Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sarcasm
Senior Member
Posts: 10186
Joined: 23 Feb 2013, 20:08

Kenya and Uganda endorse Dr Tedros Adhanom's second term of WHO leadership

Post by sarcasm » 24 Sep 2021, 10:03

ትግራዋይ ብምኻኖም ብኢትዮጵያ ዳግም ንከይምረፁ ድጋፍ ዝሰኣኑ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንሃገራት ጀርመንን ፈረንሳይን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮፓ ዳግም ንክምረፁ ድጋፍ ከምዝሃበኦም ተፈሊጡ።

ንዘሓለፉ 5 ዓመታት ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ነቲ ውድብ ብዝለዓለ ጥበብን ክእለት መሪሕነትን ዝመርሑ ዶ/ር ቴድሮስ ሓዚ እውን ንዝቕፅሉ 5 ዓመታት ነቲ ትካል ንምምራሕ ዳግም ብሕፁይነት ከምዝቅረቡ ይፍለጥ።

ትግራዋይ ብምኻኖም ብኢትዮጵያን መራሕታን ድጋፍ ዝሰኣኑ ዶ/ር ቴድሮስ ካብ ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳይን ሓዊሱ ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮፓ ድጋፍ ዳግመ ምምራፅ ይረኽቡ ከምዘለዉ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዜካ አዚ ካብ ሀገራት ኬንያን ዩጋንዳን ድጋፍ ከምዘረከቡ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት 2022 ዓ/ም ፈ ዝካየድ መረፃ እቲ ውድብ ደ/ር ቴድሮስ ዝለዓለ ግምትን ዕድልን ይረከቡ ከምዘለዉ ፀብፃባት የመልክቱ።
Please wait, video is loading...