Re: The corruption of wedi Medhin berad and the army with Sandals
Posted: 16 Oct 2020, 11:40
Mister useless
Please wait, video is loading...
Ethiopian News & Opinion
https://mereja.com/forum/
#ዝጠፈሸ ፕሮጀክት
እዚ ህንጻታት እዚ ብወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ዝተሃንጸ ዓሰርተታት ሚልዮናት ገንዘብ ሃገር ዝወጻሉ ድንቒ ዝኮነ ህንጻታት እዮም።
#ብስም እንዳ ኮርያ ዝፍለጡ ኣብ ባጽዕ
#ኣብ ማይ ሑጻ ዓዲ ንፋስ ዘለዉ
#ኣብ ሓሊበትን ካልኦት ከባቢታት ኣስመራን ዘለዉን እዮም።
ብፍላይ ኣብ ባጽዕን ዓዲ ንፋስን ዘለዉ ተጀሚሮም ካብዘይዛዘሙን ኣብ ኣገልግሎት ካብዘይውዕሉን ልዕሊ 16 ዓመታት ጌሮም ኣለዉ።
እዞም ናይ ኣስመራ ክኣ ልክዕ ከምኡ ኣስታት 5 ዓመታት ጌሮም ኣይተዛዘሙን ናብ ጥቓ ምዝዛም ውን ኣይቐረቡን።
ኣብ ሃገርና ስእነት ክራይ ኣባይቲ ደረቱ ዝሓለፎ ጸገም እዩ። እንታይ ድኣዩ እቲ ጸገም እሞ እዞም ኣባይቲ ተዛዚሞም ኣብ ጠቅሚ ህዝቢ ንከይውዕሉ ክንድዚ ግዜ ወሲድሎም ዘሎ?
1 ሕጽረት ባጀት?
2 ጸገም ምሕደራ?
3 ዋላስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘሎ ጸገም መንበሪ
ኣባይቲ ክፍታሕ ስለዘይድለ እዩ?
ንብሎ ጠፊእና። ባዕሉ ክቡር ፕረዝደንት ውን ኣብ EriTv ቐሪቡ ከም ዝበሎ ዝፈሸለ ፕሮጀክት ኢልዎ እዩ።
ንምንታይ እዩ መንግስቲ ካብ ልቢ ጸገም ሽግር ኣባይቲ ህዝብና ክፈትሕ ድሌት እንተሊዎ፡ እንተኮነ ነዞም ዝተጀመሩ መደባት ተዛዚሞም ኣብ ጠቅሚ ህዝቢ ውዒሎም ካልኦት መደባት ክጅመሩ ይግባእ ኔሩ።
ነዚኦም ክዛዝምን ሓደስቲ ፕሮጀክት ክጅምርን ዘጸግሞን ዘሸግሮን እንተኮይኑ መንግስቲ ክኣ ንዓቅምን ክእለትን ዘለዎም ሰብ ጸጋ ዜጋታትና ኣብዚ ስራሕ እዚ ክሳተፉን እጃሞም ከበርክቱን ከፍቅደሎም ይግባእ።
ተበግሶ ኣብ ምልዋጥ መነባብሮ ህዝብን ሰራዊትን ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ጉዳይ ክከውን ኣለዎ። ዞባዊ ኩነታትና ዝብል ዘረባን ካልኦትን ድሕሪ እዚ እዩ ክስራዕ ዝግብኦ።
እዞም ንፉዓት ኣሕዋትና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮንኩም ብቐጻሊ ኣብ ህንጸት ዘለዉ ኣባይቲ ኢልኩም ዓሰርተ ግዜ ነዞም ህንጻታት post ትገብርዎም ዘለኩም ክኣ ዓገብ። እዚ ምስ ምድንጋር ህዝቢ እዩ ዝሕሰብ ። ምክንያቱ ህዝቢ ልቢ ኣለዎ ኩሉ እዩ ዝፈልጥ። 17 ዓመት ሓደ ህንጻ ሰብ ተጠቒሙሉ ካልኣይ ጽገና ዝግበረሉ ዓመት እዩ። እዞም ህንጻታት እዚኦም ክኣ ከምዛ ዘለዉዋ ሰብ ከይኣተዎም 17 ዓመት እዮም ጌሮም።
ንክገርመኩም ነዞም ኣብ ከባቢ ሓሊበት ዘለዉ ህንጻታት ህዝብና እንታይ ኢሉ ይጽውዖም ትፈልጡ ዶ?
""ዳስ ሓሙስ"" ኢሉ እዩ ዝጽውዖም ኩሉ ህዝቢ ኣስመራ። ዳስ ሓሙስ ማለት ናይ እንዳ ጋል ዳስ ሓሙስ እዩ ዝስራሕ ኣብ ባህልና ሓሙስ ምስተተክለት ክኣ እታ ዳስ ቴንዳ ከይተከድነት ክሳብ ቐዳም ብክፍታ እያ ትቅኒ። ስለዚ እዩ ህዝብና ነዞም ተጀሚሮም ዘይተጎልበቡ ህንጻታት ዳስ ሓሙስ ዝብሎም።
ስለዚ ብጾት ብፍላይ እዞም ሃገራውያን ኢና ኢልና ንዛረብ ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ጸሊም ክንብል ክንክእል ኣለና። ብትክክል ሓልዮት ህዝብናን መንግስትናን እንተሊና። ጌጋ እንተለኒ ክትእርሙንን ክትነቅፉንን ክጽበ እየ ወድሓንኩም