Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ናዝር መሓመድ ኣል-ኣሚን ትርክ ንሓምዶክ ፥ ትም ተበልካ ለባም መሲሉና ኔሩ ። ሕጂ ግን ኣብ መሰረት ዘይብሉ ጥቀና ካብ ኣቶኻ ወይ ጌጋኻ ኣርም ወይ ብሰላም ካብ ስልጣን ውረድ ።

Post by Abe Abraham » 24 Sep 2021, 21:32


ናዝር መሓመድ ኣል-ኣሚን ትርክ ንሓምዶክትም ተበልካ ለባም መሲሉና ኔሩ ። ሕጂ ግን ኣብ መሰረት ዘይብሉ ጥቀና ካብ ኣቶኻ ወይ ጌጋኻ ኣርም (ነቲ ጥቀና ሰሓቦ ! ) ወይ ብሰላም ካብ ስልጣን ውረድ ።

ሓምዶክ ነቲ ኣብ ካርቱም ተጌሩ ዝተባህለ ፈተነ ዕልዋ ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምብራቕ ሱዳን ከተኣሳስሮ ምፍታኑ ንያታዊ መራሒ ምብራቕ ሱዳንን ( ካብ ደቀባትን ደቂ መሬትን ደቂ ሃደንደዋ ) ህዝብን ብዙሕ ኣቖጢዑ ።

ናዝር ትርክ መንግስቲ ሓምዶክ ሃገራዊ ጸጥታ ክሕሉን ድሌት ህዝቢ ከማልእን ካብ ዘይከኣለ እቲ ኣማራጺ ንሱዳን ናብ ሽዱሽተ ምምሕዳራት ( 1_ምብራቕ ሱዳን 2_ሰሜን ሱዳን 3_ዳርፉር 4_ኮርዶፋን 5_ማእከል 6_ካርቱም ) ሰሪዕካ ነነፍስ-ወከፈን ብክዳኖም ብግቡእ ዝወደዩ ወተሃደራውያን ኣማሓደርቲ ምእላይ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ ። ኣብ ርእሲኡ ንህዝቢ ሱዳን ዝውክል ብብቕዓት ዘለዎም ሰባት ( ካብ ሰልፋዊ እጃም ምክፍፋል ወጻኢ ) ዝምቕራሕ መንግስቲ እንተ ዝምስረት ጽቡቕ ኔሩ ባሃላይ እዩ ።



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ናዝር መሓመድ ኣል-ኣሚን ትርክ ንሓምዶክ ፥ ትም ተበልካ ለባም መሲሉና ኔሩ ። ሕጂ ግን ኣብ መሰረት ዘይብሉ ጥቀና ካብ ኣቶኻ ወይ ጌጋኻ ኣርም ወይ ብሰላም ካብ ስልጣን ውረድ ።

Post by Abe Abraham » 24 Sep 2021, 23:34

” ترك: حمدوك “رجل خطير سكوتو قايلنوا زول مهذب

ትርክ ፥ ሓምዶክ ሓደገኛ ሰብኣይ እዩ ። ትም ተበለ ስነ-ስርዓት ዘለዎ ሰብ መሲሉና ኔሩ ።

ናዝር ትርክን ካልኦት ተዓዘብቲ ከም ዘመልክትዎን ኣብ 'ዚ ቀረባ ግዜ ብርጌሳውያን ኣባላት መንግስቲ ሱዳን ወተሃደር ሱዳን ኣብ ልዕሊ ብ ናዝር ትርክ ዝምርሑ ሰላማውያን ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ስጉምቲ ክወሰድ ጸዊዖም ኔሮም ። ኣል-ቡርሃንን ብጾቱን ግን ነዚ መጸዋዕታ ኣይተቐበልዎን ። ንዕዑን ነቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ጠቐነን ምውንጃልን ብሸነኽ ሓምዶክ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ናዝር መሓመድ ኣል-ኣሚን ትርክ ሓምዶክ ሓደገኛ ሰብ እዩ ክብል ዝተገደደ ። ብሰንኪ መልሓስካ ዘይምቁጽጻር ብዙሕ ደም ክፈስስ ከም ዝኽእል ንምጥንቃቕ ማለት እዩ ።

Post Reply