Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ናበይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 13 Jul 2021, 00:46

ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ናበይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ ?

1_ኣብ ሱዳን እስላማዊ እየ ዝብል መንግስቲ ናይ በዓል ሓሰን ኣል-ቱራብን ዑመር ኣል-በሺርን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ደቂ ሃደንዳዋ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ኣብ ትሕቲ ባይቶ ቤጃ ተጠርኒፎም ብረት ኣልዒሎም ይቃለሱ ኔሮም ።

2_ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ኣባላትን ተደናገጽትን ናይ እስላማዊ ጂሃድን ቀደም ብጀብሃ ዝፍለጥ ዝነበረ ምጥርናፍን ብሓደ ሸነኽ ብእስላማዊ መንግስቲ ሱዳን ተደጊፎም ንኤርትራ ክወግኡ እንከለዉ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ዜግነት ተዋሂብዎም ኣብ ምብራቅ ሱዳን ምስ እስላማዊ ግንባር በዓል ሓሰን ኣል-ቱራቢ ይንቃሳቐሱ ኔሮም ። ብኡ ጌሮም ድማ ኣብ ደቂ ሃደንደዋ ኣብ ዘየለውሉ - ንቃልሲ ወፊሮም ከለዉ - እዋን ኣብ ምብራቕ ሱዳን/ሱዳን ከስፋሕፍሑን መዝነት ክወስዱን በቒዖም ።

3_ሕጂ ኣብ ሱዳን - ከም ዝበሃል - መሰልካ ትሓተሉ ሃዋህው ተፈጢሩ ስለ ዘሎ እቶም ደቂ ሃደንደዋ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ናይ ምምሕዳር ይኹን ስራሕ መንግስቲ ዕድላትናን እጃምናን ኣበይ ኣሎ ዝብል ሕቶ ከቕርቡ ጀሚሮም ።

4_እቶም ሃደንዳዋን ሓደ ካብ እቶም ዓበይቲ ያታውያን መራሕቶም ከም በዓል ናዝር ትርክ ዝኣመስሉ መሰሎም ክሓቱ እንከለዉ " ንሕና ነቶም ቀንዲ ደቂ በኒ ዓምር ሱዳን መሬቶም ካብ ጦከር ንደቡብ ገጹ ኮይኑ ከም ሱዳናውያን ንኣምነሎም ። እቶም ካልኦት ፍሉይ ጥቕሚ ዝረኽቡን ምሳና ዝጫቓጨቑን ዝጫረቱን ዘለዉ ግን እስላማዊ ግንባር ናይ ዜግነት ወረቐት ሂቡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝተኸሎም እዮም ። " ይብሉ ። ጠለብ ደቂ ሃደንዳዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ጸሪግኩም ኣውጽእዎም ዘይኮነስ ኣብ ቦታና ኮይኖም መሰላትና ክምንዝዑን ቀዳምነት ክዋሃቦምን ክፍቀድ የብሉን እዩ ።

5_እቲ ካብ ጥንቲ ብደቂ ሰሜን ሱዳን ዝተዓብለለ መንግስቲ ሱዳን ካብ ቀደም ኣትሒዙ ንኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ሱዳን ዝርከቡ ዓሌታት እንዳናቖረን እንዳ ኣቃተለን ስልጣኑን ዕብላለኡን ናይ ምንዋሕ ባህርያት ጸኒሕዎ እዩ ። እዚ ብቐሊሉ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳርፉርን ኮርዶፋንን ጎቦታት ኑባን ብሉ ናይል ሰተይትን ክረአ ዝጸንሐ እዩ ።

6_ብቐዳማይ መንግስቲ ሱዳን ምስ ደቂ ጎቦታት ኑባን ብሉ ናይል ስተይትን ናይ ውሱን ርእሰ-ምትሕድዳር ስምምዕ ጌሩ ። እዚ ንናይ ርሑቕ ተዓዛቢ ጽቡቕ ይመስል ይኸውን ቀስ ኢልካ እንተ ሪኢኻዮ ግን ብተንኮል ዝተባዕጠ ውሳነ እዩ ኔሩ ። ከመይ ? ሕቶ ናይ እቶም ክልተ ክፋላት ሱዳን ዕልማናዊ መንግስቲ ስለ ዝነበረ እዞም ዘለዉ መራሕቲ ሱዳን ሃይማኖትን መንግስትን ኣጸቢቕካ ምፍላይ ስለ ዝጸገሞም ነቶም ክልተ ክፋላት ኣብ ቦትኦም እቲ ዝደለይዎ ክገብሩ ኣፍቂዶምሎም ።

7_ሕጂ 'ውን ነዚ ናይ ምብራቕ ሱዳን ጉዳይ ኣብ ክንዲ መዕለቢ ዝገብርሉ ሓንሳብ ንበኒ ዓምር ምስ ኑባ ፡ ንሃደንዳዋ ምስ በኒ ዓምር ፡ ንያታውያን መራሕቲ በኒ ዓምር ነንሕድሕዶም ፡ ንያታውያን መራሕቲ ሃደንዳዋ ነንሕድሕዶም እንዳናቖቱ ንኹሉ ዝሕተት ፍትሓዊ ማሕበራውን ፖልቲካውን ቁጠባውን ሕቶታት ብቕንዕና ምምላስ ኣብዮም ይርከቡ ። ደቂ ሰሜን ዝኾኑ ገዛእቲ ሱዳን - ኣሜሪካን ምዕራባዊ ዓለምን እንዳተዓዘበ - ኣብ እዚ እዋን እዚ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ሱዳን ሓዊ ከም ዝባራዕ ጌሮም ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ተወጢሖም ይርከቡ ።

Last edited by Abe Abraham on 14 Jul 2021, 21:34, edited 1 time in total.

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ናበይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 13 Jul 2021, 16:59


ምስ ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ርክብ ዘለወን ቪድዮታት እንዳ ረኣኹ እንከለኹ ገሊአን ኣታሓሳሲበናኒ ገሊአን ድማ ኣሕዚነናኒ ።

1_ ኣብ ሓንቲ እንዳ ተኻትዑ እንከለዉ ሓደ ነቲ ወዲ በኒ ዓምር መካትዕቱ ብሃንደበት '' ንስኻ ወዲ ዓዲ ኣይኮንካን ። ዓድኻ ዶብ ሰጊርካ ኣብ ኣቑርደት እዩ ። በዓል ንስኻ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኢኹም ። " ይብሎ ፡ እቲ ወዲ በኒ ዓምር ድማ ስለ ዝበዝሖ " ኢሂ እሞ ፡ ሰውራ ተኺልና ዓዲ ሓራ ኣውጺእና ። " ኢሉ መሊስሉ ። ኤርትራዊ ምዃን ዘሕብን እምበር ዘሕፍር ኣይኮነን ማለቱ እዩ ።

2_ ኣብ ካልአይቲ ከኣ ሓደ ወዲ በኒ ዓምር " ኣለና ፡ ምብርካኽ ኣቢና " ትብል ደርፊ ናይ ትግረ ወሊዑ ብዓረብ " በኒ ዓምር ምብራቕ ሱዳን ብረቱ ስጋዕ ኣብ ጎኑ ዘሎ ዋላ ሓደ ዘፋራርሖ የለን ፡ ቀደም ንሕና ኤርትራውያን መማህራን ኔርና ሕጂ ድማ ካባኹም ንማሃር ፡ ኣርባዕተ ደቅና ኣብ ምብራቕ ሱዳን መዝነት ብምሓዞም ንሕጎስ ፡ ወረ ገና ካልእ ከማን ክመጽእ እዩ ፡ ካብ ሎሚ ንንየው ድሕር-ምሕር ምባል የሎን ። " ክብል ጸኒሑ ብትግርኛ ምልእ ኣቢሉ " ኣይንምለስን/ ምስ ዕላማና ናብ ቅድሚት ክንምርሽ ኢና " ምስ በለ ኣብ ገጸይ ቅሩብ ፍሽኽታ ኣምጺኡለይ ።

3_ ኣል-ኣሚን ዳዉድ ፡ መራሒ ናይ ስሙር ህዝባዊ ግንባር ንሓርነትን ፍትሕን ፡ ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ ፍትሒ ነጥብታት ስለ ዘልዕል '' እዚ ደኣ ኤርትራዊ እንድዩ ፡ ናይ ምዝራብ መሰል ከ መን ሂብዎ " እንዳ በሉ ዘነኣእስዎ ኣብ ሓንቲ ቪድዩ ብትግረ " እንታይ ኮንኩም ዘይትላዓሉ ፡ ሞት ኣይትፍርሕዋ ፡ ንሕና ንስርዓት ሃይለ-ስላሰን ካልኦት ዘውደቕና ሰራሕቲ ታሪኽ ኣይኮንናን ዲና ? " እንዳ በለ ንበኒ ዓምር ደቂ ምብራቕ ሱዳን ክታባብዕ ሰሚዐዮ ።



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ናበይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ ?

Post by Abe Abraham » 31 Jul 2021, 16:59


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ምብራቕ ሱዳን እንታይ ተጌሩ ?

1_ብሓምዱክ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘሎ ( ብገለ ሸነኻቱ ባዕሉ ዝፈጠሮ ) መበቆላዊ ምስሕሓብ ስለ ዘስግኦን ንመዕባስ ኣፍን ( ኣንቱም ሱቕ ኢልኩም ትርእዩ ንዝብል ክሲ ከደቓቕሱ ) ናብ እቲ ቦታ ልኡኻት ሰዲዱ ምስ ዓበይትን ያታውያን መራሕቲ ክዛራረብን ነቲ ኩነታት ከረጋግእን ፈቲኑ ።

2_መንግስቲ ሱዳን መሰረታዊ መፍትሒ ክህብ ስለ ዘይደለየ ግን በዓል ናዝር ትርክ ናይ ሃደንደዋ ምስ ሰዓብቶም መንገዲ ፓርት ሱዳን- ከሰላ--- ካብ ስንካት ተበጊስካ ናብ ዓቐበት " ዓገባ " ዝወስድ - ክዓግቱ ተገዲዶም ። ሕጂ ንሳቶም ንመንግስቲ ሱዳን መጠንቀቕታ ሂቦም ብቕልጡፍ ጉዳዮም ፡ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ፡ ክፍተሓሎም እዮም ዝደልዩ ዘለዉ ።

3_ብሓምዱክ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሱዳን " ኩሉ ዘሎ ጸገማትና ብሰላም ፈቲሕና ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዘሎና ሽግራትና ናብ ዜሮ ክነጸግዖ ኣሎና " ዝብል መምርሒ ሒዙ ምስ ተላዕለ ንዝተፈላለያ ናይ ሱዳን ክፋላት ንምጥቃስ ዳርፉር፡ ኮርዶፋን ፡ ብሉ ናይል ፡ ጎቦታት ኑባ ...ነናተን ናይ መፍትሒ መስመራት ከፊቱ ምስ መራሕተን( ብረት ዓጢቖም ዝነበሩ ) ኣብ ዘተ ኣትዩ ።

4_ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ምስ በጽሐ ግን ኣብ ክንዲ ናብ እቶም ቀንዲ ወኪላት ናይ እቲ ክፍለ-ሃገር ዝኸይድ ንምትላል ንኽጥዕሞ ምስ ነዓይ ይጠቕሙንን ውሕድ ዝበለ ሕድገታት ክገብረሎም ዝምችኡኒ ሰባትን ምዝታይ ይሕሸኒ ብዝብል ግጉይ ኣረኣእያ ኣብ ጎደሎ ናይ መስመር ዘተ ኣትዩ ። ብትዕቢት ተወጢሩ ከኣ ኣይፋልካን እንዳ ተባህለ ኣብ ጌግኡ ይቕጽል ኣሎ ።

5_ገዛእቲ ሓይልታት ሰሜን ሱዳን ንነብሶም ጎይቶት ጌሮም ስለ ዝቖጽርዋ ንደቂ ምብራቕ ሱዳን ከም ሰብ ኣይቆጽርዎምን እዮም ። ( ንስኹም ፍሉያት ከም ደቡብ ኣይኮንኩም ዳርፉር ኣይኮንኩም ስለዚ ፍሉይ ውክልና ኣየድልየኩምን እዩ ፡ ሓውሲ-ናትና ግዙኣት ኢኹም ። )

6_ እምበኣርከስ በዓል ናዝር ትርክ ምስ ምሉእ ወደባት ሃደንዳዋ ምስሕሓብን ዕግርግርን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ከይበጽሐ ፡ " ሀ_ መሬትና ይፈለጠልና - ካብ'ዚ ናትና ካብ'ቲ ድማ ናይ በኒ ዓምር ለ_ ንሕና ኤርትራ በመሪሕነት ጅግና ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ሓራ ምውጻኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዝነበረ ደብዳብን ውግእን ነዓና ከማን ይጸልወናን ንመሬትና ይትንክፍን ስለ ዝነበረ ዝኾኑ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ባእታታት ኣብ ቦታና - ምብራቕ ሱዳን - ክሰፍሩ ኣይንቕበልን ኢና ። ኤርትራውያን ኮይኖም ንኤርትራ ኣኽቢሮም ምሳና ክቕመጡ ዝደልዩ ግን ንሕና ምስ ኣታቶም ወርቂ ( ዝዕደን ) ይኹን ካልእ ባህርያዊ ጸጋታት ክንማቐል ድልዋት ኢና ። " በሃልቲ ኢዮም ። ነዚ መልእኽቲ ናዝር ትርክ ኣብ ሓደ ዓቢ ኣኼባ ደቀባት ሃደንደዋ ምስ በሎ እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ደቂ ሃደንደዋ ብጣቕዒት ተቐቢሎሞ ።




'

Post Reply