Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

“እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 02 Nov 2020, 10:58

“እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ዚብል ንጹርን ጽፉፍን ትንታነ ዝኸዘነ ጽሑፍ ከነቛድሰኩም’ዶ?

“ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ፣ ነቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ዚፃረር ‘ካልእ ወንጌል’ እንተደኣ ሰቢኹልኩም ውጉዝ ይኹን። ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ሕጂ’ውን ዝኮነ ይኹን ሰብ፣ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ [ወንጌል] ዚፃረር፣ ‘ካልእ ወንጌል’ እንተደኣ ሰቢኹልኩም፣ ደጊመ ውጉዝ ይኹን እብል ኣሎኹ።” [ገላ. 1፡8-9]

“ሓደ’ኳ ነቲ ንሕና ዘይሰበኽናልኩም ‘ካልእ ኢየሱስ’ እንተሰበኸልኩም ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ ‘ካልእ መንፈስ’ እንተተቐበልኩም፣ ወይ ቅድሚ ሕጂ ዘይተቐበልኩምዎ ‘ካልእ ወንጌል’ እንተሰበኸልኩም ስቅ ኢልኩም ትዕገሥዎ፣ . . . . እዞም ሰባት እዚኣቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ክርስቶስ ሓዋርያት ከምዝኾኑ ንኸምስሉ ብምጥባር ዚዓይዩ ሓሰውቲ ሓዋርያት እዮም”። [2ቆሮ. 11፡4-5/13-14]

መቕድም

እዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ወገን እምነት ንዚትንክፍ ጕዳይ እተልዕል እያ። እቲ ኣብ ካልእ ወገናት ዓለም ሰፊሑ ዚበሃል “ካልእ ወንጌል” ኣብ’ዚ ኣብ መንጎና’ውን ከም ዝተቐላቐለ፣ ግሁድ ኣብነታት ኣሎ። ሰብ ብባህሪኡ ንዅሉ ነገር ካብ ኣምላኽ ኪጽበዮ ንቡር እዩ፣ ስለ’ዚ ከኣ እታ ሣምራዊት ሰበይቲ፣ ምስ ኢየሱስ ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ፣ “ካብ’ቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ . . . . ከቶ ኣይኪጸምእን’ዩ “[ዮሓ.4፡14] ምስ በላ፣ ናይ ነገር ጽምኢ ሕቶ ንወትሩ ኪፍተሓላ ብምድላይ፣ ዳግማይ’ውን ናብ’ቲ ዔላ ምእንቲ ከይትመጽእ፣ “እሞ ነቲ ማይ’ቲ እንዶ ሃበኒ”[ዮሓ 4፡15] እያ ዝበለቶ። ርዱእን ግቡእን ሕቶ ምበልናዮ። ስለ’ዚ ከኣ ሰሪሑ ብዙሕ ዘይኾነሉ፣ ጽዒሩ ዘይተመሰለሉ ኵሉ “እንተደኣ ኣሚንካ፡ ክትህብትም ኢኻ፣ ሕማም/ስእነት ዚብልዎ ኣይክትርእን ኢኻ” ዚብል፣ ብፍላይ እቲ ንሃብትን ንርኽበትን ብዚርኢ ዚቐርበሉ ኣዘራርባ፣ ኪምስጦ ባህርያዊ እዩ። ኵሉ ነገር ካብ ኣምላኽ ክንጽበ ጌጋ ኣይምኾነን፣ ከመይ ንሱ ፈጣሪ፣ ንሕና ከኣ ፍጡራቱ ኢና። ግና ሰስራሕና ኣሎና፣ እምነት ከኣ ዕላማኡ ድሕነትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን እዩ። ነዚ ኣዘናቢሉ ዜቕርብ፣ ብርግጽ እቲ “ካልእ ወንጌል” እዩ’ሞ፣ ኣመጻጽኣኡን መልክዑን ሓቢርና ክንርእዩ። ብፍላይ ኣብ’ዛ ብማኅበራዊ ግድላት ዝተሓመሰት ኣፍሪቃ ዚርከቡ፣ “ዳግም ተወሊድና” [born-again] ዚብሉ “ፓስተራት” [Pastors] ወይ “ነቢያት” ኢና ዚብሉ፣ ነቶም ሰዓብቶም እዝን ክንድዝን . . . ገንዘብ ደኣ ኣምጽኡ’ምበር እትደልይዎ ተኣምር ምግባርስ ነኣና ሕደጉልና . . . ዚብሉ ኣይወሓዱን፣ ምፍላጦም ጽቡቕ እዩ፣ ኣመጻጽኣ ሠይጣን ዘይፈልጥ ኣይመንኵስ ከም ዚበሃል፣ ኣመጻጽኣ ጌጋን ጊጉይን ከኣ ምፍላጡ የድሊ። ይብሉ ደራሲ እዛ መጽሓፍ ዚኾኑ ንነበብቶም ብርሃን እምነትን ፍልጠትን ዜስንቑ ካቶሊካዊ ኤርትራዊ መነኮስ።

ኣብ መውጽኢ ገጻት እዘን ዝስዕባ አርእስቲ ተዘርዚረን ኣለዋ።

መእተዊ
ሎሚ ዘሎ ኵነታት
ወንጌል ሃብትን ምቾትን ከመይ ዝበለ እዩ?
ብኸመይ ኣስፋሕፊሑ?
እዚ “ካልእ ወንጌል” “ሕልሚ ኣመሪካን”
“ካልእ ወንጌል” ዘማዕብል ጕጅለታት
ጥዕናን ኤኮኖምን ጣዕምን ምቾትን
ዘዓውተካን ዚጥዕመካን ምኽታል
ሊበራላዊ ፍልስፍናን “ካልእ ወንጌልን”
ወንጌል ድኅነት ምስቲ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ኣይራኸብን
ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ
ኡነተይና ሓጎስ ኣበይ ይርከብ
ሰነዳት ቤተክርስትያን “ተኣምኖት”ን መዝገበ ሃይማኖትን ኣብ ዚብላ ኣርእስትታት ሓሳባቶም ጠርኒፎም እዝኒ ንዘለዎ ዘበለ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ምህሮኦም ይዝርግሑ። ንሕና ድማ ነዞም ጓሶት ነፍሳትና ዝኾነ ኣቦታት እምነትና ጽን ኢልና ንሰምዖም ግዲ!
:mrgreen:

እቲ “ኻልእ ወንጌል” ሓደገይና ትርጓሜ ክርስትና ኣብ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ መእተዊ ኣብ ቀጻሊ ክፋል ክንካፈሎ’ና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 03 Nov 2020, 10:15

እቲ “ኻልእ ወንጌል” ሓደገይና ትርጓሜ ክርስትና

[ትርጓሜ = ትንታኔ (interpretation, explanation)
ትርጉም = ቃልን ምሥጢርን ዝሓለወ ቀጥታዊ ምግልባጥ (translation)]

መእተዊ

ክርስቶስ ናብ ዓለም ብሥጋ መጺኡ፣ ወንጌል መንግሥተ ሰማያት ሰቢኹ፣ ንሰማይ ድሕሪ ዓሪጉ፣ ወይ ናብ’ቲ ፍሉይ ግርማዊ ናብራኡ ድሕሪ ኣትዩ፣ እቲ ዝጀመሮ ስራሕ ብሥራተ ወንጌል፣ ብተኸተልቱ፣ በታ ባዕሉ ዝተኸላ ቤተክርስትያን ቀጺሉ። ብኸም’ዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕዝብታትን ኵለን ሃገራትን ክርስትና ሰፊሑ። ፈለማ ካብ ኣረማውያን ብርቱዕ ተቓውሞ ገጠሞ፣ ስደትን ውርደትን ኪጻወር ተገደደ፣ እዚ ብግዳም ዝመጽኦ ሓደጋ ብትብዓትን ብተኣማንነትን ሰጊርዎ ከብቅዕ፣ እቲ ንኽርስትና ኣዝዩ ሓደገይና ዝኾነ ግን፣ ብግዳም ካብ ጸላእቱ ዚመጽእ ሓደጋ ዘይኮነስ፣ እቲ ብውሽጡ ካብኡ ዚፍልፍል ዛሕልን ድኻምነትን ኮይኑ ተረኸበ [ሓደ ብሂል ኣሎ፣ እቲ ንኤውሮጳ ምሉእ ኣንቀጥቂጡ ዝነበረ ንጉሥ ናፖለዮን (ናይ ፈረንሳ) ተጻይ ቤተክርስትያን ካቶሊኽ ነይሩ ይበሃል፣ ሓደ እዋን ምስ ሓደ ካርዲናል ምስ ተራኸበ “ጽንሑ ንቤተክርስትያን እንተዘየጥፋእኵኣ ኣይኣነን’የ ክትርእዩኒ ኢኹም” የኣዪ በሎም። ንሶም ድማ ቤተክርስትያን ትጠፍእ እንተትከውንሲ በቶም ኣብ ውሽጣ ዘሎና ብናትና ድኻምነትና ምጠፍኣት በልዎ።]

እዚ እቲ በብግዜኡ ዝተቐላቐለ ፍልልያትን ምፍንጫላትን እንኪኸውን፣ መበቈሎ ድማ ዝተፈላለየ ኣተረጓጉማ መልእኽትን ትምህርትን ክርስቶስ እዩ። እዚ ዝዓይነቱ ፍሉይ ትርጓሜን፣ ስዒብዎ ዚመጽእ መደብ ሕይወትን፣ ድሮ ብጊዜ ሓዋርያት’ውን ተቐላቒሉስ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ደቂ ገላትያ “ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ፣ ነቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ዚፃረር “ካልእ ወንጌል” እንተደኣ ሰቢኹልኩም ውጉዝ ይኹን፤ ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ሕጂ’ውን ዝኾነ ይኹን ሰብ፣ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ዚፃረር “ካልእ ወንጌል” እንተደኣ ሰቢኹልኩም፣ ደጊመ ውጉዝ ይኹን” እብል ኣሎኹ። (ገላ. 1፡8-9) ቀጺሉ’ውን ቅዱስ ጳውሎስ “ኣኅዋተይ እቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፣ ካብ ሰብ ከምዘይኮነ ኣፍልጠኩም ኣሎኹ። ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ ዝገለጸለይ’ምበር፣ ካብ ሰብ ኣይተቐበልኵዎን፣ ወይ ብሰብ ኣይተመሃርኵዎን” (ገላ. 1:11-12) ይብል፤ ኣበሃህላ ቅዱስ ጳውሎስ ኣዝዩ ንጹር’ዩ። ጳውሎስ ዝሰበኾ ወንጌል “ድኅነት ብጸጋ ክርስቶስ ብምእማን” ዚብል እንኪኸውን፣ ካልኦት ግን “ሕጊ ሙሴን ኦሪትን ብምፍጻም” ዚብሉ ነይሮም። ምእንት’ዚ ጳውሎስ፡ ሽዑ ይረኣዮ ንዝነበረ ሓደገይና ኵነት ብዘይ ንሕሰያ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ነግፈረግ ኺቃወሞ ይርከብ። በቲ ዚሰብኮ ዘሎ ወንጌል ክርስቶስ፣ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ካብ ሚእቲ [200%] ርግጸይና እዩ፣ በቲ ኻልእ መዳይ ድማ፣ እቲ ዚቀላቐል ዝነበረ ስሑትን መስሓትን ትምህርቲ፣ መጠን ክንደይ ሓደገይና ምዃኑ በኣጋ ዝተረደኦ ይመስል።

ምእንት’ዚ ብመንጽር’ዚ ጊጉይ ትምህርትን ተኸተልቱን፣ ዝኾነ ይኹን ተጻዋርነትን ሸለልትነትን ከም ዘየዋጽእ ንጳውሎስ ንጹር እዩ። ነቲ ሓዋርያውን ስብከታውን ስራሓቱ ኺቕጽሉ ንዝተመዘዙ ክልተ ሰባት፣ ማለት ጢሞቴዎስን ቲቶን ዝተባህሉ መንእሰያት ከኣ ጳውሎስ ነዚ ዅሉ ሓደራ ይብሎም። ኣብ’ቲ ቅኑዕን ርቱዕን ወንጌል ንዝተመርኰሰ፣ ርቱዕ ትምህርቲ እምነት ከደልድሉ፣ ቅኑዕን ብቑዕን መደብ ሕይወት ኪኽተሉ፣ ብግብርን ሕይወትን፣ ብትምህርቲ እምነትን ከንጸብልሉን ኪበስሉን ይምዕዶም።[Orthodoxy in doctrine = ቅኑዕ ትምህርቲ እምነት ምኽታል፣ Orthopraxy in life practice = ቅኑዕ ግብራዊ ሕይወት ምዝውታር] ነዚ ኩሉ ንምርዳእ፡ እተን “ሓዋርያዊ መልእኽታት” ዝተሰምያ፡ ክልተ ናብ ጢሞቴዎስ፡ ሓንቲ ናብ ቲቶ ዝተጻሕፋ መልእኽትታ ጳውሎስ ምንባብ የድሊ።

ብዛዕባ ኣርእስት’ዚ ጽሑፍ፣ “እቲ ካልእ ወንጌል” ግን ቍሩብ መግለጺ ከድሊ እዩ። “ወንጌል” እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ልሙድ ኣዘራርባና ከይተረፈ እንጥቀመሉ ቃል ኮይኑ’ሎ። “ብዛዕባ . . . ደኣ ዘይተዕልለና?” ዚብል ሕቶ ዝቐረበሉ ሰብ፣ ብዛዕባ’ቲ ዚበሃል ዘሎ ነገር ዚፈልጦ ብዘይምንባሩ፣ ኪምልሽ ከሎ “ብዛዕባ’ዚ እትብሎ ወንጌል የብለይን” ይብል። “ወረ” ወይ “ዜና” የብለይን፡ ማለቱ’ዩ። ከምኡ እውን “ወንጌል” ወይ “ወንጀል” ፈጺሙ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ፡ ዚብል ኣዘራርባ ኣሎ። ገበን ፈጺሙ ማለት’ዩ። ኣብ ወንጌልን ኣብ ትምህርቱን መልእኽቱን ምእማን ከም ገበን ይቝጸረሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ዝለገቦ ትርጕም ኪኸውን ኣለዎ።

እቲ ሕጂ ነኣና ዚግድሰና ግን ካልእ እዩ። “ወንጌል” ኣብ’ዚ እውን ክልተ ትርጕም ዝሓዘ እዩ።

1)”ወንጌል” ዚብል ቃሉ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዚመጽእ ኮይኑ፣ መሠረቱ ከኣ “ኤዋንገልዩን” ዚብል ቃል እዩ። ጥዑም ዜና ሠናይ ወረ ብሓጺሩ “ብሥራት” ዝሓዘ መልእኽቲ ዚብል ትርጕም ኣለዎ፣ “ኤው” ጽቡቕ ማለት እንኪኸውን፣ “ኣንገሎን” ከኣ መልእኽቲ እዩ። ብሰፊሑ ኪረኣ ከሎ ኣምላኽ ዝሓሰቦን ዝገበሮን መደብ ድኅነት ደቂ ኣዳም ዚነግር ብሥራት የመልክት። ካብ’ቲ ኢየሱስ ዝሰበኾ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣትሒዝካ፣ ሓዋርያት “ኪዱ መሃሩ” ምስ ተባህሉ፣ ብኡ ብኡ ንዝፈጸምዎ ስብከቶም ትምህርቶም ምስክርነቶም ኵሉ ዚሓቝፍ እዩ።

2) ብኻልኣይ ደረጃ ድማ “ወንጌል” ማለት፣ ብዛዕባ ኢየሱስ ን ተግባራቱን ቃላቱን ንዚዛረብ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ፣ ማቴዎስ [28 ምዕራፍ]፣ ማርቆስ [16 ምዕ.]፣ ሉቃስ [24 ምዕ.]፣ ዮሓንስ 21 ምዕ.] የስምዕ። ስለ’ዚ እቲ ዝቐደመ ዝሰፍሐ ትርጕም እንኪህልዎ፡ ነዚ ዳሕራይ ዝጸበበ ምንጩን መበቈሉን እዩ።

ስለዚ ድማ “እቲ ካልእ ወንጌል” ዚብል፣ ካልእ ጽሑፍ ወንጌል ተረኺቡ ማለት ዘይኮነስ፣ ብመሠረት’ቲ ጳውሎስ [ገላ.1፡8-9] ዚዛረበሉ፣ ኣብ ስብከትን ጽሑፋትን ሓዋርያትን ተካእቶምን ንዝተመርኰሰ ኡነተይና ወንጌል ዚፃረር፣ ናብ መንገዲ መናፍቕነት ዚወስድ፣ ወንጌል ዘይኮነ ግና ብስም “ወንጌል” ዚስበኽን ዚንገርን እዩ።

"ሎሚ ዘሎ ኵነታት" ኣብ ቀጻሊ ክፋል ክንካፈሎ’ና!
:mrgreen:

Wedi
Member+
Posts: 7959
Joined: 29 Jan 2020, 21:44

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Wedi » 03 Nov 2020, 10:35

What makes the prosperity gospel a false gospel?

Five fundamental errors of prosperity gospel teaching:

1. The Abrahamic covenant is a means to material entitlement.

2. Jesus’s atonement extends to the “sin” of material poverty.

3. Christians give in order to gain material compensation from God.

4. Faith is a self-generated spiritual force that leads to prosperity.

5. Prayer is a tool to force God to grant prosperity.

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 05 Nov 2020, 07:49

ሎሚ ዘሎ ኵነታት

ሎሚ ኣባና ኮነ ኣብ ከባቢና ዚነፍስ ሓድሽ ንፋስ፣ ነቲ ኣቐዲምና ዜዘከርናዮ ዘመን ጳውሎስ ዜዘኻኽር ይመስል፣ ክርስቶስ ዘይሰበኾ፣ ጳውሎስ ኮነ ካልኦት ሓዋርያት ዘየስፍሕዎ፣ ናብ’ቶም ሰዓብቶም ኮነ ናባና ዘየመሓላለፍዎ፣ ናብ ወገን ምቾትን ጣዕምን ዝዓለመ፣ ዘብረቕርቕ ወይ ዘንጸባርቕ፣ ካልእ ክርስትና ወይ “ካልእ ወንጌል” ዚሰብኩ ወገናት ኣለዉ። “እንተ ኣሚንካ ክትህብትም ኢኻ”፣ “እንተ ኣሚንካ ብጥዕና ሥጋ ተሰኒኻ፣ ጽጋብ’ምበር ጥሜት ወይ ሕማም ዚብልዎ ከይረኣኻ . . . ክትነብር” ዚብሉ እዞም “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚሰብኩ ሓደስቲ ምንቅስቓሳት፣ “እንተ ኣሚንካ ክትድሕን ኢኻ” ንዚብል ቅኑዕን ብቑዕን ቃል/ሓሳብ ለዊጦም፣ “እንተ ኣሚንካ ክትህብትም፡ ክትጥዒ ኢኻ” ዚብል “ካልእ ወንጌል” ዚሰብኩ ንኽርስትናን ንወንጌልን ዓቢይ ድንገት እዮም።

ኢየሱስ ብተኣምር እንጌራ ኣብዚሑ፣ ነቶም ሕዝቢ ምስ መገቦም ብኡብኡ ከንግሥዎ ሓሰቡ (ዮሓ 6፡16 ረአ።) ከምኡ’ውን “ኪስቀል ኪዋረድን ኪመውትን ክትንሥእን” ዘለዎ መሢሕ ምዃኑ ምስ ገለጸሎም፣ ቅጽበታዊ ዝኾነ ምላሽ ጴጥሮስ፡ “ኣይፋልካን እዝስ ኔው! በሎ” ዚብል ነበረ። ቃል ኢየሱስ ግን፣ “ንስኻ ናይ ሰብ ኢኻ እትሓስብ” (ማር 8፡31-33 ረአ።) ዚብል እዩ። ዕላማ እምነትን ሃይማኖትን “ገንዘብ፡ ሃብቲ፡ ጥዕና፡ምቾት” እዩ ዚብሉ፣ ብተዘዋዋሪ ንመስቀል’ዮም ዝነጽጉ፣ መስቀል ዘይብሉ ክርስቶስ ከም ዘየልቦ፣ መስቀል ዘይብሉ ክርስትናን ወንጌልን’ውን የልቦን። ስለ’ዚ “ናይ ሰብ ኢኹም እትሓስቡ” ምባሎም የድሊ። ክርስትና ኣብ እግሪ-መስቀል ከምዝበቘለን ከም ዝዓንበበን ዘይፈልጡ ወይ ከአ እናፈለጡ በቲ ንግዜኡ ዚስሕብን ዚማርኽን ወገኑ ጥራሕ ንሰብ ኪጥብርዎ ዚደልዩ ወገናት እዮም።

ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ኣብ ወገን ላቲን ኣመሪካ ዝማዕበለ ናብ ካልእ ወገናት ዓለም’ውን ዝሰፈሐ፡ “ወንጌል ሓርነት” ዚበሃል ነይሩ።[Liberation Gospel ወይ ከኣ Liberation Theology፣ ኣብ ላቲን ወይ ደቡብ ኣመሪካ ገለ ምሁራን ዘተኣታተዉዎ ማርክሳዊ ጽልዋ ዘንጸባርቕ ኣተሓሳስባ እዩ። ብወገን ቤተክርስትያን እውን ብጊዜኡ ሓበሬታን ዜድሊ መኣረምታን ዝሃበትሉ እዩ።] “ንድኻታት ምብሣር፣ . . . ንግፉዓት ሓራ ምውጻእ” [ሉቃ.4፡18-19] ዚብል፣ “ንኃያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም፣ ንጥሙያት ብበረኸቱ ኣጽገቦም፣ ንሃብታማት ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም” [ሉቃ.2፡62-63] ንዚብል ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍን ክርስትናን፣ ብጊጉይ ርድኢትን ስምዒትን ተርጕሞም፣ ናብ ግብራዊ መዳይ ብምህላፍ፣ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪቃ ነጊሡ ዝነበረ፣ ሰብ ሃብትን ክእለትን ሥልጣናትን ተላፊኖም፡ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ንዚፍጽምዎ ምዝመዛን ጭቆናን ንምውጋድ ዘበጋገስዎ ሓሳብ እዩ።

ነቲ መልእኽቲ ወንጌል ፍሉይ ፖለቲካውን ማኅበረሰባውን ትርጕም ኪወሃቦ ንዝተፈተነሉ፣ ንኽርስትና ወይ ድማ ነቲ መልእኽቲ ወንጌል ናይ’ቲ ፍሉይ “መደባዊ ቃልሲ [Class Struggle] ዚብል “ማርክሳዊ” [Marxist/Communist]ሓሳብ፣ ናቱ ኣካል ወይ መሳርሒ ኪገብርዎ ናይ ዚደልዩ ወገናት ኣገባብ’ዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ፍልልይ፣ ብናይ ኃጢኣት ምሕረትን ሕድገትን ኣገባብ ዘይኮነስ፣ ብናይ ረጽምን ጐነጽን ብፖለቲካዊ ዓመጽን ኪፈትሕዎ ናይ ዝተበገሱ ወገናት ሕሊና ይገልጽ። ብርግጽ ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ፍትሒ ኪነግሥ፣ ርትዒ መሪሕ ቦታ ኪሕዝ ክርስትና ኣይጽዕርን ማለት ኣይኮነን። ናይ ቤተክርስትያን ማኅበረሰባዊ ትምህርቲ ግን በቲ ናይ እኒ ማርክስ ኣገባብ ኣይምራሕን። [Social Teaching of the Church ካብ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊት ቤተክርስትያንን ዝተጸምቈ እዩ። ኣብ በቦታኡ ከኣ መርበብ “Justice and Peace” ኣሎ።]

እዚ ሕጂ እንዛረበሉ ዘሎና ድማ፣ ነቲ ዝቐደመ ዝገለጽናዮ ተፃዩ እዩ። ወንጌል ከም መደብ ድኅነት ክንዲ ዚረአ፡ ብዝጸበበ መልክዑ ንድኻታት ጥራሕ፣ እሞ ኸኣ ብናይ’ዚ ምድር’ዚ ጕዳዮም ጥራሕ ዚግደስ ገቢርካ ምሕሳብ ማለት እዩ። ንዅሉ ወድሰብ ዝመጽእ “ጥዑም ዜና” ወይ ድማ ብሥራት ድኅነት ክንዲ ዚኸውን፣ ናይ ሓደ ጕዥለ ወገን መጋበሪ ኪኸውን፣ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንወንጌል ብማርክሳዊ ዓይኒ [Marxist] ንምጥማትን ምትርጓምን ይድርኽ። ስለ’ዚ ሃብትን ሃብታማትን ኪጠፋኡ ኣለዎም፡ ዚብል ወገንን፣ በቲ ካልእ መዳይ ድማ፣ ድላይ ኣምላኽ ስለዝኾነ፣ ሃብትን ምቾትን ንምርካብን ሃብታም ንምዃንን እምነትካ ጸሎትካ ወሳኒ እዩ . . . ዚብል ኮይኑ፣ እዚ ክልተጫፍ ዝሓዘ፣ ዝተጋነነን ዝተጋገየን መልክዕ እምነት፣ ብኸመይ ነቲ ወንጌል ክርስትና ከዘናብሎ ከም ዚኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ሓደ “ክርስትያን ዩኒቨርስቲ” ዚምህሩ ዶ/ር ኣንድሩ ደይቪድ ኦኖማ ዝተባህሉ፡ “ክርስትና በዞም ኣጠፋፊኦም ወይ ኣመሳሲሎም ገንዘብ ዚድልቡ ወገናት ዓቢይ መጥቃዕቲ ተፈኒዉሉ” ይብሉ። [Christianity is under assault from conmen” [Rev. Dr. andrew David Onoma, a scholar at the Bishop Tucker School of theology and Divinity, Uganda Christian University] ብናይ ኦኖማ ኣበሃህላ፣ ኣብ ኡጋንዳ ንዘሎ ማኅበራውን ኤኮኖምያውን ጸገማት መዝሚዞም፣ ገሊኣቶም “መንፈሳውያን መራሕቲ” ኢና ዚብሉ ወገናት፣ በቲ ዘሎ ሃለዋት ዝቘሰሉን ዝተሣቐዩን በታ ቝስሎም የኣትዉዎም ይብለጹሎም። እዞም መንፈሳውያን መራሕቲ ኢና ዚብሉ፡ ነቶም ዝደኸዩ ሃብቲ ከነምጽኣልኩም፣ ነቶም ብዘይሓዊ ሕማም ዚሣቐዩ ከነሕውየኩም ውላድ ንዘይብልኩም ውላድ ከነውህበኩም፣ ዘመርዕወኩም ዝሰኣንኩም ዚምርዖ/እትምርዖ ከነምጽኣልኩም፣ ስራሕ ዝሰኣንኩም ድማ ቦታ ስራሕ ክንረኽበልኩም . . . እናበሉ፣ በዚ ኾነ ነዚ ብዚመስል ጸገማቶም ይመጽእዎም። ነዚ ቃሎም ይፍጽምዎዶ ኣይፍጽምዎን? እቶም ዝረኣዩ ዝፈተኑ ዝቐበጹ ወሰኖም ኪሕዙ ከለዉ፣ ዘይፈተኑ ብሰሚዕ ዚወሃብ ፕሮፓጋንዳ ዝተመሰጡን፡ ብጸገማቶም ዝተጸቕጡን ሓደስቲ ኪመጽኡ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ንምፍላጥ፣ ዝወዓሉ ኣብኡ ዝጠሓሉ፣ ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት “ፓስተራት” ባዕሎም ዚህብዎ ምስክርነታት ዘገርም እዩ።

እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ? እንተበልካ፣ እቲ ናይ እዋኑ “ሕጊ ዕዳጋን ባህሉን” ዝዓብለለ ይመስል። ኣብ ሓደ ናይ “ሃይማኖት ዕዳጋ” [religious consumerism ሃይማኖታዊ ወይ መንፈሳዊ ሃልኪ ወይ ንግዲ’ዶ ክንብሎ?] ከምዝወረድካ እዩ፤ ማለት ባህ ዚብለካ ዓይነት መግቢ ከም እትኽሽን፣ ወይ ድማ ኣብ ቤትመግቢ ከይድካ እትእዝዝ፣ ወይ ከኣ ዕዳጋ ከይድካ ዜድልየካ ዓይነት ኣቕሓ እትገዝእ፣ ልክዕ ከማኡ ደስ ዝበለካ መደብ እምነት ወይ ሃይማኖት ሃሰስ ኢልካ እትረኽበሉ፣ ዚሰማምዓካ ድሌታትካን ባህግታትካን ዚመልኣልካ ንኽትረክብ ምጽዓር እዩ። ከምዚ ዝበለ ጠለብን ጥሙሕን ከም ዘሎ ዝተረድኡ፣ እቶም ዶ/ር ኦኖማ “ኮንመን” [conmen] ዝበልዎም ምስሉያትን መጠፋፋእትን ከኣ፣ ነቲ ዕድል ይጥቀሙሉ። ልክዕ ከም ጕዳይ ፍቕሪ እዩ። ሓደ መንእሰይ ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ከፍቅራ ከሎ፣ በቲ ካብኣ ዚረኽቦ ነኣኡ ደስ ዜብል ነገራትን ድሌታትን ተመሪሑ እንተ ደኣ ኾይኑ፣ መወዳእታኡስ ብስለት ዘይብሉ ምዃኑ እዩ ዜርኢ። እቲ መንእሰይ’ቲ ንርእሱ ናይ ኵሉ መምዘንን ማእከልን ዝገበረ ኣዩ። ኵሉ ካልእ ነኣኡ ዜገልግል እዩ፣ እታ ዜፍቅራ ሰብ እውን ነዚ ኣንነቱ ውልቃዊ ድሌቱ እተገልግል ጥራሕ እያ። እዚ ኸም’ዚ ዝበለ ሰብ፣ ኡነተይና ፍቕሪ ደኣ ኣበይን ከመይን’ዩ? እንተበለ፣ ሽዑ ነቲ ሓቀይና ፍቕሪ ኪረኽቦ እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ኡነተይና እምነትን ሃይማኖትን፣ እቲ ንርእስና ንጠለባትና እነቐድመሉ ኣይኮነን።

እቲ ሓደ ንሃብታማትን ንሃብትን ዚድግፍ፣ ከም በረኸት ቈጺሩ እውን፣ ሰብ ሃብትን ምድራዊ ትዕድልትን ኵሎም ብኣምላኽ ከም ዝተባረኹን ከም ዝተሸለሙን፣ ምእንት’ዚ እዚ ዅሉ ምዕራባዊ ዓለም ሃብቱን ምቾቱን ስራሕ ኣምላኽ’ዩ ንምባል ድሕር ዘይበሃለሉ፣ ነቲ ዅሉ ዚፍጽምዎ በደልን ግፍዕን ኣምላኽ ዘይርእየሉ፣ ብተጻዩ ከምዚባርኾም ምስኦም ከምዘሎ ዚሕሰበሉ ማለት እዩ። ብርግጽ ከም እኒ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝበሉ ዓው ኢሎም ዚደርፍዎ’ምበር፣ ግምትና ወይ ገምጋምና ጥራሕ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ብወገን ኣመሪካ ዘለዉ ናይ’ዚ “ወንጌል’ዚ” ተጣበቕቲ ዚዝርግሕዎ ምዃኑ ኣየገርምን። እቲ ካልእ ኣረኣእያ ድማ በቲ ሓደ ወገን ጫፍ ዚርከብ እዩ።

እቲ ሓቂ ደኣ ኣበይ እዩ ዘሎ? ኪበሃል ይከኣል፣ ኣብ’ቲ ቅኑዕን ሥሩዕን ኣናብባ ቃል-ኣምላኽ፣ ክርስትና ካብ ጥንቲ ሒዝዎ ኣብ ዝጸንሐ ናይ ወንጌል መልክዕን መሥርዕን፣ ኣብ’ቲ ትምህርቱን መልእኽቱን ቀጥ ምባል እዩ። እዚ ዅሉ ደኣ እንታይ እዩ? እንተተባህለ፣ ንሃይማኖት ወይ ድማ ንኽርስትና መሳርሒ ፖለቲካዊን ኤኮኖምያውን ዕላማ ንምግባር ዝተበገሰ ጥራሕ እዩ። ኵሉ ዘብረቕርቕ ዘበለ ወርቂ ከም ዘይኮነ፣ ኵሉ ጐይታ! ጐይታ! ዚብል እውን ወገን ጐይታ ከም ዘይኮነ፣ ተመክሮና ኾነ ቃል ኣምላኽ ዚነግረናን ዚምህረናን ጕዳይ እዩ። ብስም እምነት ዚቐርብ ክንደይ ካብ እምነት ዜርሕቕ ከምዘሎ ንምርዳእ ከኣ ክንድ’ቲ በሊሕ ምዃን ኣየድልን።

ብወገን ቤተክርስትያን ኮነ፣ ኣብ’ዚ መላእ ትውፊት ክርስትና ዘሎ ርድኢት፣ ሃብቲ ብርእሱ ክፉእ ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ መጋበሪ ሠናይ ኪኸውን ዚኽእል፣ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ዚውዕል እዩ። ልቦም ኣብ ሃብት’ዚ ዓለም’ዚ ንዘየውደቑ፣ ምስኡ ንዘይጣበቑ፣ እዚ ዚበሃል ዘሎ ሃብቲ ንድህነቶም ኣየሰናኽልን እዩ። ሃብታማት’ውን እንተኾኑ ከም ሰቦም ኪድሕኑ ዘለዎም ደኣ’ምበር፣ ብኣምላኽ ዝተፈንፈኑ ኣይኮኑን፣ ብኣምላኽ ዝተፈቕሩ፣ ክርስቶስ ወልደ እግዚኣብሔር ደሙ ዘፍሰሰሎም እዮም። ብመንጽር ናይ ሃብቲ ስእነትን ርኽበትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኾነ ዓይነት ሌላን ጕሌላን የልቦን። ኣብ ልዕሊ ዅሎም ፀሓዩ ዜብርህ፣ ዝናሙ ዜፍስስ ኣምላክ’ምበር’ ኣምላኽ ሌላን ጕሌላን ኣይኮነን። ብድኽነቱ ተማሪሩ ካብ ኣምላኽ ዚርሕቕ ኣሎ፣ በዛ ድኽነቱ ምኽንያት ከኣ ዓርኪ ኣምላኽ ዚኸውን ኣሎ፣ በቲ ዝረኸቦ ሃብትን በረከትን ገቢሩ ሠናይ ብምግባር ወገን ኣምላኽ ዚኸውን ኣሎ፣ ኣብ ሃብቱን ክእለቱን ተመኪሑ ካብ ኣምላኽ ዚርሕቕ ከኣ ኣሎ። ስለ’ዚ በተሓሕዛኡን ኣገባቡን፣ ንሃብቲ ብኸመይ ይቐርቦ? ንኣምላኽከ ብኸመይ ይራኸቦ? ደኣ’ምበር፣ ኣብኡ ከሎ ብድብድቡ ብስም ሃብትን ድኽነትን ዚፍረድ የልቦን።

'ወንጌል ሃብትን ምቾትን' ከመይ ዝበለ እዩ?” ኣብ ቀጻሊ ክፋል ክንካፈሎ’ና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 09 Nov 2020, 05:18

"ወንጌል ሃብትን ምቾትን" ከመይ ዝበለ እዩ?

ስለ’ዚ እዚ ንድኻታት ጥራሕ ተጠሚቱ፣ ንሃብታም ግን ኵነኔን ፍርድን ዚምነ፡ ናብ ማርክሳዊ ወገን ዝዘንበለ፣ ንኽርስትና ፖሊቲካዊ መልክዕን መሥርዕን ዜልብስ ሓደ ወገን እንኪኸውን፣ ሎሚ ኸኣ ኣብ እዞም ሓደስቲ ‘ፐንተኮስታል’ ዚበሃሉ ወገናት ክርስትና ዚስበኽ ዘሎ፤ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” [“theology of Prosperity” [Teologia della Prosperita.. Il Pericolo di un “Vangelo diverso”.. La Civilta’ Cattolica 2018 III 105-118 4034 (21 Lig/ 4 Ago 2018] “Prosperity Gospel”] ኪበሃል ዚከኣል እዩ። ናይ’ዚ ትምህርቲ ኣንጕዕ ወይ ሕመረት እንታይ እዩ? እንተ ተባህለ፣ እቶም ኣመንቲ ብግዙፍ ምድራዊ ውልቃዊ ሃብቲ ዝተባረኹ፣ በቲ ምድራዊ ጥዕናን ምቾትን ዝተመረቑ፣ ብሓፈሻ ብምድራዊ ውልቃዊ ጣዕምን ሓጐስን ዝሓንቀቑ፣ ካብ ዝኾነ ሥቓይ ወይ ሕማም ወይ ድኽነት ዝተላቐቑ ኪኾኑ ናይ ኣምላኽ ድሌት’ዩ፣ ካብ ዚብል ርድኢት ዚብገስ ትምህርቲ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝዓይነቱ መልክዕ ክርስትና እምበኣር፣ ዕላማ ጸሎት፣ ናይ’ቲ ዚጽሊ ምእመን ምቾትን ጊዜያዊ ጣዕምን ምውሓስን ምርግጋጽን እንኪ ኸውን፣ ኣምላኽ ድማ በብዝሓተትካዮ ዅሉ ዝጐደለካ ዚምልእን ዜቕርብን፣ ድሌታትን ጠለባትን ሰባት ንምፍጻም ናብ’ዝን ናብ’ትን ዚጓየ ተለኣኣኺ እዩ።

ብሓጺሩ ናይ እምነትን ሃይማኖትን፣ ናይ ግልጸትን መለኮታዊ ትምህርትን ዋና ዓንዲ-ማእከል፣ እቲ ናይ ኣምላኽ ኵለንትናዊ መደብ ድኅነት ዘይኮነስ፣ እዚ ምድራዊ ናብራ ሰብ’ዩ፣ ስለ’ዚ ሰብን መደብ-ሰብን ዝማእከሉ ኣገባብ’ዩ። ናይ ሰብ ጊዜያዊ/ ምድራዊ ንብረቱን ምቾቱን፣ እዚ’ዩ ናይ ምእማን ዕላማ፣ ኣምላኽ ከኣ ከኣልኵሉ ይኹን እምበር፣ ክእለቱን ኃልዮቱን ንናይሰባት ምቾትን ጥዑም ንብረትን ዜጠሓጥሕ ጥራሕ እዩ፣ ቤተክርስትያን’ውን እንተኾነት፣ ዝደለኻዮ ንጣዕሚ ሕይወትካ ዜድልን ዜገልግልን ነገራት ዘበለ እትረኽበላን እትመርጸላን፣ ከም ሓደ ኵሉ ዘማልእ ዕዳጋ ወይ “ሱፐር ማርከት” እያ። እምነት ኮነ ሃይማኖት ብዓቢኡ፣ ነዚ ምድራዊ ኵነትናን ግድነትናን ገለ ከይጐድሎ ዚምልእ፣ ኣብ ረብሓዊ ጥቕሚ ዜውዕል ደኣ እምበር፡ ክንየዉ ዚኸይድ ካልእ ዕላማ ዘይብሉ ኮይኑ ኪሕሰብ ግዲ እዩ።

ቀጺልና ክንዝርዝሮ፣ ኣጸቢቕና’ውን ክንምርምሮ ከምዘሎና፣ እዚ ብዛዕባ ሃብትን ምቾትን ጣዕምን ዚርኢ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ፣ ካብ’ቲ “ሕልሚ ኣመሪካ” [American dream ኣብ ኣመሪካ ዚጭበጥ ሕልሚ ወይ ባህጊ፣ በቶም ዚስደዱ።] ዚብል ዚብገስ፣ ወይ በኣኡ ዝተጸልወ እዩ። እዚ ሕልም’ዝን ኵሉ ኣረኣእያኡን ዘበገሶ ኣተሓሳስባ፣ ህልምኻን ባህግኻን፣ ኵሉ ትምኒታትካን እትጭብጠላ[Land of open opportunities ደረት ዘይብሉ ዕድላትካ እትፍትነላ እትረኽበላ . . .]፣ “ማእለያ ዘይብሉ ዕድላት እተሓፍሰላ መሬት” ዚብል ራእይ የለዓዕል። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብመንጽር ታሪኽ እንኪረኣ፣ እቲ “ሓዲስ ክፍለ-ዓለም” ዝተባህለ [ኣመሪካ] ህላዌኡ ምስተፈልጠ፣ እቶም ኣብ’ቲ ዝኣረገ ምዕራብ ኤውሮጳ ዝነበሩ፣ ኣብ መበቈል ዓዶም ዘይረኸብዎ ዘይረኣይዎ ዕድል፣ ዘይጨበጥዎ ሕልሚ ዚጭብጡሉ ዓለም ሃሰስ ኪብሉ ተረኸቡ፣ ስለ’ዚ ድማ ናይ ምድራዊ-ሃብትን ትዕድልትን ደረት ዘይብሉ ባህጎም ኬርውዩ ዝተመነዩ ኵሎም፣ ነቲ “ኣረጊት ዓለም” ጠንጢኖም ናብ ወገን ኣመሪካ ኪውሕዙ ተራእዩ። ሰሪሖም ኪረኽብዎ ዝነበሮም እልፊ ሃብትን ትዕድልትን፣ ኣብ’ቲ ዝቐደመ ኣረጊት ዓለም [ኤውሮጳ] ዘይምረኸብዎ እዩ።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሕልምን ባህግን እምበኣር፣ ኣብ ብዙኃት ጽልዋኡ ኣሕዲሩ ኪበሃል ይከኣል። እዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚብል ሓሳብን መደብን’ውን፣ ነዚ ሕልሚ ኣመሪካን ባህግን መንፈሳዊ ወይ ሃይማኖታዊ መልክዕ ወይ መሥርዕ ንምሃብ ዚፍትን ወይ ናቱ ነጸብራቕ ኪበሃል ምተኻኣለ። ሃብትን ምቾትን፣ ሥጋዊ ጥዕናን ዝመልኦ፣ ሥቓይ ዘይብሉ ህይወት፣ ከም ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ምልክትን ትእምርትን ተራእዩ፣ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ነዚ ንምርካብ፣ ነዚ ዅሉ ብእምነት ምጭባጥ፣ ዚብል ከም ዕላማ ይተሓዝ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን፡ ሓዲስ ኪዳን ንዘሎ ትምህርትን ግልጸትን ሓዲግካ፣ ድኽነትን ሥቓይን ከም መርገም ከም መቕጻዕቲ ምርኣይ፣ በኣኡ ሓንቲ’ኳ ቍምነገር ከም ዘይርከብ የተሓሳስብ። እዚ ኸኣ ተፃይ ወንጌልን ተፃይ’ቲ ብመስቀልን ብድኽነትን ገቢሩ ዓለም ዘድሓነ፣ ተፃይ ክርስቶስ ብቐንዱ ምዃን፣ ብዓቢኡ ከኣ ነቲ ኣብዚ ምድር’ዚ ዚንበር ሕይወትን ንብረት ንወድሰብ ብቕኑዕን ግቡእን ኣገባብ ዘይምርኣይ እዩ።

ብናይ ኢየሱስ ሞትን ሥቓይን ትንሣኤን ዝተረኸበ ድኅነት፣ ካብ’ቲ ግዙፍን ግዜያውን ድኽነት ዘገላግል ምዃኑ የኣምኑ፣ ነቲ ኣብ ኦሪት ዘዳግም 28-30 ዘሎ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ገላ.3፡13-14 ዘሎ፣ “እቲ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን”፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፣ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን፣ ካብ ሕጊ መርገም ኣድሓነና፣ እዚ ኸኣ እቲ በረኸት ኣብርሃም ብኽርስቶስ ኢየሱስ፡ ኣብ ኣሕዛብ ምእንቲ ኪወርድ ንሕና ኸኣ ብእምነት ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽንቅበል እዩ።” ነዚ ኣንቢቦም ቃል ብቓሉ ተገንዚቦም፣ “ሓደ ሰብ ሓቀይና ክርስትያን እንተደኣ ኮይኑ፣ ንሱ ብምንም ዓይነት ድኻ ኪኸውን፣ ኪሓምም ኪጽገም ኣይግበኦን ኣይክእልን’ውን” ክሳብ ምባል ይበጽሑን ይምክሑን።

ስለ’ዚ ብናቶም ኣረኣእያ፣ ድኻ ምዃን ማለት ምስ ምኅጣእ፣ እምነትካ ምስ ምጕዳል ዚመጽእ’ዩ። እዚ “ካልእ ወንጌል” ዘማዕበሎ ገለ ኣተሓሳስባ ንምጥቃስ፦ ሰባት ዝበለጸ መግቢ ኪበልዑ፣ ኣብ ዝበለጸ ኪድቅሱ፣ ዝተመርጸ ክዳን ኪለብሱ፣ ዝበለጸ ዝተመርጻ መካይን ኪዝውሩ፣ ዝመቸወ ሕይወት ኪነብሩ፣ ካንኵሉ ነገር እቲ ዘዝበለጸ ኪሕዙ ድላይ ኣምላክን መደቡን እዩ። ሓደ ክርስትያን ኪህብትም ዚኽእል “ኣምነቱ ብምግላጽ”፣ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ዚቐርብ ዕሽር ኣቐዲሙ ገለ ብምሃብ፣ ደኣ’ምበር ናይ ዝሰራሕካ፣ ደም ክሳብ ትተፍእ ናይ ዝጸዓርካ ኣይኮነን። ኢየሱስ ብሞቱን ብትንሣኤኡን ገቢሩ ካብ ሞትን ኃጢኣትን ኣውራ ድማ ካብ ድኽነትን ካብ ናይዚ ዓለምዚ ስእነትን ገላጊሉና እዩ . . . ዚብል ይርከቦ።

ሃብትን ጣዕምን ምቾትን ዚመጽእ ብእምነት ወይ ከእ ብእምነትን ብለጋስ ውህበትን ከምዝኾነ ንኸመልክቱ ወይ ንኺምጕቱ ዚጥቀሙሉ ጥቕስታት ቅዱስ መጽሓፍ ከም ኣብነት ክንርኢ፦

“ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይኾነሉ እዩ? ንስኻትኩም ግና ሰረቕኩምኒ፣ ተመሊስኩም ከኣ ብምንታይ’ሞ ኢና ዝሰረቕናካ? ትብሉ ኣሎኹም፣ ዕሽርን መባእን ብዘይምኽፋልኩም ኢኹም ዝሰረቕኩምኒ፣ ኣብ ልዕሌኹም መርገም ወሪዱ ኣሎ፣ ኣብ ቤትመቕደሰይ ምግቢ ንኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ኵሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይተከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም በዚ ተዓዘቡኒ፣ ኣነ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪበ ኣሎኹ፣ ሓሰኻ ንፍረ ምድርኹም ከየጥፍእ ክገንሖ እየ፣ ተኽሊ ወይንኹም ኣብ ግራት ኣይከቘልዕን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪበ ኣሎኹ። ምድርኹም ምድሪ ሓጐስ ክትከውን እያ’ሞ ኵሎም ኣሕዛብ “ብፁዓን” ኪብሉኹም እዮም፣ [ሚልክ.3:8-11]

እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ዅሉ ከምዝተቐበልኩሞ እመኑ እሞ፣ ኪኾነልኩም እዩ እብለኩም ኣሎኹ። [ማር.11፡24]

በሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌል ኢሉ፣ ቤት ወይ ኣኅዋት ወይ ኣኃት ወይ ኣደ ወይ ኣቦ [ወይ ሰበይቲ] ወይ ውሉድ ወይ ግራሁ ዝሓደገ፣ ሕጂ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ምስ ስደት ቤት ኣኅዋት ኣኃት ኣደ ውሉድ ግራሁ ሚእቲ ካዕበት ዘይኽፍል፣ ኣብ ዚመጽእ ዓለም ከኣ ሕይወት ዘለዓለም ዘይቕበል ሓደ’ኳ የልቦን። [ማር.10፡30]

ኣብ መዳይ ጥዕና’ውን እንተኾነ እዚ “ካልእ ወንጌል” ፍሉይ ዝኾነ ኣተኵሮ ኣለዎ። ኢየሱስ ንዅሉ ሰብ ካብ ኵሉ ዓይነት ህማማት ከም ዘድሓነ ይምህር። ነዚ ዚሕግዝ ተባሂሉ ኢሳ.53፡4-5 ይጥቀስ።

በሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፣ ንሥቓይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፣ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ቈጸርናዮ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳና ተኸትከተ፣ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ። ንሕና’ውን ብስንብራቱ ሓወና። [ኢሳ. 53፡4-5]

ብናቶም ሓሳብን ግምት’ምበኣር ዝኾነ ይኹን ክርስትያን ኪሓምም ኣይግበኦን። ኪሓምም እንተተረኽበ ግና ብናቱ ጌጋ ጥራሕ እዩ። ስለዝሓጥኣ ወይ እምነቱ ስለ ዝዛሕተለ ኪኸውን ይኽእል። መብዛሕትኦም እዞም ኣብ ኣፍሪቃ ነሕዊ ኢና እናበሉ ዚዛረቡ፣ ዚምህርዎ ትምህርቲ እዚ’ዩ። ምእንት’ዚ ንጕዳይ ጥዕና ምስ ምእማንን ዘይምእማንን ምትእስሳር፣ ከምኡ’ውን ዝኾነ ሕማም ዚሓዊ ዚጥዒ ፍሉይ ብዝኾነ ስራሕ ኣምላኽ ማለት ተኣምር ጥራሕ’ዩ ይብሉ። ንመደብ ሕክምና ግምት ኣይህቡን።

በዚ ኸኣ ነቲ ዅሉ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገማት ናቶም ትንታኔ ይህቡሉ። ነቲ ብሰንኪ ዋሕዲ ክንክን ጥዕና፣ ብዋሕዲ ጽሩይ ማይ፣ ብዋሕዲ ሥሩዕ ኣመጋግባ፣ ብስእነት ትምህርትን ናይ ስራሕ ጸገማትን . . . በዝን ብኻልእን ዝመጽእ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ሣልሳይ ዓለም ዘሎ ኵሉ ጸገማት ምስ እምነት የተሓሕዝዎ፣ ዜሕውዮ ባዕሉ እግዚኣብሔር በቲ ፍሉይ ተኣምሩ ኣቢሉ እዩ። ኢየሱስ ነዚ ከም’ዚ ዝበለ መደብ ምሕዋይ እናፈጸመ ከሎ፣ እቲ ካብ ግዙፍ ሕማም ምሕዋይ ብርእሱ ብቑዕ ዘይኮነስ፣ ወይ ኣብኡ ጥራሕ ደው ዚብል ዘይኮነ፣ ናይ’ቲ ዝሰፈሐን ዝዓመቘን መንግሥቲ ኣምላኽ ምልክትን ትእምርትን ኢዩ ነይሩ።

ነዚ ናይ “ካልእ ወንጌል” ኣተሓሳስባ ንምዝርጋሕን ነዚ ዕላማ’ዚ ንምጭባጥን ዝተፈላለየ መደባትን ኣገባባትን የንቀሳቕሱ። እዚ ኸም’ዚ ዝበለ ኣተሓሳስባን መደብን ቀልጢፉ ኪዝርጋሕን ኪሰፍሕን ዝተረኸበ ድማ፣ በቲ መጠን ሰፊህን ሓያልን ዝኾነ “ሚድያ” ማለት ናይ ኤለትሮኒክ መራኸብ ብዙኃን[ ኢንተርኔት ቴለቪዥን፡ ኢ-መይል . . .] እዩ። በዞም ኣብ ሚድያ ቐሪቦም፣ ዚብድሆም ዘይብሎም ብድፍረትን ብዘይገለ ሕፍረትን ዚሰብኩ ወገናት እዩ ዚዝርጋህ።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣተሓሳስባን ጽልዋኡን ካበይ ተበጊሱ? በየን ተንቀሳቒሱ? ኣበይከ በጺሑ ኣሎ? ዚብል ሕቶታት’ምበኣር ኣብ’ዚ ዚስዕብ ገጻት ክንርኢ ክንፍትን ኢና። ኣብ መወዳኣታ እዚ ዅሉ፡ ጳውሎስ “ካልእ ወንጌል” ካብ ዚብሎ ዘይፍለ ኮይኑ፣ ከም ኣበሃህላ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ፣ “ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ዚዕፍኖ”[Cfr.D.W.Jones – R.Woodbridge, Health, Wealth and Happines: Has the Prosperity Gospel Overshadowed the Gospel of Christ?, Grand Rapids (MI), Kergel 2010] ምዃኑ ርኢና፣ እቲ ናይ ኢኮኖምን ፖሊትካን ሓይሊ ዝወነነ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም፣ ብፍላይ ከኣ ኣመሪካ ብኸመይ ነዚ “መደብ ሃይማኖት” መጋበሪኡ ኪገብሮ ከም ዝተበገሰ ገምጊምና ክንዛዝሞ ከሎና፣ ብዛዕባ ሃብቲ ኮነ ብዛዕባ ሕማም ኪህልወና ዚግበኦ፣ ነቲ ቕኑዕን ብቑዕን ትምህርቲ ብመጠኑ ከነቕርብ ኢና።

"'ወንጌል ሃብትን ምቾትን' ብኸመይ ኣስፋሕፊሑ?" ኣብ ቀጻሊ ክፋል ክንካፈሎ’ና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 18 Nov 2020, 02:57

“ወንጌል ሃብትን ምቾት” ብኸመይ ኣስፋሕፊሑ?

እዚ ኸምዚ ዝበለ ናይ “ወንጌል ሃብትን ምቾት” ሓሳብ (Prosperity Gospel) መበቈሉ ኣብ ኣመሪካ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ብፍላይ ከም በዓል ናይጀሪያ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ .... ዝበላ ሃገራት ብመጠኑ ሰፊሑ ይርከብ። ነኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ [ኣብ ኤርትራ እውን እንተኾነ ፡ ኣብ’ዚ ዝመደበሩ መራኸብ ብዙኃን፣ ብፍላይ ከኣ መደብ ተሌቭዥን ኣየሃልዎም’ምበር፡ እዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዝመንፈሱን ዝዕላምዑን ምንቅስቃስ ከም’ዘሎ፣ ኣብ’ቲ ብ1999-2000 ዓ.ም.ፈ. ፕሮፌሰር ኣበበ ክፍለኢየሱስ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ተነጺሩ ኣሎ። ብርግጽ እቲ መጽናዕቲ ዘተኵረሉ፣ እቶም ዚጥቀሱ ወገናት ንርእሶም ብኸመይ ከምዚርእዩ፣ ንኻልኦት እውን ብኸመይ ከም ዚፈርዱ ዜመልክት እዩ። [Cfr ABBEBE KIFLEYESUS, Cosmologies in Collision: Pentecostal Conversion and Christian Cults in Asmara, in African Studies Review volume 49, Number 1 (April 2000) pp. 75-92]] ብመንጽር ጥዕና ዝመጽእ ብዙሕ’ዩ ዚበሃል። ነሕዊ ኣሎና እናተባህለ ዚግበር፣ ናይ “ቢዝነስ” ዲዩ ወይስ ገንዘብ ናይ ምእካብ ብዙሕ ነገር ከምዘሎ ይስማዕ። ክንሓዊ ኢና ብዚብል፣ ካብ’ዚ ካብ ሃገርናው’ውን ከይተረፉ ናብኡ ዚውሕዙ ኣይወሓዱን። ዚሕተትዎ መጠን ገንዘብ፣ ብመጠን’ቲ ባህጎም’ዩ። ሓውዮምዶ ኣይሓወዩን? ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ምርምርን ዝርዝርን ዜድልዮ ነጥቢ እዩ።

እቲ ምሕዋይ ወይ ተኣምር ካብ ኣምላኽ ክትደልዮ ሓንቲ ጌጋ የብሉን፣ ክትልምኖ’ሞ ኣምላኽ ከኣ ፍቓዱ እንተደኣ ኮይኑ፣ በ’ቲ ጸገምካ ሰሚዑ ከርህወልካ ጽቡቕ ምኾነ። ግና ከኣ ክርስትና ማለት “ተኣምር” ጥራህ ማለት ከም ዘይኮነ ርዱእ ኪኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ መደቡ ኣለዎ፣ ተኣምር ከርእየና እንተ ዘይደለየ፣ ብሥቓይናን ሽግርናን ንኣምላኽ ክብሪ ክንህብን ክንምስክርን እንተ ደለየ፣ እቲ ዝሓተትናዮ ብግዲ ኪፍጽመልና ክንጽበ የብልናን። ተኣምር እንተ ኾይኑ፣ ብኡብኡ ብድድ ወይ ክይድ ኢልካ፣ ካብ ዕዳጋ እትረኽቦ’ሞ ገንዘብካ ጫሕ ኣቢልካ ክንድ ዝደለኻዮ እትገዝኦ ነገር ኣይኮነን። (ኣብ 1976-77 ኣብ ኣሥመራ ካተድራለ፣ ብዛዕባ ሶሺያሊዝም ኣስተምህሮ ዝሃቡ፣ ኣባ ብሪየ ዝተባህሉ ካብ ማዳጋስካር ዝመጽኡ ፈረንሳዊ ወዲ ማኅበር ላዛሪስት፣ ብዛዕባ ተኣምራት “I mircoli non corrono nelle strade” ይብሉ፣ ተኣምራት ኣብ ጽርግያታት ኰለል ኪብል ዚውዕል ነገር ኣይኮነን ይብሉ። ንቡር ልሙድ ኣይኮነን፣ ፍሉይ ስራሕ ኣምላክ’ዩ ንምባል’ዮም። [ደራሲ’ዚ ጽሑፍ ተመሃራይ ፍልስፍና ኮይኑ ኣብቲ ኣስተምህሮ ተሳቲፉ ነበረ] ኣብ ገለ ካቶሊካዊ ምንቅስቓሳት’ውን እዚ ናብ ተኣምር ጥራሕ ዘድሃበ ዝተጋነነ መንፈስን ዝንባሌን ኣሎ። ከም ሓቁ ግን “ንኣምላኽ ብዅሉ ልብኻ ኣፍቅር፣ ንብጻይካ ከኣ ከም ርእስኻ ኣፍቅር” ንዚብል ዚፍጽም ወይ ንኺፍጽም ዚጽዕር፣ ዓቢይ ተኣምር ፈጺሙ ወይ ተፈጺሙሉ ኪበሃል ይከኣል። ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ከም ተኣምር ዚቝጸር “ህያባት” ምስ ተዛረበ፣ ከም ተወሳኺ ብምግማት፣ “ነታ ዝዓበየት ህያብ ተቐዳደሙ” እናበለ፣ ናብ ፍቕሪ ገጹ የመልክተሎም። [1ቆሮ. 12፡31 ረኣ]] ስለ’ዚ ጽልይ! ኣቢልካ ብኡብኡ ዚርከብ፣ እንተዘይተረኽበ ኸኣ፣ ግድን ክረኽቦ ኣሎኒ ኢልካ እትነኽሰሉ ጕዳይ ኣይኮነን።

ኣብ ከተማ ካምፓላ (ኡጋንዳ) ዚርከብ (Miracle Center Cathedra) “መንበረ-ተአምር” ዝተሰምየ ብመልክዕ ስታድዩም ተሓኒጹ ናብ ኣዳራሽ ዝተለወጠ፣ ንምህናጹ ሾብዓተ ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ሕንጻ ኣሎ። ዋናኡ ወይ ኣንቀሳቓሲኡ ፓስተር ሮበርት ከያንያ ዝተባህለ እንኪኸውን፣ እዚ ሰብ’ዚ ኣብ መራኸብ ብዙኃት (ሚድያ) ሰራውሩ ወይ መሓውሩ ነዊሕን ብዙሕን ዝዘርገሐ ዓቢይ መርበብ ኣለዎ ይበሃል፣ እዚ ዅሉ ካበይ መጺኡ እንተበልካ፣ ካብ’ቶም “ተኣምር” ኪግበረሎም ገንዘብ ዚኸፍሉ ወይ ዚምውሉ እዩ። እቶም ዋናታት ነቲ መርበብ፣ ንመሳርሒታቶም መማዕበልን ንፕሮፓጋንዳ መደልደልን ይጥቀሙሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ዝጠቐስናዮም ዶክተር ኣኖማ ከምዚብልዎ፣ እዞም ኣዝዩ ረቂቕ ዝኾነ ክእለትን ናይ ምስሓብ ብልኃትን ዘለዎም “ፓስተራት”፣ ነቶም ምእመናን ፍርሓትን ራዕድን ዜእትወሎም፣ [ገሊኣቶም ኣጽዋር ዝተዓጥቁ ሓለውቲ ዘለዉዎም እዮም] ወይ ድማ ሓሳዊ ተስፋ ዜሕድረሎምን ሓሳዊ ቃል-ተስፋን መብጽዓን፣ ዜለዓዕል ግሩም ዝኾነ ቓላትን ብሂላትን ኣብ ስብከቶም ወትሩ የዘውትሩ። ስለ’ዚ ከኣ ነቶም ፓስተራት ኮነ ነታ ቤተክርስትያን ኣብዚሖም ኣኻዕቢቶም እንተ ደኣ ሂቦም፣ ዚጽበይዎ ረብሓ ክንድኡን ካብኡን ንላዕሊ ምዃኑ ይገልጹሎም።

ከም ትዕዝብቲ ዶክተር ኣኖማ፣ መብዝሕታኦም ኣባላት’ዘን “ኣብያተ ክርስትያን” ትሕቲ መጠን ድኻታት እንኪኾኑ፣ እቶም ናቶም “ፓስተራት” ግን፣ ኣብ’ቲ ሃብታማት ዚቕመጡሉ ወገን ዚነብሩ፣ ዝበለጻን ዝተመርጻን መካይን ዚዝውሩ፣ ኣሎ ኣብ ዚበሃል ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ሰባት ደቃቶም ዚሰዱሉ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ደቃቶም ኣብኡ ዚምህሩ እዮም። ኣብ’ቲ ዝሰልጠነ ወገን ከተማታት ንብረትን፣ ገፋሕቲ ዘመናዊ ሕርሻታትን፣ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን እውን ሃብትን ናይ ባንክ ሕሳባትን ወነንቲ እያቶም።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ መደባት፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚካየድ እንኪኸውን፣ ብሚልዮናት ዚቝጸር ገንዘብን ሓይሊ መራኸብ-ብዙሓንን ብዘለዎም ሃብታማት “ፓስተራት”/ሰበኽቲ ይፍጸም። መንይፈልጥ ካብ’ዚኣቶም ገለ ዓይነት ውዳበ እውን ኪህልዎም እዩ። ስለ’ዚ ሓያል ዝኾነ ጽልዋ የሕድሩ። ሰባት ብሃብቲ ዝመጽኣ ደረት ኣልቦ ሃብቲ ከኻዕብቱ፣ ብጥዕና ሥጋ ዝመጽኣ ኸኣ ገለ’ኳ ዘይተውጽኣሉ ጥዕና ኪውንኑ፣ ብዅሉ ሕጉሳት ኪኾኑ ድላይ ኣምላኽ እዩ . . . . በሃልቲ እዮም። ጊዜያዊ እውን ይኹን፣ እቲ ሠናይ፡ እቲ ጽቡቕ ብኣምላኽ ከምዚድለ ምሕሳብ ኣይምኸፍኣን፣ ኣምላኽ ነቲ ቐንዲ ጕዳይ ድኅነትን ኃጢኣትን ሸለል ኢሉ፣ ናብ’ዚ ጥራሕ እንተደኣ ኣተኵሩ ግን ንሰብ ዚውጽዕ ደኣ’ምበር ዜድምዕ ኣይምኾነን።

ንሰብሲ በዚ ጊዜያዊ ጸገማቱ ግድላቱን ኣቢልካ ብምእታው ትጥብሮ ኣሎኻ ማለት ኣዩ። ፈትዩ ጸሊኡ ናይ’ዚ ዓለም’ዚ ጥዕናን ሃብትን ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ እዩ ዚተርፍ። ስለ’ዚ በኣኡ ጥራሕ ዚግደስ መደብ ኣምላኽ፣ ንሰብ ዜርብሕ ኣይምኾነን።

ኣብ እስያ’ውን ዘይነዓቕ ስፍሓት ከም ዘለዎ’ዩ ዚንገር፣ ብፍላይ ኣብ ዓዲ ህንድን ደቡብ ኮርያን፣ እዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ደሓን ባይታ ዝረኸበ ይመስል። ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዝተበጋገሰ (1980-1990) ፓል ዩንግ ቾ ብዝተባህለ ውልቀሰብ ዝተተኽለ፣ ርእሱ ዝኸኣለ ምንቅስቓስ ኣሎ። እዚ ሰብ’ዚ ዘማዕበሎ ፍሉይ ኣተሓሳስባ ነይርዎ። እቶም ኣመንቲ ኣብ ዘማዕብልዎ ርድኢት ዝተመሥረተ እዩ፣ በቲ ዚህልዎም ራእያትን ሕልምታትን ባህግታትን ገቢሮም፣ ንዅሉ ነገራት ኺቄጻጸሩ ኪመልኩ ከም ዚኽእሉ ዜምልክት እዩ። [“Theology of the Fourth Dimension” ማለት “እቲ ራብዓይ መዳይ” ወይ “ወገን”፣ ነቲ ብፍሉይን ኣብ ፍሉይን ኵነት ዘጋጥም ሃለዋት ዜመልክት እዩ። እዚ “ራብዓይ መዳይ” ዚብል ብሂል፣ ቅድም ናይ ሕሳብ [mathematics] ሊቃውንቲ ዘማዕበልዎ፣ ነቲ ስፍሒ ንውሒ ቍመት ዚብል ከም ሓሳባዊ ራብዓይ ወገኑ፡ ገቢሮም ገመትዎ። ደሓር ብ1921 ዓ.ፈ. ኣልበርት ኣይንሽታይን ነቲ ዝተጠቕሰ ሠለስቲኡ ከም ራብዓይ ን”ግዜ” ጸብጸቦ። ሎሚ ድማ ዚበዝሑ ጸሓፍቲ “ራብዓይ መዳይ” ወይ Fourth Dimension ኪብሉ ከለዉ፣ ነቲ ክንየው ልሙድን ንቡርን ተመክሮ-ሕይወት ዝኾነን ዘጋጥምን ወገን ሕይወት የመልክቱ።] በዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ምድራዊ ሃብቲ ዕድል ኪበጽሑን ኪጭብጡን ከም ዚኽእሉ ይምህር። [Paul Young Cho ፖል ዩንግ ቾ ካብ’ቲ ናይ ቤተክርስትያኑ ሕሳብ መጠን 15 ሚልዮን ኤውሮ ወሲዱ፣ ነቲ ኣብ ሸርፊ ዕዳጋ ዘጋጠመ ናይ ስድራኡ ክሳራ ሸፊኑሉ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ሰብ እዩ።] ኣብ ኣንነትን ውልቃዊ መደባትን ዝተመርኰሰ ደኣ’ምበር፣ ዝኾነ ናይ ወንጌል ድኅነት ክርስትያናዊ መልእኽትን ሓሳባትን የብሉን።

ኣብ ሕዝባዊት ቻይና’ውን እንተኾነ፣ ገለ መሠረት ነይሩ እዩ። “ማኅበራት ክርስትና ወንዡ” ዚበሃል፡ ኣብ ክፍለሃገር ዛዢያንግ ኣብ እትርከብ ምብራቓዊት ወደብ ወንዡ ዝማዕበለ ምንቅስቓስ ነይሩ። እዛ ኸተማ’ዚኣ እትፍለጠሉ ሓደ ነገር ኣሎ፣ ኣብ ሓያሎይ ሕንጻታታ ሥእሊ ዓበይቲ ቀያሕቲ መሳቕል ይረኣ። መበቈል’ዚ ተግባር’ዚ ድማ እዘን “ማኅበራት ክርስትና ወንዡ” ዝተባህላ እየን። ነዘን መኃብር’ዚኣተን ዘቖሙ ገለ ሓያሎ ሃብታማት’ታ ኸተማ እንኪ ኾኑ፣ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ምስ ዚሰብኽ ናይ ምዕራብ ምንቕስቓሳት ዝተኣሳሰሩ ምንባሮም ይፍለጥ። [Cfr K.ATTANASI – A. YONG, Constructing China’s Jerusalem: Christians , Power and place in Contemp. Wenzhou, Stanford , Stanford University Pres, 2011. Cfr.T.MEYNRAD – M. CHAMBON, “Vie per I’aggiornamento della Chiesa Cattolica Cinese”, in Civ. Catt.2018 (pages 271-280), Cfr.P.Wu, “Reasons why prosperity Theology floods China”(2016.11.03)]

እዚ ዝንባሌ’ዚ ኣብ ላቲን (ደቡብ) ኣመሪካ ኪቀላቐል ዝተራእየ ካብ 1980 ንደሓር እዩ። ኣብ 1940-50 ኣቢሉ’ኳ ገለ ምልክታት ተራእዩ እንተነበረ፣ ህላዌኡ ዝተገልጸን ኣጸቢቑ ዘረጋገጸን ግን ድሕሪ 40-50 ዓመት ኣቢሉ እዩ። እዚ ናይ ደቡብ ኣመሪካ ብዓበይቲ ናይ ቴሌቪዥን መስመራት እዩ ዚዝርጋሕ፣ ናይ ምዝራብ ክእለትን፣ ኣተናታቶምን ጸገማቶምን ኣጽኒዕካ ንሰባት ናይ ምስሓብን ምምራኽን ብልኃት ዘለዎም ገለ ሰበኽቲ፣ ብዚበዝሕ ብሙዚቃን ካልእ ትርኢትን ብዝተሰነየ ኣገባብ የቃልሕዎ፣ ምስኡ እውን ሓቅነቱን ኵውንነቱን ብዘይተረጋገጸ ናይ ገለ ሰባት ምስክርነትን፣ ብመንጽር ቅዱስ መጽሓፍ ዘዘውትርዎ ሠረትነትን ጊዜያዊ ረብሓታትን ዝኣንፈቱ ትርጓሜን ኣናብባን ቅዱስ መጽሓፍ የዘውትሩ። [(Foundamentalist and Pragmatist). Foundamentalist;- እዚ ትርጓሜ ቅዱስ መጽሓፍ ኣዝዩ ድሩትን ነቲ ቃል-ኣምላኽ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራሕ’ምበር፣ ንምልኣትን ዕምቈትን ቃል-ኣምላኽ ከርኢ ዘይኽእል እዩ። ብናይ’ዚ ኣተረጓጕማ እቲ ናይ ክርስትና መሠረታዊ እምነት ዚግለጸሉ ኵሉ “ቃል ንቓሉ” ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተዘየልዩ ኣይቕበልን” ዝዓይነቱ ኣተረጓጕማ እዩ። Pragmatist ዚብል ከኣ ንዅሉ ከከም ዚጥዕመካ ከም ዚሕሸካን ገቢርካ ምትርጓም ማለት እዩ።]

ናይ ማእከላይ ኣመሪካ ማለት ወገን ጓቴማላ ኮስታሪካ ኵነታት ከኣ ፍልይ ዝበለ ኣዩ። እዘን ክልተ ሃገራት ቀንዲ ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ዕርዲ ወይ ናይ’ቲ ኸባቢ ምውፋር ኪበሃላ ይከኣል። ኣብ ጓቴማላ ሓደ ካርሎስ ኤንሪኮ ሉና ኣራንጎ ዝተባህለ፣ ብልሙድ “ካሽ ሉና”[Cash Luna] ዚጽዋዕ ዕሉል ሰባኺ ኣሎ።[እዚ “ካሽ ሉና” ዚብል መጸውዒ ንርእሱ፣ በቲ ኣገባብ ስብከቶም ምስ ዚኣከብዎ “ካሽ ገንዘብ” ዝተኣሳሰረ ይመስል።] ኮስታሪካ ድማ TBN Enlace ዝተሰምየአት ሳተላይት ቴለቪዥን ተኺላ ትፍኑ።

ንመላእ ደቡብ ኣመሪካ ክትርኢ ከሎኻ፣ ኣብ ቺለ ኮሎምብቢያ ኣርጀንቲና
ዘሎ ስፍሓት ዘገርም እዩ። ናብ ብራዚል እሞ ኸኣ ካልእ እዩ፣ ፍሉይ ኣተኵሮ የሓትት ይብሉ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምንቅስቓስ፣ ኣብ ብራዚል ብፍሉይ ምስ’ቲ ሕዝብን ከባብን ተመሳሲሉ “Universal Church of God’s Kingdom” ኵላዊት ቤተክርስትያን መንግሥቲ ኣምላኽ” ዝተባህለት ጕጅለ ኣቝሞም ይርከቡ። እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ኣብ ብራዚል፣ “ሥቓይ የኣክል” ብዚብል ስም’ውን ይፍለጥ እዩ። ኣብ መላእ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ጨናፍር ኣለዎ። ነተን ቋንቋ ፖርቱጋልን ስጳንያን ዚጥቀማ ሃገራት ከምዚሰማማዕ ኮይኑ ብጥንቃቐ ዝተሰናደወ መደባት ኣለወን። ምእንት’ዚ ነዛ “ቤተክርስትያን መንግሥቲ-ኣምላኽ”[ብራዚል] ዝተባህለት ዚወሃብ መልእኽቲ ሃብትን ምቾትን እንኪዝርጋሕ፣ እቶም ናብ’ቲ ማእከላት ዚውሕዙ ሰባት፣ ፍሉይ ትዕድልትን ምድራዊ በረኸትን ንኪረኽቡ ቢሎም ይመጽኡ። ኣብ ኵሉ ወገናት ከም ዚረአ’ምበኣር፣ እዚ “ኻልእ ወንጌል” በቲ ሰፊሕን ኃያልን መጋበሪ መራኸብ ብዙኃን [Mass Media] ዝተደገፈ ኮይኑ፣ ኣብ ፖለቲካ’ውን ፍሉይ ጽልዋ ኣለዎ ይበሃል።

እዚ “ካልእ ወንጌል” ምስ “ሕልሚ ኣመሪካ”፡ ብኸመይ ይራኸብ? ኣብ ቀጻሊ ክፋል ክንካፈሎ’ና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 02 Dec 2020, 05:06

እዚ “ካልእ ወንጌል” ምስ “ሕልሚ ኣመሪካ”፡ ብኸመይ ይራኸብ?

ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ወይ ምንቅስቓስ’ዚ መበቈሉ ክንፍትሽ ከሎና፣ ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ [USA] ኢና እንመጽእ። መብዝሕትኦም በዚ ጉዳይ’ዚ ምርምር ዘካየዱ ከም ዚሰማምዑሉ እቲ ቐንዲ መበቈሉ ኤሰክ ዊልያም ኬንዩን (Esek William Kenyon 1867-1948) ዝተባህለ ወዲ ኒዮርክ “ፓስተር” እዩ። እዚ ሰብ’ዚ ከም ዚምህሮ፣ እምነት ሓያል እዩ፣ በዚ ሓይሊ እምነት ድማ፣ ሰባት ነቲ ግዙፍ ሃለዋቶምን ንብረቶምን ንኺልውጥዎ ዓቕሚ ኣለዎም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናበይ እዩ ከብጽሕ? እንተበልካ ድማ፣ እምነት ሃይማኖት ምድራዊ ሃብቲ ናብ ምውናን የብጽሕ፣ ጥዕናን ምቾትን የጨብጥ፣ ብኣንጻሩ ድማ፣ እምነት ዘይምህላው ናብ ድኽነትን፡ ሕማምን ስእነትን ናብ ዘይሕጉስ ንብረትን እዩ ዚወስድ . . . ዚብል ትምህርቲ የንጸባርቕ፣ ነዚ ከኣ ብልዑል ክእለትን ብልኃትን ይዝርግሕዎ።

ሃብታማት ኮይኖም ግና ዘየኣምኑ ሰባት የለዉን ማለት ዲዩ? ከምኡ እንተደኣ ኮይኑኸ ሃብቶም ብዘይ እምነት ብኸመይ መጺኡ ክንብል ኢና? ድኻታት ኮይኖም እኳ ደኣ በቲ ድኽነቶም ምኽንያት፣ ናብ ኣምላኽ ሕልፊ ዝቐረቡ ፈተውቱ ዝኾኑን፣ በዚ’ውን ዝተቐደሱን ዝተወደሱን የለዉን ማለት ዲዩ? ስለ’ዚ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ኣበሃህላ መሠረት-ኣልቦ እዩ።

ናይ’ዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” መበቈል እምበኣር፣ ብሰፊሑ ክትርእዮ ከሎኻ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ዝተጠናነገን’ኳ እንተ ኾነ፣ ኣብ’ዚ ግን ናብ’ቲ ቀንዲ መሠረት ጥራሕ ኢና ከነተኵር። ትምህርተ ስነመለኮት ዘጽነዐት፣ ብዙሕ ዝተመራመረት ከይት ዎርድ (Kate Ward) ዝተባህለት ደራሲት፣ ኣብ ሓደ ናይ ካቶሊካዊ ኮለጅ “ሂትሮፕ” መጽሔት፣ ብዛዕባ’ቲ ውሩይ እንግሊዛዊ ኢኮኖሚስት ኣዳም ስሚዝ (Adam Smith) ብፍላይ ድማ “ ንሞራላዊ ስምዒታት” ብዚርኢ ዝገበሮ ምርምር ተገዲሳ ጸሓፈት። [K.WARD., “Mere Poverity Exites Little Compassion”: Adam Smith, Moral Jugdement and the Poor. In The Hythrop Journal(March 2015), Cfr.K.WARD, “Porters to Heaven Wealth, the Poor, and Moral Agency in Augustine”, in Journal of Religious Ethics (April 2014), ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ደራሲት ከይት ዎርድ ኣብ ጊዜ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ከይተረፈ እዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚብል ሓሳብ ዝነበረ ምዃኑ፣ ኣጎስጢኖስ ድማ ከም ዝተቓወሞ ተመልክት] ብናይ ዎርድ ርድኢት እምበኣር ስሚዝ ከምዚብሎ፣ ምድንጋጽን ፍቕርን ነቶም ድኻታት ዘይኮነስ፣ ነቶም ዝተዓወቱን ዝሃብተሙን ጥራሕ ይግባእ። ናይ ኣዳም ስሚዝ ፍልስፍና ኣብ ሥርዓት ኤኮኖሚ ዘተኰረ እዩ፣ ብፍላይ ንሱ ዚስመየሉ እቲ ናጻ ዕዳጋ ዝተባህለ፣ ነቲ ደረት-አልቦ ሥርዓት ካፒታሊዝምን ኵሉ መዘዙን መሠረት ዝኾነ ትምህርቲ እዩ።

እዚ ዅሉ ኣተሓሳስባን ዝንባሌን ዘለዓዓሎን ዘነሃሃሮን፣ እቲ መግለጺ “ኣመሪካዊ ቅዲ ሕይወት” ዚበሃል “ኣተሓሳስባ” (Positive thinking) ዚብልዎ፣ ካብ’ቲ ናይ ፖል ዩንግ ቾ ብዙሕ ዘይፍለ እዩ። ንሓደ ነገር ክገብሮ እየ፣ እኽሎ’የ ዚብል ስምዒትን ርድኢትን ምጥራይ ማለት እዩ። እዚ ብወገኑ ምስ’ቲ ናይ ኣለክሲስ ደ-ቶክቪል ትምህርቲ ዚዛመድ ምዃኑ ይረኣየካ። ቶክቪል ኣብ’ቲ ናይ 1831 “ዴሞክራሲ ኣብ ኣመሪካ (Democracy in america) ዚብል መጽሓፉ ዜቕርቦ ሓሳብ ኣሎ፣ “ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ይኹን ቅዲ ዴሞክራሲ ዚኽተል ሕዝቢ፣ ኣብ ከም’ዚ ናይ ኣመሪካ ዝበለት ኵነትን ሃለዋትን ዝበጽሐ የልቦን”፣ ናይ ትምክሕትን ጃህራን ቃላት እዩ። ብናይ ቶክቪል ኣተሓሳስባ “እዚ ቅዲ ሕይወት”፣ ነቲ ናይ ኣመሪካውያን እምነትን ሃይማኖትን እውን ከይጸለዎ ኣይተርፍን።

ሰበሥልጣን ኣመሪካ ነዚ ሓሳብን ኣበሃህላን’ዚ፣ ብግልጺ ብመንፈስ ትዕቢት ዝተነየቱሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። ብ20 ጥሪ 2018 ዓ.ፈ. ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንመንነት ኣመሪካ ንምግላጽ ዝተጠቐሙሉ ቓላት’ውን ነይሩ፣ ብሓባር ኮይንና ነቲ ኣመሪካዊ ቅዲ ሕይወት ከም በሓዲሽ ክንርድኦን ክንግንዘቦን ኣሎና ይብሉ። [ C.fr. “Why Evangelicals love Donald Trump. The secret lies in the prosperity Gospel”, in The Economist, 18 may 2017. “Experts Discuss Role of “Prosperity Gospel” in Trump’s success”. In The Harvard Crimson. 24 Oct 2017. P.FEUERHERD, “Does the ‘Prosperity Gospel’ Explain Trump?” in Jstor Daily 1st May 2017.]

ኣብ ኣመሪካ ናይ’ቲ ኣመሪካዊ ሕይወት ዓንድ-ማእከል ዚበሃል፣ መንግሥትን ናይ ሥልጣን መሣርዓትን ዘይኮነስ፣ እቲ እምነትን ስድራቤታዊ ሕይወትን እዩ። እቲ ዕላማኦም “ኣብ ኣምላኽ ንተኣማመን” (In God we trust) ዚብል’ዩ።[ ኣብ ኣምላኽ ንተኣማመን” (In God we trust) ዚብል ጭርሖ ካብ 1864 ኣትሒዙ ኣብ ገንዘብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተኅቲሙ ዚረአ እዩ። ብ1956 ከኣ ብዝለዓለ ኣዋጅ ተሰንዩ፣ ናይ ኮንግረስ ባይቶ ኣመሪካ ድንጋገ ኮነ። እቶም ቀዳሞት ንኣመሪካ ዝገዓዙ ቀንዲ ዝደረኾም ሃይማኖታዊ ምኽንያት ብምንባሩ፣ ነዚ ከም ጭርሖን ዕላማን ምሓዞም ኣየገርምን። ብገርሂ ክትርእዮ ከሎኻ፣ ጕዳይ እምነትን ሃይማኖትን ጥራሕ ይመስል፣ ብካልእ መዳዩ ግን ነቲ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግሥትን፣ ሃይማኖትን ፖለቲካን፣ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ዕላማን ቍምነገርን ኤኮኖምያዊ ኣነባባርን ንዘሎ ርክብን ኵነትን ዘመልክት እዩ።] ምእንት’ዚ ነቲ ርድኢትና ፓሊሲና፣ ንዘለዉን ዝነበሩን ወተሃደራትና፡ ከም ጀጋኑና ነኽብሮም፣ ናትና ደገፍን ፍቕርን’ውን ኣይፍለዮምን” ይብል። ኣብ’ዘን ቍሩባት ቃላት ዝተደባለቐን ዝተንጸባረቐን ሓያል ሓሳባት ኣሎ፣ ኣምላኽ፡ ሰራዊት፡ ኣመሪካዊ ሕልምን ባህግን . . . ዚብል ኵሉ ተቐላቒሉ ኣሎ። [ኣብ ወርሒ የካቲት 2018 ኣብ’ቲ ልሙድ National Prayer Breakfast ዝተባህለ መደብ “ዋይት ሃስዋ” ፕረዚደንት ትራምፕ ንሃገሮም ምስ’ቲ ናይ ናጽነትን ትብዓትን ናይ ጽንዓትን ጅግንነትን ኣመሪካዊ ሕልሚ ኣተሓሒዞም እንኪገልጽዋ፣ ኣመሪካ “ንዅሎም ሕዝብታትን ሃገራትን ብርሃን እያ” ይብልዋ። “ኣዕይንትና ንጸጋ ኣምላኽ ከምዝኸፈትና መጠን፣ ልባትና’ውን ንፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝኸፈትና መጠን፣ ኣመሪካ ናይ’ቶም ሓራ ዝኾኑ ሰባት ቦታ፣ ናይ’ቶም ተባዓት ቤት፣ ንሕዝብታት ከኣ ብርሃን ኮይና ምቕጻላ ዘይተርፍ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ካብ ናይ ኢሳይያስ ነቢይ ትንቢት ዝተወስደ እዩ። ሕዝቢ እሥራኤል ንዚህልዎ መሢሓዊ እጃም ኣመልኪቱ ኢሳይያስ ዚብሎ፣ “ምድሓነይ ክሳብ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኪበጽሕ፣ ብርሃን ኣሕዛብ ክገብረካ እየ”[ኢሳ.49:6]። እዚ ናይ ትራምፕ ኣበሃህላ ሓያል ድፍረትን መንፈስ ትዕቢትን ዝለበሰ እዩ። እቲ ኣመሪካዊ ትዕቢት American arrogance ዝተባህለ እዩ፣ ዋጋ ትዕቢት ፍሉጥ እዩ።] እቲ መደብ ሃይማኖትን እምነትን መጋበሪ ፖለቲካ ኮይኑ ማለት’ዩ፣ ስለ’ዚ ንሃይማኖት ዜኽብር ወይ ዜፍቅር ዘይኮነስ፣ መጋበሪኡ ገይሩ ካብ’ቲ ዕላማኡ ኣውጺኡ፣ ኣብ ዘይመዓላኡ ንኸውዕሎ ጥራሕ እዩ።

እዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ሎሚ እቲ ንሃይማኖት ኣዝዩ ሓደገይና ዝኾነ ነገር እዩ። መልክዕን መሥርዕን እናለዋወጥካ፣ ሃይማኖት መጋበሪ ኢኮኖምን ፖለቲካን ዚኾነሉ፣ ኣብ ናይ ውልቂ ዐላማኻን መደባትካን ከተውዕሎ ምፍታን፣ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ እዩ፣ ሓዲሽ ነገር’ውን ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ ሕጂ ኣብ ወገን ኣመሪካ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ምንቅስቓስ ኪበጽሖ ዝደለየ፣ ብዅሉ መዳያት ኣብ ዓለም ንዝረኸቦ ጸብለልትነት ብመልክዕ ሃይማኖት እውን ኪቕጽሎ ምድላዩ የርኢ። ኣብ ካልእ ወገናት ዓለም’ውን ንሃይማኖት መጋበሪ ዚጥቀሙ የለዉን ማለት ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ ናታቶምስ ብግልጺ እዩ፣ እዚ ሓዲሽ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ግን ተረቂቑ ዝመጽአ ኣገባብ እዩ። እቲ ኣዝዩ ሰራምን ሓደገይናን ከኣ እዩ።

' “ካልእ ወንጌል” ዜማዕብል “ጕጅለታት” [Sects] ' ኣብ ቀጻሊ ክፋል ክንካፈሎ’ና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 15 Dec 2020, 03:47

“ካልእ ወንጌል” ዜማዕብል “ጕጅለታት” [Sects]

ብፍላይ ኣብ ወገን ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ዘሎ ተርእዮ ክትዕዘብ ከሎኻ፣ ሓደ ነገር ይንጸረልካ። እዘን ኣብያተክርስትያን ኢና ዚብላ እንተ ኣስተውዓልካለን፣ ብውልቀሰባት ዝተወነና እየን፣ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ስም ኢየሱስ እናተጠቐሙ፡ ሃብቲ ዚእክቡ፣ ዝና ዚረኽቡ፣ ኣብ ሰባት ጽልዋ ዜሕድሩ እዮም።

“ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ቢልና ንዘጠመቕናዮ ኣተሓሳስባ፣ መሠረታዊ ድርኺትን ኃይልን ዚህቦ፣ “እቲ ምንቅስቓስ እምነት (Movement of Faith) ዝተባህለ እዩ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ቀንዲ ኣበጋሲኡን ኣንቀሳቓሲኡን እቲ ባዕሉ ንባዕሉ “ነቢይ” ኪብል ዚጽውዕ ኬነት ሃጊን (Kenneth Hagin 1917-2003) ዝተባህለ ፓስተር እዩ። ካብ’ቲ ቀንዲ ባሕርያት ሃጊን ኪበሃል ዚከኣል፣ ተደጋጊሙ ዚመጽእ ንገሊኡ ፍሉጥ ጠቕስታት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ፍሉይ ዝኾነ ትርጓሜ ኪህቦ ይርከብ።

“ብልቡ ከይተጠራጠረ፣ እቲ ዚልምኖ ዘሎ ከም ዚፍጸም ዚኣምን ዘበለ ኵሉ፣ ነዚ እምባ’ዚ ካብ’ዚ ተነቒልካ ናብ’ቲ ባሕሪ ተወርወር እንተ በሎ፣ እዚ ከም ዚኾነሉ በሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ስለ’ዚ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኵሉ ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ ኪኾነልኩም እዩ እብለኩም ኣሎኹ”፣ (ማር.11፡23-24) እዘን ክልተ ፍቕዲ እምበኣር፣ ከም ሓሳብ ኬነት ሃጊን ነቲ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዝተሰምየ መሠረትን ዚስከምኦ ኣዕኑድን እየን። ብናይ ሃጊን ኣተሓሳስባ፣ ተኣምራዊት እምነት ናብ ግብሪ ክትልወጥን ክትሰጋገርን እንተኾይና፣ ዝኾነ ዓይነት ጥርጥር ዘየንጸላለዋ፡ ዘይቀረባ ኽትከውን ኣለዋ። ብፍላይ ድማ ብመንጽር’ቲ ዘይከኣል ዚመስል ነገራት፣ ዝኾነ ዓይነት ጥርጥር ኪህሉ የብሉን። ድሮ ከይተፈጸመ ከሎ፣ እቲ ተኣምር ከምዝተፈጸመ ምእዋጅ የድሊ፣ ከም’ቲ ዝሓሰብካዮን ዝገመትካዮን ከም ዚፍጸም ምእማን ይግባእ። ካልእ ሃጊን ኣጸቢቑ ዚጸቕጠሉ እውን ኣሎ፣ እቲ እትብህጎ እትጽበዮ ዘሎኻ ተኣምር፣ ድሮ ከም ዝኾነን ከም ዝተፈጸመን ክትሓስቦ ኣሎካ። ነቲ ኣብ መጻኢ ኪኸውን እተሓስቦ ፍጻሜ፣ ከም ህሉፍ ገቢርካ ክትሓስቦ ካብ መጻእስ ናብ’ቲ ዝሓለፈ ንድሕሪት መሊስካ ኣግዒዝካ ክትሓስቦ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ዚኸውን ካብ ኣምላኽ እውን ኣይኮነን፣ ካባኻ ካብ ኣተሓሳስባኻ እዩ። “ከም ዚኸውን ሓሲብኻዮ ይኸውን’ዩ” ይበሃል ኣሎ፣ እዚ ዅሉ ሰብ ደእ ሰኣን ከም’ዚ እዩ? ካብ ኵሉ ዚተርፍ?

ብወገን ኤሰክ ዊልያም ኬንዮን (1867-1948) ይኹን፣ ከምኡ ብወገን ኬነት ሃጊን (1917-2003) ከም ዝተረደኦም፣ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ንምስራጽን ንምዝርጋሕን ቀንዲ መጋበሪ መራኸቢ ብዙኃን እዩ። እዚ ቀንዲ መጋበሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኪእመን ብዘይከኣል ቅልጣፈ ንኺዝርጋሕ ዜኽእሎ እዩ። ምኽንያቱ እቲ “ሓፋሽ” ወይ “ብዙኃን” ዚበሃል ዚመራመር ዚሓትት ዚትንትን ኣይኮነን። ኣባኡ ኸሎ ዚቕበልን ዘቃልህን እዩ። እቲ ቐዳማይ ማለት ዊልያም ኬንዩን ዝተጠቕመሉ ኣገባብ እቲ ባዕሉ ዜቕርቦ [(“show”) ማለት Kenyon’s church of the air ዚበሃል] ብቴሌቭዥን ዚዝርጋሕ መደባት እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ Faith seminar of the air ዝተባህለ ኵሉ ዚከታተሎ ፕሮግራማት ቴሌቪዥን ብምዝርጋሕ እዩ።

ዳሕረዎት “ኤሌክትሮኒክ ሰበኽቲ” ዚበሃሉ ድማ፣ ነዚ ናይ ዊልያም ኬንዮን ኮነ ናይ ኬነት ሃጊን ትምህርትን ኣገባባት ምዝርጋሕን ዚኽተሉ ነይሮም እዮም። ቀዳማይ ዚጥቀስ ኬነት ኮፕላንድ እዩ። እዚ ባዕሉ ኬነት ሃጊን ወራሲየይ ቢሉ “ዝቐብኦ” ባዕሉ ዝሸሞ እዩ። ኬነት ኮፕላንድ ዝጀመሮ “ናይ ኣመንቲ ድምጺ ዓወት” (Beleivers’ Voice of Victory) ብዚብል ዚዝርጋሕ ፕሮግራም ቴሌቪዥን ምሂዙ፣ በዚ ኸኣ ነቲ ትምህርቲ ኣያታቱ ብዚግባእ ናብ ብዙኃት ከብጽሕ ከኣለ።

ኖርማን ቪንሰንት ፒል (Norman Vincent Peale 1898-1993) ዝተባህለ’ውን ነይሩ፣ እዚ ሰብ’ዚ ኣብ’ታ ናይ ኒው-ዮርክ “ማርብል ኮለጄት ቤተክርስትያን” [Marble Colleggiate Church] ዝተባህለት ዜገልግል ዝነበረ ፓስተር እዩ። ኖርማን ቪንሰንት ፒል በቲ ስሙይን ምርኡይን ዝኾነ ጽሑፋቱ ድሮ ዝናን ስምን ዘጥረየ ሰብ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት የሰጕም፡

1. The power of positive thinking ብኣወንታ ናይ ምሕሳብ ክእለት፣ “እኽእል እየ . . .” ምባል
2. Change your thoughts everything will change ሓሳባትካ እንተ ለዊጥካ ኵሉ ነገር ኪልወጥ እዩ፣
3. Guide of positive in life፣ ነቲ ኣወንታዊ ንምኽታል ዜኽእል መምርሒ ምሓዝ።

ኖርማን ቪንሰንት ፒል ዕሉል ሰባኻይ እንኪኸውን፣ ነቲ ናይ ስብከት ክእለቱን ናይ መኽሰብ መደባቱን ኣገባባቱን (Marketing and Preaching) ከወሃህድ ዝኸኣለ ፍሉይ ሰብ ነበረ። ስለ’ዚ ንወዮ መደብ ስብከት ናብ ዲቕ ዝበለ ናይ ንግድን ኣታውታትን፣ ናብ መኽሰብን ምድላብ ሃብትን ከም ዘዘንበሎ የርኢ። እዚ ሰብ’ዚ ቅድም ኣብ ፕረዚደንትታት ሪቻርድ ኒክሰን፡ ሮናድ ሬጋን፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዶናልድ ትራምፕ ዓቢይ ጽልዋ ዘሕደረ ሰብ እዩ ይበሃል።

ኣብ ህቡራት ሃገራት ኣመሪካ፣ ነተን ከም’ዚ ዝበለ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚሰብካ፣ ህንጻ ቤተክርስትያናት ምኽኣል ስኢኑ’ውን ኣብ ዓበይቲ ስታድዩማትን ናይ ስፖርት ኣዳራሻትን መደባት ምዝውታር ተለሚዱ። እዞም ኣብ’ዚኣን ዚሰብኩ፣ ገሊኦም “ነቢያት” ገሊኦም “ሓዋርያት” ኪብሉ ንርእሶም ዚሰምዩ፣ ናይ’ዚ ሓዲሽ ምንቅስቓስ ጰንጠቆስጤ [Neo-Pentecostalism] ዚበሃል ወገን ዝንባሌ ዘለዎም እዮም፣ ኣብ መራኽብ-ብዙኃን ወትሩ ዕዙዝ ቦታ እናረኸቡ ከይዶም። ቍጽሩ ዘይነዓቕ መጻሕፍቲ፣ እሞ ገሊኡስ “ዋጽእ” (bestseller) ኪበሃል ዚከኣል መጻሕፍቲ ንምድራስን ንምዝርጋህን ዝኸኣሉ ሰባት እውን እዮም። እዚ መጻሕፍት’ዚ ግን ካብ ትምህርተ-መለኮት ናብ ስነልቦናን መጽናዕቲ ሰብኣዊ ኣተናን ዝዘንበለ እዩ። ኣብ’ዚ መጻሕፍቶም ኮነ፣ ኣብ’ቲ በብግዚኡ ዚህብዎ ኣስተምህሮኣቶም፣ ነቲ ዝተጠቕሰ “ካልእ ወንጌል” ይሰብኩ። በቲ ኵሉ ቴክኖሎጂ ዘፍረዮ መጋበሪ መራኽብ-ብዙኃን ብኢንተርኔትን ማኅበራዊ መራኸብን ይጥቀሙ። [እዚ “ምንቅስቓስ ጵንጠቈስጣውያን”፣ [Pentecostal Movemenet] ብባሕቲ ጥሪ ናይ 1901 ማለት መበል 19 ምእተዓመት ተዓጽዩ፣ መበል 20 ምእተዓመት ኣብ ዝጀመረሉ ዕለት፣ እቲ ኣብ 33 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣባና’ውም ኪወርድ ኣለዎ ቢሎም፣ ኣብ ሓንቲ ከተማ ናይ ካንሳስ [USA] ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ፣ “ወሪዱና” ዝበልዎ፣ ካብኡ ይጅምር። ቀጺሉ ናብ ቴክሳስ ናብ ካሊፎርኒያ . . . ሰፈሐ። ብዊልያም ሰይሙር ድማ ናብ ኣውሮጳ ተሳገረ። ብጊዜኡ ብዙሕ ዘዛረበ ዘሰሓሓበ እዩ። ኣብ 1907 ኣብ ጀርመን ካስል ክሳብ ፖሊስ ኢዶም ዘእተዉሉ ኵነታት ከምዝተፈጥረ ተሰኒዱ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ናይ ጸሎት ኣኼባታቶም ብኽያት ኣውያት ዘይንቡር ተርእዮታት ፍጻሜታት . . . ኣጋጢሙ፣ ብ1909 ዓ.ም. ግን “ወንጌላውያንን/ ሉተራውያንን” ኣብ ጀርመን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ውሳኔ “ዴ በርሊነር አርክላአሩንግ” [“አዋጅ በርሊን”] ብዛዕባ’ቲ ምንቅስቓስ ኮነ በቲ ፈጺመዮ ዚብሎ ተኣምራት ዕቃቤታት ከም ዘለዎ ድሕሪ ገሊጹ፣ “. . .እዚ ነገር’ዚ ካብ ላዕሊ ዘይኮነስ ካብ ታሕቲ ከም ዝኾነ . . . ነቶም ደቂ ኣምላኽ ከስሕት ዚኽእል ሓቁን ሓሳቱን ኣብኡ ተሓዋዊሱ ከምዘሎ እዩ ዚረኣየና . . . እዚ ምሕዋይ፣ ብቋንቋታት ምዝራብ፡ . . . ዚብልዎ’ውን ብኸምኡ ዚረኣን ኣወንታውን እትብሎ ኣይኮነን፣ “Spiritism” ኣብ ዝዓዘዞ ዘይክርስትያናዊ ሃዋኍ እውን ዘጋጥም ተርእዮ እዩ . . .”ድሕሪ ኢሎም ኣብ ምዝዛም፣ “ . . . ንሕና ነታ ሓንቲ ኣብ ግብ.ሓዋ. ዘላ ጵንጠቈስጤ ጥራሕ ኢና እነኣምን ወይ እንቕበል፣ እንጽበዮ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታ ደኣ’ምበር፣ እንጽበዮ ዳግማይ ወይ ሓዲስ ጴንጠቈስጤ የልቦን”፣ ብዚብል ወጊዞምዎም እዮም። [cfr. Krajewski Ekkehard, Geistesgaben. Eine Bibelarbeit uber 1Korinther 12-14, ed. Oncken, Kassel 1963] እዚ ጸሓፋይ’ዚ ብ1963 እውን እዚ ኣዋጅ’ዚ ጋና ብቑዕን ግቡእን ጊዜኡ ዘይሓለፎ ይብል። cfr. Vanhoye, albert; I Carismi nel Nuovo Testamento, Pont. !st. Bible. Roma 1986.]

ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ እዚ መጻሕፍቶም፣ ብናይ ሥነ-ልቦናን ሥነ-ኣእምሮን ኣገባብ ዚካየድ ደኣ’ምበር ምስ ናይ መንፈሳዊ መደብ ዜራኽቦ የብሉን። ብዛዕባ ዓወት፣ ብዛዕባ ሓጐስ፣ ማለት ምድራዊ ዓወትን ሓጐስን፣ ውልቃዊ ዝናን ስምን ንምርካብን ዝዓለመ ደኣ’ምበር፣ ናብ ንስሓን ለውጢ ሕይወትን ዘተኮረ ኣይኮነን። ብርግጽ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኺሰልጦም ብገለ ገሊኡስ ናብ መንፈሳዊ መደብ ምጽጋዖም ዘገርም ኣይኮነን። ብድርብ ከም ዘኽሰቦም ስለ ዝገመቱ እዮም።

ስማት ንምጥቃስ እንተ’ድለየ፣ ኦራል ሮበርትሰን [Oral Robertson]፡ ቤኒ ሃን [Benny Hinn]፡ ሮበርት ቲልተን [Robert Tilton]፡ እዩኤል ኦስቲን [Ioel Ostin]፡ ጆይስ ማየር [Joyce Meyer]፡ ከምኡውን ካልኦት፣ ውልቃዊ፣ ውልቃዊ ዝናን ስምን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ “ወንጌሎም” ብምሉእ ኃይሉ ንኺሰርሕ ዝጸዓሩ እዮም። ዦይስ ማየር ነኣብነት፣ እቲ እተካይዶ ዝነበረት መደብ ቴሊቭዥን፣ “ንዕለታዊ ሕይወት ብኸመይ ከም ተስተማቕራ” (How to Enjoy Everyday Life) ዚብል፣ ብራዲዮ ብቴሌቪዥን ኪዝርጋሕ ካብ ዚጅምር፣ ካብ ሕዝቢ ዓለም ብዙሕ’ዩ ዚከታተሎ ይበሃል። ናብ 38 ቋንቋታት ተተርጕሙ ዚዝርጋሕ መደብ ቴሌቭዥን እዩ ይበሃል። [ኣብ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንታዊ መመረቕታ፣ እቶም ን”ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚድግፉ ከም እኒ ፓውላ ዋይት ዝበሉ ሰበኽቲ ንጸሎት ተዓዲሞም ነበሩ፣ ፓውላ ዋይት ሓንቲ ካብቶም ናይ ትራምፕ መንፈሳዊት ኣማኻሪት እያ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ፓውላ ዋይት ዝወደበቶ ኣብ’ቲ “Trump Tower” ዝተሰምየ ማእከል ንዅሎም’ቶም “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚድግፉ ናይ ተለቪዥን ሰበኽቲ ዝሓወሰ ጉባኤ ተኻዪዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ኢዶም ብምንባር ኵሎም ጸልዮምሉ ይበሃል።]

እዚ ኵሉ ዝተናኸፍናዮ ኣተሓሳስባን ኣገባብራን ዝንባሌኡን ኣተናኡን እንተ መርመርካዮ፣ ሓደ ሰብ “ብኸመይ ድሕነት ኣምላኽ ይረክብ” ዘይኮነስ፣ ብኸመይ ዕውት ትኸውን? ብኸመይ ንሰባት ማሪኽካ ትኽእል? . . . ብኸመይ ትህብትም? ብኸመይ ልዕሊ ኻልኦት ጸብለል ኢልካ ትረአ? ወዘተ . . . እዩ። ስለ’ዚ ብምሉእ ሰብኣዊ መደባትን ኣገባባትን እዩ። ሰማያዊ መንግሥቲ ኣምላኽ ዜውርስ ዘይኮነስ፣ ምድራዊ ምቾትን ጣዕምን ንብረትን ዝዕላማኡ መደብ እዩ። እቲ ኡነተይና ወንጌል ዚህቦ ትምህርቲ ክርስትና ግን “ንስኻትኩምስ መንግሥቱን ጽድቁን ደኣ ድለዩ እምበር እዚ ዅሉስ ኪውሰኸኩም እዩ” [ማቴ. 6፡33] ዚብል እዩ።

እዞም ወገናት’ዚኣቶም ካብ’ቶም ካልኦት ወገናት፣ ብፍላይ ካብ እቶም “ቀንዲ መሥመር ፐንተኮስታል” ዚኽተሉ ፍልይ ኢሎም ዚረኣዩስ ስለምንታይ እዩ? እንተ በልካ፣ እቲ ዝወነንዎ ሓይሊ ኢኮኖሚ ማለት ገንዘባዊ ዓቕሚ፣ ናይ መራኸብ ብዙኃን ዕድል፣ ናይ ፖለቲካ ደገፍን ምዃኑ ግልጺ ይመስል። እዚኣቶም እዮም ናይ’ቲ “ኣመሪካዊ ሕልሚ ሰበኽቲ” እንብሎም። እቲ ዕቤቶምን ስጕምቶምን ምስ’ቲ ዚረኸብዎ ገንዘባዊ ዓቅምን ረብሓን፣ ምስ’ቲ መንፈሳውን ረብሓታት ዚኸይድ እዩ። እቲ ቓል ዚኣትዉዎ በረኸትን ረብሓታትን፣ ቀዳሞት ፐንተኮስታልን [ጴንጤ] ወንጌላውያንን ይሰብዅኦ ካብ ዝነበሩ፣ ናይ ንስሓን ለውጢ ሕይወትን ኣገባብ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ።

እዚ ኵሉ ምንቅስቓሳት’ዚ በብዓይነቱ ጽልዋታት ዘርአየ ክነሱ፣ ካብ’ተን ዝቐደማ ኣብያተ ክርስትያን ዘይነዓቕ ክስን ወቐሳን ዘኒሙዎ እዩ። እዘን ዝቐደማ ጕጅለታት ኣብያተ ክርስትያንን ኪሰብከኦን ኪነብርኦን ዚፍትና ሕይወት፣ ኣብ ተኣምርን ኣብ ትእምርትን ትንቢትን ዝተመሥረተ እዩ። ብዙኃት ካብ’ዞም ነባራት ናይ ፕሮተስታንት ወገናት [ባፕቲስት መቶዲስት ፕረስቢተርያን . . . ] ከምኡ እውን ካልኦት ሓደስቲ፣ እዞም እንብሎም ዘሎና ሓደስቲ ምንቅስቓሳት “ካልእ ወንጌል” ከም ዚሰበኩ የመልክቱ። [Cfr. D.R. McCONNELL, A Different Gospel: Biblical and Historical Insights Into the Word of Faith Movement, Peabody (MA), Hendrickson, 1988.]

"ጥዕናን ኤኮኖምን፡ ጣዕምን ምቾትን" ኣብ ቀጻሊ ክፋል ክንካፈሎ’ና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 05 Jan 2021, 04:24

ቡሩኽ ቕንያት ልደተ ክርስቶስ ይግበረልና። ክርስቶስ መምህር ድኽነት ከምዝነበረ ካብ ፈለማ ክሳብ መወዳእታ ምድራዊ ሕይወቱ የብርሃልና ኢዩ። እስከ በሉ ናብቱይ ጀሚርናዮ ዛሎና ኣቦታት እምነትናን ጓሶት ነፍሳትናን፡ ምእንቲ ከይንሸኽዕን ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ዓለም ከይንነፍስን ቢሎም፡ ን “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚተንተኑሉ ምህሮና ክንቕጽል!!! :mrgreen:

ጥዕናን ኤኮኖምን፡ ጣዕምን ምቾትን

ኣቐዲምና ትንክፍ ከምዘበልናዮ፣ ናይ’ዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዝተሰምየ ወገን፣ ቀንዲ ኣዕኑድ ክልተ እየን፦

1. ኤኮኖሚያዊ ጣዕምን ምቾትን
2. ናይ ሥጋ ጥዕናን፣ ጥዑም ንብረትን እያተን

እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኸኣ ንገሊኡ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ጠቕሲ ወይ ንባባት ቓል ብቓሉ ብምትርጓም፣ ነቲ ጽሑፍ ኣጻቢብካን ኣቈናጺብካን ካብ ምትንታንን ምትርጓምን (reductionist hermeneutics) ዚመጽእ እዩ። መንፈስ ቅዱስ’ውን ኵሉ ኃይሉን ክእለቱን፣ ናይ ሰባት ምድራዊ ምቾትን ጥዑም ንብረትን ኣብ ምሕላውን ምክንኻንን ዝጠመተ ኣዩ። ስለ’ዚ ካብ ኃጢኣትን ክፍኣትን ሓራ ምውጻእ ዘይኮነስ፣ ምድራዊ ሃብትን ምቾትን፣ ሥጋዊ ጥዕናን ኣብ ምውናን ዘድሃበ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ጐይታ ምዃኑ ተሪፉስ፣ ነተን ዝበለን ዝሃበን ቃላት እናተኸታተለ ዚፍጽም ጥራሕ እዩ፣ እግዚኣብሔር-ኣቦ ከኣ ሓደ ክኢላ ኣሳላጢ ኮይኑ፣ ናይሰባት ግድነትን ድልየትን ከማልእ ላዕልን ታሕትን ከም ዚብል ተለኣኣኺ ወይ መሳሰዪ (cosmic bellhop) ይሕሰብ” ማለት’ዩ።” [J.GOFF, “the Faith that Claims”, in Christianlity Today, n.34 Feb 1990,21] ንኣምላኽ በብጊዜኡ እዚኣ ግበረለይ እቲኣ ጐዲላትኒ ክትብሎ ንሱ ኸኣ ኪፍጽመልካ ዚተሓዘሉ ኣገባብ እዩ።

ኣብ ሃገርና ሓደ ምሳሌ ኣሎ፣ ሓደ ሽማግለ ኣቦ ወዶም ምስ ኣሕዘኖም፣ ካልእ ዚገብርዎ ስለዘይነበሮም ረጊሞምዎ ይበሃል። ወዮ ውላዶም ድማ፣ ብኡብኡ ሓደ ህማቕ ዕድል ኣጓኒፍዎ፣ ስለ’ዚ እቲ መርገም ከም ዝበጽሖ ተገመተ። ነዚ ተዓዚቦም ዝሰንበዱ ሰባት፣ እቲ ነገር ከቢዱ ስለ ዝተራእዮም፣ ናብ’ቶም ሽማግለ ወላዲ ከይዶም፣ “ንዑ ደኣ ነዚ ወድኹምሲ መሓርዎ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ሕማቕ ከም ዚቕንጠጠሉ ግበሩ” ኪብሉ ለመንዎም፣ ሽማግለ ሰብኣይ ሕስብ ኣቢሎም፣ “እንተ’ቲ ይቕረታዶ ይቕረታ ሂበ ኣሎኹ፣ እቲ ዝወረደ ግን ናይ ኣምላኽ’ዩ፣ ሕጂ ኸኣ ኣነ ንኣምላኽ፣ ነዓ ሕጂ ኸኣ ከምዚ ግበር፡ ከም’ቲ ግበር ክብሎ ኣይክእልን እየ። ኣምላኽ ናተይ ሸቃላይ ወይ ከኣ ናተይ ተለኣኣኺ ወይ ኣሳላጢ ኣይኮነን፣ እናናሳዕ ቃለይ እናለዋወጥኩ ከምዚ’ባ ከምቲ’ባ ግበር!! ዝብሎ ኣይኮነን” ኪብሉ ኣፋነዉዎም።

እቲ “ቓል እምነት” [Word of Faith Movement] ዚበሃል ብናይ እዞም ሰበኽቲ’ዚኣቶም ኣገባብ፣ ቦታ ቅዱስ መጽሓፍ ዚሕዝ እዩ፣ ከም ሓደ መምርሒ እምነትን መደብ ሕይወትን ይግመት፣ ምስ’ቲ ሓዋርያዊ ቃል ክሳብ ምምዝዛን፣ ምስ’ቲ ቃል “ቅቡእ” ክሳብ ምውድዳር ይበጽሑ። ብስም ኣምላኽ ምዝራብ፣ ንቓሎም ሓይሊ ከምዚህቦ የኣምኑ፣ እቶም ዚሰምዕዎም ብዘይ ምእማኖም እንተደኣ ዘየሰናኽልዎ ከኣ ከም ዝተባህሎም ዚፍጸም እዩ።

እዞም ሰበኽቲ ከም “ቃል እምነት” ገቢሮም ዚምህርዎ ኣለዎም። እቶም ሰዓብቶም ናይ’ቲ ኵሉ ኣብ ልዕሊኦም ዚፍጸምን ዚኸውንን ተሓተቲ እዮም። ብፍላይ ከኣ ነቲ ዘጋጥሞም ንገንዘባዊ ይኹን ንግዙፍ ንብረቶምን፡ መንፈሳዊ ሃለዋቶምን ኵሉ ብዚርኢ ዘጋጥም በረኸትን ሕማቕ ትዕድልትን፡ ተሓተቲ ባዕላቶም እዮም። እዞም ሰበኽቲ እዚኣቶም ከም ደርፊ ዚመላልስዎ ቃል ኣለዎም፣ “[ኣብ ከንፈርካ] ኣብ’ዛ ኣፍካ ሓደ ተኣምር ኣሎካ” (there is a miracle in your mouth) ዚብል ኣዘራርባ፣ ቀረባ እዩ ንምባል እዩ። ነቲ እትደልዮ ዘበለ፣ “ብልብኻ እንተ ኣሚንካ ብኣፍካ እንተመስኪርካ” ዚብል ቃል-ኣምላኽ ኣብዘይመዓልኡ ምውዓል እዩ። እቲ መስርሕ ተኣምር ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ ይብሉ፦

1. ናይ’ቲ እትደልዮ ተኣምር፣ ዝተነጸረን ዝተዘርዘረን ራእይ የሃሉኻ፣
2. ነቲ እትደልዮ ከኣ ኣነጺርካን ዓው ኢልካን ብኣፍካ ክትእውጆ የድሊ፣
3. ካብ ኣምላኽ ንኽትረኽቦ ብሥልጣንን ብእምነትን ምሕታት፣
4. ድሮ ከም ዝተቐበልካዮ ምሕሳብን፣ ብሓሳብካ ምቕባልን የድሊ።

ነቲ ኣምላኽ ኪህበካ ዝመደቦ፣ ወይ ቓል ዝኣተወልካ ምሕታት፣ (ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከም’ዘሎ) ወይ ድማ ካብ’ቲ ቃል “ነቢይ” (እቲ ሰባኺ) ምጽባዩ፣ ነቲ ኣማኒ ኣብ ዝበለጸ ቦታ ዘቐምጦ እዩ። ቓሉ ንዝሃበ ኣምላኽ ኣብ ግዴታ ዘእቱ፣ “ነቲ ዝኣቶኻለይ ቓል ክትፍጽመለይ ትሑዝ ኢኻ” ዚብል መንፈስ ንዚሕዝ ኣማኒ ሰብ፣ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ዜቐምጥ፣ ቃል ንዝኣተወ ኣምላኽ ድማ በዓል ዕዳ ዚገብሮ እዩ።

ጕዳይ ጥዕናን ሕማምን ድማ ኣብ’ዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዝለዓለ ቦታ እዩ ዘለዎ። ብናይ እዚኣቶም ትምህርቲ፣ እቲ ኣእምሮ ሰብ ኣብ ገሊኡ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ቃላት ተኵሩ ኪሓስብን ከስተንትንን ኣለዎ፣ ድሕር’ዚ በቲ መልሓስ ኣቢሉ፡ እዚ ዚድለ ኃይሊ ኪወጽእ ከም ዚኽእል የኣምኑ። በዚ ዓይነት’ዚ እምበኣር ሓደ ሕሙም ዝኮነ ይኹን ሕማሙ፣ ናብ ሓኪም ከይከደ ኪሓዊ ይኽእል’ዩ ይብሉ። ሓሳባቱ ጠሪፉ፣ ናብ’ቲ ጠቕሲ ቅዱስ መጽሓፍ ብምትኳር፣ ኣብ ዝሓለፈ ይኹን ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ካብ’ቲ ናይቅዱስ መጽሓፍ ወገን ደጋጊሙ ብምንባብ ኪሓዊ ይርከብ። ከም መጋበሪ ካብ ዚጥቀመሉ ሓደ፣ “ብናይ ክርስቶስ ቝስልን ሥቓይን ድሮ ሓውየ ኣሎኹ” ኢልካ ምድግጋም እዩ፣ እዚ ቓላት’ዚ ነቲ ቡራኬ ኣምላኽ ካብ ውሽጢ ንኺወጽእ፣ በትን በዝን ንኺፍወስ ይሕግዝ በሃልቲ እዮም።

እቲ ኣሰቃቕን ዜሕዝንን ፍጻሜታት፣ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ’ውን ክይተረፈ፣ እቲ ዅሉ ናይ ስደተይና ሃለዋት፣ ነቶም “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚቕበሉ ምእመናን ኣይንታዮምን እዩ። ኣብ ኸም’ዚ ዝበለ ኵነታት እቶም ኣመንት’ዚ ወንጌል’ዚ፣ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዚደናገጹሉ ኣገባብ የብሎምን። ነቶም ዘይሃብተሙን ዝደኸዩን ዝኾነ ዓይነት ድንጋጸን ርኅራኄን ኣየርእዩን። ምኽንያቱ ኸኣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝደኸዩ፣ ነቲ ዝተሓንጸጸ፡ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚህቦ መምርሒ ስለ ዘይተኸተሉን፣ ካብ’ቲ ሕጊ ወጻኢ ወይ ነቲ ሕጊ ጥሒሶም ስለ ዝነበሩን፣ ኣብ ውድቀት’ዮም ዘለዉ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣይወርድን፣ ዚብል ርድኢትን ርግጽነትን ሒዞም ይካየዱ።

እዚ ሓድሽ ምንቅስቓስ ካብ ዘተኵረሉ ሓደ፣ እቲ ጕዳይ “ውዕል፥እዩ፣ ብልሙድ ኪዳን ንእንብሎ፣ ኣምላኽ ምስ ፍጡራቱ ወይ ምስ ሕዝቡ ዝኣተዎ ውዕል ዘመልክት እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚግለጽ ኣምላኽ፣ ምስ’ቶም ኣበው ብፍላይ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ውዕል፣ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ውሉድ ከብዘሓሉ፣ ሃብታም መሬት ከውርሶ [ኣምሳል በረኸትን መንግሥተ ሰማይን] ንዚብል መዝሚዞም፣ ናይ’ቲ ኪዳን ቀንዲ ትሕዝቶ ምድራዊ ርስትን ሃብትን ምቾትን ጥራሕ ገቢሮም ይርድእዎ። ቃል ንቓሉ ብምንባብ ዚግበር ትርጓሜ እዩ። እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ናይ ምድራዊ ሃብትን በርከትን ውሕስነት ሂብዎ ማለት እዩ።

ክርስትያን ደቂ ሓዲስ ኪዳን፡ ደቂ ኣብርሃም ንምዃኖም፣ እቲ ነብርሃም ቃል ዝኣተወሉ፣ ነኣኣቶም’ውን ከምዚምልከት የሓስቡ። ክርስትያን’ውን ምድራዊ ሃብትን ምቾትን ኪረኽቡ፡ ብመሠረት’ዚ ኣምላኽ ዝኣተዎ ኪዳን መሰል ኣለዎም በሃልቲ እዮም። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ፋይናንሳዊ ሃብትን ገንዘብን፣ ምድራዊ ርስትን ቦታን ኪሕዙ ግቡኦም እዩ። ኣምላኽ ከኣ በቲ ዝኣተዎ ውዕል መሠረት ኪፍጽመሎም ትሑዝ’ዩ። ክርስትያን ከኣ ምእንት’ዚ ሃብትን ምቾትን ኪጽልዩ፣ ንኪረኽብዎ ኪልምኑ ሓቆም፡ ዚብል ትምህርቲ የማዕብሉ።

ኬነት ኮፕላንድ ኣብ ዝደረሶ “ሕጊ ብልጽግና” [The Law of Prosperity] ኣብ ዚብል መጽሓፉ፣ ኣምላኽ ነዚ ውዕል’ዚ ብግልጺ ብስሙዕ ስለዝኣተዎ፣ ሃብትን ምቾትን ከኣ ካብ’ቲ ቀንዲ ትሕዝቶ’ቲ ውዕል ብምዃኑ፣ እቲ ኣማኒ ነዚ ነቒሑ ኪርድኦ፣ ሃብትን በረኸትን ምድሪ ኪወርስ፣ መሰሉ ምዃኑ ኪግንዘቦ የድሊ” ይብል። [Cfr.K.COPLAND, The Law of Prosperity, Tulsa (OK), Harr.house 1974]

እዞም ሰበኽቲ “ካልእ ወንጌል” ከም ዚሓስብዎ፣ እቲ ናይ ክርስትያን መንፈሳዊ ውሉድነት ወይ ደቂ ኣምላኽ ምዃኖም፣ ምስ’ቲ “ደቂ ንጉሥ” ዚብል ሓሳብ የሰማምዕዎ። “ካብ’ቶም ደቂ ንጉሥ” ምዃን ፍሉይ መሰላትን ዕድላትን ዘውህብ እዩ፣ ልዕሊ ኵሉ ናይ’ቲ ግዙፍን ምድራውን ሃብትን ትዕድልትን ተሳተፍቲ ይኾኑ። ሃሮልድ ሂል ዝተባህለ ካልእ ደራሲ ድማ [“How to be a Winner”] “ብኸመይ ዕዉት ትኸውን?” ኣብ ዚብል መጽሓፉ፣ “እቶም ደቂ ንጉሥ ፍሉይ ዝኾነ ሓለዋን ክንክንን የድልዮም፥ ምስ’ቲ ንኵሉ ዝፈጠረን ጐይታ ኵሉን ሰማያዊ ኣቦኦም ፍሉይን ሕያውን ዝኾነ ርክብ ስለዘለዎም እዩ” ይብል [H.HILL, How to be a Winner, Alachua (FL), Bridge Logos 1976] ብኸመይ ዕዉት ትኸውን? ኪበሃል እንከሎ፣ ሓንትስ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ደኣ ተዓወት’ምበር ናይ ኣገባቡን መደቡን ዘገድስ ኣይኮነን። እቲ ንጊዜኡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጸብለል ኢልካ ምርኣይ፣ ንግዚኡ’ውን ሕጕስ ኢልካ ምውዓል ኣገዳሲ እዩ። ቅድስናን ድኅነትን ብመስቀልን ብመንገዲ ሥቓይን ከም ዚብጻሕ፣ ናይ’ዚ ወንጌል ሃብትን ምቾትን ደገፍቲ ዚፈልጥዎ ወይ ዚቕበልዎ ኣይመስሉን፣ወይ እናፈለጥዎ ጐስዮምዎ ዚሓልፉ ጕዳይ እዩ።

ምስ’ዚ ዚኸይድ ካልእ ሓሳብ’ውን ኣሎ። እዚ “ዘርኢ” ዚብል ኣምር እዩ። ነዚ ብዚርኢ እቲ ቀንዲ ጽሑፍ እቲ ኣብ ገላ.6፡7 እነንብቦ እዩ። “ኣይትጠራጠሩ! ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ” ገላ 6፡7 ኣብ ማር።10፡29-30 እውን “ኢየሱስ ድማ መሊሱ ከም’ዚ በሎም፣ “ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፣ ቤት ወይ ኣኅዋት ወይ ኣኃት ወይ ኣደ ወይ ኣቦ (ወይ ሰበይቲ) ወይ ውሉድ ወይ ግርሁ ዝሓደገ፣ ሕጂ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ምስ እዚ ስደት፡ ቤት ኣኅዋት፡ ኣኃት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግራሁ፡ ሚእቲ ካዕበት ዘይኽፈል፣ ኣብ ዚመጽእ ዓለም ከኣ ሕይወት ዘለዓለም ዘይቕበል ሓደ’ኳ የልቦን” (ማር።10፡29-30)። [ገላ. 6፡7-9፡ እዚ ሕጊ ዘራእን ዓጻድን ዘይዕጸፍ ሕጊ መንፈሳዊ ሕይወት እዩ፣ [እዮብ 4፡8/ ኤርም. 17፡10] እቶም ዝዘርኡ ሓረስቶት ነቲ ዝዘርእዎ ኪረኽቡ ኪእክቡን’ዮም ዚጽበዩ፣ ከምኡ ከኣ ኣብ’ዚ ሕይወት’ዚ ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ዝተዘርአ ቃልን ሓሳብን፣ ኣብ’ቲ ዚመጽእ ሕይወት ዚፈሪ እዩ። ስለ’ዚ እቶም ብመንፈስ ዝዘርኡ ኣብ ሰማያዊ ክብሪ ቅድስና ኪሓፍሱ እዮም፣ እቶም ብሥጋ ዚዘርኡ ግን ሞትን ጥፍኣትን’ዮም ዚረኽቡ፣ ጳውሎስ ዚዛረበሉ ዘሎ ነቲ መላእ ሕይወትና ዚርኢ እዩ፣ ድሕሪ ትዕግሥትን ተጻዋርነትን ዚርከብ ዓስቢ ምጽባይ እዩ [ማቴ.24፡13/ ሮሜ. 2፡6-7/ ዕብ.3፡14]]

ነዚ ምድራዊ ግዙፍ ሃብትን ጣዕምን ኣብ’ቲ መልእኽታት ቅዱስ ዮሓንስ እውን ምስ ዘሎ ብሂል የተሓሕዝዎ፣ “ኣታ ፍቁር! ከም’ቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ጽቡቕ ዘሎ፣ ከምኡ ኸኣ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እጽልየልካ ኣሎኹ” (3ዮሓ.2)። [Cfr.R.TILTON, God’s Miracle Plan for Man, tulsa (OK), Robert Tilton Ministries 1987.] ኣብ ብሉይ ኪዳን’ዉን ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ዘሎ ምንባብ የድሊ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና ኣካል እዚ ምዕራፍ ዚኾነ “ካብ ብሉይ ኪዳን ሓደ ሰለስተ ጥቅስታት” ክንርኢ ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 18 Jan 2021, 10:50

ካብ ዚሓለፈ ክፋል ዚቕጽል “ካብ ብሉይ ኪዳን ሓደ ሰለስተ ጥቅስታት” ክንርኢ ኢና!

1. ዘዳግም 7፡12-24 ፣ ንመደብ ኣምላኽ ተኣዚዝካ ዚርከብ ምሕረት፣

“ነዚ ትእዛዝ’ዚ ተጠንቂቕኩም እንተሰማዕኩምዎን እንተሓሎኹምዎን፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከም’ቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳኑን ምሕረቱን ኪሕልወልኩም እዩ። ኪፈትወኩምን ኪባርኸኩምን ኬብዝሓኩምን ከኣ እዩ። ኣብታ ንኣኻትኩም ኪህበኩም ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፥ ፍረ ከርሥኹምን ፍረ ምድርኹምን ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹን፥ ኣብታይ ኣሓኩምን ዕያውቲ ኣባጊዕኩምን ኪባርኸልኩም እዩ። ሓለፋ ዅሎም ሕዝብታት ክትባረኹ ኢኩም። ኣባኻትኩም ካብ ሰብኣይ ወይ ካብ ሰበይቲ መኻን ኣይኪህሉን እዩ። እግዚኣብሔር ድማ ሕማም ኻባኻትኩም ኬርሕቕ እዩ፥ እቲ እትፈልጥዎ ዅሉ ዜስካሕክሕ ሕማም ግብጺ ድማ ኣይከምጽኣልኩምን እዩ። ናብ ኵሎም እቶም ዚጸልኡኹም ግና እዚ ዅሉ ከምጽኣሎም እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላክኹም ንዚህበኩም ኵሎም ሕዝብታት ከየናሕሰኹም ወድእዎም። ኣማልኽቶም’ውን መፈንጠራ ከይኮኑኹም፥ ኣይተምልዅኦም። “ብልብኩም ድማ፥ ‘እዞም ሕዝብታት እዚኣቶም ካባና ዚበዝሑ እዮም’ሞ፥ ከመይ ጌርና ኸነውፅኦም ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ኣይትፍርህዎም፥ እቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ግብጽን ዝገበሮ ዘክሩ፥ ነቲ ኣዕይንትኹም ዝረኣያኦ ዓበይቲ መከራታትን ትእምርትታትን ተኣምራትን፥ ነታ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ብእኣ ዘውፅኣኩም ኃያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን ኣጸቢቕኩም ዘክሩ። ነዞም ኵሎም እትፈርኍኦም ዘሎኩም ሕዝብታት፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽኹም ከምኡ ኺገብሮም እዩ። ንዝተረፉን ካባኹም ዝተኃብኡን ድማ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኣብ ማኣከልኩም እዩ’ሞ፥ በኣኣቶም ኣይትፍርሁ። ነዞም ሕዝብታት እዚኦም እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም በብቝሩብ ኪሰጎም እዩ። ኣራዊት መሮር ምእንቲ ከይበዝሑኹምሲ፥ ብሓንሳእ ከተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም። እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ነኣኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ኣኅሊፉ ኺህበኩም እዩ፥ ብዓቢይ ስምባድ ድማ ክሳዕ ዚጠፍኡ ኼሸብሮም እዩ። ንነገሥታቶም ከኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ፥ ስሞም ድማ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ከተጥፋኡ ኢኹም። ኣብ ቅድሜኹም ኪቃወመኩም ዚኽእል ሰብ የልቦን። [ዘዳግም 17፡12-24]

2. ዘዳ.28፡1-14, ንመደብ ኣምላክ ተኣዚዝካ ዚርከብ በረኸት፣

“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተኣዘዝኩምዎ፥ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛቱ ኸኣ ተጠንቂቕኩም እንተሓሎኹምዎ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሕዝብታት ምድሪ ኽብ ከብለኩም እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተ ተኣዘዝኩም፥ እዚ ዅሉ በረኸት ኣባኹም ኪፈስስ እዩ፥ ከምኡውን ከሰንየኩም እዩ፦ “ኣብ ከተማ ኾነ ኣብ መሮር ክትባረኹ ኢኹም። “ደቕኹምን ፍረ ምድርኹምን ፍረ ማልኩምን ምውላድ ላምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኩምን ከኣ ቡሩኽ ኺኸውን እዩ። “መሶብኩምን መልወሲኹምን ቡሩኽ ኪኸውን’ዩ። “ኣብ ምእታውኩም ኮነ ኣብ ምውፃእኩም ቡሩኻት ክትኮኑ ኢኹም። “ነቶም ዚለዓሉኹም ጸላእትኹም፥ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኹም ተሠዓርቲ ኪገብሮም እዩ፥ ብሓንቲ መገዲ ኺመጽኡኹም እዮም፥ ካብ ቅድሜኹም ድማ ብሾብዓተ መገዲ ኺሃድሙ እዮም። “እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኹምን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩምን በረኸት ኪእዝዘልኩም እዩ። ኣብታ ዚህበኩም ምድሪ ድማ ኪባርኸኩም እዩ።

“ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተሓሎኹም፥ ብመገዱ’ውን እንተ ኸድኩም፥ እግዚኣብሔር ከም’ቲ ዝመሓለልኩም ንእኡ ዝተቐደሰ ሕዝቢ ገይሩ ኼቝመኩም እዩ። ኵሎም ሕዝብታት ምድሪ ኸኣ ብስም እግዚኣብሔር ከም ዝተጸዋዕኩም ርእዮም ኪፈርሑኹም እዮም። ኣብ’ታ እግዚኣብሔር ነኣኻትኩም ኪህበኩም፥ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ደቕኩምን ፍረ ማልኩምን ፍረ ምድርኹምን እግዚኣብሔር ኣጸቢቑ ከብዘሓልኩም እዩ።

“ዝናም ምድርኹም ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ’ሞ ዅሉ ተግባር ኢድኩም ድማ ኺባርኽ፥ እግዚኣብሔር ንሰማይ፥ ነቲ ጽቡቕ መዝገቡ ኪኸፍተልኩም እዩ። ንብዙኃት ሕዝብታት ከተለቅሑ ኢኹም፥ ንስኻትኩም ግን ገለ እኳ ኣይክትልቅሑን ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሔር ርእሲ’ምበር ጭራ ኣይክገብረኩምን እየ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኩምዎ፥ ተጠንቂቕኩም ከኣ እንተ ሓሎኹምዎ፥ ዅሉ ግዜ ኣብ ላዕሊ እምበር ኣብ ታሕቲ ኸቶ ኣይክትኮኑን ኢኹም። ካብ’ዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር፥ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይተልግሱ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢልኩም ደድሕሪኦም ኣይትስዓቡ።

3. ዘሌዋውያን 26፡3-13፣ ንመደብ ኣምላኽ ተኣዚዝካ ዚርከብ በረኸት፣


“ብሕግጋተይ እንተ ኸድኩም፥ ትእዛዛተይ ከኣ ኣጸቢቕኩም እንተ ሓሎኹምዎ ኣነ ዝናም ብጊዜኡ እህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ። ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬአን ኪህብ እየን። መኼዳኩም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይጸንሕ፥ ምቅንጣብ ወይኒ ኸኣ ኽሳዕ ዘርኢ ይጸንሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፥ ኣብ ምድርኹም ከኣ ሃዲእኩም ትቕመጡ። “ኣብ ምድርኹም ሰላም ክህብ እየ፥ ንስኻትኩም ከኣ በጥ ክትብሉ ኢኹም፥ ዜፍርሃኩም እውን ኣይኪህሉን እዩ። ንጸላእትኹም ተሳጕጕዎም፣ ንሳቶም ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ኃሙሽተ ካባኻትኩም ንሚእቲ የሳጕጕዎም፥ ሚእቲ ኻባኻትኩም ንዓሠርተ ሽሕ የሳጕጕዎም፥ ጸላእትኹም ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ኣነ ክባርኸኹም እየ’ሞ ኽፍርየኩምን ከብዝሓኩምን እየ፥ ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኹም ከቕውም እየ። ነዊሕ ዝተዓቝረ ነባር እኽሊ ድማ ኽትበልዑ ምስ ጸናሕኩም፥ ነቲ ሓድሽ እኽሊ ስፍራ ምእንቲ ክትረኽቡሉ ነቲ ዕቝር ትጕሕፍዎ። ማኅደረይ ኣብ ማእከልኩም ክገብር’የ፥ ኣነ ኸኣ ኣይክፍንፍነኩምን እየ። ኣብ ማእከልኩም እነብር፥ ኣምላኽኩም’ውን እኸውን፥ ንስኻትኩም ከኣ ሕዝበይ ትኾኑኒ። ባሮቶም ምእንቲ ከይትኾኑ ኻብ ግብጺ ዘውፃእኩኹም፥ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እየ፥ ቍራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፥ ርእስኩም ኣልዒልኩም ከምትኸዱ’ውን ገበርኩኹም።

ነዚ ዝተጠቕሰ ንባባት ኮነ፡ ንኻልእ ወገናት ቅዱስ መጽሓፍ ብዘርኢ ኪትርጕሙ ወይ ኪትንትኑ ከለዉ፣ በታ ንሽዓ ተድልዮምን ተገልግሎምን ጥራሕ ተመሪሖም ይገብርዎ። ንኣብነት ግሎሪያ ኮፕላንድ ዝተባህለት ሓንቲ ሰባኺት፣ ኣብ’ታ [“God’s Will is Prosperity”] “ድላይ ኣማላኽሲ ሃብትን ምድራዊ ትዕድልትን እዩ” እትብል መጽሓፋ፣ ነኣኣን ከምኣ ንዝበሉ ሰበኽትን ብዛዕባ ዚወሃብ ወፈያ ተመልክት። “ንስኻ ምእንቲ ፍቕሪ ወንጌል ኢልካ፡ ሓንቲ ዶላር ክትህብ ከሎኻ [ነቶም ሰበኽቲ ኢና ዚብሉ] 100 ከም ትረክብ ርግጸኛ ኩን፡ ንስኻ 10 ዶላር እንተ ኣውዲቕካ 1000 ዶላር ብለውጢ ከም ትረክብ ፍለጥ፣ ሓደ ሽሕ ዶላር ዝሃበ ድማ 100,000 ከም ዚምለሶ ፍሉጥ እዩ። ንስኻ ሓንቲ መጓዕዝያ ነፋሪት ዚኣክል ህያብ እንተ ገበርካ፣ ናይ ዋጋ ነፋሪት 100 ዕጽፊ ክትረክብ ኢኻ፣ ሓንቲ መኪና እንተ ወፊኻ፣ ካብ’ታ መኪና ብዝተዓጻጸፈ ስለ ትረክብ ንሕይወትካ ምሉእ እውን መኪና ኣይከተድልየካን እያ። ብሓጺሩ ንባብ ማር.10፡30 ጽቡቕ ዕድል ዚህብ ንግዳዊ መምርሒ (business) እዩ።[G.COPLAND, God’s will is Prosperity, tulsa (OK) Harrr.House 1978] ነዝን ንኸምዚ ዝበለ ካልእን ንባባት እናደጋገሙ፣ በቲ ዜድልዮም መንገዲ እናተርጐሙ፣ ብቴሌቪዥን ብራዲዮ፡ ብኢንተርኔት እናዘርግሑ፣ እዞም ሰበኽቲ ኢና ዚብሉ፣ ንኣታዊታቶም ኸበርክቱ እንተ ተረኽቡ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ምንጪ እቶት ኣብ ትርጓሜ’ዚ ንባባት ዝተመሥረተ እዩ።

ከም ኡጋንዳ ኣብ ዝበላ ሃገራት ነኣብነት፣ እቶም ኣባላት’ዘን ኣብያተ ክርስትያን እዚኣተን፣ እታ ፍልጥቲ ዕሽር (10%) እንተ ዘይከፊሎም ዓቢይን ዘይድምሰስን ኃጢኣት ምዃኑ ወግሐ ጸብሐ ምስና’ይ መጠንቀቕታ ይመጻኦም፣ ከም ናቶም ትምህርቲ ካብ ኣምላኽ እትረኽቦ ጸጋ፣ ብመጠን’ቲ ዝሃብካዮ ደኣ’ምበር፣ ብመጠን ዓቕምኻን ኅሊናኻን ኣይኮነን። ብናይ’ዚኣቶም ኣበሃህላ’ምበኣር እታ ናይ ኢየሱስ ገምጋም ጌጋ እያ። ኢየሱስ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ቤተ መቕደስ ኮይኑ፣ ነቶም መባኣቶም ዜወፍዩ ይዕዘብ ነበረ። ገሊኣቶም ሃብታማት ኣብ “ሙዳየ-ምጽዋት” ሳናቲም ከውድቑ ከለዉ፡ “ሹዋሕ!! ጭዋሕ!!” ከም ዚብል ይገብሩ፣ ብብዝሑ ንረኣዪን ሰማዕን ንኸደንቕ እዩ፣ ሓንቲ ድኻ መበለት ድማ ካብ መቐነታ ፍትሕ ኣቢላ ነታ ኡንኮ ዘላታ ኣውደቐት፣ ኣየድመጸትን እውን። ብናይ ኢየሱስ ሚዛን ግን ካብ’ቶም ሃብታማት ሕልፊ ዝሃበት እዛ መበለት ኣያ። እዚ ወንጌላዊ ሓቂ ስለ ምንታይ ሸለል ተባህለ እንተበልካ፣ ገንዘብ ንምእታው እዩ፣ ካልእ ትርጕም የብሉን።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ “ዘርኢ” ወይ “ዓጺድ” ንዚብል ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ፣ ካብ’ቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘሎ ንባባትን ሓሳባትን ነጺልካን ገንጺልካን ምስ ኣንበብካዮ፣ ግርም ዝኾነ ናይ ቍጠባን ኤኮኖምን ሓሳብ ኣምጺኡ፣ ቍሩብ ሂብካ (investment) ዝተዓጻጸፈ ምርካብ ወይ ምርባሕ ዚብል ሓሳብ ከም ዘማዕብል ምግባር እዩ። እቲ ኣብ ገላ.6፡7 ዘሎ፣ “ሰብ ነቲ ዚዘርኦ እዩ ዚዓጽድ” ድሕሪ ተባሂሉ፣ እቲ ብኡብኡ ዚስዕብ ቓል ተረሲዑ ማለት እዩ። “እቲ ንሥጋኡ ኬሓጕስስ ኢሉ ዚዘርእ ካብ ሥጋኡ ሞት ኪዓጽድ እዩ፣ እቲ ንመንፈስ ኬሓጕስ ኢሉ ዚዘርእ፣ ካብ መንፈስ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪዓጽድ እዩ” (ገላ 6፡8)

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና “ ነቲ ዘዓውተካን ዚጥዕመካን ጥራሕ ምኽታል፣ (Pragmatism)” ዚብል ክፋል ክንርኢ ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 03 Feb 2021, 11:04

ነቲ ዘዓውተካን ዚጥዕመካን ጥራሕ ምኽታል፣ (Pragmatism)

እዚ እንዛረበሉ ዘሎና “ካልእ ወንጌል” ወይ ድማ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን”፣ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ኅብረተሰብ ኣተሓሳስባ ብቐሊሉ ኪሠርጽ ዚረአ ዘሎ’ዩ። ምኽንያቱ መን ሃብቲ ዘይደሊ? መን ጥዑም ዘይምነ? መንከ ጥዒምዎ ኪነብር ዘይደሊ? ስለ’ዚ በቲ መሳጥን ሰሓብን መዳይ እዮም ንሰብ ዚመጽእዎ ዘለዉ። ንገሊኡ ወገን እንተማረኹ ከኣ ዘገርም ኣይኮነን፣ ዘመክሕ’ውን ኣይኮነን። ፍላይ እዚ ዚበሃል ዘሎ ሃብትን ምቾትን ብስም እምነት ኪመባጽዑልካ ከለዉ፣ “ብሓንቲ እምኒ-ወንጭፍ፣ ክልተ ዑፍ” ዝዓይነቱ ብልሃት ኮይኑ ኪረኣዮም ናይ ግድን እዩ። ናይ ምድሪ ከይከሰርካ፣ ናይ ሰማይ’ውን ውሕስነት ከም ምርካብ ኪሕሰብ ባሕርያዊ እዩ፣ ግን ብናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ወይ ሰማይ ወይ ምድሪ! እንተ ዘይኮይኑ፣ ብሓደ ጊዜ ንኽልተ ጐይቶት [ማቴ.6፡21-24] ማለት ንኣምላኽን ንገንዘብን ምግልጋል ንኽልቲኡ ምኽሳብ ኣይከኣልን። [ኣብ ምስላና’ውን “ሰብኣይ ክልተ ኔው ነጀው ኪብል ሞተ” ዚብል፣ ረብሓ ከም ዘይርከቦ ዜመልክት ኣሎ።]

እቲ መንፈሳውን ልዕለ-ባሕርያውን ተቐባልነት ኺረክብ እንተ ኾይኑ፣ ርኡይን ጭቡጥን ዝኾነ መረጋገጺ ይሕተት ማለት እዩ። ኣብ ግብራዊ ዕለታዊ ሕይወትካ ዘጓንፍ ዓወትን ትዕድልትን፣ ነኣኡ ዜመሳኽር ናይ እምነት ሓሳባትን ቃላትን የድሊ። ሓንቲ ዕድለይናን ሃብታምን ዝኾነት ሕይወት፣ ካብ ሥቓይን ፈተናን ናጻ ዝኾነት ሕይወት፣ ምስ ናይ’ቲ ሰብ መንፈሳውነትን ሃይማኖታዊ እምነትን ተመዓራርያ እትርከብ እያ። ሕይወት ብዓቐን እምነትካ እትወሃብ ዕድሎት እያ በሃልቲ እዮም። እቲ ብዙሕ ወይ ኣዕሚቑ ዝኣመነ ብዙሕ ኪወሃብ ኪህብትም እዩ። ስለ’ዚ “ብዙሕ ንዘፍቀረት ብዙሕ ተሓዲጉላ” ንዚብል ወንጌላዊ ብሂል ብኸም’ዚ ይትርጕምዎ።

እቲ ናይ ኣምላኽ በረኸትን ናይ ድኅነት መደባትን’ምበኣር፣ ንናይ’ዚ ሕይወት’ዚ ኵነትን ዕድሎትን ተኸቲሉ፣ በኣኡ ተዓቂኑ ተመጢኑ እዩ ዚመጽእ። ምእንት’ዚ እቲ ዚወሃብ ዘሎ ሥእሊ ኣምላኽ፡ ብምስልን ዓቐንን ናይ’ቶም ሰባትን፣ ብመሠረት’ቲ ኵነታት ዝተሣእለ ወይ ዝተዓቀነ ደኣ’ምበር፣ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚወሃብ ግልጸት ተኸቲሉ ዝማዕበለ ኣይኮነን። ኣብ ገሊኡ ወገን ኅብረተሰባት እቲ ናይ ማኅበረ ኤኮኖምያዊ ስጕምትን ደረጃታትን፣ ምስ’ቲ ደረጃ ሞያዊ ብቕዓትን መንፈዓትን ዓወትን (meritocracy) ከራኽብዎ ከለዉ፣ ማለት “እቲ ብኤኮኖሚ ዝማዕበለ ወገን ሰሪሑ ዝተዓወተ እዩ፣ ስለ’ዚ ይግበኦ’ዩ . . .” ዚብል ኣተሓሳስባ፣ ነቲ ኣብ በቦታኡ ዘሎ ዝተፈላለየ ዕድሎትን ንኽትዕወት ዚሕግዝ ኵነታትን ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ። ኣብ ኅብረተሰብ ክትዕወት ንቕድሚት ኽትውንጨፍ እንተደኣ ኾይንካ፣ “ብመጠን እምነትካ እዩ” ዚብል እቲ “ኻልእ ወንጌል” እምበኣር፣ ፈጺሙ ዘይፍትሓዊ ዘይርትዓዊ ፀረ-ወንጌል ንዝኾነ ኣተሓሳስባ ዜንጸባርቕ እዩ።[Meritocracy፦ ኣብ ብቕዓትን ክእለትን ዝተመርኰሰ ሚዛን ዚምራሕ ሥርዓት የስምዕ። ናይ እንግሊዝ ቃል ኮይኑ ካብቲ merit (= ናይ ሞያኻ ብቕዓት) ዓስቢ ዜመልክት ቃል ዚወጽእ እዩ። ነቲ ክእለትን ዓቅምን ዘይብሉ ዘይተዓወተ ሰብን ኅብረተሰብን ብዘይንሕስያ ዚድርቢ ጨካን ሓሳብን መደብን የኸትል።]

ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ፡ እቲ ግዙፍ ምድራዊ ሃብትን በረኸትን ምህላዉን ዘይምህላዉን ምርካቡን ምስኣኑን፡ ኣብ ናይ’ቲ “ኣማኒ” ሓላፍነት እዩ፣ ከም ሳዕቤኑ ከኣ እቲ ድኽነትን ስእነትን’ውን ብሰንኪ ዋሕዲ እምነቱ ምዃኑ ዜረድእ እዩ። እቲ ብግዙፍ ሃብትን ምድራዊ በረኸትን ዝተዓወተ ኮይኑ ዝተራእየ ወይ ዝተገመተ ሰብ፣ ኃይሊ “እምነቱ” ዘምጽኦ ገቢሩ ስለዚሓስብ፣ ብቐሊሉ ናብ መንፈስ ትዕቢትን ትምክሕትን ኪወድቕ ይርከብ። መንፈስ “ኅርየትን ትምክሕትን” የማዕብል፣ ማለት ኣነ ፍሉይ እየ፣ “መን ከማይ?” ኣነ ኅሩይ እየ!! . . . ዚብል መንፈስ ሕርየት “ኤሊቲዝም” [Elitism] ማለት ናይ ምሩጻትን ምርኡያትን ስምዒት የስዕብ፣ ማዕረ-ማዕረኡ ድማ ንኻልእ ምስትንዓቕ ይመጽእ።

ብኣንጻሩ ከኣ እቲ ድኽነት፣ ነቲ ድኻ ሰፍ ዘይብል ድርብ ሓላፍነት የውድቐሉ፣ በቲ ሓደ ወገን እምነቱ ድኽምቲ ብምዃና፣ ንናይ ኣምላኽ ኃልዮትን ክእለትን ክትማርኽ ዘይምኽኣላ ሓደ ወጽዓ እንኪኸውን፣ በቲ ካልእ መዳይ ድማ እዚ ሕማቕ ሃለዋቱ፡ ከም ሳዕቤን መለኮታዊ ፍርዲ፣ ሓፍ ዘይብል መቕጻዕቲ ማለት ድኽነት ምቕባሉ የስምዕ። እዚ ዘይጽወር ሸከም ኮይኑ፣ ናብ ምስትምሳል የውድቕ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና “ናጻ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ [Neo-libral]” ዚብል ክፋል ክንርኢ ኢና!

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 26 Feb 2021, 03:57

ናጻ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ [Neo-libral]

እዙ ኵሉ ነቲ “ካልእ ወንጌል” ዚርኢ ዝተገንዘብናዮ ኣተሓሳስባ ወይ ሥነ-መለኮት፣ ነቲ ናጻ ወይ ቀይዲ በተኽ (neo-libral) ዝኾነ ኤኮኖምያዊ ፍልስፍና ስነሓሳባት ከገልግል ተባሂሉ፣ ብናቱ ዓቐን ተለኪዑ ዝተሰፍየ ክዳን ጥራሕ ኢኻ ክትብሎ እትኽእል። ካብ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ዚመጽእ ወይ ዚኽተል ሳዕቤን ገሊኡ እንተረኣኻ፣ ቀንዲ ባሕርያቱን ዕላማታቱን ምስ’ቲ ናይ ቦታኡ ናይ ፖለቲካን ኤኮኖምን ረብሓታት (geo-politics) ዝተኣሳሰረ፣ ነዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ምስ ዘበጋገሳ ሃገራት ዚተሓሓዝ ምዃኑ ተስተውዕል። ስለ’ዚ እቲ መደብ እምነትን ወንጌላዊ ስብከትን፣ ነቲ ኅብረተሰብ ክንዲ ዚጸልዎ፣ እቲ ናይ ኅብረተሰብ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን፣ ኣውራ ድማ እቲ ፖለቲካውን ኤኮኖምያውን ረብሓኡ ነቲ ናይ ወንጌል ስብከትን እምነትን ኪጸልዎ ይርከብ ኣሎ ማለት’ዩ። ኣምላኽን መደብ ኣምላክን ንሰብ ክንዲ ዚልውጦ፣ እቲ መደብ ሰብ ተመሊሱ ንኣምላኽን ንመደብ ኣምላኽን ለዊጥዎ፡ ሰብኣዊ መልክዕን መሥርዕን ሂብዎ ይርከብ።

እዚ ዅሉ ናብ ምንታይ ከብጽሕዩ? እንተበልካ፣ ኣመሪካ ከም’ዚ ኾይና ብኤኮኖምን ሃብትን ብቴክኖሎጅን ዝዓበየትን ዝማዕበለትንሲ፣ “ብሳላ ኣብኣ ዘሎ ወንጌላዊ ምንቅስቓስ፣ ማለት በኣኡ ስለ ዝተባረኸትን ዝተመረቐትን ብምዃን እዩ” ክሳብ ምባል ይደፍሩ። ንሳቶም ከም ዚብልዎ ድማ ብኣንጻሩ እቲ ካብ ሪዮ-ግራንደ [ኣርጀንቲና] ኣትሒዙ ኣብ መላእ ደቡብ ኣመሪካ ዘሎ ወገን (90% ካቶሊካዊ) ብድኽነት እንተ ተሣቐየ፡ ሓቁ እዩ፤ ከመይሲ [ብናቶም ፍርዲ] ቤተክርስትያን ካቶሊኽ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ክንዲ ትሰብኽ፣ ንድኽነት ዘይግበኦ ግምትን ከበደትን ብምሃብ ስለ እትምህር እዩ፣ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምስ ገሊኡ ናይ ፖለቲካ ሠረታዊ ዝንባሌ ምትእስሳር ከምዘለዎ እውን ፍሉጥ እዩ።

ምስ ከም’ዚ ዝበለ ዝንባሌ ዚሰማምዑ ገለ ወገን “ኣኽረርቲ” ካቶሊካውያን ኣይሰኣኑን እዮም። መበገሲኡ ወይ ዘራኽቦም ብገለ ወገኑ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል፣ ነኣብነት ብዛዕባ “ምንጻል ጽንሲ፣ ብዛዕባ’ቶም ሓድሕዳዊ መውስቦ ዚፍጽሙ ግብረ ሰዶማውያን . . . ዘሎ ኣረኣእያ ሓደ እዩ፣ ብትሪ ዚነጽግዎ እዩ፣ እዚ ናብ ጽንፋዊ ወገኑ ምስ ተመጠጠ ከኣ፣ ክሳብ ሓደገይና ጽልኢ ዓሌትን፣ ጽልኢ ካልእ እምነት ዚኸይድ፣ ኣብ ትርጓሜ ቅ.መጽሓፍን፡ መደባት እምነትን [intolerance, ultra-litteralism, reductionism] ከኣ ዕዉርን ጸቢብን ኣገባብን መደብን ዜስዕብ ምዃኑ ኪርሳዕ የብሉን። ማለት intolerance, ultra-litteralism, reductionsim የምጽእ። [Cfr.A.SPADARO – M.FIGUEROA, Fondamentalismo evangelicale e integralismo cattolico. Un sorprendente ecumenismo” in Civ. Catt. 2017 III 105-113.
Intolerance = ንኻልእ ዕድል ዘይህብ፣ ዘይዕገሥ፣ ዘይጻወር፣ ካልእ ሓሳብ ዘለዎ ኪህሉ ዘየፍቅድ።
ultra-litteralism = ዓይኒ ዘይብሉ ቃል ብቓል ዚግበር ደረቕ ኣተረጓጕማ ቅ.መጽሓፍ።
reductionism = ንቅዱስ መጽሓፍ ብሓደ ወገን ምጥማቱ፣ ቃል ኣምላኽ ጥራሕ እምበር ናይ ሰብ የብሉን፣ ወይ ናይ ሰብ’ምበር ናይ ኣምላኽ የብሉን ምባል። እቲ ቅኑዕ ኣበሃህላ፡ ቃል-ኣምላኽ ብቓላት ሰብ።]


ከም ሓቁ ኪረኣ ከሎ፣ እዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዘምጽኦ ጸገምን ሳዕቤኑን፣ እቲ ኣብ ወገን ድኻታትን ድኽነትን ዘርእዮ ዝንቡዕ ርድኢት’ዩ። ነቲ ውልቃውነት ዘይናቱን ዘይመልክዓቱን ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ናይ ኅብረትን ሓድነትን፡ ናይ ምድንጋጽን መንፈስ ኣዳኺሙን ኣምኪኑን ሰባት ናብ’ቲ “ተኣምራዊ” መዳይ ጥራሕ ከም ዜድህቡ ይገብር፣ ሃብትን በረኸትን ኪመጽእ እንተኾይኑ፣ ብእምነትን ብተኣምራዊ ኣገባባትን ጥራሕ’ዩ ኪመጽእ ዚኽእል’ምበር፣ በቲ ውልቃውን ማኅበራውን ተወፋይነት (social and political commitment) ኣይኮነን። ምእንት’ዚ እቲ ካብ’ዚ ኪመጽእ ዚኽእል ሓደጋ ርኡይ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኡጋንዳ እዚ ዝንባሌ’ዚ ካብ ዘተሓሳሰቦም ሓደ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ “ምዕባሌን ኤኮኖምያዊ ስጕምትን ሃብትን ዚመጽእ ብስራሕ’ምበር፣ ንሰዓታት ዚኣክል ሆ! እናበልካ ኣብ መዝሙርን ኣብ ምጽባይ ተኣምርን ብምውዓል” ከም ዘይኮነ እናመልከቱ፣ ነቶም ነዚ ዜጐሳጕሱ መራሕቲ ይወቕሱ።

እቶም በዚ “ሓሳዊ ወንጌል” ዝተማረኹ ወይ ዝተሳሕቡ ወገን ድኻታት፣ ኣብ ማኅበራውን ፖለቲካውን “ባዶ ሃዋህው” (vaccum) ከም ዚዕጸዉ ዚከላኸለሎም ዘይብሎም፣ ንርእሶም ኪከላኸሉ ዓቅሚ ዘይብሎምን ይገብሮም። ኣብ ማኅበራዊ መደባት ምስ መጻእካ፣ እዚ “ካልእ ወንጌል” ዝበልናዮ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን”፣ ንሓደ መሠረታዊ ማኅበራዊ ለውጢ ደራኺ ኃይሊ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣብ’ቲ ማኅበረ-ሰባዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ግን ማኅበራዊ ለውጢ መሠረታዊ ጕዳይ እዩ። ማለት እቲ ክርስትና ብውሽጢ መሊኡ፣ ንግዳም ዚፈስስ፡ ነቲ ሰብ ኣብ ምሉእ ብስለትን ዕቤትን ምስ ኣብጽሖ፣ ድሕሪኡ እቲ ክርስትያን ዚገብሮ ዘበለ ኵሉ፣ በቲ መንፈስ ክርስትና ዝተጠምዘዘን ዝተማእዘዘን ይኸውን።

ማክስ ቨበር (Max Weber) ዝተባህለ ምሁር ንፕሮቴስታንቲዝምን ካፒታሊዝምን ብምንጽጻር ዝገበሮ ትንታኔ መሠረታዊ እዩ። ብናይ’ዚ ሰብ’ዚ ትንታኔ፣ ናይ ፕሮቴስታንት ለውጢ ፈለማ ዝነበሮ ናይ ውሽጢ ዓሚቕ መንፈሳውነት ነበረ። ስለ’ዚ ከኣ ምስራሕ፣ ኣብ ስራሕካ ዕዉት ምዃን፣ ዝበለጸ ስራሕ ምስራሕ፣ ኣምላኽ’ውን ዚደልዮ እዩ፡ዚብል ሓሳብ ኣማዕበለ። እዚ ብወገኑ ዝበለጸን ዝበዝሐን ሃብቲ ምእካብ ዚብል፡ ሓሳብን መደብን ኣቀላቒሉ፣ ንሥርዓት ካፒታሊዝም [ርእሰማልነት] ዘበገሰን ዘንቀሳቐሰን ኣገባብ ከም ዝሓዘ፣ ወይ ድማ ከም’ዚ ዝበለ ሓሳብን ዝንባሌን ካብኡ ፈልፊሉ ከም ዝወሓዘ የመልክት። ቀጺሉ ድማ ቀንዲ ናይ ፕሮቴስታንቲዝም ባሕርይን ጠባይን ኮይኑ ምስ’ቲ ምስፍሕፋሑ ከኣ ንሃብትን ርእሰማልነትን ከም ዘጣጥሐ ይዝርዝር። ጽዒርካ ሃብቲ ምኽዕባት ዚብል መርሕ ምኽታል፣ ደረት-ኣልቦ ናይ ውልቂ ባህጊ-ሃብቲ ምኽታል . . . ዳርጋ ናብ ኣምልኾ-ካፒታል ገጹ ከይዱ። ከም መርትዖ ዜቕርቦ፣ ናይ ዓድ እንግሊዝን ሆላንድን ምስጓም (ብካፒታሊስት ኤኮኖሚ)፣ ብተፃዩ ከኣ ናይ’ተን ብካቶሊኽነተን ዝቐጸላ ቤልጂዩምን ስጳንያን ድሕሪት ምትራፍ [ብኤኮኖሚ] ንሃብቲ ቀዳምነት ስለ ዘይተዋህቦ ከምዝኾነ የመልክት። ከም ናቱ ኣበሃህላ ኣብ’ቲ ዝቐደመ ውልቃውነትን ሃብትን ዝዓብለሎ ኣገባብ እንኪምዕብል፣ ኣብ’ቲ ዳሕራይ ግን ንሃብትን ምቾትን ንውልቃውነትን ክንድ’ቲ ግምት ኣይተዋህቦን። [ማክስ ቨበር Max Weber [1864-1920] ስሙይ ናይ ሶሲዮሎጂ ተመራማርን፣ ናይ ኢኮኖሚክስ መምህርን [ኣብ ሃይደልበርግ] እንኪኸውን፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ግድላት ሰባት ብናይ ሶሲዮሎጂ ትንተና ፍታሕ ክንረኽበሉ፣ ካብ ዘበሉ ሰባት ሓደ ኮይኑ፣ The Protestant Ethic and the Spirit of Capitalism ዚብል መሠረታዊ ዝኾነ ንሃይማኖትን ኤኮኖሚያዊ ሥርዓትን ኣመልኪቱ፣ ዋጽእ ጽሑፋዊ መጽናዕቲ ዘቕረበ ሰብ እዩ። ብግዜኡ ኣብ ጀርመን ኣለዉ ካብ ዚበሃሉ ዝነበሩ ናይ ፍልስፍና ሃይማኖትን ኅቡር ንብረትን [Sociology and Sociology of Religion] ናይ ኤኮኖምን ፖለቲካን ነገራት ዚትንትኑ ምሁራትን ምርኡያትን ሓደ ነበረ።]

እዚ ብወገኑ ሓድሽ ነገር ዘይኮነስ፣ እቲ ናይ እኒ ጆን ካልቪን ንውሱን ዕጫን (predestination) ዚርኢ ትምህርቲ ብሓድሽ መልክዕ ዳግም ምምጻኡ ጥራሕ’ዩ ዜመልክት። ብኻልእ መዳይ ክትርእዮ ከሎኻ ድማ ድኅነት ማለት ኣብ’ዚ ምድራውን ጊዜያውን ረብሓን ጠቕምን ተሓጺሩ፣ ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ ዘመን ንዚህልዎ ዋጋን ቁምነገርን ሸለል ኢልዎ ማለት’ዩ። ምእንት’ዚ ኣብ ፕሮተስታንት እውን እቶም ንመደብ ድኅነት በቲ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባን በቲ ዚሜጽእ ናይ መወዳእታ ዘመን ዚርድእዎ ኵሎም፣ ምስ ምድርን ምድራውነትን ንዝተኣሳሰረ ሓድሽ “ካልእ ወንጌል”፣ ፈጺሞም ኣይቕበልዎን ይነጽጕዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣምሪሮም’ውን ዚነቕፍዎ ዚዅንንዎ እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና “ወንጌል ድኅነት ምስ’ቲ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ፈጽሙ ኣይራኸብን” ዚብል ክፋል ክንርኢ ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 16 Mar 2021, 04:25

ወንጌል ድኅነት ምስ’ቲ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ፈጽሙ ኣይራኸብን።

ካብ ፈለማ ዘመን ጵጵስናኦም ኣትሒዞም እዞም ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ፣ ነዚ “ካልእ ወንጌል” ወይ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚብል ባህሊ ብዚግባእ ኣስተውዒሎምሉ፣ ብዚግባእ መርሚሮምን ኣብ’ቲ ማኅበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ተምርኵሶም ብዝርዝር ምላሽ ሂቦምሉ እዮም። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት’ውን፣ እዚ ስሑትን መስሓትን ትምህርት’ዚ ዜምጽኦ ጠንቂ፣ ካብ ምምልካት ዓዲ ኣይወዓሉን። ብዛዕባ’ዚ ንፈለማ ገለ ቓላት ወስ ዘበሉሉ ኣብ ብራዚል (28.07.2013) ንቤትምኽሪ ኣቡናት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዝተዛረቡሉ እዋን እንኪኸውን፣ ብዛዕባ ናይ ቤተክርስትያን እጃምን ዕማምን ኣልዒሎም፣ “ቤተክርስትያን ከም ተራ ኣሳላጢት፡ ሽግር ፈታሒት” (ecclesial functionalism) ክትጥመት ከምዘይብላ፣ ብወገን መደበይና ሓዋርያዊ ተግባር ተራእዩ እውን፣ ናይ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” (theology of prosperity) ሰባኺትን፣ ናይ ግዜያዊ ምድራዊ ጕዳያት ኣሳሳዪትን ኮይና ክትግመት ከም ዘይግባእ የመልክቱ።

ቤተክርትስያን ብኸምዚ ዝተባህለ እትግምገም እንተኾይና፣ መለክዒኣ ኣብ ብቕዓትን ዓወትን፣ ኣብ’ቲ ዚረኣን ዚድነቅን ኣኃዛትን ስታቲስካዊ ጸብጻባትን፣ በዚ ዅሉ ዕውትቲ ትኸውን፣ “ናይ ስራሕን ንግድን [ቢዝነስ] ክእለት” ጥራሕ ደኣ’ምበር፣ ኣምላኻዊ መደብ ድኅነት ዘይንጸባረቓ ኮይና ክትርከብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ዅሉ ግን ካብ’ቲ ምሥጢር እምነትን ድኅነትን ዜርሕቕ ጥራሕ ምዃኑ የረድኡ።

ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ኮርያ፣ ብወርሒ ነሓሰ 2014 ዓ.ም.ፈ. ንኣቡናት ኮርያ ኪዛረብዎም ከለዉ። ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንጳውሎስ (1ቆሮ 11፡17) ንያዕቆብ ሓዋርያ (2፡1-7) ይጠቕሱ። እቲ ዜልዕልዎ ነጥቢ፣ ንድኻታት ሸለል ንዚብላ ኣብያተ ክርስትያን ዝተዋህበ ወቐሳን ከቢድ መጠንቀቕታን ዚርኢ’ዩ። ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ዚብልዎ፣ “እዚ ካብ’ቲ ወገን ሃብትን ምቾትን ዚመጽእ ከቢድ ፈተና’ዩ”። ቀጺሎም’ውን “ተጠንቀቑ! እዛ ቤተክርትያንኩም እትህብትም ዘላ ቤተክርስትያን እያ፣ ኣብ ተልእኮ ዝተጸምደት ዓባያ ቤተክርስትያን ምዃና ርግጽ እዩ። ሠይጣን ነዚ ኽርዳድ’ዚ ኣብ መንጎኹም ከይዘርኦ ተጠንቀቑ። እዚ ንድኻታት ካባኻ ምውጋን፣ በኣቶም ዘይምግዳስ፣ ካብ ናይ ቤተክርስትያን ምስክርነት ካብ’ቲ ናይ ሕይወት ወንጌል ኣገባብን መደብን ብምውጻእ፣ ንቤተክርስትያን ወገን ሃብታማትን ናይ ሃብትን ምቾትን ቤተክርስትያን ንምግባራ ሠይጣን ከይፈታተነኩም ተጠንቀቑ!! ካብ’ቲ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚበሃል ተሓለዉ! መንጎ መንጎ ኣይ ኣይዝሑል ካብ ምዃን ክትጥንቀቑ ኣሎኹም . . .” ይብሉ።

ብመንጽር’ዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ወትሩ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስቲ ማርታ (ቫቲካን) ኣብ ዚህብዎ ቃላት ዕለታዊ ስብከቶም ንጹር ትምህርቲ የቕርቡ። ብፍላይ ብ05 የካቲት 2015 ዝበልዎ ኣዝዩ ብሩህ እዩ። “ድኅነት ማለት “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዘይኮነስ ሓደ ህያብ እዩ፡ ጸጋ እዩ፣ ኢየሱስ’ውን ነኣና ንኺህበና ዝተቐበሎ ህያብ እዩ”፣ ኃይሊ ወንጌል ከኣ፣ “ካብ ርኹሳት መናፍስቲ ዚገላግልን፣ ካብ ኣጋንንቲ ሓራ ኣብ ምውጻእን ምሕዋይን” ዚውዕል ሓይሊ እዩ። ኢየሱስ ዝሃቦ ኃይልን ክእለትን፣ ብናይ’ዚ ዓለም’ዚ ግምት፣ “ዓበይቲ ነገራትን ናይ ንግዲ መደባትን ንምስላጥ” ዝዓለመ ኣይኮነን።

ቀጺሎም’ውን ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ብ19 ግንቦት 2016 ኣብ ዝሃብዎ ኣስተንትኖ፣ “ገሊኣቶም ኣብ’ቲ ወንጌል ሃብትን ምቾትን ዚበሃል ዚኣምኑ ኣለዉ። እዚ ማለት ከኣ ኣምላኽሲ ብዙሕ ሃብቲ እንተደኣ ሂቡካ ኾይኑ፡ ቅኑዕ ጻድቕ ምዃንካ መስኪሩልካ ማለት’ዩ” ይብሉ። እዚ ግን “ፈጺሙ ጊጉይ እዩ፣ ስለ’ዚ ኸኣ እቲ ዘማራይ እውን “ልብኻ ኣብ ሃብቲ ዝጠበቐ ኣይኹን” ይብል። ነቲ መልክእኽቲ ኣጸቢቖም ንኸረድኡ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት፣ ኢየሱስ ጥምት ኣቢሉ ንዘድንቖን ንዝፈትዎን ነቲ ሃብታም መንእሰይ ይጠቕሱ። ስለ ምንታይ እዩ ኢየሱስ ዝፈተዎ? “ቅኑዕ ሕያዋይ ስለዝነበረ እዩ፣ ግና እንታይ እሞ እዩ፣ ልቡ ኣብ ሃብቲ ዝተጣበቐ ነይሩ፣ እዚ ሃብት’ዚ ከኣ ኢደ-እግሩ ኣሲሩ ኣሳሲሩ ውርስ ምባል ከሊእዎ። ንኢየሱስ ምኽታል ኣጸጊምዎ”። እቲ መንእሰይ ናይ’ቲ ሃብቱን ንብረቱን ባርያ ወይ ግዙእ ስለዝኾነ ናጻ ኮይኑ ኪውስን ኣይከኣለን፣ እቲ ዝወነኖ ንብረቱ “ተመሊሱ ወኒኑዎ” ማለት እዩ፣ ካብ’ዚ ዚገድድ ባርነት የልቦን።

ብወንገን’ዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዝበልናዮ ዚወሃብ ናይ እምነት ርድኢትን ሓሳባትን፣ ምስ’ቲ ሓፈሻዊ ናይ ወድሰብ ሃለዋትን፣ ምስ’ቲ ናይ ኃጢኣት ኵነትን ፈጺሙ ዘይራኸብ፣ ኣውራ ድማ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኣሳሰረ፣ ኣብ መወዳእታ ዘመን ምስ ዚመጽእ ወይ ምስ ዚኸውን ድኅነት ዘይኸይድ እዩ። ከመይሲ ነዚ ወንጌል ሃብትን ምቾትን ዚግድሶ እቲ ናይ ውልቂ ዓወትን ስላጤትን ጥራሕ እዩ። እዚ ኸኣ ምስ’ቲ ኣምላኻዊ መደብ ድኅነት ፈጺሙ ኣየሳንን።

እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ነቲ ኣብ ፈለማ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ዝተቐላቐለ “ነገረ ጵላግዩስ”[Pelagianism] የዘኻኽር። ሰብ ብጻዕሩን ብትግሃቱን ኪድሕን፣ ኣብ መደብ ጽድቂ ኪዕወት ይኽእል’ዩ፣ ሓገዝ ኣምላኽ’ውን ኣየድልዮን እዩ፡ ዚብል ኣተሓሳስባ ጰላግዩስ፣ ብኡብኡ ብቤተክርትስትያን ዝተዀነነ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ በቲ ዓቢይ ማዕጾ ቤተክርስትያን ተሰጕጉ ከብቅዕ፣ ሕጂ ከም ብሓዲሽ ብመስኮት ሰሊኹ ከየኣቱ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ከጠንቅቑ ምርካቦም ዘገርም ኣይኮነን፣ ግቡኦም ከኣ እዩ። [Pelagus [ጰላግዩስ] ካብ 383 ክሳብ 409 ኣብ ሮማ ዝተቐመጠ፣ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ብጽኑዕ ሕይወት ምንኵስናኡ ተጋድሎኡን ስሙይ ዝነበረ ሰብ ዘበገሶ መናፍቕነት እዩ። ሰብ ብተጋድሎኡ ጽድቂ ድኅነት ኪዓትር ይኽእል እዩ፣ እቲ ናይ ክርስቶስ እንተኾይኑ ከም ኣብነት ጥራሕ ዘገልግል’ምበር ካልእ ፋይዳ የብሉን ዚብል ባህሊ ነበሮ፣ ብኡብኡ ብቤተክርስትያን ዜድሊ ምላሻትን ውግዘትን ስዒብዎ። ነገረ-ጰላግዩስ [Pelagianism] ማለት እቲ ንሱ ዘልዕሎ ትምህርቲ እዩ። [ኣብ መዝገብ ሃይማኖት ቁጽሪ 285 ረአ] እዚ መደብ’ዚ ኣብ ጻዕርን ድላይን ወድሰብ ዚኣምን [ሓገዝ ጸጋ ኣምላኽ ዘየድልዮ] እንኪ ኸውን፣ እቲ ጽንሕ ኢልና ኣብ ዚመጽእ ገጽ እንርእዮ “ነገረ እምረት” [Gnosticism] ድማ ኣብ ኣእምሮን ፍልጠትን ወድሰብ ዚተኣማመን እዩ፣ ክልቲኡ ትዕቢት ወድሰብ የመልክት። ከም ብሂል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እዘን ዝንባሌ’ዚኣተን ክልተ ረቀቕቲ ሓደገይናታት መልክዕ እናለዋወጣ ኵሉ ጊዜ ዚቀላቐላ ፀረ-ቅድስና ፀረ ክርስትና’ውን ብቐንዱ እየን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና መቐጸልታ “ወንጌል ድኅነት ምስ’ቲ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ፈጽሙ ኣይራኸብን” ዚብል ትንታነ ክንርኢ ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 06 Apr 2021, 03:25

ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ “ተፈሥሑ ወተሓሠዩ”፣ “ተሓጎሱ ደስ’ውን ይበልኩም” [Gaudete et Exsultate] ዘርእስታ ንጸዋዕታ ቅድስና እትምልከት ሓዋርያዊት መልእኽቶም ኣውጺኦም። ኣብ’ዛ መልእኽቶም ከም ዘመልከትዎ፣ “ብሓይሎምን ብዓቕሞምን ጽድቂ ዚጭብጡ ዚመስሎም ክርስትያን ኣለዉ። እዚ ነቲ ሰብኣዊ ድላይን ክእለትን ልዕሊ ዓቅሙ ምምጣጥን ምምላኽን ጥራሕ እዩ፣ ቅኑዕን ሓቀይናን ፍቕሪ ዘየንጸባርቕ፣ ናብ ፍትወትርእስን ኣንነትን፣ “ብሉጽ’የ፡ ሕሩይ እየ፡ ናብ ዚብል መንፈስን ዜውድቕ እዩ” [Cfr. Gaydate et Exsultate; Esortazione Apostolica sulla Chiamata alla Santita’ nel mondo contemp.. Francesco [19.03.2019]n.57] እዚ ዝንባሌ ወይ መንፈስ’ዚ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኪግለጽ ይርከብ፣ “ባዕልኻ ንባዕልኻ ንምሕጋዝ ምብጋስ፣ ንርእስኻ ናይ ኵሉ መዓቀኒ ብምግባር፣ “እኽእል እየ” ዚብል ኣብ ዓወትካን ክእለትካን ናብ ምትእምማን ዜብጽሕ እዩ” [Cfr. Ibid. no57]። እዚ “ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ” [Positive Thinking] ዚብል ሓሳብ፣ ርእስኻ ናይ ኵሉ መዓቀኒ ምግባር፣ ዝተጋነነ ርእሰ-ምትእምማን ምምዕባል ማለት እዩ። ክንዲ ኣብ ኃይሊ ኣምላኽ፣ ኣብ ዓቅሚ ሰብ ምጽጋዕን ምትእምማንን ዜተባብዕ፣ መንፈስ ትዕቢት’ውን ዜንጸላልዎ እዩ።

እዚ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዚብል ሓሳብን መደብን እምበኣር ኣብ ጊዜና ዝተቐላቐለ ዓቢይን ሓደገይናን መናፍቕነት ኪበሃል ይከኣል። ምስ’ቲ ነገረ-እምረት [Gnosticism] ዚበሃል ዚቝጸር እዩ። [ነገረ -እምረት [Gnosticism] እዚ’ውን ኣብተን ቀዳሞት ናይ ክርስትና ዘመናት ዝተቐላቐለ፣ ብጸጋ ክርስቶስ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ብዘሎና “ፍልጠት” ንድሕን ዚብሉ ወገናት ዘንቀሳቕስዎ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ከም መናፍቕነት ብኡ ብኡ’ኳ እንተ ተወገዘ፣ በብግዜኡ ግን ብዝተፈላለየ መልክዑ ኪቀላቐል ተራእዩ። [ኣብ መዝገብ ሃይማኖት ቁጽሪ.285 ረአ] እዚ ፍልስፍናውን ሃይማኖታውን ዝንባሌ ዘለዎ ምንቅስቓስ እዩ። ዓለምን ኣብኡ ዘሎን መበቈል ከም ዝመጽእ የኣምን፣ ኽፉእ ዝፈጠረን ንሠናይ ዝገበረን። ንግዙፍ ኣካል ማለት ሥጋ ዘበለ ይነጽግ። ንእምነት ኣብ “ግላውነት” የዓጽዎ፣ በቲ ንሱ ዚሓስቦን ዚፈልጦን፡ ብኣኡ ጥራሕ ይጸናናዕ፣ ስለዚ እቲ ሰብ ኣብ’ቲ ናይ ስምዒቱን ርድኢቱን ዓለም ተዓጽዩ ይተርፍ።] በዚ ናይ ነገረ-እምረት ኣተሓሳስባ ኃይሊ ኣእምሮን ፍልጠትን ንነገራት፣ ብፍላይ ድማ ነቲ ብመንጽር ኣምላኽ ዚህልወካ ርድኢት መደብ ድኅነት ዚጸሉን ዚልውጥን እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኣዝዩ ጐሊሁ ዚንጸባረቐሉ ኣብ’ቲ ናይ ሜሪ ቤከር ኣኤዲ [Mary Baker Eddy (1821-1910)] ጸላዊ ጽሑፋትን፣ ኣብ’ቲ Christian Science ዝተባህለ ምንቅስቓሳትን ዚረኣ’ዩ። ኣብ ፍልጠቶምን ሓሳባቶምን ጥራሕ ዘድህቡ፣ “ንኣምላኽ ብዘይ ክርስቶስ፣ ንኽርስቶስ ብዘይ ቤተ ክርስትያን፣ ንቤተክርስትያን ብዘይ ሕዝቢ” ዚሃስቡ እዮም[ስብከት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ 11.11.2016] ነቲ ምሥጢር ሥጋዌን ነጺሎም፣ ናይ ኣእምሮን ተመራምሮን ጕዳይ ጥራሕ ይገብርዎ። እዚ ካብ መበል 16 ምእተዓመት ንደሓር ዝተንቀሳቐሰ፣ “እምነት ጥራህ” ዚብል ባንዴራ ኣልዒሉ፣ ነዚ ተጻይ’ቲ ኵሉ መግለጽ እምነት ዝኾነ ዅሉ ተላዒሎም፣ “ክርስትና ናይ ውሽጢ ርድኢት ናይ ውሽጢ ብርሃን ጥራሕ ኮይኑ፣ ምስ ኣምላኽ ዚግበር ውሽጣዊ ርክብ “ጥራሕ” ኪኸውን ኣለዎ። ካብ ግዳማዊ “ቐንጠ-መንጢ”፡ ካብ ኣረምነትን ዓለምነትን ካብ ዝመጽአ ብግብሪ ዚረአ ናይ ሕይወት መግለጺታት ኵሉ ከነንጽሖ ኣሎና. . . ዚብል ሓሳብ ተበጋገሰ። [RobertCardinal Saraj in Conversation with Nicolas Diat, The Day Is Now Far Spent, Ignatius Press, San Francisco 2019] ስለ’ዚ ክርስትና ኣብ ከም’ቲ ናይ ሓደ እዋን “ግኖዚስ” [gnosis] ይወድቕ።

ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣነጺሮም ከም ዝበልዎ፣ እዚ ናይ ነገረ-እምረት ዝንባሌ ብባህሪኡ ዜስዕቦ ጌጋኡ፡ ነቲ ምሥጢር ኣምላኽን መደብ ጸጋኡን ብሰብኣዊ ዓቕሚ ኪበጽሖ ከምዚኽእል ምሕሳቡ እዩ። ንሃይማኖት ኮነ ንእምነት፡ ኣብ ድላይ ሰብ ኣውሪድካ፣ ንረብሓኻን ነቲ ሥነ-ልቦናዊ ሥነ-ኣእምሮኣዊ ጻዕርታትካን ፈተነኻን ከም ዘገልግል ምግባር’ዩ። ከም ሓቁ ግን “ኣምላኽ መወዳእታ ብዘይብሉ ኣገባብ ካባና ንላዕሊ እዩ፣ ምጽኣቱ ኮነ ግልጸቱ ከኣ ወትሩ ከስደምመና ዚነብር ደኣ እምበር፣ ነቲ ንሱ ዚርከበሉን ዚሰርሓሉን ኵነታት ንሕና ከም ድላይና እንውስነሉ ኣይኮነን። ምስኡ ንእንራኸበሉ ኣገባብን መደብን’ውን እንተ ኾነ፣ ንሕና እንውስኖ ወይ ኣብ ዓቕምና ኣይኮነን። ንዅነታቱ ንምልዋጥ ብናይ ሥነ-ኣእምሮ ኮነ ሥነ-ልቦና “ንእምነትን” ኣገባብ ከም መጋበሪ እንጥቀመሉ፣ ካልእ ዘይኮነስ “ንኃይሊ ኣምላኽን ልዕልናኡን ንምቍጽጻር ዚግበር ዘይውጻእ ፈተነ ጥራሕ እዩ” [Cfr. Gaudete et Exsultate; Esortazione Apostolica sulla Chiamata alla Santita’ nel mondo contemp.. Franceso [19.03.2019] No.41]

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና መቐጸልታ “ወንጌል ድኅነት ምስ’ቲ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ፈጽሙ ኣይራኸብን” ዚብል ትንታነ ክንርኢ ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 13 Apr 2021, 04:33

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡዎ ኢኻትኩም፣ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ክትህብትሙ ሃብታም ከሎ ምእንታኻትኩም ኪብል ደኸየ። ብዛዕባ እዚ ነገር’ዚ ነኣኻትኩም ዚኸውን ዚጠቅም ክመኽረኩም፣ ንስኻትኩም ብትምኒት ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪው’ን፣ ካብ ዓሚ ዠሚርኩም ቀዳሞት ኢኹም። እምበኣር ከስ ሕጂ ከኣ ነቲ ተሓጕስኩም ክትገብሩዎ ዝሓሰብኩምዎ ከም ዓቕምኹም ኣብ ግብሪ ኣውዕልዎ። ጽቡቕ ፍቓድ እንተደኣ ኣልዩ፣ ሰብ እቲ ዘለዎ እንተሃበ’ዩ ከምቅቡል ዚቝጸረሉ’ምበር እቲ ዓቕሙ ዘይፈቕደሉ እንተሃበ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ንምትኽኻል ኢልና ኢና’ምበር፣ ነኣኻትኩም ኣሸጊርና ንኻልኦት ከነርህወሎም ኢልና ኣይኮንናን። ከም ወዮ “እቲ ብዙሕ ዝሓፈሰ ኣየብዝሐ፣ እቲ ቍሩብ ዝሓፈሰ ኣየጕደለ” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፣ ንጊዜኡ እቲ ጽጋብኩም ነቲ ስእነቶም ኪምልእ፣ እቲ ጽጋቦም ከኣ ንስእነትኩም ኪምልእ’ሞ ኣብ’ቲ ምክፍፋል ማዕረ-ማዕረ ኪኸውን ኢለ እየ እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ”። (2ቆሮ.8፡9-15)

ምእንት’ዚ ብናይ ጳውሎስ ኣበሃህላ ክልቲኣቶም እቶም ዝሰኣኑን ዝረኸቡን ብሓደ ዓይነት ዚተሓገገዙ ዚደጋገፍፉ እዮም። “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ካብ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዜቕርቦ፣ ኣብ 2ቆሮ.8፡9-15 እነንብቦ መጸዋዕታ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ፣ “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ክትህብትሙ ሃብታም ከሎ ምእንታኻትኩም ደኸየ” (2ቆሮ.8፡9)፣ ንኣመሪካ ዝኣተዉ እቶም ቀዳሞት ሰፋሮ፣ ካብ ዝነበሮም ሕልምን ባህግን እውን እንተኾነ፣ እዚ “ካልእ ወንጌል” ኣዝዩ ዝረሓቐ’ዩ፣ ከም ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝበሉ ካብ ዝሃብዎ ማኅበረ-ሰባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ፣ ካብ’ቲ “ይረኣየኒ ኣሎ፣ ሕልሚ ኣሎኒ” [“I have a dream”] ዚብል ስብከቶም’ውን ፈጺሙ ዝረሓቐ እዩ።

ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኵነታት ናይ ካቶሊካውያን መትከል እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ? ካብ’ቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃላት ምብጋስ የድሊ፣ “ካልእ ወንጌል” ፈጺሙ ክንቅበሎ ዘይንኽእል እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዚፃረር፣ ኢየሱስ ባዕሉ ኮነ ሓዋርያት ንዝሰበኽዎ፣ ንሳቶም ከም እኒ ጢሞቴዎስ ንዝበሉ ተካእቶም ሕድሪ ንዘረከብዎ ቅኑዕን ብቑዕን ወንጌል ዚቃወም፣ ከምኡ’ውን ካብ’ታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ኣትሒዙ፣ ክሳብ ሕጂ ቤተክርስትያን ዝሰበኸቶን፣ ብሕይወት ምስ ዝነበረቶን [ትውፊት] ዘይሰማማዕ “ካልእ” ወንጌል እዩ። ንመንነትን ተልእኮትን ኢየሱስ ኣብ ግምት ዘየእተወ፣ ንምሥጢር ክርስትናን ወንጌልን ፈጺሙ ዘዘናብል እዩ።

ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኣብ’ዚ ምድሪ ንምድራቱ ዚግበር ፈተነ ዝኾነ ተቐባልነት ኪህልዎ ኣይኽእልን፣ ቅድሚ ሕጂ’ውን ከም’ዚ ንዝበለ ዝንባሌታት ብዝመጽአ ይምጻእ፣ ቤተክርስትያን ብንጹር ኰኒናቶ ኢያ፣ ርግጽ’ዩ ንኣምላኽን ንእምነትን ቀዳምነት ዚህብ ኣተሓሳስባን ግምትን ቦታን ኪወሃቦ ምተገበአ፣ እንተኾነ ኣብ ዘይመዓላኡ ዜውዕሎ፣ ነቲ ኣብ መደብ ኣምላኽ ዝነበረ፣ ኢየሱስ ዝተኸተሎ ኣገባብ ዚጻረር እዩ። ኢየሱስ’ውን ኣብ ግዜ ስብከቱ፣ በቲ ዚገበሮ ዝነበረ ተኣምርን ፍሉይ ንግግርን ዝተደነቑ ሰዓብቱ ተሃዊኾም፣ ነቲ ነገር ቅድሚ ጊዜኡ ከይገልጽዎ የጠንቅቖም ነይሩ። ስለምንታይ? ነቲ መንነትን ተልእኮን ኢየሱስ ብጌጋ ንኸይርድእዎ እዩ። ብፍላይ ሓደ እዋን ኢየሱስ ነቶም ሰባት እንጌራ ኣብዚሑ ምስ ኣጽገቦም፣ ንጉሥ ኪገብርዎ፣ ማለት ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ዚድረት ምድራዊ ንጉሥ ኪገብርዎ ምስ ፈተኑ፣ ኸመይ ኢሉ ካብኦም ከም ዘምለጠ እንፈልጦ እዩ።

“እተናድዩኒ ዘለኹም፣ እንጌራ በሊዕኩም ስለዝጸገብኩም ኢኹም’ምበር፣ በቲ ዝረኣኹምዎ ትእምርቲ ከም ዘይኮነ፡ በሓቂ በሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ እምበኣር ምእንት’ቲ ሓላፊ መግቢ ዘይኮነስ፣ ምእንት’ቲ ወድሰብ ዚህበኩም ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዚኸውን መግቢ ጸዓሩ”። [ዮሓ.6፡26-27]

እዚ ቃል’ዚ መሠረታዊ እዩ። እቲ ዝዓበየ ንኣምላኽ ዚግድስ ጕዳይ ወድሰብ፣ ድኅነትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኢዩ’ምበር፣ እቲ “ኃላፊ መግቢ” ዚብሎ ዘሎ፡ ምድራዊ ሃብትን ንብረትን ኣይኮነን።
እቶም “ካልእ ወንጌል” ዚሰብኩ ግን ነቲ ባህርያዊ ዝንባሌን ድሌትን ናይ ወድሰብ መዝሚዞምዎ እዮም። ኣብ ዘይመዓልኡ ከውዕልዎ ከኣ ንርእዮም ኣሎና። ነዚ ዅሉ ኣመልኪቶም ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብታ “ምሕረትን ውርደትን” [ቍ.3] እትብል መልእኽቶም ከም’ዚ ዚስዕብ ይብሉ፦

ኣብ’ዚ ቴክኖሎጂ ዝዓብለለሉ መደብ ሓሳባትን ሥነሕይወትን፣ ጓህን ተነጽሎን ኣዝዩ ይገንን’ዩ ዘሎ፤ ኣውራ ከኣ ኣብ መንጎ መንእሰያት ዘጋጥም ተርእዮ ኮይኑ። እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መጻኢ እዋን እንተ ኾይኑ፣ ርግኣት ዘይብሉ፡ ናይ ዘይርግጽነት ግዳይ ዚኸውን ይመስል። እዚ ድማ ብወገኑ ጭንቀትን ስግኣትን፣ ሓዘንን ምስልካይን ኣምጺኡ፣ በብቝሩብ ከኣ ናብ ቀቢጸ-ተስፋ ይወስድ። ጸጸኒሑ ንዚቀላቐለና፣ ብሰብ-ሰርሖ ምድራዊ ገነት ኣቢሉ፣ ቀሊልን ቅልጡፍን [ሓሳዊ] ሓጐስ ዚመባጻዓልና ሓሳዊ ተስፋ ካባና ከነወግዶ እንተደኣ ደሊና፣ ናይታ ሓቀይና ተስፋን ሓጐስን መሰኻኽር የድልዩና። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ዚነብርዎ ዘለዉ ዓሚቝ ስምዒት ባዶነት [emptiness] ኪሰዓርን ኪስገርን ዚኽእል፣ በቲ ኣብ ልባትና ዝሓደረ ተስፋን፣ በቲ ንሱ ዚህቦ ሓጐስን እዩ። ብምሕረት ኣምላኽ ካብ ዝተተንከፈ ልቢ ዚወጽእ ሓጐስ ከምዘሎ ክንፈልጥን ክንቅበልን የድሊ። [ምሕረትን ውርደትን ቍ.3]

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ” ዚብል ትንታነ ክንርኢ ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 29 Apr 2021, 05:02

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

1) ናይቅዱስ መጽሓፍ ምስክርነት ብሰፊሑ ከም ዘርእየና፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናይ’ቶም ግፉዓትን ጥቑዓትን፣ ናይ እቶም ድኻታትን ወገን ከምዝኾነ ግልጺ እዩ። ማንም ኪኽሕዶ ዘይኽእል ሓቂ እዩ። ካብ ነቢያት እውን [ኣሞጽ ነኣብነት] ንድኻታት ይብድሉ ንዝነበሩ ሃብታማትን ሰብ በርከትን፡ ብተሪር ከም ዝወቐስዎም ደኣ’ምበር በቲ ዝገበርዎ ኪንእድዎም ኣይስምዑን። ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ንባባት ብሉይ ኪዳን ከም ዚረኣ፣ ኣምላኽ ነቲ ምድራዊ ዓስቢ ሕልፊ ከም ዘተኵረሉ ኣምሲሉ ይገልጽ። እዚ ግን ብምድራዊ ኣገባብ ኣቢሉ ኣምላኽ ናብ’ቲ ዝዓበየ ጸጋኡ ንኸሰጋግሮም ዝዓለመ ነበረ፣ ምእንት’ዚ ግዜያዊ እዩ፣ ብመዳይ እምነቱ ኣብ ሕፃንነት ንዝነበረ ሕዝቢ “ንመዕበያ” ዝተጠቕመሉ ግዜያዊ ኣገባብ እዩ።

ኣምላኽ ኣብ’ቲ ግዜያዊ ወይ ምድራዊ ሃብትን ዓወትን ጥራሕ ዘተኵር እንተኾይኑ፣ ከም እኒ ኤልያስ ኤርምያስ ነቢይ ዘሕለፍዎ ተልእኮትን ሕይወትንከ ደኣ፣ ብዓይኒ’ዞም ሰበኽቲ “ካልእ ወንጌል” ከመይ ኪረኣ እዩ? ብሰብኣውን ግዳማውን ኣገባብ ተራእዩ፣ ብርግጽ ዕዉት ሕይወት ኣይነበሮምን፣ ዜሕጕስ ሕይወት ኣይተራእዮምን፣ ግና ነቕ ዘይብል እምነታዊ ርድኢትን ከም ዝነበሮም ዘካትዓና ነጥቢ ኣይኮነን። እዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ዕብራዉያን[11፡32-12፡3] ዘመሓላልፎ ትምህርቲ ምግንዛብ የድሊ።

ብዛዕባ ጌዴዎን፡ ባርቕ፡ ዮፍታሔ፡ ሳምሶን፡ ዳዊት፡ ሳሙኤል ካልኦት ነቢያት እንታይ’ሞ ክብል’የ! ብዛዕባኣቶም ከዘንትወልኩም ጊዜ የሓጽረኒ ንሳቶም ብእምነት ተዋጊኦም መንግሥታት ሠዓሩ፣ ፍትሒ ኣውጽኡ፣ ነቲ እግዚኣብሔር ዘተስፈዎም ረኸቡ፣ ኣፍ ኣናብስ ዓጸዉ፣ ኃይሊ እሳት ኣጥፍኡ፣ ካብ ስሕለት ሴፍ ደሓኑ፣ ኣብ ድኻሞም በርትዑ፣ ኣብ ውግእ ዓወት ረኸቡ፣ ንወረራ ጸላእቲ ንድሕሪት መለሱ። ገሊኣተን ደቀንስትዮ ንምዉታተን ከም ብትንሣኤ ተቐበላኦም ካልኦት’ውን እቲ ዝበለጸ ትንሣኤ ምእንቲ ኪረኽቡ ነቲ ዘቕረቡሎም ምሕረት ነጺጎም ተገርፉ፣ ኣብ መጨረሻ ካበታቶም ብዳርባ-እምኒ ተጨፍጨፉ፣ ገለ ብብርቱዕ ተሣቐዩ፣ ብመጋዝ ተቘርጹ፣ ብሴፍ ተቐንጸሉ፣ ገለ ኣጎዛ ኣባጊዕን ቆርበት ኣጣልን ተኸዲኖም ኪዞሩ ተገደዱ፣ ገለ ብስእነት ተሸጊሮም ሓሳረ-መከራ ጸገቡ። ንዓለም ስለ ዝነጸግዋ፣ ኣብ ፈቐዶ በረኻን እምባታትን፣ ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድን ኪዅብልሉ ተገደዱ። እዞም ዝበልናዮም ሽሕ’ኳ ብእምነቶም ከመይ ዝበለ ምስክር እንተ ረኸቡ፣ እግዚኣብሔር ነኣና ዝበለጸ ነገር ስለ ዝሓሰበልና፣ ንሳቶም ብዘይካና ኣብ ፍጻሜ ምእንቲ ከይበጽሑ፣ ንዝሃቦም ተስፋ ንሕና ዘይብሉ ኪረኽቡዋ ኣይኸኣሉን።

[ምዕ።12] እምበኣርከስ ነኣና’ውን ክንድዚ’ኦም ዚኣኽሉ መሰኻኽር “ከም ደመና ከቢቦምና” ኣለዉ’ሞ፣ ነቲ ዚኸብደናን ዘደናግረናን ዘሎ ኃጢኣት ደርቢና፣ በቲ ተሓንጺጹልና ዘሎ መሥመር ትዕግሥቲ ንቀዳደም። ሃምናን ቀልብናን ናብ’ቲ ናይ እምነትና ዋናን መፈጸምታን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንግበር። ንሱ ንውርደትና ንዒቑ፣ ኣብ ክንድ’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሪቡ ዝነበረ ታሕጓስ፣ ነቲ ሕፍረት ዝኾነ መስቀል ተዓገሠ እሞ፣ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሔር ተቐመጠ። [ዕብ. 11፡32-12፡3]

2) ኢየሱስ ዝሰበኾ ወንጌል’ውን እንተኾነ፣ እዞም “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ዝዕላማኦም ካብ ዚሰብክዎ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። “መንግሥተይ ናይ’ዚ ዓለም’ዚ ኣይኮነትን” ብምባል ንጹር መልእኽቲ ገዲፉ እዩ። ብርግጽ ከኣ ምስ’ቲ “ካልእ ወንጌል” ፈጺሙ ዘራኽብ የብሉን። ኢየሱስ’ውን እንተኾነ፣ ብመደብ ዓለም ኪረኣ ከሎ ፈጺሙ ዘይተዓወተ፣ ብሕፃኑ ኣብ ስደት ዝኸደ። ብግዜ ስብከቱ ዘይከበረ፣ ዝተሰቕለ፣ ዝሞተ ዝተቐብረ እዩ፣ ርእሱ ዘጸግዓላ ዘይረኸበ፣ እዚ ወንጌል ሃብትን ምቾትን ደኣ ኣበየናይ መደቡ ከእትዎ እዩ? እቲ ንሳቶም ዚምጕቱሉ ሃብቲ ጥቓኡ ኣይቀረበን፣ እቲ ምቾትን ጣዕምን ዚበሃል፣ ኣብ ሕይወቱ ፈጺሙ ኣይተረኽበን፣ እኳ ደኣ መስቀል’ዩ ዝጸወረ፣ እቲ ተኸታሊኡ ከኣ መስቀል ኪጸውር ከም ዘለዎ፣ ደጋጊሙ ኣነጺሩ ዝበሎ’ዩ፤ ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ትርጓሜ ከነውጽኣሉ’ውን ኣይንኽእልን ኢና። ካልእ መንገዲ ክንፈጥረሉ ዘይከኣል እዩ። ክርስትያን ከኣ ካብ ጥንቲ ብኸም’ዚ ተረዲኦምዎ፣ ኣብ ግብሪ ኬውዕልዎን፣ ንኽርስቶስ ኣሰሩ ኪኽተሉን ተረኸቡ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና ናይዚ “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ” ዚብል ትንታነ መቀጸልታ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 19 Jun 2021, 02:52

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

3. “ወይለኹም ሃብትማት’ዛ ዓለም . . .” እናበለ ኸሎ፣ ከም ናይ ክርስቶስ አምሲልካ “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ምስባኽ ማለት፣ ክርስቶስ ንሓድሓዱ ከም ዚጋጮ ምግባር ማለት እዩ። “ክርስቶስ’ዶ ተመቓቒሉ እዩ? (1ቆሮ.1፡13) በ’ንጻሩ “እቶም ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ዕዉታት [ሕጉሳት] እዮም፣ ከመይ መንግሥተ ሰማያት ናታቶም እያ” (ማቴ.5፡3) ኪብል ከሎ ንጹር ይመስል፣ እንታይ ከነውጽኣሉ ንኽእል።

ኣብ’ቶም ሃብታማት ዘይኮኑ፣ ሓጎስ ብሃብቲ ከም ዚርከብ ኪንገር ከሎ፣ እዚ ናይ ክርስቶስ ወንጌልን፣ ናይዞም ካልኦት “ወንጌል”ን ፈጺሙ ይራጸም ኣሎ ማለት’ዩ። እቲ ሃብታምን፡ ድኻ ኣልኣዛርንከ እንታይ ዲዮም? እወ ኣብ ምድሪ እቲ ሃብታም፣ ብዙሕ ከም ዝተሓጐሰ ወንጌል’ውን አነጺሩ ዚገልጾ እዩ። እቲ ናይ ምድሪ ሓጐስን ሃብትን ግን ንመንግሥተ ሰማይ ከምዘየብቅዕ ተገሊጹ፣ እቲ ዝለዓለ ሃብቲ “መንግሥቲ እግዚኣብሔር” ከምዝኾነ ድሕሪ ነጊሩ፣ ነዚ ምስ ኣረጋገጽካ፣ ናይ ምድሪ ደሓር ዚውሰኽ ምዃኑ ኪነግር እንከሎ፣ ቀዳምነት ዚወሃብ ከምዘይኮነ ይገልጽ። እዚ ዅሉ ብመንጽር ሃብትን ምቾትን ጣዕምን ዚበሃል ዘሎ ደኣ ካበይ ዝመጽአ እዩ? እንተበልካ፣ ምህዞ ሰብን፡ ናይ ሰብ “ወንጌል”ን ጥራሕ ኢና ክንብሎ እንኽእል፣ ብሓጺሩ “ንስኻትኩም ናይ ሰብ ኢኹም እተሓስቡ” ምባሎም ጥራሕ የኣኽል።

4. “ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም’ሞ ወይለኹም! ኣቱም ሕጂ እትጸግቡ ክትጠምዩ ኢኹም’ሞ ወይለኹም! ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም’ሞ ወይለኹም!!” [ሉቃ.6፡24-25]

ንድኻታት ብዝበሎ መጠን፣ ናይ ብፅዕናን ታሕጓስን ቃላት፣ መጠኑ ከኣ ንሃብታማት “ውጹዓት ኢኹም ወይለኹም!” ይብሎም፣ ይዅንኖም ዘይኮነስ፣ ይድንግጸሎም’ዩ ዘሎ ኪበሃል ይክኣል። እቲ ናይ መንግሥተ-ሰማይ ቁምነገርን፣ ናይ ሃብቲ ምድሪ ነገርን ፈጺሙ ዘይቃረብ ዘይወዳደር ምዃኑ የመልክት። ስለ’ዚ እቲ ንሃብታማት ዝተባህለ ቃላት መጠንቀቕታ መለበሚ እዩ። በዚ ኣበሃህላ’ዚ እምበኣር ናይ ኢየሱስ ዕላማ፣ ነቶም ናይ ሃብቲ ግዙኣትን ባራዩን ኮይኖም ዘለዉ፣ ሓራ ከም ዚወጽኡን ናብ ኣምላኽ፣ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዚምለሱን ንምግባር እዩ። በዚ ኸኣ ነኣኣቶምን ንዅሉ ሰብን ዘለዎ ኵለንትናዊ ፍቕሪ ይገልጽን የረጋግጽን። ተስፋ ወንጌልን ድኅነቱን ንዅሉ ብዘይ ሌላን ጕሌላን ከም ዝኾነ፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሃብትን፡ ምድራዊ ንብረትን ዘለዉ’ውን ዘጠቓልል ምዃኑ የረድእ።

ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ወንጌል ሉቃስ ዘለዉ ሃብታማት እንመን እዮም? ወይ ከመይ ዝበሉ’ዮም? ክንብል ግዲ እዩ። “እቶም ድኻታት ዘይኮኑ” ኢልና፡ ኣብኡ ከሎ ብድብድቡ እነሓልፎ ኣይኪኸውንን’ዩ። ነቶም ብሃብትን ብበርከትን ዚጥመቱን፣ ብዅሉ ምርኡያትን ዝኮኑ’ውን ኣይመስልን። ከመይ እዚ ከምዚ ዝበለ ሃብቲ ኣድላዪ ኮይኑ፣ ዅሉ ሰብ ኪጥምቶን ኪረኽቦን ዚብህጎ እዩ።

እዞም “ወይለኹም!!” ዚበሃሎም ዘሎ፣ እንመን ምኳኖም ኣነጺርካ ንምፍላይ፣ወንጌል ብዛዕባ ሃብትን ሃብታማትን ንዚብሎ ዅሉ ምድህሳስ ከድሊ እዩ። ንሱኸኣ ብኸምዚ ዚስዕብ ኪጠቓለል ይኸኣል፦

ሀ) እዞም “ሃብታማት” ዚበሃሉ ዘለዉ፣ ካብ’ቲ ዜድልዮም ንላዕሊ፣ ንስለ ምውናን ኢሎም ጥራሕ ሃብቲ ዘኻዕብሩ እዮም። ካብ’ቲ ዜድልዮ ንላዕሊ ብዙሕ ከቕምጥ ኢሉ፣ ነቲ ዝነበሮ ጸቢብ መዓኸኑ ኣፍሪሱ ሓዲስን ገፊሕን ኪሓንጽ ንዝመደበ፣ “ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ’ዚኣ ንነፍስኻ ኪወስድዋ እዮም፣ እዚ ዅሉ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧ እቲ ንርእሱ ሃብቲ ዚእከብ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ሃብታም ዘይኮነ ከምኡ ኢዩ” ከም ዚበሎ ኣምላኽ፣ ኢየሱስ ኣነጺሩ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። [ሉቃ. 12:20, ማቴ. 6፡19-23 ረአ]

ለ) እዞም “ሃብታማት” እዚኣቶም ካብ ሃብቶምን ርኽበቶምን ንኻልእ ዘየካፍሉ፣ ኣብ ኣገልግሎት ካልእ ዘየውዕሉ ምዃኖም፣ ካብ’ቲ ናይ ኣልኣዛርን ናይቲ ሃብታምን ምሳሌ እንርደኦ እዩ። [ሉቃ. 16፡19-31]

ሐ) እዞም “ሃብታማት”ዚኣቶም ንሃብቲ፡ ንኽእለት፡ ንሥልጣን፡ ንጸብለልትነት፡ ንስምን፡ ንዝናን ልዕሊ ዅሉ ሰቒሎም፣ ቀዳምነት ሂቦም ከም “ኣምላኾም” ዚሰግድሉ እዮም። ንሃብቲ ናብ “ጣዖት” ዝለወጡ እዮም፣ ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ . . . ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ወላ ሓደ’ኳ የልቦን . . . ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” [ማቴ. 6፡21-24]።

በዚ ዓይነት’ዚ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሃብታማትን እቲ ሃብቶምን ምስ መንግሥቲ ኣምላኽ ዘየሳንዩ እዮም። ስለ’ዚ ኪንስሑን ኪነጽሑን ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪምለሱን የድሊ፤ ከም’ቲ ናይ ዘኬዎስ ዝበለ ተባዕን ቈራጽን ውሳኔ ኪገብሩ ግዲ’ዩ። ኢየሱስ’ምበር ብዚገብሮ ስብከትን ብዚህቦ ጸጋታትን፣ ምድራዊ በርከት አፍሲሱ፣ ንሰባት ወይ ንሃብታማት ኣብ ትሕቲ ባርነት ሃብቲ ከም ዚኣትዉ ንምግባር ዘይኮነስ፣ ብሃብትን ክእለትን ሥልጣንን ተደሪኾም በኣኡ ተማሪኾም ካብ ዚርከቡሉ ዅነታት፣ ሓራ ዚወጽኡሉ መንገዲ ምሕባርን ምንጋርን፣ ንመንግሥቲ ኣምላኽን፣ ምእንቲ መንግሥቲ ኣምላኽን ብተስፋ ምንባርን ይምህሮም የበሥሮም።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና ናይዚ “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ” ዚብል ትንታነ መቀጸልታ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 08 Jul 2021, 04:42

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

5.) እቶም ድኻታት ብመንጽር መንግሥቲ ኣምላኽ ተራእዮም፣ በቲ ድኽነቶም “ሕጉሳት” ወይ “ዕዉታት” ከም ዝኾኑ፣ [ሕያዎት ቅኑዓት ምዃን ዘይምዃን ብዘየገድስ] ሃብታማት ድማ ክፉኣት ኮይኖም ኣይኮይኖም በቲ ሃብቶም ዚኣክል’ዩ፡ “ወይለኹም!” ዚብል ቃል ዚመጻኦም ዘሎ። እዚ ዚበሃል ዘሎ ሃብታም፣ ምስ’ቲ ኵሉ ሃብቱ ከሎ፣ ክፉእን ገፋዕን ኮይኑ ምስ ዚርከብ ከኣ፣ ነቲ ዅነቱ ኣጸቢቑ የጋድዶ፣ ካብ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ፈጺሙ የወግዶ።

እዚ ዅሉ ኣብ ማቴ.19፡16-26 እንረኽቦ እዩ፣ ኢየሱስ ኪኽተሎ ምስ ዝሓተቶ ሃብታም መንእሰይ፡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ተነጺሩ ኣሎ። እዚ መንእሰይ’ዚ ክፉእ ከም ዘይገበረ፣ ትእዛዛት ከም ዚሕሉ ብዚግባእ ተመልኪቱ ኣሎ፣ “ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ክሕልዎ ጸኒሐ እየ፣ ገለ ዝተረፈኒ ካልእ ደኣ እንተሎ?” (ማቴ.19፡20) ይብል፣ ድሕር’ዚ ኢየሱስ ዘቕረበሉ ሕቶ፣ ንሃብቱ ዚርኢ እዩ፣ ነዚሃብቲ ምስ ካልኦት ኪማቐሎ፣ ንኻልኦት ከካፍሎ ፍቓደይና እንተኾይኑ፣ ድሕሪኡ ኪስዕቦ ከም ዚኽእል ነገሮ። ወዮ መንእሰይ ድማ “ብዙሕ ሃብቲ ስለዝነበሮ፡ ነዚ ቓል’ዚ ምስ ሰምዐ እናጐሃየ ከደ” (ማቴ 19፡22)። እንታይ ኢና እንርኢ ዘሎና? እቲ ሃብቱ ወይ ሃብታም ምዃኑ፣ ተኸታሊ ኢየሱስ እንካብ ምዃን ዓጊትዎ፣ “ተኸተለኒ” (ማቴ.19፡21) ንዚብል ቃል ኢየሱስ ምስማዕ ምፍጻም ኣጸጊምዎ። ምስ’ቲ ሃብታም መንእሰይ ካብዝገበሮ ርክብ ተበጊሱ ኢየሱስ፣ ንሃብትን ሃብታማትን ዚርኢ፣ ዓሚቝ ሓዲሽ ኪዳን ትምህርቲ ሃበ።

“ሃብታም ናብ መንግሥተ ሰማይ ኪኣቱስ ጭንቂ ከም ዝኾነ፣ በሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ደጊመ’ውን ሃብታም ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኪሓልፍ ከም ዚቐልል እብለኩም ኣሎኹ”። (ማቴ. 19፡23-24)

6.) ስለምንታይ ግን፡ ኣብ መንጎ ሃብትን መንግሥቲ ኣምላኽን ከም’ዚ ዝበለ ተፃይነት ዘሎ? ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ፣ ሃብታማት ኣብ ርእሶም ዚተኣማመኑ፣ ንኻልኦት ቍሊሕ ዘይብሉ፣ ነቶም ውጽዓትን ድኻታትን ወገናት ዝረስዑ እዮም። ኣብ ክርስትና ድማ፣ “ንኻልእ ዘይምጕዳእ፣ ሕማቕ ዘይምግባር” ጥራሕ እኹል ኣይኮነን። ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ንምእታው፣ ንኻልኦት ምርኅራኅ ምድንጋጽ፣ ዘሎካ ንኻልእ ምክፋልን ሠናይ ምግባርን እውን የድሊ። እቲ ናይ ኣልኣዛርን ናይ’ቲ ሃብታምን ምሳሌ፣ እቲ ንመወዳእታ ፍርዲ ዚርኢ ምሳሌ (ማቴ. 25፡31-46) [ዮሓ. 5፡25-29, ራእ. 20፡11-12 ከምኡውን፡ መዝ. ሃይ. 1038-1039 ረአ]፣ ትምህርቱ እዚ’ዩ። ፈቲና ጸሊእና ናብ መንግሥተ ሰማይ ዜእቱ ኣፈቤት፣ ምስ ኣኅዋት ዚህልወካ ኅብረትን ሱታፌን እዩ።

“ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሒቕኩም ናብ’ቲ ንሠይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለዓለም ሓዊ ኪዱ። ምኽንያቱ ጠምየ ኣየብላዕኩምንን፡ ጸሚአ ኣየስተኹምንን . . “ (ማቴ.25፡41-46)።

እዚ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ [25፡31-46] ዘሎ ዝርዝር ብኸምኡ ዚሕለፍ ኣይኮነን። ዕምቝ ዝበለ ኣስተንትኖ ዚሓትት እዩ። ንኣምላኽ ደስ ዜብል ዓይነት ቅድስና ሃሰስ ንብል እንተሊና፣ እዚ ወገን ወንጌል ነቲ ዝበለጸን ዝተረጋገጸን መንገዲ ቅድስና የቕርበልና ኣሎ። ገለ ኣገባባት ግብረ ሠናይ ዚሕብር ብሕቱ ዘይኮነስ፣ ኡነተይና ሥእሊ ክርስቶስን ክርስቶሳዊ መንነትን ዚህበና እዩ። ንኽርስቶስ ኣብ ገጽ’ቲ ዝደኸየን ዝጠመየን ክትረክቦ ማለት፣ እቲ ናይ ክርስቶስ ርኅሩኅ ልቡን፣ ኣሰር ቅድስናኡን ሃሰስ ዚብል ኪመስሎ ዘለዎ፣ ንናይ ክርስቶስ ስምዒታቱን ምርጫታቱን ዚግለጸሉ እዩ። [Cft. Gaudete et Exsultate; Esortazione Apostolica sulla Chiamata alla Santita’ nel mondo contemp.. Franceso [19.03.2019] no.95-96]

እዚ ምሳሌ’ዚ ዚህቦ ትምህርቲ ምስ’ቲ ብሉይ ኪዳን ዚምህሮ ብዘደንቕ ኣገባብ ዚሰማማዕ እዩ። በዚ ዝመጽእ እቶም ተፃረርቱ ኣይሁድ ብፍላይ ፈሪሳውያን ኪነጽጕኦ ዘይኽእሉ ነበረ። ማቴዎስ ጥራሕ ዝረኸቦ ምንጪ ዘመሓላለፈልና ፍሉይ ዛንታ እዩ። መንይፈልጥ ደኾን ምስ ሉቃ.10.30-37 [ሕያዋይ ሣምራዊ] ምተነጻጸረ!! በዚ ናይ ኢየሱስ ኣበሃህላ፣ ሃይማኖት ማለት ንሱ እዩ፣ ማለት ካብ’ቲ ንግዳም ገጹ ዚኸይድ [ናብ ካልእ] ካብኡ ዘየሓልፍ ዘይተርፍ ምተባህለ። ግና ትኽክል ኣይምኾነን። እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ብዙሕ ዝዓይነቱ ኮይኑ፣ ናይ እምነትን ተቐባልነትን ብፍላይ ብመንጽር ኣምላኽ ዚህልወካ እምነትን ተኣማንነትን እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ምሳሌ’ዚ ተገሊጹ ዘሎ ፍቕሪ ብጻይ፣ ናይቲ ቕኑዕን ብቑዕን እምነትን ተኣማንነትን ፍረ ወይ ውጽኢት እዩ። በዚ ፍሬ’ዚ ከኣ እዩ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ቅኑዕ ርክብ ዚምዘንን ዚፍተንን። [ማቴ. 7፡20-21 ረአ] ናይ’ዚ ምሳሌ’ዚ ዘገርም ወገኑ ድማ፣ ገሊኣቶም ሰባትሲ በቲ ግብሮም ወገን ኣምላኽ ምኳኖም ከይፈለጡ ጸኒሖም ሽዑ ኪርድኦምን ከደንቖምን ምዃኑ እዩ። [ማቴ. 25፡37-38] ናይ ቅዱሳን ባህሪኦም ንሱ እዩ፣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽን ሰብን ምስ ጠሓሉ ርእሶም ዚርስዑሉ ኵነታት ይፍጠር። ኣብ’ዚ ምዕራፍ’ዚ ኣቐድም ኣቢሉ፣ ብዛዕባ’ቲ መክሊቱ ዝቐበረ ዚንገር ምሳሌ ኣሎ፣ ዛዛሚ ሓሳቡ ከኣ፣ “ንዘለዎ ይውስዅኦ፣ ንዘይብሉ እታ ዘላቶ’ውን የሕድግዎ” ዚብል’ዩ። በዚ ዓይነት’ዚ “ንገንዘብ ዜፍሪ ገንዘብ እዩ” ዚብል ብሂል ምሰዓረ። እቲ ምሳሌ ግን ኣንፈቱ ናብ ተኣማንነትን ዘይተኣማንነትን ገጹ እዩ። ዋና መልእኽቱ ከኣ፣ ኣብ ጕዕዞ ሕይወትና ተባዕን ቈራጽን እምነት ኪህልወና ኣለዎ ዚብል እዩ።

ሃብታም ዘኬዎስ ኣብ ዝፈጸሞ ንስሓን ምምላስን ድማ እቲ ኻልእ ገጽ ናይ’ቲ ሳንቲም ንረክብ። ዘኬዎስ ኣንፈቱ ምስ ለወጠ ብኡ ብኡ ውሳኔ ገበረ፣ ፍትሒ ኪፍጽም ማለት፡ ብዘይ ፍትሓዊ ኣገባብ ንዝወሰዶ ኪመልሶ፣ ነቲ ዅሉ ሃብቱን ንብረቱን ምስ ካልኦት ኪካፈሎ ይምድብ። ናይ’ቲ ንስሓ ኡን ምምላሱን ርኡይን ግሁድን ፍሬ እዚ እዩ። ካልኦት ቅድሚ ሕጅን ድሕሪ ሕጅን ዝመጽኡ ሃብታማት’ውን፣ እቲ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ዜእቱ መንገዶም፣ እዚ’ምበር ካልእ መንገዲ የብሎምን። [ሉቃ.19፡1-10]

“ዘኬዎስ እንከ ተንሢኡ ንጐይታና፣ “ኦ ! ጐይታይ፣ እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፣ ገለ ነገር ዝዓመጽክዎ ሰብ እንተደኣ ኣልዩ ድማ፣ ኣርባዕተ ዕጽፊ ገይረ እፈድዮ!” በሎ። ኢየሱስ ከኣ ገጹ ናብኡ መሊሱ “ሎሚ፣ እዛ ቤት እዚኣ ድኅነት ወሪድዋ ኣሎ፣ ከመይሲ ንሱ እውን ውሉድ ኣብርሃም ምዃኑ እዩ፣ ወድሰብ ከኣ፣ ጠፊኡ ንዝነበረ ኼናድን ኬድኅንን እዩ ዝመጸ!” በለ። [ሉቃ. 19፡8-10]

ዘኬዎስ ምስ ኢየሱስ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ፣ ምስ ተጠማማመተ፡ ኵነታት ፈጺሙ ተለዋወጠ። እዚ ርክብ’ዚ ድማ ንዅሉ’ዩ ተናኺፉ፣ ነቲ ዝሓለፈ ዅሉ ክፍኣት ዝመልኦ እዋን ኣድሒንዎ፣ ነዚ ሕጂ ዘለዎ ሃለዋቱ ከም ቅጽበት ለዊጥዎ፣ ነቲ መጻኢኡ ኸኣ ሓዲሽ ኣንፈት ኣትሒዝዎ። ንዘኬዎስ፣ ኢያሪኮ ኵሉ ዝተገላበጠሉ ዝተለዋወጠሉ ቦታ እዩ። ስለዚ ንሳ’ውን ደጊም ከም ቀደማ ኣይኮነትን፣ ኵሉ መንገድታት ሕጂ ተቐያዪሩ እዩ። ካልእ መምዘንን ምልክትን ተሠሪዑ፣ እቲ ሽልማት ድማ ፈጺሙ ካልእ ኮይኑ፣ “እቶም ንጽድቂ [ኣምላኽ] ዚጸምእዋን ዚጠምዩዋን ኪጸግቡ እዮም’ሞ ብፁዓን [ሕጉሳት] እዮም”፡ [ማቴ. 5፡6] ደኣ’ዩ ዝተባህለ’ምበር፣ “እቶም ንገንዘብን ንሃብትን ዚጠምዩ” ኣይበለን። እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 2 ቆሮ. 5፡17 ዚብሎ፡ “ሓደ ሰብ ብክርስቶስ እንተደኣ ኣልዩ፡ . . .ንሱ ሓዲስ ፍጥረት እዩ”። ኵሉ ነገር መወዳእታ ከም ዘለዎ፣ ናይ ሰባት መወዳእታ ከኣ ናይ ኣምላኽ መዠመርታኡ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና ናይዚ “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ” ዚብል ትንታነ መቀጸልታ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 05 Aug 2021, 09:48

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

7.) ብዙሕ ጊዜ ብተግባር ከም ዝተራእየ፣ ሃብቲ ወይ ሥልጣናዊ ክእለት፣ ወይ ክብርን ዝናን ወዘተ . . . እዚ ዅሉ ንሰብ ነቲ ኡነተይና ቁም ነገር ምርኣይ ዚኸልኦ እዩ፣ ነቲ ኡነተይና ሰብኣውነት ንምግንዛብ ነቲ ናይ ሕይወት ቁምነገር ንምስትውዓል ኣይሕግዞን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ይዕንቅጾ’ውን ኪበሃል ይከኣል። ነዞም ሃብታማት ኣብ ናይ’ዚ ዓለም’ዚ ነገራት ከምዚጠልቁ ይገብሮም። ዓለማዊ መንፈስ ስለዚዓዝዝ መንፈሳውያን ኪኾኑ ዳርጋ ጽጉም እዩ። ሃብትን ምስኡ ዚኸይድ ነገራትን ንልቢ ወድሰብ ማሪኹ፣ ከም ጣዖት ኮይኑ “ኣምልኸኒ” ኣብ ዚብለሉ ደረጃ የብጽሖ። ስለ’ዚ ከኣ እዩ ኢየሱስ፡ መሠረታዊ ዝኾነ መትከል ዝሓዘ፦

“ኵሉ ዘሎካ ዘበለ ሸይጥካ፣ ንድኻታት’ውን ሃቦ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፣ ነቐዝ ኣብ ዘየበላሽዎ . . . ሃብቲ ኣብ ሰማይ ዕቘሩ፣ ምኽንያቱ ሃብትኹም ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ”። [ሉቃ. 12፡33-34 ፣ ማቴ. 6፡20-21 ረአ] “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም”። [ሉቃ.16፡13]


8.) ኢየሱስ ምስ ሃብታማት ኣይወገነን፣ ግና ኸኣ ካብ’ቲ ናይ መንግሥቲ ኣምላኽ መጸዋዕታ’ውን ኣየግለሎምን፣ ምኽንያቱ እዚ ንዅሉ ሰብ ዝሃቦ ተስፋ እዩ። ስለ’ዚ ኢየሱስ ንሃብታማት ኣይኰነኖምን ኣየርሓቖምን፣ ዘለዓለማዊ ሕይወቶምን ድኅነቶምን ግን ኣብ ሓደጋ ምዃኑ ብሓልዮትን ተገዳስነትን የመልክተሎም፣ ንጹሓት ልቢ እንተዘይኮይኖም፣ ንጽጉማት ድኻታት ልቦምን ማሕፉዳኦምን ከፊቶም ብልግሲ ኪቐርብዎም እንተ ዘይተረኺቦም፣ መሓርትን ሰብ ፍትሕን እንተ ዘይኮይኖም፣ ድኅነት ከም ዘይረኽብዋ የረድእ፣ ስለ’ዚ ኣብ ማቴ.5 ዝተሓንጸጸ መንገዲ ኪኽተሉ የመልክተሎም።

እታ ኣሰር ኢየሱስ ተኸቲላ እትሰብኽ ቤተክርስትያን
ምስ ሃብትን ሃብታማትን ኣይትውግንን እያ። ናይቶም ድኻታት ክትከውን ኣለዋ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ንሃብታማት እትዅንን እተግልል ቤተ ክርስትያን ዘይኮነትስ፣ ኣሰር ኢየሱስ መምህራ ተኸቲላ፣ ሃብታማት ብዛዕባ ዚኽተልዎ ቕዲ-ሕይወትን፣ ምስ ሃብትን ንብረትን ብዛዕባ ዚህልዎም ርክባትን መደብ ድኅነትን፣ ተዅታዅን በዳህን ሕቶታትን እተቕርበሎም፣ ብጽልኢ ዘይኮነስ፣ ብጕስነታዊ ሓልዮትን ብመንፈስ ኣገልግሎትን እዩ

[ኣብ ኣሥመራ ንደራሲ ዘጋጠሞ ፍጻሜ እዩ። ሓንቲ ፍልጥቲ ዓባይ ጸሎተይና ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ኪወጽኣ ከለዋ፣ ሓደ ካህን ምስ ሓንቲ ሰብ ሰላምታ ኪለዋወጡ ኣስተውዓላ። እታ ሰብ ጓል ወድሓወን እያ፣ ንሳ ምስ ተፋነወት፣ ንሰን’ውን ነቶም ካህን ሰላም በልኦም’ሞ፣ “እዛ ጓል ወድሓወይ ደኣ ትፈልጥዋ ዲኹም?” ቢለን ሓቲተን፣ ኣወንታዊ ምላሽ ምስ ረኸባ፣ ደጋጊመን “ጸሎት ግበሩላ” በላኦም፣ ወዮም ካህን ስንብድ ኢሎም፣ “እሂ እንታይዶ ተረኺቡ እዩ?” ኪብሉ ሓተትወን። ንሰብ ድማ “ወላሓንቲ’ኳ!! ነኣኣ ዝሃቦኸ ንመን ሂብዎ!! እንጌራ ኮይናትላ፣ ሃብቲማ ኣላ’ሞ ኣምላኻ ከይትርስዕ ኢለ’የ ኣባቴዋ!!” በላኦም። ስለ’ዚ ሃብቲ ሓደጋ ምዃኑ ደርጋ ኵሉ ዚፈልጦ ሓቂ እዩ።]

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና ናይዚ “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ” ዚብል ትንታነ መቀጸልታ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 15 Sep 2021, 10:12

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

9.) “እቶም ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ሕጉሳት’ዮም ከመይ መንግሥተ ሰማያት ናታቶም እያ”። [ማቴ. 5፡3] በዚ ኣበሃህላ’ዚ ወንጌል ዚምህረና ዓሚቝ ትምህርቲ ኣሎ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ተሰሚሩ ዘሎ ሓቂ፣ ተመሊስና ዕምቈቱን ስፍሓቱን ክንርዳእ ይዕድመና። ብሓጺሩ ናይ ሕይወትና ውሕስነትን ርግጽነትን ኣበይ ከምዘሎ ዚነግረና ወገን እዩ። ብልማድ ከም ኣንፈልጦ፣ ሃብታም በቲ ሃብቱ ርግጽነትን ውሕስነትን ዚረክብ’ዩ ዚመስሎ። እዚ ሃብቱ ኣብ ጸገም እንኪወድቕ ከኣ መላእ ሕይወት’ቲ ሃብታም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ኮይኑ ኪረአ ግዲ እዩ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ ኣቐዲምና ዝተዛረብናሉ ናይ’ቲ “ዓሻ ሃብታም” ምሳሌ ኢየሱስ ብዚግባእ ገሊጽዎ እዩ።

እቲ ሃብታም በታ ለይቲ’ቲኣ ከም ዚመውት ረሲዑ፣ በቲ ሃብቱ ተዘናጊዑ ወይ ተዓሻሺዉ [ሉቃ.12፡16-21]። ሃብቲ ዝኾነ ይኹን ውሕስነት ኣይህብን እዩ። እኳ ደኣ ልቢ [ከም’ዚ ሃብታም] “ሃብቲመ እየ’ ምስ በለ፣ ወይ ድማ ከም ዝሃብተመ ምስ ተሰመዖ፣ ብመንፈስ ትዕቢት ተመሊኡ፣ ንኣምላኽ ኮነ ንቓል-ኣምላኽ ዚኸውን ቦታ ኣይህልዎን። ነሕዋት ዜፍቅረሉ ዕድል ኣይረክብን፣ ናብ’ቲ ናይ ህይወትን ዘለዓለምነትን ዝዓበየ ሃብትን በርከትን ከድህብ’ውን ጊዜ ኣይረክብን። በዚ እቲ ናይ ሕይወት ዝዓበየ ቍምነገር ይሕረሞ። በንጻሩ እቶም ኢየሱስ “ብመንፈስ ድኻታት” ዚብሎም፣ ካብ’ዚ ዅሉ ዓንቃጺ ነገራት ሓራ ዝወጽኡ ስለዝኾኑ፣ ድኻ ወይ ናጻ ዝኾነ ልቢ ስለ ዝወነኑ፣ እቲ ንዅሉ ውሽጥና ብሓዲሽን ዜሓድስን ዚመልእ ጐይታ ናብ ውሽጢ ልቦም ኪኣቱ ዕድል ይረክብ። [Cfr. Gaudete et Exsulatate, Esortazione Apostolica sulla Chiamata alla Santita’ nel mondo sontemp.. Franceso 19.03.3019 9no.67-680]

በዚ ምኽንያት’ዚ እምበኣር “ብመንጽር ኵሉ ፍጡር ዘበለ ዚህልወና ኣተናን ኣቀራርባን፣ ናጻ ዝኾነ መሥመር ዝተኸተለ ኪኸውን ኣለዎ፣ ብኸም’ዚ ዝበለ መንፈስ ምስ ተመራሕና፣ ብወገንና ካብ ሕማም ንጥዕና፣ ካብ ውርደት ክብሪ፣ ካብ ድኽነት ሃብቲ፣ ካብ ሓጺር ነዊሕ ዕድመ ወዘተ. . . እንመርጸሉ ኣገባብ’ውን ኣይህሉን”። [Ignazio di Loyola, Esercizi Spirituali, 23 d; Roma 1984, 58-59]

10.) ሓዋርያት ዝሰበኽዎ ክርስትናን ወንጌል’ውን እንተኾነ፣ በቲ ናይ ክርስቶስ መሥመር ዚኸይድ እዩ። ሓዋርያት ጴጥሮስን ዮሓንስን ንጸሎት ሠርክ [ኣጋ ምሸት] ናብ ቤተመቕደስ ኪኣትዉ ኸለዉ፣ ኣብ ኣፍ ቤተ መቕደስ ኮይኑ ንመግቢ ዕለቱ ዚልምን ዝነበረ ልሙስ፣ ከም ልሙድ ኪተዅቡሉ ምስ ሓተቶም፣ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፣ እቲ ዘሎኒ ግን ኣህበካ ኣሎኹ፣ ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ ተንሥእ እሞ ኺድ” (ግ.ሓ. 3-6) እናበለ፣ ጴጥሮስ ብኢዱ ስሒቡ ከም ዘተንሥኦ እሞ፣ ብኡ ብኡ ከም ዝሓወየ፣ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ይትርኽ። ምእንት’ዚ ሰብ ብወርቅን ብሩርን ከምዘይነበሩ፣ በቲ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ቓሉን ጸጋኡን ከም ዝኾነ ንጹር እዩ። ወርቅን ብሩርን ኪብል ከሎ ጴጥሮስ፣ ቀዳምነት ከም ዘይሃቦ፣ ተወሳኺ ደኣ’ምበር ቅድምና ዚወሃቦ ከም ዘይኮነ የመልክት።

11. ናይታ ቐዳመይቲ ቤተክርስትያን ወይ ማኅበረ ክርስትያን ኣከያይዳ ብመንጽር ሃብቲ ምርኣይ’ውን ኣገዳሲ እዩ። ንትምህርቲ ወንጌልን ንትውፊት ሓዋርያትን ፈለማ ዝተቐበለትን፣ ብግብሪ ዝተርጐመትን እዛ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን እያ። ንዝተወጽዑ ድኻታትን፡ ኣላዪ ንዘይብለን መበለታትን ዚግበር ሓገዝ፣ ንመንፈስ ወንጌል ዘንጸባርቕ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ንረኽቦ፦

“. . . ብዘለዎም ኵሉ ብርኪ ነበረ፣ ንሳቶም ድማ መሬቶምን ጥሪቶምን ኵሉ ሸይጦም፣ ንዅላቶም ከከም ዜድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ. . . ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሕዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፣ እግዚአብሔር ከኣ ዚድኅኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብ’ታ ማኅበር ይውስኽ ነበረ።”። [ግ.ሓ. 2፥44-47]

እዚ ቓል’ዚ ብርግጽ ነቲ ኡነተይና ወንጌል ዜንጸባርቕ፣ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ክርስትያን፣ ሃብቶም ንኻልእ ዚህቡ’ምበር ደድሕሪ ሃብቲ ኪኸዱ ከም ዘይተረኽቡ፣ “ዚድኅኑ’ምበር” ሃብቲ ምድሪ ዚውንኑ ዜሰስኑ ሰባት ናብ ክርስትና ከም ዘይኣተዉ፣ ስለ’ዚ ኸኣ ወንጌል ድኅነት ደኣ እምበር “ወንጌል ሃብትን ምቾትን” ኢልካ ዘረባ ፈጺሙ መሠረት ከም ዘይብሉ የነጽር። በዚ ናይ ግብረ ሓዋርያት ኣበሃህላ ንሃብቲ ሃሰስ ኪብልዎ ዘይኮነስ፣ ነቲ ዝርካቦም ምስ ካልኦት ጽጉማት ኪካፈልዎ፣ ናብ ካልእ ከብልዎ እዮም ዝተራእዩ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና ናይዚ “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ - ኣብ ዘመነ ኣበው” ዚብል ትንታነ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Post Reply