Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sarcasm
Senior Member
Posts: 10186
Joined: 23 Feb 2013, 20:08

Abune Qerlos promised the legitimate Patriarch Abune Antonios will be restored but now he wants to be the fake Patriarch

Post by sarcasm » 13 May 2021, 20:29

ኣባ ቄርሎስ ኣብ ኤውሮጳ መጺኦም ዝኣተዉዎ መብጻዓ ፡ጠሊሞም ፓትርያርክ ኮይኖም ያኢ ንህዝበ ተዋህዶ ክመርሕዎ መጺኦም ኣለዉ።

(ፍትሐ ነገሥት ዓንቀጽ 5፥175)
ካብ ሕጊ ወጻኢ
ብናይዚ #ዓለም ሰበ #ሥልጣን እንተ ተሓገዘ፡ ብእኦም ውን ንቤተ ክርስቲያን ኤጲስቆጶስ (#ፓትርያሪክ) እንተ ተሸመ፡ ንሱን #ተሓባበርቱን ካብ መዓርጎም ይመተሩ።


ብስራት ከበስሩና ተማጻቢዖምስ ፡መርድእ ኣርዲኦምና
____________________________
ፓትርያርክ ክንሸይም እንተ ኮይና ዳኣ ንምንታይ ዘይንሸይም፡❗❗❗
____________________________
ልኽብጥና ሓሶት ምድንጋር ብርግጽ ካብቲ ዘገልግልዎ ኮሙኒስታዊ ጸረ ፍጡር ህዝባዊ ግንባር እምበር ካብቲ ዝተማሃርሉ ኮነ ዘገልገልዎ ገዳማት ኮነ ዝተወለድሉ ሕብረተሰብ ከም ዘይተማሃርዎ ርግጸኛ ኢየ።ኣባ ቄርሎስ ኣብ ኤውሮጳ መጺኦም ዝኣተዉዎ መብጻዓ ፡ጠሊሞም ፓትርያርክ ኮይኖም ያኢ ንህዝበ ተዋህዶ ክመርሕዎ መጺኦም ኣለዉ።

ኣብዚ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ብስራት ክነበስረኩም ኢና።ኣቡነ እንጦንዮስ ብክብሪ ኢና ሒዝናዮም ዘለና ኣይትሻቐሉ ። ፓትርያርክ ኣይንሸይምን ክንሸይም እንተ ኮይና ንምንታይ ክሳብ ሎሚ ዘይሸምና ብምባል ንዝወረዶም ተቓዉሞታት ንምዝሓል ዝተጠቐሙሉ ኮንቱ ዘይትግበር መብጻዓታት ልክዕ ከምቲ ሻዕብያ ዝገብርዎ ዓመት ዓመት ዘይፍጸም መብጻዓታት ኢዮም ሂቦም።

እዚ ኩሉ ብስራት ክነበስረኩም ኢና ዝበለት ልሳን መርድእ ሒዛ መጺኣ ኣርዲኣትና ኣላ ።እቶም የዋሃት ኳ ትጽበዩ ሓጊኹም ኢኹም፡ ተንኮላት ሻዕብያ ንዝፈልጥ ግን ብዙሕ በዚ ተስፋ ዝገበረ የለን።

እዞም ኣቦ ብደዐኛ ምዃኖምስ ቁሩብ ከይሓነኹ ፡ኣብ ሓደ ካንሸሎ ብኽብሪ ኢና ሒዝናዮም ዘለና።ብዕድመ መዘናይ ኦም ፡ ጥዕና ስለዘይብሎም እምበር ይብሉ። ንሶም ዓለም ሙሉእ ክዞሩ ዕድመኦም ዘይግድቦም ኣቡነ እንጦንዮስ ካኣ ዕድመኦም ናብ ጎደና ምውጻእ ከሊእዎም ኣብ ካንሸሎ ተዓሽጎም ማለት ኡ።እዚ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጦንዮስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እግዚኣቢሔር ውን ንዕቀት ኡ

ብዝኾነ ድፍረቶም መወዳእታ የብሉን እሞ ሎሚ ካኣ ናይ ድፍረት ጫፍ በጺሖም ነቶም ደፋር ኣባ ዴስቆሮስ ስዒቦም ነታ ዙፋን ናይ ኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ሓዂሮማ ኣለዉ።መወዳእታ ደፋራትን ዕቡያትን ካብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ዘይተማህሩ ፡ኣብ ነብሶም ምስ ወረደ ጥራይ ኦም ክማሃሩ። እግዚኣቢሔር ፍርዱ ኣብዛ ምድሪ ከርእየና ጥራይ ኢና ንልምኖ።

Please wait, video is loading...