(BBC Tigray) - ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝኣትዉ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን መእተዊ ኣፍደገ ኮሮናቫይረስ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ህዝቢ የተሓሳስብ ነይሩ።
ኰይኑ ግና ካብ መወሸቢ ዝወፀአ መራሒ መኪና በቲ ሕማም ከምዝተለኸፈ ብምርመራ ተረጋጊፁ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ብዙሓት ሰባት ስለዝተራኸበ ዛጊድ 62 ሰባት ናብ መወሸቢ ክኣትዉ ኣገዲዱ'ሎ።
እቲ ሰብ ብኸመይ ካብ መወሸቢ መሊቝ ክወፅእ ክኢሉ? ኣብ ከምዚ ዝበለ ጉድለት መን እዩ ዝሕተት? ብስሩኸ እቲ ተግባር ተገምጊሙ'ዶ? ኣብ ትግራይ ሓደ ጉድለት ብዝተፈፀመ ቁፅሪ ንምንታይ እዩ ተሓታቲ ተነፂሩ ግቡእ መቕፃዕቲ ዘይረክብ?
ኣባል ሓይሊ ዕማም ትግራይ፡ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጐስ ጎደፋይ ንቢቢሲ ዝሃብዎ መብርሂ ኣሎ።
ብምባል ይምልሱ።እቲ ዘጋጠመትና ፀገም ብጣዕሚ ዓባይ ክፍተት ኢያ። ብሓፈሻ እንተሪእናዮ ኣብቲ ነውፅኦ ዘለና ሕጊ ክፍተት ኣለዎ። ሓደ ኣካል ተሓታቲ ኢልካ ዝቕመጥ ኣይኰነን። እቲ ብላዕሊ ዝመርሕ ዘሎ ኮማንድ ፖስት (ግብሪ ሓይሊ) ብቐንዲ ክፍተት ኣሎ። ህዝቢ ብተደጋጋሚ የልዕሎ ነይሩ። ብተደጋጋሚ እውን እንተገምገመን እናተረኣየን ነይሩ እዩ። ክፍተታት ከምዘሎ እሞ ክእረም ከምዘለዎ ይለዓል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር ናብ ተሓታትነት ዘሳግራ እውን ኣለዋ እየን። ብግቡእ እንተዝትግበር ነይሩ ክስራሕ ዝነበሮ ነይሩ እዩ
ካብ ጅቡቲ ናብ ትግራይ ዝመፅኡ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን፡ ቅድሚ መቐለ ምእታዎም ኣብ እንደርታ ዓረፋት ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ፍተሻን ምዝገባን ይካየድ። ኣብቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ምሉእ ስም፣ ቁፅሪ መፍለዪ መኪና፣ ኣበይ ከምዝነበረ? መዓዝ ከምዝኣተወ? ናበይ ከምዝኸይድ? ኣበይ ይውሸብ? ምስወደአ ከኣ መዓዝ ከምዝምለስ ነፂሩን ፈሪሙን እዩ ዝኣትዉ። እዚ ከይኰነ እንተተሪፉ ተሓታቲ ከምዝኸውን እውን ከምዝተነፀረ ዶክተር ሓጐስ ይገልፁ።
እቲ መራሒ መኪና ብኸምዚ ኣገባብ ፈሪሙ ምስኣተወ፡ ብመሰረት ንሱ ዝሰርሐሉ ማሕበር መጓዓዝያ ኣብ መቐለ ኣብ ደረቕ ወደብ እዩ ተወሺቡ። እቶም ማሕበራት መጓዓዝያ ሓላፍነት ወሲዶም እዮም ኣባላቶም ዝውሽቡን ዝከታተሉን። እቲ መራሒ መኪና ግን ኣትዩ ከግራፍ እየ ኢሉ ምስወፀ ኣይተመለሰን።
ኢሎም።እቲ ዓብዪ ክፍተት ኣብ ባዕሉ እዩ፤ ካልኣይ ምስወፀአ እቲ ማሕበሩ ሓበሬታ ክህብ ነይሩዎ። ሳልሳይ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተመደበ ሓለዋ ብእዋኑ ሓበሬታ ከሕልፍ ነይሩዎ። ስለ'ዚ ብሓፈሻ እንተሪእናዮ ናይቲ መሪሕነት ግብሪ ሓይሊ ክፍተት እዩ። መሪሕነት ዞባ መቐለ እውን ይምለከቶ እዩ። ብንፁር ክረአ እንከሎ ግን ክሕተቱ ዝግበኦም ኣካላት ኣለዉ እዮም። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ተገምጊሙ እዩ። ዞባ መቐለ ተሓታታይ ነፂሩ እዩ። ግን ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ ጥራይ ዝፍታሕ ኣይኰነን
እቲ ዋና ስራሕ ካብቲ ጉድለት ትምህርቲ ብምውሳድ ቅልጡፍ ምትዕሪራይ ብምክያድ፡ ንህዝቢ ዝጐድእ ተግባር ንኸይድገም ክስራሕ ከምዝግባእ እቶም ሓላፊ ገሊፆም። ብኣንፃር እቲ ዝተኻየደ ገምጋም ድማ ነቲ ምክልኻል ዝምጥን ኣሰራርሓ ከምዝተዳለወ እውን ኣፍሊጦም።
ካብ ጅቡቲ ንዝመፅኡ ጥራይ እንተይኰነስ ብሓፈሻ ብኹሉ ኣንፈት ናብ ትግራይ ንዝኣትዉ፡ ከመይ እዩ ክምራሕ? ሕድ ሕድ መንግስታዊ ክፋል ከ እንታይ ሓላፍነት ይህልዎ? ብኸመይ ተሓታቲ ይኸውን? ዝብል ሓድሽ መምርሒ ከምዝተዳለወን ናብ መፍትሒ ከምዝስገርን ዶክተር ሓጐስ ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ዛጊድ 8 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉን ኩሎም ካብ ጅቡቲ ዝኣተዉ መራሕቲ ዓበይቲ መካይንን ሓገዝቶምን ከምዝዀኑ ተገሊፁ እዩ።