Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ዶባትን ኣብ ዶባት ዝነብሩ ኣህዛብን፡፡

Post by Zmeselo » 31 Jul 2021, 06:50

ቅድሚ 50 ዓመት መንእሰይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብቲ ንሕናን ዕላማናን ዝብል ብኢዱ ዝጽሓፎ ጽሑፉ፡ ብዛዕባ ዶባትን ኣብ ዶባት ዝነብሩ ኣህዛብን ተመሊስካ ክንበብ እንከሎ፡ ስጋብ ክንደይ ኣርሒቑ ዝርኢ መራሒ ከምዘለና ፍጹም ኣየጠራጥርን፡፡


justo
Member
Posts: 3178
Joined: 05 May 2013, 17:54

Re: ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ዶባትን ኣብ ዶባት ዝነብሩ ኣህዛብን፡፡

Post by justo » 31 Jul 2021, 07:22

This was never an issue among average Eritreans at that time. For the average Eritrean, Eritrea was Eritrea and that was it. Nobody questioned this fact among Eritreans, and nobody felt urged to give a preemptive response to it.

It is now that this has become an issue and it is now that we as Eritreans and Isaias as a leader need to navigate the issue carefully, and drop all talk of us being one people or all talk of the Horn belonging to 200 million inhabitants.

Isaias may have been more aware about the complex relationship among the border communities because of his personal heritage on both sides of the border, he should now focus all his energy on developing Eritrea and let the greater Horn issue be put on the back burner.

Fiyameta
Senior Member
Posts: 12627
Joined: 02 Aug 2018, 22:59

Re: ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ዶባትን ኣብ ዶባት ዝነብሩ ኣህዛብን፡፡

Post by Fiyameta » 31 Jul 2021, 07:53

ሎሚ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሓውና እዩ፡ ተዋሲብና ተዋሊድና ኢና” ዝብል ጣቋ ዘረባን ምምጽዳቕን ኣብ እንሰምዓሉ እምበኣር፡ መልስና “ኣይረሳዕናዮን” ዝብል እዩ።

ስርዓት ወያነን አሳሰይቱን፡ ሕን-ሕነ ፍሽለቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ግፍዒ መዘና የብሉን። ዓሰርተታት ኣሽሓት ህዝቢ፡ ብወራርን ደብዳብ ነፈርቲን ካብ ዓድታቱ ተፈናቒሉ፡ ተቐቲሉን ንብረቱ ተዘሚቱን። ሰማእታትና እውን ኣይተናሕፉን። ያኢ ቅሳነት ንምኽልኦም መቓብሮም ተፋሒሩ። ልዕሊ 100 ሺሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ንብረቶም ተዘሪፉ፡ ካብታ ሃገር ብግፍዒ ተሰጒጎም። ገበን ዘይብሎም ህጻናት፡ ሽማግለታት፡ ነብሶ-ጾራት፡ እንተላይ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝነበሩ ውጹዓት ሕሙማት ከይተረፉ፡ ብኤርትራውነቶም ዘስካሕክሕ ግፍዒ ወሪድዎም።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ፍትሒን መሰልን ብቃልሲን ጽንዓት እምበር ብትኳቦን ድንጋጸን ከምዘይርከብ ኣሚኑ’ዩ ሰብኣዊ መሰሉ ንምርግጋጽ ተጋድሎኡ ዘንቀለ። ቃልሱ ንምጭፍላቕ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻዕወ መጠን ኣልቦ ሓዊን ዓረርን፡ ዝወረዶ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒን በደላትን ተጻዊሩ፡ ረዚን መስዋእቲ እናኸፈለ፡ ጸኒዑ ብምቅላስ ድማ፡ ብገዛእ ቅልጽሙ ሰብኣዊ መሰሉን ክብረቱን ጨቢጡ፡ ናጻ ሃገር ክኸውን በቒዑ።

የግዳስ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ዘረጋገጾ ናጽነት ዘይተዋሕጠሎም ታሪኻውያን ተጻባእቱ፡ ካብ ሓሙኹሽቲ ኲናት ተንሲኡ፡ ሃገሩ ንምህናጽ ኣብ ዝተበገሰሉ እውን፡ ጉዕዞ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ህንጸት ሃገሩ ንምዕንቃፍ፡ ብዶብ ኣሳቢቦም ዳግም ኲናት ወሊዖምሉ። እዚ ዳሕረዋይ ሃቐነ እውን ኣይሰለጦምን። ህዝቢ ኤርትራ ብሓያል ያታ መኸተኡ ወራራቶም ሓምሺሹ፡ ንኲናት መሳበቢ ዝኾነ ጉዳይ ኣብ መጋባኣያ ከምዝቐርብ ብምግባር ብዓወት ወጺኡ።

ክደግመልኩም፤ ሎሚ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሓውና እዩ፡ ተዋሲብና ተዋሊድና ኢና” ዝብል ጣቋ ዘረባን ምምጽዳቕን ኣብ እንሰምዓሉ እምበኣር፡ መልስና “ኣይረሳዕናዮን” ዝብል እዩ።

Post Reply