ሰብኣዊ መሰል – ሰብኣዊ ሓገዝ ብሉይ ጥበብ
GENERAL
https://shabait.com/2021/09/15/%E1%88%B ... %E1%89%A5/
Sep 15, 2021
ሰብኣዊ መሰልን ሰብኣዊ ሓገዝን ዝጉልባቡ ጥበብ ህዝባዊ ርክባት (PR)፡ ከምቲ ኣብ ጽውጽዋያት
ሃንስ ክርስትያን ኣንደርሰን እነንብቦ፡ ሓድሽ ልብሱ ከመርቕ ጥራሕ ዝባኑ ናብ ህዝቡ ዝቐረበ ንጉስ፡ ዕርቃኑ ወጺኡ’ዩ።
ከም ቀደም ዘይኮነ፡ ሎሚ፡ ብሚድያታት ምዕራብ፡ ብ
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ወይ ወሃብቲ ሓገዝ
ኢና ዝብሉ ትካላት ዝጋዋሕ ዘረባታት፡ መንቀሊኡን ክወቕዖ ዝደለየ ዕላማን ብድሕሪኡ ዘሎ ዛዕባን ንማንም ከደናግር ኣይክእልን።
ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት ተኣሳሲሩ ንኣብነት፡ ኩሉ ክዕዘቦን ከስተውዕለሉን ዝጸንሐ መቓልሓት ኣሎ።
ወያነ ሞይታ
ኣብ ዝበሃለሉ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን ዓጸቦን ኮሪደር ሓገዝን ብዝተወሃሃደ ቃና ድምጹ ይብርኽ።
ወያነ ትንፋስ ሰዂዓ
ተባሂሉ ንእሽቶ ተስፋ ኣብ ዝተረኽበሉ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብዛዕባ ዝፍጸም በደላት ኣጽቅጥ ምባል፡ ብዘይሕንከት ክደጋገም ዝጸንሐ ተዋስኦ እዩ።
እዚ ዕርቃኑ ዝወጸ ጥበብ’ዚ፡ ሕጂ’ውን ብዘይ ሕፍረት ምቕጻሉ ኣይተርፍን። ኣብ ባይታ ምስ ዝመጽእ ሓድሽ ምዕባለታት፡ ሚድያታትን መንግስታትን ምዕራብ ኮነ ከም ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰሉ ኣገልገልቲ ዘቕርብዎ ክሲታትን ዘጋውሕዎ ናይ ምስይጣን ዘመተን ክጽዕቕ ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣየጸግምን። እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ጭንቀትን ድርኺትን ግን ርዱእ እዩ።
ዓለማዊ ምልኪን ግብትናን ንምውሓስ ዝተሃንደሰ ጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ምዕራብ፣ ጸግዒ ዘይሓዘ ሕሉፍ ሓልዮትን ድንጋጸን ናይ ዝተወጽዐ ወይ ኣብ ጸገም ዝወደቐ ህዝቢ፣ ምሕላው ሰብኣዊ መሰልን ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን፣ ምስፋን ደሞክራሲን ምርግጋእን፣ ምውራድ ዕርቂን ሰላምን ኣምሲልካ ንምቕራቡ፡ ዝካየድ ናይ ህዝባዊ ርክባት ጸወታ፡ ብዙሕ መልክዓት ዘለዎን ንሓድሕዱ ዝናበብን እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ግን፡
ዝሕሸኩም ንሕና ኢና ንፈልጥ፣ ዝበልናኩም ስምዑ
ዝዓይነቱ ብድዐን ጸቕጢን ኮይኑ፡ ካብ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ህዝብታት ዝነቅል እዩ።
ሕሉፍ ተሞኩሮ ከምዝኸሽሖ፡
ሰብኣዊ መሰልን ሰብኣዊ ሓገዝን
ዝተሰምየ ጠብሎቚሎቚ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ቅልውላውን ሽግርን ኣሳዊርካ ምሕደራ ቅልውላው ምውርጻጽ፣ ልኡላውነት ድኹማት ህዝብታት ትርጉም ኣልቦ ጌርካ፡ ሃገራት ምፍራስን ጸጥታአን ምዝራግን፣ ህዝብታትን ሃገራትን ቚልቊል ኣተፋኒንካ ምትህንዃት፣ ብስም መሰል ሰባት፡ ጉጅለታት፡ ብሄራት፡ ዓሌታት፡ ሃይማኖታት ወዘተ. ኣህዛብ ከፋፊልካ ምንቛት ምዃኑ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና ብግብሪ ዝተራእየ ውጽኢት መለበሚ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ሎሚ ህዝቢ ዓለም ነቒሑሉስ ዝበለየ ጥበብ ኮይኑ እዩ።
ካብ ኣፍጋኒስታን ጀሚርካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝተሓፍሰ ምህርቲ ነዚ ሓቂ’ዚ እዩ ዝምስክር። ኣብ ዞባና ዘሎ ቅልውላው እውን ብቐንዱ ውጽኢት ጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ሰብ ፍሉይ ረብሓ እምበር፡ ሕመረት ጠንቁ ናይ ህዝብታት ዞባና ጸገም ከምዘይኮነ መረዳእታ ህዝብታት ዞባና ሰፊሑ ኣሎ። ኩሎም ካብ ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም ጀሚርካ ብስም ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ሰብኣዊ ሓገዝን ዝተገብሩ ምትእትታዋት ሓደ ብሓደ ክዝርዘሩ እንከለዉ፡ ምእዙዛትን ብልሽዋትን ስርዓታት ኣብ ስልጣን ከምዝቕጽሉ ምግባር፣ ነቶም ምትእትታው ዘይብሉ ሓርነት ዝመረጹ ኣርዒድካ ምንብርካኽ ወይ ካብ ስልጣኖም ንምብራር ዝተገብሩ ምትእትታዋት እዮም ነይሮም።
ቦርድ ምስንዳእ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ።