላ ፋብሪካታትን ወዘተ። ዕላማ ኢሰያስ ንቍጠባ ኤርትራ ምድኻምን ንህዝቢ ኤርትራ ምስቃይን’ዩ።

------------------

ካብ መርበብ ኢንተርነት ዝተወስደ