Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Eritrea- UNDP- Renewable Energy

Post by Zmeselo » 19 Feb 2021, 07:54



@UNDPEritrea
📢Launch call for applications: The Renewable Energy and Energy Efficiency Awards 2021

Theme: Innovative Technologies Contributing for a Net-Zero Carbon Future in #Eritrea

Applications are due by 10 March 2021


More info https://er.undp.org/content/eritrea/en/ ... iency.html

@UkambW @wakiaga

Eritrea Ministry of Energy partnering with UNDP Eritrea & #UKEmbassy in Asmara to promote innovations in Renewable energy technologies.


Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: Eritrea- UNDP- Renewable Energy

Post by Zmeselo » 19 Feb 2021, 12:31



ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ (እንተዘይተጋጊየ: ኣብ Belgium ትቕመጥ ዘለኻ)

Thursday, 18 February 2021

ብርግጽ ኣካዳሚያዊ ፍልጠትካን ተመኩሮኻን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን:: እዚ ማለት ግን: ትምህርቲ ዘለዎ ሰብ ኣይጋገን ማለት ኣይኮነን::

መንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሕካ ኣብ ስደት ምስ መጻእካ ግን: ኣብ ዝተፋላለየ እዋናት ኣብ youtube ብዝተፋላለዩ ከዳዓት ዝቐርቡልካ ናይ interview ዕድላት እናተጠቐምካ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወም መርገጺታት ትህብ ኣለኻ:: ምናልባት ንመንጠሪ ናብ ስልጣን ኢልካ ትኸውን:: ሓሳብካ ምግላጽን ዕላማ ምህላውን ግን መሰልካ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይርደኣኒ::

ካብቲ ዝገበርካዮ interview: እዚአን ዝስዕባ ሕቶታት ከቕርበልካ ይፈቱ:: ብዝርዝር ምጽሓፍ ምተኻእለ ግን ብሕጽር ዝበለ: እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ምስ ርእይቶይ ዝተሓወሶ:

1. ንመንግስቲ ኤርትራ ከም መላኺ ገርካ (Democracy ዘይክተል -ሕብረ ፓርቲ ዘየታኣታተወ) ብምባል ትኸሶ:: ጃንዳ ወያኔ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለኖን ዘውረዶ ህልቂትን ዕንወትን ንስኻ ኣብ ዝነበርካሉ ኣጸቢቅካ ትፈልጦ:: ወያኔ ዕላምኡ ንኤርትራ ኣብቲ ናይ ቀደም ዘነበረቶ ሓንቲ ግዝኣት (ኣውራጃ) ናይ ኢትዮጵያ ክትምለስ እዩ ሓሊኑ:: እዚ ምስ ዘይሰልጦ መሬት ኤርትራ ሒዝካ ወደባት ኤርትራ ወኒንካ መንግስቲ ኤርትራ ገልቢጥካ ምቁጽጻር::

እዚ ጥራይ መኣስ!

ወያነ: ኩሎም ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ክሕረዱ ትእዛዝ ነይርዎ:: እዚ ንስኻ ክትዛረቦ እንተዘይደሊኻ: ኣጸቢቅካ ትፈልጦ ኢኻ:: ኤርትራ ን30 ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ኩነታት ነይራ:: ልዕላውነት ኤርትራ ተንጠልጢሉ ነይሩ:: ስለዚ ከመይገርካ ኢኻ መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን እዚ ሓደጋዚ ኣንጻላልይዎ ከሎ ናይ ምእራባውያን democracy ዘይተኸለ: ኢልካ ትምድር ዘለኻ?

2. ንመንግስቲ ኤርትራ ንመንእሰያት ካብ ሑቕፊ ስድርኦም መንዚዑ ናብ Sawa ይወስዶም: ኢልካ ትኸስስ:: ንስኻ Sawa ክእወጅ ከሎ: ስልጣን ሒዝካ ኔርካ:: ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ እቶም Sawa ዝኸዱ: ደቂ 17 ዓመት እዮም:: ዓመት ምስ ተማህሩ: ደቂ 18 ዓመት ይኾኑ:: እቲ ንኤርትራ ኣንጻላልይዋ ዝነበረ መዓት: መን ክከላኸሎ ኢልካ ትሓስብ? ደቂ 50/60 ዓመት? ንመንእሰያት ኣብ ናይ ክረምቲ ወፍሪ ይሰዶም: ኢልካ ትኸስስ:: ነታ ሃገር መን ክሰርሓላ: አልካ ትሓስብ? እቶም ዝምውሉኻ: ኣመሪካውያን/አውሮጳውያን? ዓንደብርሃን: እዚ ናብስልጣን ከደይበካ ኢልካ ኣይትሕሰብ::

3. ነቶም dollar ብላዕ ተቐቢሎም (እዚ ባዕሉ Meles ዝበሎዩ) ንኤርትራ ንወያነን ንኢትዮጵያን ዝሽጥዋ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ: ብፍላይ ንክቡር ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ለይትሎሚ ዳጕንዎም ኣሎ አልካ ትምድር :: ብናተይ ኣረኣእያ: እዚኣቶም: ፍርዶም ካብ ምድጓን ንላዕሊዩ::

ዓንደብርሃን: ድሕሪ ኢንተርነት ተሓቢእካ: ነቶም ደቆም ኣብ ቤቶም ሒዞም ሃገር ንምድሓን ዝቃለሱ ዘለዉ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ክሰርሑ ግደፎም:: ንስኻ ከኣ ኣብ ሕቅፊ ምዕራባውያን ኰንካ ገንዘብ ናይ ምዕራባውያን ስለ ዝመረጽካ: ደቅኻ እናኣምሃርካ ብሰላም ንበር::

ዮሃንስ ዘርአጺዮን
Frankfurt Germany

Post Reply