Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Aba
Member
Posts: 4018
Joined: 15 Apr 2011, 17:52

ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ጽዑቕ ግፋ ይካየድ ኣሎ

Post by Aba » 23 Sep 2021, 08:02

ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ጽዑቕ ግፋ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 22 September 2021

ጸጸኒሑ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብሃንደበትን ብጻዕቅን ዝካየድ ግፋታት፣ ንቡር ህይወት ኤርትራን ህዝባን ካብ ዝኸውን ልዕሊ 20 ዓመታት ሓሊፉ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ግና ምስቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ምትሕሓዝ ከምዘለዎ’ዮም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ዝጠቕሱ።

ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ኵናት ትግራይ ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ 10ታት ኣሽሓት መንእሰያት ኣኽቲቱ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ድማ ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ጌርዎም ከብቅዕ፣ ንህዝቢ ብዛዕባ ኩነታት ደቁ ሓባሬታ ክህቦስ ይትረፍ ሓበሬታ ከይረክብ’ውን ብጽኑዕ ከምዝቆጻጸሮን ከምዝጸናጸኖን ይፍለጥ።
https://erena.org/%e1%8a%a4%e1%88%ad%e1 ... vROAFsPQC0