Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Wedi
Member+
Posts: 7959
Joined: 29 Jan 2020, 21:44

እልልልል !! ትግራይ ተገነጠለች!! ደብረጽዮን መገንጠሏን አወጀ!!!

Post by Wedi » 26 Sep 2021, 15:23

እልልልል !! ትግራይ ተገነጠለች!! ደብረጽዮን መገንጠሏን አወጀ!!!

አትሸኟትም ወይ የሚለውን ሙዚቃ ከታች ተጋገዙልኝ!! :lol: :lol: :lol:

Pres. Debretsion Gebremichael
Sept 26 2021

ሳላ ከም ህዝቢ ስንና ነኺስና ዝተቓለስና እንሆ ፀሓይና ክነብርቕ፤ፀሓይ ፀላእትና ድማ ክነዕርብ ጀሚርና ኣለና፤
……………………………………………………………
ሰላም! ኣንታ ትእምርተ ፅንዓትን ጅግንነትን ዝኾንካ ወረጃ ህዝብና፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም እትነብሩ ኣምባሳደራት ትግራይ/ ዲያስፖራ ተጋሩ/፣ ቅድመ ግንባር መኸተናን ቃልስናን ዝኾንኩም ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ፣ ከመይ ኣለኹም?

ሰረት ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ምስ እንምርምር ፤ ካብ ብወጋሕትኡ ህላውኡን ሓርነቱን ኩሉግዜ ኣብ ቃልሱን ቅልፅሙን ዝተደረኸ ምዃኑ ንርዳእ። ሙሉእ መዋእሉ፣ ፀላእቲ ካብ ገፅ ምድሪ ከጥፍእዎ፣ ክብረቱ ከራኸሱ፣ ተዋሪዱን ደኒኑን ክነብር ካብ ምሕላምን ምስራሕን ዝበኾርሉ ግዜ ኣይነበረን። እዚ እቲ ሓደ ገፅ ክፋል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ’ዩ። ብኣንፃሩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ በቢምዕራፉ ንዘጓነፍዎ ዓይነት ብዙሕ ወራራትን፣ ኣብ ልዕሊ ህላውኡን ክብረቱን ዝኣወጅዎ ናይ ጥፍኣት ፓኬጃትን ከም ህዝቢ ፀኒዑን ብሓያል ቆራፅነትን ጅግንነትን ብምግጣም ንኹሎም ደመኛታት ፀላእቱ ካባ ስዕረትን ውርደትን ክኽደኑ ካብ ምግባር ዝዓገቶ ምድራዊ ሓይሊ ኣይነበረን። እዚ ከኣ እቲ ካልኣዋይ ገፅ ክፋል ታሪኽ እዚ ገድለኛን ትእምርተ ሰዓራይነትን ዝኾነ ህዝብና’ዩ።

ብሕፅር ዝበለ ኣገላልፃ፣ ሓይሊ ምድሕርሓርን ተሓባበርቶምን ሙሉእ መዋእሎም ትግራይ ካብ ካርታ ዓለም ንምሕኻኽ፣ ትግራዋይ ድማ ካብ ገፅ ምድሪ ንምጥፋእ እንትህቅኑ፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ በታ ንሶም ዘሳወርዋ ሓዊ ክልብለቡን ናብ መቓብር ክወርዱን እናገበረ ጉዕዝኡ ቀፂሉ'ዩ። እዚ ኣብ በቢምራዕፉ ዝደጋገምን ዑደት ኮይኑ ዝቐፀለን ዝቕፅል ዘሎን ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ ፍትሓውን ሓቀኛን ዕላማ ዝሓዘ ዝኾነ ህዝቢ ብዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ከምዘይሰዓር፣ ተፀሚምካ ብምቅላስ ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት ካብ ምብፃሕ ዝዓግት ሓይሊ ከምዘየለን ከምዘይህሉን ዘመስከረ ህያው ኣብነት'ዩ ህዝቢ ትግራይ'ዩ።

ኣብዚ ዘለናሉ መድረኽ እንዕዘቦ ዘለና ፍፃመ'ውን፤ እዚ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ነባሪ ታሪኽ ወረጃ ህዝብና ደጊሙ ዘረጋግፅን ዝዂልዕን ኩነት’ዩ። እዞም ካብ ስዕረትን ውርደትን ኣያታቶም ክመሃሩ ኣእምሮ ዘይተዓደሎም ግብዛት፣ ኣብዚ መድረኽ'ዚ እውን እልቢ ዘይብሎም ዘራያትን ወታደራዊ ኣፅዋራትን ኣኻኺቦም ሕልሚ ኣያታቶም ንምዕዋት ቅሉዕ ወራር ዝኸፈቱልና እንትኸውን፣ ዘርዚርካ ንምግላፅ ዝኸብድ ግፍዕን ዘርኢ ናይ ምፅናት ጭቡጣት ምንቅስቓሳትን ፈፂሞም' ዮም። ብምዃኑ ከም ህዝቢ ሓርነትና፣ ህላወናን ሓድነታዊ ግዝኣትናን ንምርግጋፅ ምስ ኣዝዩ ገዚፍ ሓይሊ ክንገጥም እኳ እንተተገደድና፤ ህዝባዊ ኲናትናን መኸተናን ግን ዘበት ክጭፍለቕን ክቑርጠምን ኣይከኣለን። እኳደኣስ ኣብ ውሽጢ ውሱናት ኣዋርሕ ውሽጥና ብዝርዝር ፈቲሽና፣ ግዳማዊ ጉዳያት ብዕምቆት ገምጊምና፣ ዝጎድሉና ኣብ ኣዝዩ ሓፂር ግዜ ብምምላእ፣ ኣወዳድባናን ኣወፋፍራናን ብምፍታሽን ብምስትኽኻልን፣ ማእኸል ስሕበት ፀላኢ እውን ብምፅናዕን ብምንፃርን፣ ብሽም ሓርበኛታትን ኣዴታትን ትግራይ ዝተሰየመ ገዚፍን ተኸታታልን መብረቓዊ መጥቃቲ ብምውላዕ፣ ደመኛታት ፀላእትና ኣብ ውሽጢ ውሱናት መዓልታት ደኳዕኳዕ ኣቢልና፣ ዝተመንጠለ ናይ ባዕልና ዕድል ባዕልና ናይ ምውሳን መስልናን ዓርሰ ምሕደራናን ክንጎናፀፍ በቒዕና ኣለና።

ፀላእትና ዋላ'ኳ ማእለያ ዘይብሎም ኣፅዋራትን ዘራያትን ኣተኣኻኽቦም ከፅንቱና እንተዘመቱ፣ ምስ ሓያል ህዝባዊ መኸተና ተራፂሞም ካብ ምጅፋዕ ኣየምለጡን። እዚ ከምዚ ዝመሰለ መስደመም ቅያ ዳግም ክንፍፅም ዘብቁዑና ምኽንያታት፣ ሓደ ቅኑዕን ፍትሓዉን ዕላማ ምሓዝና ከምዘለወ ኮይኑ፣ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ግን ኩሎም ናይ ትማልን ሎምን ዓቕምታትና ማለት'ውን ውፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ብወታደራዊ ብቕዓቶምን ጅግንነቶም ዝተመስከረሎም መራሕቲ፣ ምስ ናይዚ ዘመን ጀጋኑ ተቐበልቲ ሕድሪ መናእሰያትና ሓያል ውህደትን ስምረትን ብምፍጣር፣ ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ምርግጋፅ ብሄራዊ ክብረትናን ሓርነትናን ዓሲልና፣ ኣበደን ንዳግማይ ባርነት ኢልና ብዝለዓለ ፅንዓትን ብሄራዊ ወነን ኣንፃር ፀላእትና ቀላፅምና ጠሚርና ስለዝወፍርናን፣ ኣብ ነብሲ ወከፍ መድረኽ ዝገጠሙና ኣዝዮም ፈተንቲ ኩነታት ስንና ነኺስና ክንሓልፎም ብምኽኣልናን ኢና ብዓወት ክንፅንበል ዝኸኣልና።

ስለዚ ኣብዞም ዝሓለፉ ሸሞንተ ትሸዓተ ናይ ቃልስን መኸተን ኣዋርሕ ንኹሎም ኣዝዮም ፈተንቲ መድረኻት ስኒና ነኺስና ክንሓልፎም ብምኽኣልና እንሆ ፀሓይና ክነብርቕ፣ ፀሓይ ዓመፅትን ወረርትን ድማ ክነዕርብ ጀሚርና ኣለና። እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ከም ህዝቢ ኣብ ብሄራዊ ዕላማታትና ሰሚርናን ሓያል ውህደት ፈጢርናን ምስእንምርሽ፣ ንሕና ተጋሩ ዝሓሰብናዮ ካብ ምፍፃም ዝዓግተና ሓይሊ ከምዘየለ፣ ብሓያል ሕብረትናን ሓድነትናን ዘይንሰግሮ ሩባ ክህሉ ከምዘይኽእል ደጊሙ ዘረጋገፀ ፍፃመ ኮይኑ ኣሎ።

በዚ ዘካየድናዮ ዕዉት ህዝባዊ ኲናትን መዳርግቲ ኣልቦ መኸተን ከምኡ'ውን ዛጊድ ብዘመዝገብናዮም ድሙቓት ዓወታትን ድማ፣ እንሆ ናብ ሓዱሽን ብዓይነቱ ዝተፈልየን ታሪኻዊ ምዕራፍን ዘሰጋግር ኣዝዩ ገዚፍ ዕድል ኣብ ኢድና ኣትዩ ኣሎ። ስለዝኾነ'ዞም ኣብ ኢድና ዘለዉ ዕድላት ብሓያል ጥንቃቐን ጥበብን ንብሄራዊ ረብሓናን ብሩህ መፃኢናን ክንጥቀመሎም ይግባእ። ሕዚ'ውን ኩሎም ዓቕምታትና ብምውህሃድ፣ ውዳበታትና ብምጥንኻር፣ ነብሲ ወከፍና ዜግነታዊ ግብኡና ብዝለዓለ ቆራፅነት ብምፍፃም፣ እታ እንእምታ ትግራይ ጋህዲ ንምግባርን፣ ሙሉእ ሓርነትና ንምጉንፃፍን ቓልስና ኣሐይልና ክንቅፅል ኣብ ዘገድድ መድረኽ ንርከብ።
ስለዝኾነ ብቓልስና ዝተረክበ ሰፊሕ ዕድል፣ ሙሉእ ሓርነት ትግራይ ንምርግጋፅ፣ ካብቲ ንዘመናት ዝነበርናሉ ዕንኪሊል ንሓንሳብን ንሓዋሩን ብምሉእነት ንምውፃእን፣ ኣብ ቅድሜና ዝንሄ መድረኽ ብብቕዓት ንምስጋርን ኩለመዳይ ድልውነት ክንፈጥር ኣለና። ናይ ኩሉ ባህግታትና ዕላማታትናን ቑልፊ መፈፀሚ ከኣ ህዝባዊ ኩናትናን መኸተናን ብዓወት ምኽንባት ስለዝኾነ፣ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ክዓጥቕ፣ ኣብ ዘዝተዋፈረሉ በርትዑ ክጋደልን ካብኡ ዝጥለብ ኩሉ ብዝለዓለ ብሄራዊ ወነን ሕራነን ክፍፅምን ደጊመ ከዘኻኽር ይፈቱ።

ብሓያል ህዝባዊ መኸተን ቃልስን ናይ ዕንኪሊል ምዕራፍ ሰጊርና ሙሉእ ሓርነት ዝተጎናፀፈት ትግራይ ጋህዲ ክንገብራ ኢና!!

ትግራይ ብናይ ወለዶታት ቃልስን መኸተን እናተኾለዐት ክትነብር'ያ!!

ትግራይ ስዒራ ፣ መሊኣ እውን ክትስዕር እያ።
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
16 መስከረም 2014 ዓ/ም.
ሰላም!
Please wait, video is loading...


ትግርኛ ለማታነቡ የደብረጺ መግለጫ ባጭሩ በአማርኛ ከዚህ ላይ ቀርቦላችኋል!!


Digital Weyane
Member+
Posts: 8405
Joined: 19 Jun 2019, 21:45

Re: እልልልል !! ትግራይ ተገነጠለች!! ደብረጽዮን መገንጠሏን አወጀ!!!

Post by Digital Weyane » 26 Sep 2021, 16:36

የመገንጠሉን አላማ ለማሳካት ካሁን በፊት ጁንታ ዎጎኖቼ ኤርትራን በመውረር የ 120 ሺ ኦሮሞና አማራ ወጣቶች ህይወት በከንቱ እንዲጠፋ አድርገዋል። የሚያሳዝነው ወጣቶቹ ለጁንታው የመገንጠል አላማ በጦርነቱ ይሞቱ ኡንደነበር አያውቁም ነበር።

ጁንታዎቹ በጦርነቱ ያላገኙት ድል በኢንተርኔት ላይ ለማግኘት ካድሬዎቻቸውን አሰማርተው ቀጠሉበት። በኢንተርኔትም ትልቅ ሽንፈት ሲገጥማቸው ኡንደ ቅንቡርስ ኡየተንከባለሉ ጆባይደን ድረስልን እያሉ መጣራት ይዘዋል። በምግብ ኡንኳን ራሷን መቻል የተሳናት ውድ ኡናታችን ትግራይ ብትገነጠል ውጤቱ ረሃብና ቸነፈር ነው።
:roll: :roll: :roll:

EthioRedSea
Member
Posts: 4089
Joined: 31 Aug 2019, 11:55

Re: እልልልል !! ትግራይ ተገነጠለች!! ደብረጽዮን መገንጠሏን አወጀ!!!

Post by EthioRedSea » 26 Sep 2021, 16:44

Ethiopia and Tigray are the same . Tigray will have to take most of North Ethiopia, parts of Shoa, Lalbella, South Gonder before forming own country as North Ethiopia . We will not give away Lalibella and islands in lake Tana.

Post Reply