Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ቐይስ ሰዒድ ንባይቶ ቱኒዝያ ኣደስኪሉ ንቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስርሑ ኣጋላጊሉ ፈጻሚ ስልጣን ይዓትር

Post by Abe Abraham » 26 Jul 2021, 16:08

ቐይስ ሰዒድ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ ( ከምዚ ዘስምዕ ኢሉ ) ፥ ንሕና ንብጸጋታት ሃገርን ጸትታኡት ዝላገጹ ( ያዕበሱ ) ሰባት ሱቕ ኢሎም ዝደለይዎ ክገብሩ ክነፍቅድ ኣይንኽእልን ኢና ። ስለ'ዚ - ቅዋም ናብ ምብታኑ ስለ ዘየፍቅድ - ንባይቶ ክነደስክሎ ( ተጅሚድ) መሪጽና ኣሎና ። ንባይቶኣዊ ውሕስነት ( ሓሳና/ኢምዩኒቲ) ሰሪዝና ነቶም ብገበን (ብልሽውናን ካልእ ክስታትን ) ዝሕተቱ ኣባላት ክንካታተሎም ኢና ። ወይልኦም ንብረት ኣልዒሎም ከዕገርግሩ ዝህቅኑ ( መልእኽቲ ንኣባላት ሰልፊ ናህዳ - ኢስላሚስት - እዩ ) ። ንሕና ብዘይ ንሕስያ ኣብ ርእሲኦም ስጉምቲ ክንወስድ ተዳሊና ኣሎና ።

ኣብ ግዜ ቡርቔባ ከምቲ ዝበሃል ቱኒዝያ ናይ ዘመናዊነት መንገዲ ሒዛ ትሕምበብ ኔራ ። ነዚ ናይ 'ፍርነሳ " - ነቲ ምዕቡል ዝበሃል ናይ ፈረንሳ ቋንቋን ባህሊ ኣብ ደቂ ዓዲ ክስርጽ ህርድግ ዝብል መደብ - ፕሮጀክት ደስ ዘይበሎም ከም በዓል ራሽድ ኣል-ቐኑሹ ዝኣመሰሉ ደቂ ውሽጢ ሃገር ( ቱኒዝያ ብደረጃ መነባብሮን ጂኦግራፊን ኣብ ክልተ ኢያ ትምቀል 1_ ናብ ባሕሪ ገጹ ዝጥምት ናይ ንግድን ቱሪዝምን ማእከል ኮይኑ ብኡ ድማ ህብትም ዝበለ 2_ ናብ ውሽጢ ገጹ እትው ዝበለ ብመጠኑ ናይ ሕርሻ ምንቅስቓስ ሃልይዎ ግን ከኣ ሽቕለት ኣልቦነት ዝበዝሖ - ብዙሓት ምስ በዓል ኣል-ቓዒዳን ዳዕሽን ኮይኖም ዝንቃሳቐሱ ሽበራውያን ደቂ ቱኒዝያ ካብ 'ዚ ከባቢ እዮም ዝመጽኡ ። ) ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ስርርዕ ኮይኖም ብኣጋኡ ኣብ ምቅዋሙ ኣትዮም ኔሮም ። ብሰንኩ ድማ ኣደዳ ማእሰርትን ማህደንትን ስለ ዝኾኑ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሖም ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ዘይን ኣል-ዓብዲን ቢን ዓሊ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ክኢሎም ጥራሕ ዘይኮነ ብደገፍቶም ተመሪጾም ኣባላት ባይቶ ክኾኑ በቒዖም ። ራሺድ ኣል-ቐኑሺ ናይ 'ዚ ክድስክል እዩ ዝበሃል ዘሎ ባይቶ ኣቦ ወንበር ኮይኑ ጸኒሑ ።

ኣብ ሓንቲ ናይ ቲቪ መደብ ቀሪቡ ብዛዕባ ታሪኽ ሂወቱን ትምህርቱን ክዛረብ እንከሎ ራሺድ ኣል-ቐኑሺ ከምዚ ይብል ፥ ሓደ ግዜ መራሒ ቱኒዝያ ጸቕጢ ይገብረልና ስለ ዝነበረ ኣብ ካይሮ ዝነበርና ደቂ ቱኒዝያ ተኣኪብና ኣብ ቅድሚ ዋና ቤት-ጽሕፈት ወድብ ሃገራት ኣዕራብ ( ኣራብ ሊግ ) ጠጠው ኢልና ሰላማዊ ሰልፊ እንዳ ገበርና ሓደ ምስራዊ ቅርብ ኢሉ " ጉዳይኩም እንታይ እዩ ? " ይብለና ንሕና ድማ " ኣል-ዓረቢያ እንታዕና ታዕባና / ዓረቢያና ድኽምቲ ኢያ ...." ኢልና ምስ መለስናሉ ስለ ዘይተረዳኣና " እንታይ 'ሞ ናትና ከማን ከምዚ ትርእይወን ታዕባናት እንድየን ! " ኢሉና ። ንሕና ዓረቢያ ማለትና ቋንቋ ዓረብ እንከሎ ንሱ " ዓረቢያ " ዝብል ቃል ብምስሪ " ማኪና " ማለት ስለ ዝኾነ ንሕና ማካይንና ኣሪገናና ኢልና ንጠርዕ ዝነበርና መሲልዎ ። እዚ ካብ 'ቲ ሓደ ሓደ ኣብ ሂወተይ ዘስሕቕ ነገራት ዘጓነፈኒ እዩ ።

'

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ቐይስ ሰዒድ ንባይቶ ቱኒዝያ ኣደስኪሉ ንቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስርሑ ኣጋላጊሉ ፈጻሚ ስልጣን ይዓትር

Post by Abe Abraham » 27 Jul 2021, 17:58

ቐይስ ሰዒድ ( ሳዓይድ ብላህጃ ቱኒዝያ) ብምኽንያት ፍሉይ ኩነት ንባይቶ ህዝባውያን ወኪላት ቱኒዝያ ከደስክል እንከለሎ ብመሰረት ዓንቀጽ 80 ቅዋም ሃገር በዘን ዝስዕባ መስርሓት ክሓልፍ ይግበኦ ኔሩ ፥

1_ምስ ቀዳማይ ምኒስተር በቲ ጉዳይን ዝውሰድ ስጉምቲን ይማኸር

2_ ምስ ኣቦ-ወንበር ባይቶ ህዛባውያን ወኪላት በቲ ጉዳይን ዝውሰድ ስጉምቲን ይማኸር

3_ ንርእሲ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ብዝውሰድ ስጉምቲ ኣፍልጦ ይህብ

ሕጂ ኣብ ቱኒዝያ ፕሪዚደንት ቐይስ ሰዒድ ብገለ ሰባት ነተን ኣድለይቲ ኣገባባት ኣይተኸተለን ዝብል እምነት ኣሎ ። ነዚ መበሊኦም ምኽንያት ኣለዎም ። ንቀዳማይ ምኒስተር ካብ ስልጣን ካብ ኣገላገሎን ምስ ኣቦ-ወንበር ባይቶ ድማ ጽልኢ ስለ ዘለዎን ምስ ክልቲኦም ተዛትዩን ተማኺሩን እዩ ንኽትብል ኣጸጋሚ ይኸውን ። ኣብ'ዚ እቲ ዘገርምን ዘሐጉስን ግን ብዙሓት ቱኒሳውያን ሃገር ኣብ ሓደጋ እንከላ ቅዋም ኣይከበረን ኢልካ ምክታዕ እንታይ ትርጉም ኣለዎ ምባሎም እዩ ።

ስጋዕ ሕጂ በዚ ቐይስ ሰዒድ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዕራባውያን ተቖጢዖም ገለ ክብሉ ኣይሰማዕናዮምን ኣሎና ። ምስ ኣብ ባይቶ ቱኒዝያ ብዙሕ ኮራሲ ዘለዎም ሰልፊ ኣል-ናህዳ ( ብራዘርሁድ ) ሱዑዲያን ብፍላይ ድማ ኢማራት ጽልኢ ስለ ዘለወን እዘን ክልተ ሃገራት እዚኣተን ንፕረዚደንት ቱኒዝያ ይድግፋ እየን ዝብል ጽንጽንታ ኣሎ ። ኣል-ናህዳ ናይ ራሺድ ኣል-ቐኑሺ ( ኣል-ገኑሺ ) ብቱርክን ቐጠርን ኢያ ትድገፍ።

ራሺድ ኣል-ቐኑሺ ዋላ እኳ ስጋዕ ሕጂ - ምስ ህንዱዳት ናይ ምስሪ ብራዘርሁድ ክተዋዳድሮ እንከሎኻ - ብልሒ እንተ ኣርአየ ( ንኣብነት ካብ ስደት ተመሊሱ ምስ ኣል-ናህዳ ምርጫ ምስ ሰዓረ ኣብ ክንዲ ባዕሉ ወይ ከኣ ሓደ ካብ እቶም ቀረባ ብጾቱ ንፕረዚደንትነት ዝቐርቡ ነቲ መዝነት ኣባል ሰልፎም ዘይኮነ ግን ንለውጢ ዝቃለስ ምሁር መሓመድ ኣል-ሙንሲፍ ኣል-መርዙቒ ንክሕዞ ወሲኖም ። ) ኣብ መጨረሽታ እዋን ግን ሰልፊ ናህዳ ምስ ቱርኪ ኣዝያ ምስ ተቐራረበት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ቱኒዝያ ብዙሕ ስግኣትን ትሒም-ትሒምን ኣኸቲሉ ። እቲ ስግኣት " ንቱኒዝያ ናብ ሓንቲ ናይ ስግረ-ባሕሪ ግዝኣት ናይ ቱርኪ/ ናይ ዑስማናውያን ( ዊላያ ዑስማኒያ ) ክቕይርዋ ደልዮም " እዩ ዝብል ። ኣብ ቱኒዝያ ኣዝዮም ሓያላት ዝኾኑ ሊበራላዊ ኣካይዳ ዝኽተሉ ማዕረ ደቂ-ኣንስትዮ ቱኒዝያ ምስ ክርስትያን ክምርዓዋ መሰል ክህልወን ኣለዎ ዝብል ውሳነ ዝድግፉ ሰባት ኣለዉ ። ራሺድ ኣል-ቐኑሺ በቲ ሓደ ሸነኽ ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶምን ምስ ምዕራባውያንን ክራዳዳእ ልምልም ክብል እንከሎ በቲ ካልእ ሸነኽ በቶም ትርር ዝበሉ ናይ ውሽጥን ወጻእን ደገፍቱ ብዙሕ ነቐፌታ ክወርዶ ጸኒሑ ። ሕጂ ድማ ኣብ በዓል ኣል-ሲሲ ኢዶም ዘእተውሉ ፈተነ ኣትዩ ስለ ዘሎ ከመይ ጌሩ ካብኡ ከም ዝወጽእ ክንርእዮ ኢና ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ቐይስ ሰዒድ ናብ ምስሪ ከይዱ ኔሩ ። ማያዊ ጸጥታ ናይ ምስሪ ከም ናትና ጌርና ኢና ንወስዶ ኢሉ ከም ዝተዛረበ ድማ ይንገር ።

Last edited by Abe Abraham on 27 Jul 2021, 18:01, edited 1 time in total.

Post by Abe Abraham » 29 Jul 2021, 18:54

ሓደ ወዲ ሙሪታንያ ቐይስ ሰዒድ ኣብ ቱኒዝያ ዝገበሮ ምስ ሰምዐ ናብ ሓንቲ ናይ ቲቪ መደብ ደዊሉ ከምዚ ኢሉ " ቐይስ ሰዒድ መጀመርታ ገጹ ምስ ራኣኽዎ ምስኪን ዓይነት ስብ ስለ ዝመስል ኣደንጊጹኒ ፡ ብድሕሪኡ ክዛረብ ምስ ሰማዕክዎ ከኣ ሓሻኩም መሊሱ ከብደይ በሊዑኒ ። እሞ ነዚ ዝገበሮስ ዝውዕለሉ ኣይመሰለንን ኔሩ ። " እቲ ኣቕራብ መደብ ከኣ ውስኽ ኣቢሉ " ንሕና 'ውን መበቆሉ ካብ ሓፋሽ ስለ ዝኾነ ( ናይ ሕጊ ምሁር እዩ ) ቅድሚ ምርጫ ኣብ እንዳ ሓፋሽ ከይዱ ቡን ክሰቲ ክንርእዮ እንከሎና ብዛዕባኡ ከምዚ ናይትካ ጦብላሕታ ኔሩና ። እነሀልካ ሕጂ ከም ካልእ ዓይነት ሰብ ኮይኑ ። ምዃን እኳ ጎስጓስ ናይ ምርጫ ክገብር እንከሎ ካብ ኸሊጅን ኣሜሪካን ሰልዲ መጺይእዎ ኔሩ እዩ ዝበሃል ። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ብዙሓት ደገፍቲ ኣለዎ ንክባሃል ብዛዕባኡ ፈስይስቡክ ከፊቶም ብመምርሒ ብዙሓት ሰባት ይጽሕፉ ከም ዝነበሩ ብድሕሪ ምርጫ ፈሊጥና ። "

እቲ ኣቕራብ መደብ - ቱኒዝያዊ ሳልሕ ኣል-ኣዝረቕ - ንገዛእ ርእሱ ኣብ 'ታ ሰሙናዊት ፕሮግራሙ ከም ልሙድ ካብ ተዓዘብቲ ዝመጽኦ መልኽቲ ኣልዒሉ ከንብብ እንከሎ " መራሒ ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዚ ኣብ ቀውዒ ዓረብ ( ኣልረቢዕ ኣልዓረቢ/ኣራብ ስፕሪንግ) ንርእዮ ዘሎና ሰውራ ዘይኮነስ ናይ ተዓቢሱ ዝነበረ ምትኳስ ( ኢንፊጃራት ) እዩ ይብል " ኢሉ ድሕሪ ምጥቃስ " ያ ሲያደት ኣልረኢስ/ክቡር ፕረዚደንት ክንድዚ ሰብ ኣብ ደገ ወጺይኡ እንከሎ ሰውራ ዘይተባህለ ደኣ መዓስ ደኣ እዩ እሞ ሰውራ ክበሃል ? ዝኾነ ኮይኑ ንሕና ኩሉ ሰብ ረርእይቶኡ ኣለዎ ኢና ንብል ። " ትብል መግለጺ ወሲኹላ ።

ሕጂ ድሕሪ ቅንያት ናይ ቐይስ ሰዒድ ጋዜጠኛታትን ህዝብን ዓረብ " ካብ ቀውዒ ዓረብ ተሪፋ ዝነበረት ሓንቲ ዓዲ ከቃብጽዋ ህርድግ ይብሉ ኣለዉ " ዝብል ናይ ሓዘንን ተስፋ ሙቕራጽን መልእኽቲ ኣብ ምትሕልላፍ ኣትዮም ። ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ዝኣመቶ ንዝኾነ ዕግርግርን ናዕብን ዝተዓፈነ ምትኳስን ሱቕ ኢልካ ሰውራ ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ ። ሰውራ ዓቢ ትርጉም ዝሓዘ እዩ ። ቋንቋኻ ንኣምራት ጽቡቕ ጌሩ ክገልጾም እንተ ዘይክኢሉ ዓቢ ጸገም ኣሎካ ማለት እዩ ። ብኡ መሰረት ሓደ መዓልቲ ሓደ ኣልጀርያዊ ምሁር ወዲ በርበር ኣብ ሓንቲ መርበብ ሓበሬታ " ቋንቋ ዓረብ ንኣምራት ጽቡቕ ጌራ ( ብተጠቀምታ ማለት እዩ ) ስለ ዘይትገልጾ ( ንኣብነት ንሰውራ ዘይኮነ ሰውራ እንዳበለት ) ዕብዲ ኢያ ክትብል ትኽእል " ኢሉ ጽሒፉ ። ክንጽሕፍን ክንዛረብን እንከለና ክንጥንቀቕ ኣሎና ማለቱ እዩ ። ሓቁ እዩ ፡ ኣይኮነን ?

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ቐይስ ሰዒድ ንባይቶ ቱኒዝያ ኣደስኪሉ ንቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስርሑ ኣጋላጊሉ ፈጻሚ ስልጣን ይዓትር

Post by Abe Abraham » 31 Jul 2021, 17:47

ዓመታት ይገብር ሓንቲ ጓል ቱኒዝያ " ካበይ ኢኻ ? " ኢላ ምስ ሓተትኒ ፡ ኣነ ድማ " ካብ ኤርትራ " ኢለ ይምልሰላ ፡ ሽዑ ንሳ " ሓንቲ ኤርትራዊት መሓዛ ኣላትኒ ። ንስኻትኩም ኩሉ ግዜ ምሳና " ማዓ ኣል-ዓረብ ዎ ኣል-ሙስሊሚን / ዓረብን ሙስሊሚንን " እንዲኹም ትብለኒ ፡ ኣነ ድማ ብእወታ ይምልሰላ ፡ ብድሕሪኡ ብናይ ኣብቲ እዋን መራሒ ቱኒስ ኣልዒላ " ኣብ ቱኒዝያ ብዙሕ ሽግራት ኣሎና ፡ እሞ ኣል-ሙንሲፍ ኣል-መርዙጊ ቁም-ነገር ዝገብር ዶ ይመስለካ ? " ብምባል ርእይቶይ ክትፈልጥ ትድሊ ፡ " ኣብ ፈረንሳ ንነዊሕ ግዜ ዝተቐመጠን ኣብኡ ሕክምናን ካልእ ዓይነት ትምህርትን ዝተማህረ ሙሰቕፍ/ንቑሕ-ኣካል ስለ ዝኾነ ግዜ ምስ ትህብዎ ዋላ እኳ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ዕማም ገዚፍ እንተኾነ ቅሩብ ከቃልል ይኽእል እዩ ። " ምስ በልክዋ ፡ " መቸስ ሰባት ጽሉል እዩ ( ምስ ኣል-ቐኑሽን ናህዳን ስለ ዝተማሳሰለን ዝቐረበን ፈንፊነሞ !! ) ፡ ብዘይካ ዘረባ ካልእ የብሉን እዮም ዝብሉ ግን ኣፍካ ክስዕር ተስፋ ይገብር ። ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ኢያ ዘላ " ኢላ ተፋንያትኒ ። ቋንቋ ብዙሓት ኣዝማድ እዩ ዝፈጥረልካ ።

Post Reply