https://erena.org/%e1%8a%ad%e1%89%b3%e1 ... iveOldPostክታበት ኣብ ዝተሓሰመት ኤርትራ፣ ብኮቪድ ናይ ዝልከፉን ዝሞቱን ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ይውስኽ
Radio Erena: 22 July 2021
ኣብ ኤርትራ፣ መዓልታዊ ብለበዳ ኮርና ቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ዕለት፣ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብዝሒ 6450 ከምዝበጽሐ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፣ ናይ 32 ሰባት ሞት ድማ መዝጊቡ።
ኣብ ኤርትራ፣ መዓልታዊ ብገምጋም 10 ሰባት በቲ ቫይረስ ይልከፉ ከምዘለዉ ድማ እቲ ሓበሬታ ይእምት።
ይኹን’ምበር ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ድሩት መርመራ ኮቪድን ኣገልግሎት ሕክምናን፣ በቲ ቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ይኹን ሞት ብልክዕ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ’ዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተማእኪሉ ዝካየድ፣ ክታበት ብናጻ ናይ ምብጻሕ ናይ ‘ኮቫክስ’ መደብ ንምትግባር ዛሕልታት ከምዘርኣየ’ዩ ዝውቐስ።
መደብ ኮቫክስ፣ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ድኻታት ሃገራትን ንዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕክምና፣ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባትን ኣረጋውያንን፣ ብቀዳምነት ክታበት ብናጻ ዝረኽብሉ ዕድል ክነሱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ክጽንበሮ ዘይደለየሉ ምኽንያት ኣይገለጸን።
ካብ ኣፍሪቃ ኣብዚ መደብ እዚ ዘይተጸንበራ ክልተ ሃገራት፣ ኤርትራን ብሩንዲን ጥራይ’የን።
ብደረጃ ዓለም፣ ፈጺመን ክታበት ዘይጀመራ ሃገራት ድማ ኤርትራ፣ ብሩንዲ፣ ሄቲን ሰሜን ኮርያ’የን።
-
- Member
- Posts: 4018
- Joined: 15 Apr 2011, 17:52
Covid-19 Eritrea: ክታበት ኣብ ዝተሓሰመት ኤርትራ፣ ብኮቪድ ናይ ዝልከፉን ዝሞቱን ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ይውስኽ
Last edited by Aba on 22 Jul 2021, 15:18, edited 1 time in total.
-
- Senior Member
- Posts: 12657
- Joined: 02 Aug 2018, 22:59
-
- Senior Member+
- Posts: 33606
- Joined: 30 Jul 2010, 20:43
Re: Covid-19 Eritrea: ክታበት ኣብ ዝተሓሰመት ኤርትራ፣ ብኮቪድ ናይ ዝልከፉን ዝሞቱን ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ይውስኽ
List by country of the number of novel coronavirus (COVID-19) deaths worldwide as of July 19, 2021:
https://www.statista.com/statistics/109 ... y-country/
4,105,847 deaths, worldwide. The US, the highest with 624,746 deaths. Vanuatu has the least, with only 1 death. Eritrea has, unfortunately, 32 deaths todate. RIP!
https://www.statista.com/statistics/109 ... y-country/
4,105,847 deaths, worldwide. The US, the highest with 624,746 deaths. Vanuatu has the least, with only 1 death. Eritrea has, unfortunately, 32 deaths todate. RIP!
-
- Member
- Posts: 4018
- Joined: 15 Apr 2011, 17:52