Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Remember, this guy?

Post by Zmeselo » 17 Apr 2021, 19:38


Typical agame! No principle, or a backbone. Look at the logo, at the bottom right corner. Disgusting creatures!
Last edited by Zmeselo on 17 Apr 2021, 20:43, edited 1 time in total.

sarcasm
Senior Member
Posts: 10186
Joined: 23 Feb 2013, 20:08

Re: Remember, this guy?

Post by sarcasm » 17 Apr 2021, 19:57

He realized he was wrong, so he made amends. What would you do if you realize you were wrong??? If you realize you are on the wrong lane, would you change lane? or you would carry on on the wrong lane?
sarcasm wrote:
18 Mar 2021, 19:54
sarcasm wrote:
15 Feb 2021, 12:53
Meles Bisrat, do not hate yourself. Make amends for your your error of judgement by siding with your people and contributing in the struggle for self determination. Yesterday is gone forever. Today is in your hands. Use it or lose it, it is up to you.
Some good news! Meles Bisrat has reconciled with his people. He's apologized and joined the just struggle for his people and his land. No One Left Behind! Well done Meles! I am proud of you! Nobody is perfect.




Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: Remember, this guy?

Post by Zmeselo » 17 Apr 2021, 20:06



'ትግራይ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ፡ ልዕሊ 133 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙወን'

4 ሰነ 2020

https://www.bbc.com/tigrinya/news-52916757



ኣብ ትግራይ፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ግንቦት፡ ኣብ ልዕሊ 133 ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን: ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙ።

መተሓባበሪት ፕሮጀክት ፈንድ ስነ ህዝቢ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ለታይ ተስፋይቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ጾታዊ ዓመጽ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ዘቤታዊ ጥቕዓታት ይውስኹ ኣለው ኢላ።

ብፍላይ ድሕሪ እቲ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ኩሎም ዓይነታት ጾታዊ በደላት አዐርዮም ከም ዝወሰኹ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ዝተፈጸሙ ዓመጻት ኣገዲድካ ምድፋር፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ጓል ሰለስተ ዓመትን ትሸዓተ ወርሕን ህጻን ዝተፈጸመ ዝነኣሰ ዕድመ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ዕድመ ድማ 25 እዩ።

ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸሞም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 12ን 13ን ዝርከቡ እዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 560 ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ማእከላት ሕክምና ምምጽአን እትገልጽ ወይዘሮ ለታይ፡ ካብ ጓል ሸሞንተ ወርሒ ህጻን ክሳብ ጓል 90 ዓመት ወላዲት ግዳያት ከም ዝኾና ሓቢራ።

'በዳሊአን ኣብ ገዝአን'ውን ኣሎ'

ዓመጽቲ፡ ኩሎም ኣይኮኑን ካብ ርሑቕ ዝመጽኡ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ በይዘአን ክኾኑ ብዝግበኦም ወለደን፣ ኣሕዋተን፣ ኣኮታተን፣ ኣዝማደንን ጎረባብተንን፡ ካብ በላዒ ክድሕናሉ ኣብ ዝግበአን ገዝአንን ከባቢአንን እዩ ጥቕዓት ዝበጽሐን።
ኣብዚ ሰሙን እኳ እንተወሲድና፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት፡ ብጎረባብታ ጥዕቅዓት ተፈጺሙዋ እዩ፡፡ ኣብቲ ናይ ሓደ ማእከል ግልጋሎት [ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ደቂኣንስትዮ ኣገልግሎት ዝረኽባሉ ማእከል] ዘሎ ሓበሬታ'ውን፡ ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ዘሎ ብዝሒ እንትንርኢ፡ ኣብ ህጻናት 'ውን ብሰፊሑ የጋጥም ከም ዘሎ እዩ ዘርእየና
ትብል ወይዘሮ ለታይ።


መተሓባበሪት ፕሮጀክት ፈንድ ስነ ህዝቢ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ለታይ ተስፋይ

ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ውጽኢታዊ ዘይምዃኑ እዩ ዘርእይ።
እቲ እንሰርሖ ዘለና ስራሕቲ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ከም ዘይኮነ ዘረድኡ ነገራት ኣለዉ። እቲ እንሰርሖ ዘለና ናይ ግንዛበ ምፍጣርን ናይ ሕጊ ከለላን ስራሕቲ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል እንተዘይኮይኑ፡ ሱር እቲ ጸገም ኣይፈለጥናዮን ማለት እዩ
ትብል።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር እየን ግልጋሎት ምርመራን ሕክምናን ዝረኽባ።


ብምክንያት ኣዋጅ ዕጽዋ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ወሲኹ
ምንጪ ስእሊ, AFP


ነቲ ግልጋሎት ንምርካብ ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝወስደለን ግዘን ጉልበትን ንምንካይ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ምስ UNFPA ብምትሕብባር 'ኣገልግሎት ሓደ ማእከል' ኣጣይሶም፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

እዚ ማእከል፡
ብፍላይ ኣገዲድካ ምድፋር ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ፖሊስ፣ ፍትሒ፣ ጥዕናን ምትሕብባርን ስራሕቲ ዘጠቓለለ ኣገልግሎት ንክረኽባ፡ እቶም ክኢላታት ኣብ ሓደ ማእከል ኮይኖም ናይታ ጥቕዓት ዝበጻሓ ጓል ኣንስተይቲ ቃል ዝቕበሉ፥ ግልጋሎት ሕክምና ዝህቡሉን ክሲ ዝምስረተሉን ዝምረሐሉ ስርዓት ኮይኑ ከም ኣድላይነቱ ተወሳኺ ግልጋሎት ዝደልያ እንትህልዋ ድማ ናብ ዝድለ ቦታ ዝለኣኻሉ ማእከል እዩ
ኢላ።

ብተወሳኺ፡ ስነ ልቦናዊ ሕክምና ንዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ እፎይታ መሐብሐቢ ማእከል ግልጋሎት ምሕዋይ ክረኽባ ከም ዝግበር ትገልጽ።

ንሕክምና ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ንናይ ሕጊ ምርመራ (Forensic) ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ መጓዓዝያ፣ ምግብን መደቀስን ወጻኢታተን ባዕለን እየን ዝሽፍና፡፡

እቲ ውጽኢት ንምርካብ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ይወስድ።

እፎይታ መሐብሐቢ ማእከል

ወይዘሮ ሰላማዊት ቅጣው፡ ኣብ እፎይታ መሐብሐቢ ማእከል መተሓባበሪት እያ፡፡

እቲ ትካል ካብ ዝተኸፈተሉ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ጓል ክልተ ዓመትን ፈረቓን ክሳብ ሰብዓን ክልተን ዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ማእከል ናብያ እያ፡፡
ኣብዚ ሰዓት ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከበአን ጠቕላላ 34 ተገልገልቲ ኣለዋ፡፡ ጥቕዓት በጺሑወን ካብ ዝመጽኣ፡ እታ ዝነኣሰት ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ዝለዓለት ድማ 35 እየን፡፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ግና፡ ጓል 72 ዓመት እኖ ነይረናና
ትብል።


ወይዘሮ ሰላማዊት ቅጣው፡ ኣብ እፎይታ መሐብሐቢ ማእከል መተሓባበሪት እያ፡፡
ብመውቃዕቲ ዝመጽኣ ሰለስተ ጥራይ እየን፡፡ ዝተረፋ ግን ጾታዊ ጥቕዓት ዝተፈጸመን እየን። እዚ ማለት ብቤተሰብ፥ ጎረቤት፥ መምህራን፥ ሰብኣይ ኣዶ፥ ኣቦ፥ ሓውን ዘይፈልጠኦም ሰባትን ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን እየን
ክትብል ድማ ትገልጽ።

ካብአተን፡ እተን 86 ሚኢታዊት ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾና ህጻውንቲ ከም ዝኾና ትገልጽ። ካብዚአን ድማ እተን ዝበዝሓ ካብ 4 ዓመት ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚአን እየን፡፡

ኣብቲ ማእከል፡ ድሕሪ እቲ ዝበጽሐን ዓመጽ ዝጠነሳን ኣብ ደመን ኤችኣይቪ ኤድስ ዘለወንን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣለዋ፡፡

እቲ ማእከል፡ ናይ ዓቕሚ ሕጽረት ስለ ዘለዎ፡ ካብ ኣባላት ቤተሰበን ንዝጠነሳ ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝከናኸን ወይዘሮ ሰላማዊት ትገልጽ፡፡

ደቀን ክዕብያ ንዘይክእላ ድማ፡ ኣብ ከም መሐብሐቢ ማእከላት ፍሬምናጦስ፣ ሎላ፣ ኤስኦኤስን ካልኦትን ዝበሉ ህጻናት ዘዕብዪ ትካላት ክኣትዉሉ ዝኽእሉ መገዲታት ከም ዝፈጥራ ተብርህ፡፡

ተመልሚለን ናብ እፎይታ መሐብሐቢ ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ውሕስነአን ተሓልዩ፡ ግልጋሎት ምኽሪ፣ ክትትል ሕጊ፣ ምህናጽ ዓቕምን ማሕበራዊ ርክብን፣ ናይ ዝተፈላለዩ ሞያታት ስልጠናን ቴኳንዶን ክረኽባ ከም ዝግበር እታ መተሓባበሪት ተዛሪባ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምግባር፡ ንርእሰን ዝኽእላሉ ባይታ ክመቻቸ ከም ዝሰርሑ ትገልጽ።

ጾታዊ ጥቕዓት ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ምክንኻንን ምሕካምን ከይዲ ቀሊል ከም ዘይኮነ እትገልጽ ወይዘሮ ሰላማዊት
ኣብ መወዳእታ ጠንኪረን፡ ሰሓቐን እንትርኢ፡ ነቲ ሙያይ ዝያዳ ይፈትዎ
ትብል።

ደቂ ተባዕትዮ ናብቲ ማእከል እንተመጺኦም፡ ብፍላይ እተን ህጻናት ከም ዝስንብዳ እትገልጽ ወይዘሮ ለታይ ተስፋይ ብወገና፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ
ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ዓመጽቲ ከም ዘይኮኑ እውን ክርዳኣ ንሕግዘን
ትብል፡፡

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: Remember, this guy?

Post by Zmeselo » 17 Apr 2021, 20:17





Investigative journalist Glenn Greenwald calls Bellingcat, "a propaganda arm of the CIA & State Dept." Bellingcat falsely framed up the Ethiopian army of "massacre" in Tigray, using a dubious video whose origin was Tigray Media House.

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: Remember, this guy?

Post by Zmeselo » 17 Apr 2021, 20:29


Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: Remember, this guy?

Post by Weyane.is.dead » 17 Apr 2021, 20:41

Excellent idea. It's Ethiopians money stolen by tplf. Defund terrorist tplf.
Zmeselo wrote:
17 Apr 2021, 20:29

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: Remember, this guy?

Post by Zmeselo » 17 Apr 2021, 20:42


Naaah! Scared, of ending up like this guy. Hence, no backbone!

sarcasm wrote:
17 Apr 2021, 19:57
He realized he was wrong, so he made amends. What would you do if you realize you were wrong??? If you realize you are on the wrong lane, would you change lane? or you would carry on on the wrong lane?
sarcasm wrote:
18 Mar 2021, 19:54
sarcasm wrote:
15 Feb 2021, 12:53
Meles Bisrat, do not hate yourself. Make amends for your your error of judgement by siding with your people and contributing in the struggle for self determination. Yesterday is gone forever. Today is in your hands. Use it or lose it, it is up to you.
Some good news! Meles Bisrat has reconciled with his people. He's apologized and joined the just struggle for his people and his land. No One Left Behind! Well done Meles! I am proud of you! Nobody is perfect.




Post Reply