Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

ጃንዳ፣ ''ብክብረት ገዲፋ ብሕንዝፊት’’

Post by Zmeselo » 29 Nov 2020, 19:55

ጃንዳ፣ ''ብክብረት ገዲፋ ብሕንዝፊት’’

(Jenay Ghebregherghish Ghebremariam)

ኣፍካ ብኢድካ ሸፊንካ ተዓቢስካ ‘’እህም’’ ኢልካ ብዓይንኻ ጥራይ’ዩ ዝስሓቆ ተግባራት ናይ ጃንዳ። ጃንዳ’ሲ መሕፈር’ያ፣ እዚ ኩሉ ብክብረት ዝቀረበላ ጻውዒት ሰላም ሓንጊዳስ፣ ሕጂ ምስተሓንዘፈት፣ ’’እዚ ምጽናት ዓሌት’ዩ ዕረቁኒ’’ ኢልካ ወጨጭ። እዚ ኩሉ ፈኸራ’ስ፣ ዋላ ቁሩብ እንተተትክል’ከ መዓስ ጸሊእኩም፣ ሃዲምካ ከም ኣንጭዋ ኣብ ጎዳጉዲ መቀለ ተሸርጕጥካ ዝመረተ ሮኬት እናወንጨፍካ ጺጽ-ጺጽ ምባል….!!!።

ብዝኾነ፣ እታ ነብሳ ንከተድሕን ንህዝቢ ትግራይ ከም ኣሰለት ተጠምጢማ ጅሆ ሒዛቶ ዝቀነየት ጃንዳ ፣ ዓሰርተ ሞት ሞይታ፣ ዘይርሳዕ ዘሕፍር ታሪኽ ገዲፋ፣ ንብረትን ህይወትን ህዝቢ ለኪማ ተጓሒፋ ኣላ። እንቋዕ ነዚ ክንርእን ክንምስከርን በቓዕና፣ እንቋዕ ሓጎሰና።

ደረጨን ዝሓለፈ ሰሙን ተቕማጥ ገይራትሉ ቀንያ ዝብል ወረ ነፊሱ ነይሩ፣ I am guesing ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሽቃቅ እንከሎ ተታሒዙ ክብሉኒ፣ ...። ምልቃም ተጀሚራ ኣላ።

ኣቀዲሞም ስየ ኣብርሃ ምስ ጻድቃን ሸተት ኢሎም ኣመሪካ ተራእዮም። ደብሪጽ ድማ ናይ ኣመሪካ ዜግነት ዘለዋ ሰበይቱ ምስ ወዲ ክልተ ዓመት ወዱ ከውጽኣ ፈቲኑ ኣይሰለጦን። እዛ ሕጂ ሰይቲ ደብረጽየን ዘላ፣ ቀደም ንገታቸው ረዳ ካብ ራያ መጺኡ ዩኒቨርስቲ እናተማህረ እንከሎ ዓርኩ ዝነበረት እያ። ብዝኾነ ደብሪጽ ምስ ሰበይቱ ስሒኖማ። እቶም ነቲ ኲናት ክመርሑ ዝቀነዩ ሕሉፋት ትግራዎት በዓል ወዲ ወረደወዲ መድህን ኣንስቶም ደቆም ኣመሪካ እየን ዘለዋ። ጉድ’ ኡ!!!

እቶም ናይ ኤርትራ ደምበ-ዕንክሊል ከኣ ኢዶም ኣይስኣኑ ‘’ኣጆኺ ህወሓት ደስቅዮ ንኣቢ፣ በልዮ ንኢሰያስ" ኢሎም ኣርሲኖም ኣብ ሓዊ ክትጥበስ ኣጣቂዖምላስ፣ ሕጂ ግልብጥ ኢሎም ‘’ዘራይ ንደልየልኪ ኣለና ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ‘መክቲ’ ’’ ኢሎም ኣስቅጥ …..ክክክክክ!!!

ተስፋጼን ኣግኣዝያን፣
በዚ ህወሓት ንመንእሰይ ትግራይ ኣብ ሓዊ ትጠብሶ ዘላ ኵናት፣ ናይ ታሕጓስ ዕስራ-ኢዩሮ ሞባእ ንፈጣሪ ክህብ እየ
ኢሉ።

እታ ብ 2016 ዓ.ም መጀመርታ ቪድዮ ክጅምር ከሎ ለቢስዋ ዝነበረ ካምቻ ገይሩ’ዩ ከኣ መጺኡ።

መስፍን ሓጎስ’ውን ናይ ሰብዓ ኢዩሮ ህያብ ዝገዝእሉ ካቦት ተኸዲኑ እናኣኽመስመሰ መዓልቲ ልደቱ ከብዕል ውዒሉ። ኩለን በዓል ኤሪ-ሳት፣ ኣሰና፣ ዘካርያሳት ርኣይዎም፣ ህወሓት ኣብ ሓዊ ብእትጠብሶ ዘላ መንእሰይ ትግራይ ይላገጹ ኣለዉ። እዚ ሎቅማጽ ደሳለ በረኸት’ውን መላገጺ ረኺቡ
A Luta Continua፣ The struggle Continues፣ ቃልሲ ክቅጽል’ዩ
እናበለ የንበድብድ ኣሎ።

እቲ መንቀላወጢ ኣብርሃም ተስፋልኡል’ውን እንተኾነ፣ ንህወሓት ክጣበቐላ ኣብ ቅድመ ግንባር’ዩ ተሰሊፉ ዘሎ። ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሄርማን ኮሀን
ህወሓት ተደፊኦም፣ ሰራዊት ኣቢይ ናብ መቀለ ይግስግሱ ኣለዉ
ኢሉ ኣብ ቲዊተር ምስ ለጠፈ ፣ ኣብርሃም ድማ ኣፍካ ሓዝ ዝዓይነቱ
ኣቢ ዝበሎ ኣይትእመን፣ ህወሓት ክሳብ ሕጂ ትምክት እያ ዘላ፣ ላዕለዋይ ኢድ ኣለዋ
ኢሉ ክምልሰሉ ተራእዩ።

ሕጂ መቀለ ምስ ተታሕዘት ድማ
መቀለ ተታሒዛ ማለት ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን፣ እቲ ኵናት ብሕጂ እዩ ዘሎ፣ ዝተናውሐ ናይ ጎሪላ ቃልሲ ክጅመር’ዩ
ይብል ኣሎ።

ከም ኣባህላኡ፣ ንህወሓት እንደገና ካብ ደደቢት ከነበግሳ ኢና ዝዓይነቱ እዩ። ከም ኣመሉ ኣብራሃም ብዛዕባ’ዚ ኵናት ዝምለከት ‘’ናብ ኣልጀዚራ ጽሒፈ ኣለኹ’’ ኢሉ ነይሩ፣ ግና ተሓቲሙ ኣይወጸን። ምናልባት ካብ ዝገመትዎ ወጻኢ እቲ ኩነታት ተቀያይሩ መቀለ ስለዝተታሕዘት፣ ምስቲ ዝሰንዕዎ ዜና ስለዘይተሳነየ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዝኾነ ናይ እዞም ሰባት ነገር ቀደም ነጊርናኩም፣ ሕጂ’ኸ ቁሩብ’ዶ ኣስተውዒልኩምሎም?

እቶም ህወሓታውያን’ስ ናይ ኣቦኦም እዩ፣ እቶም ሰናይ ናይ ሃገርኩም ዘየፍትወልኩም ደቂ ሃገር ግና
ህግደፍ ዝመርሓ ኤርትራ ጎብለል ናይ ዞባና
ምዃና፣ ቁሩብ ሕጂ’ዶ ይስቆረኩም ኣሎ?

ኣየ! ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ክንደይ ዘይሓለፈ፣ ክንደይ ዘይተባህለ፣ ክንደይ ዘይረኣና፣ ክንደይ ዘይሰማዕና፣ ክንደይ ዓጀውጀው፣ ክንደይ ፈትረኽረኽ፣ ክንደይ ለኽባጥ፣ ክንደይ ጠላም፣ ክንደይ መርገጺ ዘይብሉ፣ ክንደይ ወስላት፣ ክንደይ ጸርፊ፣ ክንደይ ምጽላም፣ ክንደይ ጠቀነ፣ ክንደይ ኣፍ-ምዕባስ፣ ክንደይ ምዝላፍ፣ ክንደይ ሓሶት፣ ክንደይ ምድንጋር፣ ክንደይ ዓሎቅ፣ ክንደይ ብኽያት፣ ክንደይ ቀናእ፣ ክንደይ ሰብ ቅልውላው፣ ክንደይ …… ።

ኣታ ኣበይ ደኣ ኣለኹም እቶም ትማል፣ እቶም ኣብዚ ፈይስ-ቡክ ተዕገርጉሩና ዝነበርኩም፣ ‘’ትግራይ ትመርጽ ህወሓት ይዕወት’’ ትብሉና ዝነበርኩም። እቶም ‘’ሃገር ተሸይጣ’’ ትብሉና ዝነበርኩም። እቶም ‘’ሻዕብያ ነቀይ-ነቀይ ይብል ኣሎ ክወድቅ’ዩ’’ ትብሉና ዝነበርኩም። እቶም ‘’ሻዕብያ ብመገዲ ደምሒት ንኤርትራ ምስ ትግራይ ንክሕውስዋ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ’’ ትብሉና ዝነበርኩም። እቶም ‘’ኢሰያስ ምስ ኣቢ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ’’ ትብሉና ዝነበርኩም። እቶም ‘’ኤርትራ ሰራዊትን ኣጽዋርን የብላን ህወሓት ክሕዛ’ዩ’’ ትብሉና ዝነበርኩም። እቶም…...

ኣዲስ ኣበባ፣ መእተውን መውጽእን ህግደፍ ተቀይራ፣ ናይ ኤርትራ ተቋወምትን ትግራዎትን ደፊሮም ዘይረግጽዋ ኮይና’ላ’ዶ ክበሃል ሰሚዐ ሓቀይ!? ብዓይነይ’ው መስኪረ እንድየ፣ ሕጂ ድማ ‘’መቀለ ናይና’’ ኮይና ንብለኩም ኣለና። ተቋወምቲ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ እዛ ኩላ ኣንጻር ኤርትራን ህግደፍን ትግዕር ዝነበረት ትግራዋይ’ውን እንተኾነት፣ ኣብ መቀለ ምዩቅ እናበለት እምበር፣ ኣፍልባ ነፊሓ ትግተረሉ መድረኽ ኣብቂዑ እዩ። መቀለ ናይና……….!!!

ፕረሲደንት ኢሰያስ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ኣብ ልዕሊ መቃብር ህወሓት ብእግሩ ንመቀለ ክሓርሳ እንተረኣኹሞ፣ እዚ ኩሉ ዝተኸፍለ ዋጋ ንነባሪ ሰላም እዚ ዞባ ብሓፈሻ፣ ንክልቲኡ ጎረባብቲ ህዝብታት ድማ ብፍላይ ምዃኑ ንምምስካር እዩ።

ደጊም ፣ እንቋዕ ነዚ ኣብቀዓና !!!
…….ከምኡኢታት እዩ።



____________________

ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ

(ጓል ፈዳይን ሻዕቢያ ቫይናክ) - ኣይተ ገብሩ ገብረፃድቃን ዝተባህለ ዕድሚኡ ከባቢ 62፣ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት፣ ሪፖርት ዘቕርቦ እንኤኒ ኢሉ፣ ካብ ገዛ ወጺኡ ደሃይ ካብ ዘጥፍእ ሳልስቲ ጌሩ ስለዘሎ ዝርኣዮ ዓይኑ ይብራህ።

ኣይተ ገብሩ ገብረፃድቃን ጸሊም፣ ማእኸላይ ዝቑመቱ፣ በራሕ፣ ብዙሕ ግዜ Addis ዝብል ባርኔጣ ዝመልስ፣ ኣብ ክሳዱ ቢጫ ኩሹኽ ዝገብር እዩ።

ንመወዳእታ እዋን ዝተራእየሉ ቦታ፣ ኣብ ከባቢ ግዝያዊ ስቱድዮ ቴሌቭዥን ድምጺ ወያነ ትግራይ/ DW እንትኾን ክሻዕ ሀዚ ምንም ደሃይ የብሉይ።

በዚህ መሠረት ድማ ርእየዮ ዝብል ዝኾነ ሰብ ብቕልጡፍ ጠቖማ ክህበና ንጥይቕ።

ግዚያዊ መተሓባባራይ ሽምቅ ውግያ ማእኸላይ ዞባ ትግራይ

ትግራይ ትስዕር!
ዓወት ልሓፋሽ!