Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sarcasm
Senior Member
Posts: 10186
Joined: 23 Feb 2013, 20:08

ድምጺ'ደ፡ ብኣንደበተ-ቃና 'ታ'ደ - ብተስፊት ኣብርሃም

Post by sarcasm » 09 Jun 2021, 17:22

ሕደማ፡ ሽሻይ ሽመንዲ
ዜማ፡ ተመስገን ያረድ
ድምጺ፡ ደሃብ ፋቲንጋ
ኣላዪት፡ ከዀብ ተስፋልደት

(እዚ ምስትምቃር፡ ኣብ ሕደማ ጥራይ ዘተዀረ ደኣ'ምበር፡ ነቲ ትርኢታዊ ዕላላት ዘጠቃልልስ ኣይኰነን።)

"ጸላኢኻ" ከም ኣርእስቲ ደርፍን ከም ኣምረ - ቓናን ቃልን ክርአ እንከሎ፡ "ጸላኢኻ"፡ ኣብ ድምጸተ-ልሳን ኣደ ኣዝዩ ዝውቱር ኰይኑ፡ ኣብዛ ሕደማ'ዚኣ ድማ፡ ናይ ሓንቲ ልውሃትን ብቝቧቘን ዘለዋ ኣደ እተድምጾ ቓና ቅዛነት እዩ። እታ ኣደ ኣብዚ ከምዚ ዅነት እትኣትወሉ ኣጋጣሚ ድማ፡ ውሉዳ ኣብ ምስትንታንን ኣብ ጸበባን ሽግርን ክኣትዉ እንከሎ እተዳምጾ ልሳን ወርትግ፥ "ጸላኢኻ ወደየ!… ኣባይካ ወደየ…! ቅድሜካ እስጥሓኒ ወደየ…! ቅድሜኻ ደኣ…! ወዘተ…" ብምባል፥ ነቲ ኣደራዕ፡ ካብ እንግድዕ ውሉዳ ንኽገልል ወትሩ እተዘውትሮ ሓረግ እዩ።

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ደርፊ "ጸላኢኻ"፡ ነዚ ንኡስ ወለዶ፥ ነዚ ኣያ ዝሰኣነ ወለዶ፥ ነዚ ኸዋኒ ዝሰኣነ ወሎዶ - ብምርኣይ - ነቲ ሕሰሙ፡ ነቲ ኸልበትበቱ፡ ነቲ ዝገጠሞ ብድሆን ምረትን ንምጽዋይ፥ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ነቲ ጠንቅን መንቅብን ዝዀነ ጐርቢ ስርዓት እምባገነን ብትብዓት ብምግላጽ፡ ነቲ ብዘይ ሕግንን ድግን ከርተት ዝብል ዘሎ ወሎዶ፡ ከም ኣደ ገጸ-ባህሪ ብምልባስ "ጸላኢኻ ወደየ፡ ኣባይካ ወደየ!" እናበለት'ያ ክትቋቝንን ክትደፍነቕን ትርአ፣ 'ታ ኣደ!።
"…ጸላኢኻ ዪጸላእ ጸላኢኻ… / ጸላኢኻ ጸዋረይ ኣባይካ/ ከም ዘርኢ-ምድሪ፡ ፋሕ ኢልካ ዘለኻ፣ ወደየ ኣብ ዘለኻ'ሊኻ…!/ ደላይ ሰላም ደላይ ፍቕሪ ኣባይካ ይድነን ጸላኢኻ፣ ብዓል ርስቲ ክነስኻ/ ዓዲ ሃገር ተሰደድካ፣ ዝበሊ ዕድሜኻ፣


ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸን ዝተኣመተን፡ ኣብ ኣዝማች እዛ ደርፊ፥ እታ ኣደ ብኸቢድ ሓዘኔታ 'ደቃ' ከም ደቂ ዛግራ፡ ፋሕ ብትን ብምባሎም ኣመና እናሕሰባ'ያ ከተስተንትን ትርአ፣ […] ሞራልን ተስፋን ንዘይምቝራጽ ግን፡ "…ኣብ ዘለኻ'ሊኻ…!" ብምባል ብሰላምን ፍቕርን ክህልዉላ ትምነ። ካብ ርእሲ ምድናን ተገላጊሉ፡ ወዲ ርስቲን ድግን ምዃኑ ፈሊጡ ትብዓት ንኽገብር ትላቦዎ። ኣብ ክንድኡ ድማ፣ ኣባዩ/ጸላኢኡ ንክደንን ትሕንሕን። ነቲ ኣብ ዓዲ ጓና ዝበሊ ዘሎ ዕድሚኡ፡ [ዕድመ'ዚ ወሎዶ!] ኣብ ዓዱ ተመሊሱ ባህሉ፡ ወግዑ ንኽዝክር ትምቢታን ሃረርታኣን ትትርኽ።

ደሪሱ'ንድዩ ዘሎ ወደየ እፎይ ትብለሉ/ ኣብ ከብዲ ዓድኻ ኣብ ንግደት ዓድኻ ጓይላ ትተኽለሉ፣
…ነቲ ኵሉ ክብርታት እቲ ሕብረተሰብ በቲ ሕብረተሰብ ዝካየደሉ ግዜ ርሑቕ ከም ዘይኰነ ድማ ተብራህርህ።!…

ቀጺላ፥

"…ጺን ምስ ለኸፈልካ - 'ቲ ብሩኽ መኣዲ/ኣያ ምስ ተቐብጸ - ኣያ ቕኑዕ ፍርዲ/ ኣኺሉለይ እናበለ 'ቲ ወላዲ/ ንቤቱ ከይተመልሰ ዝቐደመ/ ናትካ'ውን ዶ ሰዓበ ተደገመ/ 'ናሰከሓካ ሃባ ዝለመደ/ 'ናበዝሓካ ሓቂ ዝኸሓደ፣

'ታ ኣደ፡ ተንጸባርቖ ኣብ'ቲ ደረጃ ናይ ምስትንታን መድርኽ ምስ እንርኢ፥ 'ቲ ወላዲ ኣብ ውሉዱ ዝነበሮ ሃረርታን ጽቡቕ ድሌትን ብምህፋፉ፥ ነቲ ወላዲ ዝስምዖ ሓዘኔታን ቅዛነትን'ያ 'ተርኢ። 'ቲ ወላዲ ወርትግ 'ውሉድካ ክፈል' ክብሃል እንከሎ፡ በቲ ተበላጺ ደርቢ…፥ ነቲ ወላዲ ዝሓድሮ ስንብራትን በሰላን ብኡ መጠን መዓረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ተዘኻኽረና ኢያ። ኣብ ዓዲ[ኤርትራ]፡ ሕግን ድግን ፈሊሱ ጺንን ምኒንን ነጊሱ፣ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ እከይ ካብ ዝስስን ነዊሕ ከም ዝገበረ ትጸውይ'ውን እያ። ናይዚ ውጽኢት ድማ፡ እቲ ድሓረዋይ ወሎዶ ከም ዝጸነተን ከም ዝፈለሰን ኣመታታ ትውስውስ።

በለጸኛ እንቅዓ እንከመኽኒ/ ዘይወጸካ ኣነ ሓሲሙኒ

ከይነኣስካ እንከይሓንቀቕካላ/ 'ታይ ተሪፉካ 'ታይ'ከ ዘይኮንካላ/ ስደትካ'ውን ምስ ኩሉ ሽግሩ/ እንተተኸሎ ኣብ ክሳድካ እግሩ፣
ተበለጽቲ ደርብታት ነቲ ዘምጽእዎን ዝፈጥርዎን መወድኣታ ዘይብሉ ኣጀንዳዊ ምኽኒታት ሕፍረት ከም ዘይብሎም ተውክእ። ድሒራ ብምስዓብ ድማ፡ ናይ'ዚ ዘሎ ወሎዶ ልቦና ብምግላጽ፡ ኣመና ኸም ዘይንኣሰን ከም ዘይሓንቀቐን ብዕምቈታዊ ድፍንቕ ብምትራኽ፥ ንዅሉ መሰናኽላት ሰጊሩ፡ ስደትን ከልበትበትን ከየሰነፎ ኽምክት ምውሳኑ ትጸዊ። ነቲ ዝሓለፎ ምረት፡ ብዘይፍርሕን ድሕርሕርን ነቲ ሓቂ ትነግር፣ ብጫማ ተበለጽቲ ደርብታት ከም ዝተረግጸን ከም ዝተገፍዐን ትትርኽ እያ።
ብኡ ቢላ ድማ ናብ ሞራላዊ ጽውያኣ ትኸይድ…፣

ሰናፍ ዲኻ'ሞ ኣያ ገዛእ ነብሱ/ ንሞት ገጢሙ ዘይክማህ መንፈሱ/ ዘዘርከበ መንገዲ ኸምርሮ
ኢድካ ዘይሃብካ በዚሑ ሰሃሮ/ ወደየ ዕድልካ መጺጹ ኣይትተዓደሎ/ ጸዋረይ፡ ኣየናይ ኢልዎ ንስምካ ዘቕልሎ፣

… ነቲ ዳእላን ሕጫጨን እምባገነን ብምዝኽኻር፡ ነዚ ዕድል ወሎዶ ብኸመይ ከም ትገልጾ እእግማ…! ግን ከኣ፡ "…ኣይትተዓደሎ…!" ብምባል፡ ነቲ ዝወረደ ኣደራዕ ዪትረፍ ነዚ ንኡስ ወለዶ ንጸላኢኡ እውን ከምዘይትምነየሉ ብልውሃታዊ 'ታ'ደ ዪድመጽ። ኣብ መዕጸዊት ናይዛ ማይቤት፡ ዘላ ነግሒ ድማ፡ ዕሽነት ናይቶም ተበለጽቲ ደርብታት መወዳእታን መራግእትን ከምዘይብሉ ትጸዊ።

ከመይ ግን ከመይ'ኻ ትገብሮ ከመይ ትኽእሎ/ ኣጆኻ ንዝነፈገካስ ኣጆኻ ትብሎ/ ግዜ ዝዘረዮ ኣያ ዝበደሎ/ የሕሊፍካዮ ኢኻ ራህዋ ቀሪቡ'ሎ
ኣብ መወድኣታ 'ታ ተራኺት ኣደ፡ ነቲ ውሉዳ ሞራልን ተስፋን ብምሃብ፡ ነቲ ዝነፈጐ ከይተረፈ ፍቕሪ ከም ዝህብ ብምርኣይ፡ ናይ'ቲ ውሉዳ ልቦናን ትሕትናን ከም ዘገርማ ብምእማት ዝንታዌኣ ትውድእ። ነቲ ምምጻኡ ዘይተርፍ ዘላእለማዊ ራህዋን ሰላምን ኣዝዩ ከም ዝቐረበ ድማ፡ ኣመታዊ ትምቢታታ ሂባ ትዘዝም።

ደርፊ "ጸላኢኻ"፡ ዓበይቲ ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና ከም ማማ ደሃብ ኣብ ሓቂ ንኽነብሩ፡ ንተበለጽቲ ደርብታት ክብድሁ ተዘኻኽር። ስነ-ጥበበኛ ኣብ ሓቂ ክነብር እምበር፡ ኣብ ኣምሰሉነትን ሎቕመጽመጽን ክነብር ከም ዘይብሉ፡ ምዝኽኻር ኣገዳሲ እዩ። ሎሚ ስነ-ጥበበኛ ማማ ደሃብ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ "ዓቢዱ ዶ ትብልዎ፧" ዘሎ ቀንዲ ጠባይ መዝገበ፡ ተራኺኡ፡ "… መዝገበ ናይ ዓለም እዩ፣…!" ቢሉ ዝተረዀ፣ ደሃብ እውን ደጊም ናይ ሓቂ፡ ናይ ዓለም ስነ-ጥበበኛ እምበር፡ ናይ ሓደ ውልቀ መላኺ ስርዓት እምባገነን ኣይዀነትን። ኣይክትኸውንን'ያ ድማ!። ደሃብ ኣደ ሰላም፡ ኣደ ውጹዓት ብምዃን፡ ሓንቲ ኻብ ጸላዊት ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና፡ ብዓቢኡ ድማ ጸላም ኣፍሪቃዊትን ዓለምን እያ።

***
ተስፊት ኣብርሃም

https://www.facebook.com/tesfitabraham8 ... 2810578438

Dehab Faytinga has called this generation "ኣያ ዝበደሎ!" What a fitting expression!