Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Yafet & the moon!

Post by Zmeselo » 02 Mar 2021, 04:42


Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: Yafet & the moon!

Post by Zmeselo » 02 Mar 2021, 07:01

ሕልናዊ ዕርበት ኣሰናዳእቲ ኣልጀዚራ የብቅዕ!!



RED! Not only the placards are video edited; but also no mention of Eritrea. What else is Al Jazeera, lying about?

(ብ/Sultan Grande MO) - - እዚ ሎሚ ኣብ መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ ክጋዋሕ ዝወዓለ፡ ጭቡጥ መረዳእታን ስኑድ መርትዖን ዘይብሉ "ተባሂሉ/ ኣጋጢሙ ይበሃል ኣሎ……" ኢልካ ዝተዘርግሐ ጠቐነ፡ ሕጂ ዝበቖለ ዘይኮነ፡ መቐጸልታ ናይቲ ልእላውነት ኤርትራ ንምቕልባስ ነዊሕ ዓመታት ዝተሰርሓሉን ዝተፈላለየ መሳለጥያ ዝተዋደደሉን ጌና ዝቕጽል ዘሎን ስትራተጅያዊ ውጥን "ርእሰ ሓያላን" ዓለምና እዩ።

ነዚ ብወያነ ኣብ መንጎ ሕብረተሰባት ሕዱር ቂም ንምፍጣር ንነዊሕ ዓመታት ክዀስከስ ዝጸንሐ፡ ናይ 'እምኒ ደርቢኻ ኣውያት' ነውራም ባህሊ፡ ኣልጀዚራ በቲ መባእታዊ መለኺዒታት ሓቂ ጋዜጠኝነት ከተረጋግጾ ዝኸብዳ እኳ እንተ ዘይኮነ ንኣጀንዳኣ ዘሳሲ ስለ ዝዀነ ከም ዘለዎ እያ ኣርዒማቶን ኣቃሊሓቶን። እዚ ተግባር'ዚ፡ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ኪኖ ሞያዊ ተሓታትነት ሕልናዊ ዕርበት ኣሳናዳእቲ ኣልጀዚራ ዘግህድ እዩ።

በዚ መሰረት መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራን መሰልታን ዘይተረጋገጸን መርትዖ ዘይብሉን ሓበሬታ ምቅላሕ ንሰላምን ርግኣትን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዘርግን ሕብረተሰባዊ ግርጭታት ዘባርዕን ምዃኑ ብምእማን፡ ሃናጺ ኣበርክቶአን ክፍጽማ እዋኑ ዝጠልቦ እዩ።

እንተ'ቲ ህዝቢ ንምንቛት ዝስረሓሉ ዘሎ ብመሰኻክር ሓሶት ዝተሰነየ ኣውያት፡ ዕምሩ ነዊሕ ኣይኮነን። ከም ዝዝኸር፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ብገንዘብ ተዓሲበን ከልቅሳ ዝተቖጽራ ኣንስቲ (ኣልቃሽ) ከም ዝነበራ ንመብዛሕትና ሓድሽ ዜና ኣይኮነን፡፡ እዚ ሓደ ካብቲ ህውሓት ኣብ ኮረሻ ስልጣን እንከላ ዘተኣታተወቶ፡ ዘይስነምግባራዊ ባህሊ እዩ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርኡይ ባህሊ ክጠፍእን ብብሉጽ ክብርታት ክልወጥን፡ ዝሓቶ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ድኹም ባህሊ መመሊሱ ክስርሓሉ እንክትርኢ ዘገርም እዃ እንተ ዀነ፡ ካብ ንግዜያዊ ሃልኪ ህዝባዊ ርክባት ዝሓልፍ ኣይኮነን።

ነዚ ክብል ዝቐሰበኒ ቀብሪ መለስ ዓጂቡኒ ወይ ሞት ህውሓት ገሪሙኒ ዘይኮን፡ ሎሚ እታ ዕልልቲ ሓሳዊት ዝኾነት መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ከተማታት ትግራይ ምስ ዝርከቡ ተረፍ መረፍ ጃንዳ ብምትሕብባር፡ ኣላቐስቲ ኣንስቲ (ኣልቃሽ) ኣኪቦም፡ ዓለም ምሳና ተልቅስ ክብሉ ምውዓሎም እዩ። እዚ ናይ ሓሶት ድርሰት፡ ነተን ብሽግርን ቅልውላው ናይ ናብራ ዝንገላትዓ ዘለዋ ኣዴታት ትግራይ፡ እንታይ የርብሐን ? እንታይ ለውጢ ኸ የምጽኣለን ? ግዜ ዝምልሶ ጉዳይ ክኸውን እዩ። ብዝኾነ፡ ምስ ንፋስ ምጉያይ ይሓይሽ ካብ ተባህለ ግን እንታይ ክንብል። በዚ ኢልካ በቲ ግን፡ ንህዝቢ ትግራይ ዘየርብሕ ኣጀንዳ ንዱያት ይሳሰ ከም ዘሎ ይስወጠካ።

እንተ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ከም ወትሩ፡ ካብ ሃገራዊ ተልእኾታቶም ፈልከት ከይበሉ፡ ንርግኣትን ሰላምን ኢትዮጵያ ብሓፈሽኡ ድማ ርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተለምደ ምቕሉል ተራኦም ብዘይ ምስልካይ ክሰርሑ ምዃኖም እምንቶይ እዩ፡፡

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: Yafet & the moon!

Post by Zmeselo » 02 Mar 2021, 13:56





A large Saudi delegation visited historical & developmental projects in Northern Red Sea Region, including the Sahaba Mosque, the Free Trade Zone & the Housing Complex in Massawa; the Gahtelay Dam; as well as Zaer Textile Factory in Asmara in past two days & departed home this afternoon.
(Yemane G. Meskel: @hawelti)

Post Reply