Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ብዛዕባ ሱዳን እንታይ ይበሃል ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 24 Oct 2021, 16:59

ብዛዕባ ሱዳን እንታይ ይበሃል ኣሎ ?




ሓደ ንጉዳይ ሱዳን ካብ ውሽጡ በትቢቱ ዝፈልጥ'ሞ ግን መንነቱ ሓቢኡ ሓበሬታ ዝዝርግሕ ሱዳናዊ ከምዚ ዘስምዕ ይብል ፥

ናይ ሱዳን ናይ ጸጥታ ሓላፊ ዝነበረ ሳላሕ ጎሽ ( ቀደም ንእብን ላድን ምስ ኣል-በሺር ተሓባቢሩ ኣብ ሱዳን ዘአንገደ ) ካብ ንእሰነቱን ተማሃራይን እንከሎ ስሩዕ እስላማዊ ምንቅስቓስ ዝነበረ ኣብ 'ዚ ኣጋ መጨረሽታ ዓመታት ምስ እቶም ብጾቱ ብዝተፈላለየ ጉዳያት ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ስለ ዝነበሮ በብቅሩብ ካብኣቶም እንዳ ረሓቐ ምስ ምዕራባውያን ብናይ ውልቁ መስመር ምቅርራብ ክገብር ጀሚሩ ። ሳላሕ ጎሽ ንኣብነት ምሳኻ ንዝተሓባበሩ ሰባት ኣብ ክንዲ ብምፍርራሕ ጠባቢርካ ባዕላቶም ካብ እቲ ዝደለኻዮ ዝያዳ ክገብሩልካ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኔርዎ ። እቲ ዝጥቀመሉ መጠበሪ ሰልድን ደቂ-ኣንስትዮን እዩ ኔሩ ። በቲ ዝተጠቀሞ ብልሓት ሳላሕ ጎሽ ጸብለልትነቱ ምስ ኣረጋገጸ ብጉዳይ ጸረ-ሽበራ ምስ ምዕራባውያን ዝነበሮ ርክብ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐን ኣሜሪካውያን ምሉእ እምነቶም ምስ ኣምበሩሉን ናብ ኣሜሪካ መጺኡ ምስ ሓላፍቲ ሲ.ኣይ.ኤ ከም ዝራኸብ ጌሮሞ ። ብድሕሪኡ ሳላሕ ጎሽ ምስ ምስራውያንን( ጎይቶት ምስሪ ዝኾኑ ገለ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ) ኣሜሪካውንን ተማኺሩ ንእስላማዊ ስርዓት ካብ ሱዳን ንምብራር መደብ ኣውጺኡ ። ሳላሕ ጎሽ ነዚ መስመር ሒዙ ክጓዓዝ እንከሎ ብሕብእ-ሕብእ ዘይኮነስ ዳርጋ ብዕሊ እዩ ኔሩ ። ምስራውያን ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ሽበራ ትካላት እንከለዎም ናይ ሱዳን እስላማውያን የፍርሕዎምን የሰግእዎምን ስለ ዝነበሩ ነቲ ናይ ሳላሕ ጎሽ ምንቅስቓስ ብኣጋኡ ባሪኾሞ ።

ዑመር ኣል-በሺር ብሽነኹ ናብ ምብራኽ እኳ እንተ ዘይበጽሐ ገለ ክግበር ከም ዘለዎ ስለ ዝተሰምዖ ኣብ ገለ ምርድዳእ ምስ ሳላሕ ጎሽ በጺሑ ኔሩ ። ኮይኑ ግን ቀቅድሚ ካብ ስልጣን ምውራዱ ሓሳቡ ቀይሩ እምቢ ኢሉ ። ውጥን ሳላሕ ጎሽ እንታይ ይመስል ኔሩ ? ሳላሕ ጎሽ ንኣል-በሺር ካብ ስልጣን ኣልዩ ንሓምዶክ ( ናይ ሕርሻዊ ቁጠባ ምሁር ) ናይ ፋይናንስ ሚኒስተር ክገብርን ንሱ(ጎሽ ባዕሉ) ዘዝሓረዮም ካልኦት ሰባት ድማ ሚኒስተራት ክስይም መደብ ኣውጺኡ ኔሩ ። ድሕሪ ናይ ምስግጋር ውሱን እዋን ድማ ምርጫ ተጌሩ ሱዳን ዘይ እስላማዊ ስርዓት ትተክል ዝብል ድልየት ኔርዎ ። ኣብ 'ዚ እዋን 'ዚ ሳላሕ ጎሽ ንስርዓት ኣል-በሺር ምስ ኣውደቐ በቲ ኣብ ሱዳን ዝነበሮ ናይ ጸጥታ መዝነት ብዙሕ ስለ ዝፈልጥ ኣብ ምስሪ ኮይኑ ንምስራውያን ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ በብሓደን በብሰዓቱን ሓበሬታ ኣብ ምቕባል ይርከብ ።

ከም መቐጸልታ ውጥን ሳላሕ ጎሽ ምዕራባውያን ሕጂ ኣብ ሱዳን እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ? ምዕራባውያን ዝኣልይዎም ኣብ ሱዳን ክልተ ሓይልታት ኣለዉ ፥

1_ደቂ ኣምነስትን ሚሳላውያን ( ኣይዲያሊስትስ) ሊበራላውያንን
2_ወተሃደራት ።

ምዕራባውያን እንተ ኮይኑሎም እቶም ደቂ ሊበራላውያንን ደቂ ኣምነስቲን ኣብ ሱዳን በርጌሳዊ መንግስቲ ክተኽሉ ይደልዩ ። እንተ ዘይኮነ ኣብ ሱዳን ብወተሃደራት ዝእለ ስማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ይደልዩ ። ስማዊ ከበሃል እንከሎ ምርጫ ጌርካ ፓርላማን መንግስትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ይህልወካ ግን እቲ ቀንዲ ስልጣን ኣብ ኢድ ወተሃደራት ይኸውን ( ኣብ መሬት ቀይሕ መስመር ብምሕንጻጽ ማለት እዩ ። )





Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ብዛዕባ ሱዳን እንታይ ይበሃል ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 25 Oct 2021, 11:54




ሓንቲ ሓፍትና ሱዳናዊት ( ኢሳያስ ሓወይ እንዳበለት ትዛረብ መልሓሳ ጎማዲ ከም ሴፍ፡ ዋዕሮ፡ ወላዲኣ ወዲ ቢን ዓምር - ኣብ ሱዳን ብገለ ዝፈርሕዋ ባእታታት ኤርትራዊት ኢኺ እንዳ ተባህለት ትኽሰስ ) ብቕድሚ ትማሊ ከምዚ ኢላ ፥

1_ንሕና ንወተሃደራት ክንከሶም ኣይንኽእልን ኢና ። ምኽንያቱ ንዓና ተገልቢጦም ብዓሌታውነት ከይከሱና ።

2_ሕጂ ወተሃደራት ምስ ደቂ ምዕራብ ሱዳን ( ቐራባ ) ዝገብርዎ ዘለዉ ምቅርራብ ጽቡቕ እዩ ። ምስ ሙሃመሺን/ዝተዋሰኑ ሓይልታት ከም በዓል ኣርኮ ምኒ ምናዊ ( እንተ ኣስተብሂልኩም ስድራ-ቤቱ ስጋዕ ሕጂ ናይ ኣፍሪቃ ኣስማቶም ዓቂቦም ይርከቡ!! ) ን ጂብሪልን ምትሕብባሮም ዝምጎስ እዩ ። ቅድሚ ሕጂ ኣል-በሺር ንገለ ደቂ ስሜን ዘይኮኑ ኣብ ጥቓኡ ከቕርቦም ምስ ፈተና ኣብ 'ቲ ዓሌታዊ ኣይኮንኩን ዝብል እስላማዊ ምንቅስቓስ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ። ነዚ ናይ ኣል-ቡርሃን ስጉምቲ ከም መአረምታ እየ ዝርእዮ ። ቀደም ከምዚ ትገብሩ ኔርኩም ኣብ ሕጂ በጺሕኩም ደኣ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ከልዕል ኣይደልይን እየ ። እዚ ከዓብ/ሕማቕ ዝበሃል/ትብልዎ ኣል-ቡርሃን ንሓደ ምሁር ወዲ ምዕራብ ሱዳን ኣብ ማእከላይ ባንክ ሱዳን ዝለዓለ መዝነት ሂብዎ ኔሩ ። ካልኦት ( ደቂ ሰሜን ሱዳን ) ተዛራርዮም ካብ ቦትኡ ከህድምዎ ክኢሎም ። ቅድሚ ሕጂ ሓደ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ባጀላ ዘለዎ ናቶም ስለ ዝኾነ ዓቢ ቦታ ኣትሒዘሞ ። ኣነ ዝገርመኒ ሉቕማን ኣሕመድ ( ብቋንቋ ዓረብ ምምላኽ ዝተወርየ ዓቢ ጋዜጠኛ ወዲ ዳርፉር ) ስለምንታይ 'ዩ በቶም ካብኡ ዘይበቕዑ ኣብ ቲቪ ሱዳን ዝምራሕ ? ( ሓደ ተሳታፊ ፥ ቀደም ቅድሚ ናብ ቢቢሲ ምኻዱ ዝሓዝሉ ነገር ስለ ዝነበሮም ኣፈራሪሖም ኣብ ትሕቲኦም ረጊጾም ሒዘሞ ። ) ተለቪዥን ሱዳን ንዓና ኣይውክለናን እዩ ። እተን ኣብኡ ዝሰርሓ ነዓና ኣይውክላናን እየን ። ንዓና ኣይመስላን እየን ። ንመብዛሕቲ ህዝቢ ሱዳን ኣይውክላን እየን ። ኣብ ሱዳን ናይ ዓሌት ኣፈላላይ ኣሎ ። ሓቂ 'ዩ ዋላ ዓሌታውነት እንተ ኣሎ በዓል ኣርኮ ምኒ ምናዊ ተዛረብቲ ስለ ዝኾኑ ብፍላይ ንመንእሰያት ደስ ይብልዎም እዮም ...ግን ዓሌታውነት/ወገንነት ( ዑንሱሪያ ) ኣብ ሱዳን ዓቢ ጸገም እዩ ዝፈጥር ... ከዘንትወልኩም ሓደ ወዲ ምዕራብ ሱዳን ኣብ ካርቱም ናይ ፖሊስ ጠቕላሊ ሓላፊ ክኸውን ምስ ደለየ ምስናይ ብቕዓቱ " ዋላ እንተ ሞትካ ኣይትኸውንን ኢኻ/ዝገበርካ ተገበርካ " ኢሎሞ ።

3_ኣብ ሱዳን ንቕሓት ሃልይወን ብዛዕባ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ዝግደሳ ድቂ-ኣንስትዮ ኣዝየን ውሑዳት እየን ። ዳርጋ ኩለን ከምዚ ተኸደና እንተ በልወን ፡ ኣካይዳኽን ከምዚ ክኸውን ኣለዎ እንተ በልወን ሱቕ ኢለን እየን ዝሰምዓ ። ኣነ ከምዚታት ነገር ኣይቅበሎን እየ ። እንታይ ከም ዝኽደን ባዕለይ ክውስን እየ ዝደሊ ። ከማይ ዝኣመሰላ ግን ሓደ ካብ ሚእቲ ምዃነን ኣይስሕትን እየ ።( እዛ ተቓላሲት መሰረታዊ ለውጢ ክተምጽእ ክትደሊ ጽቡቕ እዩ ግን ኣበየናይ ሕብረተ-ሰብ ትነብር ከም ዘለኻ ክትፈልጥ ኣለካ ። ዝተወራረሰ ባህልን ልምድን - ምስ ጉደለቱ - ከም ዘሎ ክትፈልጥ ኣለካ ባሃሊት ኢያ ። እዚ መልእኽቲ ናብ እቶም ካብ ምዕራብ ተለቒሖም ተላቓቒሖም ኣብ ሱዳን ሕግታት ክቐያይሩ ንዝደልዩ ሰባት ዝቐንዐ እዩ ። ዶክተር ጂብሪል (ወዲ ዳርፉር - ምዕራብ ሱዳን ) ንባዕሉ ናብ ናይ ሱፊ ተኸተልቲ ( መንፈሳውያን /ብራዘርሁድ ዘይኮኑ) ቀሪቡ ንሕና ናይ " ኻዋጃት "/ጸዓዱ/ዋይትማን ልቃሕ ሕግታት ኣይንድግፍን ኢና ኢሉ ተዛሪቡ ኔሩ ። )



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ብዛዕባ ሱዳን እንታይ ይበሃል ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 25 Oct 2021, 13:40


መቐጸልታ ናይ እታ ሓፍትና ዝበለቶ ፥

4_ነቶም ያታውያን መራሕቲ ( ምብራቕ ሱዳን ) ከኣ ኣይትንዓቕዎም ። ገለ ካብቶም ኣነ ዝረኸብክዎም ኣብ ራሽያ ምህንድስና ተማሂሮም ሰለስተ ኣርባዕተ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኣለዉ ። ናዝር መሓመድ ኣል-ኣሚን ትርክ ንገዛእ ርእሱ ምሁር እዩ ። ኣቡኡ ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተማሂሩ ። ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብዙሕ ድኽነትን ከም ተቕማጥ ዝኣመሰሉ ዘምጽኡ ሕማማት ኣለዉ ። ደቂ ምብራቕ ሱዳን ብዛዕባ ናይ ብሓቂ ሽግራቶም ክዛረቡ እንከለዉ ክስምዑ ይግባእ ።

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ብዛዕባ ሱዳን እንታይ ይበሃል ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 26 Oct 2021, 11:32




ኣል-ረቢዕ ካብ ዓደ-እንግሊዝ ፥ እዚ ሓዲሽ ኩነታት ኣብ ሱዳን ምስ ኣጓነፈ ኣብ'ዚ ቀልጢፈ ወጺአ ክዛረብ ኣይደለኹን ኔረ ግን ኣገዳሲ መብርሂ ዘድልዮ ነገራት ስለ ዘሎ ካብ ምዝራብ ክቑጠብ ኣይከኣልኩን ። እንታይ እዩ ተጌሩ ይመስለኩም ? መንግስቲ ናይ ግድን ተቐይሩ ብዘይ ሰልፋውያን ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሰባት ክትካእ ኣለዎ ምስ ተባህለ ኩሉ ሓሓሳቡ ምስ ኣቕረበ ሓመዶክ በሉ ምስ 'ቶም መሻርኽትና ደቂ ቓሕት ( ናይ ሓርነትን ለውጥን ሓይልታት/ቑወት ኣል-ሑሪያ ዎ ኣል-ተቕይር ) ክራዳዳእ ኢሉ ምስ ከደ እቶም ደቂ ቓሕት ለውጢ ናይ ግድን ካብ ኮነ ንስኻትኩም ነዓና ውሕስነት ( ካብ ታሓታትነት ? ) ክትህቡና ኣለኩም ኢሎም ። ኣብ'ዚ ነጥቢ እዚ ምስምማዕ ስለ ዘይተኻእለ ወተሃደራት ኣብ ወጋሕታ ቅሩብ ድሕሪ ሰዓት ኣርባዕተ ብጽፉፍ ኣገባብን ብመጽናዕትን ነቶም ዝድለዩ ሰባት ነናብ ገዝኦም ከይዶም ቀርቀብ-ቀርቀብ ኣቢሎሞም ። ኣባላት ቓሕት - ከም ደጋጊመ ዝበልክዎ - ህዝባዊ ሰረት /ቓዒዳ/ የብሎምን ። እቶም ተታሒዞም ዘለዉ ምስ ወጽኡ ከም ሰቦም " እዚ እኳ ሚኒስተር እዩ ኔሩ " ክባሃሉ እዮም ። ገበን እንተ ፈጺሞም ከኣ - ኣነ ብዛዕባኦም ብዙሕ ናይ ብልሽውና ፋይላት ኣሎ እየ ዝብል - ተሓተትቲ ይኾኑ ። እቲ ውሕስነት ሃቡና መበሊኦም ኣዝዩ ዘገርም እዩ ። ንስኻ ገበን እንተ ዘይፈጺምካ እንታይ ውሕስነት ዘሕትት ኣሎካ ? ኣነ ኣዝየ ተሓጒሰ እየ ዘሎኹ ። ኩሉ ህዝቢ ሱዳን ድማ ምሳይ ። ኣብ'ዚ ሓደ ንስኻ ኮዝ ( ኩባያ/ኣዛን - ንእስላማውያን ሓፋሽ ዝሃቦም መነኣኣሲ(pejorative) ስም ከምዚ በዓል ሓላፊ መንገዲ " መሽረፈት " ኢሎም ዝጻረፉ ! ) ኢሉ ይጸርፈኒ ኣሎ ! ሕጂ ንኣሜሪካኡ ዝምለስ ንኣሜሪካኡ ይምለስ ፡ ንዓደ-እንግሊዝ ከምኡ ፡ ንፈረንሳ ከምኡ ። መንግስቲ ድማ ብመነባብሮ ናይ ህዝቢ ሱዳን ዝፈልጡን ኣብ ሱዳን ዝነብሩን ዘይ ሰብ-ክልተ-ፓስፖርት ዝኾኑ ሱዳናውያን ደቂ ዓዲ ብቑዓት ሰብ ፍሉይ ክእለት ይምስረት ። ድሕሪ ናይ ስግግር እዋን ድማ ምርጫ ተጌሩ ኣብ ሓዲሽ መድረኽ ንኣቱ ።



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ብዛዕባ ሱዳን እንታይ ይበሃል ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 26 Oct 2021, 13:49



ቓልብ ጠይፉር ኣብ ፓሪስ ዝቕመጥ ናይ ሱዳን ፖለቲካዊ ነጣፊ ብወቕታዊ ኩነታት ሱዳን ቅሒሩን ሓሪቑን ክዛረብ እንከሎ ብዛዕባ ሓመዶክ ሓንቲ ዛንታ ኣዘንቲዉልና ። ሓደ ግዜ ኣብ ሎንዶን ገለ ሱዳናውያን - ሓመዶክ ዘለዎም - ብሓንሳብ ተቛጺሮም ኣብ ሓደ ገዛ ናይ ሓደ ወዲ ዓዶም መስተ እናሰተዩ ዕረፍቲ መጨረስታ ሰሙን እንዳ ኣሕለፉ እንከለዉ ኣብ ነንሕድሕዶም ምስሕሓብ ይጅምር እሞ ስጋዕ ክዳውንቶም ምቅዳድ በጺሖም ወታዕ-ታዕ ምስ በዝሐ ፖሊስ እንግሊዝ ተጸዊዖም ነቶም ተባኣስቲ ሒዞሞም ይኸዱ ....እዚ ኩሉ እንዳ ተገብረ እንከሎ ተማሃራይ ሓመዶክ ከምዛ ሃለዋቱ ዘጥፍአ ካብ ኮፍ ኢሉላ ዝነበረት ኩርሲ ምንቕ ከይበለ ንጽባሒቱ ነቶም ብጾቱ ትማሊ እንታይ ኮይኖም እዮም ዝባኣሱ ኔሮም ኢሉ ሓቲትዎም ።

መደምደምታ ናይ ጠይፉር ፥ ከምዚ ዝኣመሰለ ድንዙዝ ከመይ ጌሩ ሃገር ክኣልን ክመርሕን ። ወተሃደራት ከማን ነዚ ዝገበርዎ ክገብሩ እንከለዉ ምስኣታቶም ተማሊኦሞ ኣለዉ ።

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ብዛዕባ ሱዳን እንታይ ይበሃል ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 27 Oct 2021, 14:15



እታ ሓፍትና ኣብ ላዕሊ " ቲቪ ናይ ሱዳን ንዓና - ንዝተዋሰኑን ግዳይ ኣፋላላይ ዝኾኑ ክፋላት ናይ ሱዳን - ኣይውክለናን እዩ ። እተን ኣብኡ ዝሰርሓ ንዓና ኣይውክላናን እየን ። ነዓና ኣይመስላን እየን ። " ዘስምዕ ተዛሪባ ኔራ ። እዚ እንታይ ማለት እዩ ?

ዶክተር መሓመድ ኣ(ል)-ዜን ዝበሃል ምሁር ኣብ 'ዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባ ሱዳን ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ኢሉ " ሽግር ናይ ሱዳን ካብ ቀደም ዝጀመረ ቅዋም ከውጽኡ እንከለዉ ንመንነት ናይ ሱዳን ኣብ ምስልምናን ዓረባውነትን ምሕጻሮም እዩ ። ከምኡ ክገብሩ እንከለዉ ንመብዛሕቱ ህዝቢ ሱዳን ነጺሎሞ ። መንነት ናይ ሱዳን ኣፍሪቃዊ ኮይኑ ብቋንቋ ከኣ ዓረብ ኣለዉና እንተ ተባህለ እንታይ ጸገም ኔርዎ ? "

ስለ'ዚ ኩሉ ነገር ብጌጋ ስለ ዝጀመረ ቲቪ ሱዳን (ማእከላይ) ድማ ብመምርሒ ነቲ ጌጋ መስመር ሒዛ ነቲ ናይ ዓረባውነት ባህልን ቋንቋን ንዕዑ ይውክልዎ እዮም ትብሎም ሰባትን ናብ ቅድሚት ናይ ምድፋእ ስራሕ ናተይ ኢላ ሒዛቶ ። ሕጂ ከም ኣብነት ኣብ ቲቪ ሱዳን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ክትርእየን እንከለኻ ካብ ዝተፈልየን ውሱንን ቦታ ናይ ሱዳን እየን ። ግን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን እቲ ሽግር ምኽንያቱ እተን ደቂ ኣንስትዮ ነብሰንን መንነተንን ናይ ምቕባል ጸገም 'ውን ኣለወን ።

ሓደ ጋዜጠኛ ሓደ እዋን ክጽሕፍ እንከሎ እንታይ ይብል ? ንሓደ በዓል ሓላፍነት ቲቪ ሱዳን እዘን ደቂ ኣንስትዮኹም ስለምንታይ እየን ከም ገለ ዝመስላ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረቦ ' ኣብ ስራሕ ክንቆጽረን እንከለና ቀንዲ ሕብሪ ቆርበተን ሒዘን ይመጽኣ በብቅሩብ ምስ ግዜ እንዳ ተመለጣ ስለ ዝኸዳ ኣብ መጨረሸታ ከም'ዚ ትርእይወን ዘለኹም ይኾና ' ዝብል መብርሂ ብዘይ ደስታ ሂቡሉ ።


Post Reply