Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 25 Aug 2022, 10:13

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

111 - ኣብ ልግሲ ዚርከብ ልዑል ሓጐስ

ንኵሉ ሰብ እናፍቀርካን እናገልገልካን ብዝኸድካዮ መጠን፡ ብእኡ መጠን ከኣ፡ እናዓበኻን ፍጹም እናዀንካን ክትከይድ ኢኻ። ብሓቂ፡ ብኵለንተናኻ ንኻልኦት ንኽትውፈ፡ ብርቱዕ ድሌት ኪህልወካ ይግባእ! ካብ ኵሉ ስሚዒታዊ ፍቕርን ጽልእን ናፃ ኮይንካ፡ ብኣምላኽ ንኵሉ እናሓቈፍካ፡ ኃው ኵሉ ክትከውን ጽዓር።

መዓልቲ መጸ፡ እቲ ጐይታና ብለጋስነት ክትፍጽሞ ኢሉ ዚህበካ ዕድል ብኸንቱ ኣይተጥፍኣዮ፥ እንተዀነ፡ ንኻልኦት ጽቡቕ ዘይገበርኩ ኢልካ እውን፡ ብዙኅ ኣይትሸገር። ታሕጓስ ዚርከብ ኣብ ምሃብ እምበር ኣብ ምቕባል ኣይኮነን። ታሕጓስ እትረክብ፡ ጽቡቕ እንተገይርካን፡ ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ኵሎም፡ ሓጐስ እንተኅዲርካሎምን፡ ንሰባት ፍሽኽታ እንተፈጢርካሎምን፡ ንብዓት ሰብ እንተሓቢስካን ኢዩ። ብሓቂ ሕጉስ ኮይንካ እትርከብ፡ በቲ ንኻልኦት ክትህቦን ክትገብሮን እትኽእል ጻዕሪ ኢዩ።

ንበይንኻ ሕጉስ ክትከውን መሰል ስለ ዘይብልካ፡ ንሕይወትካ ምእንቲ ካልኦት ክትሥውዕን፡ ልብኻ ንኵሉ ክፉት ክትገብርን ይግባእ፥ ከምዙይ ምስ ገበርካ ኢኻ፡ እቲ ኣብ ምሃብ ዚርከብ ልዑል ሓጉስ ከተስተማቕሮ እትዥምር፥ ካብ ብምቕባል፡ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ይበዝኅ፡ ዚብል ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ማዕረ ክንደይ ሓቂ ከምዝዀነ ኪርድኣካ ኢዩ (ግሓ 20፡35 ረአ)።

ንገዛእ ርእስኻ ቅድሚ ምሕሳብ ንኻልኦት ምሕሳብ ተላመድ፡ ብኵለንተናኻ ንኻልኦት ምእንቲ ከተገልግል፡ ካብ ፍቕሪ ገዛእ ነፍስኻን ሥሠዔን ናጻ ኹን፥ ጽቡቕ ተግባር ካብ ምግባር ዚበልጽ ነገር የልቦን፥ ነቶም ሓደኳ ዜፍቅሮም ዘይብሎም እንተተፍቅር ወይ ከኣ ምስቶም ዚሓዝኑ ሰባት ኃቢርካ እንተትሓዝን፡ ክንደይ ጽቡቕ ነገር ምገበርካ ነይርካ!

ንስኻ እውን ከምቶም ብጥዑም ዘረባ ጥራሕ ንዓለም ኪቕይርዎን ከመሓይሽዎን ዚደልዩ ሰባት ኣይትኹን፥ ንዓለም ብሓቂ ክትቕይሮን ከተመሓይሾን እንተደሊኻ፡ ምእንቲ ካልኦት ቢልካ ንገዛእ ሕይወትካ ብፍቕርን ብመሥዋዕትነትን ክትውፊ ይግባእ። ፍልጠትካ ካብ ፍቅርካ ዝዓዘዘ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደጋ ነፍሲ ንኸይትወድቕ ተጠንቀቕ።

ንድኻን፡ ሰብ ንዘይብሎምን፡ ንህሙማት ኣኅዋትን ንኽትሕግዝ ጸዓር፥ እትህቦ ነገር እንተስኢንካ ከኣ፡ ሕያውነትካን ልብኻን ሃቦም። ንብጻይካ ኣብ ሕማሙ ምሕጋዝ ማለት፡ ንሓደ ኣብ መስቀል ሕማም ዝተሸንከረ ኃው፡ ነቲ ሸንኪሩዎ ዘሎ መስማር ምውጻእ ማለት ኢዩ።


ንስቓይ ካልኦት፡ ከም ገዛእ ስቓይካ ገይርካ ንኽትርእዮ ጽዓር። ኵሉ ሰብ፡ ዋላ እቲ ምስ ኵሉ ዘይሰማማዕ ሰብ ገለ ጽቡቕ ነገርስ ኪገብር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ካባኻ ሓንቲ ነገር ዘየድልዮ እንከሎ ፍቕሩ ዚልግሰልካን ምእንታኻ ኢሉ መሥዋዕቲ ዚኸውንን፥ ዘይቕየር ሰብ የልቦን። ንእግዚኣብሔር ከምተፍቅሮ ዝበለጸ መረጋገጺ ፍቕሪ ብጻይ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ጐይታ ክነሱ፡ ኣቦ ኢልኩም ጸውዑኒ ኢዩ ኢሉና። ኣብዙ ምድራዊ ሕይወትካ፡ ናይ እግዚኣብሔር ምስልን፡ ብርሃንን፡ እቲ ዝበለጸ ምስክር ኣምላኽን ንኽትከውን ጽዓር፥ እዙይ ከኣ፡ ብሕያውነትካን በቲ ነኅዋት እተርእዮ ውዑይን ተግባራውን ዝኾነ ፍቕሪ ብጻይ ኣብ ገጽካ ኪረኤ ይግባእ። ልብኻ ካብ ምህራም ክሳብ ዘቋርጽ፡ እታ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዘላ ነበልባል ፍቕሪ ፈጺማ ክትጠፍእ የብላን። መምዘኒ ክርስትናኻ ፍቕርኻ ኢዩ። ክርስትናን ፍቕርን ተመሳሰልቲ ዝኾኑ ቃላት ኢዮም። ሕመረታ ቅድስና ዚበሃል፡ ናይቲ ምእንቲ ፍቕሪ ኣኅዋቱ ኢዩ ሕይወቱ ዚሥውዕ ሰብ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “እግዚኣብሔር ኵሉ ጊዜ ምሳኻ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 02 Sep 2022, 10:35

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

112- እግዚኣብሔር ኵሉ ጊዜ ምሳኻ ኢዩ

ዋላ እኳ ንስኻ ምሳኡ እንተዘየሎኻ፡ እግዚኣብሔር ግን ኵሉ ጊዜ ምሳኻ ኣሎ፥ ዋላኳ ንስኻ ካብኡ እንተረሓቕካ፡ ንሱ ካባኻ ኣይርሕቕን ኢዩ፥ ዋላኳ ንበይኑ እንተኃደግካዮ፡ ንሱ ንበይንኻ ኣይኃድገካን ኢዩ። ዋላኳ ንስኻ ኣብ ውሽጡ እንተዘየሎኻ፡ ንሱ ኣብ ውሽጥኻ ኣሎ፥ ዋላኳ እንተረሳዕካዮ፡ ንሱ ኵሉሻዕ ንዓኻ ኺሓስብን ብዘይምቝራጽ ኪደምዓካን ኢዩ ዚነብር።

ከምቲ ዑፍ ዝነፈረ እንተነፈረ ዘተንፍሶ ኣየር ዘይስእን፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ ናብ ዝኸድካ ኬድካ እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ካባኻ ከምዘይፍለ ፍለጥ። እቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ዘሎስ፡ ኣበይ ኢዩኸ ዘይርከብ? ንሰማይን ምድርን ዚመልኦ እግዚኣብሔርዶ ኣይኮነን? (ኦዘ 23፡24 ረአ)፥ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ ትነብር፡ ኣብኡ ኢኻ ትንቀሳቐስ፡ ኣብኡ ኢኻ ዘሎኻ(ግሓ 17፡28 ረአ)። ካብ ኵሉ ህልውና፡ እቲ ሓቀኛ ህልውና፡ ህልውና ኣምላኽ ኢዩ። ብዘይ ኣምላኽ ከኣ፡ ሓንቲ ኣይምሃለወን። እግዚኣብሔር ንዓኻ፡ ካብቲ ባዕልኻ ንርእስኻ እትፈልጦ ኅልፊ ኢዩ ዚፈልጠካ።

ካብኡ ርሒቕካ ክትኅባእ እንተደሊኻ እውን ኵሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ዓይኑ ስለ ዚርከብ፡ ካብኡ ክትኅባእ ኣይትኽእልን ኢኻ (1ቆሮ 2፡11 ረአ)።
እግዚኣብሔር ንልብን ንኵላሊትን ዚፍትሽ ኣምላኽ ኢዩ (ኤር 11፡20: 17፡10: መዘዳ 7፡10 ረአ)፥ እግዚኣብሔር ንዝተኃብኤ ኢዩ ዚርኢ (ማቴ 6፡4. 6፡18 ረአ)፥ ኵሉ ተግባርካ ንእግዚኣብሔር ግሉጽ ኢዩ። ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዚሃድም ኣየናይ ዓለም ኢዩ እሞ፡ ኪቅበሎ ዚኽእል? ንስኻኸ፡ ናበይ ኬድካ ኢኻ እሞ፡ ካብኡ ክትኅባእ እትኽእል? (መዳ 139፡2-11 ረአ)።

ካብ ዓይኒ እግዚኣብሔር ርሑቕ ዝኾነ ነገር ስለ ዘየሎ ኣብ ራሕቂ ኣይትእመን። እቲ ንዓለም ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ፡ ካብኡ ርሒቕካን ካብኡ ተኃቢእካን ክትነብር ኣይከኣልን ኢዩ። ኣብ ዝኸድካ ከይድካ፡ ዝገበርካ እንተገበርካ፡ ብርሃን ይሃሉ፡ ጸልማት ይሃሉ፡ ዓይኒ እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ኢዩ ዚከታተለካ (መጻ 23፡13 ረአ)።

“ኻባኻ ናበይ ክኸይድ ኢየ፥ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም ኢየ። ንሰማይ እንተዓረግኩ ንስኻ ኣባኡ ኣሎኻ፥ ኣብ ዓዲ ምውታን እንተ ደቀስኩ፡ እነሆ፡ ንስኻ ኣባኡ ኣሎኻ። ነፊረ ክንየው ምብራቕ እንተተኃባእኩ፡ ወይ ከኣ፡ ኣብቲ ዝረሓቐ ወገን ምዕራብ እንተተቐመጥኩ፡ ንኽትመርሓንን ንኽትድግፈንን ኣብኡ ኣሎኻ። ጸልማት ይኸውለኒ፥ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ፡ ለይቲ ይኹን እንተ በልኩ፥ ንዓኻስ ጸልማትኳ ኣይጽልምተካን፥ ለይቲ ከኣ፡ ንዓኻ ከም መዓልቲ ኢዩ። ጸልማትን ብርሃንን ንዓኻ ሓደ ኢዩ” (መዳ 139፡7-12 ረአ)።

ዓይኒ ኣምላኽ ምሥጢር ልብኻ ኢዩ ዚፈልጥ። ንእግዚኣብሔር ሓሳብካ እውን ኣይኽወሎን ኢዩ (ሲራ 42፡18: መዳ 44፡22 ረአ)። ሰብ ኣብ ግዳም ኮይኑ ወይ ኣብ ብርሃን ፀሓይ ኮይኑ ካብ ዚርእዮ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ፡ ኣብ ጸልማት ኮይኑ ዚርእዮ ይበልጽ።
እግዚኣብሔር መንፈስ ክንዲ ዝኾነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ መዓሙቕ ነፍስኻ ዘሎ ኵሉ፡ ካብቲ ዝኾነ ይኹን ግዙፍ ነገር ኣብሊጹ ኢዩ ዚፈልጦ። ዜዅርዕ ተግባር ክትገብር ከሎኻ፡ ጽቡቕ ነገር ምኳኑ ስለ እትፈልጥ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ተገቲርካ ኢኻ ትጀሃረሉን ትሕበነሉን፥ ዘየኵርዕ ነገር እንተኾይኑ ግን፡ ካብ ዓይኒ ሰብ ኢኻ ትኅባእ፡ ምኽንያቱ ከኣ ክፉእ ነገር ስለ ዝገበርካ፥ እንተኾነ ግዳ፡ ካብ ዓይኒ ሰብ እኳ እንተተኃባእካ፡ ካብ ዓይኒ ኣምላኽስ ክትኃባእ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ንኣብነት፡ ሰብ ኣኪብካ ጽያፍ ዘረባ ክትዛረብ ዘሕፍረካ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ ደኣ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ኵሉ ዚርከብን፡ ኵሉ ዚርእን፡ ኵሉ ዚሰምዕን፡ ጽያፍ ትዛረብ? ንፈተናኻ፡ ክትስዕር እንተደሊኻ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ከምዘሎን፡ ካብ ምዝካር ዝበልጽ የልቦን።


ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምህላውካ ወትሩ እናዘከርካ እንተነቢርካ፡ ንእግዚኣብሔር ዜሕዝን ተግባር ካብ ምፍጻም ክትቍጠብ ኢኻ (ጦቢ 13፡18 ረአ)። ኣብዙ ዓለምዙይ ንእግዚኣብሔር ብኣካል ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። እግዚኣብሔር፡ ሙቐቱ ንደመና ሰንጢቑ ናባኻ ዚመጽእን ምሳኻ ቀረባ ከምዝኮነ ኬፍልጠካ ኢሉ ከኣ፡ ብሃፋ ሙቐት-ፍቕሩ ዜውዕየካ፡ ኳዕ ዝበለ ፀሓይ ኢዩ።

ህልውና ኣምላኽ፡ ንኵሉ ፍጡር ብፍቕሩ ዚሓቍፍ (መጥ 11፡24 ፥ ዘዳ 139 ረአ) ሕይወት ዚዘርእ፡ መንፈሳዊ ኣካል ኢዩ (ግሓ 17፡25-28 ረአ)። ብዝከኣለካ መጠን፡ ሓሳባትካ ናብ ናይ ዓለም ነገር ከየዘንበልካ፡ ካብ ዘይረብሕ ሃጠውቀጠው ዘረባ ርሒቕካ፡ ምስ እግዚኣብሔር ብጸሎት ንኽትራከብ ጸዓር።

ንእግዚኣብሔር ብዓይኒ ሥጋ ስለ ዘይትርእዮ፡ ቀልጢፍካ ኢኻ ትርስዖ፥ ከምዘየሎ ኰይንካ ኢኻ ትነብር። ንበይኑ ኃዲግካ፡ ኣብ ሽሕ ዘየርብሓካ ጕዳያት እዙ ዓለምዙይ ተዋሒጥካ ብምንባር ንኢየሱስ ኣይተሕዝኖ፥ እቲ ሕጂ እተካይዶ ዘሎካ ጕዳይ እውን፡ ንዕኡ ዜሕዝን ይኸውን (ኦዘ 17፡1 ፥ ጦቢ 4፡5 ረአ)። ንልብኻ ከየቋረጽካ ንእግዚኣብሔር እተምልኸሉ ቤተ መቕደስ ከምዝኸውን ግበር (ዮሓ 14፡23 ረአ)። ንኵሉ ስራሕካ ኣብ ትሕቲ ዓይኒ ኣምላኽ ኮይንካ እንተፈጺምካዮ፡ መንፈሳውነትካ ኣይከቋርጽን ኢዩ፥ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ኵሉ ሻዕ ምሳኻ ከምዘሎ ኣይትረስዕ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣምላኽ ንበር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 08 Sep 2022, 04:14

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

113 - ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣምላኽ ንበር

ንእግዚኣብሔር፡ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮካ፡ በኅልፊ ከኣ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ከምዚነብር ግበሮ። እዙ ፍሉይ ዝኮነ ንምድራዊ ሕይወትካ ናብ መንግሥተ ሰማይ ኪቕየሮ ኢዩ። እግዚኣብሔር ምስቶም ከም ኤሊያስ ነብይ (1መነገ 17፡1 ረአ) ኣሚኖምን ኣባኡ ተስፋ ኣኅዲሮምን ኣብ ትሕቲ ዓይኑ ዚነብሩ ኢዩ ዚርከብ (መዳ 16፡8 ፥ 23፡4 ረአ)።

ኣብ መንጎ እቲ እተካየዶ ስራሕ፡ ጸጸኒሕካ፡ ዋላ ንቝርብ ጊዜ ናብ ልብኻ ተመለስ እሞ፡ ነቲ ክቡር ዝኾነ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ጋሻ ኢየሱስ ዘክር። ከምዙይ ምግባር እንተለሚድካ፡ ንሱ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ኪዛረበካ ኢዩ። ከይተዛረብካ፡ ብልብኻ ጥራሕ ኣብ ትሕቲ ዓይኒ ኣምላኽ ምንባር፡ እዙይ ፍጹም ጸሎት ኢዩ (ኦዘ 17፡1 ረአ)። ከምቲ ኢየሱስ ንእግዚኣብሔር ኣቡኡ ብኵሉ ነገር ኬሕጕሶ ዚጽዕር ዝነበረ፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እተፍቅሮ ሰብ ክትነብር ከሎኻ ከተሕጕሶ ኢኻ ትጽዕር።

ከምቲ ኣብ ጸላም ብዓይንኻ ከይረኣኻዮ፡ ግን ምሳኻ ሰብ ኃቢሩ ኪርከብ ዚኽእል፡ ከምኡ ከኣ እግዚኣብሔር ምሳኻ ከምዘሎ እመን። ምስ እግዚኣብሔር ኃቢርካ ንኽትነብር፡ ወይ ከኣ ህልውናኡ ንኽተስተማቕር፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዘይኮነ ነገር ኵሉ፡ ምእንትኡ ኢልካ፡ ከምዘየሎ ገይርካ ቍጸሮ፥ ኣብዙ ዓለምዙይ ከኣ ብዘይካኡን ብዘይካኻን ካልእ ከምዘየሎ ገይርካ ንበር።


ንእግዚኣብሔር ኣብ መዓልቲ ብዙኅ ሻዕ ክትዝክሮ ጸዓር እሞ፡ እቲ መንፈሳዊ ህልውናኡ ኬሕጕሰካ ኢዩ። ኣብዙ ዓለም ከሎኻ፡ መንግሥተሰማያዊ ዝኾነ ሰላም ከተስተማቕር እንተደሊኻ፡ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦኻ፡ ትሑትን ፍቕሪ ዚመልኦን ዘረባ ንምዝራብ ልመድ። ኣብ ውሽጢ ልብኻ፡ ንበይንኻ፡ ጣልቃ ሰብ ዘይብሉ፡ ምስ ኣምላኽካ ጥራሕ ምዃን፡ ኣየ! ክንደይ የሕጕስ ኢዩ!።

ንእግዚኣብሔር እንተ ኣፍቂርካ፡ ልብኻ ኣብቱ መዝገብካ ዚርከቦ ስለ ዚርከብ፡ ንዓኡ ክትሓስብ ክትነብር ኢኻ (ማቴ 6፡21 ረአ)። ንብጻይካ ብዝኾነ ይኹን መልክዕን መስፈርን ኣፍቅሮ፡ እቲ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ጸሎት እትረኽቦ ታሕጓስ ምስ ካልእ ታሕጓስ ኪነጻጸር ኣይኽእልን ኢዩ። ምስ እግዚኣብሔር ዓሚቝን ሰፊሕን ዝኾነ ኅብረት መሥሪትካ ትነብር እንተኾይንካ፡ ሥላሴ ኣባኻ፡ ቤቶም ኪሓንጹ ኢዮም፥ ቤቶም ኣባኻ ኪሓንጹ ከለዉ ከኣ፡ ብጸጋኦም ጥራሕ ዘይኮነስ (ዮሓ 14፡23 ረአ) በቲ ኪንገር ዘይከኣል፡ ህልውናኦም እውን ኢዮም ዜህብትሙኻ። እቲ ዝበለጸ ናትካ ውሕስና ምስ እግዚኣብሔር ምንባር ኢዩ።

ምስ ኣግዚኣብሔር ምህላውካ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ምሳኻ ምህላዉ እንተፈሊጥካ፡ እንታይ ዜሻቕል ነገር ኣሎኻ? ምስ እግዚኣብሔር ዓሚቝ ሰላም ክትረክብ ኢኻ (መዳ 16፡11 ረአ)። “እግዚኣብሔር ምሳይ ኢዩ፥ ኣይፈርህን ኢየ፥ ሰብከ እንታይ ኪገብረኒ ይኽእል? ምሳይ ኮይኑ ዚረድኣኒ እግዚኣብሔር ኢዩ፥ ጸላእተይ ተሣዒሮም ክርኢ ኢየ” (ዘዳ 118፡6-7) እግዚኣብሔር፡ ምስቶም ብልቢ ዚደልይዎ ኢዩ ዚርከብ፥ ንሃንቀውታኦም ይሰምዕ ኢዩ፥ ናብ ዚኸድዎ ጠፊኢዎም፡ ናብዚ ናብቲ ኪብሉ ከለዉ፡ በቲ ሓቀኛ መንገዲ ዚመርሖም ንሱ ኢዩ። “ኣብ ኵሉ ተግባርካ ንእግዚኣብሔር ሕሰብ፥ ንሱ ከኣ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ኬርእየካ ኢዩ” (ምሳ 3፡6 ረአ)።

እግዚኣብሔር ምሳኻ እንተኾይኑ፡ ዘይከኣል ነገር እንታይ ኣሎ? “እግዚኣብሔር ኩሉሻዕ ምሳይ ከምዝኾነ እፈልጥ ኢየ፥ ምሳይ ስለ ዝኾነ ድማ ኣይናወጽን ኢየ” (ዘዳ 16፡8 ረአ) ከምቲ ዓሣ ካብ ማይ ወጺኡ ኪነብር ዘይኽእል፡ ንስኻ ከኣ፡ ብዘይ ጸሎት ምንባር ክሳብ ትስእን፡ ምስ እግዚኣብሔር ጥቡቕ ኅብረት እንተትገብር ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ! እቲ ኣብ ሰማይ ክትገብሮ ዘሎካ ነገር፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ፈጽሞ።

ኣብ ትሕቲ ዓይኒ ኣምላኽ ትነብር ምህላውካ ምሕሳብ ጥራሕ፡ ንሕይወትካ ሕጉስን ትሩፋት ዝመልኦን ኢዩ ዚገብሮ። ነቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎ ብእምነት ጥራሕ ዚርእዮ ዝነበረ እግዚኣብሔር፡ ሕጂ ናይ በሓቂ ብዓይኑ ኪርእዮ ዚቀራረብ ዘሎ፡ እቲ ኣማዋውታኡስ ክንደይ ኮን ጥዑም ኢዩ? ናይ ትፈትዎ ሰብ ወግዒ ጥዑም ካብ ኮነ፡ እቲ ደቒቕ ድኅሪ ደቒቕ እተስተማቕሮ ህልውና ኣምላኽ ደኣ፡ ክንደይ ዓቢይ ታሕጓስ ይህበካ ይኸውን? እግዚኣብሔር እቲ ኣብ ነፍስኻ ዘሎ ህልውናኡ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ጥራሕ ኮይኑ ዚተርፍ ዘይኮነስ፡ ኣብ ህይወትካ እትጥዕሞን እተስተማቕሮን ሕይወት ይግበረልካ።

ኣብቲ ኵሉንተናኡ ፍቕሪ ዝዀነ፡ እሞ ብህልውናኡ ኣብ ውሽጢ ነፍስኻ ዚነብር ኣምላኽ እመን፥ እዙ ህልውና ኣምላኽ እዙይ፡ ንመንግሥተ ሰማይ ናብዙ ዓለምዙይ ከምዚወርድ ገይሩ፡ ንሕይወትካ ዜብርሆ ፀሓይ ኢዩ። ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዝዀነ ነፍስኻ፡ ንእግዚኣብሔር በይኑ ኣይትኅደጎ። ንሱ፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ውሽጥኻ ከምዘሎን፥ ንስኻ ከተፍቅሮ ድሌቱ ከምዝዀነን ኣይትረስዕ።

ምስቲ ሕያዋይ እግዚኣብሔር ብሓቀኛ ዕርክነት ተኣሳሲርካ፡ ንምሉእ ሕይወትካ ምሳኡ ልቢ ንልቢ ተራኺብካ፡ ፍቕሪ እናሃብካን ፍቕሪ እናተቐበልካን ንኽትነብር ጽዓር። ህልውና ኣምላኽ ኣብ ጽሞና ስለ ዚርከብ፡ ጽሞና ንኽትረክብ ሃረር በል። ምእንትዙይ እቲ ንስኻ እትሰርሓሉ ቦታ፡ ህልውና ኣምላኽ ምእንቲ ኪዓስሎ፡ ብጽሞና ዝተኸለለ ከምዚዀውን ግበር (ዘዳ 116፡9 ረአ)።

ኦ ልዑል ፈጣሪየይ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ኣብ ኵሉ ኢኻ ትርከብ። ከቢብካንን ኣብ ውሽጠይን ከሎኻ፡ ኣነ ሓንቲ ኣየቕለብኩልካን! ኦ ጐይታይ! ነቲ ኣብ ውሽጢ ልበይ ዘሎ ህልውናኻ እናስተማቐርኩ፡ ብዓቢይ ፍቕርን ብጥንቃቔ ከምዚዕቅቦ ግበረኒ! ኣሜን!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መደብ ኣምላኽ ኣብ ሕይወትካ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 15 Sep 2022, 10:46

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

114 - መደብ ኣምላኽ ኣብ ሕይወትካ


እግዚኣብሄር ንሕይወትካ ኪመርሖ ኢሉ ሓንሳብ ምስ መደበ፡ እቲ ቅድሚ ኵሉ ዚገብሮ ነገር፡ ንመደባትካ ምብታን ኢዩ። ገሊኡ ጊዜ ከኣ፡ ናብቲ ንሱ ወሲኑልካ ዘሎ ቦታ ንኽትበጽሕ ኢሉ ንመደባትካ ዜናውጽ ማዕበል ይፍንወልካ ኢዩ (ኢዩ 2 ረአ)። እቲ ንጸጕሪ ርእስኻ ዚቘጽር ኣምላኽ (ማቴ 10፡30 ረአ) ንሕይወትካ ብሕያውነትን ብኃልዮትን ኢዩ ዚመርሖ።

እቲ ብፍልጠት ወሰን ዘይብሉ መደብ ኣምላኽ፡ ምስ መደብካ ብዙኅ ጊዜ ኣይሰማማዕን ኢዩ። እግዚኣብሔር ዘይኃሌልካ ይመስለካ ይኸውን፡ እንተኾነ፡ ካብዙ ዓለምዙይ ዠሚሩ፡ ኣብ ሰማይ እኳ ርግጸኛ ኢዩ፥ ኢድ ኣምላኽ ብፍቕርን ብጥበብን ከምዚመርሓካ ቀስ ኢልካ ክትርኢ ኢኻ። እግዚኣብሔር ብዙኅ ጊዜ ንስኻ ክትገብሮ ዘይትደሊ ከም ትገብሮ፥ ኣብቲ ክትከዶ ዘይትደሊ ከም ትኸዶ፡ ኣብቲ ክትቅመጦ ዘይትደሊ ከም ትቅመጥ ኢዩ ዚደልየካ፥ ምሥጢር ዓወትካ ዚርከብ ከኣ፡ ፍቓዱ ኣብ ምምላእ ኢዩ።

እቲ ንስኻ እትደልዮ ነገር ስለ ዘይገብረልካ፡ እግዚኣብሔር ዝረስዓካ ይመስለካ ይኸውን፡ ግን ከምኡ ኣይኮነን፥ እግዚኣብሔር ብፍቕሪ ንዝፈጠሮ ሰብ፡ ብዕሽሽታ ኪምልከቶ ኣይኽእልን ኢዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌኻ ናይ ፍቕሪ መደብ ንምፍጻም ንናይ ሰብ ተንኮል እውን ይጥቀመሉ ኢዩ።ንሱ ነቲ ተንኮል ክፉኣት፡ ምእንቲ ጥቕሚ ኅሩያኑ ቢሉ የውዕሎ ኢዩ። ዮሴፍ ነኅዋቱ “ኣምላኽ ኢዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩሙኒ። ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሓሰብኩም፥ እግዚኣብሔር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ኮይኑ ዘሎ ኪገብር ብዙኅ ሕዝቢ ምእንቲ ኬድኅን፡ ንጽቡቕ ሓሰብ” (ኦዘ 45፡ 8 ፥ 50፡20)።


ንእግዚኣብሔር ዕንቅፋት እንተዘይኮንካዮ፡ ብኣኻ ገይሩ ዓቢይ ነገር ኪፍጽም ኢዩ፥ እንተኾነ ግን፡ ንሱ እዙይ ቅድሚ ምግባሩ ብስቓይን ብጽልእን ኪፍትነካ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ፡ ንስራሕ እግዚኣብሔር ንምትግባር እንተኾይኑ፡ እቲ ዚወሃበካ ፈተና ነቲ ስራሕ ብዝበለጸ ኬማዕብሎን ኬዕብዮን እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ዚገብሮ ነገር የብሉን። ኵሉ ጊዜ እቲ እግዚኣብሔር ዚደልዮ ኢዩ ዚኸውን። ፍቓድ ኣምላኽ፡ ናይ ኣምላኽ መደብ-ፍቕሪ ምዃኑ ዚገልጸልካ፡ እምነትካ ጥራሕ ኢዩ። ምእንትዙይ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ተመርዅስካ፡ እቲ ንዓኻ ዜድሊ ካባኻ ንላዕሊ ባዕሉ ስለ ዚፈልጦ፡ ካብ ኵሉ ፍጡር ተላቒቕካ፡ ብኵሉ ነገር ኣብ ኢዱ ተዓቈብ።

ጐይታ ነቲ ኬገልግሎ ዚደሊ ሰብ፡ ኣይጠልሞን ኢዩ። መደብ ስራሕካ ኣብ ዝደለካዮ እንተበጽሓልካ፡ ግን ነቲ እግዚኣብሔር መዲቡልካ ዘሎ ነገር ኣብ ፍጻሜ እንተዘያብጺሕካዮ፡ ዋላ ሽሕ ጊዜ ይንኣስ፡ እንታይ ኪዓብሰልካ ኢዩ? ነቲ ብኽርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኪገብረካ ወሲኑ ዘሎ መደብ ኣምላኽ፡ ከንቱ ኮይኑ ምእንቲ ከይተርፍ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ስንድዊ ኮይንካ ጽናሕ።

ነቲ ከይተጸበኻዮ ዚመጽእ ኣምላኽ፡ ተቐሪብካ ምእንቲ ክትጸንሖ፡ ናይቲ ኣቐዲምካ ዝቐረብካዮ ንዓኻ ደስ ዜብል መደብ ባርያ ንኸይትከውን ምጥንቓቕ ይግባእ። ነቲ ኅቡእ ዝኾነ መደብ ኣምላኽ፡ በቲ ሓጺር ዝኾነ ኣረኣእያኻ ክትፍትሾ ኣይትድለ። ነቲ ንጹሕ ዝኾነ ናይ ርኅራኄ ተግባር ከም ጭካኔ ገይርካ ኣይትውሰዶ። ንመደብ ስራሕ ኣምላኽ ከተምልኾ ደኣ እምበር፡ ክትወቕሶ ኣይግብኣካን ኢዩ።

ኦ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ብሓደ ወገን ነቲ ንስኻ ዝፈጠርካዮ ዓለም ብሥርዓትን ብጥበብን ክትመርሖ ብምርኣየይ ክድነቕ ከሎኹ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንሕይወት ሓደ ወድኻ ብመለኮታዊ ጥበብን ወሰን ብዘይብሉ ፍቕርን ብዝበለጸ ከምትመርሖ ብምፍላጥ ብዙኅ ኢየ ዝጸናናዕ።

ኦ ጐይታይ ኣነ ናትካ ምቕሉል መሳርሒ ከምዝኸውን ግበረኒ። ሕግኻ ኣብ ውሽጢ ነፍሰይ ኣእቲኻ፡ ኣብ ውሽጢ ልበይ ጽሓፈለይ፥ ልበይ ካባኻ ምእንቲ ከይርሕቕ ፍርሃትካ ኣኅድረለይ። “ኦ ጐይታይ ሕይወተይ ኣብ ኢድካ ኢያ” (ዘዳ 31፡15 ረአ) ንኃዋሩስ እንታይ ኢየ ዝገብሮ? እንድዒለይ፥ ኦ ጐይታይ እቲ ኣነ ክገብሮ እትደልዮ ነገር ክገብር ስንድው ኢየ፥ እቲ ቀንዲ ነገር ግን፡ ፍቕሪ ከዘውትር ክጽዕር ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንደቂ ሰብ ዚመርሕ ጐይታ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 Sep 2022, 04:03

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

115- ንደቂ ሰብ ዚመርሕ ጐይታ ኢዩ


እግዚኣብሔር በቲ ኵሉ ዚኽእል ሕያውነቱ፡ ብሓደ ወገን ኣብዙ ዓለምዙይ ንዓኻ ጥራሕ ኪኃልን ኪከናኸንን ይረኤ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ከምቲ ንነፍስወከፍ ፍጡር ዚገብረሉ፡ ንኵሉ ፍጡር ከኣ ብኃባር፡ ይኃልየሉን ይከናኸኖን ኢዩ። ንደቂ ሰብ ዚመርሖም ጐይታ ክንዲ ዝኾነ፡ ኢድ ኣምላኽ ከኣ፡ በቲ ምሥጢራዊ ዝኾነ ኃልዮቱ ንነፍስኻ ጨኪኑ ኣይድርብያን ኢዩ (ዘዳ 37፡23: ምሳ 20፡24 ረአ)።

እቲ እልፍን ኣእላፋትን ከዋኵብቲ ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ኪፈጥሮም ከሎ ከኣ፡ ሓደ ኮኾብ ካብ ሓደ ኮኾብ ዚርሕቐሉ ኣሽሓት ዓመት ብርሃን ኮይኑ፡ ብዜደንቕ ሥርዓትን ጥበብን እናመኃደሮም ከሎ፡ ንዓኻ ድኻ ዝኾንካ ፍጡሩ ከኣ፡ ኅልፊ ዕምባባ ንሻን ሜዳን ኣዕዋፍ ሰማይን ብፍሉይ ኃልዮት ኢዩ ዚኃልየልካ (ማቴ 6፡26-34 ረአ)። እግዚኣብሔር ከምቲ ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዚቘጽሮም፡ ንጸጕሪ ርእስኻ እውን ቈጺሩዎ ይርከብ (ማቴ 10፡30 ረአ)።

“ነቲ ንስኻ ዝፈጠርካዮ ሰማያትን ንስኻ ዝሠራዕካዮም ወርኅን ከዋኽብትን ክርኢ ከሎኹ፡ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፥ እቲ ንስኻ እትኃልየሉ ወዲ ሰብሲ፡ እንታይ ኢዩ?” (ዘዳ 8፡4-5)። ዓለም ከይተፈጥረ ከሎ፡ (ዮሓ 17፡5 ረአ) እግዚኣብሔር፡ ኣብ ታሕጓሱ ንኼሳትፈካ ኢሉ፡ ካብ ዘለዓለም ኣትኂዙ፡ ድሮ ይሓስበካ ነይሩ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ሕጂስ ካባይ ርሑቕ ኢዩ፡ ምሳይ የሎን፡ እትብለሉ ጊዜ፡ ከም ሽዑ ገይሩ ንሕይወትካ ዚግደሰላን ዚኃልየላን ኣይነበረን። መንገዲ ኣምላኽ ካብ መንገድኻ ፍሉይ ኢዩ (ኢሳ 55፡8 ረአ)፥ ነቲ ሥውር ፍርዲ ኣምላኽ ዚርዳእ መን ኢዩ? ንስኻ ንመደብ ኣምላኽ ምርዳእ ክትስእን ከሎኻ፡ ንኽትፈርሕ መኽንያት ይኹንካ ደኣ እምበር፡ ክትሕበን ኣይግብኣካን። እቲ ኣብ ሕይወትካ ዝኸድካሉ መንገዲ ኵሉ፡ ዋላ እውን እቱ ጥውይዋይን ብጸላም ዝተሸፈነን፡ ኵሉ ናብ እግዚኣብሔር ኢዩ ዜብጽሕ።

እግዚኣብሔር ዘይፈቐዶ ሓንቲ እትኾኖ ነገር የብልካን። እቲ ካብ ታሕቲ ዜልዕልን፡ ካብ ላዕሊ ከኣ ዜውርድን፡ ዜጸናንዕን ኃይሊ ኣምላኽ፡ ምሥጢር ኢዩ። እግዚኣብሔር ሕይወትካ ንኺመርሕ ተኣምር ኣይገብርን ኢዩ፥ ንሕይወትካ ዚመርሖ ብሰብ ጽቡቕ ድላይን ብኃይሊ ተፈጥሮን ኢዩ፥ ካብዙ ኵሉ ከኣ፡ ንስኻ ከምትረብሕ ኢዩ ዚገብረካ።

ከምቲ ኣብ ዓወት ንኸይትበጽሕ ሸይጣንን ሰብን ዚዕንቅፉካ፡ እግዚኣብሔር ግን፡ ስራሕካ ኣብ ዓወት ምእንቲ ኪበጽሕ፡ እቲ ንሳቶም ዚጥቀሙሉ ጥበብ ተንኮል፡ ብጽቡቕ መልክዕ እናተጠቐመ ከምትዕወት ይገብረካ። ንኣብነት፡ ብምኽንያት እቲ ኣይሁዳውያን ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዘልዓልዎ ስደትን ሕማማትን ሞትን፡ ንዓለም ድኅነት ፈረየሉ፡ ከምኡ እውን እቲ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝወረደ ጽልኢ ቀተልቶም፡ ናብ ክብርን ታሕጓስን ሰማዕታት ተቐየረ፡ “ደም ሰማዕታት፡ ዘርኢ ሓደስቲ ክርስትያን ኢዩ”።

እግዚኣብሔር ንዓኻ ሓደ ነገር ንኽትገብር እንተፈቒዱልካ፡ ብርግጽ ከምትፍጽሞ ኪገብረካ ኢዩ፥ ግን ምናልባት እንተዘይፈቐደ ከኣ፡ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ዚበዝኅ ፍልጠትን መንፈሳዊ ቅንኣትንዶ ኣሎካ ኢዩ? ካብቱ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እትኣምኖ፥ ብዝበለጸ ኣብ እግዚኣብሔር እመን። ሽሕኳ ላዕልን ታሕትን እናበልካ እንተተናበርካ፡ ግን እቲ ብቐንዱ ዜመኃድረካስ እግዚኣብሔር ከምዝዀነ ኣይትረስዕ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ተግባርካን ስራሕ ኣምላኽን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 29 Sep 2022, 09:36

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

116- ተግባርካን ስራሕ ኣምላኽን

እግዚኣብሔር ጥራህ ኢዩ ዓቢይ፥ ኵለን ሃገራት ምስ እግዚኣብሔር እንተተነጻጺረን ከም ሓንቲ ነጥቢ ዕትሮ ማይን፡ ከም ሓንቲ ኣብ ልዕሊ ሚዛን ዝተቐመጠት ንጣር ደሮናን ኢየን ዚቝጸራ፥ ክፍላት ዓለም እውን ከም ሓንቲ ንጣር በሠር ደሮና ኢዮም (ኢሳ 40:15-17 ረአ)።

እቲ ኣብ መንጎ ስራሕ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ስራሕ ሰብን ዘሎ ፍልልይ፡ ብሓቂ ዓቢይን ገፊሕን ኢዩ። ንኣብነት፡ ወዲ ሰብ፡ ንሱ ብዝመሃዞ ተክኖሎጂ ገይሩ ንገለ ከተማታት እዙ ዓለምዙይ ኬብርህን ኬምውቕን እንተኸኣለ፡ እግዚኣብሔር ግን ንምልእቲ መሬት ኢዩ ዜብርሃን ዜሙቓን፥ ከምኡ እውን ደቂ ሰብ ንገለ ክፍሊ መሬት እዙ ዓለምዙይ፡ ብናቶም ጥበብ ማይ ከስትዪዎ እውን እንተኸኣሉ እግዚኣብሔር ግን ንምሉእ ዓለም ኢዩ፡ ብዝናብን ብኣፍላጋትን ዓለም ካብ ዝፍጠር ኣትኂዙ ዜስትዮ ዘሎ።

ወዲ ሰብ ኪኸብር እንተደልዩ እውን፡ ብዙኅ ምስ ደኸመ ኢዩ ዚኸብር፥ እዙይ ኵሉ ድኻም ከኣ ቍሩብ ንዚጸንሕ ክብሪ ኢዩ! ንኣብነት፡ እግዚኣብሔር ንሓንቲ ኣብ ሓደ ቁሸት ምድረገሊላ፡ ክልተ ሺሕ ዓመት ይኸውን ትነብር ዝነበረት ድኻ መንእሰይ፡ ኵሉ ሕዝቢ እዙ ዓለምዙይ፡ ብፅዕቲ ኢሉ ከምዚጽውዓን፡ ንዘለዓለም ከኽብራ ከምዘልዎን ኣወጀ (ሉቃ 1፡48 ረአ)።

ናይ ሰብ ስራሕ ኃላፊ ኪኸውን ከሎ፡ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ግን ንዘለዓለም ነባሪ ኢዩ። እግዚኣብሔር ናይ ሰብ ሓገዝ ኣየድልዮን ኢዩ (1ቆሮ 1፡27 ረአ)። ኢየሱስ ኪመውት ከሎ፡ መንእሰይ ኢዩ ነይሩ፥ እቲ ንእሽቶ ጕጅለ ኣመንቱ ዝተበተነ ሽዑ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ንመንም ከየዳለወ ከየቐየመን ህያባቱ ዚዕድሎ፡ ከምዝደለዮን፡ ኣብዝደለዮን፡ ንዝደለዮን ኢዩ። ናብ እግዚኣብሔር ብዝቐረብካዮ መጠን፡ ንኽብሩ ክትርእን ኣብ ክብሩ ክትሳተፍን ኢኻ፥ ካብኡ ብዝረሓቕካዮ መጠን ከኣ፡ ክትንእስ ኢኻ። ካብዙይ ተለዓዒሎም ኢዮም ቅዱሳን ዓበይትን ጥበበኛታትን ኪኾኑ ዝኸኣሉ። ጥበብ ሰብ ሒደት ክንዲ ዝኾነ፡ ኣማዕዲዩ ኪርኢ፡ ዓቕሚ የብሉን። ንስኻ እውን ኣብ ብሕታዊ ባህግኻ ጥራይ ተስፋ ኣይተንብር። ንእግዚኣብሔር እቲ ንሱ ዝደለዮ ነገር ንኺህበካ ለምኖ።

ሓድሓደ ጊዜ እግዚኣብሔር ንበይንኻ ክትሰርሕ ከምዘይትኽእል ምእንቲ ክትፈልጥን እቲ ቅድም ዝነበረካ ኃይሊ እውን ባዕልኻ ዘጥረኻዮ ከምዘይኮነን ምእንቲ ክትርዳእ ኢሉ ኢዩ ካባካ ዚርሕቕ። እግዚኣብሔር ሰራሕተኛኡ ኪገብረካ እንተደሊኻ፡ ብዘይካኡ ሓንቲ ነገር ክትገብር ከምዘይትኽእል ፈሊጥካ፡ ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ትሑትን ዘይረብሕን መሳርሒ ከምዝዀንካ እመን (ዮሓ 15፡5 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “እግዚኣብሔር ዝሃበካ ተልእኮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 06 Oct 2022, 05:07

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

117 - እግዚኣብሔር ዝሃበካ ተልእኮ

ኣብ ሕይወትካ ቁምነገር ዘለዎ ስራሕ ክትፍጽም እንተደሊኻ፡ ናይ ስራሕ መደብ ገይርካ ክትሰርሕ ይግባእ፥ ክትሰርሕ ከሎኻ ከኣ፡ ኣርሕቕካ ክትጥምት ይግባእ። እቲ ንእግዚኣብሔር ዜሕጕሶ ስራሕ፡ ዓለም ሓቆፍን ንብዙኅ ዘመናት ዜገልግልን ኪኸውን ከሎ ኢዩ። ዓበይቲ ሰባት ኣርሒቖም ኢዮም ዚጥምቱ። ቁምነገር ስራሕን ሰብን ከኣ ካብ ርሑቕ ኢኻ ትርድዖ። ሓደ ስራሕ መልክዕ ዓለም ሓቆፍ ዘለዎን ንብዙኅ ዓመት ኣገልግሎት ዚህብን እንተዀይኑ፡ ንእግዚኣብሔር ዜሕጕስ ስራሕ ኢዩ። ስራሕ እግዚኣብሔር ከኣ ዚነብር፡ ንኣእላፋት ዘመናትን ንዘለዓለምን ኢዩ።

ሓደ ስራሕ ቅድሚ ምዥማርካ፡ ዕርበት ኅሊናን ተስፋ ምቍራጽን ንመንፈስካ ከየስዕበልካ፡ እቲ ስራሕ ክትፍጽሞ ትኽእል እንተኾይንካ ኣቐዲምካ ጽቡቕ ገይርካ ሕሰበሉ (ሉቃ 14፡31 ረአ)። ኣብዙ ዓለምዙይ ኵሉ ኢዩ ዚጐዪ፥ እቲ ዜድሊ ነገር ግን፡ በቲ ሓቀኛ መንገዲ ምጕያይ ኢዩ ዚግባእ።

ብዙኅ ዚሰርሑን ብኣእምሮኦም በላኃት ዝኾኑን ሰባት ብብዝኂ ትረክብ ኢኻ፡ ጥበበኛታት ግን ውሑዳት ኢዮም።
ንስኻ፡ ሽሕኳ ኣብ ትሕቲ ተኣዝዞ ካልኦት ትነብር እንተኾንካ። ግን እቲ መጻኢ ሕይወትካ እትሓንጻ ንስኻ ጥራሕ ኢኻ። ኣብቲ ክትዕወተሉ እትኽእል ስራሕ፡ ኣብኡ ተመዲብካ ክትሰርሕ ኢኻ። ዜዕውት ነገር፡ እቲ ብኡንብኡ ኣብ ጭቡጥ ኵነታት ሕይወትካ ዚርከብ ደኣ እምበር፡ ኣብ ወረቐት ዚግበር መጽናዕቲ ኣይኮነን።

ብዙኃት ንኃይሎም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት በታቲኖም ይርከቡ! እንተኾነ ግን፡ እቲ ሓቀኛ ጥበበኛ፡ ብነዊኅ ጊዜ፡ ንኵሉ ኃይሉ ኣብ ሓደ ተግባር ገይሩ፡ ዚሰርሕ ኢዩ። ንኣብነት፡ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ንኢየሱስ ተልእኮ ድኅነት ዓለም ኪፍጽም ከምዚመዘዞ ንፈልጥ። ኢየሱስ ከኣ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ተልእኮ ምሉእ ኣብ ፍጻሜኡ ከምዘብጽሖ ንፈልጥ። ንዓኻ እውን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ፍጻሜኡ እተብጽሖ ተልእኮ ሂቡካ ኣሎ። እዙ ተልእኮኻ እንይታይ ኢዩ? ንስኻ እውን፡ ከም ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ዕለት ሕይወትካ “ኣቦ እቲ ክገብሮ ኢልካ ዝሃብካኒ ተልእኮ፡ ፈጺመዮ ኢየ” ኢልካ ክትዛረብ ክትክእል ይግብኣካ (ዮሓ 17፡4 ረአ)።

ዓቢይ ነገር ንምግባር ሃረር ካብ ምባል፡ ነቲ እግዚኣብሔር ክትገብሮ ዚሃበካ ተራ ዝኾነ መዓልታዊ ስራሕ፡ ብጽቡቕ ንኽትፍጽሞ ጽዓር።
እቲ መደብ ስራሕካ ከምቲ ንስኻ ወጢንኻዮ ዝነበርካ ዘይኮነለይ ኢልካ እምብዛ ኣይትሕዘን፥ መን ይፈልጥ፡ እቲ ንዓኻ ክስራን ኮይኑ ዝረኣየካ፡ ንረብሓ ውዳሴን ክብርን ኣምላኽ ኮይኑ ኪርከብ ይኽእል ኢዩ። ሰብ መደብ ሕይወቱ ኪሠርዕን ኪሕንጽጽን ከሎ፡ እቲ ሽዑ ኪገብሮ ዚኽእል ዝዓበየ ጌጋ፡ ምእንቲ እቲ እተፈጥረሉ ዕላማን ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽን ኢሉ ክንዲ ዚሰርሕ፡ ምእንቲ ክብሪ ገዛእ ርእሱ ኪሰርሕ ከሎ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍቓድ ኣምላኽ ፍቃድካ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 13 Oct 2022, 09:56

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

118 - ፍቓድ ኣምላኽ ፍቃድካ ኢዩ

እቲ ኵሉ ብመደብ ኣምላኽ ዚካየድ ነገር፡ ጽቡቕን፡ ዓቢይን፡ ቅዱስን፡ ኢዩ። ጽቡቕ ሕይወት ዚበሃል ከስ፡ ኣብ ሕይወቱ ንመደብ ኣምላኽ ኣካቲቱ ዚኸይድ ኢዩ። ኵሉ እቲ ንስኻ ክፉእ ኢልካ እትጽውዖን እትኣምነሉን ነገር፡ ብኢድ እግዚኣብሔር እንተደኣ መጺኡካ፡ ጽቡቅን ሠናይን ኢዩ (ኣሞ 3፡6፡ ዚራ 11፡14 ረአ)። ብሓቂ እዪ ፈላጥን ጥበበኛን ዚበሃል፡ ኪሰርሕ ከሎ ነቲ ንእግዚኣብሔር ባህ ዜብል ነገር ምግባር ጥራሕ እምበር፡ ንናይ ካልኦትን ንናይ ባዕሉን ባሕሪያዊ ውህበት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዘይሰርሕ ሰብ ኢዩ።

ንእግዚኣብሔር ከተሕጕስ ኢልካ፡ ንሰብ እንተሕዚንካ በዙይ ክትሓዝን የብልካን። ከመይሲ ኣብዙ ዓለምዙይ ናትካ ሓደ ዕላማ ንእግዚኣብሔር ምሕጓስ ጥራሕ ኢዩ፥ ካብዙይ ዝተረፈ ኵሉ ጽላለን ከንቱን ኢዩ። “ሰብ ነዚ ኢዩ ተፈጢሩ እሞ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ፍርሃዮ፥ ንትእዛዛቱ እውን ሓልዎ” (መክ 12፡13)።

ንስኻ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ከተሕጕስ፡ ኣብ ኵሉ ፍቓድ ኣምላኽ ክትመልእ ጽዓር (ቆላ 1፡9-10: ኣኤፌ 5፡17)። ብዝኾነ ግን፡ ኣብ ግብሪ እንተዘይ ኣውዒልካዮ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ቁምነገር ከምዘይብሉ ኣይትረስዕ ኢኻ (ሉቃ 12፡47 ረአ)። ፍቓድ ኣምላኽ ምምላእ ታሕጓስካ ይኹን፥ ከምኡ እውን ብጊዜ ስቓይካን ብጊዜ ሓጐስካን ፍቓድ ኣምላኽ ይምራህካ። ፍቓድካ ኃይሊ ዚረክብ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኅብረት እንተገይሩ ኢዩ። ዝኾነ ድሌትካ፡ ምስቲ ጥዑም ዝኾንነ ፍቓድ ኣምላኽ ኣዋሃህዶ ኢኻ።

ኵሉ ጊዜ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽትፍጽም ጽዓር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ሰላምካ ይኹን። እቲ እግዚኣብሔር ዚደልዮ ነገር ንኽትደሊ ሰጋኣ መጋእ ኣይትበል፥ እቲ ምስ ባህርይኻ ዘይሰማማዕ ነገር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከምዘይኮነ ገይርካ ኣይትርኣዮ። ምስቲ እግዚኣብሔር ምእንቲ ጥቕሚ ነፍስኻ ኢሉ ሓንጺጹዎ ዘሎ መደብ ምሉእ ብምሉእ ኃቢርካ ስራሕ። ብሓቂ ፍቕሪ ኣምላኽ እንተደኣ ኣሊዩካ እቲ ንሱ ዚደልዮ ነገር እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ክትደሊ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ንእግዚኣብሔር እቲ ንሱ ዚደልዮ እምበር፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ኣይትሕተቶ። ከምኡ እውን፡ ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ኮይንካ እናተኣዘዝካ ክትነብር ደኣ እምበር፡ ካልእ ዓይነት ናጽነት ክትደሊ ኣይትመነ። ፍቓድካ ብፍቓድ ኣምላኽ ኪወሓጥ ኢዩ ዚግባእ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎኡን፡ ሓደ ዓይነት ፍቕርን፡ ሃረርታን፡ ስምዒትን ይሃሉ። ናብ እግዚኣብሔር እንተቐሪብካ፡ ብመንፈስ ምስኡ ሓደ ክትከውን ኢኻ (1ቆሮ 6፡17 ረአ) ንፍቓዱ ከኣ ቀልጢፍካ ከተለልዮ ኢኻ።

ንእግዚኣብሔር ፍቓድካ ንዑኡ ካብ ምሥዋዕ ዚዓቢ ህያብ ክትገብረሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንእግዚኣብሔር ፍቓድካ ክትሥውዕ ከሎኻ ኵሉንተናኻ ኢኻ ትህቦ ዘሎኻ እምበር፡ ገለ ክፍሊ ኣይኮንካን ትህቦ ዘሎኻ። ኣብ ኵሉ ስራሕካ ፍቓድ ኣምላኽ እንተመሊእካ፡ ኵሉንተናኻ ንብረት እግዚኣብሔር ኢኻ። ንምሉእ ሕይወትካ፡ ብዘይምቍራጽ፡ ንስኻዶ እግዚኣብሔር፥ ፍቓድካዶ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣብ ዚብል ቀራና-ሕቶ ኢኻ ትርከብ ዘሎኻ።

ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣትኅዝካ፡ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወትካ ከይተረበሽካ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዚእዝዘካ ስራሕ ኵሉ ክትገብር ጽዓር። መሠረት ቅድስናኻ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ፥ ፍቕሪ ማለት ከኣ፡ ፍቓድካ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሰማሚዕካ ምንባር ማለት ኢዩ። እዙይ ትምህርቲ እዙይ ከኣ፡ ፍቓድ እቲ ካብ ሰማይ ዝለኣኾ ንምፍጻም ዝመጸ ኢየሱስ ኢዩ (ዮሓ 6፡38 ረአ)። ንእግዚኣብሔር ኣብ፡ ምፍቃር ማለት፡ ንዕኡ ምእዛዝ ማለት ኢዩ። “ኣነ ነቦ ከምዘፍቅሮ ዓለም ምእንቲ ኪፈልጥ፡ ከምቲ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እፍጽም ኣሎኹ” (ዮሓ 14፡31)።

እግዚኣብሔር ኬድኅንካ እንተደሊኻ፡ ንስኻ እውን ከም ኢየሱስ፡ ኣብ ሕይወትካ ክትገብሮ ኢሉ ዚሃበካ ተልእኮ ንኽትፍጽም ጽዓር (ዮሓ 17፡4-5 ረአ)። ንትእዛዛት ጐይታ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ኢልካ ብዝተጋደልካዮን ብዝጸዓርካዮን መጠን፡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ከኣ፡ ዝበለጸ ታሕጓስ ክትረክብ ኢኻ። ነቲ ጐይታ ዝኣዘዞ ነገር ክትሕሉ እንተጽዒርካ፡ ነቲ ተስፋ ዝኣተወልካ ነገር እውን ክትረክብ ኢኻ። “ዓለምን እቲ ኵሉ ፍትወታን ኃላፊ ኢዩ፥ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና፡ ንዘለዓለም ኪነብር ኢዩ (1ዮሓ 2፡17)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍቓድ ኣምላኽ ምምላእ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 20 Oct 2022, 04:03

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

119 -ፍቓድ ኣምላኽ ምማላእ

ኣብ ጊዜ መከራ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር፡ እቲ ዝለዓለ ፍቕሪ ኢዩ፥ ኣብዙ ጊዜ እዙይ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ብዘይካ እቲ ንጹሕ ዝኾነ ፍቓዱ፡ ካልእ ጽቡቕ ነገር የልቦን።

ንስኻ፡ ንእግዚኣብሔር ተፍቅሮ እንተኾይንካ፡ ፍቓዱ ክትፍጽም እውን ክትደሊ ኢኻ። መከራ ኣናሓሰርካ እውን፡ ብልብኻ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ስለዚ ኣብቲ ዝኸፍኤ ስቓይን ሓዘንን ሕይወትካ፡ ፍቓድካ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ሓደ ክሳብ ዚኸውን፡ ጸሎት ካብ ምግባር ዓዲ ኣይትውዓል። ሽሕኳ ነቲ መሪር ዝኾነ ጽዋዕ ካባኻ ንኼርሕቐልካ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎት ካብ ምግባር እንተዘየቋረጽካ፡ ብዝኾነ ግን፡ ኣብ መወዳእታስ፡ ፍቓዱ ንኽትፍጽም ምሉእ ፍቓድ ግበር (ማር 14፡36 ረአ)።

ነቲ ሻቅሎትካ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣንብሮሞ፥ ንኵሉ ሽግርካ ባዕሉ ከህድኤልካ ኢዩ (1ጴጥ 5፡7 ረአ)። ንስኻ እውን ከም ኵሎም ቅዱሳን፡ “ፍቓድካ ይኹን፥ ኣቤት ኦ ጐይታይ፥ ንስኻ ከም ዝደለኻ ይኹነለይ!” ምባል ተመሃር። ፍቓድካ ኣባይ ከምዚፍጸም ኢልካ ጸሎት ምስ ትገብር፡ ምስ እግዚኣብሔር እትኣትዎ ዘሎኻ ውዕሊ ኣስተውዕለሉ ኢኻ፥ ኢየሱስ ወዱ እውን፡ ኣብ ደብረዘይቲ ፍቓድካ ኣባይ ከምዚፍጸም ኢሉ ምስ ጸለየ፡ ጸሎቱ ከምዝተቐበሎ ኣስተውዕል።

ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ኪብል ከሎ፡ ጸርፊ፡ ስደት፡ ስቓይ፡ ኣብ መስቀል ምማትን እውን ማለቱ ኢዩ። ንስኻ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር ጽዓር እምበር፡ ካብቲ ብትዕግሥቲ እትጸሮ ዘሎኻ መከራ ናጻ ክትወጽእ ኣይትድለ። እቲ ኣብዙ ዓለምዙይ እትሳቐዮ ዘሎኻ ስቓይ፡ ሓጺር እውን ይኹን፡ እግዚኣብሔር ግን፡ ንነዊኅ ጊዜ ከምዘገልገልካዮ ገይሩ ኪቘጽረልካ ኢዩ። ሽሕኳ እቲ ዜሳቕየካ በደል፡ ተፃይ ፍቓድ ኣምላኽ እንተኾነ፡ ዝኮነ ኮይኑ ግን፡ ነቲ በደል ንድማዕካን ንድኅነትካን ከምዚውዕል ኪገብሮ ኢዩ። ጐይታ፡ ብስደት ክትሳቐ ኢዩ ዚደሌካ እምበር፡ እቲ ዘሳቕየካ ኃጢኣት ኪገብር ኣይኮነን ዚደሊ።

እቲ ዚህብ ኣምላኽ፥ እቲ ዚኸልእ እውን ኣምላኽ ኢዩ። ነቲ ክትሰትዮ ኢሉ ዚህበካ መሪር ጽዋዕ እውን፡ ኣምላኽ ኢዩ ዚህበካ (ዮሓ 18፡11 ረአ)። ንፍቓድ ኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ምእዙዝ እንተኾይንካ፡ ብጹዕ ኢኻ። ዋላ እውን እንተመረረካ፡ ንእግዚኣብሔር ከተሐጕሶ ኢልካ ብሓቂ ሓቀኛ ጻዕሪ ግበር እሞ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ዕብራውያን ካብ ግብጺ ኪወጹ ከለዉ ንዝረኣይዎ ተኣምር፡ ንስኻ እውን ክትርእዮ ኢኻ (ኦዘጸ 14፡31 ረአ)።

ስቓይካ ካብ እግዚኣብሔር ዚመጸካ ከምዝዀነ እንተትርዳኦን እንተተፍቅሮን፡ ከምኡ እውን ምልክት ፍቕሪ ኣምላኽ ከምዝኾነ ገይርካ እንተትቕበሎ ብሓቂ ክንደይ ምጠቐመካ ነይሩ!። - ኵሉ ነገር፥ ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ኮነ፡ ሕይወት ኮነ ሞት ኮነ፥ ሃብቲ ኮነ ድኽነት ኮነ፡ ካብ እግዚኣብሔር ኢዩ ዚመጽእ” (ሲራ 11፡14)።

ንስኻ ኣብ ጸበባኻን መከራኻን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ እናተኣኣዘዝካ እንተነቢርካ ብርግጽ ቅዱስ ክትከውን ኢኻ። ኣብዙ ዓለምዙይ ከኣ፡ ሕጉስ ሰብ ኮይንካ ክትነብር ኢኻ። ኣብ ጊዜ ጸገምካ ከም ኢዮብ ጻድቕ - እግዚኣብሔር ሃበ፥ እግዚኣብሔር ወሰደ፥ ስም እግዚኣብሔር ይባረኽ (ኢዮ 1፡21) ምባል ተላመድ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍቓድ ኣምላኽን ቅድስናን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 27 Oct 2022, 02:31

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

120 - ፍቓድ ኣምላኽን ቅድስናን

ብዘረባ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ፡ ብሓቀኛ ተግባርን ብንጹሕ ልብን፡ ፍቓድካ ንእግዚኣብሔር እንተወፊኻዮ፡ ነፍስኻ ብዙኅ ጸጋ ክትቅበል ኢያ። እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ፍጹም ዚገብረካ ጥዑም ዘረባ ኣይኮነን፡ እንታይደኣ ብኵሉ ተግባርካ፡ ኣብ ትሕቲ ፍቓዱ ንምንባር ጽቡቕ ድሌትን ጻዕርን ክትገብር ከሎኻ ኢዩ። ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ርሒቕካ፡ ሓቀኛ ሕይወት ክርስትና ኪህሉወካ ኣይኽእልን ኢዩ። ሕይወትካ ቁምነገር ኂዙ ዚርከብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ትፍጽም ኢዩ። ናብ መንግሥተ ሰማይ እታኣቱ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ትፍጽም ጥራሕ ኢዩ (ማቴ 7፡21 ረአ)።

እግዚኣብሄር ንዓኻ ዜፍቅረካ፡ ካብ ንብረትካ ገለ ወይ ብዓቢዪ ሕይወትካ ንዕኡ ሠዊዕካ፡ ፍቓዱ ምስ ትገብር ኢዩ (ዮሓ 10፡17 ረአ)፥ ብወገንካ፡ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚዓቢ እንታይ ካልእ ትጽበ?።

ንስኻ፡ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ እትኸውን፡ እቲ እትደልዮ ነገር ንምርካብ ዘይኮነ፡ እቲ ንሱ ንዓኻ ዚደለዮ ነገር ካብ ኣፉ ብምስማዕ ኢዩ። እቲ እግዚኣብሔር ዚደልዮ ነገር ኵሉ ንኽትደሊ፡ እቲ ንሱ ዘይደልዮ ከኣ ንኸይትደሊ ንፍቓድካ ኣለማምዶ። ብሓጺሩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ክትከውን ዚደልየካ ንምዃን ተመነ። መግብኻን ምርኩስካን ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን፥ ነቲ ዝበለጸ ምግቢ ኢየሱስ ዝነበረ፥ ንስኻ ከእ ኣይትተሓሰሞ (ዮሓ 4፡34 ረአ)።

ልብኻ ንገዛእ ርእሱን ንዓለምን መኒኑ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ እናተሰማምዔ ብዝኸደሉ መጠን፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እናማዕበለ ኪኸይድ ኢዩ፥ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ናባኡ ኪቕየር ኢዩ። ንኵለንተናኻ ናብ ኢድ ኣምላኽ ተጸጋዕ፥ ንብረት ገዛእ ርእስኻ ምዃን ገዲፍካ፡ ንብረት ኣምላኽ ጥራሕ ክትከውን እንተኺኢልካ፡ ኣብ ልዑል ፍጽምና በጺሕካ ማለት ኢዩ፥ ካብኡ ንድኃር፡ ንሱ ከም መጠን ገዛእ ንብረቱ፡ ውን ከም ዝበሎ ገይሩ ከማኃድረካ ግደፎ።

ኵሉ እቲ ኣብ ርእስኻ ዚወርድ ምእንቲ ክትረብሕ ኢሉ እግዚኣብሔር ዚውስነልካ ነገር ምዃኑ እመን። እግዚኣብሔር ብዘይ ናትካ ድኅነት ካልእ ባህጊ የብሉን (1ተሳ 4፡3 ረአ)። ንሱ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ቅዱስ፡ ኣብቲ ካልኣይ ከኣ ብፁዕ፡ ኮይንካ ኪርእየካ ኢዩ ዚደሊ። ትርጉም ቅድስና፡ ፍቓድካ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምስምማዕ ኢዩ።

ኣብቲ ልዑል ዝኾነ ቅድስና ንኽትበጽሕ፡ ብዘይካ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ካልእ ዜድሊ የልቦን፥ እቲ ዚበርትዔ ባህግኻ፡ ነቲ ንሱ ዚውስነልካ፡ ተሓጕስካ እሺ ኢልካ ምቕባል ኢዩ ዜድሊ። እቲ እግዚኣብሔር ዚደልዮ ነገር ኵሉ ጽቡቕ ኢዩ። እግዚኣብሔር ነቲ ዝበለጸ ነገር ስለ ዚደልየልካ፡ ብወገንካ ከኣ እግዚኣብሔር ንዚደልዮ ነገር ምስ ትደሊ፡ ንርእስኻ እቲ ዝዓበየ ነገር ኢኻ ትትምነ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍቓድ ኣምላኽ ሰላምካ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Nov 2022, 03:22

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

121 - ፍቓድ ኣምላኽ ሰላምካ ኢዩ

ንናይ ዓለም ፍትወት መዓጹ-ነፍስኻ ዕጾ፥ እዙይ ከኣ፡ ንዓኡ ምስ ሰኣንካ እቲ ሰላም ልቢ ኣይትስእኖን ኢኻ ማለት ኢዩ። እቲ ናትካ ኡንኮ ባህጊ ፍቓድ ኣምላኽ ምምላእ ጥራሕ ይኹን። ንግሆ-ንግሆ፡ መዓልትኻ፡ ኣብ ትርጋጹ ኣሜን ዚብል ጽሑፍ ከም ዝጸሓፍካሉ ጻዕዳ ወረቐት ገይርካ ንእግዚኣብሄር ኣወፊዮ። ኣብዙ ዓለምዙይ ንእግዚኣብሔር ከተሕጕስ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ስኽፍታ ኣይሃሉኻ። ኵሉ ነገር ከኣ፡ ናብ እግዚኣብሔር ንኽትበጽሕ ዚሕግዘካ ደኣ እምበር፡ ኣብ መንገዲ እዙ ዓለምዙይ ዋላ ሓደ ነገር ደው ኣየብለካ።

እዚ ዜሕጕስ ምጽንናዕ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ብኵሉ ምስቓይን፡ ቅሳነት እትረኽበሉ ከኣ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ጥራህ ይኹን። ነቲ እግዚኣብሔር ዚደልዮ እንተደሊኻ፡ ምስ ሰብ ብሰላምን ብቅሳነትን ክትነብር ኢኻ፥ ኵሉ ካልእ ነገር ሽግር ዜምጽእ ኢዩ። ልብኻ ንትእዛዝ ኣምላኽ ኪምእዘዝ እንተኾይኑ፡ ምቕሉልን ንጹህን ዝኾነ ልቢ ኪኸውን ኣለዎ። ታሕጓስ እትረከብ በቲ እግዚኣብሔር ዚሓንጸጾ መንገዲ ጥራሕ ኢዩ።

ንሓዘን ወይ ታሕጓስ እምብዛ ግዲ ኣይትሙተሉ። እቲ ኡንኮ ስክፍታኻ፡ ፍቓድ እዚ እተፍቅሮ ኢየሱስ ጥራሕ ከምዝትግበር ይኹን። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ፍቓድ-ኣምላኽ ምህላውካ እትፈልጥ፡ ዋላ በቲ ዝኸፍኤ ጊዜ ሕይወትካ፡ ሰላምን ቅሳነትን እንተደኣ ኣሊዩካ ኢዩ። ፍቓድካ ንእግዚኣብሔር እንተወፊካ፡ ሓቀኛ ናጽነት ኪህልወካ ኢዩ።

ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ፡ መንግሥቲ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ነቲ ካባኻ ወጻኢ ዘሎ ነገር ብዘይምድላይካ ጥራሕ ኢኻ፡ መንፈሳዊ ሰብ ክትከውን እትኽእል (ሉቃ 17፡21 ረአ)። ህይወትካ እትርከብ ብእግዚኣብሔር ኢያ፥ ካባኻ ዚድለ ነገር ንፍቓዱ እሺ ኢልካ ምቕባል ኢዩ፥ ብዓቕምኻ ጥራሕ እንተኾይኑ፡ ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። እግዚኣብሔር ዘይፈቐዶ፡ ዝኸውን ነገር ስለ ዘየልቦ፡ ንስኻ ከኣ፡ ብወገንካ ንፍቓዱ እንተተኣዚዝካ ዝደለኻዮ ክትረክብ ኢኻ።

እንተኮነ ግን፡ ብምሉእ ተወፋይነት ኣብ ኢድ ፍቓድ ኣምላኽ እንተዘይወዲቕካ፡ ብሓደ ወገን ንእግዚኣብሔር ከተስተማቕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ በቲ ሓደ ወገን ከኣ እዙ ዓለምዙይ ከሄጕሰካ ኣይኽእልን ኢዩ፥ ካብዙይ ዝተላዕለ ከኣ ኣብ ህይወትካ ብዙኅ ክትሳቐ ኢኻ።

እግዚኣብሔር ዘይብላ ነፍሲ፡ ከም ሓደ ዝዓነወ ገዛ ኢያ፥ ወይ ከኣ ከም ሓደ ዚከናኸኖ ዘይብሉ ሕርሻ ኢያ። ካብ እግዚኣብሔር ርሒቕካ ሓቀኛ ሰላም ኪህልወካ ኣይኽእልን ኢዩ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እንተወዲቕካ ግን፡ ሕጉስ ሕይወትን ቅዱስ ሞትን ክትረክብ ኢኻ።

ንስኻ ከኣ፡ ኣብ ህይወትካ ይኹን ብጊዜ ሞትካ ይኹን፡ ብኵለንተናኻ ናብ ኢድ ኣምላኽ እንተወዲቕካ፡ ብሓቂ ዕዉት ክትከውን ኢኻ! እግዚኣብሔር ሓላዪ ሕይወትካ ስለ ዝኾነ፡ ስክፍታን ፍርሃትን ከየኅደርካ፡ ከም ባህጊ ድሌቱ ቅርጺ እናገበረ ኪሰርሓካን ኪኣልየካን ንኣኡ ፍቐደሉ (መጥ 14፡3 ረአ)።

ታሕጓስ ኪህልወካ ዘለዎ ገዛእ ፍቓድካ ክትገብር ከሎኻ ዘይኮነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክትመልእ ከሎኻ ኢዩ፥ ፍቓዱ ኣብ ህይወትካ ክንደይ ጥዑም ከምዝኾነ ተርዲእካ፡ ምስትምቓሩ እትኽእል ይግበርካ!።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ተስፋኻን እምነትካን ኣብ እግዚኣብሔር ኣንብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 11 Nov 2022, 02:13

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

122 - ተስፋኻን እምነትካን ኣብ እግዚኣብሔር ኣንብሮ


ብዕቝባ ኃይሊ-ሰብ ኣይትተሓበን፥ ብጽልኦም እውን ኣይትደሃል፥ ደቂ ሰብ ሎሚ ኣለዉ ጽባሕ የለዉን። ኣብቲ ነቕ ዘይብል ኮዅሒ ዝኾነ እግዚኣብሔር እመን፥ ንሱ ጥራሕ ከኣ ይኣኽለካ ኢዩ (2 ሳሙ 22፡1-3 ረአ)። እግዚኣብሔር ብኵሉ ኪህልወካ ኢዩ። ዋላ ኵሎም ኃዲጎሙኻ እንተኸዱ፡ንሱ ኣይኃድገካን ኢዩ፥ ዋላ ኵሎም እንተኸሓዱኻ፡ ንሱ ግን ኣይኽሕደካን ኢዩ። እቶም እምነቶም ኣብ እግዚኣብሔር ዜንበሩ፡ ተስፋ ኣይቈርጹን ኢዮም። ሰብ ተስፋ እንተቍሪጹካ ንእግዚኣብሔር ኣመስግን። ተስፋኻ ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ ከተምብሮ ከምዘሎካ የሰምዓልካ ኣሎ (ዘዳ 64፡ 11 ረአ)። “ኣብ መሳፍንቲ ካብ ምውካልሲ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ምዕቋብ ይኃይሽ” (ዘዳ 115፡9)።

ገለ ጌጋ እንተገይርካ፡ ሰባት ኪንዕቑኻ ኢዮም፥ ካባኻ ከኣ፡ ኪርሕቁ ኢዮም። እግዚኣብሔር ግን ከምኡ ኣይገብርካን ኢዩ፥ ንሱ ንኵሉ ነገር ብሕያውነት ዜመኃድር ትዕግሥተኛን እሙንን ኢዩ (መጥ 15፡1 ረአ)።

ንኵሉ ነገር መኒንካ፡ ኣብ ኢድ እቲ ንሰማይን ንምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሔር እንተነቢርካ፡ ዋላ ኵሉ ዓለም ኃቢሩ እንተኾነነካ እንታይ ጸገም ኣሎካ? ተስፋኻ ኣብ ገዛእ ኃይልኻ እውን እንተዀነ ኣይተንብር፥ ኣብ ኣእምሮኻ እውን ኣይትመርኰስ፡ (ምሳ 3፡5-7 ረአ) ስለምንታይ፡ ብፈተና ኣብ እትናወጸሉ ጊዜ፡ እቲ ኵሉ ጽቡቕ ቍርጺ ፍቓድካ፡ ኪጠፍእ ኢዩ። ቍርጺ ፍቓድካ፡ ኣብ ግብሪ ዚውዕል፡ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎካ እምነት እናበርትዔ ብዝኸደሉ መጠንን፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ እምነት እናነከየ ኪኸይድ ኢዩ።

ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ክትጥቀም ከሎኻ ንሰማያዊ ሃብቲ ኣብ ግምት ከየእተኻ ተጠቐመሉ፥ ከማኡ እውን ንሰማያዊ ሃብቲ ክትጥቀመሉ ከሎኻ፡ ንምድራዊ ሃብቲ ኣብ ግምት ኣይተእትዎ። እምንቶኻ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እንድኅሪ ገይርካ ደኣ፡ እግዚኣብሔር እንታይ ኪህበካ ይኽእል? ታሕጓስካ ኣብ እግዚኣብሔር ኢዩ ዚርከብ፥ እምነት ኣብ ገዛእ ኃይልኻ እንተንቢርካዮ፡ ኣብ ህይወትካ ተስፋ ምቍራጽ ኪገጥመካ ኢዩ። ጽቡቕ ተግባር ብገዛእ ዓቅመይ ክገብር እኽእል ኢየ ትብል እንተኮይንካ፡ ቀዳማይ ንሓገዝ ኣምላኽ ክትንዕቖ ኢኻ፥ ካልኣይ ሓገዙ ኣይክትልምንን ኢኻ። ቆዋሚ ዝኾነ ታሕጓስ ክትረክብ እንተደሊኻ፡ ካብቲ ኵሉ ጊዜ ቆዋሚ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣይትርሓቕ። ንስኻ ኢምንት ምኳንካ እንተተእሚንካ፡ ንሕይወትካ እግዚኣብሔር ባዕሉ ኪመርሖ ኢዩ፥ እንተኾነ፡ ንእግዚኣብሄር ረሲዕካ ብርእስኻ ጥራሕ ትተኣማመን እንተኾይንካ፡ ንሕይወትካ ኣብ ኢድካ ከረክበካ ኢዩ።

ዓቕልኻ ከየጽበብካ፡ ንሕይወትካ እግዚኣብሔር ይምርሓያ፥ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ንውቅያኖስ ዚመልእ ሃብቲ ኪህበካ ኢዩ። ውጻኢት ዝኮነ ይኹን ተግባርካ ጽቡቕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሉእ እምነትካ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምብሮ። እቲ ዝዓበየ ፍጻሜ ሕይወትካ፡ ብዓንዲርእሱ ህያብ ኣምላኽ እምበር ፍረ ሞያኻ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እናዀነ ከሎ፡ ኣብቲ ንእሽቶ ነገርከ ስለምታይ ብእግዚኣብሔር ክትምራሕ ዘይትደሊ? ኃይልኻ ዚርከብ፡ ኣሚንካ፡ ናብ ኢድ ኣምላኽ ምስ ትድርበ ጥራሕ ኢዩ (ኢሳ 30፡15 ረአ)።

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብዝኣመንካሉ መጠን ክትንእስ ኢኻ፥ ኣብ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ዝኣመንካሉ መጠን ከኣ፡ ክትዓቢ ኢኻ። ዋላኳ ምሥጢር እንተኾነ፡ ኣብ ህይወትካ ኵሉ ጊዜ መደብ ኣምላኽ ከምዝትግበር እመን። ክንየው፡ እቲ ሰብኣዊ ተግባራት፡ ኢድ እቲ ንዓለም ዚሠርዕን ኵሉ ነገር ምእንቲ ቅድስናኻ ኢሉ ዚመርሕን ኣምላኽ ክትርኢ ይግባእ። ነቲ ኣብ ርእስኻ ዘሎ መደብ-ስራሕ ኣምላኽ እመን፥ ኣብ ቃሉ ከኣ፡ ትርጉም ሕይወትካ ንኽትረክብ ጽዓር።

ካብ ኵሉ ነገር ንልቢ ኣምላኽ ዚጐድእ፡ ኣብኡ እምነት ምጕዳል ኢዩ። ተስፋ ምቍራጽ፡ ቅብጸት፡ ኅሊናኻ ምዕራብ፡ ምፍራህ ናይ ሸይጣን ነገር ኢዩ። ኣብቲ፡ ብዘይካ ናትካ ጽቡቕ፡ ካልእ ነገር ዘይደሊ ኣምላኽ እምነትካ ኣንብሮ፥ እናፈለጥካ እንተዘይበዲልካ፡ ንሱ ክትጠፍእ ኣይገድፈካን ኢዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ከይተኣማመንካ፡ ምሉእ እምነትካን ተስፋኻን ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ እንተንቢርካዮ፡ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገር ኣይክህልን ኢዩ። እግዚኣብሔር ከምዛ ሕጂ ኣብ ኢዱ እትርከብ ዘላ፡ መጻኢ እውን ኣብ ኢዱ ኢያ ትርከብ፥ ንሱ ተስፋ እንተሂቡካ፡ ድሮ ከምዚሃበካ ገይርካ ቍጸሮ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኃልዮት ኣምላኽ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 Nov 2022, 04:47

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

123 - ኃልዮት ኣምላኽ

ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ዚትግበር ኣቐዲሙ ብዝተሓንጸጸ መደብ ኣምላክ ደኣ እምበር፡ ብኃይሊ ተፈጥሮ ዚግበር ነገር የልቦን (1ቆሮ 15፡3: ሉቃ 24:26-27 ረአ)። ንስካ፡ ከኣ እግዚኣብሔር ንዕድልኻ ኣቐዲሙ ከምዚወሰኖ ገይርካ ኣይትእመን፡ ኣይትዛረብ፥ እግዚኣብሔር ንሕይወትካ ይመርሕ ደኣ እምበር፡ ንመጻኢ ዕድልካ ኣቐዲሙ ኣይውስኖን ኢዩ።

ሓድሓደ ጊዜ ከም ሰብ መጠን ከይሓሰብናዮን ከይደለናዮኖን ኣብ ርእስና ዚኸውን ነገር ኣሎ፥ እንተኾነ እዙ ከምዙይ ዝበለ ነገር፡ ንዓና ሰብ ደኣሉ ሃንደበታዊ ዚኸውን እምበር፡ ንእግዚኣብሔርስ ከምኡ ኪኸውን ኣይኽእልን ኢዩ፥ እግዚኣብሔር ምእንቲ ጥቕሚ ኵሉ ዓለም ኢሉ፡ ንኵሉ ነገር ኣቐዲሙ ኢዩ ዚርእዮን ዚሠርዖን።

ኃልዮት ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ፡ ካልእ ዘይኮነስ፡ ሰባት ናብ ዕላማ ተፈጥሮኦም ንኺበጽሑ እግዚኣብሔር ከም ፈጣርን ከም ኣቦን መጠን፡ ደቁ ንዝኾኑ ፍጡራቱ፡ ኵሉ ንህይወቶም ዜድልዮም ነገር፡ ዚኃልየሎም ተግባር ኢዩ። ዝመጸ እንተመጸ፡ ልብኻ ኣይረበሽ (ዮሓ 14፡1.27 ረአ) ከመይ እግዚኣብሄር ዘይፈቐዶ፡ ዝኾኖ የብሉን። እግዚኣብሔር፥ ኣብ ሰማይ ኮይኑ፡ ብሓደ ወገን ነቲ ዘለዓለማዊ መደቡ፡ ኣዋኑ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ ግብሪ ንኼውዕሎ እናተቐረበ ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንስኻ እትገብሮ መደብ ይስሕቕ ኢዩ (ዘዳ 145፡15 ረአ)።

ኣብ ልብኻ ብዙኅ ሓሳብን መደብን ኪቐያየር ከሎ፡ (ምሳ 19፡21 ረአ) መደብ ኣምላኽ ግን፡ ንዘለዓለም ነባሪ ኢዩ (ዘዳ 33፡11 ረአ)። ስቓይካ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነትን እትገብሮ ጸሎትን ተስፋ ከቝርጸካ ኣይግባኣን፥ ከምኡ እውን ተፃይ መደብ ስራሕካ ገለ እንተገጠመካ፡ ነቲ ዘይረኤ ፍርዲ ኣምላኽ ዘክር። መደብ እግዚኣብሄር፡ ሥርዓተ-ኣልቦ መሲሉኳ እንተተራኣየካ እንተኾነ እግዚኣብሔር ንኵሉ ነገር ብሥርዓትን ብመደብን ኢዩ ፈጢርዎ። ሓሳብ ኣምላኽ ኪምርምሮ ዚኽእል ሓደ የሎን፥ መንገዱ እውን ዚፈልጦ ሓደ የሎን (ኢሳ 55፡8 ረአ)።

ንዓና ዳርጋ ኵሉ ተግባር ኣምላኽ ምሥጢር ኢዩ። ሓሳባ ኣምላኽ ዚፈልጥ እንታዋይ ኢዩ? (ኢሳ 40፡13: ሮማ 11፡24: መጥ 9፡13 ረአ)፣ ኵሉ ነገር ምእንቲ ቅድስናኻን ድኅነትካን ኢሉ እግዚኣብሔር ብኃሊዮቱ ኢዩ ዚውስኖ። እግዚኣብሔር ንስኻ ንኽትረብሕ ሓገዝ ይህበካ ኢዩ፥ ንኵሉ ነገር ዚፍጽሞ ብፍጡራቱ ገቢሩ ኢዩ።

ነፍስወከፍ መዓልቲ ሸሽግሩ ስለ ዘልዎ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ኣይትፍራህ (ማቴ 6፡34 ረአ)። ኢየሱስ፡ እቲ ኣቦኻ ዝኾነ እግዚኣብሔር፡ ኵሉ ዜድሌካ ነገር ስለ ዚፈልጥ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ከይትሓስብን፡ ብዛዕባ ሕይወትካ ከይትሰግእን የጠንቅቐኻ (ማቴ 6፡25-34፥ 10፡28-31፥ ሉቃ 12፡22-32: 21፡18)። ሻቕሎትካ ብሓደ መልቲ ኪኃልፍ ኣይግባኣን። ንጽባሕ እግዚኣብሔር ኢዩ ዚኃልየሉ (ማቴ 6፡34 ረአ)። ንስኻ ኣብ ኃልዮት ኣምላኽ ብሓቂ ትኣምን እንተኾይንካ፡ መዓልቲ መጸ እግዚኣብሔር ዕለታዊ መግቢ ከምዚህበካ ርግጸኛ ክትከውን ኣሎካ (ማቴ 6፡11 ረአ)።

ስራህካ ኪቐንዓካ ቢልካ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይትሻቐል፥ ብወገንካ፡ እቲ ኵሉ ዚከኣለካ ምስ ገበርካ፡ እቲ ካልእ ዝተረፈ ንጐይታ ኅደጎ። ብዛዕባ ሕይወትካ ዚምልከት ኵሉ፡ ኣብ ኢድ እቲ መጠን ብዘይብሉ ፍቕሪ ዜፍቅረካ እግዚኣብሔር ኢዩ ዚርከብ። ንስኻ ንእግዚኣብሔር ኣፍቅሮ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ንዓኻ ከፍቅረካ ኢዩ።

ብኵሉንተናኻ ናብ እግዚኣብሔር ተጸጋዕ እሞ፥ ንዕኡ ብምውፋይካ ኬሕጕሰካ ኢዩ። ኵሉ ጸገምካ ኣብ እግዚኣብሔር ኣንብሮ እሞ፡ ንሱ ከኣ ፍታሕ ኪረኽበልካ ኢዩ። ብዙኅ ጊዜ ሻቕሎትን መከራን መሊኡካ እትረኣየሉ ምክንያት፡ ኣብ ገዛእ ኃይልኻ እምብዛ ስለ እትተኣማመን፡ ኣብ እግዚኣብሔር ግን፡ ብዘይመጠን ውሑድ ስለ እትተኣማመን ኢዩ።

ኃልዮት ኣምላኽ ካብቲ ወሰን ዘይብሉ ዕቤቱ ዝተላዕለ፡ ብሐደ ወገን ንምሉእ ዓለም ይኃሊ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንዓኻ ንፍጡሩ ብፍሉይ መንገዲ ኪኃልየልካ ኢዩ ዚረኣ። ህልውናኻ፡ ከምቲ ህልውና ዓለም ብምሉኡ፡ ኣብ ኃልዮት ኣምላኽ ኢዩ ዚነብር። እዙ እምነት እዙይ፡ ነቲ መከራ ዚመላኦ ሕይወትካ ብኽርስቲያናዊ ሓቦን ትብዓትን እትነብሮ ይግበርካ።

እቲ ነዕዋፍ ሰማይ ከይጠምዩ ዚግደስን፡ ንዕምባባ ሜዳ ብመልክዕ ዚኸድንን ኣምላኽ፡ ንዓኻ ወዱ ደኣ፡ ከመይ ኢሉ ሺሕ ጊዜ ኣብሊጹ ዘይግደሰልካ! (ማቴ 3፡26-30 ረአ)። እቲ ንእግዚኣብሔር ዘሎካ ፍቕርን እምነትን ሓቀኛን ፍጹምን እናኾነ ብዝኸደሉ መጠን፡ ኃልዮቱ ከኣ እናዓበየ ኪኸይድ ኢዩ። ንዓኡ ደስ ኢሉዎ፡ ምስቲ ኵሉ ዚሰደልካ ነገር ፍቕሪ ብዝመልኦ እሺታ ተሰማሚዕካ፡ ናብ ኣእዳዉ ተማዕቆብ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኃልዮት ኣምላኽ፡ ምንጪ ሰላምን ቅሳነትን ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 24 Nov 2022, 05:08

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

124 - ኃልዮት ኣምላኽ፡ ምንጪ ሰላምን ቅሳነትን ኢዩ

ኣብ ትሕቲ ዑቕባ መለኮታዊ ኃልዮት እንተእቲኻ፡ ናብቲ ሰላማውን ጥዑምን ዝኾነ መንገዲ ኣቢልካ ክትጐዓዝ ኢኻ። ኣብዙይ ከኣ፡ እግዚኣብሔር ማእለውያ ዘይብሉ ሓገዝ እናሃበ፡ ብርቱዕ ዑቕባ ኪኾነካ ኢዩ። እግዚኣብሔር ኣቦኻ ክንዲ ዝኾነ፡ ንእምነትካ ኣብኡ ኣንብሮ፥ ንሱ ከኣ ብኵሉ ኪኃልየልካ ከምዝኾነ ተረጋገጽ።

ኣቐዲምካ ብግምት እዙይ ኪኸውን ኢዩ ኢልካ ብዝሓሰብካዮ መሠረት ኣይትተክዝ፥ ንጕዳይ ነፍስኻ ብዚምልከት ይኹን፡ ንጕዳይ ሰብነትካ ዚምልከት ይኹን፡ ኵሉ ናብ እግዚኣብሔር ግደፎ። ኣብ ሕማምካ እውን፡ እቲ ኵሉ ዓቅምኻ ዚፈቕዶ ምስ ገበርካ፡ ከም ኢዮብ ጻድቕ፡ ኣብ ኃልዮት ኣምላኽ ተማዕቆብ (ኢዮ 2፡4-10 ረአ)።

ኃልዮአት ገዛእ ርእስኻ ምሉእ ብምሉእ ንእግዚኣብሔር እንተገዲፍካዮ ሓዘን ዚበሃል ኣይኪስመዓካን ኢዩ፥ ኣብ ጸገምካ ከይተረፈ፡ ኣብ ውሽጢ ኅሊናኻ ዘይውዳእ ሓጐስ ኪሰፍን ኢዩ። ብርግጽ፡ ልቦናን ጥበብን ኃልዮትን ዚመልኦ ኣቦ የመኃድረካ ከምዘሎ ብምፍላጥካ ንርእሱ፡ እቲ ጸገም ኵሉ ከዝሕለልካ ኢዩ። ኵሉንተናኻ ኣብ ኢድ ኣምላኻዊ ኃልዮት እንተደኣ ኣንቢርካዮ፡ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ኬፍቅረካ ኢዩ፥ እዙ ሕይወት ዚመልኦ እምነትካ ከኣ፡ ነቲ ኪንገር ዘይከኣል ሕያውነቱን ርኅራኄኡን ዚገልጽ ኢዩ፥ እግዚኣብሔር፡ ንኵሉ ነገር ምእንቲ ጥቕሚ እቶም ኣባኡ ዚኣምኑ ኢዩ ዚምድቦ።

ንሕና ኣብተን ርኅሩኃት ዝኮና ኣእዳው ኣምላኻዊ ኃልዮት ክንዕቆብ ከምዘሎና፡ ኢየሱስ ባዕሉ፡ ደጋጊሙ ነጊሩና ኢዩ (ሉቃ 12፡4-7: 22-23 ረአ)። ኣብ ኢድ ኣምላኽ ንርእስኻ ምዕቛብ ልቦና ኢዩ፥ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራሕ እምነት ምግባር ግን ዕሽነት ኢዩ፥ ንሱ ንዓለም ምሉእ ከማኃድር ከሎ፡ ንስኻ ግን ንሓደ ጸጕርኻኳ ጻዕዳ ወይ ጸሊም ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ (ማቴ 5፡36 ረአ)፥ ንቑመትካ እውን ሓደ እመትኳ ክትውስኸሉ ኣይትኽእልን ኢኻ (ማቴ 6፡27: ሉቃ 12፡25 ረአ)።


ምእንትዙይ እግዚኣብሔር ኵሉሻዕ ኪሕግዘካ ምዃኑ ነቲ ኣባኡ እምነቱ ዜንበረ ኵሉ ከኣ፡ ኪጠፍእ ከምዘይፈቕድን ኣሚንካ፡ ኣብ ኃልዮት ኣምላኽ ጸግዕኻ ግበር። ሕይወትካ ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ከምዘሎ ኣይትረስዕ። ጸጕሪ ርእስኻ ኵሉ ቍጹር ስለ ዝኾነ (ማቴ 10፡30 ረአ) እግዚኣብሔር ዘይፈቕዶ፡ ካብ ርእስኻ ሓንቲ ጸጕሪኳ ክትወድቕ ኣይትኽእልን ኢያ (ሉቃ 21፡18 ረአ)። እግዚኣብሔር ምእንቲ ጥቕምኻ ከምዚሰርሕ ስለ እትፈልጥ፡ ነቲ ንሱ ዚደልዮ ነገር ኵሉ ተቐበሎ። እቲ ናትካ መሠረታዊ መንፈሳዊ ኣቋዋም፡ ብተርእዮ ፍቕሪ ለጋስ ኩን፡ ኣብ እምነትካ ከኣ ጽንዓት ግበር።

ኢየሱስ፡ ብዘይካኡ ሓንቲ ነገር ክትገብር ዘይትኽእል ምዃንካ ካብ ነገረካ፡ (ዮሓ 15፡5 ረአ) ምሉእ እምነትካን ምሉእ ተስፋኻን ኣብ እግዚኣብሔር ከተንብሮ ግቡእዶ ኣይኮነን? እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ኃልዮቱ ዚኣምኑ ዝነብሩ ቅዱሳን፡ ኣብ ሕይወቶምን ስራሖምን፡ ብዙኅ ተኣምራት ገይሩሎም ኢዩ።

ከምቲ ንሓደ ውሉድ፡ እቲ ህያዋይ ኣቡኡ ከምዚግደሰሉ ፈሊጡ ናብኡ ከከይዱ ዜድልዮ ነገር ዚልምኖ፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦኻ ከይተጠራጠርካ ለምኖ ኢኻ። ኣብ መዓልታዊ ሕይወትካ ኸኣ፡ ንኵሉ ነገር እግዚኣብሔር ከምዘካይዶ ኣሚንካ ነቲ ዜድልየካ ኵሉ ለምኖ፥ ከምኡ እውን ንኵሉ ነገር ንሱ ባዕሉ ዋና ኮይኑ ከምዘካይዶ ገይርካ ስራሕ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ውህበት ሰላም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 01 Dec 2022, 05:38

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

125 - ውህበት ሰላም

ውሽጣዊ ሰላም ሓደ ካብቶም ክትውንኖ እትኽእል ዝዓበየ ህያብ እግዚኣብሔር ኢዩ፥ ነዙ ህያብ እዙይ ብምርካብካ ዓለም ይቐንኣልካ ይኸውን፥ እንተኾነ ካባኻ ኪወስዶ ኣይኽእልን ኢዩ። ሰላም ማለት ቡራኬ፡ ሓጎስ፡ ሃብቲ፡ ድኅነት፡ ቅድስና ማለት ኢዩ። ንሕና ናይ ሰላም ትምኒት ክንገልጽ ከሎና፡ ነዙ ኵሉ መንፈሳውን ሣጋውን ጽቡቕ ነገር ኢና እነመልክት።

ኢየሱስ ካብ ሞት ምስ ተንሥኤ እታ ቀዳመይቲ ዘረባ ንሓዋርያቱ ዝተዛረባ ቃል፡ ሰላም ኢያ (ዮሓ 20፡21.26 ረአ)፥ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ከነቐድስ ከለና እውን፡ እታ ንእግዚኣብሔር እንልምኖ ህያብ፡ ሰላም ኢያ፥ ካህን ቅዳሴ ምስ ወድኤ፡ ካብ ሕዝቢ ዚሰናበት፡ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ኢሉ ኢዩ። ሰላም እቲ ዝዓበየን ጽማቍ ኵሉ ጽቡቕ ነገርን፡ እግዚኣብሔር ኪህበና ቃል ዝኣተወልና ሽልማትን፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መቓብር ደቃ እተዚሞ ናይ መወዳእታ መዝሙር ዓወትን ኢዩ።

ሓቀኛ ሰላም ዚርከብ ኣብ ሰማይ ጥራሕ ስለ ዝኾነ፡ ብሰላም ዕረፍቲ ይሃብካ ዚበሃል ከኣ፡ ምስ ሞተካ ኢዩ። ሓቀኛ ሰላም ከተስተማቕር እትኽእል፡ ብመንፈሳዊ ሕይወትካ ምስ እግዚኣብሔር ምስ ተራኸብካ ጥራሕ ኢዩ። ካብቲ ከም ድላይካ ፊዕ ኢልካ እትረክቦ ሓጐስ እዙ ዓለምዙይ፡ መንፈሳዊ ተጋድሎን መንፈሳዊ ኃይላትን ኣዘውቲርካ እትረኽቦ ሓጐስ ይበልጽ። ታሕጓስ እዙ ዓለምዙይ ንነፍስና ሰላምን ሓዘንን ኢዩ ዚህባ። እታ ቀንዲ ምንጪ ሰላምካ ግን እምነትካ ኢያ።

ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምዕቋብ፡ ብሓቂ እቲ ነፍስኻ ዝዓበየ ሰላም እትረኽበሉ እምነት ኢዩ። ኣብ ድኅነት ንኽትበጽሕ እቲ ኢየሱስ ዜበሠሮ ሰላም፡ ፍጹም ኣድላዪ ኢዩ፥ ኢየሱስ ኢዩ እቲ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ ኣፍሲሱ ምስ እግዚኣብሔር ዝዐረቐካ (ቆላ 1፡29 ረአ)። ናትካ ሰላም ኢየሱስ ባዕሉ ኢዩ (ኤፌ 2፡14 ረአ)።

ኣብ ሕይወት ኢየሱስ ክትሳተፍ ከሎኻ፡ ኣብ ሰላሙ ኢኻ ትሳተፍ (ቆላ 3፡15 ረአ)። እሱ ዜበሠሮ ወይ ዚህቦ ሰላም፡ ሰብ እዙ ዓለምዙይ ኣይርድኦን ኢዩ (ፊሊ 4፡7 ረአ)፥ እዙ ናይ ኢየሱስ ሰላም ብጊዜ ጸገም እውን ካባኻ ኣይለቅቕን ኢዩ (ሮም 5፡1-5 ረአ)፥ እዙ ሰላምዙይ ናብ ኣኅዋት ዚዝርጋሕ ብርሃን ኢዩ (1ቆሮ 7፡15 ረአ)።

እዚ ኢየሱስ ዜበሠሮ ሰላም፡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ እንተዘይኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብዙ ዓለምዙይ ኣይርከብን ኢዩ፥ ነዙ ሰላም እዙይ ገዛእ ንብረትካ ክትገብሮ እትኽእል፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኻን ኣብ ኣሰራርሓኻ፡ ኣብ ምሉእ ሕይወትካን ንመንግሥተ ሰማይ ዜንጸባርቕ እንተኾይኑ ጥራህ ኢዩ።

ወዲ-ሰብ ንእግዚኣብሔር ኬወፍየሉ ዚኽእል ዝዓበየ ነገር ውዳሴ ኢዩ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ንሰብ ኬወፍየሉ ዚኽእል ዝዓበየ ነገር ሰላም ኢዩ። ውዳሴ ማለት ሰብ ኣብ እግዚኣብሔር ኪነብር ከሎ ኢዩ፥ ሰላም ማለት ከኣ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ሰብ ኪኃድር ከሎ ኢዩ። ምእንትዙይ ድርብ መኅደሪ ኣሎ ማለት ኢዩ፥ ንሱ ከኣ ሰብ ኣብ እግዚኣብሔር፥ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብሰብ። እቲ ሓደ ማኅደር ካብቲ ካልኣይ ማኅደር ኪፍለ ኣይኽእልን ኢዩ፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ተኸታቲሉ ኢዩ ዚኸይድ። ኢየሱስ እውን ንስኻትኩም ኣባይ ንበሩ፡ ኣነ ከኣ ኣባኻትኩም ክነብር ኢዩ ዝበለ (ዮሓ 15፡4 ረአ)።

ንሱ ብሰላሙ ገይሩ ኣባኻ ምእንቲ ኪነብር፡ ንስኻ ከኣ፡ ብውዳሴኡ ገይርካ ኣብ እግዚኣብሔር ንበር። እዙ ማኅደርን ምልውዋጥ ውዳሴን ሰላምን፡ ኣብዙ ዓለምዙይን ኣብ መንግሥተ ሰማይን፡ ህይወት ዚህበካ ኢዩ። መድኃኔ ዓለም ኪውለድ ከሎ “ውዳሴ ንእግዚኣብሔር፡ ሰላም ከኣ ንደቂ ሰብ፥ ይኹን ኢሎም መላኣኽቲ ካብ ሰማይ ዜዝምዎ መዝሙር ኢዩ (ሉቃ 2፡14)። ከምቲ እግዚኣብሔር ዓለም ምስ ፈጠረ ብቀዳም መዓልቲ ዘዕረፈ፡ ከምኡ ከኣ፡ ነፍስኻ ኣብ ቅድስና እትበጽሕ ሰላም ምስ ረኸበት ኢያ።

ንብፅዕነት ጐይታና ብቑዕ ኮይንካ ምእንቲ ክትርከብ፡ ኣብ ነፍሲ እቶም ኵሎም እትፈልጦም ሰባት ሰላም ንኽትዘርኣሎም ጽዓር። “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ ኢዮም እሞ፡ ብፁዓን ኢዮም” (ማቴ 5፡9)። እግዚኣብሔር፡ ኣምላኸ-ሰላም ኢዩ (1ተሳ 5፡23፥ ፊሊ 4፡9 ረአ)። እቲ ኵሉ ውሽጣዊ ሰላምን ቅሳነትን ዘይህበካ ኵነታት ብሰይጣንን ብሰንኪ ክፉእ ዝንባሌኻን ዚለዓል ነገር ኢዩ። እግዚኣብሔር ሰላምን ቅድስናን ኃቢረን ኪከዳ ኢዩ ዚደሊ።

ኦ ጐይታይ፡ እቲ ንሓዋርያትካ ዝሃብካዮም ሰላምን፡ እቲ ንስኻ ጥራሕ ክትህቦ እትኽእል ሰላምን እምበር፡ እቲ ዓለም ኪህቦ ዘይኽእል ሰላም፡ ክትህበኒ እልምነካ ኣሎኹ (ዮሓ 14፡27 ረአ)፥ ኦ ጐይታይ ብጐደና ሰላም ከምዝኸይድ ግበረኒ (ሉቃ 1፡79 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኅብረት ምስ እግዚኣብሔር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 06 Dec 2022, 03:30

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

126 - ኅብረት ምስ እግዚኣብሔር

ብጸሎት ይኹን ብስራሕ፡ ምስ እግዚኣብሔር ኅብረት ክትገብር ኣሎካ፥ ዝኾነ ይኹን ስራሕ፡ ካብ እግዚኣብሔር ኪፈልየካ የብሉን፥ ሕይወትካ ብምሉኡ፡ ምስ እግዚኣብሔር ሓደ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ዘለኻዮ ኣሎኻ፡ እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎካ ኅበረት ምእንቲ ከይዝረግ፡ ኣብ ከባቢኻ ጽሞና ንኽትፈጥር ጽዓር። ልብኻ ናይ እግዚኣብሔር ማኅደር ስለ ዝኾነ፡ ድምጺ እዙ ዓለምዙይ ካብ ልብኻ ኪርሕቕ ይግባእ፥ እቲ እትነብረሉ ቦታ እግዚኣብሔር ደኣ ኪመልኦ ኣለዎ እምበር፡ መኅደሪ ዘይረብሕ ነገር ኪኸውን ኣይግባኣን።

ውሽጣዊ ስቕታ ዘይብሉ ሰብ፡ ምስ እግዚኣብሔር ኪኃብር ኣይኽእልን ኢዩ። ንስኻ ከኣ ካብቱ ኣምላኽ ዘይኮነ ኵሉ ነገር ተገላጊልካን ናጻ ኮይንካን፡ ኣብ መዓሙቝ ልብኻ ኣቲኻ፡ ጽሞና ፍጠር። ምስ እግዚኣብሔር ኅብረት እንተገይርካ፡ ጽሞና ከጥቕዓካ ኣይኽእልን ኢዩ። ምስ እግዚኣብሔር በይንካ ምእንቲ ክትብሕት፡ ንጽሞና ሃረር ክትብሎ ይግባኣ። ነቲ ጐይታ ኵሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ክትኅዝ፡ ነቲ ኵሉ ካልእ ነገር ኅደግ።

ንገዛእ ራእስኻን ንኵሉን እንተዘይመኒንካ፡ ምስ እግዚኣብሔር ክትኃብር ኣይትኽእልን ኢኻ።
ኣብ ጽሞና ክትነብር ደስ ክብለካ ከሎን ዘይረብሕ ወግዒ ምግባር ኪጽልኣካ ከሎን፡ ምስ እግዚኣብሔር ዓቢይ ኅብረት ገይርካ ከምዘሎኻ ፍለጥ። ከምቲ ንህቢ ንዕምባባ ከየበላሽወ መዓር ዚመጺ፡ ከምኡ እውን ከምቲ ብርሃን ንኵሉ ነገር ዜብርህ፡ ከምኡ ከኣ፡ ምስ እግዚኣብሔር ኅብረት ምግባር፡ ንግቡእካን ንስራሕካን ብዝበለጸ ከምትከታተሎ ይገብረካ እምበር፡ ካብ ግቡእካን ካብ ስራሕካን ኣየትርፈካን ኢዩ።

መንፈሳዊ ብዝኾንካዮ ምስ እግዚኣብሔር ብዝኃበርካዮን መጠን፡ ካብ ነገር እዙ ዓለምዙይ ኵሉ ክትርሕቕ ክትደሊ ኢኻ፥ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ክትርኢ ከኣ፡ ካብዙ ምሽክን ዝኾነ ዓለምዙይ ክትርሕቕ ባህግኻ እናበርትዔ ኪኸይድ ኢዩ። ምስ እግዚኣብሔር ብዝኃበርካዮ መጠን፡ ብኵሉንተናኻ ሰላምን ቅሳነትን ኪወርሶ ኢዩ፥ እቲ ንጉሠ ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ፡ ንኵሉ ምድራዊ ሻቕሎትካ ካብ ልብኻ ጸራሪጉ ኣውጺኡ፡ ኣብ ልብኻ ምስ ኃደረ፡ ጐይታ ኵሉ ነገር ከምዝኾንካን ሓንቲ ነገር ከኣ፡ ከምዘይጐድለካን ክርድኣካ ኢዩ።

ምስ እግዚኣብሔር ብዝኃበካዮ መጠን፡ መሊስካ ክትዓብን ትሁት ሰብ ክትከውንን ኢኻ፥ እቲ ብርሃን ዘየመኃላልፍ ዝነበረ ሰብኣዊ ተፈጥሮኻ፡ ሰባት ብኣኻ ገይሮም ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ኪርእይዎ፡ ብርሃን እተመኃላልፍ ክትከውን ኢኻ።
ንጣዕሚ እግዚኣብሔር ምስ ኣስተማቐርካዮ፡ ንጣዕሚ እዙ ዓለምዙይ፡ ከም ጐሓፍ ገይርካ ክትርእዮ ኢኻ። ታሕጓስ እዙ ዓለምዙይ ምስቲ ነፍሲ ብኅበረት ኣምላኽ እትረኽቦ ታሕጓስ ኪነጻጸር ከሎ፡ ናይ በሓቂ ጽላሎቱ ኢዩ።

ጣዕሚ ኅብረት ኣምላኽ፡ ንነገር እዙ ዓለምዙይ፡ ከም ክፉእ ከምትጸልኦ ኪገብረካ ኢዩ። እግዚኣብሔር ጥበብ ዜምህረካ፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ኢዩ (መጥ 51፡ 8 ረአ)። ኣብዙ ዓለምዙይ እቲ ንኽትረኽቦ ሃረር እትብሎ፡ ዝዓበየ ዓወት ንኅብረት ኣምላኽ ኢዩ። እግዚኣብሔር ብኣምሳሉ ዝፈጠረካ ምኽንያት፡ ኣብ ፍቕሩ ከሳትፈካ ኢሉ ኢዩ (ዮሓ 17፡21 ረአ)። እቲ ንነፍሲ ምስ እግዚኣብሔር ዜኅብራን ዜወሃህዳን ፍቕሪ ጥራሕ ኢዩ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ምእንቲ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢልካ ንበር፥ ከምኡ ኢልካ ክትነብር ከሎኻ ከኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ናቱ ኅብረት ኮይንካ ንበር፥ ምሉእ ሕይወትካ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ፡ ዝጠሓለን፡ ዝተዋሕጠን፡ ዝተሠወረን ኮይኑ ኪርከብ ኣለዎ (ቆላ 3፡3 ረአ)። ብህላዌ ኣምላኽ ትኣምን እንተደኣ ኮይንካ፡ ሕይወትካ ምእንታኡ ቢልካ ካብ ምኅላፍ ዝሓሸ ምርጫ የልቦን።

እግዚኣብሔር ነቲ ኢምንት ዝኾነ ሰብኣዊ ተፈጥሮኻ ናብቲ ወሰን ዘይብሉ ፍቕሩ ስሒቡ፡ ምሳኡ ንኼወሃህደካ፡ ጸሎት ግበር። ምስቲ ንስኻ እተፍቅሮ፡ ዓይኒ ንዓይኒ እናተረኣኹም ምውጋዕ፡ ክንደይከ ጽቡቕ ኢዩ! እዙይ ከኣ፡ ጊዜኡ ከይኣኸለ፡ ናብ መንግሥተ ሰማይ ምእታው ማለት ኢዩ!።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንሕይወትካ እግዚኣብሔር ይምልኣዮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:


Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 15 Dec 2022, 08:36

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

127 - ንሕይወትካ እግዚኣብሔር ይምልኣዮ

መንፈሳዊ ኣስተንትኖ ዕርክነት ኣምላኽ ንኸተስተማቕር ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ መጋበሪ ኢዩ። እንተኾነ፡ ናብ እግዚኣብሔር ከምትበጽሕ ዚገብረካ መንፈሳዊ ኣስተንትኖ ንኽትኅዝ፡ ቅድሚ ኵሉ ንገዛእ ርእስኻ ክትምንን ከምዘሎኻ ክትፈልጥ ይግብኣካ። ኣላዪን ተቈጻጻርን ጥቕምኻ፡ ኣምላኽ እምበር ባዕልኻ ኣይትኹን።

ንእግዚኣብሔር ብኵሉንተናኻ ብሓቂ ተወፊኻ፡ ንናይ ዓለም ሻቕሎትን ከንቱነትን መኒንካ እንተኾይንካ፡ ብዝገበርካዮ መብጽዓ ተጣዒስካ ናብ ሕይወት ቀደምካ ከይትምለስን፡ ሕይወትካ ከኣ ኣብዙ ንእሽቶን መስኪንን ዝኾነ ዓለምዙይ ከይተኅልፎ፡ ኣብቲ ገፊሕ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ዓለምን ዓሚቝ ዝኾነ መንፈሳዊ ሕይወትን ወፈያኻ ኣኽቢርካ ንወትሩ ክትነብር ጽዓር።

ምስ እግዚኣብሔር ኃቢርካ እንተነቢርካ፡ ስቓይ ክምቅረካን ከተፍቅሮን ኢኻ፥ ካብ እግዚኣብሔር እንተሪሒቕካ ግን፡ እቲ ብርቱዕ ሓጐስ እውን፡ ናብ መሪር ስቓይ ኪቅየረካ ኢዩ። ከምታ ሓንቲ ነጥቢ ማይ ኣብ ሓደ ኩባያ ነቢት ሃለዋታ ዚጠፍእ፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ፡ ብህላዌ ኣምላኽ እንተተዋሒጥካ፡ ሽሕኳ ብሓደ መዳይ እቲ ድኹም እንታይነትካ እንተጠፍኤ፡ በቲ ሓደ ወገን ግን፡ ኣብቲ ወሰን ዘይብሉን ሃብታም ዝኾነን ሕይወት ኣምላኽ ክትሳተፍ ኢኻ።

ናብ እግዚኣብሔር ብዝቐረብካዮ መጠን፡ ብዝበለጸ ኣብቲ ረቒቅን ቅዱስን ዝኾነ ሕይወቱ ክትሳተፍ ኢኻ፥ ካብኡ ብዝረሓቕካዮ መጠን ከኣ፡ ንበይንኻ ብሒትካ ምስ ድኻምነትካ ክትነብር ኢኻ። እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥኻ ስለ ዚርከብ፥ ካባኻ ወጻኢ ንኽትደልዮ ኣይትጽዓር፥ ኣብ ውሽጢ መዓሙቕ ነፍስኻ ድለዮ፥ ምሳኡ ከኣ፡ ዘይቋረጽ ዘተ ፍቕሪ መሥርት።

ምስቲ ዜፍቅረካን ከተፍቅሮ ዚደልየካን ኢየሱስ፡ ንሱን ንስኻን ብሒትኩም ክትዛረቡ ደስ ይበልካ። ከምቲ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ታሕጓስካ ኪኸውን ዘለዎ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይ ጥራሕ ክትነብር ዘሎካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ እውን፡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ንቅዱሳን ዜጽግቦም ኣምላኽ፡ ንዓኻ እውን ብእምነት ድሮ ኬጽግበካ ይርከብ ኣሎ። ሕይወትካ ባዶ ኮይኑ ምእንቲ ከይተርፍ፡ ብሕይወት ኣምላኽ ክትመልኦ ጽዓር።

እግዚኣብሔር ናብ ልብኻ ኪኣቱ ኢዩ ዚደሊ፥ እንተኾነ ንሱ ብዘይ ፍቓድካ ኪኣቱ ኣይደልን ኢዩ። እግዚኣብሔር ንምሉእ ህልውናኻ ኣብቲ መለኮታዊ ሕይወቱ ምእንቲ ኬሳትፎ፡ ነቲ ዚህበካ ጸጋ እሙን ሰራሕተኛ ኮይንካ ተጠቐመሉ። ኣብ ምድራዊ ሕይወትካ ኣስተንትኖ ከየዘውተርካ ምስ እግዚኣብሔር ክትራኸብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣስተንትኖኻ ኣብ ዝለዓለ ፍጽምና ኪበጽሕ ዚኽእል፡ ንእግዚኣብሔር ካብ እትዛረቦ ብዚያዳ ከተፍቅሮ ከሎኻ ኢዩ።

ንስኻ ወዲ እግዚኣብሔር ኣብን፡ ኃው እግዚኣብሔር ወልድን፡ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስን ብምዃንካ፡ መሠረት ዕቤትካ ምሥጢር ሥላሴ ኢዩ። ሥላሴ፡ ኣባል መለኮታዊ ሕይወቶም ኪገብሩኻ ኢዮም ዚደልዩ። ሓሳብካ ናብ ካልእ ከይገበርካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎኻ፡ ምስ እዞም ሠለስተ ኣካላት ሥላሴ ኃቢርካ፡ መንግሥተ ሰማይካ ክትነብር ዠምር። ናይ ብሓቂ፡ እቲ ሓቀኛ ዕቤትካ እዙይ ኢዩ።

ጸሎተኛ ምዃን ካብ ኢየሱስ ተመሃር። ንልብኻ መንበር ቅዱስ ቍርባን ግበሮ፥ ንስራሕካ ከኣ፡ ናብ እግዚኣብሔር ሓሓሊፍካ እተዕርገሉ ቤተ መቕደስ ግበሮ። እትገብሮ ነገር ኵሉ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ ነፍስኻ ከምዘሎ ኣሚንካ ግበሮ። እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ተግባር ሕይወትካ ብሥዉር ከምዚርከብ፡ ኣይትረስዕ።

ኣብ ሰማይ ከምዘሎኻ እናሓሰብካ፡ ኣብዙ እግዚኣብሔር ዝፈጠሮ ዓለምዙይ፡ ንዓኡ እናወደስካን፡ እናሰገድካን፡ እናምለኽካን ንበር። እቲ እትሰርሓሉ ቦታ፡ ናዝሬት ኮይኑ ይረኣየካ፥ ምስ ጐይታና ኃቢርካ ከኣ ንበር፥ ንእትቕበሎ ጋሻ ኵሉ፡ ንኢየሱስ ከምዝተቐበልካዮ ገይርካ ረኣዮ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሕይወትካ ውዳሴ ኣምላኽ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:


Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 Dec 2022, 09:21

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

128 - ሕይወትካ ውዳሴ ኣምላኽ ኢዩ

ውዳሴ፡ ካብ ሰብ ኣይትጸበ (ኢሳ 42፡8 ረአ)፥ ውዳሴኻ፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣንብሮ፥ (ዮሓ 8፡54 ረአ)። ናትካ ሻቕሎትን ስክፍታን፡ እግዚኣብሔር ጥራሕ ከምዚውደስ ይኹን (1ቆሮ 1፡31 ረአ)። ውዳሴ ኣምላኽ፡ ናብ ሰማይ ከምዚዓርግ መስኖ ማይ ኢዩ፥ በቲ መስኖ እቲ፡ ናብ ርእስኻ መለኮታዊ ቡራኬ ኢዩ ዜፍስስ። ባህግኻ፡ ሥልጣንን ዓወትን ምርካብ ዘይኮነስ፡ ኣገልግሎት ኣምላኽ ይኹን። ብኣፍን ብዘረባን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሕይወትካን ብስራህካን ንእግዚኣብሔር ክትውድሶ ጽዓር። ኣብ ኵሉ፡ ዋላ ኣብቱ ንእሽቶ ነገር፡ ንውዳሴ ኣምላኽ ዚውዕል ተግባር ክትፍጽም ጽዓር።

እቲ ንእግዚኣብሔር ዚውድስ፡ እቲ ሰብ ዝድነቐሉን ዜጠቕዓሉን ዓቢይ ስራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ፡ ንስኻ ብኅቡእ እትደኽመሉን፡ እትሳቐየሉን፡ እትሓቀሉን፡ ሃረርታ ድኅነት ነፍሳት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኢዩ። ነፍስኻ፡ ምስ ነፍሲ ኢየሱስ ኃቢራ፡ ንሥላሴ ፍጹም ዝኮነ ውዳሴ ከተቕርበሎም ይግባእ፥ ነፍስኻ ንሥላሴ እተቕርቦ ውዳሴ፡ ምእንቲ ንድኅነት ዓለም፡ ከም መሥዋዕቲ ዚቐርብ ዘየቋርጽ ወፈያን ገጸበረኸትን ምስኡን ከምኡን ንኽትከውን ኢዩ።

እግዚኣብሄር ዚጐድሎ ነገር ስለ ዘይብሉ፡ ንስኻ ክትገብረሉ እትኽእል ነገር እውን ስለ ዘየልቦ፡ ክትውድሶ ጥራሕ ኢዩ ዚደሌካ (ዘዳ 113፡1 ረአ)፡ እቲ፡ ንስኻ ንእግዚኣብሔር ክትህቦ እትኽእል፡ ዝዓበይ ውዳሴ፡ ፍቓድካ ኣብ ትሕቲ ፍቓዱ ምንባር ኢዩ። ንሱ ኪፈጥረካ ከሎ፡ ኣብ ልብኻ ሓደ ዕላማ ኣንቢሩልካ ኢዩ፥ እዙ ዕላማ እዙይ ከኣ፡ ብዘይካ ንሱ እግዚኣብሔር፡ ካልእ ዕላማ ኪህልወካ ኣይኽእልን ኢዩ። ከመይሲ ተግባር እግዚኣብሔር፡ ብዘይካ ኣብ ትሕቲ ገዛእ ዕላማኡ፡ ኣብ ትሕቲ ካልዕ ዕላማ ኪኃድር ኣይኽእልን ኢዩ። ነፍስኻ ንሕይወትካ ክትቃወም ኣይትኽእልን ኢያ፥ ከመይ እግዚኣብሔር ንዓኻ ዝፈጠረካ ናጻ ገይሩን ብሕያውነቱን ኢዩ።

ምእንትዙይ ንስኻ ኣብዙ ዓለምዙይ እትርከብ ዘሎኻ፡ ንእግዚኣብሔር ንኽትውድስ ኢዩ። እቲ መወዳእታን ዝለዓለን መፈጸምታኻ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ። ብዘይካ ንእግዚኣብሔር ምውዳስ፡ ንኻልእ ክትውድስ ኢልካ ኣይተፈጠርካን። ንስኻ እትነብር ምእንትኡ፡ ንስኻ እትመውት ምእንታኡ፡ ንስኻ ንዘለዓለም እትነብር ምእንታኡ ኢኻ።


ምእንትዙይ ንስኻ ዝተፈጠርካ ንእግዚኣብሔርን ንኽብሩን ኢልካ ኢኻ። ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ዕላማኻ እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ። ዝተፈጠርካሉ ዓለም ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ዕላማ የብልካን። ንስኻ ውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ክትከውን ኢሉ፡ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ኢዩ ኣብ መደቡ ኣእቲዩ ፈጢሩካ (ኤፌ 1፡11-12 ረአ)።

ነፍስኻ፡ ሰብነትካ፡ ኣእምሮኻ፡ ልብኻ፡ ህዋሳትካ፡ መዓልትኻ፡ ለይትኻ፡ ስራህካ፡ ዕረፍትካ፡ ሕይወትካ፡ ሞትካ፡ ኵሉ ኾታ! ንእግዚኣብሄር ኢዩ ኪውድስ ዚግባእ። እዙይ ንዓኻ፡ ጽማቍ ህይወትካን ፍጽምና ህልውናኻን ኢዩ። ንስኻ ኣብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ኃቢርካ፡ ንዘለዓለም ንእግዚኣብሔር እናወደስካዮ ክትነብር ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “እግዚኣብሔር፡ ኣብ ሕይወትካ ልዕሊ ኵሉ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:


Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 29 Dec 2022, 04:50

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:


129 - እግዚኣብሔር፡ ኣብ ሕይወትካ ልዕሊ ኵሉ

ብዝከአለካ መጠን ካብ ንእሽቶ ኃጢኣት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ንእሽቶ እንከን እውን፡ ናጻ ክትከውን ጽዓር። እንከን ዚበሃል፡ ብመሠረቱ ኃጥኣት ዘይኮነስ፡ ግን ከኣ፡ ደስ ዘየብል ተግባር ኢዩ፥ ንኣብነት ንኣምላኽ ክንዲ ምውዳስ ንገዛእ ክብርኻን ምድራዊ ታሕጓስካን ምድላይ ወይ ምቕዳም ኢዩ። ብሓጺሩ፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምብዳል ከይበጻሕካ ብባህርያዊ ዝንባሌኻ ተደፊእካ፡ ንገዛእ ሓጐስካ ጥራሕ ብምጥማት፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ኢልካ፡ ንሰብ ብዘይግቡእ ክትጥቀመሉ ከሎኻ፡ እትፍጽሞ ተግባር፡ እንከን ይበሃል።

እንከን ከም ኣበር፡ ከም ክፉእ ዝንባሌ፡ ከም ሕማቕ ልማድ፡ ከም ሕማቕ ባሕርያዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን፡ ከም ሕማቕ ሰብኣዊ ግምት ምጥራይ፡ ከም ውጥምናን ከንቱነትን ዝኣመሰሉ ተግባራት ኢዮም፥ ኮታ! እንከን እቲ ኣብ ንፉዕ ሰብ እውን ዚረኤ ንእሽቶ ሰብኣዊ ድኻምነት ኢዩ፥ ንኣብነት፡ ሰብኣዊ ተፈጥሮኻ ኣመና ኃያል እንተኾይኑ፥ ከም ክርስቲያን መጠን ኣብ ሕይወትካ፡ ከምቲ ዚግባእ፡ ንእግዚኣብሄር ምሉእ ብምሉእ ቀዳማይ ቦታ ዘይትህቦ እንተኾይንካ፡ ወዘተ ኢዮም።

ነዙ ብባህርይኻ ዝወረስካዮ ኣበር፡ ብጽቡቕ ድላይ ከተመኃይሾን፡ ክትምጥኖን፡ ካባኻ ጨሪሽካ ከተጥፍኦን ትኽእል ኢኻ። ሽሕኳ ኣብ ህልውና ኃጢኣት እንተዘየሎኻ፡ እንተዀነ ግን፡ ጐይታ ቅድሚ ባርያኡ ኪመጽእ ግቡእ ኢዩ። ምእንትዙይ ኣበር ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ነገር ስለ ዝኾነ፡ ንስኻ እውን ብዝከኣለካ መጠን ካብኡ ናጻ ኮይንካ ክትነብር ጽዓር።

ነቲ ኣብ ውሽጢ መዓናጡኻ ዘሎ ሓሳብን፡ ፍቕርን ስራሕን፡ ንኅሊናኻ መርሚርካ ክትፍትሾ እንተትደሊ ብርግጽ፡ ቀሊል ኣይኮነን፥ ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ንኅሊናኻ፡ ብኸምዙይ መልክዕ እንተትምርምሮ እቲ ንዓይ ይጥዓመኒ ዚብል ክፉእ ዝንባሌኻ፡ ንውዳሴ ኣምላኽ ዚግብኦ ቦታ፡ ኣልቂቑ ባዕሉ ኪቕመጠሉ ምረኤኻ ነይርካ! ምእንትዙይ ትዕቢትካ ቀዳማይ ቦታ ኂዙ እግዚኣብሔር ግን ካልኣይ ቦታ ኂዙ ይርከብ ኣሎ ማለት ኢዩ።

ንእግዚኣብሔር ኣብ ህይወትካ ብጽቡቅን ብኽፉእን ጊዜ፡ ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን ኮይኑ ምእንቲ ክትርእዮን፡ ከተፍቅሮን፡ ክትደልዮን፡ ቀዳማይ ቦታ ኣትኅዞ። ንስኻ፡ ኵሉሻዕ ድኅሪ እግዚኣብሔር ተቐመጥ፥ ቅድሚ ኵሉ ንእግዚኣብሔር እንተኃሪኻን ንዕኡ ጥራሕ እንተተኣዚዝካን፡ ህይወትካ ሥሩዕን ቅኑዕን ኪኸውን ኢዩ።

እቲ ብዘረባ ኮነ ብተግባር እትፍጽሞ፡ ንኵሉ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ፈጽሞ (ቆላ 3፡17 ረአ)። ክትበልዕ ከሎኻ፡ ክትሰቲ ከሎኻ፡ ዝኾነ ነገር ክትገብር ከሎኻ፡ ንኵሉ ነገር ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ኢልካ ግበሮ (1ቆሮ 10፡31 ረአ)።
እግዚኣብሔር ብሓቂ ኣብ ቦታኡ ዚርከብ፡ ኣብ ዝለዓለ ቦታ ሕይወትካ እንተኣቐሚጥካዮ ጥራህ ኢዩ። ንስኻ ብምሉእ፡ ንብረት እግዚኣብሔር እንተዘይኮይንካ፡ ንብረት ካልኦት ንኸይትኸውን ተኃሎን ተጠንቀቕን፥ ንፍጡራቱ ከተፍቅሮም ከሎኻ ብእኡን ምእንትኡን ኢልካን ጥራሕ ኣፍቅሮም። ናይቲ ኣብ ኵሉ ስራሑ ንፍቓድን ንውዳሴ ኣቡኡን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዜንብሮ ኢየሱስ፡ ሓቀኛ ሓዋርያ ክትከውን እንተደሊኻ፡ እቲ መለኮታዊ ረብሓኻ ነቲ ሰብኣዊ ረብሓኻ ኬብርሆን ኪመርሖን ይግባእ (ማቴ 11፡26፥ ዮሓ 8፡29፥ 17፡4 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብዘይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሕይወት የልቦን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Jan 2023, 04:40

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

130 - ብዘይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሕይወት የልቦን

ኣስተንትኖ ሕይወት ነፍስኻ ስለ ዝኾነ፡ ብመንፈስካ ውሽጣዊ ምዕባሌ ከይገበርካ፡ ኣብ ቅድስና ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ እዙ ውሽጣዊ ምዕባሌዙይ ብዘይ ኣስተንትኖ ኣይርከብን ኢዩ። እቲ ኣብ ሕይወቱ ኣስተንትኖ ዜዘውትር ጕዳይ እዙ ዓለምዙይ ንጕዳይ እቲ ካልኣይ ዓለምን፡ ብዓቢይ ጥበብ ተጠንቂቑ ኢዩ ዚኅዞም።

ንነፍስኻ ብመንፈሳዊ ትምህርትን ብጽቡቕ ኣብነት ቅዱሳን ምልኣያሞ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ንልብኻ ኪልውጥዎ ኢዮም። ከምቲ ሓደ መጥሓን ዚሃብዎ እክሊ ዚጥሕን፡ ንስኻ ከኣ ቅዱስ ዝኾነ ሓሳብ ጥሓን ወይ ኣኰማስዕሞ፡ ንህይወትካ፡ ዜድሌካ ጽቡቕ ሓሪጭ ክትረክብ ኢኻ። ጸጸኒህካ ናብ መዓሙቕ ነፍስኻ እናኣተኻ፡ ብዘይካ ንእግዚኣብሄር፡ ንኵሉን ንኵሎምን ካብ ልብኻ ኣውጽኣዮም። ልብኻ ብጽሞናን፡ ብትሕትናን፡ ብፍቕርን ምስ እግዚኣብሔር እትራኸበሉ ቤተ መቕደስ ይኹንካ።


ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ገዚፍን ገጽ ዘይብሉን ዓቢይ እምኒ በረድ ኮይንካ ቅረቦ እሞ፡ ንሱ ከኣ ከም ሓደ ኪኢላ ኪነጥበባዊ ዜደንቕ ሓወልቲ ገይሩ ኪቐርጸካ ኢዩ። ኣስተንትኖ ክትገብር ከሎኻ፡ ቅድሚ ኵሉ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ከምዘሎኻ ሕሰብ፥ ድኅሪኡ ንኵሉ ድሌትካ ብትሕትና ግለጸሉ፥ ብኽፉት ልቢ ተዛረቦ፥ ምስኡ ብምርኻብካ ባህ ይበልካ ደኣ እምበር፡ እንታይ ኢየ ዚብሎ ኢልካ ዓቕልኻ ኣይተጽብብ፡ ኣስተንትኖ ምግባር ማለት ከም ማርያም መግደላዊት ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኮፍ ኢልካ ንቓሉ ምስማዕን ንገጹ ምጥማትን ኢዩ (ሉቃ 10፡39 ረአ)።

ኣስተንትኖ ክትገብር ከሎኻ ብዙኅ ንኽተፍቅር ጽዓር ደኣ እምበር፡ ብዙኅ ኣይትሕሰብ። ኣስተንትኖ ክትገብር ከሎኻ፡ ናይ ፍቕሪ ሓሳብ እንተመጸካ፡ ክትገልጾ ጽዓር ደኣ እምበር፡ ክትዓብጦን ከተጥፍኦን ኢልካ ኣይትጽዓር። ኣብ ውሽጥኻ ድሌት ጸሎት ኪስመዓካ ከሎ ኣብቱ ሓሳብ ደው ኢልካ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣስተማቕሮ፥ እቲ ናይ ኣስተንትኖ ቀንዲ ነገር ንእግዚኣብሔር ብዝበለጸ ንምግልጋልን፡ ንምፍቃርን ደኣ እምበር፡ ንስኻ ንኽትዓግበሉ ኣይኮነን።

ኣብ እትገብሮ ኣስተንትኖ፡ ምስ እግዚኣብሔር ብሓቂ እንተደኣ ትራኸብ ኮይንካ፡ ምሉእ መዓልቲ ክትዝክሮ ኢኻ። እግዚኣብሔር ኣብ ልብኻ ዝኃተሞ ቃል ፈጺምካ ኣይትርስዖን ኢኻ፥ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ልብኻ ሓቅነትን፡ ሰላምን፡ ሓጐስን ኬሥርጸልካ ኢዩ። ኣስተንትኖ እትገብር ንኣምላኽ ንኸተፍቕር ደኣ እምበር፡ ንኣምላኽ ንኽትፈልጥ ኣይኮነን። ኣስተንትኖ እትገብር፡ ምእንቲ ጽምኢ-ፍልጠት ዘይኮነስ፡ ንልብኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ከተቃጽሎ ኢዩ፥ ንሓሳብኻ ላዕልን ታህትን እናበልካ ብመንፈስ ከተስተንትን ከሎኻ፡ ንምሕረት ኣምላኽ ውዳሴን ክብርን ንምቕራብ ኢዩ (ዕብ 12፡3፥ ዘዳ 119፡97፥ ሌዋ 11፡3-8)።


ኣስተንትኖ ኣብ ፍቕሪ-ኣምላኽን ውሽጣዊ ሕይወትን ኢያ።መንፈሳዊ ኃይላት ዝጐድለካ እንተኾይኑ፡ ኣስተንትኖ ክትገብር ምስ ዠመርካ ከተጥርዮ ክትዥምር ኢኻ። እቶም ኵሎም ብመንፈሳዊ ሕይወት ኪሥልጥኑ ዚደልዩ ክርስቲያን፡ ብዘይ ኣስተንትኖ ኪሥልጥኑ ኣይኽእሉን ኡዮም። ኣስተንትኖ ክትገብር ከሎኻ ሓሳብካ ምጥራናፍ እንተኣበየካ፡ ሓሳብካ ክትጥርንፈሉ እትኽእል ገለ ጽቡቕ መጽሓፍ ኣንብብሞ፡ ድኅሪኡ ቀስ እናበልካ ልብኻ ኣብ ጸሎት ከምዚጥሕል ግበሮ።

ብጊዜ ኣሰትንትኖ፡ መጽሓፍ ምንባብ ናብ እግዚኣብሔር ቀልጢፍካ ንምብጻሕ ይሕግዝ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ወንጌል እነንብቦ፡ ታሪኽ ሕይወት ኢየሱስን ሓዋርያቱን ምስትንታን እውን ድንቂ ዝኾነ ጸሎት ኢዩ። ኢየሱስ ኪጐዓዝ ከሎ ኃቢርካ ምሳኡ ምጐዓዝ ፥ ስምዒቱ ናትካ ስምዒት ምግባር፡ ንሰብከቱ ጽን ኢልካ ምስማዕ፥ ተኣምራቱ ምርኣይ፥ ናብኡ ቀሪብካ ምስኡ ምዝራብ፥ ምስኡ ብምህላውካ ምሕጓስ፥ ንስኻ ክትፈልጦን ከተፍቅሮን ከምትደሊ ምንጋሩ የድሊ።

እቲ ንስኻ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት፡ እትገብሮ ተግባራት ኵሉ፡ ብንፋስ መጺኡ ኣብ ልብኻ ዚዕቈር ዘርኢ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ፍረ ኪበጽሕ ዚኽእል ብጽሞናን ብጸሎትን ጥራህ ኢዩ። ሕይወትካ ንእግዚኣብሄር ወፊኻ እንተኾይንካ፡ ጸሎት ምግባር ግቡእካ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መሰልካ እውን ከምዝኾነ ኣይትረስዕ፥ እዙ መሰል እዙይ ከኣ፡ መንም ኪምንዝዓካ ኣይኽእልን ኢዩ።

ንጸሎት፡ ጊዜ የብለይን ኣይትበል፥ ንእትፈትዎ ኵሉ፡ ጊዜ ኣይትስእነሉን ኢኻ። እቲ ጊዜ ኣስተንትኖ ክንደይኳ ደኣ ተናፋቒ ኪኸውን ይግባእ! ከምኡ እውን ንኣስተንትኖ ዚውዕል ጊዜ ንኽትውስን ብሕጊ ማኅበርካ ጥራሕ ክትግደድ ከሎኻ ብሓቂ ዜሕዝን ኢዩ!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ናይ ጸሎት ኣድላይነትን ቁምነገርን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply