Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 28 Nov 2020, 10:58

ጎበዝ “የቆጡን አወርድ ብላ የብብቷን ጣለች” የተባለችው ግን ማነች? :mrgreen:

Wedi
Member+
Posts: 7959
Joined: 29 Jan 2020, 21:44

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Wedi » 28 Nov 2020, 11:08

Meleket wrote:
28 Nov 2020, 10:58
ጎበዝ “የቆጡን አወርድ ብላ የብብቷን ጣለች” የተባለችው ግን ማነች? :mrgreen:
ምን ጥርጥር አለው!! ህወሃት ነች እንጅ!! :P :P

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 28 Nov 2020, 11:11

የኔ አንበሳ “ምከረው ምከረው እምቢ ታለ መከራ ይምከረው” የተባለውስ ለማን ይሆን!

የኔ ማር “ወጣ ወጣ እና እንደ ሸምበቆ፡ ተንከባለለ እንደ ሙቀጫ” የተባለው ለማን ይሆን? :mrgreen:

የኔ ጀግና “አልጠግብ ባይ . . . ያድራል” የተባለው ለማን ይሆን!

Wedi
Member+
Posts: 7959
Joined: 29 Jan 2020, 21:44

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Wedi » 28 Nov 2020, 12:01

Meleket wrote:
28 Nov 2020, 11:11
የኔ አንበሳ “ምከረው ምከረው እምቢ ታለ መከራ ይምከረው” የተባለውስ ለማን ይሆን!

የኔ ማር “ወጣ ወጣ እና እንደ ሸምበቆ፡ ተንከባለለ እንደ ሙቀጫ” የተባለው ለማን ይሆን? :mrgreen:

የኔ ጀግና “አልጠግብ ባይ . . . ያድራል” የተባለው ለማን ይሆን!
"አይጥ ለሞቷ የድመት አችንጫ ታሸታለች" የተባለውስ ለማን ነው!

"አልጠግብ ባይ .... ያድራል" የተባልው ለማን ነው!!



Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 30 Nov 2020, 10:33

ወንድም ጋሼ እስቲ እንዝናና፡ እንዲህ የተባለላትስ ለማን ይሆን! :mrgreen:

የማትረባ ጁንታ ሮኬት ትይዛለች፣
ሮኬቷን ተኳኵሳ እሷም ትከስማለች!


ዲሮ ነበራ እንጂ ማጢኖ ማደቆስ፣
አሁን ምን ሊፈይድ ሮኮቶች ማተኮስ!
:mrgreen: :mrgreen:

ስግብግቧ ጁንታ ብዙ ተስገብግባ፣
ባህርዳር ጎንደርን አሥመራን ደብድባ፣
አሁን ግን ከሰመች በህዝብ ተከባ፣
እየተለቀመች ‘ማረፊያ ቤት’ ትግባ።
:lol:

ያደራፋሽ እምነት የነበራት ጁንታ፣
ሁሉንም ለማፍረስ ሁሌም ስታምታታ፣
በሰፈረችበት በዚያች በቁናዋ፣
ሰፍረዋት አረፉ ጀግኖቹ እነ አዪዋ።
:lol:

“ሕኑቕ እንታይ የውጽእ፡ ዓፍራ”፣
ብለው ሲተርቱ ጀግኖች ተኤርትራ፣
ስግብግቧ ጁንታ አንገቷን ተይዛ፣
አለሁኝ ለማለት ሮኬት ስታንዛዛ፣
ተገንድሳ አረፈች በህዝብ ተገዝግዛ፣
መጨረሻው አያምር ያሷ ዓይነት ሞዛዛ።

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 02 Dec 2020, 04:31

እታለም . . . የማይ ካድራዋ! እኒህ ምሳሌዎች ማንን ይሆን የሚመለከቱት?

የቅማል ስደት ከራስ ወርዶ አንገት።

አተርፍ ባይ አጉዳይ። :lol:

ሁለት የተመኘ አንድም አላገኘ። :mrgreen:

የሽሮ ድንፋታ እንጀራ እስኪመጣ። :mrgreen:

የሚፈርስ ከተማ ነጋሪት ቢመታ አይሰማ።

የአይጦች ዝላይ ለነአቶ ውሮ ሲሳይ ነው። :lol:

ለሌባ ቅሌት ልብሱ ነው። :mrgreen:

ላይቀር ሞቱ መንጠራወቱ። :lol:

ላያሸንፉት መታገል፡ ትርፉ ገደል። :lol:

ልክን ማወቅ፡ ከራስ ጋር መታረቅ። :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 03 Dec 2020, 09:47

ደቂ ኤሩና መዓረይ፦ ጥበብ ካብ ዝመልኡ ልቦናዊ ምስላታታ ወለድና ካብ ዝነበብናዮ ክነካፍለኩም እስከ፡ ጐረባብትናዉን እንተፈለጥዎ ኣይጽላእን! :mrgreen:

ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ፡
ሓሉ ዝበልዎ ኣየጥፍእ፡ ኣጸብቕ ዝበልዎ ኣየኽፍእ
ሓባል መጠመቲኣ ትኰሓል
ሓደ መዓልቲ ምስ ዚስሕቱ፡ ዕድመ ምሉእ ይጽጸቱ
ሓንካስ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ

ሓውካ እየ ዚብል ኣይውቃዕካ፡ ጐይታኻ እየ ዚብል ኣይጠምትካ
ሓያል ወቒዑ ዘይደገመ ይማጣላዕ፣ ሕማቕ ኪድገም ይጥላዕ
ሓያል ኣንበጣ፡ ግራትካ በሊዑስ ኣብ ደጎልካ ይሰፍር
መርገም ኣይበጽሕን በሪሩ፡ እንትርፎ ነይሩ ነይሩ
ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬታ

ምሕሊካ ኣይትጥለም፡ ተመኪሕካ ኣይትህደም
መስተ፡ ቅድም ኣንበሳ፡ ደሓር ከልቢ ይገብረካ
ማሕበርካ በዀረ፡ ሻራኻ ተሳዕረ (አይበሉኻ)
መዓልቱ ዝሓለፎ ስጋ፡ ምጭናዉ ነይተርፍ
ምስ መሠረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዝኾነካ፡ ምስ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይጸቕጠካ

ምጽላእስ ንጻላእ፡ ፍትሒ ግን ኣይንካላእ
ምጭቋ፡ መን ኣቋጺሩኳ
ምስ መዳሕንቲ ዝወጸ ኣመል፡ ምስ መግነዝ ይቕበር
ምስ ዘይትኽእሎ ቃልሲ መፋሕፍሕ ዝባን
ምስ ዝወዓሎ ዝመስል፡ ከም ነፋሒቶ

ምቕማጥ ጸይቖም ምስ ዓዳሊ ይበኣሱ
ምኽኒት፡ ኣደ ሓሶት’ያ
ምኽሪ ምስ ጎረቤት፡ ምሥጢር ምስ በዓል ቤት
ሰሪቕካ ካብ ምሕሳብ፡ ኢድካ ምስብሳብ
ሰብ ምእማን ቀተለኒ፡ ናተይ እናመሰለኒ

ሰብ ሓላፊ ግብሩ ተራፊ
ሰብ ኣይትእመኑ፡ ዕቡድ’ዩ ዘመኑ
ሰኣን ሕራይ፡ ኣጥፋእክዋ ናብራይ (በለት )
ሰኣን እልይ ነገር ገፍሔ፡ ሰኣን ስግር ውሒጅ በዝሔ
ሰብ ኣሓን ይሃድሙ፡ ሰብ ቆራብትን ይዋግኡ

ሰብኣያ ዝመለኸት ሰበይቲ፡ ዓዲ ዝመለኸት ይመስላ
ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ
ስሱዕ ኪበልዕ ይሕነቕ፡ ሓሳዊ ኪዛረብ ይስርነቕ
ስቕ ዝበለ፡ ካብ መዓት ገለለ
ስራሕ ንሰራሒኣ እሾኽ ንሓጻሪኣ

ሹመት ንዝፈልጦ የኽብዶ፡ ንዘይፈልጦ የዕበድብዶ
ቀዳማይ ስሕታን፡ ዳሕራይ ዕብዳን
ቈልዓስ ይጐዪ ምበር ኣይቕድምን
ቈርበት ተኸዲንካ፡ ዝብኢ ውጋእ
ቍርዖ ክንዲ ብዕራይ ክትኣክል ክትብል ተነፊሐ ሞተት


በቕሊ ቀይዳ በተኸት፡ ንርእሳ ኣሕጸረት
በዓል ቤት ከየእወየ፡ ጐረቤት ኣይረድእን

በይኑ ዝበልዕ፡ በይኑ ይመውት
ባዕላ መቲራቶ ተሓንቀት፡ ባዕላ ሰትያቶ ተሰርነቐት
ብሓለቓኻ ተኣዘዝ፡ ንቀሽኻ ተናዘዝ

ብዘውጻእካዮ ዳኛ፡ ትኸውን ውርደተኛ
ብዘውጽእዎ ዳኛ እንተ ተረትዑ፡ ብዝቆረጽዎ ጨንገር እንተ ተወቕዑ፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍትሑ ርትዑ
ብዝሰሓልካዮ ካራ ተሓረድ፡ ብዘውጻኣካዮ ዳኛ ተፈረድ
ብደዎም ዝዘተይዎ፡ ብኾፎም ይብትንዎ
ብጐራሕ ኣይትገራህ፡ ብዓሻ ኣይትመራሕ

ብሽንት’ንጭዋ ዝተነድቀ መንደቕ፡ ድሙ ኪንቁ ይፈርስ
ብኣፍካ ዝወጸ ኣይወጽዕካ።
ብኽብሪ ኣብያ ብሕምቢጣጥ
ብዕራይ ኣብ ዘበለ እንተበለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ
ብዙሕ ዝደሊ ሓንቲ ነይረክብ
ብዓመጽ ዝኸደ ብፍትሒ ይምለስ

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 04 Dec 2020, 10:11

ምስላታት ቀዳሞት 101” ይቕጽል ኣሎ፡ ደቂ ኤሩና ትሕዝቶኡ ቍልብ ቍልብ ተብልዎ ከምዝኾንኩም ኣይንጠራጠርን። ጐረባብትና’ዉን መለበሚ ትረኽቡሉ ትኾኑ ግዲ!!! :mrgreen:

ተመን ከም ምልማጽካ፡ ቅናት ዮሓንስ ምኾንካ
ተው ወደል፡ ከይትኣቱ ኣብ ገደል

ተሓሳሚ ጓሳ፡ ምስሑ ዝነበረ ድራሩ ይኸውን
ተዅላ ከመ’ንበሳ ክትንቁ ተሰንጢቃ ሞተት
ትሕትና በትሪ የውቅዕ፡ ትሕትና ምጕት የርትዕ
ትኽደኖ ዘይብላ፡ ትጕልበቦ ቃሕ ይብላ
ትዕቢት መቅድም ውድቀት፡ ትሕትና መቕድም ክብረት
ነቕናቒ ከሎ ተማቲ፡ መን ጽሩይ ኪሰቲ
ነገር ከይፈለጥካ ምጉት፡ ገለ ዘይብልካ ትዕቢት
ነገር ንመሃዚኡ፡ ተመን ንተሓዚኡ፡ እሾኽ ንሓጻሪኡ

ነገር አጓዲኣ ትልክም፡ ታኼላ ኣታዊኣ ተስጥም
ነፋይ ሓሙኽሽቲ፡ ኣብ ርእሱ ይምለሶ
ናብራ ጽቡቕ’ዩ ምስ ጽድቂ፡ ነጻነት ጥዑም’ዩ ምስ ሓቂ
ናይ ቀታል ነፍሲ ምልክቱ፡ ደም ኣባ’ጻብዕቱ
ንመኸታ ዋልታ፡ ንዘረባ ናዕታ
ንምድሪ ኣይህቡላን ስድሪ፡ ንርስቲ ይዋግኣላ ኣንስቲ
ንሰይጣን ኣይትሃቦ ሥልጣን
ንስሱዕ ሓደው ይወድቆ፡ ሓደው ይሓንቆ
ንስኻ ብቕድሚት ኣጻውቶ፡ ኣነ ብድሕሪት ክዘምቶ
ንበዓል እንጀራኻ ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተ ኣበየ መከራ ይምከሮ

ንዕሽቶይ ስምዕታ፡ ትጸንሕ እንዳ ጐይታ
ንዅሉ እንተ ሃብካዮ ነናቱ፡ ሰብ ይሕጐስ እዝጊ ይፈቱ
ንዅሕሊ ዝበልኵዎ ንቝልዒ፡ ንፍቕሪ ዝበልኵዎ ንጽልኢ
ንዑቕ ይንዕቀካ፡ ጓህማም ይስሕቀካ፡ ከይትቕድሞ ኢሉካ
ንዓዲ ዋና’ለዎ፡ ንማይ ዓይኒ’ለዎ
ንዘይ ተምልጠኒ፡ ንምንታይ ተጕይየኒ
ንጉስ ኪቝጣዕ፡ ቀስ ኢልካ ውጻእ
ንጐራህ ጐራሕ ይፈልጦ፡ ንቖርበት ዕንጕለ ይመልጦ
ንህሩፍ ሰብ ፍትፍት ኣርኢኻ ዒባ ኣዅልሶ
ንሓቂ ዓድጋ’ምበር ኣይትሽጣ

ንንፉግ መገዲ ዕዳጋ ይጸቦ
ንኸብዳም ሰብ ፍቕሪ ኣይግድሶን
ንኽፍእቲ መዓልቲ የሎኽልክን በላ
ንዒቖም ዝሓደጕኣ ዓድስ ግብሪ የብለይን ትብል

ንወዲ ሕድርኻ ሓንግሮ፡ ንወድኻ ኣታትዮ
ንኸታሪ የብሉን ፈጣሪ
ንነዊት ጨነቖ ብደሓር ዕርፊት ጠበቖ፡ ብቕድሚት ምራን ሓነቖ
ንዓሻ እንተመዓድካዮ ናብ ልማዱ፡ ንኣድጊ እንተሓጸብካዮ ናብ ሓመዱ
ንተመን ልቡ ርእዩ እግሪ ከልኦ
ንሓውኻ ዋልታኻ ሃቦ እሞ ተዓዘቦ

ኢድ ሸናሒት ጸናሒት
ኢደይ ብኢደይ ቆረጽኩ፡ መልሓሰይ ብስነይ ነኸስኩ
ኢድካ ሓሊፋ ከይትጸንሓካ፡ ኣይትበድል ተቐዳዲምካ
ኣሽንኳይ ንቤቱ፡ ይተርፍ ንጐረቤቱ
ኣስሚዖም ካብ ዚጠልሙኻ፡ ብዅናት ይውግኡኻ
ኣመል ኣይሕከኽ፡ ዕቡይ ኣይምብርከኽ
ኣብ ባሕሪ ሸሪዓ’ሎ፡ ኣብ ጐንደር ሥርዓት ኣሎ፡ ኣብ መንጎኡ ግን ድብርኽርኽ ኣሎ
ኣብ ቈልቋል ኣሚንካ ኣይተጽልል፡ ጓና ፈተወኒ ቢልካ ሰብ ኣይተቕልል
ኣብ’ዳቦኻ ኣይትከተር፡ ኣብ’ንዳኖኻ ጾም ኣይትሓደር
ኣብ ቆፎ ዘሎ ኬውርዳ፡ ኣብ ቱሽቱሸን ዘሎ ይሰዳ

ኣብ ዘይነገርካ ሕልቕ፡ ኣብዘይ ጸብህኻ ጥልቕ
ኣብ ዝተኾብካሉ ሃገር፡ ተተዅብካ ኣይትሓደር
ኣብ ዝኾራዕካሉ ሃገር፡ ተቓባጢርካ ኣይትንበር
ኣቦኻ ነበረ፡ ከምዝስ ነይገበረ
ኣቦይ ፈቓዱ፡ ባዕሎም ዚነኣዱ
ኣቦይ ፋሲል፡ እዛ ኣዳቕሳኹምስ ናይ ጥሜት ትመስል

ኣነ እንድሕሪ ሞይተላ፡ ዳንዴር ኣይትብቈላ (በለት ኣድጊ)
ኣነ ዝዛረባ ሓንቲ፡ ንስኻ እትዛረቦ ኣይቲ ኣይቲ!
ኣንዲዱ ካብ ዘጽግበኒ፡ ክሳብ ዝዝሕል ይጥመየኒ
ኣያ ሰመረ፡ ወዮ ግራት’ምበር ሰብ ገበረ

ኣይትዅራዕ ስገም፡ ሓምሊ ብዘውጽኦ ጸገም
ኣይዋግኡላን ኣሕማ ዘማ፡ እንበለ በዓል ማሕምማ

ኣይትጥለም ኣሚኒካ፡ ከይጠልመካ ፈጣሪኻ
ኣይትፍራህ ካብ ሹም፡ እንበለ ካብ ሕሱም
ኣድጊ ካብ’ታ ሞታ፡ ትገድድ እታ ምጕታታ
ኣድጊ ከመ ቡኡ የፈርጥጥ፡ ዝብኢ ከመ ቡኡ ይዘርጥጥ
ኣጅቦ ርእዮም ብራሕ ይደፍኡ፡ ጓና ፈተወና ቢሎም ሰቦም ይጸልኡ
ኣፉ ምሳና፡ ልቡ ምስ ጸላእትና
ኣጸቢቕና ኣይንባኣስ፡ ምስ ተዓረቕና ከይንጠዓስ
ኣፋ ምሳይ፡ ልባ ምስ ደበሳይ

ኣሓስ ምስ ሓራዲኤን ማይ ይሰትያ
ኣሻዓል ድኽነት ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተኸወልካያ ኣብ ደገ ወጺኣ ተእዊ
ኣብ ላዕላዩ ዝተዘርገ፡ ኣብ ታሕታዩ ኣይጸርን
ኣብ መቕሎ ዘሎ ዘየንጣዕጥዔ፡ ኣብ ሰፋኢ ዘሎ
ኣነ ቀሚስ እሰፍየላ፡ ንሳ ነገር ትኣልመለይ
ኣእዋም እንተ ጠፋኡ፡ ቈጣቍጢ ይረኣዩ
ኣድጊ 3ይ ርእሳ እንተኾነት፡ ዝብኢ ዝኽእላ ኣይመስላን
ኣድጊ ተማህሊላ በላዒኣ ኣውረደት
ኣድጊ ንዝገበረካ፡ ጠይቂ ግበሮ

ኣይላጸን ዝበለ ቁማል ይወድእዎ

ኣይትእመን . . . . . ሽሕ እንተኾነ ሕያዋይ
ኣመል ምስ መግነዝ
ኣንጭዋ ደገስ ነንጭዋ ገዛ ኣውጽኣታ
እምኒ እንተ ወደቕካያ ትሰብረካ፡ እንተ ወደቐትካ ትጭፍልቐካ
እሾኽ ብእሾኽ ይንቀስ፡ ነገር ብነገር ይውቀስ
እናፈለጡ እንተ ሰሓቱ፡ እንታይ እዩ መድሓኒቱ
እንተ 4 እግሪ ኣሎክን፡ ጽባሕ ንጕሆ ንርኤክን
እንዳ ዕኮት ኣይትተንኪ፡ ድሓር ከይትበኪ

እዛ ማእምን ጸገበት፡ ክትጋግየኒ ቐረበት
እግሪ ዘለዎ ይመልጠጥ፡ እግሪ ዘይብሉ ይዘርጠጥ (በለ ዒሉ)

እትኣምኖ ልኢኽኻስ እንታይ ተረፈኒ ኣይትበል
እናጐየዩ ዝተዓጠቕዎ፡ እናጐየዩ ይፍታሕ
እዝግን ዘየርክቦ፡ ማይን ዘየጠልቅዮ የልቦን
እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ
እዛ ብርኩታ፡ ኣብ ውሽጣ እምን’ላታ
ሓንጊሮም ዘእተውዎ፡ ብእግረይ ኣተኹ በለ
ምስ ሰብ ዘይተዓርቀ፡ ምስዝጊ ነይተዓርቀ
ሓደው ተዋጋእ ተጠንቂቕካ፡ ሓደው ህደም ዓዲ ኣርኂቅካ
ምእንቲ ሓሞት ቢሎም ዝሓረድዎ፡ ሓሞት ስኣኑሉ
ምኽሪስ ዓዲግራት ተሪፉ
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 05 Dec 2020, 04:35

ምስላታት ቀዳሞት ይቕጽል! :mrgreen:

ከይኮነ ወግን፡ከይተሰብረ ጸግን
ከም ቀደም ይመስለክን፡ ውሒጅ ይወስደክን
ከም ዘይተሓባእና፡ ኣዛብእ ወድኡና

ከም ሰብ ትመጺ፡ ከም ኣራዊት ትነፍጺ
ከተጸብቕ ውዒላ፡ መሊሳ ጸይቓቶ ብሓተላ

ከይወዓሉ ይወዓዓሉ፡ ከይተኣማመኑ ይማሓሓሉ
ከይጸመደ ኣንጐደ፡ ከይሓረደ ጐመደ
ከይጸገቡ ኣይዘሉ፡ ከይዘለሉ ኣይስንከሉ

ከይፈልሔ ኣይግንፍልን፡ ከይበጽሔ ኣይበስልን
ከይበጥሔ ዚሓጕም ትዃን፡ ከይበድልዎ ዚብድል ተመሲሉ በዓል ደሓን

ከጸጽያ ኪብላ የጸንጽያ፡ ኪነጽያ ኪብላ ይንጸያ
ከይሓረዱ ሱላ ኣንደዱ
ከይመጻና ተጃሃርና፡ ከይተማሃርና ተመራመርና

ኩሉ መዓልቲ ደሓን፡ ሓንቲ መዓልቲ ዘይደሓን
ኩምራ ዓሻ መጻወት ህበይ

ኪህብ ዝደለ ብንያት፡ ኪኸልእ ዝደለ ብምኽንያት
ኪመኽርዎ ልቢ ዘይገብር፡ ኬብልዕዎ ዚዓብር፡ ነቲ ምኽሪ ኽላእ፡ ነቲ እንጀራ ኽላእ
ኪሰምዕ ዘጽቀጠ፡ ዓቢ እምኒ ዝተጸቕጠ
ኪሰርቀኒ ዝረኣዅዎ፡ ኪህበኒ ነይኣመንክዎ
ኪፍክር ኪፍክር፡ በለ ግዲ ፍንክል

ኪከኣሎ ኸሎ ዘይገበረ፡ ኪጠዓስ ነበረ
ኪርኢ ዝሞተ ኪሰምዕ፡ ኪሰምዕ ዝሞተ ኪርኢ ቕበሮ
ኪወግኡኻ ከለዉ ምድሪ ውጋእ (ንምድሪ ንገራ)
ኪገልባ ዝደለያ ኣጣል፡ ጥሪፍ ጥሪፍ የብዝሓ
ካብ ሰብ ዚደሊ፡ ከም ሳእኒ ይበሊ

ካብ ብዙሕ ትምህርቲ፡ ትሓይሽ ሓቂ ሓንቲ
ካብ ብፍትሒ ዝኸደት በቕለይ፡ ብዘይፍትሒ ዝኸዳኒ ቆሎይ

ካብ ነፍሶም፡ ይጠፍእ ፈውሶም
ካብ ኣጅቦ በሊዕካ ብስና፡ ሓምሊ በሊዕካ ጥዕና
ካሕሳይ፡ ላዕላዩ ሕያዋይ ውሽጡ ሃሳይ

ካብ ምድብዳብ፡ ይሓይሽ ምእዳብ
ካብ ሺሕ ሰራራይ፡ ሓደ ዘይብሎም መኻራይ፡ ንዅሎም ኣኻኺብካ ናብ ቀላይ
ካብ ሺሕ ወርዋሪ፡ ሓደ መካሪ
ካብ ክፉእ ዚገብሩኻ፡ ክፉእ ዜልምዱኻ

ካብ ሃገር ዚገዝእ ሰብነቱ ዚገዝእ ይበልጽ

ካብ ሎሚ ዝገርገረ ዝብኢ ኣየሕደረናን
ካብ ምስዓም ጸላኢ መፍጋእቲ ፈታዊ ይሓይሽ
ካብ የጥዕመለይ ቢልካ ምዝራብ፡ የኽፍኣለይ ቢልካ ምሕዳግ
ካብ ፈታውየይ ባዕልኻ ሓልወኒ፡ ካብ ጸላኢየይ ባዕለይ እሕሎ
ካብ ሓይሊ ኣምበሎት ሓይሊ ጸሎት

ክልተ ሳዕ በላዕኻ ተፋእካ፡ ክልተ ሳእ ተዛረብካ ከፋእካ
ክልተ ስጋ ትበልዒ፡ብምድር’ስ ትሓልፍዮ ብሰማይ’ሞ እንድዒ
ክልተ ሳዕ ዚፈርዱ፡ ግናይ ይወልዱ
ክምካሕ ክምካሕ ኣብዛ ርእሰይ ካሕ
ክርክር ካብ ስራሕካ የብኵር

ክንዲ ዘዀለስኩ፡ ኢደይ ተነኸስኩ
ክፉእ ዘተ፡ ይኸፍእ ካብ ዘመተ
ክበልዕ ዝደለ ገደል ኣፉ
ክንዳና ዘይኮና በኣና ይወዓላ
ክዳን እምበር ሕማቕ ዘረባ ኣይበልን’ዩ


ኮፍ በለለይ ክብለጸልካ
ኰራዪ ተዀርማዪ፡ ጎያዪ ተገማዪ
ኵናት ኣቡነ ዘበሰማያት ኪወግእ’ምበር ኪውርወር ኣይርኤን
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 08 Dec 2020, 10:18

ምስላታት ቀዳሞትና” ንቐጽሎ’ዶ! :mrgreen:

ወልደ ጋብር እዝ’ዶ ዓዲ’ ጋብር
ወሓጥዮ እንተበልኵዋስ ትጐስመሉ
ወተሃደር ዝኣተዋ ዓድ፡ ህበይ ዝወዓለቶ ዓውዲ
ወዓግ ተታሒዛ ትስዕስዕ፡ ኣድጊ ተጻዒና ተኾምስዕ

ወኻርያ ጻድቕ ክትመስል፡ ዝዋውዕ ትኣስር
ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና፡ ወዮ ተማጕትናስ ተራቲዕና
ወዲ ጭዋ እናሓደረ ይውርዚ፡ ወዲ በዓለገ እናሓደረ ይግዕዚ
ወዲ ደመኛ ኣይኸውን ዓርኪ፡ ሰበረ ኣይኸውን ብርኪ
ወዲ ድሙ፡ ኣይሓድግ ግብረ እሙ


ወዲ ዕቡይ ወዳቒ፡ ወዲ ማእምን ሰሓቒ
ወዲ ዓሻ ክልተ ሳዕ ይውቃዕ
ወድ በረኻ ልቡ ከይወቓዕካዮ ልቢ ነይገብር
ወድ ቅንፍዝ ልሙጽ ኣይውለድን
ወላዲ ክሕሱ፡ ውሉድ ምድሪ ይቕንጡ

ውርደቱ ዚርስዕ ዝሃብዎ ዘኾምስዕ
ውርርድ፡ ቁምነገር ይጋርድ
ውዑል ኣየናግር፡ ምልኣት ተከዘ ኣየሳግር
ዓመት ዘየብልዕ፡ ዓመት የጻልእ
ዓስ በልኩኺ ክር በልኩኺ፡ እንተ ኣበኺ እንዳ ነብሪ’ደኺ


ዓሻ ናይ ዕለቱ፡ ለባም ናይ ዓመቱ (ይሓስብ)
ዓሻ እንተፈረድካዮ ኣይፈልጥ፡ እንተ ፈረድካሉ ኣይፈልጥ
ዓሻ ከመ’የሎ ዓሻ ደሓን ኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎ’ሎ
ዓሻ ኣምሕለኒ ኪብል ከሎ፡ ዘይመሓለ ይመስሎ
ዓይኒ ቐናእ፡ ማይ ይምላእ

ዓዲ ላቕማ፡ ትዋጋ ከም ዓቕማ
ዓሰባ ዝነበረ ኣየዕስብ፡ ዝነበሮ ከይርስዕ
ዓሻ የልቦን፡ በበይኑ ብልሓቱ
ዓሻ ንሱ ዚብሎ እምበር ንሳቶም ዝብልዎ ኣይፈልጥን
ዓማጽ ንጉስን ዓማጽ እክልን ከይደቀሰ ይሓድር


ዕውር ፍርዲ ዚፈርድ፡ ዕውር ይወልድ
ዕዳ ወላዲ ንውሉድ፡ ርስሓት ኣፍንጫ ንኢድ
ዕቡድ እንተጨመተ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ
ዕዉር ከቕበጥብጥ፡ ምርኵሱ ደርብዩ ኣብ ምድላይ ይኣቱ
ዘንጊ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን

ዘየሓኻ ነየቂሓኻ
ዘይመገዱ ዝኸደ፡ ዘይዕዳኡ ዓደ
ዘይናቱ ዚደሊ፡ ከም ሳእኒ ይበሊ
ዘዋሪት እግሪ እንዳ ተመነ ዕንቅርቢት ትኣቱ
ዘይወግሕ መሲልዋ፡ ኣብ ቦዅራ ትወጽእ


ዘንቀደ ኣይትምዓድ
ዘሎ ዘይሓልፍ ይመስል፡ ዝሓለፈ ዘይነበረ ይመስል
ዘይሓልፈላ ጭሩስ መስከረም ትዓውር
ዚንእደካ ጸላኢኻ፡ ዚግስጸካ ፈታዊኻ
ዚኸውን መሲሉኒ ጸመድኩ፡ ዘይኸውን ርእየ ፈቲሔ ሰደድኩ

ዚገብር፡ ነዲኡ ነይነግር
ዚውዳእ እኽሊ፡ ምስ ዘይውዳእ ዘመድ የጻልእ
ዜልቅሰሉ ዘይብሉ፡ ኣልቂሱ ሞተ ባዕሉ
ዝሃቡኻ ኣኾምስዕ፡ ዝገበሩኻ ኣይትረስዕ
ዝለመደ መድመደ፡ ዝተኣምነ ከሓደ


ዝሰሓተ ኩቱ፡ ጓል ጽግድም የእቱ
ዝረኣያኦ ኪገብራ፡ ኣዒንተን ይነቆራ
ዝቐተለ ሰብኣይኪ፡ ዝሞተ ሓውኪ፡ ቅጥዒ ነይብሉ ሓዘንኪ
ዝበደለ እንተ ኸሓሰ፡ ዝወለደ እንተ ለሓሰ፡ ኣቦይ’ዝጊ ምተሓጐሰ
ዝብኢ ክሳብ ዝነክስ፡ ይሕንክስ

ዝተናዕቀት ሃገር፡ ብኣድጊ ትውረር
ዝኣመንኩዎ ፈረስ፡ ኣውደቐኒ ኣብ ደንደስ
ዝንጅብል፡ መን እንተ በሉኻ መን ትብል
ዝንጀሮ ሰብ ያኢ ነበረ ድሮ፡ ሰብ እንታይ ዘይናገሮ
ዝኸስዐ፡ ሰቡ ረስዔ


ዝደለይዎ እንተ ሰኣኑ፡ ዝኣበይዎ ይልምኑ
ዝጠርጠረ ቤቱ ሓጸረ፡ ዘይጠርጠረ ቤቱ ተወርረ
ዝፈርሕዎ ይበጽሕ፡ ዝነዓቕዎ የጻሕጽሕ
ዝባን ዓሻ ኪውቃዕ፡ ልቢ ለባም ይስምብር
ዝሰኸረ ሰብ፡ ኣዋድቓኡ ኣይጽቡቕን

ዝተነቓነቐ ኩርምቲ፡ ከይወጸ ነይተርፍ
ዝነዓቕካዮ የጥንስ፡ ይብላ ኣንስቲ
ዝወደቐ ጉንዲ፡ ምሳር ይበዝሖ
ዝወግኤ እንተረስዔ፡ ዝተወግኤ ነይርስዕ
ዝጸበቦ ዓገዜን፡ ኣብ ምውጋእ በጽሔ


Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Abe Abraham » 08 Dec 2020, 10:31


ደብሬ/ተልባ ቢንጫጫ ባንድ/በኣንድ ሙቀጫ!!!!

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 11 Dec 2020, 05:33

ምስላታት ኣቦታትና” በዡይ’ዶ ክንዛዝሞ! :mrgreen:

ይኣኽለኒ እንተ ዘይበልካ፡ ዝኣኽለካ የልቦን ዝሓዝካ እንተ ሓዝካ
ይገርም ይገርም፡ አድጊ’ዶ ምስ ዝብኢ ይኸርም
ደርሖ ጻሕቲራ ጻሕቲራ፡ መሕረዲኣ ኣውጽኤት ካራ
ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደ፡ ጥራጥ ኣድጊ ለመደ

ደም ተጸይቕካ፡ ጽንጽያ ኣይትፍራህ

ደረቐኛ ወጠጦ፡ ጭሕሚ ነብሪ ይቖምል
ደረቐኛ ኣንጭዋ ኣፍንጫ ድሙ ተሽትት

ደርሆስ፡ በምዑት ደቃ ትጻወት
ደጋም ዘረባን፡ ደጋም ዓውድን፡ ቅሩብ እቶቱ
ዳኛ ዝፈረዶን፡ ስሕለት ዝቐደዶን ሓደ

ድሎ ከይትዕሎ፡ ጽናዕ ከይትምናዕ
ድሙ ከምታ ብጊሓቱ፡ ገልዒ መስተይቱ
ድሕሪ ሞት ምልቃስ፡ እምኒ ምንካስ

ድሕሪ ደሓን ኣይትጠይቕ፡ ነገር ከይትጽይቕ
ገለን ብማይ፡ ገለን ሰኣን ማይ፡ ነቦይዝጊ ምሕማይ

ገላጋሊ ስኢነ፡ ገልገለይ፡ በላዕክዎ ባዕለይ
ገመል እንታይ ተጻዒንኻ፧ ሽመል፡ እንታይ ደኣ ነነይ የብለካ፧ ኣመል
ገ፡ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ
ገረብ ዓድኻ፡ ፍርሃት ይኽልክለልካ’ምበር ካብ ሞት ናይ ክውለካ
ገንዘብ ሰብ በሊዕካ፡ ኣይሕደርን ደቂስካ


ገንዘብ ናብ ዋንኡ፡ ኣንጭዋ ናብ ኳንኡ
ገመል እንተሰቐልካላ ዓዕ፡ እንተ ኣውረድካላ ዓዕ
ገያጽ እንተ ሞተ፡ ዝስሕቕ ይመስል
ገምቢ ተጸጊዕካ ዝብኢ ውጋእ
ጊዜ ኪጠልም መን ዘይጠልም፡ ጊዜ ኪፈቱ መን ዘይፈቱ


ግራት ብደረቱ፡ መንደቕ ብመሰረቱ፡ ይፍለጥ
ግፍዒ ኪበዝሕ ኣብ ሃገር፡ ንሓድሕዱ ይፋገር
ጐረቤት ይኸውን’ዩ ጸላኢ፡ ኣቲ ሰበይቲ ኣይትዘንግዒ

ጐራሕ እንተደለየ ኪልእከካ፡ ርእስኻ ይደራርዘካ
ጐደና፡ ኣይተወዳኤን ጋና

ጕይትነት የምጽኣልካ ባርነት፡ ብልሕነት የምጽኣልካ ነጻነት
ጕድጓድ’ሞ ትኹዕታ፡ ባዕልኻ ትኽተታ
ጓና ፈተወኒ ቢልካ ሰብካ’ይተቕልል፡ ኦም ረከብኩ ኢልካ ኣብ ሃምብሃምቦ ኣይተጽልል
ጠላሚ ተጠላሚ፡ ማሕላዊ ተዓላዊ

ጤል የብለይ፡ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ’ብለይ (በለ ድኻ)

ጸላእ ንጉስን፡ ፈታው ባእስን እናሓደረ ይማስን
ጸላእና’ሞ ፍትሒ ነይከላእና
ጸላኢኦም ኪጕርጕሩ፡ ብፈታዊኦም ይጅምሩ
ጸብሕኻ ሕሉፍ’ዩ በለት፡ ጎጎ ክትውሕጥ ዝተሓንቀት
ጹር ዝበሎ ተጠሚሩ’ጸንሖ፡ ብላዕ ዝበሎ ተፈትፊቱ’ጸንሖ

ጽምብላሊዕ መቐመጭኣ ዘይከደነት፡ ምድሪ ኸደነት
ጽቡቕ ንርእሱ፡ ክፉእ ንርእሱ፡ ዝበለ ነይሕሱ
ጽጋቡ ዘይኽእል ኣድጊ፡ ምሕረት ዘይፈልጥ ሕጊ
ጭርናዕ ንስኻ’ሞ በል ጭጭ፡ ኣነ’ሞ እኳ ቅጭጭ
ፈሪሆም እምኒ እንተ ወርወሩ፡ ዝብኢ ወጸ ካብ ዱሩ
ፍትሒ ኣይጠፍእን፡ መጥፍእ ፍትሕ’ምበር
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 21 May 2021, 10:51

ኤርትራ ብወርቃዊ ደም የተገኘች ክብርት ሃገር! :lol:

ብወርቃዊ ደም ዝተረኽበት ሃገር - ኤ ር ት ራ ራ ራ ራ ራ ራ ራ ራ ራ !
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 19 May 2022, 05:01

Wedi wrote:
28 Nov 2020, 11:08
Meleket wrote:
28 Nov 2020, 10:58
ጎበዝ “የቆጡን አወርድ ብላ የብብቷን ጣለች” የተባለችው ግን ማነች? :mrgreen:
ምን ጥርጥር አለው!! ህወሃት ነች እንጅ!! :P :P
ዘንድሮ ደግሞ ይህ ኣባባል ከህወሃት በተጨማሪ የወፈፌውና የወራሪው የፑቲኗ ራሻንም የሚመለከት መስሏል! :mrgreen:

Axumezana
Senior Member
Posts: 13216
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Axumezana » 19 May 2022, 07:25

ብዙ ዝባዝንኬ፥አበዛህ፥መልሱ፥ቀላል፥ነው።

https://mereja.com/forum/viewtopic.php? ... 8#p1294543

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 19 May 2022, 09:41

Meleket wrote:
03 Dec 2020, 09:47
. . .ብዓመጽ ዝኸደ ብፍትሒ ይምለስ

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 20 May 2022, 11:35

ሎምዘመን እዛ ምስላ ንፑቲን ትምልከት ትመስል! እወ "ልቐቕ ዘይምድርኻ!" :mrgreen:
Meleket wrote:
03 Dec 2020, 09:47
ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ፡

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ነገር በምሳሌ ጠጅ በብርሌ

Post by Meleket » 08 Jun 2023, 05:05

Meleket wrote:
03 Dec 2020, 09:47
ደቂ ኤሩና መዓረይ፦ ጥበብ ካብ ዝመልኡ ልቦናዊ ምስላታታ ወለድና ካብ ዝነበብናዮ ክነካፍለኩም እስከ፡ ጐረባብትናዉን እንተፈለጥዎ ኣይጽላእን! :mrgreen:

ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ፡
ሓሉ ዝበልዎ ኣየጥፍእ፡ ኣጸብቕ ዝበልዎ ኣየኽፍእ
ሓባል መጠመቲኣ ትኰሓል
ሓደ መዓልቲ ምስ ዚስሕቱ፡ ዕድመ ምሉእ ይጽጸቱ
ሓንካስ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ

ሓውካ እየ ዚብል ኣይውቃዕካ፡ ጐይታኻ እየ ዚብል ኣይጠምትካ
ሓያል ወቒዑ ዘይደገመ ይማጣላዕ፣ ሕማቕ ኪድገም ይጥላዕ
ሓያል ኣንበጣ፡ ግራትካ በሊዑስ ኣብ ደጎልካ ይሰፍር
መርገም ኣይበጽሕን በሪሩ፡ እንትርፎ ነይሩ ነይሩ
ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬታ

ምሕሊካ ኣይትጥለም፡ ተመኪሕካ ኣይትህደም
መስተ፡ ቅድም ኣንበሳ፡ ደሓር ከልቢ ይገብረካ
ማሕበርካ በዀረ፡ ሻራኻ ተሳዕረ (አይበሉኻ)
መዓልቱ ዝሓለፎ ስጋ፡ ምጭናዉ ነይተርፍ
ምስ መሠረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዝኾነካ፡ ምስ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይጸቕጠካ

ምጽላእስ ንጻላእ፡ ፍትሒ ግን ኣይንካላእ
ምጭቋ፡ መን ኣቋጺሩኳ
ምስ መዳሕንቲ ዝወጸ ኣመል፡ ምስ መግነዝ ይቕበር
ምስ ዘይትኽእሎ ቃልሲ መፋሕፍሕ ዝባን
ምስ ዝወዓሎ ዝመስል፡ ከም ነፋሒቶ

ምቕማጥ ጸይቖም ምስ ዓዳሊ ይበኣሱ
ምኽኒት፡ ኣደ ሓሶት’ያ
ምኽሪ ምስ ጎረቤት፡ ምሥጢር ምስ በዓል ቤት
ሰሪቕካ ካብ ምሕሳብ፡ ኢድካ ምስብሳብ
ሰብ ምእማን ቀተለኒ፡ ናተይ እናመሰለኒ

ሰብ ሓላፊ ግብሩ ተራፊ
ሰብ ኣይትእመኑ፡ ዕቡድ’ዩ ዘመኑ
ሰኣን ሕራይ፡ ኣጥፋእክዋ ናብራይ (በለት )
ሰኣን እልይ ነገር ገፍሔ፡ ሰኣን ስግር ውሒጅ በዝሔ
ሰብ ኣሓን ይሃድሙ፡ ሰብ ቆራብትን ይዋግኡ

ሰብኣያ ዝመለኸት ሰበይቲ፡ ዓዲ ዝመለኸት ይመስላ
ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ
ስሱዕ ኪበልዕ ይሕነቕ፡ ሓሳዊ ኪዛረብ ይስርነቕ
ስቕ ዝበለ፡ ካብ መዓት ገለለ
ስራሕ ንሰራሒኣ እሾኽ ንሓጻሪኣ

ሹመት ንዝፈልጦ የኽብዶ፡ ንዘይፈልጦ የዕበድብዶ
ቀዳማይ ስሕታን፡ ዳሕራይ ዕብዳን
ቈልዓስ ይጐዪ ምበር ኣይቕድምን
ቈርበት ተኸዲንካ፡ ዝብኢ ውጋእ
ቍርዖ ክንዲ ብዕራይ ክትኣክል ክትብል ተነፊሐ ሞተት


በቕሊ ቀይዳ በተኸት፡ ንርእሳ ኣሕጸረት
በዓል ቤት ከየእወየ፡ ጐረቤት ኣይረድእን

በይኑ ዝበልዕ፡ በይኑ ይመውት
ባዕላ መቲራቶ ተሓንቀት፡ ባዕላ ሰትያቶ ተሰርነቐት
ብሓለቓኻ ተኣዘዝ፡ ንቀሽኻ ተናዘዝ

ብዘውጻእካዮ ዳኛ፡ ትኸውን ውርደተኛ
ብዘውጽእዎ ዳኛ እንተ ተረትዑ፡ ብዝቆረጽዎ ጨንገር እንተ ተወቕዑ፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍትሑ ርትዑ
ብዝሰሓልካዮ ካራ ተሓረድ፡ ብዘውጻኣካዮ ዳኛ ተፈረድ
ብደዎም ዝዘተይዎ፡ ብኾፎም ይብትንዎ
ብጐራሕ ኣይትገራህ፡ ብዓሻ ኣይትመራሕ

ብሽንት’ንጭዋ ዝተነድቀ መንደቕ፡ ድሙ ኪንቁ ይፈርስ
ብኣፍካ ዝወጸ ኣይወጽዕካ።
ብኽብሪ ኣብያ ብሕምቢጣጥ
ብዕራይ ኣብ ዘበለ እንተበለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ
ብዙሕ ዝደሊ ሓንቲ ነይረክብ
ብዓመጽ ዝኸደ ብፍትሒ ይምለስ

:mrgreen:

Post Reply