Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

መሳፍንቲ ሕ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቕን ብዝበዛን፣ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራንን ሕጂ'ውን እንተኾነ ፍጹም የብላን!

Post by Zmeselo » 20 Oct 2021, 15:35

መሳፍንቲ ሕ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቕን ብዝበዛን፣ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራንን ሕጂ'ውን እንተኾነ ፍጹም የብላን!

ብርሃነ ሃብተማርያም

19 ጥቅምቲ 2021

ቅድሚ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ምእታወይ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማን [ባህሪ] ኣተሓሳስባን መትከልን ሕልሚን መስፍናዊት ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር ክገልጽ ክፍትን እየ።

•√ ስነ-ኣእምሮእዊ ኣቃውማ [ባህሪ]፣

ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማ መስፍናዊት ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣ ኣብ ስቓይ "ርእሰ-ምትሓት" [Inferiority Complex] ዝተሰረተን ካውኡ ዝተበገሰን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ንነብሳ ዘይኰነቶ ኣጋኒና ዓባይ ንምምሳል ምፍታን [pretentious]፣ ነዚ ንምድማቕ ናብ ዳርጋ ሓቂ ንምቕያር ድማ ብጻዕቂ ኻዕቦ-ምዕሮ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብድዐን ስምዒታዊ ሆይሆይታን ለይትን መዓልትን ጽውያ፣ ካብ ኣንጭዋ ክንዲ ሓርማዝ ንምዃን ትፍትንን ትጽዕርን.........

•√ ኣተሓሳስባ፣

ካብ'ዚ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝብገስ ኮይኑ፥ ኢ-ሰብኣውነት ሕሉፍ ዓሌታውነት፥ ኣረሜናውነት፥ ስስዐ፥ ቅንኢ፥ ስርቂ፥ ዘረፋ፥ ዓመጽ፥ ቂም፥ ሕነ ምፍዳይ፥ ብቓጻ ሓደጋ ምውዳቕ፥ መርዛዊ ጽልኢ ምንዛሕ፥ ሓሶት፥ ጉራ፥ ሞጐተ-ኣልቦ ፈጠራ ጽውጽዋይን ባዶ ሓላፍነትን ተሓታትነትን፥ ታሪኽ ካልኦት ሰሪቕካ ከም ናትካ ጌርካ ምጽዋይ ምፍታን.......

•√ መትከል፣

ፍጹም መትከል ዘይብላ ምስ ግዜን ወቕትን ልክዕ ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ተቐያያራይ፣ ርእሳ ዘይትኽእልን ባዕላ ጠጠው ኢላ ኽትከይድ ኣዝያ ትሽገር ባርያን ከዳሚትን ሓያላት ባዕዳውያን ሓይልታት [ጸዓዱ ኰወጃ]፣ ሕንከት ዘይብላ ወናኒት ሓያሎይ መልሓሳት ነውራም ጭፍራ......ንኣብነት "ቃልሲ" ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣብ ጽልኢ ብሄረ-ኣምሓራ ዝተመስረተ ዘይ ምኽኑይ ዕላማ፣ ንዕኡ ንምጥፋእ ኣብ መፈለምታ መርሓኢ ተሓዚላን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትያ ስልጣን ምስ ጨበጠት ድማ እቲ ኹሉ "መትከለይ" እዩ ኢላ ከም [ deleted ] ንኽትጽብቕ በቢግዚኡ ትዀሓሓሎ ኩሕሊን ትኽደኖን ትለዋውጦን ዝነበረት ክዳውንቲ ጉሒፋ፣ ጉንዖ ሓደስቲ ጎይቶታ ኣሜርካን ኣውሮጳን ንኽትረክብ ሓድሽ ኹሕሊ ተለኻኽያ ከመስመስ እናበለትን እናተዃሸመትን ስጋብ ካብ ኮረሻ ግዝእታ ዝተኸምበለትሉን ድሓር ድማ ዝተሎኽሰሰትሉ ዝተበተነትሉን እዋን ቀጺላ።

ናይዛ ነውራም ዘይትሓንኽ ዓሌታዊትን ኣባታዊትን ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣
ህበይ'ሲ ጻድቕ ንኽትመስል ዝዋውዕ ትቖጽር
ከም ዝበሃል፣ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ከፊላን ተዃሺማን ከዲማን ንስሱዕ ሸውሃታ ንምርዋይ፣ ዘይትገብሮን ነገርን ዘይትፍንቅሎ እምንን ፍጹም የልቦን።

•√ ዕላማ፥

መበገሲ ዕላማኣ፣ ትግራዋይ ተጨቚኑ ብቛንቛ ትግርኛ ምምሃርን ምዝራብን ተኸልኪሉ ቛንቛ ኣምሓርኛ ጨቆንቲ ኣምሓራ ብግዲ ክንምሃር ተጺዕኑና፣ ህዝብና' ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ተሸሚሙ.....ወዘተረፈ ዝብል ጽውጽዋይ እዩ። ነባሪ ትግራይ ትግርኛ ምዝራብ ተኸልኪሉ ዝብሃል ጽውጽዋይ ጻዕዳ ሓሶት እዩ። እቲ ተገዲድና ኣምሓርኛ ንምሃር ኔርና ዝብል ቅጥፈት'ውን፥ ማይ ኣይቘጸርን እዩ። ምኽንያቱ ቋንቋ ኣምሓርኛ ሃገራውን መንግስታውን ወግዓዊን ዕላውን መሳርሒን መራኸብን ቛንቛ ስለ ዝነበረን ሕጂ'ውን ስለ ዘሎን፣ ከም ሓደ ዓውደ-ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያዊ ክስትምሃር ምኽንያታውን ግቡእን እዩ ነይሩ።

130 ዓመታት ማለት ኣብ 1880ታት ኣብ ሃጸይ ዮውሃንስ ንጉሰ ነገስት ዘ ኢትዮጵያ ዘመነ-መግዛእቲ ዝነበረሉ እንተ ተመልሊስና፣ ሃጸይ ዮውሃንስ ኣብ ኣኽሱም ኮይኑ ንኣብስንያ [ናይ ቀደም ስም ኢትዮጵያ ዝነበረ] እናገዝአ ኸሎ፣ ምስ ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ባዕዳውያን መንግስታት ይኹን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስቶም ሹማምንቱን መስፍናውያን ራእስታትን ብወግዒ ዝጸሓሓፈሉን ዝራኸበሉን ዝዋስእሉን ዝዛረበሉን ሃገራዊ ቛንቛ፣ ብቛንቛ ትግርኛ ዘይኮነስ ብቛንቛ ኣምሓርኛ እዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ እንከሎኹ፣ ኣብ ምሉእ ኩርንዓት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓበንን ኩርዓትን ርእሶም ኣቕኒዖም ኣብ ዝኸዱዎ ቦታታት ብቛንቕኦም ትግርኛ ነንሓድሕዶም ከይተሰከፉ ዓው ኢሎም ክዛረቡ እንከለዉ፣ ሓያሎይ ተጋሩ ግን እንዲዒ እታ "ትግርኝኦም' ተሕንኾም ግዲ ኔራ ኾይና፣ ብኣምሓርኛ እዮም ነንሓድሕዶም ዝዋስኡ ኔሮም። ናብ ዓዶም መልእኽቲ ምጽሓፍ'ውን፥ ቛንቛ ኣምሓርኛ ከም ዝጥቀሙ ብገለ ሰባት ይሕመዩ ኔሮም።

ድኽነትን ድሕረትን ንነባሪ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ተንኪፉ ወይ ተጻዒኑ ነይሩስ፣ ኣብ ትሕቲ ዓርዑት ስርዓት ሃጸይነትን መስፍንነትን ዝግዛእን ዝመሓደርን ዝነበረ ምሉእ ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝኸፍአ ደረጃ እዩ ኔሩ። ስለዚ ቛንቛን ድኽነትን ድሕረትን ዝበሃል ዘይምኽንያታዊ ጽውጽዋይን ዝብል ግኒ-ዕርፊትን፣ ንተቐማጢ ትግራይ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ንኹሉ ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ።

መስፍናዊት ህ•ው•ሓ•ት/ማ•ሌ•ሊ•ት•፣ እቲ ኣንጻር ወትሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ [ደርጊ] ነበር ተቓሊስካን ደምሲስካን ንምዕላው ሓሳብ'ውን፣ ደሓር ድማ ንምሉእ ኢትዮጵያን ባህርያዊ ጸጋታታ ተቘጻጺርካ ምግዛእን ፍጹም ኣብ ሽከንኣ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ፣ ትግራይ ነጻ ኣውጺእካ ሓንቲ ናጻ "ዓባይ መንግስቲ ሃገረ-ትግራይ" ንምምስራት እዩ ኔሩ። ንደርጊ ደምሲስካ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዝካ ምግዛእ፣ ዕላምኣ ዘይኮነስ ኣብ ሕልማ'ውን ፍጹም ኣይነበረን። ኣሹንኳይ'ዶ ንኢትዮጵያ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ምቁጽጻር፣ ንትግራይ ናጻ ምውጻእ'ውን እኹል ኣፍልጦን ሜላን ወትሃደራዊ ዓቕምን ከቶ ኣይነበራን።

ደሓር ኣብ ጉዕዞ ዝማዕበለ ናይ መወዳእታ ሕልማ ድማ፣ ምምስራት መንግስቲ "ሃገረ-ዓባይ ትግራይ" እዩ ነይሩ። ብናታ ኣገላልጻ፣ "ህዝቢ ትግራይ" ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ኣበይ ይንበር ብዘየገድስ ኩሉ ትግራዋይ እዩ ኢላ እያ ዘይጭበጥ ሕልማን ዕቡድ ሓሳባን ፈሊማቶ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ክፍለ-ሃገር ትግራይን ኣብ ከበሳ ኤርትራን ወልቃይትን ራያ-ዓዘቦን ዝነብር ህዝቢ ማለታ እዩ ኔሩ። ጠንቂ እዚ ዝሓለፈ ዓንዳርን ኣስፋሕፋሕን ኣዕናውን ኲናትን ስዒቡ ዝመጸ ሕንፍሽፍሽን ምብትታን ሕብረተሰብን ፍልሰት ኤርትራውያንን ድማ ስሩን መሰረቱን ጠንቁን ናይዛ ሸውራርን ሓባልን ክድምናን ኣመንዝራን ዀሻም ዘይፍጸም ሕልማዊ ፖለቲካ ናይዛ ኣርሜናዊትን ዓሌታዊትን ጭፍራ እዩ ነይሩ።........

ኣብቲ እርእስቲ ዛዕባይ ምስ ዝምለስ፣ መስፍናዊትን ዓሌታዊትን ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር ቀንዲ ዕላማኣ ምምስራት "ዓባይ ትግራይ" እንተ ኔሩ፣ እቲ ሕልሚ ኣብ'ቲ ማህጸን ጽፍየቱ እንከሎ 9 ወርሒ ከይዓኰኸን ከይበሰለን ብርሕሚ ኣቢሉ ፈሲሱ ብርሃን ዓለም ከይረኣየ ብሳላ ጀጋኡ ኤርትራውያን [ህ•ግ•ሓ•ኤ•] ኣብ ዓሚቕ ጋህሲ [ጉድጓድ] ንዘልኣለም ከም ዘይምለስ ንሓዋሩ ተቐቢሩ እዩ!

ጭፍራ ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ [ቅድም ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ጀብሃ ነበር ዀሸምሸም እናበለት ኩለንትናዊ ሓገዛት ንምርካብ ትገብሮ ዝነበረት ፖለቲካዊ ሽርሙጥና፣ ምስ ስም ዓባይ ጀብሃ [ተ•ሓ•ኤ•] ዝመሳሰል ስም ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ ተባሂላ እያ ተጠሚቓ ኔራ]። ጽንሕ ኢላ ምስ ተሓኤ/ጀብሃ ፍቕሪ ወዲኣ ምስ ተፋትሐት ድማ፣ ምስ ህ•ግ•ሓ•ኤ•/ሻዕብያ ክምስምስ ምባል ምስ ጀመረትን እቲ ትደልዮ ኩለንትናዊ ሓገዛት ብዝያዳ ካብ ትጽቢታ ንላዕሊ ክትረክብ ምስ ጀመርት፣ እንደገና እቲ ቀዳማይ ስማ ጉሒፋ ምስ ስም ውድብ ሻዕብያ ዝመሳሰል 'ህ•ው•ሓ•ት•' ዝብል ሓድሽ ስም ደኣ ተጠመቐት። ነቲ ጽንሰ-ሓሳባ ኣብ ደደቢት ሃ ሁ ኢላ ከተበግሶ እንከላ፣ ተባዕ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ብዘየማትእ ኣገባብን ብመትከልን ተቛዊምዎ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ብትሪ ነጺጉዎን ኣንጻሩ ተቓሊሱን ዋጋ ኸፊሉን እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ ህ•ግ•ሓ•ኤ/ህ•ሰ•ም•ሓ•ኤ• ኣብቲ 1998-2000 ዓምፈ ኣንጻር ወራሪት መስፍናዊት ስርዓት ህውሓት ነበር ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፣ ነቲ ናይ ብሓቂ መወዳእታን ሕልሚ ምምስራት ሕልሚ "መንግስቲ ሃገረ-ዓባይ ትግራይ" ከቢድን ኽቡርን ኩለንትናዊ መስዋእቲ ኸፊሉ ኣፍሽሉዎ ጥራይ ዘይኮነስ ሸኾንኣ ሓማሺሹ ኣብ ጋህሲ [ጉድጓድ] ንሓዋሩ ቀቲሉዋን ንሓዋሩ ቐቢሩዋን ሓመድ-ኣዳም ኣልቢሱዋን እዩ።

ኣረሜናዊት ስርዓት ህውሓት/ማሌሊት፣ ነቲ ኣዕናዊ ኲናት 1998-2000 ዓምፈ ከም ዓቢ ዕድል ተጠቒማ፣ ካብ "ዓንዞ ዓንዞ ንማዕጾ፣ ወይ ድማ ዘሕምቖ'ሎኒ በትሪ ሃቡኒ" ከም ዝበሃል፣ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብሰላም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣስታት 90 ሽሕ [90,000] መበቖሎም ኤርትራውያን ጥራይ ስለ ዝኽኮኑን ብኤርትራዊ መንነቶም ብዕላማ ፈልያ፣ ካብ ገዛውቶም ብለይቲ ካብ ንጥፈታቶም ብመዓልቲ ብኻድራታን ብተጋሩን ሃዲና ብምእሳርን ብምግፋዕን፣ ንዓሰርተታ ዓመታት ሰሪሖምን ጽዒሮምን ርሂጾምን ዘጥረዩዎ ዓበይትን ማእከሎትን ንኣሽቱን ትካላቶምን ንግድታቶምን ገዛውቶምን ብቢልዮናት ዶላር ዝቑጸር ገንዘቦምን ዘሪፋቶምን ሃጊራቶምን፣ በታ ኣብ ዝባኖም ጥራይ ተኸዲኖማ ዝነበሩ ዳንን ቆምሽውሽጥን ዘድልዮም'ኳ ከየልዓሉ፣ በቲ ሓደገኛ ናይ ኲናት ግምባራት ብዘይ ሕጊን ብዘይ ርሕራሐን፥ ናብ ኤርትራ ጉሒፋቶምን እያ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ኢሰብኣዊት ጀጃዊት [ፈራሕ] ወያነ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪሖም ዝነብሩ ዝነበሩ ዝተጣየሱ ኣባላት ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙን ሃዲና፣ ኣብ ኣብያተ-ቤት ማእሰርትታት ዳጒና ከም ዝሳቐዩን ኣደዳ ሕማምን ግዳያት ሞትን ከም ዝገበረቶም'ውን ናይ ትማሊ ዘይሃሰሰ ጸሊም ታሪኻ እዩ።

ጠንቂ ውግእ 1998-2000 ዓምፈ ስርዓት መስፍናዊት ህውሓት ነበር ዛጊት ብ1997 ሰፊሕ ክፋል መሬት ኤርትራ ዝሓወሰ ዘይሕጋዊ ሓድሽ ቅርጻ-መሬት ዓባይ ትግራይ [Brand new Map of Greater Tigray] ብሓገዝ ጀርመናውያን ሞያውያውያን ከለልቲ [ሓንጸጽቲ] መልክዓ-መሬት [Catagrophers] ምስ ኣስርሐትን ምስ ገበተቶን ብፍላይ፣ እንተሰሊጡዋ ድማ ንልኡላውነት ኤርትራ ጥሒሳን ኣፍሪሳን ንህዝቢ ኤርትራን ሰራዊቱን ኣምበርኪኻ፣ ንምሉእ መሬት ኤርትራ ዳግማይ ንምጉባጥ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን በቲ ሰለስተ ግምባራት ዓውደ-ኲናት ማለት ብግምባራት ጋሽ-ሰቲት ባድመን ዛላምብሳን ጾሮናን ክምኡ'ውን ግምባር ዓሰብ ዘበገሰቶ
ኦሮሞ ቦሎ ዓፋር ቦሎ ኣምሓራ ቦሎ ሶማልያ ቦሎ ደቡብ ቦሎ ጋምቤላ ቦሎ ቤት ሻንጉል ቦሎ
ኢላ ከም ወራዶ መርዓ እናጭደረት ዘካየደቶ 3 መጠነ-ሰፋሕቲ ወራራት፣ ብጀጋኑ ህ•ሰ•ም•ሓ•ኤ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኮነስ ተሓምሺሹንን ናብ ዝተበገሶ ብሕፍረት ተመሊሱን እዩ።

ጭፍራ ህውሓት/ማሌሊት እዚ ብመን ከማይን ትዕቢትን ጃህራን ፈኸራን ረኣዩለይን ስምዑለይን ባዕላ ዘበገሰቶ ናይ ጽሉላትን ዕቡዳትን ርእሰ-ቕትለትን ዳሕረዋይ ናይ ቃጻ ፈራሓት ኲናት እንተኾይኑ፣ ንኣዲስን ኣስመራን ተቘጻጺራ ስርዓታት ቀይራ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍርቃን ጐብለል ንምዃን ዝሓሰበቶ ሕልሚ፣ ስድሪ ከይተበገሰት ብ17 መዓልትታት ብቀንዱ ብጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን ዞባዊ ምልሻ ኣምሓራን ሕቑኣ ተለዂሲሳ ከም ሓርጭ ተበታቲናን ከም ፈሲ ቃንጥሻ ኣደይ ኢታይ በኒናን ተሪፋ እያ።

እታ ተረፍ መረፍ ጉጅለ ወያን ነበር፣ ሕጂ እታ ካብታ ጨሪመን ጨራሪመን ሰሪቐን ዘስፍሓኣ "ዳርጋ ዓባይ ትግራይ" 50% ንእሽቶይ ቁራጽን ብኹሉ ዝተኸበት ሓውሲ ሲኦል ትግራይ ንግዚኡ [ንኹሉ ግዜ ከምዘይኮነ ርግጸኛእየ] ሒዘን ተሪፈን። ኣሹንኳይ'ዶ ናጽነት "ንእሽቶይ ናጻ ትግራይ" ክምስርታ'ሲ፣ መግቢ ሃንዛ ጥሕሎ ዝብላዕ እኹል ማይ ዝስተ ቀረብ ናፍታ ጸዓት መመስርሒ ኰታ ንሕብረተሰብ ዘድልዮ ጠለባትን ነገራትን ዘይብለን ኾይነን፣ ነቲ ትማሊ ንኣስታት 27 ዓመታት ዝእዝዝኦ ዝነበራን ዝሕልወን ዝነበረ ዝሓየለን 80% ዘመናዊ ኣጽዋር ኲናት ኢትዮጵያ ዓጢቑ ዝነበረ እዚ ሰሜን ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ናይ ፈርሓት ብቓጻ ሓደጋ ዝወደቖኦን ኣደዳ ዕንወትን ሞትን ስንክልናን ዝገበሮኦ ሰራዊት ሕጂ ንዕኡ ዝመርሖ ዘሎ መንግስትን፣ እቲ ንትግራይና ዝግብኣና ጉንዖ [ባጀት] እእላፋት ኣቓርሽ [Billions of Bir] ብዓጸቦን ብጥሜትን ስለ ዝተጠቓዕና በጃኹም ልቐቑልና ኢለን ከይሓፈራን ከይሓነኻን ተጐምቢሔን ብምልማን፣ መስሓቕ ሸራፋትን ዓለምን ኮይነን እየን ዘለዋ። እዚ ድማ ዕላማን ሕልምን ናይ ምምስራት "ናጻ ዓባይ መንግስቲ ትግራይ" ከምዘይከኣልን ንፖለቲካዊ ሃልክን ሸቐጥን ጥራይ ምዃኑ ክአም ዝነበረ ዘርኢ ጉሉሕ ጭብጢ እዩ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ እሞ ኸኣ፣ "ሞት ዝናፈቓ ድሙስ፣ ኣፍንጫ ድሙ ትልሕስ" ከም ዝበሃል፣ተረፍ- መረፍ ኣረሜናውያን መስፍናውያን ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ካብ ዝቐደመ ዕንወትን ምፍንቓልን ስቓይን ሞትን ኣብ ክንዲ ዝመሃራ፣ ብናይ ሓሶት 'ትግራይ ትስዕር' ባዶ ቀዳድ ገረወኛ ምስሉይ [ፋልሶ] "ዓወት" ሰኺረንን መርቂነንን ዓቢደንን ዝወልዕኦ ዳግማይ ኲናት፣ ዛጊት እናተለብለባ ናብ መወዳእታ ዕርበተን ይጐዓዛ ኣሎዋ። ሕሉፍ ሓሊፈን ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ እሞ ደሓር ዝኸድዐ ካብ ላዕለዋይ ሓላፍነት ስጋብ ታሕተዋይ ተራ ወትሃደር ዝነበረ ዕሉም ገዲም ትግራዋይ ወትሃደር፣ መብዛሕትኡ ስለ ዝተደምሰሰን ዝሰንከለን እዛ ሓላፍነት ዘይስምዓ ኢ-ሰብኣዊት ተረፍ መረፍ ጭፍራ ነበር ደቂ 12-17 ትሕተ ዕድመ ህጻናት ብሓይሊ ኣገዲዳ ብዘይ ብቑዕ ወትሃደራዊ ታዕሊም ንሰሙን ዝኣክል ጥራይ ለብ ለብ ኣቢላ ብረት ኣዕጢቓን ብጃለን [ብዘይ ብረት] ኣብ ሓዊ ኣእትያ ትጥጥቖም ኣላ።

ኣብዚ ፈጺሙ ክርሳዕ ዘይብሉ መስፍናዊትን ኣረሜናዊትን ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት•፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ለማኒን ጽግዕተኛን ንምግባርን ድሕሪኡ ድማ ንኤርትራ ንምምብርካኽን፣ ብስሞም እናሸቀጠት ኣእላፋት ናይ ወጻኢ ሸርፊ [ቢልዮናት ዶላራት] ካብ ምዕራባውያን ጎይቶታ [ኣሜርካን ኣውሮጳን ካልኦትን] ጻማ ክድምንኣ ለሚና ብዝረኸበቶ ንዋይ ጁባታታ ከተሕብጠሉ ከስዕታታን ከተዘፍጥጠሉን ብዕላማ ዝሃንደሰቶን ዝሰርሓቶን መዳጎኒ ቦታታት [Concentration Camps]፣ ዝቕመጡ ዘሎዉ መሳኪን ንጹሃን ሕጻናትን ዕሸላትን ትሕተ-ዕድመን መንእሰያትን ደቀንስትዮን ዓበይትን ኣረጋውያንን ኤርትራውያን፣ ዝፍጸም ዘሎ ኣረሜናዊ ጃምላዊ ቕትለትን ጾታዊ ዓመጽን ብነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዘይርሳዕ ጸሊም ነጥቢ ታሪኽ እዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ብሓሶት
ናጻ ከውጽኣካን ናትካ መንግስቲ ክተኽለልካ እቃለሰልካ ኣሎኹ
ኢላ ትሽቅጠሉ ነባሪ ትግራይ'ውን ኣይንሓፈቶን።

ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሑ ኔሮም ኢላ ዝወንጀለቶም ወዲ ሰብ ይገብሮ ኢልካ ዘግመት ኣሰቃቒ ጭካኔ ቀቲላ ከይእኽላ ኣካላቶም ቆራሪጻ ንኸይቅበሩ ብኣዛብእን ኣኽላብትን ንኽብልዑ ብምግር፣ ካብ መርዛም ሓሳባ ዝተፈልዩን ኢትዮጵያውያን ኢና ደቕና'ውን ነቲ እኩይ ናይ ጥፍኣት ኲናት ኣይንህብን ዝበሉ ተጋሩ'ውን ብዘግ ንሕስያ እናሃደነት ትኣስሮምን ትጭፍጭፎምን ብዘይ ንሕስያ ትቕንጽሎምን ኣላ። ኹሉ ዓይነታት ማለት ነገራውን ብረታውን ገንዘባውን ምዝርጋሕን ሸፈነን ናይ ሓሶታትን ጸለመን ዘመተን ጥብቅናን ዝገበሩላ ብዝሰረቐቶ ቢልዮናት ዝቑጸር ሃብቲ ኢትዮጵያ ኸፊላ ዝዓደገቶምን ዝቘጸረቶምን ኩሎም ጎይቶታ ሓያላን ምዕራባውያን መንግስታትን ፍሉጣት ጸለውቲ ዓበይቲ ትካላትን ጉጅለታትን ውልቀሰባትን፣ ነቲ ትገብሮ ዘላ ግፍዕታትን ጃምላዊ ህልቂትን ጾታዊ ዓመጽን፣ እናረኣዩ እዒንቶም ዓሚቶም እናሰምዑ እእዛኖም ለኲቶም ክም'ቲ ዝድለ ክውግዙዋን ክኸሱዋን ኣይተራእዩን ኣይተሰምዑንን።

ጨካንን ኢ-ሰብኣዊትን ህውሓት ነበር፣ እዚ ኹሉ ኣንጻር ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ትፍጽሞ ዝነበረት ኽፉእ ሸርሕታትን ስደትን ሕጂ ትፍጽሞ ዘላ ኣረሜናዊ ኩለንትናዊ ዓመጽን ግፍዕታትን፣ ከብዶም ዝዘመዶም ስሱዓትን ተበለጽት ጠላማትን ብፍቕሪ ኣረሜናዊት ህውሓት/ማሌሊት ዝመኸኹን ቅጫን ጣውላ ብዝኾኑን፣ ንሳ ብሚልዮናት ዝገዝኣቶምን ተጋሲሳ ከም ባሮትን ከደምታን ዝቐየረቶም ገለ ኤርትራውያ ኢና በሃልቲ ነውራማት ብምትሕባርን እያ እቲ ዝወርድ ዘሎ ጃምላዊ ቅንጸላ ፈጺማቶን ትቕጽሎ ዘላን። እቶም ኣፍቀርቲ ወያነ ትግራይ ድማ ካብ ተጋሩ ንላዕሊ ዝተግረሩን
ሰራዊት ኤርትራ ክሰዓር ኣሎዎ፣ ትግራይ ትስዕር
እናበሉ ከም "ከርበ" ሒዙኒ ኢላ ብዕሙት ዝኣመነት ጎርዞ ዝግዕሩን ከም ኣድጊ ኣብ ባይታ ዘንገርግሩን ጉዳማት ዘይሓንኩ ጉጅለታትን ባእታታትን ኢዮም።

ህዝቢ ዓለም [ምዕራባውያን ሓይልታትን ናይ ተኸፈልትን ሰረቕትን ሎቛምጽን ሓሰውትን ዓበይቲ መሳኹቶምን] ግን፣ ነቲ'ዛ ሸውራርን ሓሳዊትን ወያነ ነበር ፈጠራ-ቤላቤሎ ለይትን መዓልትን ተኸፊለን እንከቃልሓን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘይተኣደነ ኣድጊ ክትሽከሞ ዘይትኽክእል ፖለቲካዊ ጽዕነትን ጸቕጥን ሸርሕን ከውርዳሉ እንከለዎ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ህልቂትን ግፍዕን ጾታዊ ዓመጽን ግን ኣንጻሩ ዋላ ሓንቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣይወሰዳን፣ ክወስዳ'ውን ኣይኮናን!!!

ስለዚ ወያነ ነበር፣ ከም ቁርዲድ ኣብ ቆርበት ሓርማዝ ተልሒግካ ንሃብታም ዓባይ ኢትዮጵያ ባህርያዊ ጸጋታታ ክሳብ ዓጽሚ ጥራይ ትተርፍ ምምጻይን ምግሃጽን እንተ ዘይኮይኑ፣ ወያነ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ዝበሃል ኣይነበራን ሕጂ'ውን የብላን!!!

እቲ ሕልሚ ምምስራት "መንግስቲ ሃገረ-ናጻ ዓባይ ትግራይ" ዝበሃል ዝነበረ'ውን፣ ከምቲ መዕበያኣን ተለዋዋጢ ባህርያታን ንነባሪ ምምሕዳር ትግራይ ብሓሶት ኣታሊላን ኣዳናጊራን ገንዘብ እናሰረቐትን እናዘመተትን ማሕፉዳኣ ከተሕብጠሉን ብስሙ እናሸቀጠት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ቸይቸይ እናበለት ብምቾት ክትነብርን'ያ እምበር፣ እቲ ሕልማስ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝተርፍስ ንሳ መስፍናዊት ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ባዕላ ኣዳዕዲዓ ትፈልጦ እያ።

ስለዚ እቲ ዘይጭበጥን ዘይግብራውን ምምስራት ሕልሚ " ሃገረ-መንግስቲ ዓባይ ትግራይ" ዝብል ዘባልን ዝምቡዕን ሸውራርን ዘይጭበጥ ስምዒታዊ ጥራይ ምትሩስ ሓሳባት ዓሌታዊትን ኣረሜናዊትን ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣ በዚ ስነ-ፍልጠታውን ምኽንያታውን ስነ-ሞጐትን ትንታነን፣ ተመምዩን ተጣሒኑን ተነፍዩን ከም ሓርጭ ተበቲኑ በኒኑ ውጽኢት- ኣልቦ ኮይኑ ንሓዋሩ ተሪፉ ማለት እዩ!!

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: መሳፍንቲ ሕ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቕን ብዝበዛን፣ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራንን ሕጂ'ውን እንተኾነ ፍጹም የብላን!

Post by Zmeselo » 20 Oct 2021, 15:47

Please wait, video is loading...

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: መሳፍንቲ ሕ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቕን ብዝበዛን፣ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራንን ሕጂ'ውን እንተኾነ ፍጹም የብላን!

Post by Zmeselo » 20 Oct 2021, 16:00




Welcomed H.E. Mr. Maurizio Massari, Permanent Representative of Italy who paid a courtesy visit 2 @Eritrea_UN. Had candid discussions on Italy-Eritrea relations, Security Council reform, possible joint initiatives @UN etc. On Ethiopia, exchanged perspectives/prospects 4 peace.
Amb. Sophia Tesfamariam: @stesfamariam


__________


Last edited by Zmeselo on 20 Oct 2021, 16:23, edited 1 time in total.

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: መሳፍንቲ ሕ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቕን ብዝበዛን፣ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራንን ሕጂ'ውን እንተኾነ ፍጹም የብላን!

Post by Zmeselo » 20 Oct 2021, 16:22





I went around in Asmara with my 📷, today! @GhideonMusa






________







Haykota sub-zone also has large protected areas for elephants, contributing to their recent growth in number. Other animals incl. traditional livestock, camels, hyenas, warthogs, foxes, among others.
FikreJesus, PhD: @FikreJesus

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: መሳፍንቲ ሕ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቕን ብዝበዛን፣ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራንን ሕጂ'ውን እንተኾነ ፍጹም የብላን!

Post by Zmeselo » 20 Oct 2021, 16:35



Promoting Sustainable Land Management

By: Ruth Abraham

https://shabait.com/2021/10/20/promotin ... agement-2/

GENERAL

Oct 20, 2021



In an attempt to remedy the destructive use of land through overgrazing, overuse of resources, deforestation, and inefficient land tenure system and agricultural practices over an extended period of time in Eritrea, the Ministry of Land, Water and Environment (MLWE) introduced Sustainable Land Management (SLM) in 2012.

SLM was piloted in Serejeka sub-zone, Central region, in 2012 to test a land management system that focuses on Xlmi which is believed to be efficient. Xlmi is a system that allows a household to hold onto farmland for a lifetime. As land allocated this way is passed down from generation to generation as a family property, farmers are motivated to invest in the land.

Diessa, on the other hand, is a land system that was practiced in the past which allowed a household to use farmland only for seven years after which farmlands are redistributed among the farmers. This system did not encourage farmers to work on their farmlands in a way that would increase the fertility of the land because they knew their stay on a particular site was short-lived, seven years.

Ownership guarantees an amount of responsibility, and it was in recognition of this that the MLWE has introduced a package of land management systems, which includes land recovery measures through fertilization, terracing, and leveling. The newly developed system is anchored in the 58/1994 Land Proclamation, that asserted the application of the SLM land distribution system.

The ownership and overall management responsibility of the wood lots are given directly to the farmers as the immediate beneficiaries, and this serves as an incentive for farmers. The project was piloted in 28 villages of Serejeka Sub-zone, covering 21,875.79 hectares of land, out of which 3.51% is a high potential, 13.35% medium potential, and 18.43% low potential agricultural land. The direct beneficiaries of the intervention are 54,470 farmers in all the villages.



Applauding the new system, Mr. Berhane Adem, a resident of Guritat, said,
The former land system was tiring and unfruitful, but the new system and management triggers an amount of devotion and hard work. The distribution is fair, in that you either get wide and relatively eroded or small and fertile land. Besides, the wealth and well-being of your village remain yours for generations to come.
Workshops and meetings have been held to raise awareness of village administrators, farmers, and other stakeholders about the goal and objectives of the SLM project. Other topics entertained at the events include land degradation and desertification control measures; the cause of land degradation and desertification and control measures; the scope of SLM and land use activities and the role of farmers in the implementation of the project; and land use and land cover principles and land use classification procedure.

The training was also given, at sub-zone and village levels, to 54 extension workers and 70 farmers on the Land Proclamation (land proclamation 94/58) and Procedures of implementing agricultural usufruct.

One of the main causes of land degradation is deforestation, which mainly results from cutting wood to be used as fuel. To mitigate the problem and support afforestation, 6940 Adhanet Mogogo, an improved energy-saving oven, has been introduced in the sub-zone. Two micro dams were also constructed in the project area in 2014 and 2015 in two villages, Unanalay and Shimanigus Tahtai. As a result, crop production increased by 30%.

According to Mr. Abraham Daniel, SLM Project Coordinator, so far 949.7 hectares of land have been farmed with a survival rate of over 80% as it is owned by individual households. Out of the 201,038 seedlings planted in 2010, 189,348, about 94.23%, are eucalyptus which is now ready to be harvested. The farmers can benefit from the sale of wood and grass and are motivated by the reforestation to start beekeeping in every village.



Land leveling and extension of irrigation fields have been done in three villages — Shimangus Laelay, Mekerka, and Geshnashim. Land leveling, which is done using heavy machinery after the land is surveyed and graded, ensures uniform distribution and efficient utilization of water during irrigation.

Farmers who have received relatively marginal farmland in the 28 villages have been given as incentive 8476 sickles, 2738 shovels, 3150 pickaxes, and 945 wheelbarrows.

Mr. Eyob Aymut, a farmer at Deqi Petros, a village in Serejeka Sub-zone, said the Ministry of Agriculture supported them in leveling formerly eroded land and constructing dams. Water is now readily available and used well. He added,
With proper management and hard work, there is no such thing as a bad land. In addition, we have succeeded in afforesting a measurable amount of land surrounding the farms; we guard them and take care of them. And we cut the tree branches and use it for firewood and construction. In general, the degraded land is being handled well.
The project has shown good progress and with more hard work, it should be a hit in no time. However, this is also a way to showcase the benefits of SLM to other farmers all over the country and help rehabilitate and make better use of the land.

Above 60% of Eritrean society lives by farming, which means there is tremendous dependence on land and water, making land management essential.


_____________



Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: መሳፍንቲ ሕ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቕን ብዝበዛን፣ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራንን ሕጂ'ውን እንተኾነ ፍጹም የብላን!

Post by Zmeselo » 20 Oct 2021, 16:50




Eritrea has its musical traditions and its distinctive dances, usually performed to the rhythm of intricately produced instruments. There is a growing interest on Eritrean beats & music, from major international labels. #DiscoverEritrea
Yared Tesfay: @ytmn2


__________





__________





Women #TourZobaMaekel 2021
General Classification

1. Adiam Dawit- Denden
2. Danait Fitsum- Denden
3. Milena Yafet- Arag
Point Classification
1.Kisanet W/Michael- Serayr Sawra
2. Yordanos rusom- Denden
3. Milena Yafet- Arag @biniamb @ProTouchAfrica1

Post Reply