Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sesame
Member+
Posts: 5875
Joined: 28 Feb 2013, 17:55

The Lyrics of this Beautiful and Timely Song. ከምቲ ሕሉፍ፡ ዛንታ ናየቡኡ፥ ቀንዴል ፍትሒ ኣብ ጎኒ ሓቢኡ፥ ጠሚቱና ወጺኡ ካብደንበኡ፥ ንገዛና ክገብራ ገዝኡ

Post by sesame » 05 Jun 2021, 17:37

ኣይንዛነን
*********
ኣይንዛነን ኣይንዛነን
ኣይንዛነን ኢና ኣይንዛነን ኣይንዛነን
ፈኸራን ታህዲድን
ናትና ኣይኮነን: ናትና ኣይኮነን

ብየማን ጸጋም : ጉዕዞ ላዕሊ ታሕቲ
ስነ-ሓሳብ :ውዲት እቶም ኣምሰልቲ

ቄንዴል ፍትሒ ኣብ ጎኑ ሓቢኡ
ጠሚቱና ወጽዩ ካብ ደምብኡ
ንገዛና : ክገብራ ገዝኡ(2)
ጠሚቱና ወጽዩ : ካብ ደምብኡ

ምስ ምቁር ናብራየ ....
ሃሪፉ ቀላይየ ....
ኣኽቲቱ ቃፍላይየ......

ዓይኒ ምስ ኣፍጠጠ : ዓይኒ ጸላእትና
ገጢምናዮ እምበር : መኣስ ተዛኒና
ጋሕጋሕ ምስ ወፈረ : ደረትና ክደፍሮ
ድሎ ኢልና ብሓባር : ሓዊ ከነጥፍእ

ዋላ እኳ ሽሕ ግዜ : ክፉእ እንተተላዕጠ
ተፋኒዩ እንሆ : ሓንቲ ከየስለጠ

ከምቲ ሕሉፍ : ዛንታ ናይ ኣብኡ
ቄንዴል ፍትሒ ኣብ ጎኑ ሓቢኡ
ጠሚቱና ወጽዩ ካብ ደምብኡ
ንገዛና : ክገብራ ገዝኡ

ዓይኒ ሓሳድ ዓይኒ :ዓይኒ ተጻባኢ
ዓይንና ኣንቁሩ : ከጸልምት መጻኢ
ሓይሊ ጸልማት : ጌሩ ቅድመ ኩነት
ምስ መጽኣና ንሕና ፡ ሲዒርና ሳላ ድልውነት

ድልውነትና ድልውነት
ድልውነትና 'ቲ ድልውነት
ድልውነት'ዩ ድልውነት : ዝሃበና ህላውነት

ድልውነትና እንድዩ : ማእከል ስሕበት ናትና
ዕዮ ክፍልና እንድዩ : ዕዮ ኩለንትናና
ወትሩ ኣብ ተጠንቀቅ :ወትሩ ኣብ ተዳሎ
ዓጋም ተጎዝጊዝካስ : መኣስ ድቃስ ኣሎ

ወትሩ ድልው ድሉዋት : ሓደ መስርዕ ኮይና
ሰጊርናዮ እምበር: ኩምራ ጸገማትና

ወትሩ ኣለና ኣብ ገስጋስ
ክብርታትና ኣብ ምንጋስ
ነገርና ዝደሊ : መኣስ ነዳህልሎ
ብድሎ ገጢምና : ብድሎ ንስዕሮ
ዘይ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ : ሃለዋትና ዘሎ
ዘይ ኣብ ተዳሎ እዩ ክብርታትና ዘሎ

ትማልን ሎምን : ሎምን ትማልን
ድልዋት ኢና ኣብ ግብርን ቃልን

ኣብዚ ናትና ቀትሪ ( ኣብዚ ናትና )
ኣብዚ ናትና ምንባር ( ኣብዚ ናትና )
ድሕሪ ሓሳብ ምብሳል
ምኻድ እዩ ናብ ተግባር

ከም ትማልን ሎምን : ጽባሕ እውን እንተኾነ
ዝዳሎ ዜጋ እምበር : ኣይብልናን ዝዛነ

ትማልን ሎምን : ሎምን ትማልን
ድልዋት ኢና ኣብ ግብርን ቃልን !!!