Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sarcasm
Senior Member
Posts: 10186
Joined: 23 Feb 2013, 20:08

Interview with Eritrean refugee in Tigray

Post by sarcasm » 17 Jul 2021, 10:24

እዋናዊ ምስክርነት ኤርትራዊ ስደተኛ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን


Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: Interview with Eritrean refugee in Tigray

Post by Zmeselo » 17 Jul 2021, 11:22

ግፍዒ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ትግራይ ቀዳሞት ተሓተቲ እቶም ብኽድምና ንወያነ ዘገልግሉ ከድዓት ኤርትራውያን እዮም።

ገብረንጉስ መስመር

ኣብ መዓስከራት ትግራይ ብጁንታን መልሽኣን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት፡ ዓመጽን፡ ቅትለትን ብዓቢኡ ጁንታን መልሽኣን ተሓተትቲ ይኹኑ እምበር፡ ካብኣኡ ብዘይንእስ እቶም ነዞም ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ብሓሶትን ቅጥፈትን ክወጹ ዝገበሩዎም ተቛወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኢና በሃልቲ ቀንዲ ገበነኛታት እዮም።

ብሂወት ኤርትራውያን ዝተጻወቱን ዝጻወቱ ዘለዉን። ወያነ ኤርትራ ከም ሃገር ንኸይትህሉ፡ እንተሃልያ ድማ ኣብትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻራ ንምግባራ ባንቡላታት ከተሰልጥንን ክትምዉልን ጸኒሓያ። ጁንታ ብስም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ማሕበር ረዲኤት ዓለም ዝተለገሰ ሓገዝ እናሸጠት ከላ፡ እዞም ሃሱሳት ኣብ ክንዲ ናይቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣሕዋቶምን
ኣሓቶምን ደቆምን ተጣበቕቲ ዝኾኑ፡ ካብቲ ጁንታ ካብ ኣፍ ስደተኛታት ኮሊፋ ትሸጦ ዝነበረት ተኻፈልቲ እዮም ኔሮም።

ሕጂውን ኮምኡ እዮም ዘለዉ።

ኩፉእ ዝረኣዩን ዝሰምዑን ብዛዕባ’ዚ ዝፍጸም ዘሎ በደል ክዛረቡ ከለዉ በዓል መስፍን ሓጎስ፡ ዓንደብርሃን፡ በረኸት ሃብተስላሰ፡ ኣሰፋው ተኸስተ፡ ኤልሳ ጭሩምን፡ መሮን፡ ጉጅለ ይኣክል፡ ማሕበር ፍትሒ ዝሩጋት፡ ካልኦትን ስለምንታይ ኣፎም ተለጉሙ። እዚ ዘርእየና ብንጹር ኣብ ልዕሊቶም ኣታሊሎም ንስደት ንኽኸዱ ዝገበሩዎም ኤርትራውያን ተገዳስነት ከምዘይነበሮም፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ንፕረሲደንት ኤርትራ ከሕሩቑ ኢሎም ኣብ ሓዊ ከም ዝጠበሱዎም ዘርኢ እዩ። እዞም ናይ ዓመጽ መራሕትን መታለልቲ ሸየጥቲ ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ኣበይ ኣለዉ፡፡ እንታይ ይምገቡን ይሰትዩን ኣለዉ፡ እንታይ ዓይነት መካይን ይዝዉሩ ኣለዉ፡ ደቆም ኣበይ የምህሩ ኣለዉ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን። እቶም መሳክን ከኣ ብዓረር ወያነ ኤርትራውያን ጥራሕ ብምዃኖም ይእሰሩን ይርሸኑ፡ ደቂ እንስትዮ ይዕመጻን ኣለዉ።

ህዝቢ ኣምሓራ ብሓፈሽኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከድሕኑን ክሕብሕቡን ከለዉ፡ እዞም ዕሱባት ልዕሊ ኣምላኽ ንጆ-ባይደን ዘምልኹን ዝሰግዱን ዓለቕቲ ሃገር እዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጥረ ሽግር’ዩ ኢሎም ነቲ ነውራምን ኩፉእ ተግባራቶም ክሽፍኑ ምፍታኖም ማንም ኤርትራዊ ብሸለልታ ክሓልፎ ኣይግባእን። ህዝብና ብሰላልም ኣብታ ብሉጻት ዉሉዳቱ ዝኸፈለላ ሃገር ኣልሚዑ ከይነብር በታቲኖም ሕጂ ስቕታ ናይ ክድዓት ክድዓት’ዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ።

ኣሰፋው ተኸስተ ነዚ ብሰንኩን ከምኡ ዝኣመሰሉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ክሽፍን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ቴዲ (Teddy Press) ዝተባህለ ናይ ጁንታ መሳርሒ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ብጣዕሚ ንዑቕን ኣነዋርን ብሕጊ ዘሕትት ቃለ ማሕተት፡ ብዛዕባ ፕረሲደንቲ ኢሰያስን ወላዲቱን ኣሕዋቱን ዝተዛረቦ ረሳሕ ዘረባታት መበገሲኡ ንጁንታ ከሔጉስ ንዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ንምሽፋን ስለ ዝኾነ ዘይረኤኹሞ ምስ ትህልዉ ኣብ ፈይስ ቡክ ወይ ዩቱብ ኣቲኹም Teddy Press ኢልኩም ፈትሹ (ናይ ጁንታ ዕሱብ ሚድያ እዩ ) ቃለመሕተት ዑሱባት ክትሰምዑ። ናይ ኩሎም እቶም ንመእንእሰያትና መጻወቲ ጁንታ ዝገብሩዎም ዘለዉ ቃለ መሕተታት ክትርእዩዎ ኢኹም። መንእሰያትናን ህዝብናን ናብ ስደት ክኸይድ ዝገብሩ ዘለዉ እዞም መልመጽቲ ውጽኣቶም እዮም። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን መንነቶም ንተጋሩ ተዓዲሉ ብስሞም ናብ ሃገራት ኤሮጳን ኣሜርካን ዝኣተዉ ማእለያ የብሎምን። እዞም ሃሱሳት ኣስማቶም ጠቒሰዮም ዘሎኹ ኣንዳዕዲዖም ይፈልጡ እዮም። ኩሉኻ ኤርትራዊ ዋልታ ሃገር ዝኾንካ ነዚ ናይዞም ወኻሩ ተግባራት ኣቃላዓዮ። ወያነ ንህዝቢ ኤርትራ ንኽስደት ዘግብር ዓቕሚ ኣይነበራን። እንቶኾነ ግን ነዞም ሃሱሳት ደም ኣህዋቶምን ኣሓቶምን እናመዩ ዝነብሩ ከቲባ ኣታሊሎም ከም ዘውጽእዎም ገራ ተዓዊታ። ዎዮ ድኣ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ንርስዖ ወይ ንዝንግዖ ኮና እንበር፡ ኤርትራውያን "ሕብሪ ዓይንኹም ኣይተበርሃናን" ተባሂሎም ተሰጒጎም እዮም። ብድሕሪኡ ኮራኹሮምን ምእማን መወዳእትኡ እዚ ንርእዮ ዘሎና እዩ። ራህዋ ናብ ትግራይ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት እምነ። ዕድል ረኺቦም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዘሎኒ ተስፋ እገልጽ።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ!!!




Post Reply