*********
ኣይንዛነን ኣይንዛነን
ኣይንዛነን ኢና ኣይንዛነን ኣይንዛነን
ፈኸራን ታህዲድን
ናትና ኣይኮነን: ናትና ኣይኮነን
ብየማን ጸጋም : ጉዕዞ ላዕሊ ታሕቲ
ስነ-ሓሳብ :ውዲት እቶም ኣምሰልቲ
ቄንዴል ፍትሒ ኣብ ጎኑ ሓቢኡ
ጠሚቱና ወጽዩ ካብ ደምብኡ
ንገዛና : ክገብራ ገዝኡ(2)
ጠሚቱና ወጽዩ : ካብ ደምብኡ
ምስ ምቁር ናብራየ ....
ሃሪፉ ቀላይየ ....
ኣኽቲቱ ቃፍላይየ......
ዓይኒ ምስ ኣፍጠጠ : ዓይኒ ጸላእትና
ገጢምናዮ እምበር : መኣስ ተዛኒና
ጋሕጋሕ ምስ ወፈረ : ደረትና ክደፍሮ
ድሎ ኢልና ብሓባር : ሓዊ ከነጥፍእ
ዋላ እኳ ሽሕ ግዜ : ክፉእ እንተተላዕጠ
ተፋኒዩ እንሆ : ሓንቲ ከየስለጠ
ከምቲ ሕሉፍ : ዛንታ ናይ ኣብኡ
ቄንዴል ፍትሒ ኣብ ጎኑ ሓቢኡ
ጠሚቱና ወጽዩ ካብ ደምብኡ
ንገዛና : ክገብራ ገዝኡ
ዓይኒ ሓሳድ ዓይኒ :ዓይኒ ተጻባኢ
ዓይንና ኣንቁሩ : ከጸልምት መጻኢ
ሓይሊ ጸልማት : ጌሩ ቅድመ ኩነት
ምስ መጽኣና ንሕና ፡ ሲዒርና ሳላ ድልውነት
ድልውነትና ድልውነት
ድልውነትና 'ቲ ድልውነት
ድልውነት'ዩ ድልውነት : ዝሃበና ህላውነት
ድልውነትና እንድዩ : ማእከል ስሕበት ናትና
ዕዮ ክፍልና እንድዩ : ዕዮ ኩለንትናና
ወትሩ ኣብ ተጠንቀቅ :ወትሩ ኣብ ተዳሎ
ዓጋም ተጎዝጊዝካስ : መኣስ ድቃስ ኣሎ
ወትሩ ድልው ድሉዋት : ሓደ መስርዕ ኮይና
ሰጊርናዮ እምበር: ኩምራ ጸገማትና
ወትሩ ኣለና ኣብ ገስጋስ
ክብርታትና ኣብ ምንጋስ
ነገርና ዝደሊ : መኣስ ነዳህልሎ
ብድሎ ገጢምና : ብድሎ ንስዕሮ
ዘይ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ : ሃለዋትና ዘሎ
ዘይ ኣብ ተዳሎ እዩ ክብርታትና ዘሎ
ትማልን ሎምን : ሎምን ትማልን
ድልዋት ኢና ኣብ ግብርን ቃልን
ኣብዚ ናትና ቀትሪ ( ኣብዚ ናትና )
ኣብዚ ናትና ምንባር ( ኣብዚ ናትና )
ድሕሪ ሓሳብ ምብሳል
ምኻድ እዩ ናብ ተግባር
ከም ትማልን ሎምን : ጽባሕ እውን እንተኾነ
ዝዳሎ ዜጋ እምበር : ኣይብልናን ዝዛነ
ትማልን ሎምን : ሎምን ትማልን
ድልዋት ኢና ኣብ ግብርን ቃልን !!!