Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

" ካብ ነንበሳ ዝተባህለ ተረፍ ስጋን ንኣህባይ ዝተባህለ ተረፍ በናናን በሊዑ ዝዓበየ ሰብ ብዙሕ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ ! "

Post by Abe Abraham » 22 Oct 2021, 11:36





" ካብ ነንበሳ ዝተባህለ ተረፍ ስጋን ንኣህባይ ዝተባህለ ተረፍ በናናን በሊዑ ዝዓበየ ሰብ ብዙሕ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ ! "

ትማሊ ቅልጥፍ-ቅልጥፍ ኢለ ህሉው ኩነታት ናይ ሱዳን ኣብ ዩትዩብ እንዳ ተኻታተልኩ እንከለኹ ሓደ ሱዳናዊ " ኣብ ሱዳን ናይ ብሓቂ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት የብልናን ። እዞም ነንሕድሕዶም ክሳሓሓቡ ትርእይዎም ዘለኹም መሳሓሓቢኦም ናይ ሃገር ጉዳይ ዘይኮነ ስሰዐን ውልቃዊ ቅርሕንትን እዩ ። ቱራቢ መልሓሱ መርዛም ስለ ዝነበረ ምክትሉ ንዕዑ ጠሊሙ ምስ ኣል-በሺር ምስ ተጸንበረ '' ካብ ነንበሳ ዝተባህለ ተረፍ ስጋን ንኣብህባይ ዝተባህለ ተረፍ በናናን በሊዑ ዝዓበየ ሰብ ብዙሕ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ ! " ኢሉ ተዛሪቡ ። እቲ ብደዐ መበገሲኡ ፥ እቲ ዝጠለሞ ብጻዩ ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ኮይኑ ወላዲኡ ኣብ መካነ እንስሳታት ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ክምለሱ እንከለዉ ካብ 'ቲ ስጋ ናይ ኣናብስን በናና ናይ ኣህባይን ቆንጢሮምን ሰሊዖምን ድራር ደቆም ንገዛ ሒዞም ይኸዱ ስለ ዝነበሩ እዩ ። ከም'ቲ ዝበሃል ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ( ብትምህርቱ ጠበቓን ዓረብን እንግሊዝን ጽቡቕ ዝዛረብ ) ኣብ ሱዳን ዓቢ በዓል ስልጣን ምስ ኮነ ነቲ ኣቡኡ ዝሰርሓሉ ዝነበረ መካነ እንስሳታት ከም ዝፈርስ ጌሩ ። ከምቲ ዝውረ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣቡኡ ብጽፍሩ ዝነብር ( ዒሳሚ ) እንከሎ ብታሪኽ ኣቡኡ ስለ ዝሓፈረን ወዲ ዓበይቲ እየ ንምባልን ስለ ዝደለየ እዩ ።


Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: " ካብ ነንበሳ ዝተባህለ ተረፍ ስጋን ንኣህባይ ዝተባህለ ተረፍ በናናን በሊዑ ዝዓበየ ሰብ ብዙሕ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ ! "

Post by Abe Abraham » 22 Oct 2021, 14:39



ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ንሓሰን ኣል-ቱራቢ ጠሊሙ የማናይ ኢድ ናይ ኣል-በሺር ( ሓሳቢ ሓንጎል ) ስለ ዝነበረ ብብዙሓት ዝተጸልአ እዩ ኔሩ ። ከምኡ ስለዝኾነ ኣል-በሺር ካብ ስልጣን ምስ ተገለለ ገለ ጸላእቲ ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ቅሩብ ብደዐ ዝተሓወሳ " ፋእር ኣል-ፋሓም " ( ኣንጭዋ መኻዚኖ ፈሓም - ብውሽጢ ውሽጢ ክትከይድ ብመዓት ሕምሻሽን ዶሮና ፈሓምን ተሽፊና ዝተደወነት ) ዘርእስታ ናይ ጸርፍን ወቐሳን ደርፊ ኣውጺኦምሉ ። እነሀለት እታ ደርፊ ፥

እታ ደርፊ ፥ ክፍኣት ግብርኻስ ብመን ኢና ክንዕቅኖ ( ንስኻስ ምስ መን ክነዳርገካ ኣንታ ክፉእ ግበሪ ) ኢላ ኢያ ትጅምር።



https://www.youtube.com/watch?v=hHv4VcXjz1Q

https://www.youtube.com/watch?v=5cGPcxE03Y8

Post Reply