Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Aurorae
Member
Posts: 635
Joined: 10 Nov 2019, 02:21

Ras Alula and Ras Mengesha, carrying loads of rocks vowed and asked for mercy from Atsie Minilik ?

Post by Aurorae » 24 Jul 2020, 11:52

Where is Halafi, :lol:

Meleket wrote,
26 ግንቦት 1886 ራእሲ መንገሻ ብልዕሊ አሰርተ ክልተ ሽሕ ዚከውን ሠራዊቶም ተዓጂቦም አዲስ አበባ ኣተው። ምስኦም እውን ራእሲ ኣሉላ፡ ራእሲ ሓጐስን ራእሲ ወልደሚካኤልን ነበሩ።

ሓጸይ መለሊኽ ኣብ ዙፋኖም ኰይኖም ዘውዶም’ዉን ደፊኦም ምስ ራእሲ ዳርጌ፣ ራእሲ ሚካኤል፣ ራእሲ ወሌን ካልኦት መኳንንቶምን ልኡኻት ሃገራት ወጻኢን ኣብ ዝተረኽቡሉ ነርባዕቲኦም ራእስታት ትግራይ ተቐበሉ።
ኣርባዕቲኦም ራእስታት እምኒ ወይ ደንጎላ ተሰኪሞም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሠ ነገሥት ተደቢሮም “ኣጥፊእና ወይ ተጋጊና ኢና’ሞ መሓሩና”
ቢሎም ሓተቱ። “ምሒረዮም ኢየ፡ ነቱይ እምኒ ወይ ደንጎላ አልዕሉሎም ወይ እለዩሎም!” ብምባል ምኒሊኽ’ውን ተንሲኦም “ንስካትኹም ድማ ይቕረየልካ በሉኒ” ብምባል ድንን ድሕሪ ምባል ንነፍስወከፎም እናሓቖፉ ሰዒሞም ኮፍ በሉ።”
In other words, Ras Alula, Ras Mengesha and co., carrying loads of rocks on their shoulders vowed and asked for mercy to Atsie Minilik. Milnilik forgave their sins. :lol: :lol: I think Debretsion and co., should do the same to the 7th majesty, his excellence, Dr. Abbiy. :lol: for mercy :lol:

Aurorae
Member
Posts: 635
Joined: 10 Nov 2019, 02:21

Re: Ras Alula and Ras Mengesha, carrying loads of rocks vowed and asked for mercy from Atsie Minilik ?

Post by Aurorae » 24 Jul 2020, 12:04

Forget it. A bit insensitive there. :lol: :lol: :lol:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: Ras Alula and Ras Mengesha, carrying loads of rocks vowed and asked for mercy from Atsie Minilik ?

Post by Meleket » 24 Jul 2020, 12:10

ኣሄሄ . . . መልእኽቲ Meleket ደኣ ብሓፈሻ እዡይ እንደኣሉ!
Meleket wrote:
24 Jul 2020, 11:15
tarik wrote:
23 Jul 2020, 14:35
.... asfaha woldemicheal kissing his king hailesellasie feet. ..... :mrgreen:
ቢትወደድ አስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ንገለ ኣብ ሰነድ ዝጸነሐ ዘረባታቶም ምስ ሰማዕና፡ ክንደየናይ ብሱል ሰብ ከምዝነበሩ ተረዲእና ኣሎና። ዛይ ነዙይ ሕዚ “ምድማር” ዚበሃል ሽም-ጥምቀት ዝተዋህቦ ሓሳብ ጦቢያዊ መንእሰዪ ጠቅላዪ፡ ቅድሚ 50 – 70 ዓመታት ቢትወደድ ኣስፍሃን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ደቂ ኤርትራን ብሓባር ብተግባር ፈቲኖሞ እንደኣሎም። እቱይ ቀንዲ ዛሎ ጸገም ድሕሪ “ምድማር” ዝሰዓበ “ምድንባርን ምድርማስን(ምህማምን)” እንደኣሉ! እቱይ ቀንዲ ጸገም ድሕሪ ምፍራስ ፌደሬሽን ወይ ድሕሪ ምድማርን ምጽንባርን ዝሰዓበ ዕሙት ሃነፍነፍ ደቂ ጦቢያን፡ ኣብ ኤርትራን ደቂ ኤርትራን ከርእይዎ ዝፈተኑ ምልኪ እንደኣሉ፣ ጸገም ዝፈጠረ።

ዝበዝሓት ሕዚ “እዚ’ባ እቲ’ባ” ትብል ናይ ግዜና ቦለቲከኛ፡ ኣቦታታ ብፍቶቶም ምስ ጦቢያ እንዲዮም ክጽንበሩ “አንድነት” ቢሎም ዝዘመሩ። እቶም ንአንድነት ዛይፈትዉን ዛይቅበሉን ዝነበሩ ውሑዳት ኔሮም ክኾኑ አለዎም እምበር፤ ብዙሓት ኣንድነት ዛይብሉ እንተዝነብሩ ደኣ ስለምንታይ ንበኣል ቢትወደድን ቀሺ ዲሜጥሮስን ክዕብልልዎም ዛይከኣሉ፧ ዚብል ባህርያዊ ሕቶ ኪለዓል ይኽእል ኢዩ። ኃይለሥላሴ እንተኾነ ብዘይ ድሌት ኤርትራዉያን ደቂ ሃገር፡ ሓንቲ ለይቲ’ኳ ኣብ ኤርትራና ኪሓድርን ኪነብርን ኣምበይምከኣለን። እዙይ ብቀሊል ኣዘራርባ ‘ቀደም ዝበዝሓት ኤርትራዊ “አንድነት ወይ ሕብረት” ስለዝደለየት ብቃልሳ ንአንድነት ተግቢራቶ። ነዊሕ ከይከደ ኣብቱይ ሰዓት እቲ፡ ፍረ አንድነትን ፍረ ምድማርን ምጽንባርን ምስ ኢጦብያ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ክንዲ ምቝር ዚኸውን ኣዚዩ ዝመረረን ዝመጭቖረን ዔረ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ፈለማ ውሑድ ዝነበረ ደሓር ግን ምስ ግዜ እናተዓጻጸፈ ዝኸደ ኤርትራዊ ዜጋ “ንኣንድነትን ሕብረትን ምድማርን ምጽንባርን” ነጺጉ ምእንቲ ናጽነትን ልዑላዊነትን ኤርትራ ተቃሊሱ፡ ብቃልሱ ድማ ድሌቱ ረኺቡ ብገዛእ ቅልጽሙ ናጽነቱ ጨቢጡ። ከምኡ እናበልና ኣብዙይ ሕዚ ዛሎናዮ ኵነት በጪሕና ኣሎና! :mrgreen:

ከምቱይ ሕዚ ዛሎና ወለዶ ብርድኢት ንናጽነት ኤርትራ እንድግፍ ንምዕቃብ ልዑላዉነት’ውን እንቃለስ፡ ወለዶ ቢትወደድ ኣስፍሃ ድማ ብርድኢት ንዓባይ ጦቢያ ይድግፉ ነቢሮም፡ ከም መርኣያ ርድኢቶም ድማ ቢትወደድ አስፍሃ ብድሌቶምን ከም ምልክት ትህትናኦምን ንሳእኒ ኃይለሥላሴ ተደቢሮም ስዒሞም፤ ብስእሊ ስለዘይተሰነዱ ደኣ እምበር ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ ከም ምልክት ትህትናኦም ንሳእኒ ኃይለሥላሴ ኮነ ንሳእኒ ቢትወደድ አስፍሃ ተደቢሮም ስዒሞም ይዀኑ! ሕዚ’ከ ሳእኒ ሰባት ተደቢሮም ዝስዕሙ የለውናን ዲዮም! ሆሆ ገለ ክተዛርቡና ኢኹም ወደሺ! :mrgreen: ተገዲድካ ሳእኒ ብጻይካ ክትስዕምን ብወለንታካን ናጻ ድላይካን ከም ምልክት እምነትካን ትህትናኻን ሳእኒ ብጻይካ ክትስዕምን በበይኑ ኢዩ ትርጉሙ። :mrgreen: ንኣብነት ነንሕድሕዶም ዚተፋነኑ ዚነበሩ ራእስታት ትግራይ፡ ከም አገላልጻ ማሞ ውድነህ፡ ብሃጸይ መለሊኽ ተገዲዶም ካብ ትግራይ ናብ ሸዋ አዲስ አበባ ከይዶም፡ እምኒ ኣብ ክሳዶም ተሰኪሞም ተደፊኦም ንሃጸይ መለሊኽ “መሓሩና” ቢሎም ሥዩም ቢሎም ነቢሮም ያኢ። :mrgreen:ኣሉላ ኣባነጋ” ዚብል ርእስ ኣብ ዛለዎ መጸሓፉ ማሞ ውድነህ ኣብ ገጽ 372 ከምዙይ ይብል
26 ግንቦት 1886 ራእሲ መንገሻ ብልዕሊ አሰርተ ክልተ ሽሕ ዚከውን ሠራዊቶም ተዓጂቦም አዲስ አበባ ኣተው። ምስኦም እውን ራእሲ ኣሉላ፡ ራእሲ ሓጐስን ራእሲ ወልደሚካኤልን ነበሩ።

ሓጸይ መለሊኽ ኣብ ዙፋኖም ኰይኖም ዘውዶም’ዉን ደፊኦም ምስ ራእሲ ዳርጌ፣ ራእሲ ሚካኤል፣ ራእሲ ወሌን ካልኦት መኳንንቶምን ልኡኻት ሃገራት ወጻኢን ኣብ ዝተረኽቡሉ ነርባዕቲኦም ራእስታት ትግራይ ተቐበሉ።

ኣርባዕቲኦም ራእስታት እምኒ ወይ ደንጎላ ተሰኪሞም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሠ ነገሥት ተደቢሮም “ኣጥፊእና ወይ ተጋጊና ኢና’ሞ መሓሩና” ቢሎም ሓተቱ። “ምሒረዮም ኢየ፡ ነቱይ እምኒ ወይ ደንጎላ አልዕሉሎም ወይ እለዩሎም!” ብምባል ምኒሊኽ’ውን ተንሲኦም “ንስካትኹም ድማ ይቕረየልካ በሉኒ” ብምባል ድንን ድሕሪ ምባል ንነፍስወከፎም እናሓቖፉ ሰዒሞም ኮፍ በሉ።

ተገዲዶም ዝኣተውዎ ኰይኑ ደኣ እምበር፡ ዛይ እዙይ እንደኣሉ “ምድማር” ዚበሃል። “ምድማር” ኣምበይምከፍኣን ድሕሪ ምድማር ዛሎ “ምድንባርን” ድሕሪ ምድማር ዛሎ “ምድርማስን/ምህማምን” ግና ንሕዝቢ ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ ስለዝረከበሉ፡ ህዝብና ከም ጥልያን “ሽሕ እኳ እንተተፋተና ሸሸሓኒና” እንተበለ ኣየኽፍኣሉን ኢዩ። መለበሚ ኣይግበርካ ዲዩ ዚበሃል!

tarik wrote:
23 Jul 2020, 16:13

. Pfdj= Andenet with ethiopia. As long as their pockets and stomachs are full. :lol:
እዛ ንወየንቲ መሳፍንቲ ትግራይ ሕርሕራይ ገቢራ ጉልባቦም ዝቐልዐት ስሚ-ህወሓትን ብሕብሪ ዓይና ሕብንቲ ጸረ-ማሌሊት ዝዀነት ዋዕሮ ሓፍትና ጓልያ ሳርያም ደኣ ገለ ብልጫ ኣልይዋ ኮይና እያ እምበር ሱቕ ኢልካ ብወዝቢ ኣብ በበይኑ ዘመናትን ወለዶን’ዶ ከም ጸሓይ ደሚቕካ ትረኣይ ዀንካ! :mrgreen:

ወዳጀ ንታሪኽ ብመንጽር እቱይ ዘመንን ርድኢት እቲ ዘመንን ቦለቲካዊ ምዕባለታቱን ምምዛን ኢዩ እምበር፡ ስለምንታይ ኣብ ዘመነ እኒ እኒ ዝነበሩ ሰባት ኢንተርኔት ዛይተጠቕሙ ቢልና ነቶም ቀዳሞት ክንወቅሶም ኣይግባእን። ነዞም ናይ ሕዚ’ውን ስለምንታይ ከምቶም ናይ ቀዳሞት ዛይኾኑ ክንብል አይግባኣን። “በድሮ በሬ ያረሰ የለም” ዲዮም ዝብሉ እዞም ጎረባብትና ደቂ ጦብያ።

ብርግጽ ደቂ ኤርትራ ከምቲ ምስቲ መንእሰይ ኢጦብያዊ ጠቅላዪን ምስ ኢጦቢያዉያንን ዝዋስእዎ ስለምንታይ ምስታ ቍርዲድ መቐለ ዛይተዋስኡ ኪበሃል’ዉን ኣይከኣልን ኢዩ፤ እቱይ ምንታይ እንተተባህለ እዛ ቍርዲድ መቐለ ኣብ ልዑላዊ መሬት ሃገረ ኤርትራ ካብ ምውጻእ ዕጭ ሓንፊፋን ሓንጊዳን ስለዛላ ኢዩ!

ንሓቂ ምስ ገለጽና ንሓሶት ነሸቝርራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።
:mrgreen:
ማለሊት ንኤርትራ ዝጸሞቕኹሞ ዕረ፣
መሪሩኩም’ዶ ሓቕነት ምስ ሰዓረ፣
ጕሰምዎ እምበር ናበይ ድሕርድሕሬ ናበይ ድሕርድሕሬ! ዲዩ ዝበለ እቱይ ባህር ስነጥበባዊ ሃገረይ!
:mrgreen:

Aurorae
Member
Posts: 635
Joined: 10 Nov 2019, 02:21

Re: Ras Alula and Ras Mengesha, carrying loads of rocks vowed and asked for mercy from Atsie Minilik ?

Post by Aurorae » 24 Jul 2020, 15:56

Meleket,

I just picked what I needed. BTW, Asfaha Woldemichael and co., may have done what seemed to be right at the time, but they will always be blamed for something they never had an intent. The people of Eritrea have been wronged the worst possible way after independence. Now, history will vilify that for a very long time to come. A lot of lesson to be learnt. BTW, Asfaha went to his grave believing in Andnet. Qeshi Demetrios could be another one. The rest of them did repent later on. Gen. Tedla Oqbit even paid with his own life to do so.

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: Ras Alula and Ras Mengesha, carrying loads of rocks vowed and asked for mercy from Atsie Minilik ?

Post by Meleket » 25 Jul 2020, 05:47

Aurorae wrote:
24 Jul 2020, 11:52
Where is Halafi, :lol:

Meleket wrote,
26 ግንቦት 1886 ራእሲ መንገሻ ብልዕሊ አሰርተ ክልተ ሽሕ ዚከውን ሠራዊቶም ተዓጂቦም አዲስ አበባ ኣተው። ምስኦም እውን ራእሲ ኣሉላ፡ ራእሲ ሓጐስን ራእሲ ወልደሚካኤልን ነበሩ።

ሓጸይ መለሊኽ ኣብ ዙፋኖም ኰይኖም ዘውዶም’ዉን ደፊኦም ምስ ራእሲ ዳርጌ፣ ራእሲ ሚካኤል፣ ራእሲ ወሌን ካልኦት መኳንንቶምን ልኡኻት ሃገራት ወጻኢን ኣብ ዝተረኽቡሉ ነርባዕቲኦም ራእስታት ትግራይ ተቐበሉ።
ኣርባዕቲኦም ራእስታት እምኒ ወይ ደንጎላ ተሰኪሞም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሠ ነገሥት ተደቢሮም “ኣጥፊእና ወይ ተጋጊና ኢና’ሞ መሓሩና”
ቢሎም ሓተቱ። “ምሒረዮም ኢየ፡ ነቱይ እምኒ ወይ ደንጎላ አልዕሉሎም ወይ እለዩሎም!” ብምባል ምኒሊኽ’ውን ተንሲኦም “ንስካትኹም ድማ ይቕረየልካ በሉኒ” ብምባል ድንን ድሕሪ ምባል ንነፍስወከፎም እናሓቖፉ ሰዒሞም ኮፍ በሉ።”
In other words, Ras Alula, Ras Mengesha and co., carrying loads of rocks on their shoulders vowed and asked for mercy to Atsie Minilik. Milnilik forgave their sins. :lol: :lol: I think Debretsion and co., should do the same to the 7th majesty, his excellence, Dr. Abbiy. :lol: for mercy :lol:
Aurorae wrote:
24 Jul 2020, 15:56
Meleket,

I just picked what I needed. ....
ክቡር Aurorae

ፍልፍል ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስካዮ ጽሑፍ፡ ማሞ ውድነህ ዝተባህለ ኢጦብያዊ ተመራማሪ ታሪኽን ደራሲን ኣብታ “ኣሉላ ኣባነጋ” ትብል መጸሓፉ ኣብ ገጽ 372 ምዃኑ እንተትገልጽ ነቢርካ፡ እቱይ ሓበሬታ ካብሱሩ ምኾነ’ሞ ዝያዳ ምጸበቐ ንማለት’ኡ! ንኣንፍና ምሉእ ትሕዝቶ ጽሑፍና ኣብዙይ መኣድኻ ንነባቢ ዝቐረብናሉ።

ጽንዓት ሓፍት ንያት፣ ጓል ሓፍቱ ነቲ ካብ መስረትቲ ሰልፊ ናጽነት ሓደ ዝኾነ ጅግና ኤርትራዊ ተጋዳላይ ተወልደ እዮብ ከምዡይ ቢላ ነበረት
“ሰብ ክሕሱ ይኽእል ኢዩ፡ ታሪኽ ግን ኣይሕሱን ኢዩ። ኩልሻዕ ሓደ ነገር ትሽፍኖ፡ ሓቅነት እንተልይዎ ግን ምስ ግዜ ይወጽእ ኢዩ።”
እወ ምስ ግዜ ሓቅነት እንተልዪዎ ተሸፊኑ ዝተርፍ ታሪኽ የልቦን። ታሪኽ ኣሉላ ኮነ መንገሻ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ’ዩ ተዛዚሙ።

ታሪኽን መትከላዊ እምነትን ቢትወደድ ኣስፍሃ ድማ ዘኹርዕ እምበር ዘሕፍር ስለዛይዀነ፡ ምስ ግዜስ መትከልን እወንታዊ አተሓሳስባን ቢትወደድ አስፍሃ ወልደሚካኤልን ብጾቶምን ክንደየናይ ብሱል ምንባሩስ ብግብሪ ተመስኪሩ’ሎ። ነቲ ኩነታት “ክንዳኻ ዘይኾኑስ ብኣኻ ይወራዘዩ” ከይገበርና፡ ካብ ታሪኽ መራሕ ሃገር ቢትወደድ ኣስፍሃ ኮነ ካልኦት ደቂ ኤርትራ ካብ ዓወታቶምን ጌጋታቶምን ምምሃርን ጸጽቡቑ ነፊካ ምውሳድን ሓላፍነት ወለዶና’ኡ ንማለት’ኡ! ኪንዮ’ዚ ግና ንፈራዲ እጭነቖ! :mrgreen:

ንሓቂ ምስ ገለጽና ንሓሶት ነሸቝርራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።

Aurorae
Member
Posts: 635
Joined: 10 Nov 2019, 02:21

Re: Ras Alula and Ras Mengesha, carrying loads of rocks vowed and asked for mercy from Atsie Minilik ?

Post by Aurorae » 25 Jul 2020, 10:46

Meleket,

For your reference you provided , I do appreciate it. With the likes of Halafi, who would claim anything and every thing without basis :lol: , you provide much needed credibility to the forum. BTW, the likes of Asfaha Woldemichael and Lorenzo Taezaz were great Eritrean thinkers. In Asfaha's case who spent a great number of years in Gondar (correct me if I am wrong), he should have known unity with a far bigger country against UN and OAU international treaties was dangerous. For that, Asfaha and al., would always be blamed, Incidentally, at the end of his life, he lived next door to my newly wed parents, near Ghenet Hotel ( a few hundred yards from the great prison, I believe it is referred as Alem Beqa Prison :lol: ) in Addis Ababa. My father was very young at the time. He was very impressed with him. Since Asfaha lived by himself. He had only the guard on the premises, My father spent time once in a while talking to him. He asked him if he had any regrets ? The answer was no. so, we have to take that with the grain of salt if you will.

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: Ras Alula and Ras Mengesha, carrying loads of rocks vowed and asked for mercy from Atsie Minilik ?

Post by Meleket » 27 Jul 2020, 11:25

ክቡር Aurorae

ሃሳብካን ካብ ክቡር ኣቦኻ ዝረከብካዮ ዛንታ ቢትወደድን ክንድዘካፈልካና ኣመስግነካ። ኩሎም ጸሓፍትን ተመራመርትን አዘንተውትን ዚሰማምዑሉ ሓደ ነገር እንተሎ ቢትወደድ አስፍሐ ወልደሚካኤል ኣብ መትከሎም ጽኑዕ ምንባሮምን ነቱይ ዚገብርዎ ነገራት ኩሉ ብርድዒትን ብስነፍልጠትን ዘሰንዩ ምንባሮም ኢዩ። እዝጊ እንተፈቒዱ፡ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ተመራማሪ ታሪኽ አምባሳደር ዘውዴ ረታ “የኤርትራ ጕዳይ” ኣብ ዚብል መጸሓፉ ዘስፈሮ ንታሪኽ ቢትወደድ ዚገልጽ ምዕራፍ መታን ሓዲሽ ወለዶ ኤርትራ ትምህርቲ ኪረክበሉ ብዚብል ኣተና ኣብዡይ ክንካፈሎ ኢና። አስፍሐ ወልደሚካኤል ቅድሚ ፍርቂ ክፍለዘመን ንምድማር ብግብሪ ዝተርጎመ፡ ነዙይ ሓድሽ ወለዶ’ውን ዓቢ ትምህርቲን ተሞክሮን ዝገደፈ፡ ጅግና ወድ ምድሪባሕሪ’ዶ ኣይዀነን!
:mrgreen:

Aurorae
Member
Posts: 635
Joined: 10 Nov 2019, 02:21

Re: Ras Alula and Ras Mengesha, carrying loads of rocks vowed and asked for mercy from Atsie Minilik ?

Post by Aurorae » 27 Jul 2020, 11:54

Meleket,

Our grandparents and great-grand parents were thinking ahead of their time. Asfaha and co.,'s vision was to establish a great nation with people that have common customs and traditions. Unfortunately, they were let down by the midget Hailesellasie. Woldeab Woldemariam, Raesi Tessema and Ibrahim Sultan had reservations and they were proven right. They were all heavy weights. Those type of peaple is what Eritrea is lacking today. When a cell duplicates, it reproduces with offspring cells that have innate inferior qualities. I hope that is not the case to us today. :lol: :lol: :lol:

Post Reply