Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sarcasm
Senior Member
Posts: 10186
Joined: 23 Feb 2013, 20:08

ኤርትራውያን ስደተኛታት 20 ዓመታት ኣብ ትግራይ እዮም ዝነብሩ ኔሮም። ኩናት ትግራይ ካብ ዝጅመር፥ እቲ ዝዓበየ በደል ኣብ ልዕሊኦም ዘብጽሕ ድማ ስርዓት ኢሳያስን ሰራዊት ኤርትራ እዩ።

Post by sarcasm » 23 Jul 2021, 09:46

ስርዓት ኤርትራ፥ ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ፥ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ፥ ሕጂ ድማ ገለ ማዕቀናት ዜና ኢትዮጵያ፥ ንድሕነት ነቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዮም ዝሓለዩ መሲሎም ኣብ ሶሻል ሜድያ ክጉስጉሱ ንርእይ ኣለና።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝሓለፍ 20 ዓመታት ኣብ ትግራይ እዮም ዝነብሩ ኔሮም። ኩናት ትግራይ ካብ ዝጅመር፥ እቲ ዝዓበየ በደል ኣብ ልዕሊኦም ዘብጽሕ ድማ ስርዓት ኢሳያስን ሰራዊት ኤርትራን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን በደል ድማ ብናጻ ኣካል ንክምርመር ብዓለምለኻዊ ሕብረተሰብን ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ክቐርብ ጸኒሑን ኣሎን።

ካብኡ ሓሊፍ ግን፥ዕላማ እዚ ሕጂ ብሓለይቲ ኢና ብሃልቲ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ትግራይ ኣውጺኻ ናብ ክልል ኣምሓራ ናብ ጎንደር ንምውሳድ እዩ።

ካብ ኣረሜን ስርዓት ኤርትራ ህይወቶም ከድሕኑ፥ ተኩስካ ቅተል ዝብል ፖሊሲኡ ፈንጺጎም ዕቑባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፥ በዚ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ክልል ኣምሓራ፥ ስርዓት ኤርትራን ስርዓት ኣብይን ኣብ ጉዳይ ናይ ጸጥታን ናይ ፖለቲካን ዘለዎም ስምምዕን ምትሕብባርን፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንህይወቶም ውሕስነት ይኹን ድሕነት ክህልዎም ኣይክእልን፥ እኳ'ድኣ ናብ ዝገደደ ሓደጋ እዮም ክቓልኡ። ሃገራዊ ድሕነት ናይ ኤርትራ፥ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን ናጻ ኮይኖም ይንቀሳቐሱ ከምዘለው ኩላህና ንፈልጦ ሓቂ እዩ።

ስለዚ፥ ኣብዚ እዋን'ዚ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎንደር ክኸዱ ምግባር፥ ንዝብኢ የሕሊፍካ ምሃብ እዩ።

ነዚ ድማ እዮም እቶም ክበልዑዎም ዝደልዩ ዘለው ኣዛብእን ደገፍቶምን ሓለይቲ መሲሎም፥ ገለ ዋላ ዘይተገበረን ዘይወረደን ቅትለታትን ግፍዕታትን እንዳምሃዙን ፋብሪኬት እንዳገበሩን፥ ነቲ ሓሲቦሞ ዘለው ዕላማ ንምስላጥ ሃነፍነፍ ዝብሉ ዘለው።

ብተወሳኺ፥ ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት፥ ግዳያት ናይ ገለ ብለይቲ ኣብ መዓስከራት እንዳኣተው ዝዘምቱን ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘውርዱን ሽፍታታትን ሰረቕትን ኮይኖም ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተኹስን ኩናትን ድማ፥ ኣብ ክልቲኤን መዓስከራት ዝነብሩ ኤርትራውያንን ንሓደጋ ተሳጢሖም ቀንዮም ኣለው። ሕጂ እቲ ኩናት ኣብቲ ከባቢ ቁሩብ ህድእ ኢሉ ሰለዘሎ፥ ተስፋ ንገብር ብኸምኡ ክቕጽል። ግዳያት ዝኾኑ ስደተኛታት'ውን ኣለው፥ ግና እቲ ቁጽሪ ናይ ሞትን ምቑሳልን ድማ ኣዝዩ ክብ ክብል ምኸኣለ ኔሩ። ኣምላኽ የጽልለሎም ኣሎ።

እዞም ስደተኛታት ካብ ስርዓት ኤርትራ ነብሶም ከድሕኑ ዝሃደሙ እንተኾይኖም፥ ብኸመይ እዩ ሕጂ ስርዓት ኤርትራን ኣብ ደገ ዝቕመጡ ደገፍቱን ደገፍቲ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድን ገለ ኣሳሰይትን ከም ቀንዲ ተጣበቕቲ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይኖም ክረኣዩ ዝደልዩ ዘለው?

እቲ ሓቅን ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ንርእዮ ዘለና ድራማታት፥ ህወሓት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ይቀትል ኣሎ፥ ሕነ ይፈድይ ኣሎ፥ የሳቕይ ኣሎ ኢልካ፥ ንኹሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ትግራይ ኣውጺኻ ናብ ጎንደር ንምውሳድ እዩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ትግራይ ክግዕዙ እንድሕር ድኣ ተደልዩ'ውን፥ እዚ ኩናት ምስሃድእ፥ ናበይን ስለምንታይን ከምዝግዕዙ ተነጊሩዎም፥ ንድሕነቶምን ካልእ መሰረታዊ ናይ ስደተኛ መሰላት ዘማልእ ምጥያስ እዩ ክግበር ዘለዎ እንበር፥ "ግር ግር ለሌባ ይመቻል" ዝዓይነቱ ሃነፍነፍ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

ፍትሒ ንውጹዓት!
ኤልሳ ጭሩም
23 July 2021

https://www.facebook.com/elizabeth.chyr ... 8667817492