Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abisol
Member
Posts: 1
Joined: 21 Oct 2021, 11:34

ናይዚ ቅንያት’ዚ ውጥን ኲናት ወያነ

Post by Abisol » 22 Oct 2021, 03:44

ናይዚ ቅንያት’ዚ ውጥን ኲናት ወያነ
- መንግስቲ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ሰራዊት ኣሰሊፉ ንገዚፍን ሓደገኛን መጥቃዕቲ ተዳልዩ ኣሎ። ቀንዲ ኣንፈት ናይቲ ኣብ ሕዳር ዝብገስ መጥቃዕቲ፡ ብሑመራ ናብ ሽረ ብምግስጋስ፡ ንዓድዋን ኣኽሱምን ዓዲግራትን ሒዝካ መቐለ ምእታው እዩ።
- ነዚ ንምብርዓን፡ ከምቲ ሻዕብያ ኣብ 6ይ ወራር፡ ሰራዊት ደርግ ንመጥቃዕቲ ቅድሚ ምብጋሱ፡ ንጡፍ ተበግሶ ወሲዱ፡ ውጥኑ ዘራሪጉ ኣብ መደቡ ዘእተዎ፡ ዘሎ ሓይሊ ኣኽቲትካ በርቃዊን ናይ መወዳእታን ስጉምቲ ምውሳድ።
ወጥን ኲናት፦
- ብጸጋማይ ግንባር፡ ንጭፍራ ተቘጻጺርካ፡ ብድሕሪት ተጠዊኻ ንባቲን ኮምቦልቻን ምሓዝ። ማዕረ ማዕረኡ፡ ብተኸታታሊ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ መከላኸሊ መስመር ውጫለን ሃይቅን ኣፍሪስካ ደሴ ምእታው። ድሕሪኡ፡ ደብረ-ብርሃን ብምውጻእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘተ ንክኣቱ ጸቕጢ ምግባር። በዚ መገዲ’ዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣማሪሩ ኣንጻር መንግስቱ ከምዝነዓዓብ ብምግባር ሕንፉሽ ሃዋህው ፈጢርካ ንትግራይ ምድሓንን ብምብራቕ ወይ ምዕራብ ብዝጠዓመ ኣንፈት ከበባ ምስባርን።

- እቲ ስርሒት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክውዳእ ኣለዎ። ግዜ እንተነዊሑ ወይ እንተዘይሰሊጡ፡ ንኸቢድ ሓደጋ ከቃልዕ ስለዝኽእል፡ ብፍጥነት ናብ ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ ተንቀሳቒስካ መከላኸሊ መስመር ምድልዳል።
ምንጪ፦ ተጸናጻኒ ካብ መቐለ