Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ተራእዩ

Post by Zmeselo » 20 Aug 2020, 17:14

ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ተራእዩ

19 ነሓሰ 2020

https://www.bbc.com/tigrinya/news-53803544

ዕስለ! ምንጪ ስእሊ: MOLA AMARE

ካብ ገለ መዋሰኒ ከባብታት ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ዝዘለቐ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ከም ዝተረእየ ነበርቲ እቲ ከባብ ከምኡ'ውን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርንን ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ እዩ ኣብ ደቡብ ትግራይ ተራእዩ ዘሎ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ፡ ሚኪኤለ ንጉስ፡ ዛጊድ እቲ ወራር ኣንባጣ ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ኣለማጣን ጨርጨር ራያን ከም ዝተርአየ ገሊጹ።
ብሓፈሻ ኣብ ሰለስቲኣን ወረዳታትን፡ ኣብ ሸውዓተ ጣብያታት እዩ ተራእዩ ዘሎ። ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 8፡00 እዩ ምእታው ጀሚሩ
ኢሉ።

ኣብ ገለ ገጠር ከባብታት ኣላማጣን ከባቢኡን፡ መናእሰይ ነቲ ኣንበጣ በረኻ ከባርሩ ዘርእዩ ምስልታት ተራእዮም።
መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም [FAO] ሓበሬታ ቅድመ መጠንቀቕታ ረኺቡ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣብ ኩሎም ሕርሻዊ ንጥፈታት ነዚ ሓበሬታ ኣብ ግምት ብምእታው ክስራሕ ጸኒሑ'ዩ
ይብል።

መንግስታዊ ኣወዳድባታት ኩሎም ኣመራርሓ ዞባታት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ክፈልጡን ሙሉእ ምድላው ክገብሩን ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ።

ቅድም ክብል ነቲ ወራር ኣብ ምፍሻል፡ ብዓርስ ተበግሶ ዝነጥፉ ምስ ዝነበሩ መናእሰይ ሓቢርካ ንምስራሕ'ውን ተሓሲቡ ኣሎ ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ኣንበጣ ናብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ምእታው ዝዝከር እዩ።

እቲ ሓላፊ ከም ዝበሎ፡ እቲ ኣንበጣ በረኻ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 18 ጊዜ እዩ ተኸሲቱ።
ኣብ ዘራእቲ ዘብጸሖ ጉድአት ከርና ኣይነበረን። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ድማ፡ እቲ ኣንበጣ ኣብተን ዝተርአየለን ወረዳታት ስግኣት ዝፈጠረ ኮይኑ፡ እቲ ምድላው ግን ኣብተን ጣብያታት ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ዝተማልአ እዩ
ኢሉ።

EPA

እንታይ ዓይነት ምድላዋት እዩ ተገይሩ?

ኣይተ ሚኪኤለ ከም ዝብሎ፡ እቲ ወራር ቅድም ኢሉ ብዝተገብረ ቅድመ መጽናዕቲ ከጥቅዐሎም ዝኽእል ቦታታት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣበይ ብኸመይ መገዲ ምምካትን ምክልኻልን ከም ዝከኣል ድማ ምድላው ተገይሩ እዩ።

ኣብ ኩለን ወረዳታት ዘሎ ብሓይሊ ሰብ ዝግበር ዘመተ፤ ማለት'ውን ድምጺ ብምስማዕ፣ ብምጭፍጫፍ፣ ብምብራርን ኣብ ዘራእቲ ከይዓርፍን ከየጥቅዕን ዝግበረሉ መይላ እናተሰርሐሉ ዝመጽአ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብዚ ጉዳይ መናእሰይ ብምትሕብባር ዓብዪ እጃም ዝነበሮ መንእሰይ ተኽሊት ሃይላይ፡ ከምቲ ልሙድ ገለ መናእሰይ ወዲቡ ናብ ደቡብ ትግራይ ከባቢ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካብኡ ሓሊፉ ጉድኣት ከብጸሓሉ ይኽእል እዩ ተባሂሎም ኣብ ዝግመቱ ከባብታት ሕርሻ፡ ብኣውሮፕላን መድሓኒት ንምንጻግ 'ውን ትልሚ ከምዘሎ- ኣይተ ሚኪኣል ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ልዕሊ 10 ሽሕ ሊትሮ ኬሚካል ተዳልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ ብመካይን ዝንጸግ ልዕሊ 2 ሽሕ ናፍጣ ኬሚካል ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ኩሉ ኣማእኺልካ ንምስራሕ እዩ ምድላው ተገይሩ ዘሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እቲ ኣንበጣ ኣብ ዝተርአየለን ከባቢታት ብኣውሮፕላን ኣቢልካ ኬሚካል ንምንጻግ ጂፒኤስ ተዋሂብዎም ኣብ ምድላው ከም ዝርከቡ ገሊጹ።

ብተወሳኪ፡ ኣብ ሕድሕድ እተን በቲ ዕስለ ኣንበጣ ክጥቅዓ ይኽእላ እየን ተባሂለን ዝተገመታ ጣብያታትን ወረዳታትን ኣብ ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ 200 ሊትሮ ኬሚካል ንመሐለውታ ተቐሚጡ ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቡ።

REUTERS

ምስ ካልኦት ክልላትከ

ናብቲ ክልል ከይኣተወ ኣብ ክልል ዓፋር እናሃለወ ሓበሬታ እንተነይርኩም ኣብኡ ክተርፍ ዶ ኣይምተኽኣለን -ዝብል ሕቶ ንኣይተ ሚኪኤል ኣቕሪብናሉ።

ብፍላይ ኣብተን ምስ ክልል ዓፋር ዝዳወባ ወረዳታት ምስ መንግስቲ ክልል ዓፋር ብምውዳድ ብሓባር ኮይነካ ንምስራሕ ጻዕሪ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

ብኣውርኡ ግን ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ዶብ ሰጊርካ ምስራሕ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ስራሕ ከም ዝኾነን፡ ንሱ ድማ ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስራሕ ከም ዝተሰርሐን ተዛሪቡ።
ኣብቶም ዝዓረፈሎም ከባብታት ዓፋር ብከሚካልን ብምጭፍጫፍን ክዳኸም ተገይሩ እዩ። እዚ እንተዘይከውን ነይሩ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን እዩ ነይሩ። ናብ ትግራይ'ውን ቀዲሙ እዩ ክኣቲ ነይሩ
ኢሉ።

ካብ ቀይሕ ባሕሪ ተበጊሱ ዝመጽእ እዚ ውራር ኣንበጣ በረኻ መወዳአትኡ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ስለ ዝኸውን ከቢድ ሓደጋ ከብጽሕ ከም ዝኽእል ካብ ፋኦ (FAO) ዝተረኸበ ቅድመ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበ ዝዝከር እዩ።

ቢቢሲ ድማ፡ ቀዲሙ እዚ ሓበሬታ ብዝምልከት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝርከብ ናይ ኢጋድ ወኪል ምክልኻል ኣንበጣ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣዘራሪቡ ሓበሬታ ምቅልሑ ዝዝከር እዩ።

ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምፍላጥ ጻዕሪ ንገብር ኣለና።

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ተራእዩ

Post by Zmeselo » 20 Aug 2020, 18:44

FYI - Bank of Ethiopia forbids hoarding of more than 1.5 million birr out of the banking system

(FBC Tigrigna) - ብሄራዊ ባንኪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ወፃእ ኣብ ገዛ ይኹን ካሊእ ቦታ ምቕማጥ ከልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ወፃእ ኣብ ገዛ ይኹን ካሊእ ቦታ ምቕማጥ ከልኪሉ።

ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፥ ብሄራዊ ባንኪ ዘውፅኦም ኣርባዕተ መምርሒታት ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

ዶክተር ይናገር ልዕሊ 'ቲ ዝተረቑሐ መጠን ብር ኣብ ገዝኡ ወይ ካሊእ ቦታ ከዚኑ ዝተረኸበ ብሕጊ ከምዝቕፃዕ ዕላዊ ገይሮም።

ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ወፃእ ኣብ ገዛ ይኹን ካሊእ ቦታ ምቕማጥ ምኽልካሉ፥ ኢትዮጵያ እተሐትሞ ገንዘብ ብዝግባእ መልክዑ ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ንክዘዋወር ዝሕግዝ ኢዩ እውን ኢሎም።

ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምክልኻል ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ገንዘብ ብዘይግባእ ኩነታት ኣብ ረብሓ ምውዓሉ፥ እዛ ሃገር ብሸርፊ ወፃኢ እተሐትሞ ገንዘግ እናተበላሸወ ንተወሳኺ ወፃኢ የቃልዓ ከምዘሎ ዶክተር ይናገር ሓቢሮም።

___________

:lol:

እባኩዎን ይህንን የወያኔ የለቅሶ ቅፅ ይሙሉ! የለቅሶ ኮሚቴ

Digital Weyane
Member+
Posts: 8540
Joined: 19 Jun 2019, 21:45

Re: ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ተራእዩ

Post by Digital Weyane » 20 Aug 2020, 20:18

ዕስለ አንበጣ ልትግራይ ይአቱ፣ ዕስለ ዶላራት ካው ትግራይ ይወፅእ። የግርመልናሎ! :roll: :roll:

wegri
Member
Posts: 913
Joined: 23 Feb 2013, 05:49

Re: ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ተራእዩ

Post by wegri » 21 Aug 2020, 01:11

Digital Weyane wrote:
20 Aug 2020, 20:18
ዕስለ አንበጣ ልትግራይ ይአቱ፣ ዕስለ ዶላራት ካው ትግራይ ይወፅእ። የግርመልናሎ! :roll: :roll:
:lol: :lol: :lol: :lol:

Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ተራእዩ

Post by Weyane.is.dead » 21 Aug 2020, 04:29

:lol: :lol: :lol: :lol: :lol:
Zmeselo wrote:
20 Aug 2020, 18:44

Post Reply