Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Eripoblikan
Member
Posts: 3206
Joined: 15 Sep 2019, 13:49

መልእኽቲ 20 ሰነ - ብማሕሙድ ሳልሕ

Post by Eripoblikan » 26 Jun 2020, 07:37

መእተዊ፡

እዚ ጽሑፍ እዚ ንውሕ ዝበለ እዩ። ከም ዜጋታት ነቲ ሻቕሎትና ዘዕርግ ህጹጽ እዋናዊ ፍጻመታት ግቡኡ እናሃብና ዕሙቕ ዝበሉ ግን ከኣ ንህላወን ንርጉእ ቀጻልነት ሃገርና ዘገድሱን ጉዳያት ክነልዕልን ክንመያየጠሎምን ተባሂሉ ይቐርብ ኣሎ። ክንሓስበሉን ከሻቕለናን ዝግበኦ ገዚፍ ሃገራዊ ዛዕባ፡ ብቀጻሊ ብናይ ግዜ-ኣምጸኦም ብደሆታት ተጎስዩ ክኸይድ ግቡእ ኣይኮነን። ኣመና ተጎስዩ። "ደሞክራሲ እንታይ ኣድለየ፡ ቅዋም ኣለና'ዩ...ወዘተ" ዝብሉ ኣዘራርባታት ከም ሞዳ ኮይኖም ብድፍረት ክቐርቡ ከለዉ የተሓሳስብ እዩ። ብዛዕባ እዞም ኣምራት ኣብ ካልእ ግዜ። ንሎሚ ግን መበጋገሲ ዝኸውን ዘተ ንምፍጣር እዩ። ፖለቲካዊ ኣራኣእያ ብዘየገድስ ንኹሎም ኤርትራውያን ዝምልከት ጉዳይ እዩ። የመስግነኩም።
=============================================

ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ነቲ ስዉኣትና ዝወደቑሉ ዓበይቲ ዕላማታት ከም ባይታ ስለዘገልግል እዩ እምበር ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ወይ ተልእኾኦም (mission) ንሱ ጥራይ ኣይነበረን ኣይኮነን እውን። እቲ ህዝቢ ኤርትራ በብዓይነቱ መስዋእታት ዝኸፈለሎም ዓበይቲ ዕላማታት ብሰላማዊ መገዲ ክውቅዑ ከምዘይክእሉ ስለዝተረጋገጸ እዩ ናጽነት ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ሕርያ ኮይኑ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረ። ስለ'ዚ፡ ናጽነት ንምዕዋት እቶም ዓበይቲ ዕላማታት ከም ኣልያ (mechanism) እምበር፡ ልኡላውነትን ባንደራን ንበይኖም ናይ መወዳእታ ዕላማ ቃልስናን ዓስቢ ስዉኣትናን ኣይኮኑን። ናጻ ህዝቢ ንኽህሉ እዩ እቲ ክቡር ዋጋ ዝሓተተ መገዲ ናጽነት ከም ሕርያ ዝተወስደ። ሓደ ህዝቢ ሓራ ምዃኑ በቲ ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ - ማለት ኣብ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ምምሕዳራውን...ወዘተ- ዕድሉ ኣብ ምውሳን ዘለዎ ናጽነት እዩ ዝፍረድ። መጠን ናጽነቱ ድማ በቲ ኣብ ጉዳያቱ ዘለዎ ደረጃታት ተሳትፎ እዩ ዝልካዕ።

ስርዓት ሃይለስላሴ ቀሰ ብቀስ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያቱ ክኣቱን ኣብ መወዳእታ ድማ ንባይቶኡን ቅዋሙን ከምኡ እውን ንኣርማታት መንነቱ ዝኾኑ ትካላትን ምልክታትን (symbols) ብወግዒ ከዕኑ ምስ ጀመረ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱን ክብረቱን መሰላቱን መታን ክመልስ ገድሊ ናጽነት ዘበገሰ። ብቀደሞም ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ውዲት ብምሉእ ልቦም ዘይተቀበሉ ኤርትራውያን፡ ድሒሮም ድማ ሰበቡ ኣጸቢቑ ምስ በርሃሎም፡ ምስ ኢትዮጵያ ተቖሪኖም እቲ ድሕሪ ተኸታተልቲ ባዕዳውያን መግዛእታት ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተኸስተሎም ዕድልካ ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰሎም ከጽንዑ ከምዘይክእሉ ስለዘረጋገጹ እዮም ናብ ብረታዊ ጎነጽ ዘምርሑ። ነቲ ስርዓት ሃይለስላሰ ዘፍረሶ ርእሰ- ምምሕዳሮም ንምምላስ ጥራይ ዘይኮነስ ካብኡ ዝበልጽ ንመሰላቶም ቅዋማዊ መሰረትን ዋሕስን ዝህብ ሃገራዊ ስርዓተ-ምሕደራ ክምስርቱ ኢሎም እዮም ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ገድልን ነቲ ከቢድ መስዋእትን ተቐቢሎም ኣንጻር ሓያላት ገጢሞም ናጽነት ዝጨበጡ።

በዚ መነጽር'ዚ ክረአ ከሎ፡ ብመሰረቱ ቃልሲ ኤርትራ ምጥሓስ ደሞክራስያዊ መሰላት እዩ ዘበጋገሶ። እምበር ብመሰረት እቲ ፈደራላዊ ስርርዕ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ግዝኣታዊ መሬት ኤርትራ፡ ናይ ምክልኻል፡ ናይ ወጻኢ ጉዳያት፡ ናይ ፋይናንስ--- ወዘተ፡ ምሉእ ስልጣን ነይርዎ'ዩ። ሃይለስላሰ ነቲ ኣብ ቅዋም ኤርትራ ሰፊሩ ዝነበረ ደሞክራስያውን ምምሕዳራውን መሰላት ንምቕልባስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ምትእትታው እና እዛየደ ምስ ከደ እዩ ኤርትራውያን ብሰላማዊ ተቓውሞታት ዝጀመርዎ ቃልሶም ምስ መጠን እቲ ሃይለስላሰ ዘካይዶ ዝነበረ ምፍርራሕን ጎበጣዊ ስጉምትታትን ሓይሊ እናወሰኸ ከይዱስ ስጥመት ኣራኣእያ ኣብ ናጽነት ኤርትራ እውን ፈጢሩ። ኤርትራውያን ብዘይካ ናጽነት ካልእ ዘዋጽእ ከምዘየለ በሪህሎም። እቲ ዋጋ ከቢድ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይነበረን። ግን እቲ " ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ባርነት ካብ ምንባር፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ናጽነት" ዝብል መንፈሶም ኣኽናፉ ዘርጊሑ። ኤርትራ ብምልእታ ሸፊንዋ። ብረታዊ ቃልሲ ተጀመረ።

ስለ'ዚ እምበኣር፡ ዕላማታት ቃልስናን ዓስቢ መስዋእትታት ተኸታተልቲ ወለዶታትናን፡-

ሀ- ጭቖናን ኣድልዎን ብኹሉ መልክዓቱ ንምውጋድ።
ለ- ህዝቢ ኤርትራ ዘቤታዊ ምምሕዳሩ ባዕሉ ናይ ምውሳን ዕድል ክረክብ። ዜጋታታ ኣብ ምምዝማዝን ምምዕባልን ምምቕራሕን ጸጋታት ሃገሮም ክሳተፉን ብዘይ ምዩቕ ብሕጊ ዝተሰመረን ዝተዋሕሰን መሰላቶም ተጠቒሞም ዝጋብኡላን ዝመኽሩላን ዝውስኑላን ሃገር ንምፍጣር፡ "ስልጣን ምንጩ ህዝቢ እዩ" ዝብል ኣምር ምስ ኤርትራዊ ክውንነት ብዝሰማማዕ መገዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል
ሐ- ብቁጠባን ስነ-ፍልጠትን ዝማዕበለ ሕ/ሰብ ንምህናጽ። ብሓጺሩ፡ ነገራውን መንፈሳውን ዕግበት ዝርከበሉ (ትምህርትን ኣእምሮኣዊ ምርምርን ምህዞን ምዝንጋዕን...ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ከምኡ እውን ምኽዕባት ሃገራዊ ሃብትን) ዝምዝገበሉ ሃዋሁ ንምፍጣር።
መ- ካብ ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ስግኣታት ርእሳ እትከላኸል፡ ሰላምን ጸጥታን ዝሰፈና ሃገር ምምስራት። በዚ ድማ ነቲ መሰረት ናይ ርጉእ ህይወት ዝኾነ ናጽነት ተዓቂቡ እቶም ዓበይቲ ዕላማታት ኣብ ግብሪ ክትርጎሙ ዕድል ክፍጠር
ረ- ቁጠባዊ ብልጽግናን ማሕበራዊ ድሕንነትን ክንክንን (social welfare) ከምኡ እውን ገስጋሲ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሕ/ሰብ ንምህናጽ ስለዝሕግዝ።
ሰ- ሕጋውን ማሕበራውን ፍትሕን ስኒትን ዝዕምብበላ ሃገር ወይ ሕ/ሰብ ምህናጽ። ምጽውዋርን ምክእኣልን ዕርቅን ሰላምን ዝሰፈኖ ሕ/ሰብ ንምህናጽ። ስለ'ዚ ከኣ፡ ስዉኣትና ንግርጭታትናን ፍልልያትናን ብሰላማዊ መገድን ብዘተን ክነጽብብ ከምኡ እውን ሕጊ ጥራይ ክዳንየና ምመኸሩና።
ሸ- ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋን ካልኦትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ፡ ህዝባዊ ተሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ ምምስራትን ሓንቲ ብቅዋም እትግዛእ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ምህናጽን

መቸም፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቁምነገር፡ ሰብ በብዓቕሙን ርድኢቱን ከንብቦ ይኽእል እዩ። ግን ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምውላዳን ድሕሪ ምውላዳን ዘጓነፉዋ ውሽጣን ግዳማውን መሰናኽላት ብዙሕ መደረ ዘድልዮም ኣይኮኑን። ዕላማታት ናይቲ ኤርትራ ሓራ ዘውጸአን ነዘን ዝሓለፋ ዓመታት ድማ ከም መንግስቲ ኮይኑ ዝመርሐን ህዝባዊ ግንባር እውን እዮም። ኣብ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ፕሮግራሙ ይኹንት ኣብቲ ብ1994 ዘውጸኦ ሃገራዊ ቻርተሩን ብድሙቕ ተቐሚጦም ኣለዉ።

እንተኾነ ግን፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ዕላማታት፡ ምስቶም ክንሓልፎም ዝጸናሕና ኩነታት ኣዛሚድና፡ ቅኑዕን ሓቀኛን (honest) ንባብ ብምግባር ክነስተማቕሮም ይግባእ። ኣብ ገሊኦም ጽቡቕ ሰጒምና ኣለና። ኣብ ገሊኦም ግን (ብፍላይ እቲ ፖለቲካዊ መዳዩን ናይ ፍትሒ ምሕደራ ጎድኑን) ካብቲ ኣብ 1998-20000 ዝነበርናዮ ናይ ንጡፍ ኲናት እዋናት ንድሕሪት ክነንሻትት ከም ዝጸናሕና ኣየካትዕን። ዕቱብ ጠመተን ሓላፍነታዊ ጽምዶን ዘድልዮ እዩ።

ሕጂ እውን፡ እቲ ውሁብ ኩነታት ርዱእ ኮይኑ፡ ብዘይካ ንቅድሚት ምድፋእ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ንምጽብጻብ ዝኸውን ግዜ የለን። ልቦና ኣዕቢና ናብ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ዘመቻችእ መኣዝን ክነቕንዕን ነቲ ድሮ ተበታቲኑ ዘሎ ዓቕምታት ኤርትራ ክንኣኻኽብን ብሕጂ ክብተን ዝኽእል ዓምታትና ክንዕቅብን ክንስሕብን (retain) ንጽባሕ ዘይበሃል ዕማም ክኸውን ኣለዎ።

ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ድሕሪ ናጽነት፡ ኤርትራ ገና መስርሕ ሓርነታዊ ኲናት ዝወደኣት ኣይትመስልን። ዕስራን ትስዓተን ዓመት ድሕሪ ናጽነት፡ ልኡላውነትና ንምውሓስን ዶባትና ንምርግጋጽን ዝግበር ጻዕርታት ገና ከም ኣብ እዋን ሓርነታዊ ኲናት ኣተኩሮናን ዓቕምታታናን ከህልኽ ዝጸንሐ ርሱን ጉዳይ ኮይኑ ብምቕጻሉ ንውሽጣዊ ኩነታታና ክገዝእ ጸኒሑ እዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውሁብ ኩነታት፡ ፖለቲካዊ ምድሪ-ቤት ኤርትራ ንምውግጋን እሞ ናብ ንቡር መንግስታዊ ቁመና ወይ ምሕደራ ንምስግጋር ዝግባእ ተበገሶታት ተወሲዱ'ዶ ንዝብል ሕቶ ኣካራኻሪ መልስታት ክቐርበሉ ጸኒሑ። ሕጂ እውን ንምጽብጻብን ንሰሓቦ-ጉተቶን ዘይኮነስ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ሕመረት ናይቲ ኩሉ እንሓልሞ ጽቡቕ ኤርትራ ምዃኑ ንምስማርን ንምዝኽኻርን እዩ ዝለዓል ዘሎ።

ክልተ ዓመት ድሕሪ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈረመ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ፡ እቲ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተወሰነን ዝተሓንጸጸን ዶባትና ገና ኣይተዋሕሰን ዘሎ። ዘቤታዊ ኩነታትና ቀደም በቲ ንሰላም ዝሓንገደ ጃንዳ ወያነ ንዓመታት ብኣሉታ ተጸልዩ ከይኣኽሎ፡ ሕጂ ድማ ወላ እኳ ጽቡቕ ድሌት ዘርኣየን ወረቐት ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝፈረመን ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ይሃሉ እምበር፡ ብርዱእ ምኽንያት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ስልጣኑ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትግራይ ክዝርግሕን ከስፍንን ስለዘይከኣለ፡ እዚ ጉዳይ'ዚ በቲ ትጽቢት ዝገበርናሉ ክስጉምን ክውዳእን ኣይከኣለን። ግዜ ዘድልዮ ኮይኑ ዘሎ ይመስል።

እቲ ብመንግስታት ክልቲኡ ሃገራት ብዓቕልን ሜላን ክጽረብን ክጠዓዓምን ዝጸንሐ እስትራተጂ፡ ነቲ ጠንቂ ኲናትን ዕግርግር ዞባና ኮይኑ ዝጸንሐ ሓይሊ ንምውጋድን ኣብ ዞባና ነባሪ ሰላም ክረጋጋእን ዓሚቑ "ሕጽቦ" ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ዘመላክቱ ምዕባለታት ፍጥነት እናደለቡ ይኸዱ ኣለዉ። እዚ ውራይ እዚ ብዓወት ክልቲኡ ህዝብታት ምስ ዝድምደም፡ እቲ ናብ ዘቤታዊ ጉዳያትና ዝቐንዕ ኤርትራዊ ዓቕሚ ኣብ ዘተኣማምን ሃዋሁ ስለዝምርሽ፡ ኤርትራ ሃገርና ብቁጠባን ፖለቲካን ካልእ መዳያትን ዕጽፊ ክትስጉም ምዃና ኣየጠራጥርን።

በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፡ እዚ ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ጻዕርታትን ተርእዮ ዝጸንሓት ዓቕልን ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ስልጣኑ ንምርግጋእ ዝጥቀመሉ ስልቲ ኮይኑ እንተተሪፉ ወይ ድማ ኩነታት ኢትዮጵያ ተረጋጊኡ ፖለቲካኛታት ኢትዮጵያ ዳግማይ ካብ ሓላፍነቶም እንተሃዲሞም፡ ኤርትራ ዳግማይ ተሃስያ ክትተርፍ እያ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝግበር ዘሎ ስልታዊ ጸወታታት ስለዘይንፈልጦ ብእምነትን ተስፋን ጥራይ ኢና ንጓዓዝ ዘለና። ኩነታት ምድምዳም ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ምስ ምርግጋእ ስልጣን ናይቶም ሓይልታት ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር ኮይኑ ስለዘሎ እቲ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኤርትራ ብጭቡጥ እትቆጻጸሮ ነገር እቲ ንዘቤታዊ ጉዳያ ዝምልከት እዩ።

ስለ'ዚ፡ ንውሁብ ብደሆታት ከየስተናዓቕና፡ እዚ ሎሚ ኣብ ሞቱ ዘሎ ጃንዳ፡ ትማሊ ምስ ምሉእ ሓይሉ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋናት ዘውረዶ ሃሰያ ከይኣኽሎ፡ ሕጂ እውን ጸወታኻ ኣብቂዑ (game over) ምስ በልናዮ ኣተኩሮና ክብሕትን ሕንባበና ከዝሕልን የብሉን። ብሰንኪ ኲናት ተወንዚፉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ መዳያት፡ ብፍላይ እቲ ንፖለቲካዊ መርሓ ሃገርና ዝምልከት ጉዳይ (ቅዋም) ከምኡ እውን ንዕኡ ዘሳንን ጥጡሕ ሃዋሁ ዝፈጥርን መንፈስ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ዘተን ክበራበር ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ፖለቲካዊ ኣካላቱን መሳርዑን ዘየገጣጠመ ሃገር ትርጉም ዘለዎ ኩሉ-እንትናዊ ግስጋሰ ከረጋግጽ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን። መደባት ቁጠባዊ ዳግመ ህንጻ ብዘይ ፖለቲካዊ ዳግመ ህንጻ ኣብ ድንግርግርን ደንበርበርን እዩ ዝነብር። ብሓፈሽኡ ድማ ብናይ ግዜና ኣተሓሳስባ (ኣብ ዘመናዊ ዓለም)፡ መንግስቲ ብዘይ ቅዋም ክሕሰብ ኣይከኣልን። ቅዋም መሰራታዊ መወከስን መዋስእን ኩሉ ሕጋውን ምሕደራውን ሲቪካውን ዜግነታውን ንጥፈታት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ባይቶኡ ተኺሉ ብዘጽደቖ ቅዋሙን ብዝመረጾም ወከልቱን ክመሓደር እዩ እዚ ኹሉ መስዋእቲ ክኸፍል ጸኒሑ። እዚ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ መስርሕ ክጀማመር ኣለዎ። እዚ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ወለዶ ይኹን እቲ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነታ ዝተሳተፈ ዋርሳይን ነዛ ሃገር ኣብ ዘተኣማማን ባይታ ሓዲጎም ክሓልፉ ይግባእ። ግዜ ድማ ኣብ ጎንና የለን። ሓላፍነት ዝስመዖ ሰብ ካብ ስምዒት ወጺኡ ክሓስብ ኣለዎ። እዛ ሃገር ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ደረጃ (መሸከል ወይ መልክዕ/shape) ክንገድፋ ኢና? "መን ከ እዩ ዝረከባ" ኢልካ ምሕሳብ ግዚኡ እዩ። ነቲ "ኣለዉዋ እንድዮም" ዝብል ኣጉል ምላሽ (lip service) ንጎኒ ገዲፍና፡ ብዕምቖትን ዕቱብነትን ትብዓትን ክንመያየጠሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ምቅርራባትን ምድላዋትን ዘድልዮ እዩ። ርጉእን ክፉትን ልባውን ምምኽኻር ዘድልዮ ሕቶ እዩ። ብሓጺሩ፡ ካብ ውልቀ መራሕትን ውድባትን ዝዓቢ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዘተ ዝጠልብ ጉዳይ እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ንውሱናት ክኢላታት ወይ ፈላጣት ዝሕደግ ኣይኮነን። ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ዝውሰን እውን ኣይኮነን። ሓደ ህዝቢ ዘቤታዊ ጉዳያቱ ንምውሳን ብዛዕባ ዘለዎ ዕድል ኢና ንዛረብ ዘለና። ልዕሊ ናይ ካድረነትን ኳደረነትን ፖለቲካ እዩ። ልዕሊ እቲ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ዘለካ እምነትን ዘይእምነትን ጸብለል ኢሉ ክረኣየካ ዝግበኦ እዩ።

እዚ ክልተ ዓመት ኣሕሊፉ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ድሮ ጽቡቕ ዕድላት ፈጢሩስ ተዛማዲ ሰላም ተረኺቡ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ብመንጽር ዘቤታዊ መዳይ ክረአ ከሎ፡ ካብቲ ናይ ግዜ "ኣይሰላም ኣይኲናት" ዝፍለ ምንቅስቃሳት ከይተራእዩ ጸኒሖም። ሕጂ ድማ ዘይተሓሰበ ኮሮና ቫይረስ መጺኡ፡ ከም ዓለምና ንዓቕምታትናን ኣተኩሮናን ስሒቡ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ'ዚ፡ ንኡድ ህዝባዊ ተሳትፎን መንግስታዊ መሪሕነትን ተወሃሂዱ ክሳብ ሕጂ ኣወንታዊ ውጽኢት ተረኺቡ'ኳ ይሃሉ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ርኡይ ናይ መነባብሮ ጸገማት ፈጢሩ ከም ዘሎ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ንመነባብሮ ህዝቢ ቆላሕታ እናሃብካ እቲ ነዚ ቀዛፊ ለበዳ ንምክልኻል ዝወጽእ ሕግታትን ዝግበር ጻዕርታት ንመነባብሮ ህዝቢ ኣመና ከይሃሲ ምስትኽኻል እናተገብረሉ ሚዛናዊ ኣካይዳ ክቕጽልን ሃሰያኡ ውሒዱ ክሓልፍን ዘለኒ ተስፋ ልዑል እዩ። እዚ ብደሆ እዚ እውን ነቲ ዘቤታዊ ዕዮታትና ከይነሰላስል ዝጋርድ ክኸውን ኣይክእልን። መንግስቲ ምሁራውን ክኢላውን ዓቕምታት ሃገር ክዕድምን ከወሃህድን ቅሩብ እንተኮይኑ፡ ኣብ ብዝሐ-መኣዝናት ዘይንዘምተሉን ዘይንዕወተሉን ምኽንያት የለን። ጥራይ እቲ ድሌትን ተበግሶን ይሃሉ።

እቲ ብቫይረስ ኮሮና ከም ዓለምና ወዲቑና ዘሎ ሓደጋ ይኹን እቲ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባናን ዝረአ ዘሎ ዕግሽግሽን ንግስጋሰ ዘቤታዊ ኣጀንዳታትና ብኣሉታ ከም ዝጸልዎ ብሩህ እዩ። ግን ንክንደይ "ኣይከኣልን" ዝተባህለ ዝኸኣለ ህዝቢ ስለዘሎ፡ ሕጂ እውን ዘቤታዊ ዕዮና ዳግም ጀሆ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንከይከውን ምስራሕ ከድሊ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት እና ተሰለፈት ድርብ ዓወታት ክተመዝግብ ዝጸንሓት ሃገር፡ ብቫይረስ ኮሮናን ቫይረስ ወያነን ኣብ ቀጻሊ ናይ ሓደጋ እዋን ምሕደራ ክትቅጽል ቅቡል ኮይኑ ኣይስመዓንን።

እዚ ንኣዝዩ ዓመታት ሰፊኑ ዝጸንሐ ናይ እዚ ፖለቲካ (command politics) ናብ ህዝባዊ ዋንነት ክሰጋገር ኣለዎ። ብዝያዳ ኣብ ግዜ ሽግርን ብደሆን እዩ ሃገራት ንውሽጣዊ ዓቕምታተን ከበራብራ ዝፍትና። ዝያዳ ኣብ ግዜ ጸገም እዩ ዕርቅን ሰላምን ምትእኽኻብን ዘተን ዝጥለብ። መታን ሰብኣውን ማተርያላውን ጸጋታት ሃገር ከኻዕብት፡ ኣብ ግዜ ስግኣት እዩ መንግስቲ ዝያዳ ኣሳታፊ ክኸውን ዘለዎ። ዕድል ተፈጢሩ እቲ ብዜጋታት ዝግበር ወፈያታት ናይ ሓደስቲ ሓሳባት ምስ ዝወሃሀድ፡ መፍትሒታት ናይቶም ዘሸግሩና ፖለቲካውያንን ቁጠባውንያን ካልኦት ብደሆታትን ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ከለዉ ኮለል ንብልን ክሳራታትና ነብዝሕን ከም ዝነበርና ክበርሃልና ይኽእል። ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ መንስግቶምን ኣብ ምውሳን ዘቤታዊ ጉዳያቶምን ብምዕባይ ብውሑድ ክሳራታት ዓበይቲ ዓወታት ክነመዝግብ ንኽእል። ግድን ክከውን ዘለዎ እዩ። እዚ ክንደይ መስዋእቲ ዝኸፈለ ወለዶ ነዚ ከየረጋገጸ እንተ ሓሊፉ፡ ፈሺሉ ማለት እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ዝቐርብ " ግዚኡ ኣይኮነን" ዝብል መልሲ እውን ቅቡል ኣይኮነን። ብዘይካ ቅሉዕ ወራርን ንጡፍ ኲናትን ልዕሊ እዚ ጉዳይ ዝዓቢ ዋኒን የለን።

ኤርትራ ካብታ ከም ሓንቲ ፖለቲካዊ ኣሃዱ ዝተደኮነትላ (1890) ክሳብ እዋን ናጽነታ (1991) ካብኡ ቀጺሉ ክሳብ ሕጂ፡ ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው ክትሰጋገር ጸኒሓ። ህዝቢ ኤርትራ እፎይታ ረኺቡ ውራይ ዋኒኑ ዝገብረሉ ዕድል ስኢኑ ጸኒሑ። ናይ ታሪኽ ግድነት ኮይኑ፡ ገሊኡ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ ጸኒሑ። ኣብቲ ክንቆጻጸሮ እንኽእል ከ ከም ዝግባእ ሰሪሕና'ዶ? ሓቂ እዩ ናይ ወጻኢ ተጻብኦታት ኣብ ምምካት ይኹን ሃገርና ዘስግኡ ባህርያዊ ሓደጋታት ኣብ ዝቕልቀሉሉ እዋናት ብሓባር ኢና እንላዓል። ውሽጣዊ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ይኹን ምድረቤትና ኣብ ምውግጋን ዕቱብ ዘተ እንገብረሉ ዕድል ተነፊጉና ጸኒሑ። ሓርነታዊ ቃልስን ንሱ ዝጠለቦ መስዋእትን፡ ንባንደራን መሬታዊ ልኡላውነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ንዘመናት ብመግዛእታት ተነፊጉና ዝነበረ ዘቤታዊ ጉዳያትና ብዓዳምን ተጻዋርን ርጉእን መንፈስ ተዛቲና ክንኣልን ክንውግንን ዘለና ባህርያዊ መሰል ንምምላስ እዩ ነይሩ። ተኸታተልቲ ታሪኻውያን ርኽበታት ነዚ ከይነስተማቕር ግዙኤ በሊዖምልና እዮም (ገሊኡ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል፡ ገሊኡ ድማ ብሰንኪ ድኽመትና)። ነዚ መዳይ እዚ ጌና "ሀ" ኢልና ክንመሃሮ ክንበጋገስ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ክዛረብን ክዝትን ክለማመድ ከድልዮ እዩ። ኣፍ ከውጽእን ደፊሩ ብዛዕባ ጉዳያቱን መሰላቱን መታን ክመያየጥን ክሓትትን ክጣበቕን፡ ምቹእ ሃዋሁ ክረሓወሉ ኣለዎ። እዚ ድማ መሪሕን ኣላይን ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣካል የድልዮ።

እቲ ከም ኣዝዩ ገዚፍ ታሪኻዊ ሓደጋ ክጥቀስ ዝከኣል፡ እዚ ኣብ ምሽምጋሉ ዘሎ ወለዶ ሓርነታዊ ቃልሲ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ከይገደፈ ምስ ዝሓልፍ እዩ። ስለ'ዚ እዩ ድማ " ስዉኣትናስ መኸተና በዓል ክልተ ብልሒ ክኸውን ምመረጹ" ክብል ዝደፋፍአኒ። እቲ ሓደ ብልሑ ናብ መከተ ተጻብኦ ባህርን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ከምኡ እውን ኣብ ምብዳህ ግዳማውያን ተጻብኦታት ዝቐንዐ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ብልሑ ድማ ናብ ምምድማድ ምድረ-ቤትናን ነብሰ-ሕጽቦን፡ ማለት ናብ ውሽጣዊ ጽሬት ዝቐንዐ ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ድርብ ዓወት ዘይነመዝግበሉ ምኽንያት የለን። ሰብኣዊ ዓቕምታት ኤርትራ ምብርባር ጥራይ እዩ። ናይ ሰላምን ዕርቅን ናይ ሕድገትን ኣመለኻኽታን ግብራዊ ስጉምትታትን ምውሳድ እዩ።

ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን፡ እቲ ካብ ዘለናዮ መድረኽ ክርከብ ዝከኣል ረብሓታት ክብርኩትን እቲ ሓደጋታት ክንክን፡ ነቲ ዘቤታዊ ዕዮና ብሓይልን ምትእምማንን መታን ክንገጥሞን፡ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ብመንግስትና ዝምራሕ ዘሎ ጻዕርታት ምድጋፍ እዋኑ ዝጠልቦ ዜግነታዊ ሓላፍነት እዩ። ምኽንያቱ ምዝዛም ልኡላውነታዊ ቃልስና ናብቲ ዝቕጽል ዓበይቲ ዕላማታት ስለዝወስደና። እዚ ነዚ ወለዶ ዘጋጠመ ናይ ታሪኽ ብደሆ እዩ። እቲ ሓርጎጽገጻት በዚ ወለዶ ተዛዚሙ እቲ ጥዋፍ ቀስ ብቀስ ናብቲ ተካኢ ወለዶ ክሓልፍ ኣለዎ። ንምስግጋሩ ዘመቻችእ ኩሉ እንትናዊ ውሽጣዊ ሕጽቦን ምድላዋትን ምጅማር ናይ ግዜና ብደሆ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ መንግስቲ እውን ብመጠን ናይቲ ዜጋታት ንኽዕወት ዘለዎም ቁርጽነት፡ ነቲ ነዊሕ ዝወስድ መስርሕ ምህናጽ ቅዋማዊ መንግስቲ ከበጋግሶ ኣለዎ። ብወግዒ ከኣ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ዝፈልጦን ዝሳተፎን መስርሕ ክኸውን ኣለዎ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ገዚፍ ፕሮጀክት ብጝቡእን ኣብ ጸልማትን ዝካየድ ኣይኮነን። ብእምነት ተወንዚፉ ዝኸይድ እውን ኣይኮነን። ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳይ ኣብ ቃልዕ፡ ኣደሓ ጻዕዳ እዩ ዝዝተየሉ።

ዲጋታት፡ ጽርግያታት፡ ህንጻታት ብባህርን ሰብ-ሰርሖ ሸርሕን ክዓኑ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ሓንቲ ከየፍረየ መባኸኒ ሃብቲ ሃገር ክኸውን ይኽእል። ኣብ ሕግን ቅዋምን ዝተደኮነ ማሕበራዊ ስኒትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዘውሕስ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ትካላቱን ምህናጽ ግን እዚ ናይ ሓርነት ወለዶ ነቲ ተካኢ ወለዶ ከውርሶ ዝኽእል ዘይበርስ ህያብ እዩ። ምኽንያቱ ንምዕቡል ኣተሓሳስባን ባህልን ክተበርስ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ዜግነታዊ ሓላፍነትን ስምዒትን ብማዕረ ዝተዘርገሓሉ ሕ/ሰብን ንሱ ዝውንኖ ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ባህልን፡ ኣብ ዘተን ጉባኤን ዝኣምን ተጻዋሪ ዜጋ የፍሪ። ነቲ ብሕጊ ዝተወሰነ መሰሉን መሰል ካልኦትን ይፈልጥ። ብትኹል ምስ መንግስትን ምስ ስልጣንን ዘለዎ ዝምድና የነጽር። ብጋድም ድማ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ዜጋታት ዘለዎ ምትእስሳርን ውህደትን መገዱ ሒዙ ንኽኸይድን ይሕግዝ። እዚ ድማ፡ ዘየድሊ ሕ/ሰባውን ፖለቲካውን ግርጭታትን ቅልውላዋትን ንከይፍጠሩ፡ እንተተፈጢሮም ድማ ብኣገባብን ብሕግን ክዓርፉ ዘኽእል ኣልያታትን (mechanisms) ውዱን ኣካይዳን ክህሉ ይሕግዝ። ብነኣሽቱ ምጉንፋጣት ዘይርበሽ፡ ሰላምን ርግኣትን ዘለዎ ሕ/ሰብ ንምህናጽ ይሕግዝ። ዝመጽኡ ወለዶታት ድማ ረጊኦም ኣብ ጥጡሕ ጎደና ይምርሹ። እዚ መዳይ እዚ ሓደ ወለዶ ጀሚርዎ ዝውዳእ ዘይኮነስ ብቀጻሊ እናተነድቀ ዝቕጽል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ከም "ኣቦ ሃገር" ዝውሰድ ወለዶ ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተሎ፡ ነቲ ባይታ ምጥጣሕን ዘተኣማምን መሰረት ምንጻፍን እዩ።

ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓሳባት ክፉት ኣእምሮን ንጹህ ልብን የድልዮ። መንፈስ ሃገራዊ ዘተን ምትእኽኻብን ቦታ ክረክብ የድልዮ። ልቦና ምዕባይ የድልዮ። ኪነው ውሱን ዕድመና፡ ንመጻኢ መዋእላትን ወለዶታትን ዝሓስብ ኣኻእሎ የድልዮ። ኤርትራ ድሕሪ 100 ዓመት፡ ኤርትራ ድሕሪ 200 ዓመት ኢልና ክንሓስብን ንዕኡ ዘድሊ ሰረታት ቁጠባን ፖለቲካን ምንጻፍን የድሊ። ብናይ ሎሚ ብደሆታት ክንሹቑረር ክንቅየድን የብልናን። ወይ ድማ፡ ብናይ ሎሚ ውዑይ ስምዒታት ጥራይ ክንዕመት ወይ ክንሰክር የብልናን።

ወዲ ሰብ ዕድመኡ ኣዝዩ ሓጺር እዩ። ብተመሳሳሊ ሓደ ወለዶ ዕድመኡ ኣበርክቶኡን ውሱን እዩ። ገለ ወለዶታት ኣብቲ ውሱን ግዚኦም ንመዋእላት ከገልግል ዝኽእል ዓቢ ዝላ ፈጢሮም ይሓልፉ። ኣብ ስነፍልጠታዊ ምርምርን ምህዞታትን ኣብ ፖለቲካዊ ግስጋሰን ከምኡ እውን ሃገራዊ ምጣነ-ሃብቲ ኣብ ምፍጣርን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም ይኸዱ። ዝመጽእ ወለዶታት ድማ ነዚ ጥጡሕ ባይታ ተጠቒሞም ካብኡ ዝበልጽ ኣበርክቶ የመዝግቡ እሞ ሕ/ሰባት ንቅድሚት ይሕምበቡ።

ገለ ገለ ወለዶታት ድማ ንጉዕዞ ታሪኽ ናይ ሃገራት ናብ ድቕድቕ ጸልማት ብምምራሕ ንመዋእላት ዝኸይድ ምቅትታልን ሕ/ሰባዊ ጥፍሽናን ኣእትዮም ንዝመጽእ ወለዶ ሰፍ ዘይብል ቁጠውባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዕዳ ገዲፎም ይሓልፉ።

ናይ ሎሚ ወለዶ ኤርትራ፡ ኣብ ርሱን ዝኽርታትን ስምዒታትን ናይ ሓርነታዊ ኲናትን ድሕርኡ ዝሰዓበ ናይ ምክልኻል ኲናትን እዩ ዘሎ። ነዚ ርሱን ስምዒታትን ውዑይ ዝኽርታትን ናብ ሓደ ሕድሪ ስዉኣትና ዝድብስ ነባሪ ዝኾነ ሓድጊ ክቕየር እንተኮይኑ፡ ንዝመጹ ወለዶታት ዘገልግል ዘይንቕነቑ ፖለቲካውን ቑጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መሰረታት- ትካላትን ትካላዊ ባህልን- ምንጻፍ ከድሊ እዩ።

እዚ ንምግባር ድማ መንፈስ ሕድገትን ዕርቅን ክወርሰና፡ ባህሊ ዘተን እንካን-ሃባን ክነማዕብል፡ ኣተሓሳስባ ናይ ዜግነታዊ ማዕርነትን ምጽውዋርን ክንኹስኩስ ክንጽዕር ይግባእ።

ሕጽቦ ዞባና ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ርእሰ-ሕጽቦ ግን ዝመስሎ የለን። ከም ህዝብን ሃገርን፡ ንውሽጣዊ ጽሬትና እውን ማዕረ እቲ ንዞባዊ ምምችቻእ ዝግበር ቃልሲ ኣቓልቦ ክወሃቦ ይግባእ። ብደረጃ መንግስቲ ይኹን ሕ/ሰብ፡ ውሽጣዊ ሕጽቦ ወይ ጽሬት ንጽባሕ ዘይበሃሎ ጉዳይ እዩ። መድሃኒት ናይ ብዙሓት ሓነቕቲ ብደሆታት እዩ። ምንጪ ሓይሊ እዩ። ምንጪ ምትእምማን እዩ። ምንጪ ወለንታዊ ስኒትን ሓድነትን እዩ። ምንጪ ምዕባለ እዩ። ምንጪ ሃገራዊ ድሕነት እዩ።

ካባይ ጀሚርኩም፡ ቀንዲ ጸገምና ድንቁርና እዩ። ድንቁርና (ignorance) ሕጽረት ምህሮን ሓበረታን ንቕሓትን (awareness) ዝፈጥሮ ኩነተ ኣእምሮ ኮይኑ ነቲ ንሱ ዘንጸባርቖ ተግባራትን ባህርያትን የመልክት። ዝበዝሑ ነልዕሎም ጭርሖታትን ዛዕባታትን ብሓቂ ነዳቕቖም ዲና? እንተደኣ ኣዳቒቕና ንፈልጦም ኴንና ከ ስለምንታይ ኣብ ቃልዕ ብስልጡን ኣገባብ ዘይንመያየጠሎም? ስለምንታይ እዮም ምስሉይነትን ምውድዳስን ምምስሳልን ከምኡ እውን ናይ ክድምናን ናይ ሕከከኒ-ክሓከካን ዝዓይነቱ ጠባያት ዝረኣዩ?

ህልኻዊ ዝኾነ ርብርብ፡ ማለት ግድን ናተይ መገዲ ተኸተል ወይ ገደል እቶ (My way or the highway) ዝብል ኣተሓሳስባ ክሃስየና ጸኒሑ። ስዉኣትና ብዘይ ኣፈላላይ፡ ነንሓድሕዶም እናተሓላለዩ፡ ንገዘፍቲ ሓባራዊ ዕላማታት ብሓባር ተሰዊኦምን ብሓባር ተቐቢሮምን። ብዛዕባ ዓድታቶም ነንሓድሕዶም ተሓታቲቶም ኣይፈልጡን። ብዛዕባ ሃይማኖቶምን ብሄሮምን ተገዲሶም ኣይፈልጡን። ደቂ ኤርትራ፡ ደቂ ሓንቲ ስድራ ምዃኖም ኣሚኖም፡ ደቂ ሓንቲ ስድራ ዝገብርዎ ስራሕ እናሰርሑ ሓሊፎም። ንሓንቲ ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ክምስርቱ ሓሊፎም። ስለ'ዚ፡ ንሃገር ዘገድሱ ጉዳያት፡ ዋንነቶም ናብ ህዝቢ እዩ ዝወድቕ። ንኹልና ይምልከቱ። ውሑዳት "ምሩጻት" ጥራይ ዝውስንዎን ዘካይድዎን ኣይኮኑን።

እጣቓሊልካ ክረአ ከሎ፡ 20 ሰነ ንሰላምን ሃገራዊ ምትሕቑቛፍን ትጽውዕ። ዕስራ ሰነ ናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራ ከይተሸርመመ ንዝመጽእ ወለዶ ክነመሓላልፎ ትጽውዕ። ዕስራ ሰነ ጽሬትን ንጽህናን ኣድማዕነትን ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ንኽንምስርት ትጽውዕ። ዕስራ ሰነ፡ ንማሕበራዊ ፍትሕን ንማሕበራዊ ስኒትን ህዝቢ ኤርትራ ትማጎት። ንቑጠባዊ ዕብየትን ብልጽግናን፡ ንገስጋሲ ርእዮተ-ዓለም ዝውንን ባህሊ ንምዕንባብ ክንሰርሕ ትጽውዕ።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ናጽነት ዘካየድናዮ ጉዕዞ ብመንጽር መልእኽቲ 20 ሰነ ክንርእዮ ከለና፡ ገና ንበጋገስ ኢና ዘለና። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ፡ ሃዲኡ ጉዳያቱ ክዝትን ወከልቱ ድማ ብደሞክራስያዊ መገዲ ክመርጽን ዕድል ረኺቡ ኣይፈልጥን። እቲ ንሰላምን ምርግጋእን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃሳት፡ ከምኡ እውን እቲ ህይወት ዘለዎ ቁጠባ ንምብጋስ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ዝድገፍ እዩ። ጎኒ-ጎኑ ዝኸዱ ናብ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ዝጠመቱ ተበግሶታት ምስ ዝግበሩ ግን ኣሳጉማና ድልዱልን ምዙንን ዝኾነ ዘብዘብ ክውስኽ ይኽእል።

ንጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ርኢኻን፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ምስ እትውስኸሉ፡ ኤርትራ ብኣዝዩ ተኣፋፊ መድረኽ ትሓልፍ ከም ዘላ ርእሰ-ግሉጽ እዩ። ቀዳምነት ንሰላምን ምርግጋእን ክወሃቦ ከምዝግባእ ብሩህ እዩ። ነዚ ከተግብር ዝኽእል ድማ እቲ ካብ ግዜ ናጽነት ኣብ ውዑዩን ዝሑሉን ዝነበረ መንግስቲ ምዃኑ እምነት ኣለኒ። ምስኡ ተታሒዙ ግን ውሽጣዊ ዳግመ ውደባታት ክንገብርን ተወንዚፉ ዝነበረ ፖለቲካዊ መስርሓት ክበራበሩን ዕድል ዝኸፍተልና ኣጋጣሚ ብምዃኑ፡ ጎኒ-ጎኒ እቲ ንሰላምን ምርግጋእን ንቁጠባዊ ዳግመ ሕውየትን ዝካየድ ርብርብ፡ ምህናጽ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ትሕተ ቅርጺ ከምዘድሊ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ዘለና ድኽመታት ፈዊስናን ዓቕምታትና ኣዋሃሂድናን ኣብዚ ተነካኢ መድረኽ ሃገርና ተዓዊታ ክትወጽእ ምጽዓር ወሳኒ ኮይኑ ይስመዓኒ። በዚ መሰረት፡ መንግስቲ ነቲ ናይ ሰላም ሃዋሁ ዘንጸባርቕ ሓባርን ኣማእዛንን ኣተኣኻኻብን ተበግሶታት ክወስድ ትጽቢት ተነቢርዎ ነይሩ። ደንጉዩ፡ ክጀማምር ኣለዎ።

ዓቕምታትና ደኣ ንኣኻኻብን ነወሃህድን እምበር ኣብ ብዙሕ ግንባራት ከቲትና ድርብራብ ዓወታት ዘይነመዝግበሉ የለን። ዘለናዮ ተኣፋፊ ኩነታት ዝፈጥሮ ብደሆታት ንምስጋር ምድልዳል መንግስቲ (state) ኣገዳሲ እዩ። መንግስቲ ዓቕምታት ሃገር ስሒቡ ክድልድል እንተኾይኑ ኣሳታፊ ሃዋሁ ክኸፍት ኣለዎ። ካብቲ ፋሕፋሕ ኢሉ ዘሎ ዓቕምታት ኤርትራ ክድርዕ ይኽእል። ብኡ መጠን ድማ ናይ ምግባር ዓቕሙ ይሕይል። እዚ ድማ ሓድሽ ደምን ሓድሽ ኣመለኻኽታን ሓድሽ ተኽእሎታትን ይፈጥር። ንናይ ሎሚ ብደሆታት ብናይ ሎሚ ኣተሓሳስባታት ጥራይ ኢና ክንገጥሞም ንኽእል። እዚ ጉዳይ እዚ ብቀጻሊ ጅሆ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕቖን ፖለቲካዊ ዕግርግር ክኸውን የብሉን።

ሰማእታትና፡ ዋሕስ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ዘተኣማምኑ ሃገራውያን ትካላት ብምህናጽ ንደብሶም።

ዝኽሪ ንሰማእታኣ ኤርትራ

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ

ማሕሙድ ሳልሕ

kerenite
Member
Posts: 4480
Joined: 16 Nov 2013, 13:15

Re: መልእኽቲ 20 ሰነ - ብማሕሙድ ሳልሕ

Post by kerenite » 26 Jun 2020, 11:50

Eripoblikan wrote:
26 Jun 2020, 07:37

Mahmud Saleh belongs to the tigrayit speakers ethnic group. He is a veteran (gedim) EPLF combatant and still a diehard hgdefite as we speak. I wonder when will he stand with his oppressed people? When will he wake up from his deep sleep?

Where is fendadaw? Hey! Here is a piece penned by a shiritam. Is there a kind person here who can translate it into amichigna or amharic for him?

Eripoblikan
Member
Posts: 3206
Joined: 15 Sep 2019, 13:49

Re: መልእኽቲ 20 ሰነ - ብማሕሙድ ሳልሕ

Post by Eripoblikan » 26 Jun 2020, 12:00

Yes, he is a known pfdj apologist. I think he's the one with the same name debating in Awate.com.

Nevertheless, he seems open to the ideals of democracy and constitutional governance, at least at the theoretical level. I wonder if he really means what he says.
kerenite wrote:
26 Jun 2020, 11:50

Mahmud Saleh belongs to the tigrayit speakers ethnic group. He is a veteran (gedim) EPLF combatant and still a diehard hgdefite as we speak. I wonder when will he stand with his oppressed people? When will he wake up from his deep sleep?

Where is fendadaw? Hey! Here is a piece penned by a shiritam. Is there a kind person here who can translate it into amichigna or amharic for him?

sebdoyeley
Member+
Posts: 5507
Joined: 14 Feb 2020, 04:27

Re: መልእኽቲ 20 ሰነ - ብማሕሙድ ሳልሕ

Post by sebdoyeley » 26 Jun 2020, 12:07

Kerenite, the [deleted] agame Jeberti from shire has no clue what it meant that 20 June, the agame Jeberi everything Associet with USAID day.
one day jeberti from shire wrote about his mother been passed away and 20 june is special for him. aye neger agame. everywhere agame came embbarresment will set in. I start to believe they are as smart as a primate Monkey.Jeberti we will deport you to your agame land when the time is right. take it that to your account. :lol: :lol: :lol:
kerenite wrote:
26 Jun 2020, 11:50
Eripoblikan wrote:
26 Jun 2020, 07:37
መእተዊ፡

Mahmud Saleh belongs to the tigrayit speakers ethnic group. He is a veteran (gedim) EPLF combatant and still a diehard hgdefite as we speak. I wonder when will he stand with his oppressed people? When will he wake up from his deep sleep?

Where is fendadaw? Hey! Here is a piece penned by a shiritam. Is there a kind person here who can translate it into amichigna or amharic for him?

kerenite
Member
Posts: 4480
Joined: 16 Nov 2013, 13:15

Re: መልእኽቲ 20 ሰነ - ብማሕሙድ ሳልሕ

Post by kerenite » 26 Jun 2020, 12:30

Eripoblikan wrote:
26 Jun 2020, 12:00
Yes, he is a known pfdj apologist. I think he's the one with the same name debating in Awate.com.

Nevertheless, he seems open to the ideals of democracy and constitutional governance, at least at the theoretical level. I wonder if he really means what he says.
kerenite wrote:
26 Jun 2020, 11:50

Mahmud Saleh belongs to the tigrayit speakers ethnic group. He is a veteran (gedim) EPLF combatant and still a diehard hgdefite as we speak. I wonder when will he stand with his oppressed people? When will he wake up from his deep sleep?

Where is fendadaw? Hey! Here is a piece penned by a shiritam. Is there a kind person here who can translate it into amichigna or amharic for him?
Yes he is.

But he ain't participating at awate.com/forum since long. I don't for an iota of a second believe that the moderators there have banned him.

Eripoblikan
Member
Posts: 3206
Joined: 15 Sep 2019, 13:49

Re: መልእኽቲ 20 ሰነ - ብማሕሙድ ሳልሕ

Post by Eripoblikan » 26 Jun 2020, 12:59

I am sure they won't ban him. Here is how I know:

The notorious PFDJ apologist Nitricc is still there trying to convince ሰብ ዓዋተ milk is black. :lol: :lol: :lol:
kerenite wrote:
26 Jun 2020, 12:30

Post by kerenite » 26 Jun 2020, 13:45

Eripoblikan wrote:
26 Jun 2020, 12:59

Haha...Aite nitricc ("the marshall" as the awatistas love to address him lol) who proudly brags that he as a US enlisted soldier, deployed to iraq eliminated many iraqis in iraq is also amongst us here but with a different nickname.

In a nutshell, even this dude is not banned at awate.com/forum. He is still participating on daily basis there. He even attacks the webmaster of awate.com frequently but they allow him to express his opinions freely.

Eripoblikan
Member
Posts: 3206
Joined: 15 Sep 2019, 13:49

Re: መልእኽቲ 20 ሰነ - ብማሕሙድ ሳልሕ

Post by Eripoblikan » 26 Jun 2020, 14:53

I bet my white socks General Nitricc is here on this forum albeit using a different nickname. :lol: :lol: :lol:

Could it be YAY? I see him doing a similar Houdini-style zigzaging out of the blunt truth not unlike Nitrickay in Awate.com. :lol: :lol: :lol:

Besides, both generally tend to be decent unless attacked.
kerenite wrote:
26 Jun 2020, 13:45

Post Reply