Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 626
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 07 Apr 2020, 03:59

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

19 - ሕሹኽታ ኅሊና


ኅሊና፡ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ሕሹኽታ ኣምላኽ ኮይኑ፡ ሕጊ ክትህሉን ሥነ ምግባር ከተዘውትርን ዚእዝዘካ ኢዩ። ሕሹኽታ ኅሊና፡ ቀስ ኢሉ ዚዛረብ ድምጺ ኮይኑ፡ ንስኻ እትዛረቦ ዘረባ ኣይኮነን ዚዛረብ። ኵነታት ተግባር ኅሊና ዚፍለጠካ፡ ኣብ ኵሉ፡ መዓልታውን ናእሽቱን ስራሕ እምበር፡ ኣብ ዓበይቲ ጕዳያት ጥራይ ኣይኮነን። ንስኻ ናይ ኅሊና ሕሹኽታ ምእንቲ ክትሰምዕ፡ ንኵሉ ምድራዊ ኃልዮትካ ረሲዕካ፡ ንውሽጣዊ መሽጐራጉር ነፍስኻ መርምር።

እቲ ኣብ ውሽጥኻ እትሰምኦ ሕሹኽታ፡ ድምጺ ኣምላኽ ኢዩ። ከም ወቐሳ ኅሊና ዜሕምም ነገር የልቦን። ንስኻ ክፉእ ክትሰርሕ ከሎኻ፡ ኅሊናኻ ይግስጸካ፡ ይኹርየልካ፡ ይጣራዕ፥ በደልካ ከረድኣካ ይጽዕር፡ ይዅንነካ፡ ይቐጽዓካ፡ ሰላም ይኸልኣካ፡ ይኅውኸካ፡ ሕፍረት ከምዚስመዓካ ይገብር፡ ይዕፍነካ፡ የሳቕየካ፡ ይቕንጥወካ፡ ይወግኣካ፡ የቝስለካ፡ ብሓጺሩ ግራጭ ይኾነካ፥ ወይ ከኣ ብኣንጻሩ፡ ኅሊና ታሕጓስ የኅድረልካ፡ የጸናንዓካ፥ ጽቡቕ ምስክር ኅሊና፡ ዜጸናንዕ ጥዑም ጻማ ኢዩ፥ ኅሊና ንኵሉ ውርደትካ፡ ዜሕውየልካ መድኃኒት ኢዩ፥ ንጽቡቕ ነገር ካብ ሕማቕ ነገር ፈላልዩ ዜርእየካ ኢዩ፥ ዘብራህርሃልካ፡ እዚ ኪፍጸምን ኪፍጸም ዘይግባእን ተግባር የመልክተልካ፥ ግቡእኻ ክትገብር የዘኻኽረካ፥ ብሓደ ወገን ይእዝዘካ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ይመኽረካ፥ ጽቡቕ ነገር ክትገብር የምህረካ፥ ኅሊና ብሓቂ ብሉጽ መምህር ኢዩ፥ ኅሊናኻ ይነግረካን ይመኽረካን ይምዕደካን ኢዩ።

ኵሉ እቲ ኣብ እምነት ኣምላኽ፡ ተመሥሪትካ ዘይኮነስ እናተጠራጠርካ እትገብሮ ነገር፡ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ተኣማሚንካ ደኣ እምበር እናተጣራጠርካ ኣይትፈጽሞ (ሮም 14፡23 ረአ)። ኅሊናኻን ኅሊና ካልኦትን ተገፊዖም ካብ ምርኣይ፡ ዝኾነ ይኹን መሥዋዕቲ ምግባር ይሕሸካ። ምስ ኅሊናኻ ዋጋ ዕዳጋ ፈጺምካ ኣይትግበር። ኵሉ ነገር ክትገብር ተፈቒዱልካ’ኳ እተኾነ፡ ግን ኵሉ ነገር ከኣ፡ ሓናጺ ስለ ዘይኮነ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ሓድሕድ ኢልካ ኅድገት ግበር ኢኻ (1 ቆሮ 10፡23)። ናብ ኃጢኣት ከይትወድቕ ጥንቑቕ ምእንቲ ክትከውንን፡ ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ከኣ ከሳሲኻ ምእንቲ ከይኸውን፣ ንኅሊናኻ ውሽጣዊ ከሳሲኻ ንኺኾነካ ኣተባብዓዮ። ነቲ፡ ካብ ቅኑዕ መንገዲ ወጺኡ ዘሎ ልብኻ ክትግስጾን ናብ ልብኻ ክትመልሶን፡ ዚጽውዓካ ዘሎ ድምጺ ኣምላኽ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። እግዚአብሔር ኣብ ልብኻ ይኃድርን ይዛረበካን ኢዩ። ተግሳጹ ከኣ ናብ ኅሊናኻ ብርሃን ኣእቲዩ፡ ንበደልካ ኢዩ ዜርእየካ።

ሓቀኛ ድምጺ ኅሊናኻ ክትሰምዕ እንተደሊኻ፡ ኣብ ከባቢኻን ኣብ ውሽጥኻን ጸጥታን ህድኣትን ክትፈጥር ይግባእ። ኅሊናኻ እንተደኣ ቀንጢዉካ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ይቕረታ ኣምላኽ ጥርጠራ እንተሊዩካን ትሳቐ እንተኾይንካን፡ እግዚኣብሔር ምሳኻ ከምዘሎን ከምዘይገድፈካን ኢዩ ዘረጋግጸካ። እንተኾነ ግን እቲ ሕማቕ ኣመልካ ነዙ ናይ ኅሊና ምቅንጣው ከየጥፍኦ ተጠንቐቕ።


ሕሱማት ሰብ፡ ብዓመጽ፡ እንተደኣ ወሪሮሙኻ፡ ንምስክርነት ናብ ኅሊናኻ ተማኅጸን። ካብ ናይ ሰብ ፍርዲ ናይ እግዚአብሔር ፍርዲ ይሕሸካ። ክብርኻ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ደኣ ሓዞ እምበር፡ ኣብ ኣፍ ደቂ ሰብ ኣይተቐምጦ። እግዚአብሔር ምስ ዚፈርደካ፡ እታ ቅድስናኻን እታ ጽብቕቲ ኅሊናኻን ደኣ እምበር፡ ብዝኂ ሃብትካ ኣይጠቕመካን ኢዩ! ካልኦት ሰባት እውን ኣይጠቕሙኻን ኢዮም! ንኅሊናኻ እናተመላለስካ መርምሮ። ኣመል እንተደኣ ኣሊዩኻ ከኣ፡ ብረዲኤት እግዚኣብሔር፡ ከምትእረም ግበር፥ በዙ መንገዲዙይ እንተኸይድካ ኣብ ፍጽምና ክትበጽሕ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኅሊናዊ ጥርጣሬ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 626
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 11 Apr 2020, 11:41

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

20- ኅሊናዊ ጥርጣሬ


ካብቲ ብመንገዲ ቅድስና ክትስጕም ዕንቅፋት ዝኾነካ ኅሊናዊ ጥርጣሬ ርሓቕ። ኅሊናዊ ጥርጣሬን ራዕድን፡ ኃጢኣት ገይረ ኢየ፡ ወይ ከኣ ኃጢኣት ክገብር ቀሪበ ኢየ ብዚብል ጥርጣሬን ራዕድን ዝተላዕለ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ነፍስኻ ዘይጡዑይ ክሲ ምግባር ማለት ኢዩ። ካብዙይ ዝተላዕለ፡ ንስኻ፡ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዘሎካ ኣተሓሳስባን ስእልን ምናልባት ዘይቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።

መን ይፈልጥ፡ ነቲ ኣዚዩ ዜፍቕረካ እግዚኣብሔር፡ ከም ጨካንን ሕነኡ ዚፈድን ኣምላኽ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን፡ እንተኾነ ትጋገ ኢኻ ዘሎኻ፥ ዋላ ሺሕ ጊዜኳ እንተተጋገኻ እግዚኣብሔር የፍቕረካን ይምሕረካን ኢዩ። ስለዚ ነቲ ዜፍቕረካ ኣምላኽ ብኸምዙይ ኣሉታዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ክትርድኦ ግቡእ ኣይኮነን።

እምበኣርከስ ቅድሚ ኵሉ ክትገብሮ ዚግብኣካ ነገር ብኃጢኣትካ ምእማን ኢዩ። ካልኣይ እግዚኣብሔር ምሉእ ምሕረት ከምዚህበካ ፍጹም ኪትጠራጠር የብልካን። ብዛዕባ ተግባርካ ብሕሊናዊ ጥርጣሬን ራዕድን ካብ ምስቓይ፡ ናብ ውሽጥኻ ተመሊስካ ንርእስኻ ካብ ምሕያኽ፡ ነኅዋትን ንእግዚኣብሔርን ከይተቐይም ኢልካ እነተትጽዕር፡ እዙ ኅሊናዊ ወጥሪ ጥርጣሬኻ ብቐሊል ምገደፈካ ነይሩ።


ካብ ዘይትፈልጦ በደል ናጻ ዘውጽኣካ ኅሊናዊ ንጽሕና ክትደሊ ካብ ትውዕልን ብገዛእ ኃይልኻ ጥራይ ካብ ኃጢኣት ናጻ ክትከውን ካብ እትደሊ፡ ነቲ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዝሃበካ ድኅነት፡ ብትሕትናን ብዓቢይ ምስጋናን ክትቅበሎ ኢዩ ዝግብኣካ። ንስኻ ብሓደ ወገን ናብ ዘይጠቕሙ ናእሽቱ ነገራት ብዘይመጠን ብምቕላብ፡ ብኅሊናዊ ስቓይ ክትሳቐ ትረኤ፡ በቲ ካልእ መዳይ ግን፡ ኣቦ ነፍስኻ ኪእዝዙኻ ንዚኽእሉ ክብድ ዝበለ ነገር ፈጺምካ ኣይትግደሰሉን። ምኽንያት ዘይብሉ ብወቐሳ ኅሊና እናተሳቐኻ ከሎኻ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ በቲ ዘይርጉእ ዝኾነ ጠባይካ፡ ኣብ ጥቓኻ ንዘሎ ብጻይካ ከተሳቕዮ ቅጭጭ ኣይብለካን። ንሕማም ኅሊናዊ ጥርጣሬኻ ክትስዕር ኢልካ እኹል ጻዕሪ ብዘይምግባርካ ተጥዓስ።

ዓቢይ ኃጢኣት ንምግባር ምሉእ ኣፍልጦን ኣእምሮን ፍቓድን ስለ ዜድሊ፡ ኣብ ስምዒትካ ናይ ኃጢኣት ሃረርታ ምስማዕን፡ ኃጢኣት ንምግባር ሃረርታ ምግባርን ዝተፈላለየ ነገር ከምዝኾነ ተረድእ። ኣብ ልብኻ ንእግዚኣብሔር ኪብድሎ ዚደሊ ሓሳብ እንተዘየሊዩ፡ ናብ ኃጢኣት ከይትወድቕ ኢልካ ኣይትፍራህ። ንእግዚኣብሔር በዲለዮ ኢየ እትብሎ ነገር ንጹር እንተዘይኮይኑ ከኣ፡ ብርግጽ ኃጢኣት ኣይገበርካን። ነቲ በዲለ ኢየ እትብሎ ብዘይመጠን ዝተጋነነ ስምዒትካ መርሚርካ ኣጽንዓዮን ኣረጋግጾን። ናይ ኅሊና ጥርጣሬን ራዕድን ዘበለ ኵሉ ፈጺምካ ናባኻ ኣይተቕርቦ።

ብእትገብሮ ናይ ኅሊና መርመራ ክትዓግብ ስለ ዘይኽኣልካ፡ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምድግጋም ኑዛዜኻ፡ መፍትሒ ርኸበሉ። ኃጢኣት ከምዝገበርካ ምእቲ ብምእቲ ርግጸኛ እንተዘይኮይንካ፡ ኃጢኣት ገይረ ኢልካ ኣይትናዘዘሉ። ንዘረባ ኣቦ ነፍስኻ ከይተጠራጠርካ እመኖ፥ ምእንቲ ጥቕሚ ነፍስኻ ኢልካ ከኣ፡ ነቦ ነፍስኻ ተዓሚትካ ክትኣምኖም ይግብኣካ። ኣቦ ነፍስኻ ከናዝዙካ እንከለዉ፡ ንሶም ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኮይኖም፡ ነቲ ዚህቡኻ ምኽሪ ሰሚዕካ ከምትጥቀመሉ ግበር።

እግዚኣብሔር ንኵሉ ውሽጥኻ ኣጸቢቑ ከምዚፈልጦን ምሉእ ብምሉእ ከኣ ከምዝተቐበለካን እመን ኢኻ። ብዘይገበርካዮ ኃጢኣት ንኸይትናዘዝ ካብ ዝወሰንካሉ መዓልቲ ንድኃር፡ ካብ ኅሊናዊ ጥርጣሬን፡ ፍርህን፡ ራዕድን፡ ናጻ ከምትኸውንን፡ ሓንቲ ስቓይ ከምዘይህልወካን እመን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሓቀኛ ዳግማይ መንፈሳዊ ልደት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 626
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 15 May 2020, 06:17

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

21 - ሓቀኛ ዳግማይ መንፈሳዊ ልደት

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚረኣ፡ ጽቡቕ ተግባርን ጽቡቕ ሕይወትን ደኣ እምበር፡ ጽቡቕ ዘረባ ኣይኮነን። ጥዑም ዘረባ፡ ብዙኅ ጊዜ በብዓይነቶም ዕምባባታት ንዝተሳእሎ ዓለባ ወይ ከኣ ወረቐት ንዝተሸፈነ ባዶ ገረወኛ ኢዩ ዚመስል። ኵላትና፡ ይብዛኅ ይውኃድ፡ ብመንፈስ መደልዋንን ኣምሳሉነትን ዝተቘማጣዕና ኢና፥ እዙይ እንታይ ማለት ኢዩ፡ እንገብሮ ስራሕ ኵሉ፡ ንዓይኒ ሰብ ወይ ንዓይኒ ሕጊ ጥራይ ምስራሕ ማለት ኢዩ።

ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዚጀመሮ ሱባኤ፡ ነቶም ኣብ መንገዲ ቅድስና ዚርከቡ ንርእሶም ከየታልሉ ዚሕግዝን ዚምህርን ትምህርቲ ኢዩ። ንስኻ፡ ጌጋ የብለይን፡ ፍጹም ኢየ አይትበል። እኳ ደኣ፡ ጸጸኒሕካ ንርእስኻ መርምር ኢኻ።

ንተግባርኻ ጸጸኒሕካ እናፈተሽካ፡ ክትወቕሶን ክትፈርዶን ጽዓር። ንርእስኻ ምውቃስ ምልክት ውሽጣዊ ሃብቲ ኢዩ፥ ንርእስኻ ከም ዓቢይ ገይርካ እትግምተሉ ጊዜ፡ ሽዑ ኢዩ ድኻምነትካ ዚግለጽ። ንስኻ ብዛዕባ ርእስኻ፡ ፍጹም ኢየ ዚብል ኣተሓሳስባን ልዑል ግምትን እንተደኣ ኣሊዩካ፡ ብመንፈስ ገና ብዙኅ ስጕምቲ ወይ ምዕባለ ከምዘይገበርካ ፍለጥ።

ገለ ጽቡቕ ነገር ፈጺምካ እንተኾይንካ፡ ኣይትተሓበን፥ ከመይ ኵሉ ነገር ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ኢዩ። የግዳስ፡ ንስኻ፡ ንብዙኅ ጸጋ እግዚኣብሔር ጽቡቕ ገይርካ ስለ ዘይተጠቐምካሉ፡ ኪምሕረካ ለምኖ።
ብዛዕባ ኃጢኣትካ ክትበኪ እንተደሊኻ፡ እቲ ብዘይመጠን ሕያዋይን ዝዓበየ ገባሪ ጽቡቕካን ዝኾነ እግዚኣብሔር፡ ብዘይጠቅም ምክኒያትን ንዘይጭበጥ ታሕጓስን ኢልካ ከምዘሕዘንካዮ ሕሰብ። ከምዙይ ምስ ትገብር፡ እቲ ብሓቂ ብፁዕ ዝኾነ ንስሓኻ ኣብ ሰማይ ዓቢይ ክብሪ ኬውህበካ ኢዩ።

ካብ መንገዲ ኃጢኣት ወጺእካ ናብ መንገዲ ጽድቂ ክትኣቱ እንተደሊኻ፡ ቀልባዕባዕ ከይበልካ፡ ናብ ውሽጥኻ ኣቲኻ፡ ሃዲእካ ተቐመጥ። ካብ ክፉእ ዝኾነ መኅለፊ ጊዜን፡ ካብ ከንቱ ዝኾነ ጸወታ እዙ ዓለም እዙይን፡ ርሓቕ። ጽቡቓት ዚመስሉን፡ ኣብ ሰብነቶም እውን ብዙኅ ሽልማት ዘለዎም ሰባት፡ ብዙኃት ኢዮም። ግዳ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ልቦም ጨናውን ዕግርግር ዜብል ሽታን ዘለዎም ኾይኖም፡ ንኃላፍን ንዝሞተ ነገርን፡ ፍቕሪ ዚስምዖም ሰባት ኢዮም (ማቴ 23፡27)።

ካብዙ ዓለምዙይ ምስ ተፋኖኻ፡ ተጣዒስካ ናብ ኣምላኽ ክትምለስን ብዝገበርካዮ ኃጢኣት ክትክሕስን ኣይትኽእልን ኢኻ። ንስኻ ክትሓዊ እንተደሊኻ፡ ጊዜ ከሎካ፡ ናብቱ ሓኪምካ ዝኾነ እግዚኣብሔር ተመለስ ኢኻ። ኣብሰማይ ካብ 99 ንስሓ ዘየድልዮም ጻድቃን፡ ንሓደ ንስሓ ገይሩ፡ ናብ ኣምላኹ ንዚምለስ ኃጢኣተኛ፡ ዝበዝኄ ታሕጓስ ኪግበረሉ ኢዩ (ሉቃ 15፡7)።

ከም ወዮ ዑፍ ዓዲ ዓረብ፡ ኣብ ሓሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት፡ ኣብ ሓዊ ተጠቢሱን ሓሪሩን፡ ከምብሓዲሽ ካብ ሞት ተንሢኡ፡ ሓዲሽ ሕይወት ዚዘርእ ዝነበረ፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ ናብ ሓዲሽ ሕይወት ክትትንሥእ እንተደሊኻ ንሕማቕ ዝንባሌኻን ንኣረጊት ሰብነትካን፡ ክተጥፍኦም እንተኺኢልካ ኢዩ። ንስኻ ንእግዚኣብሔር ክትረክብ፡ ንርእስኻ ከተጥፍእ ኣሎካ።

ሕይወትካ ምልዋጥ ማለት፡ ነቲ ዝሩግ ዝኾነ ዝንባሌኻ ምቕጻዕ ማለት ኢዩ። ዓወትን ለውጥን ዚርከብ ብጥበብን ከየቋረጽካ ጻዕሪ ብምክያድን ደኣ እምበር ብጊዚያዊ ስምዒት ኣይኮነን።

እምበኣር ዝኸበርካ ኃወይ! እቲ ምሽው ጊዜን እቲ መዓልቲ ድኅነትን ሕጂ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ክትገብሮ ዘሎካ ነገር ሕጂ ወስኖ ኢኻ (2 ቆሮ 6፡2)። ሸይጣን ኣብ ግብሪ ንዘይውዕል ቍርጺ ፍቓድ፡ ኣይፈርሆን ኢዩ። ንስኻ፡ ሕጂ እውን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጊዜ ሞትካ ክትገብሮ፡ እትምነዮ ነገር ግበር። ዓቢይ ነገር ምስ ትመርጽ፡ ንጊዜ ሞትካ ደኣ እምበር፡ ንጊዜ ሕይወትካ ክትሓስብ ኣይግባእን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሓቀኛ ጣዕሳ ኃጢኣት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 626
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 May 2020, 06:49

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

22- ሓቀኛ ጣዕሳ ኃጢኣት


ንዝሞተ ሰብ ካብ ሞት ካብ ምትንሥኡ፡ ካብ እግዚኣብሔር ንዝረሓቀ ኃጢኣተኛ፡ ምምላስ ዝዓበየ ተኣምር ኢዩ። ከመይሲ እዙ ቀዳማይ ተኣምር፡ ናብ ሕይወት ዝተንሥኤ እቲ ከምብሓዲሽ ኪመውት ዘለዎ ሰብነት ኪከውን ከሎ፡ እቲ ካልኣት ተኣምር ግን፡ እታ ናብ እግዚኣብሔር ዝተመልሰት፡ ንዘለዓለም እትነብር ነፍሲ ኢያ።

ኣብ ነፍስኻ ብርሃን ጣዕሳ እንተደኣ በሪሁ፡ ብዝገብርካዮ ኃጢኣት ክትበኺ ኢኻ፥ ድኅሪኡ ከኣ ብብርቱዕ ስምዒት ንመንግሥተ ሰማይ ሃረር ክትብል ኢኻ። ሓዲሽ ሕይወት ከተስተማቕር እንተደሊኻ፡ ኣብ ሕይወትካ ብዝገበርካዮ ኃጢኣት ተጣዒስካ ብኸ።

ጣዕሳ ኃጢኣትካ ኪዓቢ ኪኽእል፡ ብሓደ ወገን ነቲ እግዚኣብሔር ዝገበረልካ ድማዕ ብምሕሳብ ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ነቲ ሞሳ ዘይብሉ ዝገበርካዮ ክሕደት ብምሕሳብ ኢዩ፥ ዝኽሪ ኃጢኣትካ ኵሉሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ኪነብር ኢዩ(መዝ 51፡5 ረአ)።

እግዚአብሔር ብህያውነቱ ብኃጢኣት ካብ ዝተዘርገ ሕይወት ኣውጺኡ፡ ናብ ቅድስና እንተደኣ ጸዊዑካ፡ ሽዑ ጥራሕካ ከምዝነበርካ ኪርድኣካን ኅሊናኻ ኪወቕሰካን ኢዩ። ንስኻ ንልብኻ ካብ ዘይንጹሕ ፍቕሪ ዚውለድ ኵሉ ናይ ሃረርታ ስምዒት ከተንጽሖ ይግብኣካ ደኣ እምበር፡ ካብ ኃጢኣት ምህዳም ጥራይ ኣይኣክልን ኢዩ።

ነቲ ምንጭን መሠረትን ኵሉ ዝኾነ ልብኻ፡ ናብ እግዚኣብሔር ከምትመልሶ ግበር ኢኻ። ዓሚቝን መሪርን ጣዕሳ ኃጢኣትካ ጥራይ ኢዩ ንጽሕና ልቢ ዚህበካ። ነቲ ኵሉ ምስ ኃጢኣት ዚኣሳስረካ ማእሰርቲ ክትበታትኾ እንተደሊኻ ብኃጢኣትካ ካብ ምጥዓስ ከተቋርጽ የብልካን።

ዝበለጸ ጣዕሚ ዚርከብ፡ ኃጢኣት ኣብ ምግባር ዘይኮነስ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተደፊእካ፡ እናበኸኻ ምሕረት ምሕታት ኢዩ። እቲ ንምፍዋሱ ዝኃየለ ኃጢኣት፡ ኃጢኣተኛ ምዃንካ ዘይምእማን ኢዩ። ንብዓት ኢየሱስ ዝፈሰሰ፡ ንዝሞተ ኣልኣዛር ዓርኩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ኵሎም ንዕድመኡ ግዲ ከይሞቱ፡ ብትንሣኤኡ ኣይንኣምንን ዝብሉ ኵሎም እውን ኢዩ።

እግዚኣብሔር ኣእዳዉ ዘርጊሑ ተቐቢሉ ኪሓቝፈካ ይጽበየካ ኣሎ’ሞ፡ ብኃጢኣትካ ተጠዓስ። ንስኻ ኃጢኣትካ፡ ንዓለም ክትሓብኦ’ኳ እንተኸኣልካ፡ ንእግዚኣብሔር ግን፡ ክትሓብኣሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምቲ ቅድም ነዙ ዓለምዙይ ብምሉእ ኃይልኻ ትደልዮ ዝነበርካ፡ ሕጂ ከኣ ብምሉእ ኃይልካ ካባኻ ኣርሕቆ።

ጣዕሳ ኃጢኣትካ፡ ድሌት ንስሓን ትሕትናን ከላዕለልካ ይግባእ፥ ምስኡ ኃቢሩ ዚኸይድ ከኣ፡ ፍቕሪ ሕያውነት ኣምላኽ ኬኅድረልካ ይግባእ። ጣዕሳ፡ ብርግጽ፡ ንነፍስኻ ካብ ኃጢኣት የጽርያ’ኳ እንተኾነ፡ ግዳ ብሕያውነትን፡ እምነትን፡ ፍቕሪ ኣምላኽን እንተዘይተሰኒኻ ኣብ ፍጽምና ኣይትበጽሕን ኢኻ። ጣዕሳ ኃጢኣትካ ብዘይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽትረክብ ኣይጠቕመካን ኢዩ (1 ቆሮ 13፡3 ረአ)። ንእግዚአብሔር ኣብ ገዛእ ቦታኻ ምቕማጥን ንዓኡ ኣብ ልብኻ ቀዳማይ ቦታ ምሃብን እቲ ዝበለጸ ናብ እግዚአብሔር ዚወስድ መንገዲ ጽድቂ ኢዩ።

ዝኸበርካ ኃወይ! ኣብዙ ተሪፉካ ዘሎ ሓጺር ሕይወት ብኵለንተናኻ ንኣምላኽ ተወፈ፥ እቲ ተሪፉካ ዘሎ ጊዜ ክንደይ ምዃኑ ኣይትፈልጦን ኢኻ፥ ብዘይ መጠን ሓጺር ጊዜ እውን ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ንስኻ ካብ ቅሌታውን፡ ዓለማውን ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ሕይወት ወጺእካ፡ ናብ ትሑትን፡ ተጋድሎ ዚመልኦን፡ ብሕጊ ዝተቐየደን፡ ሕይወት ኣቲኻ ናብ እግዚኣብሔር ክትምለስ ጽዓር።

ነፍስኻ ንምፍቃድ ክሳብ ዕለት ሞትካ ኣይትጸበ፥ ኣብዙ ጉዳይዙይ ክሳብ ሞትካ ምጽባይ ማለት፡ ከም ወዮ! ጠላዕ ዚጻወት እሞ፡ ዘይዒራ ኣብ መወዳእታ ስዒረ ንኵሉ ኪመልሶ ኢየ ዚብል ዓሻ ሰብ ምምሳል ኢዩ። እዙ ተዋሂቡካ ዘሎ መዋዕል ኣብ ዕለት መወዳእታ ፍርድኻ ከሳሲኻ ኮይኑ ከይርከብ፡ጊዜኻ ብኸንቱ ኣይትሓሽሽ። ጊዜ ንዓኻ ስለ ዘይጽበ፡ ንስኻ’ዉን ኣይትጸበዮ። እቶም እግዚአብሔር ብትዕግሥቲ ዚጽበዮም ብልቦም ናባኡ እንተዘይተመሊሶም፡ ኣበርቲዑ ኪቐጽዖም ኢዩ።

እቲ ጊዜ ኣብ ኢድካ ከሎ ንነፍስኻ ፍቐድ፥ ንልብኻ ናብቲ ዚጽውዓካ ዘሎ ኣምላኽ ምለሶ፥ ንሱ ኪቕበለካ ኢዱ ዘርጊሑ ይጽበ ኣሎ። ኣብ ህልውና ኃጢኣት ትርከብ እንተደኣ ኣሊኻ ኮይንካ፡ ንጽባሕ ከይተጸበኻ፡ ካብ ሕጂ ኣትኂዝካ፡ ጠባይካ ኣመዓራሪ።

ዝኃለፈ ጊዜኻ መለበሚ ይኹንካ ደኣ እምበር፡ ብዝኃለፈ ጊዜኻ ኅሊናኻ ኣይተዕርብ። እግዚኣብሔር እቲ ግዙፍ አካልካ ከየጥፍኤ ሓዲሽ ፍጥረት ኪገብረካ ኢዩ ወሲኑ ዘሎ። በቲ ተረፍ መረፍን ዘይጠቅምን ኣቝሑት ገይሩ፡ ሓዲሽ ቤት መቕደስ ሕይወትካ ኢዩ ኪሓንጽ መዲቡ ዘሎ።

ክብሪ ኣክሊል ዚቕበል፡ እቲ ከይሰልከየ ክሳብ መወዳእታ ዚቕጽል ደኣ እምበር፡ እቲ ጀሚሩ ዘቋርጽ ከምዘይኮነ ኣይትረስዕ (ሉቃ 9፡62 ረአ)። ብዙኃት ናብ ኣምላኽ ተመሊሶም ጽቡቕ ይጅምሩ’ሞ ቀልጢፎም ከኣ የቋርጹ፥ እቶም ከየቋረጹ ክሳብ መወዳእታ ዚበጽሑ ግን፡ ቁሩባት ኢዮም። ዚሽለሙ እቶም ክሳብ መወዳታ ጥራይ ዚጸንዑ ስለ ዝኾኑ፡ ንስኻ ከኣ፡ ሠናይ ኣብ ምግባር ጽናዕ (ማቴ 10፡22 ረአ)። ኣኽሊል ክብሪ እትቕበል፡ ጽንዓት ጥራይ ኢያ፥ ንሳ ከኣ ንግሥቲ ጽንዓት ትበሃል (ማቴ 24፡13 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ምሕረት እግዚአብሔር ምእማን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 626
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 21 May 2020, 06:55

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

23- ኣብ ምሕረት እግዚአብሔር ምእማን

እግዚአብሔር ብምሕረቱ ሃብታም ክንዲ ዝኾነ፡ ብርግጽ፡ ንስኻ እውን፡ ብትሩፋት ሃብታም ኢኻ። እቲ መለኮታዊ ጓሳ ዝኾነ ኢየሱስ፡ ነታ ዝጠፍኤት በጊዕ ከናድያ እናኸደስ፡ ነታ ለይትን መዓልትን ካብ ቤቱ ከይወጸት፡ ናብኡ እተእዊ በጊዕ ደኣ ከመይ ገይሩ ከይተገደሰላ ሱቕ ኪብል ኢልካ ትሓስብ? እግዚአብሔር ንኃጢኣተኛታት ናብኡ ኪመጹ ዚጽውዖም ካብ ኮነ፡ ነቶም ለይትን መዓልትን ሕጉ ኪሕልዉ ኢሎም ዚጽዕሩ እሙናት ኣገልገልቱኸ ደኣ፡ ሽሕኳ ብዙኅ ድኻምነት ይሃልዎም እምበር፡ ከመይ ኢሉ ብሸለልትነት ኪርእዮም ይኽእል? ንስኻ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ኣይትደርቶ።

ኣምላኽ ትሑት ብምዃኑ ኪገርመካ ኣይግባእን፥ ብምዘይምግራምካ ከኣ ብፁዕ ኢኻ!። ንእግዚአብሄር እቲ ኣውራ ዜኅዝኖ ነገር፡ ኣብ ምሕረቱ ዘይምእማንን ተስፋ ምቍራጽን ኢዩ። እግዚአብሔር ብዓል ምሉዕ ትዕግሥቲ ኢዩ፥ ምሕረቱ ከኣ ዓቢይን ወሰን ዜብሉን ኢዩ።

ንስኻ ንበደልካ ብእምነት ኣብ መንበረ ታቦት ከተንብሮ እንተኺኢልካ፡ ንእግዚኣብሔር ከኣ ኣብ መደብ ድኅነቱ፡ ፍረ ከምዚህብ ኪገብሮ ኢዩ። ይቕረታ እግዚኣብሔር ንኃጢኣትካ ኪሠርየልካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸጋታቱ ከምብሓዲሽ ይጽጕወካን ዕርክነቱ ከኣ፡ ዳግም የረጋግጸልካን ኢዩ (ሉቃ 15፡22-24 ረአ)።

እግዚአብሔር ሓኪምካ ኢዩ፥ ንስኻ ከኣ ሕክምና ዜድሌካ ሕሙም ኢኻ። እግዚአብሔር ሩኅሩኅ ኢዩ፥ ንስኻ ከኣ ርኅራኄ ዜድሌካ ምሽኪን ኢኻ። ንሱ ካብ ብዝኂ ሕያውነቱ ዝተላዕለ፡ ዋላኳ ንስኻ እንተካሓድካዮ፡ ንሱ ግን ፈጺሙ ኣይክሕደካን ኢዩ። እቶም ኣውራ ንልቢ ኣምላኽ ዜሕጉሱ፡ ጻድቃን ዘይኮኑስ፡ እቶም ብኃጢኣቶም ተጣዒሶም ናብኡ ዚምለሱ ኢዮም (ሉቃ 15፡7 ረአ)። ኢየሱስ ንኃጢኣተኛታት ደኣ እምበር፡ ንጻድቃን ኣይኮነን፡ ንስሓ ኪገብሩ ዚጸውዔ (ሉቃ 5፡32 ረአ)።

ሕያውነት፡ ብተፈጥሮኣ፡ ንኵሉ ኢያ ትጠቅም። እቲ ደረት ዘይብሉ ሕያውነት እግዚአብሔር ከኣ፡ ታሕጓሱ ኪገልጸልካን ኣብ ታሕጓሱ ከሳትፈካን ኢዩ ዚደሊ። መንፈሱ ካብ ምቕጻዕ ምምሓር ኢዩ ዚፈቱ።

ብኃጢኣት እንተተፈተንካ፡ ነቲ ፍትሔኛ ፍርዲ ኣምላኽ ብምዝካር፡ ኣይትኅጠ። ብፈተና ተሸኒፍካ ኣብ ኃጢኣት ወዲቕካ እንተኾይንካ ከኣ፡ ኣብ ምሕረቱ እምነት ግበር። ብዝኾነ ግን፡ ምሕረት ዝተተስፈወ ነቲ ፍርሃት እግዚአብሔር ዘለዎ ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ (ሉቃ 1፡50 ረኣ) ንስኻ ከኣ፡ ዒራ እግዚአብሔር ክምሕረኒ እንድኣሉ ኢልካ ከይትኃጥእ ተጠንቐቕ ኢኻ።

እግዚአብሔር ኪምሕረኒ ኢዩ ኢልካ ተስፋ ገይርካ ኣይትኅጣእ፡ ከመይ እዙ አጉል ተስፋዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጽዩፍ ኢዩ (ኢዮ 11፡20 ረአ)። ብምሕረት እግዚአብሔር እንተተላጊጽካ፡ ፍርድኻ ናብ ኩነኔ ኪቕየር ኢዩ። ድኅነትካ ብገዛእ ኃይልኻ ከምዘምጻእኻዮ ገይርካ ትሓስብ እንተኾይንካ፡ ንምሕረት እግዚኣብሔር ኣሕሲርካዮ ማለት ኢዩ። እትድኅን ብኃይሊ ኣምላኽ እምበር፡ ብኃይልኻ ስለ ዘይኮነ፡ ንስኻ እምነትካ ካብ ኣብ ባዕልኻ፡ ብዚያዳ ኣብዙ መለኮታዊ ምሕረትዙይ አንብሮ (ኦዘጸ 17፡16 ረአ)።

ክትኃጢ ከሎኻ፡ ትርበሽን ዳርጋ ተስፋ ትቈርጽን እንተኾይንካ፡ እዙይ ኣብ እግዚኣብሔር ዘይኮነስ፡ ኣብ ርእስኻ ጥራይ ከምትኣምን ዜምልክት ኢዩ። ትሑት ሰብ ግን፡ ብዝፈጸሞ ኃጢኣት ይሓዝን እምበር፡ አይርበሽን ኢዩ።

ፍርዲ እግዚኣብሔር ኣየናሕስን ኢዩ፥ እንተኾነ ምሕረቱ እውን፡ ወሰን ከምዘይብሉ ፍለጥ። ኃጥያትካ ማእለያ ዘብሉ ኮይኑ ኣብ ባሕሪ ኃጥያት ጠሊቕካ ትርከብ እንተሎኻ እውን፡ ንስኻ ንብዝኂ ሃብቲ ምሕረት እግዚአብሔር ክትግምቶ ስለ ዘይትኽእል፡ ኅሊናኻ ኣይተዕርብ። እግዚአብሔር ኃጢኣተኛ ናብኡ ተመሊሱ ኪድኅን ኢዩ ዚደሊ እምበር፡ ኪመውት ኣይደልዮን ኢዩ (ሕዝ 18፡32 ረአ)።

መዓሙቕ ድኻምነትካ ንመዓሙቕ ምሕረት ኣምላኽ ኢዩ ዚስሕብ። ሕያውነት ኣምላኽ ካብ በደልካ ይዓቢ፥ ካብ ንሱ ኪምሕረካ፡ ንስኻ ክትብድሎ ክትርብርብ ይቐልል። እግዚአብሔር፡ ከም መጠን ሕያዋይ ኣቦ፡ ዚግድሶ፡ በደል ውልዱ ዘይኮነስ፡ ውልዱ ናባኡ ተመሊሱ፡ ብጠባዩ ኪእረም ጥራይ ኢዩ። ነቲ ኣብ ሕይወትካ ዝገበርካዮ ኃጢኣት ዘኪርካ፡ እግዚኣብሔር ኣይምሕረንን ኢልካ ተስፋ ክትቈርጽ ኣይግብእን። ንስኻ ንሕይወትካ ናብ ጽቡቕ እንተቐዪርካዮ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ንፍርዱ ኪቕይሮ ኢዩ።

እቲ ኣብ የማን ኢየሱስ ተሰቂሉ ዝነበረ ሰራቒኳ እምነት ገይሩ ኪልምኖ ዚደፈረስ፡ ንስኻ ደኣ ከመይ ገይርካ ተስፋ ክትቈርጽ ትኽእል? ኣብቱ ንሱ ዝኣተዎ ገነት ንኽትኣቱ ስለምንታይ ትጠራጠር? እቲ ሕይወቱ ዚሠውዓልካ ኢየሱስ፡ ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ዕድልካ እውን ከመዓራርየልካ ኢዩ። እዙ ሓሳብዙይ ምሉእ ተስፋ ኪህበካ ኢዩ ዚግባእ። ኢየሱስ ባዕሉ እንተደኣ ተዋሒሱካ ብዝኂ ኃጢኣትካ ከሰንብደካ ኣይግባእን።

ብኃጢያትካ ትሓዝን እንተኾይንካ፡ ብኢየሱስ እመን፥ እቲ ንዓኻ ከድኅን ኢሉ ሕይወቱ ዚሠውዔ ኢየሱስ፡ ከመይ ገይሩ ኪዅንነካ ይኽእል? መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ኢየሱስ፡ ሥጋ ለቢሱ ኢዩ ዚርከብ። ነፍስወከፍ ሰብ፡ ብኢየሱስ ድኅነት እግዚአብሔር ርእዩ ኢዩ (ሉቃ 3፡6 ረአ)። ኣብ ባዕልኻ ፈጺምካ ተስፋ ከይገበርካ፡ ብእምነትካን ብተስፋኻን ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ጥራይ እንተደአ ተጸጊዕካ፡ ንኵሉ ኪትበጽሖ ኢኻ (ፊሊጵ 4፡13 ረአ)።

ኃጢኣትካ ናብቲ ምሕረት ዚመልኦ ልቢ ኣምላኽ ምስ ኣእተኻዮ፡ ናብ ባሕሪ ውቂያኖስ ከም ዝተደርበየ ቍልዒ ሓዊ ኪኸውን ኢዩ። ነቶም ኵሎም ተጣዒሶም ናብኡ ዚምለሱ፡ ምሕረትን ይቕረታን ኣምላኽ ክንደይ ዓቢይ ይመስለካ!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምሥጢረ-ኑዛዜ ምስ እግዚኣብሔር ይዓርቀና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:


Meleket
Member
Posts: 626
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 May 2020, 10:25

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

24 - ምሥጢረ-ኑዛዜ ምስ እግዚኣብሔር ይዓርቀና

ድኅነት ንኽትረክብ ገና ጊዜ ከሎካ፡ ብዝገበርካዮ በደል ተጠዓስ። ካብዙ ዓለምዙይ ምስ ተሰናበትካ፡ ንስሓ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ክትናዘዝ እውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ኪፍውሰካ ዚኽእል ሓኪምካ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ተማኅፀኖን ለምኖን። ኢየሱስ ብምሥጢረ ኑዛዜ ገይሩ፡ ብደሙ ዝተሰርሔ ፈውሲ ቀሪቡልካ ኣሎ። እዙ ምስ እግዚአብሔር ዚዓርቀካ ምሥጢረ ኑዛዜ፡ ንቓል መንፈስ ምቝሉል ከምትኸውን እናገበረ ንነፍስኻ የንጽሖ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣምላኽ ተፈታዊ ይገብረካ፡ ብነፍስኻ ከኣ ንኽርስቶስ ከምትመስል ይገብረካ።

ምሥጢረ ኑዛዜ ምስታ ብኃጢኣትካ ዘቝሰልካያ ምስጢራዊት ዝኾነት ሰብነት ክርስቶስ ቤተክርስትያን ዘተዓርቕ መጋበሪ ኢዩ። ሓዲሽ ሕይወት ክርስትና ንምርካብ ኣብ ቅዱሳት ምሥጢራት ንምስታፍ ዚግበር ጻዕሪ ኢዩ። እወ፡ ምሥጢረ ኑዛዜ፡ ካልኣይ ተኣምራዊ ጥምቀት ኢዩ። እግዚኣብሔር ብፍርዲ ሓዊ ገይሩ ብኽርስቶስ እንብጀወሉ ምሥጢረ ኑዛዜ ኢዩ።

ዕቤት ኑዛዜኻ ዚምዘን፡ ኣብኡ ብእትኅልፎ ንውኂ ጊዜ አይኮነን፡ እንታይድኣስ ብእተርእዮ ጣዕሳ ኢዩ። ንኑዛዜ ብእትገብሮ ምስንዳው ውጽኢት ሥሬት ኃጢኣትካ ክትርኢ ኢኻ። ብኣፍካ እትገብሮ ኑዛዜ፡ ይቕረታ እትቕበለሉ ዋሕስ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ኵሉ ምንጪ ግን፡ ካብ ጽቡቕ ስምዒት ልብኻ ኢዩ ዚውለድ። ጣዕሳ ዚበሃል ድሌት እምበር፡ ስምዒት ኣይኮነን።

ጣዕሳኻ ብተንኰል ዘይኮነስ፡ ብገርህነት ልቢ ምስ ትፍጽሞ፡ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ኪመርሓካ ኢዩ (ኢሳ 38፡17 ረአ)። ንበደልካ ተመኻኒየሉ እንተኾይንካ ጣዕሳ ከምዘይብልካ ፍለጥ። ንስኻ ክሳብ ዚከኣለካ ብኃጢኣትካ ብኸ። ንብዓት፡ ደም እታ ብሓቂ ተጣዒሳ እትናዘዝ ነፍሲ ኢዩ (ቅ. ኣጎስጢኖስ፡ ስብከት 351፡ 4:7) ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ኣይትጠራጠር። እግዚኣብሔር፡ ምሳኻ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ኪዳን ተኺሉ ይርከብ (ኢስ 16፡60 ረአ)።

እቲ ንኃጢኣተኛታት እምበር ንቕዱሳን ከምዘይተላእኸ ዝገለጸ ኢየሱስ (ማር 2፡17። ሉቃ 19፡10 ረአ) ኣብ ሰማይ ዓቢይ ሓጐስ መላእኽቲ ዝተሓወሶ (ሉቃ 15፡7 ረአ) ምሕረቱ እናፍሰሰልካ፡ ብዓጀባን ብይቕርታን፡ ኢዩ ዚቕበለልካ። ብርግጽ፡ ንስኻ ኃጢኣኣት ምስ ትፍጽም፡ ጽዩፍ ነገር ኢዩ። ግን ድኃር፡ ኑዛዜን ጣዕሳን ምስ ኮነ፡ ክብርን ጥዕናን፡ ኢዩ ዚዘርአልካ። ፍቕሪ ኢየሱስ ስቑል፡ ካብ በደልካ ኢዩ ዚዓቢ።

እቲ ንጴጥሮስ ነቲ ሕያዋይ ሰራቕን እተለገሰ ምሕረት፡ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዓቐን ዘይብሉን ንዝኾነ ይኹን ዝተናዘዝካዮን ዝበኸኻዮን ኃጢኣት ኬጥፍእ ዚኽእል ፍቕሪ ከምዘሎ ኢዩ ዚምስክር።

ብኃጢኣትካ ክትጠዓስ ደኣ እምበር፡ ክትጠፍእ ስለ ዘይደልየካ (2 ጴጥ 3፡9 ረአ)፡ እግዚኣብሔር ምስኻ ዓቢይ ትዕግሥቲ ኢዩ ዚገብር። ንስኻውን ከም ማርያም መግደላዊት ተጣዒስካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ፡ ምኽትል ክርስቶስ ዝኾነ ካህን ሳላ ቅድስናኡ ከኣ፡ ምሕረት ኃጢኣትካ ክትቕበል ተንበርኸኽ።

ክርስቶስ ብዘይ ቤተ ክርስቲያን ኃጢኣትካ ኪሠርየልካ ኣይደልን ኢዩ። ከምኡውን ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ክርስቶስ ኃጢኣትካ ክትሠየልካ ኣይትኽእልን እያ። ምስ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ከይገበርካ፡ ምስ እግዚአብሔር ሰላም ክትገብር አይትኽእልን ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ካልኣይ ክፍሊ ጕዕዞ ቅድስና” ናብ ዚብል ኣርእስቲ ክንሰጋገር ኢና፣ ህድእ ኢልና ድማ “ተጋድሎ ቅድስና
መዓዛ ቅድስና
ምዕባሌ ቅድስና
ንዝበደለካ በደሉ ኅደገሉ
ይቕረ ኪበሃለልካ፡ ይቕረ በል
ኣመልካ ኣርም
ሕድሕዳዊ ምትእርራም
መንፈሳዊ ንጽሕና ሰብነት
መንፈሳዊ ንጽሕና ልቢ
ወዘተ”
ንዚብላ ኣርእስትታት ብምድህሳስ ትሕዝቶኣን ክንቋደስ ኢና።

መዓዛ ቅድስና ዝዓሰሎ ቅንያት ናጽነት ኤርትራ ይግበረልና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 626
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 29 May 2020, 02:47

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

ካልኣይ ክፍሊ ጕዕዞ ቅድስና

25- ተጋድሎ ቅድስና


ንስኻ ክትቅደስ እንተደሊኻ ተግባር ቅድስና ክተዘውትር ጀምር። ተግባር ደኣ እምበር፡ ጽቡቕ ድላይ ጥራይ ኣይኣክልን ኢዩ። ንጽቡቕ ነገር ምዝውታር ደኣ እምበር፡ ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ጥራይ ምፍላጥ ኣይኣኽልን ኢዩ። ከይጸዓርካ እግዚኣብሔር ቅድስና ንኽህበካ ምልማን፡ ብሓደ ኣፉ ንእግዚአብሔር ምፍታን ማለት ኢዩ።

ንስኻ፡ ንቕድስና ክትውንን እትኽእልን ኣንፃር ክፉእ ኣመልካ እውን ክትዋጋእ እትኽእል፡ ብምንባብን ብምስማዕን ጥራይ ኣይኮነን ዚጥረ፡ እንታይድኣስ ቅድሚ ኵሉ፡ ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ እንተተጸሚድካ ኢዩ። ብኣመልካ እንተተሸጊርካ፡ ነቲ ኣንፃር ክፉእ ኣመልካ ዝኾነ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኃይሊ ክተጥሪ ጽዓር። ጽቡቕ ልብሲ መንፈሳዊ ኃይሊ ምጥራይካ ወይ ዘይምጥራይካ እትፈልጦ፡ ነቲ ኣንፃሩ ዝኾነ ክፉእ ኣመልካ ኣብ ርእስኻ ብምምርማር ኢዩ።

ንስኻ፡ ናብ ቅድስና እትበጽሕ፡ ምስ ተፈተንካ ጥራይ ኢዩ። ብፈተና ከይበሰልካ፡ ኣብ ቅድስና ክትበጽሕ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ከምኡ እውን ሓሳረ መከራ ከይጠዓምካ፡ ትዕግሥቲ ክተጥሪ፥ ከይተዋረድካ ትሕትና ክትለብስ፥ ብስእነት ከይተጨነቕካ፡ ናይ ድኽነት መንፈሳዊ ብጽዕነት ክትረክብ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን ኢዩ።

ንናእሽቱ መንፈሳዊ ተጋድሎ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ መዓልቲ መጸ እንድኅሪ ኣዘውቲርካዮም፡ ብረድኤት ኣምላኽ፡ ዓቢይ ነገር ንኽትፍጽም ኪሕግዙካ ኢዩ። ትርጉም ቅድስና፡ ንናእሽቱ ነገር ብጽቡቕ ምፍጻም ደኣ እምበር፡ ዓበይቲ ነገራት ምፍጻም ማለት አይኮነን። ቅድስናኻ ዚምዘንን ዚግለጽን ኣብቲ መዓልቲ መጸ እትገብሮ ስራሕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ብእትፍጽሞም ነገር ኣይኮነን።

ንስኻ፡ ወርኂ ወርኂ፡ ብተገዳስነት ሓንቲ መንፈሳዊት ኃይሊ ጥራይኳ ከተጥሪ ኢልኻ ቁርጺ ፍቓድ እንተትገብር፡ ብውሑድ ዓመታት፡ ኣብ ዓቢይ ፍጽምና ምበጻሕካ ነይርካ። ብዝኾነ፡ ናይ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይላት ነፍሲ፡ ፍቕሪ ምዃኑ ኣይትረስዕ ኢኻ። ንሓደ መንፈሳዊ ኃይሊ እንተደኣ ኣሠልጢንካ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ነቶም ካልኦት መንፈሳውያን ኃይላት ተሠልጥኖም ከምዘሎኻ ፍለጥ።

እዙይ ከኣ ከምቲ ጩራታት ካብ ሓደ ፀሓይ ዚምንጭዉ፡ ከምኡ ከኣ ምንጪ መንፈሳዊ ኃይላት ዚምንጭዉ ካብ ሓደ ኣምላኻዊ ብርሃን ኢዮም። ንሳቶም፡ ኣብ መንጎኣቶም ኪፈላለ ዘይኽእል ናብ ምርኽኻብ ባህሪ ኣለዎም። ሓደ መንፈሳዊ ኃይሊ ብዘይ ካልእ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ወይ ኣብ ቅድስና ዘየብጽሕ ኢዩ ወይ ከኣ ብተግባር ዘየሎ ኢዩ። ንስኻ መምህር ኮይንካ፡ እቲ ንኻልኦት እተምህሮ ነገር፡ ኣቐዲምካ ባዕልኻ ትሕልዎን ተኽብሮን እንተደኣ ኾይንካ፡ ተምሃሮኻ ንትምህርትኻ ኪቕበልዎ ኢዮም፡ ስራሕካ ከኣ ጽቡቕ ኪካየድ ኢዩ።

ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሕይወትካ፡ ተቓሊስካ ከተጥርዮም እትደሊ መንፈሳውያን ኃይላት፡ ሓደ መሪጽካ ብኣኡ ክትጅምር እንተደሊኻ፡ በቲ ብፍላይ ንጸዋዕታኻ ዜድልየካ መንፈሳዊ ኃይሊ ክትጅምር ይግባእ እምበር፡ ብቓሕታኻን ብባህግኻን ጥራይ ተመሪሕኻ ክትከይድ ኣይግባእን።

ብቕድስና ንኽትነብር ብሓሳብ ምጽዓር ጥራይ ዘይኮነስ እንታይደኣ ንድኹማት ዜዕንቅፍ ስራሕ ከይገበርካ፡ ብሕይወትካ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብቕድስና ከምትነብር ግበር። ከምዘይትመውት ገይርካ ብምሕሳብ ኵሉሻዕ ጽቡቕ ግበር፥ ምሸት ምሸት ከኣ ከምትመውት ገይርካ ብምሕሳብ ክፉእ ነገር ኣይትግበር። እቲ ንሰብ ከይትፈርድ ኢሉ ዘጠንቐቐካ ኢየሱስ (ማቴ 6:1 ረአ)፡ ጽቡቕ ተግባርካ እናረኣዩ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻ ምእንቲ ኪውድሱ፡ ብርሃንካ ኣብ ቅድሚኦም ከተብርሆ ከምዘሎካ እውን ምዒዱካ ኢዩ (ማቴ 5፡15 ረአ)

ዝኸበርካ ኃወይ! ዓበይቲ ነገራት ክትገብር ኢልካ ሃረር እናበልካ ንበር’ሞ፡ ኣብ ጎደና ፍጽምና ብዙኅ ክትስጉም ኢኻ። እቲ ቀዳማይ ሓሳብካን ጻዕርካን፡ መስቀልካ ብትዕግሥቲ ካብ ምሽካም፡ ካብ መስቀልካ ምህዳም እንተደኣ ኾይኑ፡ ንርእስኻ ካብ ምኽሓድ ንርእስኻ ምክልኻል እንተደኣ ኾይኑ፡ ሕይወትካ ካብ ምውፋይ፡ ሕይወትካ ምድኃን እንተደኣ ኾይኑ፡ ንስኻ ሓቀኛ ተኸታሊ ክርስቶስ ከምዘይኮንካ ፍለጥ (ማር 8፡34-45 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መዓዛ ቅድስና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply