Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
ANTICO
Member
Posts: 1605
Joined: 30 Nov 2013, 03:48

ኣስመራ፣ ኣብ ጸጸራት መካነ- መቓብር ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ኣብያተ ክርስትያን ዝርከብ ሬሳታት ክልዓል መንግስቲ ኣዚዙ

Post by ANTICO » 18 Apr 2021, 00:36

Radio Erena: 16 April 2021

ኣብ ኣስመራ፣ ከባቢ ጸጸራት ኣብ ዝርከብ መቓብር ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ኣብያተ ክርስትያን፣ ዓሪፉ ዘሎ ሬሳታት፣ ተፋሒሩ ክልዓል መንግስቲ ትእዛዝ ምምሕልላፉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ካብ መካነ መቓብር ጸጸራት ንዝፈሓር ሬሳታት፣ መጽንሒ ዝኸውን ቦታ ክወሃባ ብዝሓተተቶ መሰረት ክፍቀደላ እንከሎ፣ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ግና ሕቶ ይኹን ጥርዓን ኣየቕረበትን።

ስድራቤታት፣ ነቲ ብግቡእን ስነ-ስርዓተን ዝተቐብረ ሬሳታት ፊሒሮም ናበይ ከምዝወስድዎ ምውሳን ስኢኖም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ዒላማ ምፍንቓል ናይቲ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት ዓሪፉ ዝርከብ ሬሳታታ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ብምልኡ ‘ቲ መቓብራት ድዩ ተፋሒሩ ክወጽአ ተኣዚዙ ዘሎ ወይስ ገለ ክፋሉ’ውን ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ጎኒ’ዚ መቓብራት ንዝርከብ፣ መሊኡ ከምዘሎ ዝግለጽ መቓብር ሓበኛታት፣ ተወሳኺ መሬት ንምርካብ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ግምታቶም ሂቦም።

መካነ መቓብር ጸጸራት ናይ ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ጎኒ መቓብር ሓርበኛታት’ዩ ዝርከብ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት