-
- Senior Member+
- Posts: 33606
- Joined: 30 Jul 2010, 20:43
Eritrea- UNDP- Renewable Energy
@UNDPEritrea
Launch call for applications: The Renewable Energy and Energy Efficiency Awards 2021
Theme: Innovative Technologies Contributing for a Net-Zero Carbon Future in #Eritrea
Applications are due by 10 March 2021
More info https://er.undp.org/content/eritrea/en/ ... iency.html
@UkambW @wakiaga
Eritrea Ministry of Energy partnering with UNDP Eritrea & #UKEmbassy in Asmara to promote innovations in Renewable energy technologies.
-
- Senior Member+
- Posts: 33606
- Joined: 30 Jul 2010, 20:43
Re: Eritrea- UNDP- Renewable Energy
ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ (እንተዘይተጋጊየ: ኣብ Belgium ትቕመጥ ዘለኻ)
Thursday, 18 February 2021
ብርግጽ ኣካዳሚያዊ ፍልጠትካን ተመኩሮኻን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን:: እዚ ማለት ግን: ትምህርቲ ዘለዎ ሰብ ኣይጋገን ማለት ኣይኮነን::
መንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሕካ ኣብ ስደት ምስ መጻእካ ግን: ኣብ ዝተፋላለየ እዋናት ኣብ youtube ብዝተፋላለዩ ከዳዓት ዝቐርቡልካ ናይ interview ዕድላት እናተጠቐምካ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወም መርገጺታት ትህብ ኣለኻ:: ምናልባት ንመንጠሪ ናብ ስልጣን ኢልካ ትኸውን:: ሓሳብካ ምግላጽን ዕላማ ምህላውን ግን መሰልካ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይርደኣኒ::
ካብቲ ዝገበርካዮ interview: እዚአን ዝስዕባ ሕቶታት ከቕርበልካ ይፈቱ:: ብዝርዝር ምጽሓፍ ምተኻእለ ግን ብሕጽር ዝበለ: እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ምስ ርእይቶይ ዝተሓወሶ:
1. ንመንግስቲ ኤርትራ ከም መላኺ ገርካ (Democracy ዘይክተል -ሕብረ ፓርቲ ዘየታኣታተወ) ብምባል ትኸሶ:: ጃንዳ ወያኔ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለኖን ዘውረዶ ህልቂትን ዕንወትን ንስኻ ኣብ ዝነበርካሉ ኣጸቢቅካ ትፈልጦ:: ወያኔ ዕላምኡ ንኤርትራ ኣብቲ ናይ ቀደም ዘነበረቶ ሓንቲ ግዝኣት (ኣውራጃ) ናይ ኢትዮጵያ ክትምለስ እዩ ሓሊኑ:: እዚ ምስ ዘይሰልጦ መሬት ኤርትራ ሒዝካ ወደባት ኤርትራ ወኒንካ መንግስቲ ኤርትራ ገልቢጥካ ምቁጽጻር::
እዚ ጥራይ መኣስ!
ወያነ: ኩሎም ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ክሕረዱ ትእዛዝ ነይርዎ:: እዚ ንስኻ ክትዛረቦ እንተዘይደሊኻ: ኣጸቢቅካ ትፈልጦ ኢኻ:: ኤርትራ ን30 ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ኩነታት ነይራ:: ልዕላውነት ኤርትራ ተንጠልጢሉ ነይሩ:: ስለዚ ከመይገርካ ኢኻ መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን እዚ ሓደጋዚ ኣንጻላልይዎ ከሎ ናይ ምእራባውያን democracy ዘይተኸለ: ኢልካ ትምድር ዘለኻ?
2. ንመንግስቲ ኤርትራ ንመንእሰያት ካብ ሑቕፊ ስድርኦም መንዚዑ ናብ Sawa ይወስዶም: ኢልካ ትኸስስ:: ንስኻ Sawa ክእወጅ ከሎ: ስልጣን ሒዝካ ኔርካ:: ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ እቶም Sawa ዝኸዱ: ደቂ 17 ዓመት እዮም:: ዓመት ምስ ተማህሩ: ደቂ 18 ዓመት ይኾኑ:: እቲ ንኤርትራ ኣንጻላልይዋ ዝነበረ መዓት: መን ክከላኸሎ ኢልካ ትሓስብ? ደቂ 50/60 ዓመት? ንመንእሰያት ኣብ ናይ ክረምቲ ወፍሪ ይሰዶም: ኢልካ ትኸስስ:: ነታ ሃገር መን ክሰርሓላ: አልካ ትሓስብ? እቶም ዝምውሉኻ: ኣመሪካውያን/አውሮጳውያን? ዓንደብርሃን: እዚ ናብስልጣን ከደይበካ ኢልካ ኣይትሕሰብ::
3. ነቶም dollar ብላዕ ተቐቢሎም (እዚ ባዕሉ Meles ዝበሎዩ) ንኤርትራ ንወያነን ንኢትዮጵያን ዝሽጥዋ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ: ብፍላይ ንክቡር ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ለይትሎሚ ዳጕንዎም ኣሎ አልካ ትምድር :: ብናተይ ኣረኣእያ: እዚኣቶም: ፍርዶም ካብ ምድጓን ንላዕሊዩ::
ዓንደብርሃን: ድሕሪ ኢንተርነት ተሓቢእካ: ነቶም ደቆም ኣብ ቤቶም ሒዞም ሃገር ንምድሓን ዝቃለሱ ዘለዉ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ክሰርሑ ግደፎም:: ንስኻ ከኣ ኣብ ሕቅፊ ምዕራባውያን ኰንካ ገንዘብ ናይ ምዕራባውያን ስለ ዝመረጽካ: ደቅኻ እናኣምሃርካ ብሰላም ንበር::
ዮሃንስ ዘርአጺዮን
Frankfurt Germany