Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

This Day in Eritrean History.

Post by Zmeselo » 19 Jul 2020, 05:44


On July 18, 2018, PM Abiy Ahmed of Ethiopia requested the UNSC to facilitate a resolution on the complete lifting of the sanctions imposed on Eritrea through UNSC Resolution 1907 (2009) with immediate effect in light of the historic Peace Agreement between the two countries.



Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Zmeselo » 19 Jul 2020, 05:54





Beautiful Asmara, from a different angle.

Church (Debri) on the hill - ሸግርኒ near Dirfo – Asmara Massawa Road
(@shaebiaeritrea2)



Assab Port development. (C/o Ahmedani Mohamed)



(C/o Debesay Nebaray)
Last edited by Zmeselo on 19 Jul 2020, 13:12, edited 3 times in total.

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Zmeselo » 19 Jul 2020, 10:55

ጩራ ጥዕና፡ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ዓሰብ | General Hospital in Asab - ERi-TV


Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Zmeselo » 19 Jul 2020, 13:12

ቀረብ ስጋ ዓሳ ኣብ ኣስመራ



(By Mezekr Tarik) - ኣብ ሃገርና ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ዓይነታት ዓሳ * ዴራኽ * ባራኾዳ * ቱና * ካትፊሽ * ጃክፊሽ * ቸርንያ * ስዋርድ * ስናፐር * ኲይንፊሽ * ቦኒቶ * ኮፕያ * ካልኦትን

እዞም ኩሎም ዝተገልጹ ዓይነታት ዓሳ ንኺሎ ካብ 42 ክሳብ 65 ናቕፋ ይበጽሕ ዋግኦም።

ክሳብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ምምዝማዝ ሃብቲ ባሕሪ፡ ብርዱእ ምኽንያት ዝተገብረ ወፍሪ ብዙሕ ኣይነበረን፡ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ ግን፡ ብዘይካ ናይ ጨዋም ባሕሪ ዓሳ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ሃገርና ብወፍሪ ልምዓት ተሃኒጾም ኣብ ዘለዉ ዲጋታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዓውዲ ብዝግባእ ተረዲኡ ኣብ ምፍራይ ዓሳታት ጥዑም ማይ ተዋፊሩ ከም ውጽኢቱ ውሕስነት መግቢ ኣብ መላእ ሃገር ብመሉእ ኣቕርቦት ንምርግጋጽ ይሰርሕ ኣሎ። ዓሳ ድማ ምስ ዘለዎ ትሕዝቶ መኣዛን፡ ብተወሳኺ ድማ እንተ ሰሪሕናሉ ምስ ዘሎና ብዝሒ ጸጋ ዓሳ፡ ኣብ ሃገርና ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽ ክጻወቶ ዝኽእል ተራ ቀሊል ኣይኮነን።



ብመንጽር ዋጋ ስጋ ከብቲ ይኹን ጠለ በጊዕ እንክግምገም ድማ፡ እንተወሓደ ፍርቂ ዋጋ ናይዞም ዝተገልጹ ዓይነታት ስጋ ምስ ምዃኑ፡ ኣብ መዳይ ቁጠባ ውን ዕዙዝ ኣበርክቶ ወይ ደገፍ ንተጠቃሚ ከም ዘለዎ ዘማትእ ኣይኮነን።

ሸፈነ ኣቕርቦት ዓሳ ንዝምልከት ድማ ምስ ንቅሓት ተጠቃምነት ዓሳ ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታው ዋላ ኳ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሃገርና እንተ ዘይተባህለ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሃገርና ብናይ ጨዋም ባሕሪ ዓሳታት ክሽፈን እንከሎ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከብ ህዝብና ድማ ካብ ኣብ ጥዑም ማይ ዝፈርዩ ዓሳታት ክቐርበሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ፡፡



ንቅሓት ህዝብና ኣብ ተጠቃምነት ስጋ ዓሳ ንመግቢ እንክ ግምገም ከኣ፡ ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብር ህዝብና ደረጃ ግንዛቢኡ ትሑት እዩ ጸኒሑ፡ ምስ ሓድሽ ወፍሪ ምፍራይ ዓሳ ጥዑም ማይ ግን እቲ ዝጸንሐ ርድኢት እንዳ ተቐየረ ይኸይድ ምህላዉ እዩ። እቲ ኣብ ስጋ ከብትን ጠለ በጊዕን ተወሲኑ ዝነበረ ልምዲ ኣመጋግባ፡ ዝያዳ ኣምራጺታት ብመንጽር ዋጋ፡ ጥቕምን ትሕዝቶን እንክርአ ውን ሓደ ህያብ ናይዚ ዝተገብረ ወፍሪ እዩ።

እዚ ከም ቀዳማይ ክፋል ብንኡስ ሓበሬታን መጽናዕትን ዘቕረብናዮ ኩነታት ዕዳጋ ስጋ ዓሳ ኣብ ቀጻሊ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ብሰፊሑ ከነቕርበልኩም ምዃንና ንሕብር፡ ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለና ፡ ወደሓንኩም።

ሰንበት 19 ሓምለ 2020

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Zmeselo » 19 Jul 2020, 13:22





Prime Minister Dr. Abiy Ahmed and his delegation today toured agricultural development projects in the environs of Kerkebet Dam in Gash Barka Region. The PM and his delegation were accompanied by President Isaias Afwerki and senior Government officials during the visit.







The delegation also inspected, during their stop-over at Sawa Airport, graduation-parade rehearsals of the 33rd Round of the National Service. Prime Minister Dr. Abiy Ahmed and his delegation departed home in the later afternoon hours today after a two-day fruitful working visit
(Yemane G. Meskel: @hawelti)
Last edited by Zmeselo on 19 Jul 2020, 18:38, edited 3 times in total.

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Temt » 19 Jul 2020, 13:24

Thank you Dr. Zmeselo. Let the good times roll unhindered by any Hasad Weyanes! :lol: :lol: :lol:

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Zmeselo » 19 Jul 2020, 14:32

You're welcome, my brother!

Look at how, the truth is slowly becoming clearer & clearer:
Please wait, video is loading...



Temt wrote:
19 Jul 2020, 13:24
Thank you Dr. Zmeselo. Let the good times roll unhindered by any Hasad Weyanes! :lol: :lol: :lol:

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Zmeselo » 19 Jul 2020, 15:07

ኤርትራዊ ሃገራዊ ክሕደት`ዶ፣ ብጻያዊ ጥልመት ወይ`ሲ ብድምር ክልቲኡ?-1ይን 2ይን ክፋላት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ክሕደት`ዶ፣ ብጻያዊ ጥልመት ወይ`ሲ ብድምር ክልቲኡ?-1

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

22.12.2018


ብመራሒ ጉጅለ-15 ዝፍለጥ ሃይለ ወልደትንሳኤ [ድሩዕ] ገለ ኣባላት ግምባርን መንግስትን ነበር ተሓባበርቱን ወኪሉ፣ ኣብ`ቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውግእ ብሸምገልቲ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን መንገዲ ኣቢሉ ንጸላእትና ዓሌታዊ ስርዓት ህውሓት ዝምቡዕ ምስጢር ምምጣዉ [ምሕላፉ] ሃገራዊ ክሕደት ምፍጻሙን ብጭብጢ እንክግለጽ...........

ሃገርና ኤርትራ ኣንጻር ኣረሜናዊ [Fascist] ወራሪ ህውሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ርሱን ውግእ [1998-2000] እንከላ፣ ብኣብ`ቲ እዋን`ቲ ናይ መንግስትን ሃገረ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕ ብመንገዲ ዓረቕቲ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ኣቢሉ ንጸላእትና ህውሓት ናይ ሓሶትን ኣጸላምን [ጠቃኒ] ካልእ ምስጢራዊ መልእኽቲ ከም`ዚ ዝስዕብ ኣመሓላሊፉ፣
ካብቲ ሓያሎይ ዛጊት ብዕሊ ዘይተገልጸ ሓደ ንኡስ ክፋል ኣብ ብራሰልስ ቤልጁም ኣብ`ቲ ግዜ ውግእ ዝነበረሉ ዓቢ ናይ ሰላም ድርድር ኣኼባ ስለ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕን ኣነን ካልኦትን መልእኽተኛታት ኤርትራ ዝነበርናዮ፣ ሃይለ ድሩዕ ንወያነ ብገለ ናይ ሰላም ኣደራደርቲ ዝነበሩ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ወጻእተኛታት ጌሩ 'ምስ ዝዓበደ ኣይትዕበዱ ምስ ተጸለለ ኣይትጸለሉ ዕድል ንኽለኣዮም። ስለዚ እዚ ኲናት`ዚ ኢሳይያስ እዩ ጀሚሩዎ፣ ንስኹም ግን ኣይትእተዉ ናብ ኲናት ኣይትእተዉ ምስ ዕቡድ ኣይትዕበዱ ኲናት ምስ ተኣወጀ ንስኹም'ውን ነቲ ህዝቢ ኣብ ክስታይ ኣይተእትውዎ' እያ ኔራ እታ መልእኽቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰደዳ ባዕሉ [ሓወይ ሃይለ ወልደትንሳኤ 'ድሩዕ'] ንዓይ ዝነገረኒ..............
ኢሉ ሰንጋል ወደልደትንሳኤ ብምስክርነቱ ኣብ መቛየቚ ድሕረ ገጽ ተዛሪቡ።

ነዚ ፍጹም ንኽትኣምኖ ኣዝዩ ዘሸግርን ፍጹም ሓላፍነት ዝጐደሎን ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ከም ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ መንግስትን ኣባልን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባርን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ሰብ ዘይትጽበዮ መርድእ፣ ሃገር ብሃርጓምን ጎባጢትን ስርዓት መሳፍንቲ ሕውሓት ወራር ምኽንያት ኣብ ርሱን ናይ ሞትን ሂወትን ኲናት ተጸሚዳ ንድሕነታን ልዑላውነታን ኣብ ትከላኸለሉን ትዋደቐሉን ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ትኸፍለሉን ዘነበረትሉ ህሞት ብጣዕሚ ተኣፋፍን ወሳኒ ግን ጠቃኒ ሃገራዊ ምስጢር ብባዕዳውያን ልኡኻት [ኣሜሪካውያንን ኤሮጳውያን ሸምገልቲ] ብጽሑፍ ጌሩ መልእኽቲ ብትግራዎት ንዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ምሕላፉ ወይ ምሃቡ......ንሕና ከም ህዝቢ ሃገራዊ ክሕደትን ጥልመትን ተፈጺሙ ክንብል`ዶ ኣይንኽእልን ኢና ወይ ኣይግብኣናን ድዩ?

ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዑይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ትዕበ ትንኣስ ምስጢር እሞ ኸኣ ንመራሕ መንግስቲን ግምባርን ብሓሶት ዘጸልምን ዝኸስስን ብኢደ-ወነንካ ብፍላይ ኣሹንኳይ ክንድዚ ገዚፍ ስልጣንን ሓላፍነትን መንግስቲን ግምባርን ተሰኪምካ፣ ማንም ተራ ኤርትራዊ ከማን ንጸላእትኻን ክወሩኻን ክቐትሉኻን ኲናት ብዕሊ ኣዊጆምን ተሃንዲዶም ክጎብጡኻን ንዝመጹ ደመኛታት ጸላእቲ ምምንጣው`ሲ [ምሕላፍ ምሃብ] ሓራም [ነውሪ] ኮይኑ፣ እዚ ከቢድ ፍጻሜ`ዚ ሃገራዊ ክሕደት ወይ ድማ ጥልመት ብግልጺ ክበሃል`ዶ ኣይግባእን? ብሰንኩ ምኽንያት ኣብ ሰብን ንብረትን ብፍላይ ኣብ ሃገር ድማ ብሓፈሻ ዝወረደ መስዋእትን ዕንወትን`ከ በቲ ኤርትራዊ ሕጊ ከም ክብደቱ ከም ሳዕቤን ተመጣጣኒ ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰዶ ነውሪ ድዩ? ብወገነይ ቀደም ሒዘ ዝሰምዖን ዝጥርጥሮን ስለ ዝነበርኩ፣ ካብቶም ሓደ ኣብ`ቲ ጸወታ ተዋሳእቲ ዝኾነን ዝነበረን ሰንጋል ወልደትንሳኤ [ሓዉ ንሃይለ ድሩዕ] ሕጂ ባዕሉ ሓደ ክፋል ናይ`ቲ ምስ ጸላኢ ዝተገብረ ምስጢራዊ ርክብ በጨቕ ኣቢሉ ስለ ዝጸወዮ፣ ዓው ኢለ ይግባእን ፈረቓን ይብል።

እዛ ሰራምን ተበላጺትን ጉጅለ-15 እምበኣር፣ ኣብ`ቲ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣንጻር ወራሪ ስርዓት ህውሓት ናይ ሞትን ሕየትን ርሱን ውግእ ኣብ ዘካይድሉ ዝንበሩ ህሞት ኣሽሓት መንእሰያትን ዓበይትን ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ኣንስትዮን ኣብ ዝወድቁሉን ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ዝኸፍልሉን ዝነበሩ ትንፋስ ዘይህብን ዘየዛኒን እዋን፣ ኣብ ውሻጠ ኮይና ምስ ወጻእተኛታት ተመሓዝያን ተዃሺማን ኣንጻር ሃገር ሸርሒ ትኣልምን ኣዕናዊን በታታንን ዕላምኣ ንምዕዋት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ገለ ሰባት ኣደናጊራን ወዳዲባን ኣጻፊፋን ትሰርሕ ኔራ እያ። እዚ ጭብጢ ዘይብሉን ብስምዒትን ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ እንታይ ደኣ ብጭብጢ። ኣባላት`ዛ ብጉጅለ-15 እትፍለጥ ጋንታ፣ ናይ ስልቲ መሓዙታ ወራር መሳፍንቲ ሕውሓት ብህዝባዊ ሰራዊት ከቢድ መስዋእቲ ምስ ፈሸለን ምስ ተረኽሞሸን ፍሽለታ`ውን ስለ ዝነበረ፣ ንኣባት ንፍሳ ጋዜጠኛን ምናልባትውን ሰላይ ዶን ኮነል ብሃታ ሃታ ጸዊዓ ንባዕዲ ክንገር ዘይግባእ ታሪኽ ዘመነ-ሰውራን መሪሕነት ውልቀ-ሰባት ህግሓኤን ኣብቲ ውግእ ዝነበረ ኩነታትን ኣብ ሕጓታት [ውሻጠ] ዓሪዳ ብናታ ኣተራጓጉማን ብዝጥዕማ ኣገባብን ክትለፋለፍን ክትናሳሕን እያ ተጓይያ። ናይ`ዚ ምስክር ድማ ናይ ሓያሎይ ኣባላት`ዛ ጉጅለ ንስሓ`ዶ ክብሎ ምልፍላፍ ብዳን ኮነል ዝተገብረሎም ዝርርብ ናይ ቃልዕ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

እቲ ውግእ ብትብዓትን ጀግንነትን ተኻፈልቱ ከቢድ መስዋእትን መውጋእትን ጀጋኑ ሰራዊት ኤርትራ ብፍላይ ብተባዕ ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራን ብሓፈሻ ኣብ 2000 ዓም ምስ ፈሸለን ምስ ተዓወተን ግና፣ እዛ ጉጅለ-15 ብዝብል ስም ዝተጠመቐት ባእታ፣ ዝኣለመቶ ዕላማ ስዕረት ሰራዊት ኤርትራ ዘይቕዱስ ኪዳን ምስ ጸላኢና ህውሓትን ጥልመትን ዕልዋ መንግስትን ስለ ዘይሰለጣ ወይ ስለ ዝፈሸላ፣ ብሃትሃታ ካብ`ቲ ውሻጠ ወጺኣ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ኣየናይ ወዶም-ጓሎም ከም ተሰውኡን ብዝወጹዎ ከም ዝተረፉን ከይፈለጡን እዚ ዓቢ ሃገራዊ ኪሳራ ከየገደሳ፣ ጌግኣ ክትሓብእን ክትሽፍንን "ካባ ደሞክራሲ" ብዓቐና ኣስፍያን ተኸዲናን ጸጉራ ተመሻሺጣን ሎቖትኣ ኣጸባቢቓ ሒዛን ብማይ ዘይሓለፎ ኣምር "ዲሞክራሲ" ክትሽቅጥን ህዝቢ ከተታልልን በሎኽ ኢላ እያ ወጺኣ። እዛ ጉጅለ-15 ብመንግስቲ ኤርትራ ተጋጊኺ ናብ ልብኺ ተመለሲ ተባሂላ ከተብቅዕ ግን፣ ነዚ ነጺጋ ኣብ ጽሑፍን ቆይቚን ዘለፋን ኣትያ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሕንፍሽፍሽ ክትፈጥር ተበጊሳን ብጻዕቂ ሰሪሓትሉን። እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ "ጌጋኣ ንምሽፋን" በዛ ጉጅለ ዝካየድ ዝነበረ ኣዕናዊ ወፈራ ንምግታእ ብ2001 ዓም ሕጋዊ ስጉምቲ ወሲዱላ። እቲ ኩነታት ብመንግስቲ ኤርትራ ከይተገትኤ ብሸለልትነት ተገዲፉ ኔሩ እንተትነብር፣ ዕጫ ኤርትራ ልክዕ ከም ናይ ደቡብ ሱዳን [ውግእ ሓድሕድን ምድንዳን መንግስቲ ምፍራስን] ምኾነ። ሳዕቤኑ ድማ ስርዓት ጭፍራ ህውሓት ኣብቲ ውግእ ዘይረኸበቶ ዓወት፣ ብሕጓ ሰተት ኢላ ኣትያ ብቐሊሉ ንኤርትራ ተመሊሳ ንኽትቆጻጸራ ብዙሕ ጸገም ኣምበይምነበራን።

እዚ ኣዕናዊ እንተታት እንተ ዝፍጸም ኔሩ ድማ እዛ ጉጅለ-15 ብመራሒኣ ኣቢላ ኣብ'ቲ ግዜ ኲናት ሃገራዊ ምስጢር ንስርዓት ጭፍራ ነበር ዝመጠወቶ፣ እኩይን ኣንጻር ታሪኽና ዝኸይድ ጸሊም ነጥቢ ዕላምኣ ተዓዊቱ ከስዕቦ ዝኽእል ዝነበረ ውጽኢት [ሃገራዊ ውርደት] ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ግምት እዩ ኔሩ። መስፍናዊትን ኣረሜናዊትን ስርዓት ጉጅለ ህውሓት ድማ ምሕዝነታ ምስ ጉጅለ-15 ቅዳዊ [strategic] ዘይኮነስ ስልታዊ [tactical] ስለ ዝነበረን ዕላማኣ ድማ ንሰራዊት ኤርትራ ደምሲስካን ስዒርካን ኤርትራ ጎቢጥካን እቲ ሕቡን ታሪኻ ሓኺኽካ ናብ "ዓባይ ኢትዮጵያ" ንሓዋሩ ንምምላስ ስለ ዝነበረ፣ ንሶም'ውን [ጉጅለ-15] ኣብ'ቲ ድሕረ-መስርሕ ብርግጽ ብወያነ ምተበልዑ ኔሮም።

ብናተይ ገምጋምን ሚዛንን፣ በዚ መራሕ ጉጅለ-15ን ኣባላቱን ዝተኻየደ ዘይሓላፍነታዊ ኣሉታውን ኣዕናውን ተግባር፣ ኣብ`ቲ ግዜ ወራር ንጸላኢኻ ምስጢር ኣልሒዂካ ምሃብን ሃገራዊ ክሕደት ጥልመትን ምፍጻምን ሳዕቤናቱ፣…………

>>>• ንተጻይ መንግስቲ ህውሓት እቲ መሪሕነት መንግስትን ግምባርን ኤርትራ ስምምዕ የብሉን ዝብል ግጉይ ግምት ብምሃብን ሞራላ ሓፍ ኣብ ምባልን እቲ ውግእ ካብ ዓቐኑን ግዜኡን ንኽምጠጥ ተራ ምጽዋቱን፣ ኣደዳ ኣሽሓት ምሩጻት መንእሰያት ኤርትራ ግዳያት መስዋእትን መውጋእትን ስንክልናን ምግባሩን፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝፈናቐሉ ኣብ ምግባርን፣

>>>• በዚ ፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎ ውልቀ-ሰብን ጉጅለኡን ነቲ ብመንግስትን ላዕለዎት ሓለፍቲን ዓቂቦም ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ፖለቲካውን ዞባውን ዓለምለኻውን ምውሳእ [ዲፕሎማሲ] ወትሃደራዊ ቅዲ ኲናት [Strategy] ኣብ ግዜ ውዑይ ናይ ምትሕንናቕ ውግኣት ንጸላእትና ስለ ተመጠወ፣ ህውሓት ናይ ሓሶት ሞራል ሰኒቓ ነቲ ግጭት ብሸምገልቲ ብቕልጡፍ ብሰላም ንኽፍታሕ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብተደጋጋሚ ዘይምኽኑይ ቅድመ ኩነትን ዕባራን 'ቀምሽ ኣደይ ሓንኮለኒን' ዝመስል ሓንካስ ምኽንያትን ብምቕራብ ክትነጽጎን፣ እቲ ውግእ ከተናውሖን ክትደፍኣሉን ዕድል ሂቡዋ እዩ። ሳዕቤኑን ውጽኢቱን ድማ ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ እዩ።

>>>• ኣብ`ቲ ምስ ሸምገልቲ ሰላም [ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ብዝተሓተ ክብደት ድማ ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት] ዝግበር ዝነበረ ምይይጥ ድማ ብሰንኪ`ቲ ምስጢር ሃገር ምልሓዂን ንጸላኢ ምምጣውን፣ ስርዓት ሕውሓት ነቲ ድርድር ከም ግዜ መግዝኢን ሓይሊ ሰባ መመልመሊን መዓለሚን መዳለውን ኣጽዋር መሸመትን ብግቡእ ተጠቒማትሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ሰላም ተኽእሎ ኣማህሚና ንውግእን ደም ምፍሳስን ጥራሕ ከም ተተኩር ጌሩዋ ኣዩ።

>>>• ናይ`ዚ ኹሉ ድምር ከኣ ብፍላይ ኣብ`ቲ ቅድሚ ድሮ ሳልሳይ ወራር [ሓደ ሰሙን ወይ ሳልስቲ ቅድሚ ምጅማር 3ይ ወራ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ጐንጺ/ኲናት ብሰላም ክፈትሕኦ፣ እተን ሓሙሽተ ሓያላትን ወሰንትን ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣካል ኣትየን ኔረን] >ብወገን ኤርትራ ዝነበረ ቅኑዕን ምቕሉልን ናይ ሰላም ድሌት ቅሩብነትን ብግብሪ ንምርኣይ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብበይናዊ ዘይግዱድ ስጉምቲ ንኽልተ ዓመታት ብጽኑዕን ድልዱልን ዝሃነጾ መከላኸሊ መስመር ግምባር ቡረ 71 ዕርድታቱ ገዲፉ ናብ ኣስታት 37 ኪሎ ሜተር ቀላጥ መሬት ንውሽጢ ኤርትራ ከም ዝሰሓበን፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ድማ ካብ ግምባር ዛላ ኣምበሳን ደቡባዊ ግምባርን ከምኡ ከምዝገበረን፣ ብወገን ስርዓት ጭፍራ ወያነ ግን ነቲ ናይ ኤርትራ ምቕሉል ናይ ሰላም ተበግሶን ድሌትን ጻውዒት ዓለምለኻዊ ሸምገልቲ ሰላም ብትዕቢት ነጺጋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብሰለስቲኡ ግምባራት ማለት [ግምባር ቡረ-ዓሰብ ንዓሰብ ንምሓዝ፣ ብግምባር ጾሮናን ዛላምበሳን ንከበሳን ኣስመራን ንምሓዝ፣ ብግምባር መረብ-ሰቲት ንቆላዊ መታሕት ኤርትራ ንምሓዝ] ሓያል መጥቃዕትን ወራርን ኣበጊሳ።

>>>• ኣብ`ቲ ንሰላም ሽምግልና ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን`ውን መሳፍናዊት መሪሕነት ህውሓት
እናተዋጋእና ክንደራደር ኢና እናተደራደርና ድማ ክንዋጋእ ኢና
ዝብል ጭርሖ ብዕሊ ኣዊጃ፣ ካብ መጀመርያ`ቲ ውግእ ክሳብ መወዳእታ ዝፈሸለትሉን ዝተሳዕረትሉን እዋን፣ ንሰላም ፍጹም ዕላማን ቅሩብነት ከም ዘይነበራ ብግብሪ ኣርእያ እያ። እዚ ኹሉ እኩይ ናይ ስርዓት ህውሓት ኢትዮጵያዊ ወርራ ግን ብሳላ ከቢድ መስዋእቲን ጅግንነትን ሰራዊት ኤርትራ ተባዕ ህዝቢ ኤርትራን ፈሺሉን ተሳዒሩን እዩ። እዚ ብድዔን ጥርዚ ምትብባዕ ወራር ጸላኢ`ውን ውጽኢት ክሕደት ጉጅለ-15 መራሕኡን ክበሃል ይከኣል።

>>>• እቲ ውግእ ኣብ 2000 ዓም ብውዕል ሰላም ጠጠው ምስ በለን እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ድማ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ምስ ተመርሐን፣ ቀዳም ዕለት 13 ሚያዝያ 2002 ድማ እቲ
ናይ መጨረሽታን እግባይ ዘይበሃሎ ፍርዲ
ምስ ተፈርደን፣ ስርዓት ህውሓት በቲ ናይ ሽዕኡ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ሓላፊ ስዩም መስፍን ኣቢላ
ባድመን ከባቢኣን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ዘይሓተትናዮ ናይ ኤርትራ መሬት ተፈሪዱልናን ተዋሂቡናን ኣሎ
ኢሉ ዓይኑ ብዘውጽኤ ጻዕዳ ሓሶት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣውጺኡ ከም ወራዶ መርዓ ከም ዝጭፍሩ ጌሩዎም እንከብቅዕ፣
ንሕና ምሉእ ብምሉኡ ተቐቢልናዮ ኣሎና፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንኤርትራ ኽትቅበሎ ከገድዳ ኣሎዎ
ኢሉውን ከይሓፈረ ተጠሊዑ ተዛሪቡ።
ሓሶትን ስንቅን እናሓደረ ይፎኩስ
ከም ዝበሃል ግን እቲ ኩሉ ነፍሒ ጥሩምባ ዋጋ ኣልቦ ጃንዳ ህውሓት ሓሶት ምዃኑ ንኽቃላዕ ግዜ ኣይወሰደን።

ካብ`ዚ ሓሊፉ`ውን እታ ቀታሊትን ሓሳዊትን ሰራቒትን ስርዓት ህውሓት ቃላ ዓጺፉ ነቲ ናይ ዶብ ውሳኔ ተሓሲማ ንኣስታት 16 ዓመታት ንህዝቢ ጅሆ ሒዛቶ ጸኒሓ እያ። እቲ ብድሕሪኡ ዝተኸስተ ምዕባለን ለውጥን ግን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ገሊጸዮ ስለ ዝኾንኩ ኣብ`ዚ ምድጋሙ ኣየድልን። ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ቀሊል ዘይኮነስ ከቢድ እዩ ነይሩ ሕጂ`ውን ከምኡ እዩ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ድማ እዚ ንሃገር ንኸጥፍእ ተጠጅኡ ዝስርሓሉ ዝነበረ ዘይቅዱስ ኪዳን ጉጅለ-15ን ወራሪት ስርዓት ወያነ ነበርን፣ ብኣባላታ ሓደ ብሓደ ብጩቕ እናበለ ኣብ ቃልዕ ይወጽእ ኣሎ። እቲ ምሉእ ሓቂ ግን መዓልቱ ሓልዩ እቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ጉድ ብዕሊ ከም ዝወጽእ ፍሉጥ እዩ። ምቕናይ ጥራይ! ሒጂ ንግዚኡ ኣብዚ ደው ከብሎ።

እዚ ዎደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
ኣብ ብራሰልስ ቤልጁም ኣብ`ቲ ግዜ ውግእ ዝነበረሉ ዓቢ ኣኼባ ስለ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕን ኣነን ካልኦትን መልእኽተና ኤርትራ ዝነበርናዮ፣ ሃይለ ድሩዕ ንወያነ ብገለ ገላገልቲ ዝነበሩ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ወጻእተኛታት ጌሩ' ምስ ዝዓበደ ኣይትዕበዱ ምስ ተጸለለ ኣይትጸለሉ ዕድል ንኽለኣዮም። ስለዚ እዚ ኲናት`ዚ ኢሳይያስ እዩ ጀሚሩዎ፣ ንስኹም ግን ኣይትእተዉ ናብ ኲናት ኣይትእተዉ ምስ ዕቡድ ኣይትዕበዱ ኲናት ምስ ተኣወጀ ንስኹም'`ውን ነቲ ህዝቢ ኣብ ክስታይ ኣይተእትውዎ ኣያ ኔራ .............. ኢሉ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልእኽትኡ ከም ዝሰደደ ንዓይውን ከም ዝነገረኒ............
ኢሉ ምስክርነቱ ኣብ ፓልቶክ ተዛሪቡ።
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ሰንሰለታዊት ሕጥበ-ጽሕፍቲ ጠዊቕኩም እቲ ትሕዝቶኡ ባዕልኹም ሰሚዕኩም ምዘንዎ።

***'ምስጢር ምእሳር ናይ G15 ኣብ 2001 ብሰንጋል ወልደትንሳኤ ሓዉ ንሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)'



***ሕቡእ ምስጢር መራሒ ጉጅለ-15 ሃይለ ወልደትንሳአ [ድሩዕ]



***ቁንጫል ቃለ መሕትት መስፍን ሓጎስ ምስ ራድዮ ኤረና 18.06.2020 ዓምፈ

https://www.facebook.com/10000135149794 ... 4578068895

***ግብረ-መልሲ ዓብደልቃድር ሓምዳን ኣካያዲ መርበብ ሓበሬታ ቀርኒ ኣፍሪቃ [HoA] ንመስፍን ሓጎስ ሓምለ 06, 2020 ዓምፈ



***'ንኢሰያስ ቅተልዎ'...ሓደ ዘይተፈልጠ ኣምባሳድር!' ረድኢ መሓሪ ኣብ 90ታት ምስ ገለ ሱዳናውያን ኮይኑ ብማሪትን ጥንቆላን ሸርሕን እምኒ ናብ ወርቂ ክልውጥ ዝፈተነን ብወንጀል ተኣሲሩ ዝነበረን ምስ ኣሜሪካዊ መርበብ ስለያ ተቖጺሩ/ተዓሲቡ ይሰርሕ ኔሩ ዝበሃል፣ ደሓር ናብ ካናዳ ዝሃደመን፣ ብዛዕባ G15 ኣመልኪቱ፡ ሓደ ምስጢር ኣምሊቁ ኣሎ።
Please wait, video is loading...

***ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊሽ ነበር ብዛዕባ ጉጅለ-15 ሸርሒ እንክገልጽ……



፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

ኤርትራዊ ሃገራዊ ክሕደት`ዶ፣ ብጻያዊ ጥልመት ወይ`ሲ ብድምር ክልቲኡ?-2
ዓሻስ ብላዕ ከይበልዎ፣ ጽብሑለይ ይብል…
30.03.2019

ፖለቲካዊ ሽርሙጥናን በለጽን ምስልዩነትን ሃገራዊ ጥልመትን ክሕደትን ኣምባሳደር ነበር ሃይለ መንቀርዮስ። [መቐጸልታ እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ኣርእስቲን ጽሕፍትን]

ሃይለ መንቀርዮስ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ነበርን፣ ፖለቲካዊ ዀሸምሸምን ሽርክነት ምስ ስርዓት ህውሓት ዝፈለመሉ ከም ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ናይ`ዚ መረጋገጺ ድማ ድሕሪ ኣብ "ጉጅለ-15" ዝበሃል ናይ መንግስታዊ ዕልዋ ጋንታ ዝተጸምበረሉን ዝፈሸለሉን ግዜ፣ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ዓለማውን ኣህጉራውን መጋባኣያታት ኣንጻር ሃገረ ኤርትራ ስጋብ ሕጂ ዘካየዶ መደናገርን ኣዕናውን ንጥፈታትን ስነ-እእምሮኣዊ ግሉጽ ወራርን ሸርሕን እዩ።

እዚ ውልቀ-ሰብ`ዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝብገስ ዝነበረ ምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ ንምዕንቃፍ ኣብ ውሽጢ መንግስቲን ግምባርን ሕቡእ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ጉጅለ ብምፍጣር ኣብቲ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ሃገራዊ ክሕደት [ ኣብ ግዜ ኲናት ንጸላኢ ሃገራዊ ምስጢር ምልሓኽ] ጉዶምን ፍሽለቶምን ንምሽፋን ከም ሕሉፋት ተጣበቕቲ "ደሞክራሲ" ኮንካ ምርኣይ ምስ ጉጅለኡ ፈቲኑ እዩ። እቲ ዕላማ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ፈሸለ ድማ፣

• ኤርትራዊ ዜግነቱን ማንነቱን ደርብዩ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜጋ ንምዃን መሪጹ
• ካብ ምግልጋል ሃገር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቁጹር ኮይኑ ስጋብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ
• እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ናቱ ውሳኔን ምርጫን እኳ እንተኾነ፣ በቲ ዝረኸቦ ዓለምለኻዊ ናይ ስራሕ ዕድል ተጠቒሙ ምስ ባዕዳውያን ጎይቶቱን መሻርኽቱ መሳፍንቲ ህውሓት ብሓባር ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ መጋብኣያታት ሃገራትን ዓለምን ኣንጻር ኤርትራን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ኮይኑ ሞጐቱን ብዕሊ ሰሪሑን እዩ፣ ሕጅ`ውን እንተኾነ ካብ ክቱር ዓቕሊ ጽበት ዝተበገሰ እቲ እኩይን ነውራምን ሃገራዊ ጥልመት ገና ይቕጽሎ ኣሎ።

እዚ ኹሉ ውሽጣውን ግዳማውን ሸርሕታት ብሳላ ህዝባዊ መከተ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ሰራዊቱን ብትንትን ኣትይዎ ዕርቃኑ ምስ ወጸ ድማ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልትታት ብስም "ኣዲስ ወግ" ብትግርኛ "ሓድሽ ወግዒ" ብኢትዮጵያውያን ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ በዚ መጸ ከይተባህለ ድርግም ኢሉ ኣትዩ ብዛዕባ እታ ቀደም ጠንጢኑዋ ዝኸደን ኣንጻራን ንዕንወታን ከይተሓለለ ዝሰርሕ ዝነበረን ኤርትራ፣ ብዘይ ሕፍረት ክዛረብን ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ኣፈናዊ ናይ ሰላም መስርሕ ኣብ ሕቶ ምልክትን ጥርጣረን ከእቱን እንተ ኽኢሉውን ኽዓናቕፎን ካብ`ዚ ሓሊፉ`ውን ነታ ጎይትኡ ጭፍራ ህውሓት ትብለን መዝሙር ክደግምን ክጣበቐላን ክከላኸለላን ፍሹል ፈተነ ጌሩ። ካብ`ዚ ተበጊሰ እየ ኸኣ "ዓሻስ ብላዕ ከይበልዎ፣ ጽብሑለይ ይብል“ ብዝብል ኣርእስቲ ሓጻር ሕጥበ-ጽሑፈይ ዝጀመርኩ።


ዕሉል ሃይል መንቀርዮስ፣ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ መጋብኣያ ብዛዕባ`ቲ ዘይሕጋዊ ማዕቀብን ግጭት ኤርትራን ጅቡቲን ካልእን ብሓንቲ ካናዳዊት ተሓቲቱ ከም "ኤርትራዊ" ዝሃቦ ዘሕፍርን ነውራም መልስን ስጋብ ኤርትራዊን ጸሊምን ምኻኑን ዝረስዔ`ዩ ዝመስል ኔሩ። ኣብ ቅድሚ'ቶም ጎይቶቱን ኣሸቀልቱን ጸዓዱ ድማ ከም ኣብ ውራያ ስዋኣ ዝጠዓመላ ዝመሰላ በሃም [በሶሮ] ሰበይቲ ስጋብ ዝመስል እቲ ኩሩዕን ሕቡንን ኤርትራዊ መንነቱን ኣፍሪቃዊ መበቆሉን ረሲዑ፣
ኣነ ኣብዚ ምሳኹም እየ ዓብየ፣ኣብዚ እየ ተማሂረ…
እናበለ ብምቅብጣር፣ ኣብ'ቲ ዝተሓተ ባይታ ወሪዱ ኮሸምሸም ክብልን ኣብ ሉቕምጽና ጥሒሉ ከይሓፈረ ክምድርን ኣብ ቅድሚ ምሉእ ዓለም ተራእዩ።

ግዜ ንምቑጣብን ባዕልኹም ሰሚዕኩም ክትመዝንዎን ግን፣ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ጌረ ኣብ ታሕቲ ኣመሓላሊፈዮ ኣሎኹ። ግን ብእንግልሽ እዩ፣ ካባኻትኩም ጠለብ እንተ ኣልዩ ድማ ጸገም የለን ምስ ግዜ ተርጒመ ክልጥፍፎ እኽእል እየ።

"ዘይሓፍር ድሙስ፣ ገብረማያም ስሙ" ወይ ድማ "ኣብ ዘይምልከተክን፣ ኣይተእትዋ ኢድክን" ብዝብል ውሑድ ካብ ሓያሎይ ምስላ ለባማትን በላሕትን ኣቦታትና ወራዙት ኣዴታትናን ጌረ ድማ ኣብ`ዚ ይዓጹ፣ ኣይተስተወሓድዎ ኽኣ!!!

ኣብዚ ጠዊቕኩም ስምዕዎ፡





እዚ ዎ`ደሓንኩም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!!!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!
ዓወት ንሓፋሽ!

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Zmeselo » 19 Jul 2020, 18:46



General Philippos Weldeyohans the Chief of Staff of the Eritrean Defense Forces, arrived in the Sudanese capital, Khartum today to discuss bilateral issue.


رئيس الأركان الأريتري يصل البلاد https://www.suna-sd.net/ar/single?id=685582 …#سونا #السودان
((SUDAN News Agency (SUNA) ✔: @SUNA_AGENCY))

____________


ዲጋ ምስላም: ወይከኣ (ገርገራ)
(Tesfalem Tzeghe: @ttlesk)

nizzy
Member
Posts: 537
Joined: 18 Jul 2018, 08:48

Re: This Day in Eritrean History.

Post by nizzy » 19 Jul 2020, 21:27

Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 14:32
You're welcome, my brother!

Look at how, the truth is slowly becoming clearer & clearer:
Please wait, video is loading...



Temt wrote:
19 Jul 2020, 13:24
Thank you Dr. Zmeselo. Let the good times roll unhindered by any Hasad Weyanes! :lol: :lol: :lol:
Now this is amusing, I suppose they're insisting on being scrapped with woyane.

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: This Day in Eritrean History.

Post by Meleket » 20 Jul 2020, 10:11

ጎረባብትና ደቂ ጦቢያ “የወደቀ ዛፍ ምሳር ይበዛበታል” ይብሉ፤ ክቡራት ኤርትራዉያን ኣቦታትና እኒ ኣቦይ ቀሺ ወልደማርያምን ኣቦይ ሓጂ ኣሕመዲንን “ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ!” እናበሉ ይምዕዱ ስለነበሩ፣ ንቦለቲካ ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም (ወዲ ቐሺ) ኣወንዚፍና ንጽሑፉ ተጻይ ወረርቲ ዝዀነት ዋዕሮ ሓፍትና ሶፍያ ጓልያ ሳርያም ብዝመሃረትና ቅዲ ኣጸሓሕፋ እስከ ክንርእዮን ክንምርምሮን! ኮይስ’ዶ! :mrgreen:

Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
. . . ብሸምገልቲ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን መንገዲ . . .
ብመንገዲ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ሸምገልቲ ንምባል ዲዩ፧
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
ሃገርና ኤርትራ ኣንጻር ኣረሜናዊ [Fascist] ወራሪ ህውሓት...........
ወራሪ ህወሓት ንምባል ዲዩ! ወያነ እምበር ውያነ ስለዘይበሃል “ህውሓት” ኣይበሃልን ኢዩ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
...........ኢሉ ሰንጋል ወደልደትንሳኤ ብምስክርነቱ ኣብ መቛየቚ ድሕረ ገጽ ተዛሪቡ።
ኣቦ ሰንጋል ወደልደትንሳኤ ዘይኮኑ ዝበሃሉ እቶም ኣቦ ስውእን ኣቦ ጀጋኑን ኣቦይ ወልደንስኤ ወይ ድማ ወልደትንሳኤ ኢዮም ዚበሃሉ። ድሕረ ገጽ ምባል’ከ “ድረ-ገጽ” ኪበሃል ስለዝሰማእካ’ ዲኻ፧ “ድረ” ማለት “መርበብ ከም ዓለባ ሳሬት” ከም ማለት ኢዩ። "ድሕረ-ገጽ" ግን እንታይ ንማለት ኢዩ፧
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ሃገር ብሃርጓምን ጎባጢትን ስርዓት መሳፍንቲ ሕውሓት ወራር ምኽንያት ...........
ብምኽንያት ወራር ሃርጓምን ጎባጢትን ዝኾነት ስርዓት መሳፍንቲ ሕወሓት ኪበሃል’ዶ ኣይመሓሸን ነቢሩ! (ሕዪ’ዉን “ው” ዛይኾነ “ወ” ኪበሃል ምተገብኦ)።
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ምምጣው`ሲ [ምሕላፍ ምሃብ]
ምምንጣው ኣይበሃልን ኢዩ ከምቲ ኣቐዲምካ ዝበልካዮ ምምጣው ኢዩ ኪበሃል ዚግብኦ (“ን” ኣይመድለየትን” ወዲቦይ ቀሺ!)
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ብሰንኩ ምኽንያት ኣብ ሰብን ንብረትን ብፍላይ ኣብ ሃገር ድማ ብሓፈሻ ዝወረደ መስዋእትን ዕንወትን`ከ በቲ ኤርትራዊ ሕጊ...........
ብሰንኩ ምኽንያት ኣይበሃልን ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ገላጺ ኢዩ። ብሰንኩ ወይ ብምክንያት ብላብላብላ ክትብል ምሓሸ፣ በቲ “ኤርትራዊ ሕጊ” ዝተባህለውን በቲ ኤርትራዊ “ቅዋም” ኪበሃል ምበለጸ ኔሩ፣ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ውዒሉ እንተዀይኑ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... እዚ ጭብጢ ዘይብሉን ብስምዒትን ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ እንታይ ደኣ ብጭብጢ። ...........
ነባቢ ሰራቕ መባእ ከይብለካ እዙይ ሕጥበ ጽሑፍ ኣምበይመድለየካን! ነባቢ ባዕሉ ኪመዝን ክትሓድጎ መታን!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
...........ናይ ስልቲ መሓዙታ ወራር መሳፍንቲ ሕውሓት ብህዝባዊ ሰራዊት ከቢድ መስዋእቲ ምስ ፈሸለን ...........
ብከቢድ መስዋእቲ ህዝባዊ ሰራዊት ምስ ፈሸለን ብላብላብላ ምባል ምሓሸ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
...........ንኣባት ንፍሳ ጋዜጠኛን ምናልባትውን...........
ንኣባት ነፍሳ(ነቦ ነፍሳ) ወይ ድማ ንኣባት ነብሳ ወይ ነቦ ነፍሳ እምበር ንፍሳ ኣይበሃል ኢዩ እንተዀነ ከም መጠን ወዲ ቀሺ ንኣበነፍሳ ክትብል ምከኣልካ ነቢርካ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ዝተገብረሎም ዝርርብ ናይ ቃልዕ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።
ቃልዕ ዚብል ኣምበይመድለየካን እቲ ምንታይ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ማለት ቃልዕ ማለት ስለዝኾነ
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... እቲ ኩነታት ብመንግስቲ ኤርትራ ከይተገትኤ ብሸለልትነት ተገዲፉ ኔሩ እንተትነብር፣ ...........
“እቲ ኩነታት” ኢልካ “እንተትነብር” ኣይበሃልን ኢዩ። ኣይሳነን ስለዝኾነ። “እቲ ኩነታት” ብላብላብላ ኢልካ “እንተዝነብር” ክትብል ምሓሸ ነቢሩ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ኣደዳ ኣሽሓት ምሩጻት መንእሰያት ኤርትራ ግዳያት መስዋእትን መውጋእትን ስንክልናን ምግባሩን፣ ...........
ንኣሽሓት ምሩጻት መንእሰያት ኤርትራ አደዳ(ወይ ግዳይ) መስዋእትን መውጋእትን ስንክልናን ምግባሩ ምባል ገላጺ ምኾነልካ ኔሩ፣ ወዲ ቐሺ ዓርከይ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ብተደጋጋሚ ዘይምኽኑይ ቅድመ ኩነትን ዕባራን 'ቀምሽ ኣደይ ሓንኮለኒን' ዝመስል ሓንካስ ምኽንያትን ብምቕራብ ክትነጽጎን፣...........
እንታይ “ዝመስል” ደኣ ቀምሽ ኣደይ ሓንኮለኒ ዚብል ምክኒት ብምቕራብ ኪበሃል ምሓሸ ነቢሩ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
...........ስርዓት ሕውሓት ነቲ ድርድር ከም ግዜ መግዝኢን ሓይሊ ሰባ መመልመሊን መዓለሚን መዳለውን ኣጽዋር መሸመትን ብግቡእ ተጠቒማትሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ሰላም ተኽእሎ ኣማህሚና ንውግእን ደም ምፍሳስን ጥራሕ ከም ተተኩር ጌሩዋ ኣዩ።
ሕወሃት ብላብላብላ ንውግእን ደም ንምፍሳስን ብላብላ ኪበሃል ምተገብኣ ኔሩ።
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
...........እዚ ኹሉ እኩይ ናይ ስርዓት ህውሓት ኢትዮጵያዊ ወርራ ግን ብሳላ ከቢድ መስዋእቲን ጅግንነትን ሰራዊት ኤርትራ ተባዕ ህዝቢ ኤርትራን ፈሺሉን ተሳዒሩን እዩ።
ወራር ኢትዮጵያዊ ስርዓት ህወሓት ክትብል ምሓሸ’ዶ ዓርኸይ ወዲቦይ ቐሺ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
...........ስርዓት ህውሓት በቲ ናይ ሽዕኡ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ሓላፊ ስዩም መስፍን ኣቢላ
ናይ ወጻኢ ሓላፊ ዝበሃል ኣበሃህላ ብትኽኽል አይገልጾን ኢዩ፣ ዕላዊ መዝነቱ ምግላጽ ንፍዅሰቱን ፍዅሰት ህወሓትን ንምግላጽ ዝያዳ ምሓገዘካ ነቢሩ!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ምቕናይ ጥራይ! ሒጂ ንግዚኡ ኣብዚ ደው ከብሎ።
ሕጂ ወይ ሕዚ ወይ ሕዪ ምባል’ዶ ኣይምሓሸን!
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ሕቡእ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ጉጅለ
ሕቡእ ጉጅለ ዕልዋ መንግስቲ ንምባል ዲዩ፧
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
• ኤርትራዊ ዜግነቱን ማንነቱን
መንነቱን ንምባል ዲዩ፧
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ብሳላ ህዝባዊ መከተ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ሰራዊቱን ብትንትን ኣትይዎ ዕርቃኑ ምስ ወጸ
ንብሳላ ሕዪ ጽቡቕ ኣእቲካያ ኣሎኻ፣ ብትንትን ማለት ፋሕ ብትን ወይ ዝርግርግ ኣትይዎ ማለት ዲዩ፧
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
........... ምስ ግዜ ተርጒመ ክልጥፍፎ እኽእል እየ።
ክጥቕዖ’የ ማለት ዲዩ፧
Zmeselo wrote:
19 Jul 2020, 15:07
"ዘይሓፍር ድሙስ፣ ገብረማያም ስሙ"
ሕዪ ደኣ “ዘይሓፍር ድሙ፣ ወያናይ ኢዩ ሽሙ፣ ማለሊት ኢዩ ሽሙ፣ ህወሓት ኢዩ ሽሙ” እንዲዩ ዚበሃል ዛሎ ብደቂ ኤርትራ ጻዕዳ፣ ገብረማርያም ወልደማርያም ክፍለማርያም ሃብተማርያም ወዘተማርያም ዚብላ አስማት ደኣ ስም ኣዴና ማርያም ዝተቀነታ ክቡራት አሽማት እንደኣሎም “ስጋ ቀሺ ሃብተማርያም”!!! :mrgreen:

ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ግብራዊ ምሕንጻጽ ዶብ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ባይታ ከምኡዉን ብዛዕባ ዕላዊ ምውጻእ ሠራዊት ሃገረ ኢትዮጵያ ካብ ልዑላዊ መሬት ሃገረ ኤርትራ ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባ ቅዋም ሃገረ ኤርትራን ብዛዕባ ምድምሳስ ስርዓት ወያነን ጽሑፋትካን ብርቂ ትንታነታትካን ክንነብብ ብሃንቀውታ ንጽበየካ ኣሎና ነበብትካ!

ሓቂ ምስ ገለጽና ንሓሶት ነሸቑርራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።
:mrgreen:

Post Reply