Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zena Mekele
Member
Posts: 120
Joined: 17 May 2013, 19:29

ህወሓት መድሓኒትኪ ሕዚ እዩ ተነስሂ!!???

Post by Zena Mekele » 02 Apr 2020, 20:19

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
1969 ዓ/ት ሕቶ ዴሞክራሲ ዘልዐሉ ጀጋኑ ሕንፍሽፍሽ ብዝብል ሽፋን ጀጋኑ ተበዲሎም ። ህወሓት/ አቦይ ስብሓት ነጋ ይቕሬታ ክብሉ ግዚኡ አኺሉ አሎ (ንስሃ ሓደ!
1977 ዓ/ት
ሕዚ እውን ሕቶ ዴሞክራሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ተሟጉይቶም ንማሌሊት እምነት አልዋ ዝኾነ ፍልስፍና ዝሳዓሩ ጀጋኑ ተሰጉይጎም ተረሽኖም ጠፊኦም ነዚኦም ይቕሬታ ኢላ ንቤተሰብ አርዲኣ ካሕሳ ክሒሳ (ክትንሳህ አለዋ (ንስሃ ክልተ!
19880 ዓ/ት
ነቱ ቁርፅራፅ እስትራተጃ ክተቕፅል ንልዕሊ 20 ሽሕ ደቂ ህዝቢ ቀፅሉ አይንቅፅልን ዕላማና ልኡኹተና ዛዚምና ምስ በሉ መድሐርሐርቲ ወዘተ ተባሂሎም ዝቕንፀል ተቐንፂሉ ዝሽበር ተሸቢሩ ዝዋረድ ተዋሪዱ መድሐርሐሪ ተባሂሉ ነዚ ኹሉ ግፍዒ ዘብፀሐት ህወሓት ግዜኺ አኺሉ ይቕሬታ ኢልኪ ካሕሳ ክሒስኪ ንሳሃ እተዊ በልዋ!
1984 ዓ/ት
ዓወት ጨቢጣ ብጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ትግራይ ዳሓርስኳ ጓሓፋት ኢላ ጓሓፍ ፅረጉለይ ኢላ መድሓኒት ናብ ዘይብሉ ናብ ህዝቦም ከይራኸቡ ናብ ሃሩር ዳንሻ ወሲዳ ጓሓፈቶም አብኡ ድማ ከም ሃመማ ረገፉ ሂወት ተጋደልቲ ከንቱ ተረፈ ቅንዕ ኢሉ ዝርኦም ሳአነ። ነዚ ግፍዒ ዝፈፀመት ህወሓት ግዜ አኺሉ ዝካሓስ ክሒሳ ዝርዳእ አርዲኣ ንሳሃ እትኣትወሉ አኺሉ አሎ ተነስሂ በልዋ !!
1990 ዓ/ት
ዓወት ጀጋኑ ናብ ሓመድ ዝቐየረት ደም ኢትዮጵያውያን ከንቱ ዘትረፈት ተካል ሴረኛ ውድብ ነዚ ህወሓት /ስብሓት ነጋ ይቕሬታ ኢሎም ንስሃ ዝአትውሉ እዩ። ግዜ ድማ አርኪቡ አሎ አብ ጥቕኣ ዘለኹም ንስሃ ክትአትወሉ ምኸርዋ !!
1993 ዓ/ት
በገዛ መራሕቲ ጀጋኑ ደቅ ህዝቢ ተጋደልቲ በትሉሙድ ፀረ ዴሞክራሲ መንገዲ ምስቶም መሻርኽታ ሻረውቲ ደሪጋ ሓያል ናይ ስነ ልቦና ጦርነት ናይ ኣኮኖሚ ጦርነት ከፊታ ስጋራ መግዝኢ ስኢኖም እስካብ ታሓኒቖም ዝሞቱ ዝገበረቶም ሕዚ ግዜ አኺሉ ተነሲሃ ዝካሓስ ክሒሳ ዝርዳእ አርዲኣ ትሰናበተሉ ግዜ ቀሪቡ አሎ። አብ ቀረባኣ ዘለኹም ምኸርዋ ትነሳህ!!
1996 ዓ/ት
ነቱ ጅግና ህዝቢ ሓብሒቡ ሰማይ ዝሰቀላ ህዝቢ ተምቤን ሕቶ ልምዓት ሓቲቱ መንገዲ መብራህቲ ስልኪ ባንኪ ማይ ብምሕታቱ ህዝቢ ከም ህዝቢ ተዋሪዱ ተረፍ መረፍ ደርጊ መስፍን ተባሂሉ ተበሳቢሱ ደቁ ስደት ተቓሊዖም ብዙሕ መከራ አሕሊፎም ዓድማቶም ተንከራቲቶም ሓዳሮም ተበቲኑ ስድሮኦም ብሓዘን ልቦም ተሰይሩ ደቆም ተጎሳቑይሎም ዘይሕለፍ የለን ሓሊፉ ብዙሕ ስቓይ እዝኹሉ ብታሰራም ተካል ክፍእቲ ህወሓት ዝተፈፀመ አብ ልዕሊ ህዝቢ ደቂ ህዝቢ እዩ። ነዚ ይቅሬታ ዘይኮነስ ዝካሓስ ክሒስካ ይቕሬታ ሓወስካ እዩ ። ህወሓት ሕዚ እዩ ግዜኺ ተነስሂ በልዋ !!
2002/3 /4/5/6/7/8/9/10/11/ ዓ/ት
ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ እንታ ዓረና አንታ ተረፍ መረፍ ደርጊ መስፍን አሸባሪ ወዘተ እነተባሃለ ደም ዝነበዐ ህዝብና ይቅሬታ ክትብሎ ይግባእ ክትኽሕሶ ይግባእ ። ግዜኡ አኺሉ ሕዚ እዩ ምኸርዋ !!
1967/2012 ዓ/ት ብሽም አባላት ኢዴዩ ግጋሓት ጠራናፊት ደርጊ ኢሃኣፓ እተባሃሉ ዝተፈፀመ ግፍዒ ይቕሬታ ክትሓተሉ ይግባእ። እቶም መቓብሮም ዘይፍለጥ እውን መቓብሮም ክትሕብር ቤተሰብ ክርዳእ ይግባእ 45 ዓመት አብ ሓዘን ዘሎ ወላዲ/ት ሓው አሎ እህ እህ ዝብል ህዝቢ አለና ነዚ ጉዳይ ህወሓት ይቅሬታ ኢላ ንስሃ ታአትወሉ ግዜ እዩ ምኸርዋ ማዓድዋ ሕዚ!!
ካብ 2002 እስካብ 2012 ዓ/ት አትሒዙ አብ ልዕሊ አባላት ዓረና ዝበፀሐ ግፍዒ በደል ጭቆና ዝጠፈአ ንብረት ኩሉ ክሒሳ እትምልሰሉ እትንሰሀሉ ግዜ አኺሉ አሎ ምኸርዋ ሕዚ!!
እሱራት አባላት ዓረና ፍትሒ ግዜ አኺሉ አሎ ኦሮማይ ፍትሕዮም በልዋ እቱ በትሪ ከይተላዐለ !!
ፍርዲ ገምደልነት
አብ ልዕሊ ስየ አብርሃ ዝተፈፀመ ግፍዒ ይቅሬታ ክትሓተሉ ይግባእ።
አብ ልዕሊ አብርሃ ደስታ ዝተፈፀመ ግፍዒ ይቅሬታ ክታሓተሉ ይግባእ።
አብ ልዕሊ መንእሰይ ኩሓ እግሪ ሰራዋት ደብሪ ሮማናት ናይ ገባራት እደርታ ዝፈረሰ ገዛውቲ ዝካሓሰሉ ግዜ ነብዩ ስሑል ሚኪኤል ፅጋቡ ቆባዕ ወዘተ ዝተፈፀመ ግፍዒ ይቅሬታ ክባሃሉ ዝግባእ ግዜ አኺሉ ናይ ንስሃ ህወሓት ሕዚ እዩ ምኸርዋ ።
ን27 ዓመት አብ ልዕሊ ህዝቢ ነበለት ገራዓልታ ሓወዜን ማይ ቅናጣል. .............. ወዘተ ሕቶ ወረዳ ህዝቢ ተምቤን ውቕሮ ዞባና ይመለስ ኢሎም ብምልዐሎም ዝበፀሖም ግፍዒ በደል ጭቆና ወሰን አይነበሮም ነዚ ህወሓት ርእሳ ደፊኣ ይቕሬታ እትብለሉ እትንሰሀሉ ካሕሳ ትኽሕሰሉ ግዜ አኺሉ ኦሮማይ ህወሓት ትጠፍአሉ ግዜ በሪቑ ምኸርዋ ንስሃ ትእተው !!
አብ ሕድሕድ አመራርሓ ህወሓት ዘሎ ገንዘብ ቀጥታ ካብ ካዝኖኦም አውፂኦም ናብ ህዝቢ ዝምልስወን ግዜ አኺሉ ስለ ዘሎ ኦሮማይ ገንዘብ ትእምት ናብ ህዝቢ መሊሶም ንህዝቢ ትግራይ ይቕሬታ ኢሎም ዝኽሕሰሉ ግዜ አኺሉ ስለ ዘሎ ምኸርዎም ቅድሚ ከም ጀነራል ክንፈ ብብጫ ኤሊኮፎተር ተንጠልጢሎም ምውሳዶም ንስሃ ክትኣቱ ንገርዎም አብ ጥቕኣ ዘለኹም!!
ቃልሲ
ሚኪ ተስፋይ
እናተዛዘመ እዩ!!
ኩሉኹም ጀጋኑ ተቓለስቲ ደቂ ትግራይ ዓወትኩም ቀሪቡ እዩ !!