Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
tarik
Senior Member+
Posts: 33283
Joined: 26 Feb 2016, 13:04

ምምሕዳር ባይደን ድሕሪ'ቲ ጃንዳ ማለሊት ኣብ ክልል ዓፋር ዝወረዳ ዘሕፍር ስዕረት፡ሎሚ ብወግዒ 1000 ሰራዊት ናብ ጅቡቲ ከንቀሳቕስ ሙዃኑ ኣፍሊጡ!!! WEEY GUUD !!!

Post by tarik » 28 Nov 2021, 21:57

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን
4 hrs ·
ትሓድጎ እንተበልኩስ ትውስኸሉ❗❗

ምምሕዳር ባይደን ድሕሪ'ቲ ጃንዳ ማለሊት ኣብ ክልል ዓፋር ዝወረዳ ዘሕፍር ስዕረት፡ ሎሚ ብወግዒ 1000 ሰራዊት ናብ ጅቡቲ ከንቀሳቕስ ሙዃኑ ኣፍሊጡ።

ከምቲ ብሰፊሑ ክንከታተሎ ዝቐነና፡ ጃንዳ ማለሊት ኣብ ክልል ዓፋር ሚሊ ንምሓዝ ከተካይዶ ዝቐነየት ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዓቢ ስዕረት ገጢሙዋ'ዩ ዘሎ። ንጭፍራ ብምሓዝ ባቲ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ከበባ የእትዩ ዘሎ ሓይሊ ፈደራል ኢትዮጲያ፡ ብኽልተ መኣዝናት ተበጊሱ ንኮምቦልቻን ወልድያን ገስጊሱ ይርከብ። በዚ ዝተሰናበደት ኣሜሪካ ነቲ ሰፊሕ ናይ ምጥቃዕ ምንቅስቓስ ደዉ ንምባል ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳት ክትገብር ዉዒላ ኣላ። ብፍላይ ሰክረታሪ ብሊንከን ናብ መራሕቲ ኬንያን ጅቡትን ሱዳንን ብምዱዋል፡ እቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ጀሚሩዎ ዘሎ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ ኣሎ።

ነዚ ተኸቲሉ ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ዘዉጻቶ ዜና- 1000 ኣባላት ሰራዊታ ካብ ቨርጂንያ ተበጊሶም ናብ ጅቡቲ ከቕንዑ ሙዃኖም ገሊጻ ኣላ። ብመሰረት እቲ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣሜሪካ እቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኩነታት ንረብሓታታ ሓደጋ ክፈጥር ጀሚሩ ምህላዉ'ያ እትገልጽ። ብኸመይ'ዩ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓደጋ ዝፈጥረላ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ መልሲ ባህርያት ምምሕዳር ባይደን ብምዕዛብ ክንምልሶ ንኽእል።

ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ጃንዳ ማለሊት ብረቀቕቲ ናይ ሳትላይት መሳርሒታት እንዳ'ደገፈት ክሳብ ከባቢ ሚሊ፡ ካብ ሚሊ ሓሊፋ ዉን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምእታዉ ህርዲግ ክትብል ጸኒሓ'ያ። ብዘይካ'ዚ ቐ/ሚ ዶ/ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ስልጣኑ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣረኪቡ ካብ ሃገሩ ክወጽእ ብሰፊሑ ጎስጊሳትሉ'ያ። ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ክግበር ዝጸንሐ ወራር ግብረመልሲ ከይሃበት ጸኒሓ፡ ሕጂ ሰራዊት ኢትዮጲያ ናብ ክልል ትግራይ ንምእታዉ ምንቅስቓስ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ሰራዊታ ከተንቀሳቕስ ምምራጻ ብዙሕ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ከም እንዝክሮ ኣብ ዝሓለፉ 2 መዓልታት መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ቻይና ኣብ ሰፊሕ ነጥብታት ዝጠቓለል ስምምዕ ፈሪሙ ኣሎ። ካብ ዋሽንግተን ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ፡ ኣሜሪካ ቻይና ናብ ኤርትራ ንምእታዉ ጀሚራቶ ዘላ ሰፊሕ ስምምዕ ከቢድ ስግኣት ከም ዝፈጠረላ ይሕብር።



eritrea
Member
Posts: 2804
Joined: 25 May 2007, 13:45

Re: ምምሕዳር ባይደን ድሕሪ'ቲ ጃንዳ ማለሊት ኣብ ክልል ዓፋር ዝወረዳ ዘሕፍር ስዕረት፡ሎሚ ብወግዒ 1000 ሰራዊት ናብ ጅቡቲ ከንቀሳቕስ ሙዃኑ ኣፍሊጡ!!! WEEY GUUD !!!

Post by eritrea » 28 Nov 2021, 22:37

Please wait, video is loading...

Post Reply