Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 22 Oct 2022, 15:10

  • ማሕሙድ ዑስማንን ኸዲጃ ናስርን!!!!!!



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 23 Oct 2022, 11:02



እንዳ ኣዕለልና እንከለና ማለት እዩ ፥

ኣነ ፥ በርሀ ወዲ ጊለ ትፈልጦ ዶ ?

ዘመደይ ፥ እወ ካብ እግረ-ተኽሉ ?

ኣነ ፥ እግረ-ተኽሉ እግረ-ተኽሉ ?

ዘመደይ፥ እግረ-ተኽሉ ኣብ ምድሪ ያታና ....ክጀማምር እንከሎ ማለተይ እዩ::

ኣነ ፥ በል ኣነ ዝፈልጦን ዝተዓዘብክዎን በርሀ ኣብ ያታና ብዓቢኡ ከም ምሉእ ፈናን ( ኣርቲስት) ኮይኑ እዩ ተወሊዱ ። ብዘይካ ደርፍን ጸዎታን ካብ ወላዲኡን ብወላዲኡ ድማ ካብ ኣባሓጎታቱ ዝወረሶ ያታዊ ዛንታታትን ዋዛን ኣለዎ ።

ዘመደይ ፥ እሞ ምስ ሓደ በሊሕ ከም ተስፋ-ኣለም ናይ ቲቪ ኤረ ዝኣምሰለ ሰብ ኮይኑ ምስ ታሪኹን ኣብ ዓለም ዘጓነፎ መስሓቕ ነገራት ሓዋዊሱ ዋዛን ላዛን ዘላታ መጽሓፍ ከቕርበልና ኣለዎ ማለት እዩ ።

ኣነ ፥ ብርግጽ ! በል ያላ ናብ እዛ ምዕዝቲ ደርፉ ንኺድ!!





-

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 25 Oct 2022, 12:45

Abe Abraham wrote:
23 Oct 2022, 11:02


እንዳ ኣዕለልና እንከለና ማለት እዩ ፥

ኣነ ፥ በርሀ ወዲ ጊለ ትፈልጦ ዶ ?

ዘመደይ ፥ እወ ካብ እግረ-ተኽሉ ?

ኣነ ፥ እግረ-ተኽሉ እግረ-ተኽሉ ?

ዘመደይ፥ እግረ-ተኽሉ ኣብ ምድሪ ያታና ....ክጀማምር እንከሎ ማለተይ እዩ::

ኣነ ፥ በል ኣነ ዝፈልጦን ዝተዓዘብክዎን በርሀ ኣብ ያታና ብዓቢኡ ከም ምሉእ ፈናን ( ኣርቲስት) ኮይኑ እዩ ተወሊዱ ። ብዘይካ ደርፍን ጸዎታን ካብ ወላዲኡን ብወላዲኡ ድማ ካብ ኣባሓጎታቱ ዝወረሶ ያታዊ ዛንታታትን ዋዛን ኣለዎ ።

ዘመደይ ፥ እሞ ምስ ሓደ በሊሕ ከም ተስፋ-ኣለም ናይ ቲቪ ኤረ ዝኣምሰለ ሰብ ኮይኑ ምስ ታሪኹን ኣብ ዓለም ዘጓነፎ መስሓቕ ነገራት ሓዋዊሱ ዋዛን ላዛን ዘላታ መጽሓፍ ከቕርበልና ኣለዎ ማለት እዩ ።

ኣነ ፥ ብርግጽ ! በል ያላ ናብ እዛ ምዕዝቲ ደርፉ ንኺድ!!





-
በርሀ ወዲ ጊለ ሓወይ ክብረት ይሃብካ ሰምሃር ሳሕል ኣስመራ ካርነሽም ዓንሰባ ዓላ ኮታስ ኩላ ኤርትራ ጠቒስካ ናብ ድባርዋ ከይተረፈ ዝወረድካ ። ኣብ ከባቢ ድባርዋ መን ኣላ እንተ በልካ ዓዲ ባሮ ዓደይ - ኣነ ካብኡ ይውለድ እየ - ዓዲ ጀጋኑን መኳንንትን ከም ኣብ ቦታ ኮመንት ናይ እቲ ቪድዮ ሰፊሩ ዘሎ ። በሉ ንስድራይን ኣዝማደይን ተላለይዎም ፥




Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 28 Oct 2022, 11:17

  • ጎይታ ክራር ጎይታ ዜማ ጎይታ መድረኽ ዶ ክንብላ ኣብዚ እነሀለትልኩም ጅግናን ጎበዝን ሓፍትና ብስራት ጓል ኣረጋይ !!!


( ኣኪለ - Washon ዋሾን tv - ሹክረን ያ ሓቢቢ ነዛ ታሪኻዊት ደርፊ ናይ ሓፍትና ብስራት ጓል ኣረጋይ ዘዘኻኸርካኒ ። ኣነ ብ ስነ-መጎታዊ ኣዘራርባኻን ዋዛኻን ስጡም ኣደራድራ ቃላትካን ኣዝየ እየ ዘድንቐካ ። ስለዚ ድማ መጽሓፍ ክትደርስ ይላበወካ ። በዚ ኣጋጣሚ ን ሓውና ተጋዳላይ ዳያን ሃይለ - ፕሮፈሶረ - ናይ Eritrean Unity Worldwide EPLF1 ድማ ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን ። ንበዓል ሰሌ ናይ SOLO MEDIAን እቲ ኣብ Sahel Media ዘሎ ሓውናን ድማ ሓደ መዓልቲ ተኻዳዲኖም ኣብ ብርቂ ዝኾነ ሱቱድዮ ቲቪ ኤረ ክንርእዮም ተስፋ ንገብር ። )


( ኣብታ ቪድዮ ተለጢፋ ዘላ ኣይቖናዊትን ታሪኻዊትን ስእሊ ሓደ ካብ እቶም ባንዴራ ዝተኸሉ ጀጋኑ ሓው ኣቦይ እዩ ። ዓለም ንእሽተይ ኢያ ። በየን ንራኸብ ኣይበሃልን እዩ ። መሃንድስ ፍጹም ወዲ ኣብራሃም ካባና ምዃኑን ፕሮፈሰር ክብረ-ኣብ ድማ ወዲ ዓንሰባ ኮይኑ ምጽንሑን ኣገሪሙኒ ። ደቂ ሸሓይ ዓዲ ዓባየይ ( በደይ ) ካብ ዓዱ ብዙሕ ኣይትርሕቅን ኢያ ። )

-

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 29 Oct 2022, 19:22

  • ማራኺት ኣበባ(እቡብ) ጓል ሃይለ ፥ እዚስ መን ይረኽቦ!!!!!!



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 30 Oct 2022, 19:37

  • ሳባ ሽኮር ጓል ለምለም ናብራኺ ኩሉ ይግበሮ ለምለም ንለምለም !!!!!!



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 01 Nov 2022, 13:33

  • ተላይ መሰንቆ ብ ሱሌማን ኣሕመድ !!!!!



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 03 Nov 2022, 10:25

  • ሃይለ ገብሩ ዘልኣለማዊ ድሙቕ ኮኸብ ዘመናውን ያታውን ሙዚቃና ፥ ንሳማማዕ !!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 04 Nov 2022, 19:48

  • Eritrea Tigre music- كرنفال بمناسبة نجاح طلاب شرق السودان ተመሃሮ ምብራቓዊ ሱዳን ኣሳልጦ ኣብ ዝረኸቡሉ ኣጋጣሚ ካርኒቫል!!!


( እዛ ጥዕምቲ ደርፊ ከረን ዓባይን መታዓብይተይ ደቂ ኣፍዓበትን ናቕፋን ዓሊ ግድርን ሓጋትን ዓደይ ሰምሃርን ተዛኻኽረኒ ። ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ከይደ ናብ ባጽዕ ምስ ወረድኩ ሓደ ስጋዕ ሕጂ ዘይርስዖ ሰብኣይ ኣብ ጥዋለት ምስ ረኸብክዎ ኩሉ ኣብ ጁባይ ዝነበረ ናቕፋታት ምስ ሃብክዎ " ኣይትረስዑና ኢኹም " ኢሉ ተላብዩኒ ። " ኣነ ወዲ ሕርጊጎ እየ ። ኣብ ምስሪ ሓደ ተማሃራይ ወደይ ኣሎኒ ። ዳርጋ ሰለስተ ወርሒ ይገብር ግን ደሃዩ የብለይን ። " ምስ በለኒ ኣደንጊጹኒ ። ኣብ ጋሕቴላይ ድማ ምስ ሓደ ሸያጥ ብርጭቕ ብብርጭቕ ናይ እምቤረሚ ጀሚርና ብዙሕ ኣዕሊልና ። ናብ ሽዕብን ፍልፍልን ሰለሙናን ከረንን ኣፍዓበትን ናቕፋን ቃሩራን ክኸይድ ሓሲበ ብሰንኪ ግዜ ዝደለኽዎ ከይገበርኩ ተመሊሰ። )


Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 08 Nov 2022, 22:43

  • ኣሕመድ ኣራሁ ፥ ያ ሰላማ!!! ( ያ ሰላም!!!)

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 11 Nov 2022, 12:14

  • Eritrean festival Sweden 2022/ stockholm scandinavia !!!!!!!!

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 11 Nov 2022, 16:19

  • ወዲ ብርሂን ዓይንኻ ትብራህ ነዞም ኣብ ሓማሴን ዘሎና ኣሕዋትና ዝኾኑ ሰብ ቀርኒ-መዓር ዘርኣኻና ። ኣነ - ብሓደ ሸነኸይ- ሓደ ካብ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ዝርከቡ ደቂ ዘርአ-ሰናይ እየ ። ምስጋና ኩሉ ምስጋና ንዓኻ !!!!



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 14 Nov 2022, 15:01

  • ኤልሳ ጓል ኪዳነ ( ኤልሳ ሓፍተይ ጓል ዓላ ! ) ፥ ሸባብ ኤሪትሪያ !!!!!!



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 19 Nov 2022, 18:28

Abe Abraham wrote:
11 Nov 2022, 16:19
  • ወዲ ብርሂን ዓይንኻ ትብራህ ነዞም ኣብ ሓማሴን ዘሎና ኣሕዋትና ዝኾኑ ሰብ ቀርኒ-መዓር ዘርኣኻና ። ኣነ - ብሓደ ሸነኸይ- ሓደ ካብ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ዝርከቡ ደቂ ዘርአ-ሰናይ እየ ። ምስጋና ኩሉ ምስጋና ንዓኻ !!!!



ሕጂ ኸኣ መመሊሱ ጸቢቑ ሳላ ወዲ ብርሂን ሓወይ ! ብዓወት ናይ ዓዲ-ባሮ ተታባቢዕና ዓባይ ቀርኒ-መዓር - ዕድለይ ኢልና ኣብ ዩትዩብ እንዳደለና - ረኺብና ብታሕጓስ እንዳ ነባዕና እንከለና ብስምና ዝጽዋዕ ወረዳ ደቂ ዘርአ-ሰናይ ዝበሃል ቦታ ከምዘሎ ከኣ ክንፈልጥ ክኢልና !! እንቋዕ መመሊሱ ጸበቐን መቀረን !!!!!

እዚ ዘጓነፈኒ ባህልኻን ኣስማትካን ታሪኽካን ምዕቃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርህ ።



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 20 Nov 2022, 18:07

  • መሳጢት ሸዊት ጓል ክፍለ ፥ ሂበካ'የ ባዕለይ!!!!!!!!!!!



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 24 Nov 2022, 14:17

ኣልማዝ ዮሃንስ ፥ ናፊቐ'የ!!!!



ሉል ኤርትራ፡ ሉል ጓል ቴድሮስ ፥ ናፊቐ'የ !!!!


Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 28 Nov 2022, 16:52

  • ሑሰይን መሓመድ ዓሊ ብ ሜሮን ( ወዲ ሓወይ ፡ ጅግና ወዲ ጀጋኑ!!! ) እስቲፋኖስ ኣብራሃም ፥ ጀላብ ዓባይ ኤሪትረያ!!!!

/ ኣዝዩ ዘኹርዕ ጽፉፍ ስራሕ ብሙዚቃ ኣቀናባብራ ይኹን ብትሕዝቶን ኣቀራርባን /


Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 04 Dec 2022, 03:13


ኢንጂነር ኣስገዶም ፍልዩን ሓደ ካብ እቶም ኣዝዮም ዝበረኹ ኣኽራናት ባህሊ ኤርትራ እዩ ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ እነሆ ያታናን ታሪኽናን ተኸቲሉ ብኣውሎ ንጀጋኑና ይደርፈሎም ኣሎ። ብሓባር ንስመዓዮን ቃላቱ ድማ ነስተማቕሮ ። ጆባእኩም !!!



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 07 Dec 2022, 19:11

  • ብተሪርን ኣዝዩ ስምዒትካ ዝትንክፍን ቃላት ንስዋኣትና ክደርፈሎም እንከሎ ስነ-ጥበባዊ ኢድሪስ መሓመድ ዓሊ ጅግና ታሪኽ ሰሪሑ ከም ዝሓልፍ የዘኻኽረና ።

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: Good Morning Eritrea !!

Post by Abe Abraham » 11 Dec 2022, 03:42

ንዓባይ ባጽዕ ዝደረፈትላ ዋዕሮ ሽኮር ሄለን ጓል መለስ ሓብቲ ስዉእ ኣብ ዝኽሪ ስርሒት ወዲ ፈንቅል !!!!


Post Reply