Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 28 Oct 2021, 09:11

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

12. - ኣብ ዘመነ ኣበው፣ ብ258 ዓ.ም.ፈ. ኣቢሉ ዝሞተ ዲያቆን ሎሬንሶ፣ ኣብ ሮማ ካብ’ቶም ድኻታት ንምሕጋዝ ዚነጥፉ ዝነበሩ ዲያቆናት ሓደ እዩ። እቲ ኣረማዊ በዓል ሥልጣን ነቲ ዅሉ ንብረት ቤተክርስትያን ብፍላይ ከኣ ነቲ ገንዘብ ቤተክርስትያን ኵሉ ከረክቦ ምስ ኣዘዞ። [ካብ ቅድም ኣትሒዙ፡ ናይ ደቂ ዓለም ሥርዓታትን መንግሥታትን ንቤተክርስትያን ንብረታ ኪግብቱ፣ ተልእኮኣ ኪዓግቱ ኪፍትኑ፣ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ እዩ። “ደጌታት ሲኦል ኣይኪሕይልዋን ኢዮም” ብዝበሎ ቃል ግን ክትሣቐ’ምበር ክትጠፍእ ኣይተረኽበትን።] ሎሬንሶ ነቶም ዚሕገዙ ድኻታት ኣኻኺቡ፣ ነቲ ዅሉ ዝነበረ ሃብቲ ቤተክርስትያን ኣካፈሎም’ሞ፣ ድሕር’ዚ ነቶም ድኻታት ሒዙ፣ ናብ’ቲ በዓል-ሥልጣን ቀሪቡ፣ እዚኣቶም እዮም ናይ ቤተክርስትያን ሃብቲ፣ ነዚኣም ተረከበኒ ከም ዝበሎ ይዝከር።

ስለ’ዚ ቤተክርስትያን ናይ ሃብታማትን፣ ሃብቲ ሃሰስ ናይ ዚብሉ ወገናትን ዘይኮነትስ፣ ናይ’ቶም መንግሥቲ ኣምላኽ ሃሰስ ዚብሉ፣ በዚ ምድራዊ ሃብቲ ዘይኮነስ፡ ብመንግሥቲ-ኣምላኽ ናይ ዝሃብተሙ ቤተክርስትያን ምዃና ይምልከት። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ’ቲ ምሳሌ ሃብታምን ኣልኣዛርን ዝሃቦ ስብከት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ’ታ ቐዳመይቲ ስብከቱ፣ ብናይ’ዞም ክልተ ሰባት ሞራላዊ ኵነት ይትንትን። ኣብ ሕይወት-ሃብቲ ዘሎ ድንገትን ጸገማትን፣ ኣብ ሕይወት ድኽነት ዘሎ ትዕድልትን የመልክት። ኵሎም ሃብታማት ኵኑናት ድዮም? ኵሎም ድኻታትከ ዝደሓኑ ዲዮም? ብድብድቡ ተዀኒኖም ድሒኖም ኢልካ ቀሊል ምላሽ ዚወሃበሉ ኣይኮነን። ኣብ መደብ ድሕነት ምስ መጻእካ ግን፣ ነቶም ሃብታማት ጽንኩር፣ ነቶም ድኻታት ከኣ ዝሓሸ ዕድል ከም ዘለዎምኳ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ሃብታም ጌጋኡ ሃብታም ምኳን ዘይኮነስ፣ ንድኻ ኪልግስ ኪርኅርኅ ብዘይምርካቡ፣ ምስ’ዚ ማዕረ ማዕረ ከኣ ኣብ ጣዕምን ምቾትን ተኣሊኹ መንፈሳዊ ሕይወቱ ኪኣሊ ብዘይምኽኣሉ እዩ። በንጻሩ ኣልኣዛር ንሥቓያቱን ድኽነቱን ብትዕግሥቲ ብዘይ ምጕርምራም ብምጽዋሩ፣ መንፈሳዊ ሕይወቱ ኪዅስኵስን ኪሓንጽን ዕድል ረኺቡ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ እምበኣር ድኽነት ሕማቕ ዕድል ምዃኑ’ኳ እንተዘይነጸገ፣ ናብ ኣምላኽ ግን ከቕርብ ከም ዚኽእል፣ ሃብቲ ከኣ ካብ ኣምላኽ ኬርሕቕ ከም ዚርከብ እናኣመተ፣ ካብ’ቲ ልሙድን ንቡርን ስራሕ ሓሊፉ ካልእ ካብ ድኽነት መዋጽኢ ኢሉ ዘቕርቦ ፍሉይ ነገር የብሉን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና መቐጸልታ ናይዚ “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ - ኣብ ዘመነ ኣበው” ዚብል ትንታነ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 06 Jan 2022, 04:01

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

13. ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ክርስትና፡ ብፍላይ ኣብ ምንኵስናዊ መደብ ሕይወትን ብዝተራእየ፡ ካብ ቀዳሞት ባሕታውያን ግብጺ ጀሚሩ፣ እንተ ወሓደ ካብ ትህኪትን መፈንጠራ ሠይጣንን ንምህዳም ካብ ጸሎት ዝተረፈ ጊዜ፣ ንስራሕ ከወፍዩዎ፣ ብፍረ ስራሖም ድማ ንጽጉማት ኪረድኡ ተረኺቦም፣ ጸኒሑ ከኣ “ጸሎትን ስራሕን” ዝዕላማኡ መደብ ሕይወት ዚኽተሉ መነኮሳን፣ ብጸሎቶም ምስ ኣምላኽ ንዘለዎም ርክብ እንከማዕብሉ፣ በቲ ውፉይ ስራሖም ድማ ብመንጽር ተፈጥሮ ንዘለዎም ሓላፍነት ብምፍጻም፣ ስራሕ ንምዕባሌን ረድኤትን ወድሰብ፣ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ኣብ ቅድስና ርእሶም ከም ዚውዕል ገበሩ። ሳላ መሃዝን ጻዕራምን ስራሓቶም ከኣ፣ ናይ ሥልጣኔ ተኸልትን መሃርትን ኮይኖም። ከም ትጽቢትን ግምትን ብዙሓት ግን ኣብ ጸሎትን ጥራሕ ኪረኣዩ፣ ንስራሕን ንዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስን ኪነጽጉ እዩ። እቲ “ንምድሪ ብሃፈ-ጻማኡ ኪሰርሓ” ማለት ከጸብቓ ትእዛዝ ዝተቐበለ ወድሰብ፣ ብኸመይ መነባብሮኡ ከም ዚሓንጽን ከም ዘረጋግጽን፣ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ኮይኑ ኪገብሮ ንዘለዎ ነቲ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት መምርሒ ሸለል ኪብል ኣይኽእልን። ምእንት’ዚ ክትሰርሕ ከሎኻ ኵሉ ነገር ካባኻ ጥራሕ ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ንስራሕ ክትውፈ፣ ክትጽሊ ከሎኻ ከኣ ኵሉ ካብ ኣምላኽ ጥራሕ ከምትረኽቦ ሓሲብካ ክትርከብ ከሎኻ፣ ጸሎትካ ነቲ ስራሕካ የበርክቶ፣ ስራሕካ ከኣ ነቲ ጸሎትካ የዕዝዞ። እንተ ዘይኮነ “ጸሎት ጥራሕ” ወይ “ስራሕ ጥራሕ” ዚብል ሚዛናውነት ዝጐደሎ ምኾነ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና መቐጸልታ ናይዚ “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ - ኣብ ዘመነ ኣበው” ዚብል ትንታነ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 04 Feb 2022, 04:40

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

14. ብወገን ጥዕናን ሕማምንከ እንታይ ክንብል ኢና? ዚኣምን ሰብ ኪሓምም የብሉን፣ እንተደኣ ሓሚሙ ኣብ ኃጢኣት ተሸሚሙ ማለት እዩ . . . ዚብል ሓሳባት እዩ ዚስማዕ ዘሎ። ስለ’ዚ ሕማም መቕጻዕቲ ኢዩ፣ ብዝኾነ ይኹን ካብ’ዚ ክትላቐቕ ኢልካ ምጽዓር ቅኑዕ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም፣ እቶም ነሕዊ እናበሉ “ፕሮፓጋንዳ” ዝዝርግሑ ወገናት፣ ነቶም ፈዊስናኩም ዚብልዎም፣ ብሳይንስ ሕክምና ንዝተኣዘዘሎም ኣፋውስ እውን “ደርብዩዎ” እናበሉ፣ ካብ ሓደ ጸገም ናብ ካልእ ዝገደደ ጸገም ከምዚወድቁ ጥራሕ’ዮም ዝገብሩ።[እቲ ስለምታይ እዩ? እንተተባህለ፣ እቶም ነሕዊ ኢሎም ዚንየቱ ውልቀሰባት፣ ስም ምእንቲ ኪረኽቡ፣ ተሰማዕትን ተጠመትን ምእንቲ ኪኾኑ እዩ፣ ምስኡ ከኣ ገንዘብን ካልእ ረብሓን ዘይተርፍ እዩ። ኣብ’ቲ ኣኼባታቶም ዝተሳተፉ፡ ከዕሉልኻ ከለዉ፡ በሓቂ ዘገርም እዩ፣ ብኸመይ ዝበለ ብልኃተይና መንገዲ ነቶም ሰባት ከም ዘፈራርሑን፣ ነቶም “ነቢያት ኢና” በሃልቲ፡ ቋሕ ኢሎም’ኳ ንኸይርእይዎም ዚግበር “መናወራ” ብዙሕ እዩ።] እዚ ኣገባብ’ዚ ብሕጊ’ውን ዜሕትት ምኾነ፣ ከመይ ኮነ ኢልካ ንሰባት ምግጋይ፣ ኪረኽብዎ ንዚኽእሉ ናይ መድኃኒት ረድኤት ንከይረኽቡ ምዕጋት፣ ኣውራ ድማ ኣብ ክንድ’ቲ ሕሙም ኮይንካ ምውሳን ዘይግባእ እዩ። ክትውስን እንተ ኾይንካ ከኣ ኣብ ወገን ሕይወት ክትከውን አሎካ። [ነዚ ዚመስል ፍጻሜ፣ ኣብ ኢጣልያ ሓደ ኣዋን “መሰኻክር ጀሆቫ” ኢና ኣብ ዚብሉ ስድራቤት ተረኺቡ፣ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ቈልዓ ሓሚሙዎም፣ ኣብ ሆስፒታል እንኪሕከም፣ ደም ኪልገሰሉ ኣለዎ ተባህለ፣ ወዮም ወለዲ እምነትና ኣየፍቅዶን እዩ በሉ፣ ብወገን ሓካይምን ሕግን ከኣ እምነት ብዘየገደስ ቀዳምነት ንሕይወት በሉ፣ እቲ ጕዳይ መዕለቢ ተሳኢንዎ፣ ክሳብ ኣብ ፓርላማ ጣልያን በጺሑ። ኣብ ኵሉ መድረኻት፣ ንሕይወት ቀዳምነት ዚህብ ኮነ። ስለ’ዚ እቶም ስድራቤት ናብ ምድሓን ሕፃኖም ከዘንብሉ ተረኽቡ። ምእንትዚ ብጥበብ ሕክምና ኪግበር እናተኻእለ ኮነ ኢልካ ምኽልካል ብሕጊ ዜሕትት ኪኸውን ምተገበኦ። ሓካይም ዚምህልዎ “ማህላ ሂፖክራትስ’ውን” ሕይወት ንምድሓንን ንምሕላውን ዝዓለመ እዩ።]

ብመሠረቱ እቲ ፍወሳ እንተኾይኑ ዚድለ፣ እቲ ሳይንሳዊ ኣገባብ ምእንቲ ኪዕወት ደኣ ትጽሊ’ምበር ፣ ጸሎት ተገይሩልካ ኢዩ፣ ነቲ ፈውሲ ደርብዮ፣ እቲ ፈውሲ ሰይጣናዊ’ዩ ኢልካ ካብ ምሕሳብ ዚመጽእ ይመስል። ኢየሱስ’ውን ንኣገባብ ተፈጥሮ ይጥቀመሉ እዩ፣ [ንኣብነት ሓመድ ብጥፍጣፉ ኣተርኪሱ ዓይኒ’ቲ ዕዉር ለኽዩ ኣሕወየ]፣ እቲ ሕክምናዊ ብልኃት ሰብ ህማቕ ወይ ክፉእ ዘይኮነስ፣ ኣምላኽ ንሰብ ዝሃቦ ክእለት እዩ። ጸሎትን መድኃኒትን ኣይጋጮን እዩ። እቲ መድኃኒት ብሓይሊ ኣምላኽ ኪሰርሕ ስለ ዚኽእል ንምንታይ ይድርበ? እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዘይመጠን ኣብ ርእሶም ስለ ዝጠበቑ፣ ነቲ ፍጻሜ ምስ ርእሶም ከተሓሕዝዎ ስለ ዝደለዩ ጥራሕ እዩ። ስምን ዝናን ኪረኽቡ ሃብቲ ክድልቡ ንዚንቀሳቐሱ እዚ ዘገርም ኣይኮነን። ንርእሱ ኣብ ተለቪዥን ወጺእካ፡ ነቲ ዝግበር “ፍወሳ” ዚብልዎ ምዝርጋሖም፣ ምስቲ መንፈስ ወንጌል ዘይከይድ እዩ። ኢየሱስ ዝኾነ ተኣምር ምስ ገበረ፣ ንኸይወዓዋዕ እዩ ዚጸዓረ። ብረኣዩለይ ስምዑለይ ሓዙለይ ዚፍጸም፣ ብጽሞናን ብስቱር ዘይኮነ፣ እዚ ብርግጽ “ዘለዎ ደኣ ኣለዎምበር” ተኣምር ክትብሎ፣ ዘይመስል እዩ። ዝኾነ መንፈስ ትሕትና ዘይትርእየሉ፣ እቲ ዅሉ ፈኸራን ጫውጫውን [ኣብ ዙርያ’ቶም ነሕዊ ዚብሉ] ግን ንመን’ዩ ዜገልግል?

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና መቐጸልታ ናይዚ “ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ - ኣብ ዘመነ ኣበው” ዚብል ትንታነ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “እቲ “ካልእ ወንጌል” ንኽርስትናን መልእኽቱን ሓደገይና ዝኾነ “ወንጌል” ሃብትን ምቾትን [Prosperity Gospel] ከመይ ዝበለ እዩ?” ....[ምህሮ]

Post by Meleket » 12 Feb 2022, 05:13

ኡነተይና ወንጌል ክርስቶስ

15. ኣብ መላእ ሓዳስ ኪዳን ዘሎ ትምህርቲ ንጹር ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ስጕሚ ከም ዘይኸይድ ዚገብሮ እዩ። ሕማም ኪበሃል ከሎ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን፣ ክብሪ ኣምላኽ ዚግለጸሉ፣ ሰባት ትዕግሥቲ ዘጥርዩሉ፣ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ዚግለጸሉ፣ ንኻልኦት ሰባት ዘለዎም ሓድነትን ኅብረትን ዘማዕብልሉ . . . ብዝበለጸን ብዝለዓለን ኣገባብ ከኣ ዚሓምምን ዚሣቐን ሰብ፣ ኣብ’ቲ ሥቓያት ክርስቶስ ከም ዚሳተፍ፣ “ኣብ ሥቓዩ ክካፈል፣ ብሞቱ ክመስሎ’ሞ ኣብ ትንሣኤ ሙታን ምስታፍ” [ፊሊጵ. 3፡10] ብዚብል ቃል ጳውሎስ ዚረጋገጽ እዩ። ከም’ዚ እንተደኣ ኮይኑ፣ ስለምንታይ ደኣ’ዩ ሕማም/ሥቓይ ምስ ኃጢኣት ዚተኣሳሰር? ሕማም ብኸም’ዚ ዚረኣ እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ጥዕና ንምርካብ ብመንገዱን ብዘይመንገዱን [ወላ ብጥንቈላ] ኪግበር ይከኣል፡ ናብ ዚብል ዛዛሚ ሓሳብ እውን ከብጽሕ እዩ። ምኽንያቱ ብዝኾነ ይኹን ጥራሕ ጥዕና ይረኸብ እዩ ዚበሃል ዘሎ።

16. እቲ እንደልዮ ጥዕና ንምርካብ ምጽላይ ቅኑዕን ግቡእን እዩ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንመደብ ኣምላኽ ምጽባይ’ውን ኣሎ። ከይተጸበኻ ዚኸውን ነገር የልቦን። ኣብ’ዚ ግን ከከም ዝገጠመና ክንህውትት ከም ዘይግባእ ክንፈልጥ የድሊ። ሕማምን ሥቓይን ኣካል ሕይወት ወድሰብ እዩ፣ ኣምላኽ ንደቂሰብ ብዝሃቦ ሓይሊ ሕክምና ክንፍወስ፣ ትሕትና ብዚገልጽ ጸሎትን ብጾምን ከኣ ናብ ኣምላኽ ክምህለል ግቡእን ቅኑዕን እዩ። ነዚ ዅሉ ድሕሪ ፈጺምና ኣምላኽ ንዚገብሮ ብርጉእ መንፈስ ንቕበል’ምበር፣ ከም’ቲ ዝደልዮ እንተ ዘይኮነለይስ ዘበት! ኢልና ናብ’ትን ናብ’ዝን ቀልባዕባዕ ክንብል፣ ዝገደደ ከኣ ንሕማመይ ዘይፍውስ እምነት ወይ ክርስትና እንታይ’ዩ ረብሓኡ? ስለ’ዚ “ተኣምር” ንዚገብር “ሃሰስ” ክብል . . . ዝዓይነቱ ኣንፈት ክንሕዝ ኣይግባእን። ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ዘየርበሓኒ ወይ ሓለፋታት ዘየውህበኒ እምነት ቝምነገር-ኣልቦ እዩ ናብ ዚብል ርድኢት እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል ጽሑፍና “ኡነተይና ሓጎስ ኣበይ? ብኸመይ ይርከብ?” ዚብል ትንታነ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply