-
- Senior Member
- Posts: 14412
- Joined: 05 Jun 2013, 13:00
ናብ ክቡር ኣቦና ኣቡነ ማካርዮስ
ክቡር ኣቦና ኣቡነ ማካርዮስ፡
ንስኹም ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ብሰላም ጥራሕ ምእማንኩም መሰልኩም ምዃኑ ንኣምን ። ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራን መንግስትን መራሕቲ ሃገርናን ካብ መዓስ ደለይቲ ኲናት ኮይኖም ይፈልጡ ? ውግእ መጽዩኡና እምበር ንሕና ኣይከድናዮን ። ኣነ ብሓደ ሸነኸይ ካብ በዓል ኣድሓኖም ገብረ-ማርያምን ካብ እቶም ዓቢ ቀሺ ካቶሊክ ኣብ ሮማ ዝቕመጡ ዝነበሩ እየ ። ካብ 'ቲ ከባቢና ንላዕሊ ኣብ ዓለም ደላይ ሰላም ዳርጋ የለን ክበሃል ይካኣል ። ውግእ ምስ ወረደና ግን ብጅግነት ገጢምናሉን ተዓዊትናሉን ። ንምሉእ ኤርትራ ድማ ኣብነት ኰና ። ወዲ ኣሞይ ካብ ኣፈልባ ካብ እቶም ቀደም ኣብ ናቕፋ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሓደ እዩ ።
እሞ ንስኹም ነታ ትኣምኑላን ትፈትውዋን ናይ ኩላትና ቤተ-ክርስትያንን ፍትሕን በቲ ዝመስለኩም ተጣበቑ ። መንፈሳዊ ኣቦና ጥራሕ ዘይኮንኩም ብዕድመን ተመክሮን 'ውን ዓቢ ኣቦና ስለ ዝኾንኩም ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ተዛረቡን ምኸሩን ። ንሱ እንዳ ገበርኩም ግን ንዓይንና ከንቁር ዝመጽአ ኣባይ ንክነርሕቆን ንክንኣልዮን ናይ መሬትን ሰማይን መሰልና ምዃኑ ክተኽብሩልና ይግባእ ። ቋንቋ ዓረብ ጽቡቕ ጌርኩም ስለ ትፈልጡ ሚሸል ዖን ትፈልጥዎ እንዲኹም ? ሚሸል ዖን ኣብ ሌባኖን ምስ ሺዓ ዝዓበየ ብቤት-ትምህርቲ ሰንበት ተኾስኲሱ ዝዓበየ ወተሃደርን ፕረዚደንት ዘ-ሃገረ ሌባኖንን እዩ ። ሓደ ግዜ - ኣብ እዋን ክሪስትማስ - ቅድሚ ካብ ፓሪስ ናብ በይሩት ምእታዉ ምስ ሓደ ጋዜጠኛ ኣስፍሕ ኣቢሉ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሕመረት መልእኽቲ ሰላምን ፍቕርን ( ኣልሪሳላ ኣል-መሲሒያ -- ሪሳለት ኣል-ማሓባ ዎ ኣል-ሰላም ) ተዛሪቡ ኔሩ ። 'ዚ ሓደ ሰብ መእምን ኮይኑ ናይ ምክልኻልን ናይ ምምራሕን ስራሕ ከማልእ ከም ዝኽእል እዩ ዘርእይ ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና !
ኤርትራ ብደቃ ተኸቢራ ክትነብር ኢያ !
ዓወት ንሓፋሽ !!!
ሰላም፡ ኩሉ ሰላም፡ ነዓኹም
ካብ ኣብራሃም ወዲ ዓላ