Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Abe Abraham » 30 Nov 2020, 05:12



ዓሌታዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሞሮኮን( ገብረኪዳን በየነ) ቤተሰቡን ዝበፅሖ ደረት ኣልቦ ግፍዕታት


ወዲ በዓል ጋዳ


ሞሮኮ ( ገብረኪዳን በየነ) ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዝዓበየ ብኣቡኡን ኣዲኡን ኣብ ገምበላ ደብሪ ዝውለድ ወዲ እንደርታ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ... እዩ::

ካብ እዋን መንእሰይነቱ ኣብ ብዙሓት ስራሕቲ ንግዲ ተሰማርዮ ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ብዙሕ ሃፍቲ ዘጥረየ ሰብ እዩ::

ኣብ ኸይዲ ስርሑ ዝነበሮ ማሕበራዊ ሂወት ቕልል ዝበለን ምስ መተዓበይቱን መሳርሕቱን ስለዝነበረ ከም በዓል ሃፍቲ ንምንታይ ንሰብ ስልጣን ዘይትቐርብ ንምንታይ ትንዕቐና እናበሉ ዘፀገምዎን ኻሊእ ትርጉም ዝህብዎን ሰበ ስልጣን ብዙሓት ነይሮም::

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ ብዙሕ ሚልዮን ናይ ኮስትራክሽን መሳርሒ ዝተለቀሐ በዓል ሃፍቲ ልቕሑ ኣብ ግዚኡ ክኸፍል ብዘይምኻኣሉ እቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ በፂሑ ናይቲ ተለቃሒ ንብረት ተሸይጡ ክኽፈል ቤት ፍርዲ ይዉሰን::

ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት ኣቦይ ስብሓት ንሞሮኮ ፀዊዖም "ንሕና ብሂወት እነሃለና ናይ ወዲ ዓድዋ ህንፃ ብጨረታ ተሸይጡ ኣይኽፈልን:: ምስ መን ትላተም ከም ዘለኻ ኣይፈለጥኻዮን:: ብስሩእውን ተጋደልቲ ናብ በረኻ ከይወፁ ተለዓዕል ዝነበርኻ ኢኻ:: ኣብ ቓልሲ ዘይነበርኹም ደቂ እንደርታ እትበሃሉ ኣብዚ ሃፍቲ ወኒንኹም እትነብሩ ከይመስለካ:: ሕጂ ብዝበፅሐና እውን ናይ ጉንበት 7 ደጋፊ ሙኻንኻ ፈሊጥና ኢና ተፀበየኒ!" ኢሎም ይኸዱ:: ነዚ ዝሰምዐ ሞሮኮ ንስኻ መን ኢኻ ብሕጊ ንዝተወሰነ ጉዳይ ክተፈራርሕ እትፍትን ኣነ ፖለቲካኹም ኣይፈትዎን ኣይትንክፎን ፖለቲካ ኣይምልከተንይ ኢሉ ሓደ ኽልተ ይበሃሃሉ::

ድሕሪ ሰሙን ኣብቲ ግዘ ናይ ድሕንነት ምክትል ሓላፊ ዝነበረ ገበረዋህድ ብተደጋጋሚ እናፀወዐ ምፍራራሕ ሰባት ክከታተልዎ ምግባር ብዛዕብኡ ሕማቕ ክውረ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ መቐለ ብዝተዘርግሐ ኔትወርክ ምንቅስቓስ ጀመረ::

ብናይ ኣቦይ ስብሓት ቀጥታ ትእዛዝ ንድሕሪት ናይ 15 ዓመት ዶኩመንት ሒሳብ ንክምርመር ብምግባር ልዕሊ ክልተ ወርሒ ንሕቶ ደሊናካ እናበሉ ኣብ በሪ ገቢዎች ክኸርም ተገበረ::

ከምዚ እናቐፀለ እናሃለው ሓደ መዓልቲ ንጉሆ ገብረዋህድ ደዊሉ 50 ሚልዮን እንተሂብኻኒ ካብዚ ኹሉ ነፃ ክትኸውን ኢኻ:: እንተዘይኾይኑ ግን ምሽት ዝኸውን ተፀበየኒ በሎ:: ሞሮኮ ዝሰራሕኽዎ ወንጀል ክሳብ ዘየለ ኣሽንባይ 50 ሚልዮን 50 ብር እውን ኣይህበካን ይብል::

ብፖሊስ ክተሓዝ ገይሮም ምሸቱ ብቴሌቪዥን ዜና ይስራሕ:: ድሕሪ ሰሙን ፌክመንታሪ ተሰሪሑ ይቃላሕ:: ብፈጠራ ወንጀል ሃገራዊ ኣጀንዳ ይኾን:: ኣብቲ ግዘ ንምንታይ ንምባል ዝፈተኑ ሰባት ክዓርፉ መፈራርሒ ይበፅሖም:: ስሞም ምጥቃስ ኣዳላይ ዘይኾነ መተዓብይቱ ሃፋትም ደቂ እንደርታ ኹሎም መጠንቀቕታ ይብፅሖም::

ኽሲ ተመስሪቱ ቖፅሮታት ምቕራብ ይጅመር እቲ ኽሲ ዘይብሎ ነገር ኣይነበረን ኣማኢት ሚልዮናት ናይ መንግስቲ ገንዘብ ከምዝውሰደ: ሰባት ሃረፃ ኣለቂሑ ኢኮንምያዊ :ስነልቦናዊ ኣካላዊ ጥቕዓት ክበፅሖም ከምዝግበረ ብዙሕ ይዝርዝር:: ናብ ስርዓት ሕጊ ምስ ቐረብ መርትዖ የለን: ምስክር የለ እቶም ብፊልሚ ዝተቐረፁ ከይተረፉ ሕሾት ሙኻኑ በሉ ተባሂሎም ከምዝተቐረፁ መስከሩ:: ቤት ፍርዲ ንዓመታት መርሚሩ ብዘይካ 300 ሽሕ ብር ዘይተኸፈለ ግብሪ ኻሊእ ዕዳ ከምዘይብሉ ኣረጋጊፁ 300 ሽሕ ክኸፍል ፈሪዱ ነፃ ለቑቕዎ::

ነዚ ዝሰምዑ ኣቦይ ስብሓትን ገብረዋህድን ካብ እስርቤት ምስወፀ ኣብ መንገዱ ፀኒሖም እንደገና ኣትሒዞም ኣእሰርዎ::ነቲ ዳኛ ( ብርሃነመስቀል ዋቅጋሪ)ኣልዒሎም ናብይ ከምዘእተይዎ ክሳብ ኸዚ ኣይፍለጥን:: ብኻሊእ ዳኛ ንፍርዲ ቐሪቡ ናይ 21 ዓመት እስርን 300 ሽሕ ብር ቕፅዓትን ተወሰነ::
ነዚ ምስ ሰምዑ ንምንታይ ኢና ቤት ፍርዲ ንፅበ ኢሎም ብኢደ ወነኖም :-

📌ልቢ በሉ እቲ ቕፅዓት 300 ሽሕ ብር እዩ:: ንዚ ንምኽባር 7 ናይ ንግዲ ትካላት ( ፎቓት ሓዊሱ) ኣብ መቐለ 5 ናይ ኢንቨስትመንት ሰፋሕቲት ቦታታት ቤት ትምህርቲ ዓብይ ህንፂ ዘጠቓልል ኣብ ኣዲስኣበባ ክእገድ ( ክውረስ ) ገይሮም::

📌ኣብ ባንኪ ዝነበረ ኣማኢት ሚልዮናት ወሪሶምዎ::

📌ልዕሊ 50 ቦቴ መኪና ካብ ስራሕ ክእገዳ ገይሮም::

📌ኣብ እስርቤት ናይ ይግበኣኒ መሰል ከየግኒ ገይሮም::

📍ክሳብ ሎሚ ምንም ዘይተሰርሐሎም ከባቢታት ንልምዓት ንደልዮም ኢና ኢሎም ህንፃታት ኣፍሪሶም ( ንኣብነት ኣብ መቐለ ቀበሌ 15 ናይ ኩሓ መነሃርያ ዘሎ ቦታ)

📍ብተደጋጋሚ ሕክምና ከይረክብ ተገይሩ

📍ንጠበቕኡ ሓዊሱ ናይ ቐረባ ቤተሰብ ከይረኽብዎ ተሰሪሑ::

📍ፕረዚዳንት ሙላቱ ተሾመ ምሕረት ንኡሱራት ምስ ሃቡ ክውፅእ እዩ ኢሎም ኣብ ምግቡ መሪዞምዎ::

📌ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ክፍሉ ዓፅዮም ህክምና ከልኪሎምዎ:: ክምዝመውት ምስኣረጋገፁ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ፈቑዶም ግዚኡ ሓሊፉ ስለዝነበረ ኣብ ሆስፒታል ምስ በፅሐ ዓሪፉ::

📌ምስ ዓረፈ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዝተኣገደ እዩ ብዝብል ምኽንያት ገዛውቲ ምምቓል ዝደልይዎ ሰብ ምቕማጥ ጀሚሮም::

📌ሰለስተ ትካላት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሕጊ ብዘይፈቕዶ ብዕፅው ጨረታ ይሸየጥ ኢሎም ነኒሕድሕዶም ኣማኢት ሚልዮናት ዘውፅኡ ትካላት ብድምር 16 ሚልዮን ብኣዝማዶም ክሰዓር ገይሮምዎ::

📍ቤተሰቡ እናተሃደኑ ከይሰርሑ ትገይሮም

📍ካብኡ ዝቐፀለ ሎሚእውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመሳሳሊ ተግባር ኣብ ምፍፃም ይርከብ::

📍እዚ ኹሉ ብቢልዮናት ዝግመት ሃፍቲ መንጢሎም ቤተሰብ ኣብ ኣዲስኣበባ ኮንዶሚንየም ተኻርዮም ኣብ ምንባር ይርከቡ::

ወዘተ....

🔗እዚ ኹሉ ግፍዒ ዝበፅሐ ኣሕዋተይን ደቂ ዓደይን ብዝብሎም ተጋሩ እዩ::

ብድሕሪኡ እውን ኣብ ብዙሓት ደቂ እንደርታን ወጀራትን እቲ ግፍዒ እናበዝሐን እናሰፍሐን ቐፂሉ እዩ:: ግዕዝ ሚዲያ ነዚ ነውራም ናይ ሽፍትነት ስራሕ ሓደብሓደ ክነቃልሖ ኢና!

🔗ካብዚ ንላዕሊ ዘርኢ ምጥፊእ ዶ ኣሎ እዩ??
ክቕፅል እዩ......

#እተን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ማስረጃ ካብ ቤት ፍርዲ ዝረኸብናየን እየን

ፍልፍል-Geez Media ግዕዝ ሚዲያ

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Abe Abraham » 01 Dec 2020, 03:35

ወያኔ ወዳጅ የሌለው ዲያብሎስ ነው ።


Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Abe Abraham » 07 Feb 2021, 22:46

viewtopic.php?f=2&t=247179#p1152287

እዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ንጹህ ወዲ እንድርታ መቕተሊኡ ወዲ ዓድዋ ብዘይምዃኑ እዩ ። ናይ ዓድዋ ማፍያ ቅድሚ ሕጂ ከም ንበዓል ኢያሱን ሓጎስን ዝኣመሰሉ ብኣውራጃዊ ምኽንያት ከም ዝቐተለ ዝተፈልጠ እዩ ።
Please wait, video is loading...

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Abe Abraham » 28 Jun 2021, 22:29

ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ግፍዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Abe Abraham » 23 Oct 2022, 12:19

  • እንድርታን ደቂ እንድርታን ፍትሒ ዝረኽቡሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ ። ንገብረ-ኪዳን በየነ ( ሳጓኡ ሞሮኮ ) ዝቐተለ ክፍዐኛን ሰራቒ ከልብን ወያነ ኢዱ ክረክብ እዩ ።


-

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Abe Abraham » 01 Nov 2022, 22:13

  • ካብ ጎንደር ንጎጃም ይቐትልዎም ኣለዉ ኢልካ ምሕሳው ዓድዋ ንእንድርታ ይቐትልዎም ኣለዉ ኢልካ ሓቂ ምዝራብ ዶ ኣይምሓሸን ?

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Abe Abraham » 26 Nov 2022, 22:21

ደቂ እንድርታ ዓቢ ስራሕ ይጽበዮም ።

Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Weyane.is.dead » 27 Nov 2022, 14:32

Truly shocking. Tplf's modus operandi is the same everywhere. Divide and rule.

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Abe Abraham » 07 May 2023, 15:20

ኣክሱምኤዛና ካብ ሓቅታት ክትሃድም ኣይትፈትን !!


Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: ግፊዒ ወያነ ኣብ ርእሲ ደቂ እንድርታ ( ቅትለት ገብረ-ኪዳን በየነ -- ሞሮኮ )

Post by Weyane.is.dead » 05 Sep 2023, 15:57

Enderta abiy himbasha ember abiy seb yeblomen

Words of SEBHAT NEGA

Post Reply