Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
wegri
Member
Posts: 913
Joined: 23 Feb 2013, 05:49

"Abe Abraham" መን እዩ?

Post by wegri » 02 Dec 2020, 12:51

"Abe Abraham" መን እዩ?
ደቂ ኤረይ እስኪ ገለ ቁሩብ ካብቲ "Abe Abraham"ንህዝቢ ኤርትራ ብ ኣውራጃን ሃይማኖትን ንምክፍፋል ዝጥቀመሎም ዝነበረ ጽሑፋት ንርኤ፡፡

[quote="Abe Abraham"
ኣስመራ ካብ ዘመን ጥልያን ጀሚራ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ዝረኣየት እኳ እንተ ኮነት ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ብቐሊሉ ክትጥምቶ ኣይትኽእልን እያ ። ኣብ 'ዚ ዘሎ እዋን እታ ከተማ ካብ ኢድ ደቂ ሃገርን ደቂ መሬትን ወጻኢ ኢያ ኮይና ዘላ ። መሬት ኣብ ኢድ ዘይ ደቀባት ፡ ባይቶ 'ውን ኣብ ኤርትራ ብዘይረኣየሉ ኣገባብ ከምኡ ። ሰባት ከም ዝሓበሩኒ ከም'ዚ ዝስረሓሉ ዘሎ ኣገባብ እንተ ቀጺሉ ደቀባት ተደፊኦም ተደፊኦም ምስ ኣዛብእን ኣህባይን ኣብ በዓትታትን ጎቦታትን ክነብሩ እዩ ። ዝኾነ ለጥ ዝበለ መሬት ይውሰድ ኣሎ ። ካብ ዝተፋላለየ ቦታታት ኤርትራ ዝመጹ ኣብ ዝተመንዝዐ መሬት ደቀባት ይሰፍሩ ኣለዉ ። ንኣስላም ተጋሩ ከይተረፉ መንግስቲ ኤርትራ መሬት ደቀባት ይዕድል ኣሎ ። ናይ ሕርሻ መሬት 'ውን ከይተረ ይጠፍእ ኣሎ ። ንኣብነት ኣብ ልሙዕ መሬት ሕምብርቲ ሓደ ናይ ትምህርቲ ትካል ተሰሪሑ ይርከብ ። ደቀባት ኣሽንኳይ ዶ ኣብ'ኡ ኣብ'ቲ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ዘሎ ቤት-ትምህርትታት ንምምሃር 'ውን ዕድል የብሎምን ። መብዛሕቱ ምምሕዳራት ኣብ ትሕቲ ደቀባት ስለ ዘይኮነ ጠሪዕካ ክተስምዕ ኣይትኽእልን ኢኻ ። ኣስመራ ክንዕቅባ ኢና ፡ ኣስመራ ጽብቕቲ ከኣ ይበሃል ! ንመንያ ጽብቕቲ ክትከውን ? ንመንያ ኽ ክትዕቀብ ? እቶም ጌጋ ዝገብሩ ዘለዉ ኣባላት ህግደፍ ዝኾኑ ደቀባትን ካብ ካልእ ቦታ ዝመጹ ሰባትን ቀልጢፎም ኣብ ልቦም እንተ ዘይ ተመሊሶም ኣብ ቀረባ መጻኢ ብዙሕ ሽግር ክፍጠር እዩ ። ንኣብነት ዞባ ደቡብ ብባይቶ ደቀባት ዞባ ደቡብ እንዳ ተማሓደረ ኣብ ኣስመራ ኸ ስለምንታይ ከም'ኡ ዘይከውን ? መንግስቲ ንህዝቢ የተሓቛቕፍን የቃራርብን እየ ዘለኹ ይብል ይህሉ ይኸውን ሰባት ግን መሬት እንዳማቶም እንዳ ተዓደሉ ናይ ኣውራጃ ስምዒት ኣይገድፍዎን ። ኣብ ከበሳ ስጋዕ ሕጂ እቲ ዝተሃሰየ ትዕግስቲ እንዳ ገበረ እቶም ዘይተሃሰዩ ብኣውራጃ ከዕረምርሙ ክትርእዮምን ክትሰምዖምን እንከለኻ ኣዝዩ ይገርመካ ። ፍትሒ ይንገስ !

[quote="Abe Abraham"
ቀሺ ጥልያን ብትዕቢት ተደሪኹን ኣብ ጎነይ ጠጠው ዝብሉ ኣያታት ኣለዉኒ ኢሉ ብዛዕባ ብደም ተዋህዶ ነጻ ዝወጽአት ሃገር ክዛረብ መሰል የብሉን ። ኣብ ግዜ ወራር ወያነ ከም ደገፍ ተቖጺሩ ብኣቕሽቲ ጥልያን ( ጸለምትን ጸዓዱን ) ኣንጻር ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ተጻባኢ ጎስጓስ ኣይረሳዕናዮን፥፡ ኣይክንርሰዖን ድማ ኢና ።
viewtopic.php?f=17&t=182266&hilit=abe+abraham

Post by wegri » 26 May 2019, 14:36

Abe Abraham,

You haven't answered the question yet!
what is your response?

እዘን "YAY" ኣቕሪቡልካ ዘለዋ ሕቶታት ንጹራት እየን፡ ናበይ ኢኻ ድሕር-ድሕር ትብል? ብትኽክል ሓደ ብ ሓደ ክትምልሰን ፈትን፡
"ዓዋን ድሩዕ ካብ በልካ፡ ብዛዕባ እንታይ፡ መዓዝ፡ ኣበይ ከምዝዓወነ ግለጽ።"
"ስድራኻ ንህይወት ድሩዕ ካብ ኣድሓንዎ፡ መዓዝ ብከመይ ከምዘድሓንዎን ኵነታቱን'ዶ ምነገርካና፧"
"ሕቖ ትግርኛ ክስበር ኣለዎ ኢሉ ተዛሪቡ ብሂልካ፡፡ ዘረባካ ሓቂ እንተኰይኑ፡ መርትዖኻ እንታይ እዩ፧"

ንእግሪ-መንገደይ ክብሎ ዝደሊ እንተ ሃልዩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከፋፊልካ ግዳይ ንምግባር ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሓይልታት ተፈቲኑስ በርዒኑ ተሪፉ እዩ፡ ስለዚ ኤርትራዊ ነዚ ድሑር ናይ ሃይማኖት ይኹን ኣውራጃ ሜላ ድሮ ፈሊጥዎስ ናብ እንዳ ጉሓፍ ካብ ዝድርብዮ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡ ስለዚ በዚ ሜላዚ ተጠቒመ ን ህዝቢ ኤርትራ ክኸፋፍሎ እየ ኢሉ ዝፍትን ሰብ እንተሎ ን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ፡ እዚ ወድሓንካ!
Top
Temt
Member
Posts: 2875
Joined: 05 Jun 2013, 03:23
Contact: Contact Temt
Re: ዋሺንግተን ባልባል ኢላ " ንምሁራት ኣከለጉዛይ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዘባረረ ዓንደብርሃን " ኣይንደልዩን ትብል ኣላ። ኣከለ በላዕቲ ሓኸለ ብሂወትኩም ከይበልዕኹም ተጠንቀቑ ።
Post by Temt » 26 May 2019, 15:24

wegri bro,
ቅድም ቀዳድም ብዘይስምዒታዊ ልዙብ ሕቶታትካ ንAbe Abraham ምቕራብካ፡ ከመስግነካ እፎቱ። ቀጺለ ድማ እቲ ንስኻን ሓው YAYን ዘቕረብክምዎ ኣገዳሲ ሕቶ Abe Abraham ክምልሶ ወይ ክስሕቦ አተባብዖ! ከምኡ መበልየይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ከም ዓረ ዝደልደለ ሓድነቱ ናይ ምልሕላሕ ከንቱ ሃቀነ ብናይ ሓሶት ዛዕባ ከምዘይትግበር ናይ ዝሓለፋ ዓሰርተታት ዓመታት ህያው ምስክር'ኳ እንተኾነ፡ የግዳስ፡ "ሓሶት እንተተደጋገመስ 'ሓቂ' የምስል" ከም ዝተባህለ፡ Abe Abraham መርትዖ ከቕርብ እንተዘይከኣለ 'ጌጋ ሓበሬታ' ምዃኑ ምስናይ ይቕረታኡ ብዕሊ ክእመን ኣለዎ። እንተዘይኮነ ተልእኾ Abe Abraham ካብ ዶሮና ሓሶታት ናይ 'ዲጂታል ወያነ' ዝፍለ ኣይኮነን።

viewtopic.php?f=17&t=183446&hilit=abe+abraham

wegri
Member
Posts: 913
Joined: 23 Feb 2013, 05:49

Re: "Abe Abraham" መን እዩ?

Post by wegri » 03 Dec 2020, 00:36

Deki Ere,
Be aware of this "medenageri" called Abe Abraham.

Post Reply