ንዘሓለፉ 5 ዓመታት ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ነቲ ውድብ ብዝለዓለ ጥበብን ክእለት መሪሕነትን ዝመርሑ ዶ/ር ቴድሮስ ሓዚ እውን ንዝቕፅሉ 5 ዓመታት ነቲ ትካል ንምምራሕ ዳግም ብሕፁይነት ከምዝቅረቡ ይፍለጥ።
ትግራዋይ ብምኻኖም ብኢትዮጵያን መራሕታን ድጋፍ ዝሰኣኑ ዶ/ር ቴድሮስ ካብ ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳይን ሓዊሱ ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮፓ ድጋፍ ዳግመ ምምራፅ ይረኽቡ ከምዘለዉ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዜካ አዚ ካብ ሀገራት ኬንያን ዩጋንዳን ድጋፍ ከምዘረከቡ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት 2022 ዓ/ም ፈ ዝካየድ መረፃ እቲ ውድብ ደ/ር ቴድሮስ ዝለዓለ ግምትን ዕድልን ይረከቡ ከምዘለዉ ፀብፃባት የመልክቱ።
Please wait, video is loading...