Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 May 2023, 08:36

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

146 - መዓርግን ቅድስናን ካህን
.. .. ..

ካብዙ ምድራዊ ሕይወትዙይ ዝተፈለየ ህይወት እተርእን እተረጋግጽን ኩን። ንመደብ ስራሕካ ዚሕንጽጸልካ ክህነት ክርስቶስ ደኣ እምበር፡ እዙ ዓለምዙይ ንኸይኸውን ተጠንቀቕ። ከም ደረጃ ጸዋዕታኻ ምእንቲ ክትነብር፡ ክብርኻን ሥልጣንካን ፍለጥ። ብዘይካኻ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ቝርባን ኣይምሃለዋን፡ ንኃጢኣተኛ ካብ ኃጢኣቱ ዚፈትሖ ኣይምተረኽበን፡ ነቶም ዝሞቱ ከኣ ሥራዓት ቀብሪ ዝገብረሎም ኣይምረኸቡን።

ንስኻ፡ ናይቲ ዘለዓለማዊ ካህን ዝኾነ ኢየሱስ መሳርሒ ኢኻ። ንሱ ብኣንብሮ ኢድ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ነቲ ኣደናቒ ዝኾነ ስራሑ ንኽትቅጽሎን ብስሙ ከኣ፡ ናይቲ ሰብኣዊ ቤዛውነት ዝኮነ መሥዋዕቲ ንኸተሕድስን ኣብ ተልእኮኡ ከምትሳተፍ ገይሩካ ኢዩ። ንስኻ ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደር ኢኻ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ብኣኻ ገይሩ ኪምዕድን ኪግስጽን ይርከብ (2ቆሮ 5፡20 ረአ)።

ወንጌል ከተበሥርን፡ ንምእመናን ክትጓስን፡ ሥርዓተ ኣምልኾ ክትፍጽምን፡ ብጐይታ ዝተቐባኣካ ኢኻ። መሳርሒ እቲ ንድኻታት ወንጌል ኬበሥር ዚመጸ ኢየሱስ ብምዃንካ፡ ንስኻ እውን ከም ኢየሱስ፡ ድኻ ኮንይካ፡ ነቲ ንሱ ዝሃበካ ጸዋዕታን ጸጋን፡ ብናይ ኢየሱስ መንፈስ ሃብቲምካ ናብ መንጎ ድኻታት ክትከይድ ኢዩ ዚግባእ። ንስኻ እውን ከም ኢየሱስ ሕይወትካ ነኅዋትካ ኣወፊዮ፡ ንኢየሱስ ክትመስል ከኣ ጽዓር።


ኃውካ ናብ ኃጢኣት ኣብ ዝወደቐሉ ጊዜ ራኅርኅሉ፥ ምስኡ ኃቢርካ ብኸን ሕዘንን እምበር፡ ብትዕቢት ኣይትርኣዮ፥ ኢየሱስ ሕይወቱ ምእንቲ ኃጢኣት ዓለም ሠዊዑዎ ኢዩ፥ ንኃጢኣተኛታት ዚግባእ መቕጻዕቲ ከኣ፡ ኣብ ዝባኑ ተሸኪምዎ ኢዩ። ንኃጢኣቶም እኳ እንተዀነንካ፡ ንኃጢኣተኛ ግን ብሕያውነት ተቐበሎ ኢኻ።

ጸሎት፡ ናይ ሕይወትካ ነፍሲ ከምዚኸውን ግበር፥ ካብ ኵሉ ከኣ እቲ ነፍሲ ሕይወትካ ኪኸውን ዚግብኦ ጸሎት፡ ጸሎተ ዳዊት ኢዩ። ንክህነት ክርስቶስ ብዝበለጸ እተዘውትሮ ኣብ ጸሎት ኢዩ። ንኻልኦት ምእንቲ ክትቅድስ ኣቐዲምካ ንርእስኻ ቀድስ (ዮሓ 17፡19 ረአ)። ምእንቲ እቶም ዘየፍቅሩዎ ቢልካ ንእግዚኣብሔር ከተፍቅሮ ጽዓር። ምስ ምእመናን ብስምምዕ እናነበርካ፡ ሓቀኛ ጓሳኦም ኩን። ነቶም ዝጸገሞም ክትሕግዝ ኵሉሻዕ ቅሩብ ኩን፥ ካህን ዝኾንካ ንርእስኻ ዘይኮነስ፡ ንኻልኦት ኢልካ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መስቀል ዚርከብ ዓቢይ ሞያ ንኽትፈልጥ ጽዓር። ምእንቲ እቶም ንስሓ ዘይገብሩ ተነሳሕ።

እቲ ዘለዓለማዊ ካህን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነትና ኢሉ ገዛእ ርእሱ ሠዊዑልና ኢዩ። ንስኻ እውን ምስ ኢየሱስ ኃቢርካ፡ ናይ መሥዋዕትኻ ካህን ኩን። ልዕሊ ኵሉ ከኣ ብዛዕባ ነፍሳት ተገደስ። ነፍሳት ናብ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኪምለሳ፡ እቲ ንሱ ዚሰደልካ ስቓይ ኵሉ ንምሉእ ሕይወትካ ንኽትሳቐ በዓል ጽቡቕ ፍቓድ ኮይንካን ከየቋረጽካን ጸሎት ግበር። ንሕይወትካን ንሞትካን ድኅነት ኣልብሶም። ሓዋርያ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ብፍቕሪ ኢየሱስ ተመሊእካ ናብ ሰብ ምእንቲ ክትክዕዎ፡ ንልብኻ ናብ ልቡ ኣጸግዓዮ። መምርሒ ሓዋርያነትካ፡ እቲ ሕያው ፍቅሪ ኢየሱስ ደኣ እምበር፡ ኣብ ትምህርቲ ጥራሕ ዝተመሥረተ ኪኸውን የብሉን።

መዓልቲ መዓልቲ ንበይንኻ ብሕቲካ ጸሎት እትገብረሉ እኹል ጊዜ መዲብካ፡ ንሕይወትካ ሠሪዕካ ኃዞ እምበር፡ ክሳብ ትንፋስካ እትወጽእን እትጭነቕን ስራሕ እምብዛ ኣይተብዝኅ። ምስ እግዚኣብሄር ብጸሎት ከይተወሃሃድካ፡ ምስ ኣኅዋትካ ብሓቂ ተፋቒርካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ሓዋሪያውነት ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዘይውዳእ ስራሕ ብህርፋን ኣይትጥሓል። ጸሎትካ ኣብ ስራሕካ ከምዚግለጽ፡ ስራህካ ከኣ ከምብሓዲሽ ናብ ጸሎት ከምዝጽውዔካ ግበር።

ኣብ ስራሕካ መስተዋዓሊ፥ ኣብ ኣስተንትኖኻ ብዓል ጽቡቕ ድላይ ኩን። ሓዋርያውነትካ ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ኅብረትን ንዕኡ ዘሎካ ፍቕርን ኪፍልፍል ይግባኣ። ኣብ ሓዋርያውነትካ ንገዛእ ጥቕምኻ እንተዘይሰሪሕካ፥ ብዛዕባ እምነትካን ሓቅነትካን ንሰብ ኪስሕብ ዚኽእል ፍሉይ ዝኾነ ኃይሊ ኣለዎ። ሰባት ካባኻ ዚጽበይዎ ቅድሚ ኵሉ ኣብ ህይወትካ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ወንጌልን፡ ስቓይ ዚቕበል ክፉት ልብን፡ ብህይወትካ እትምስክሮ ጥርጣሬ ዘይብሉ እምነትን ኢዩ። ካህን ብምኳንካ ንሓጐስካ ኣሓድሶ፥ ብሉጽ ካህን ንኽትከውን ጽዓር፥ ኣብዙ ዓለምዙይ እትነብር ሓንሳእ ጥራሕ ኢዩሞ፡ ተቢዕካ ናብ ስራሕ ኣምላኽ ተቐዳደም።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ እግዚኣብሔር ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 03 Jun 2023, 05:38

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

147 - እግዚኣብሔር ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን

እቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ፡ ንቤተ ክርስቲያን ዝመሥረተ ኵሉሻዕ ምስኣ ዚነብር፡ ንሳ ከኣ፡ ብክርስቶስ ገይራ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ተልእኮ ድኅነታ ከተካዪድ ኢያ። ናትካ ተልእኮ ብሞትካ ከቋርጽ ከሎ፡ እታ ተልእኮ ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ግን፡ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ክትቅጽል እያ። ንሳ እትነብር፡ ሳላ እቲ ርእሳ ዝኾነን ሕይወት ዚህባን ኢየሱስ ጥራሕ ኢያ፥ ንሳ፡ እኳ ደኣ፡ መቐጸልታ ኢየሱስ ኢያ። ኢየሱስ፡ ንቤተ ክርስትያኑ ዚመርሓ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ፡ ብሥውር ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኢዩ።

ኃይሊ ቤተ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ተጋቢኣ፡ ቋንቋ ኵሉ ሕዝቢ ዓለም እናተዛረበት፡ ብሓደ ወገን ንሓድነታ ክትገልጽ ከላ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንዓለም-ለኻውነታ (ካቶሊካውነታ) ክትገልጽ ትርከብ። ቤተ ክርስትያን ኣደ ኵሉ ኢያ፥ ንሳ ብዝኾነ ሰብኣዊ ባህሊ፡ ብፖለቲካ፡ ብቁጠባ፡ ብማኅበራዊ ሕይወት፡ ተቐዪዳ ኣይትሰርሕን ኢያ። ቤተ ክርስትያን ዋሕስ ምዕባሌ ወዲ ሰብ ጥራሕ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ፡ ከመይ እቲ ክርስቶስ ዜምጽኦ ናጽነት፡ ብሥጋዊ ምዕባሌ ጥራሕ ዚውሰን ኣይኮነን። እንታይ ደኣስ እቲ ናታ ምዕባሌ ካብዚ ዚዓብን ዚልዕልን ኢዩ።

ቤተ ክርስትያን ዝተመሥረተት ንኵሉ ሰብ ንምግልጋል ኢዩ። ንሳ ኃይሊ እዙ ዓለምዙይ ክትጥቀም ኢላ እንተሃቂና፡ ካብቲ ወንጌላዊ ዝኾነ ዋና ኣተናኣ ርሒቓ ትርከብ። መሠረት ቤተ ክርስትያን ቆይሙ ዚርከብ ኣብ እምነትን ኣብ ትሕቲ ተኣዝዞ ትምህርቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ኢዩ። ኢየሱስ መፋርሕ መንግሥተ ሰማይ ዘረከቦ ንምኽትሉ ንቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ፥ ስለዚ ኣዛዚ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራሕ ኢዩ።

ንስኻ ነቶም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዘሮም ዚቕመጡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዓቢይ ክብሪ ተኣዘዞም፥ እዙ ተቐሚጦምዎ ዘለው ወንበር፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ 21 ዘመናት ታሪኽ ኂዙ ዚርከብ ኢዩ። ወልደ-እግዚኣብሔር ናብዙ ዓለምዙይ ወሪዱ ኣብ መንጎና ምስ ተቐመጠ፡ እሞ ካብዙ ኪኸይድ ከሎ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተከተልቱ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ኪውክልዎ ከምዝወሰነ ፍሉጥ ኢዩ። ዙፋኑ ከኣ፡ ንዘለዓለም ኣይኪፈርስን ኢዩ (ማቴ 16፡18 ረኣ)።

እታ ኣብቱ መሠረት ዝኾነ ጴጥሮስ ዝተሓንጸት ቤተ ክርስቲያን፡ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ እንተመጸ እውን፡ ከዕንዋ ኣይኽእልን ኢዩ። ኦ ኣንቲ መርከብ ጴጥሮስ፡ ካብ ክንደይ ማዕበላት ዘይድኃንክን ዘይተዓወትክን እሞ! ቤተ ክርስቲያን፡ እታ ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓደ ንውልቆም ሓለቓ ዝኾኑ፡ ጳጳስ ዘሮምን፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቡናት ምስ ጳጳስ ዘሮማ ምሉእ ሱታፌ ዘለዎምን ኢያ ትርከብ።

ቤተ ክርስቲያን፡ መሠረት ኣብ ዝኾኑ ሓዋርያት ዝተሓንጸት ኢያ፥ ንሳ ኣብ ሓደ ሰብነትን ኣብ ሓደ መንፈስን ጠቕሊሉ ዚኅዘና ናይ ጐይታና ቅዱስ ቤተ መቕደስ ኢያ። ቤተ ክርስቲያን ናይ እግዚኣብሔር ኣብ፡ መደብ ድኅነትን፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ዘሎ መንግሥተ ሰማይን፡ ብናይ ምልክት ደረጃ ብዓይንኻ እትረኤ መንግሥቲ ክርስቶስን ኢያ። ንሳ ጉባኤን ሱታፌን ቅዱሳንን ኢያ፥ ኵሎም ምእመናን ብሕናሳብ ኰይኖም ሓደ ሰብነት ኢዮም ዜቑሙ፥ ሃብቶም ከኣ፡ ኵሎም ብኃባር ኢዮም ዚጥቀሙሉ። ንሳ ብደም ክርስቶስን ብህያብ መንፈስ ቅዱስን ውሉድ ክትወልድ ክእለት ኣለዋ።

ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ መንገዲ ንኽርስቶስ እትኽተሎ በቶም ምእንቲ ሓቂ ኢሎም ክሳብ ዕለተ ሞቶም ዚቓለሱ ደቃ ገይራ ኢያ። ስደት ኪወርዳ ከሎ፡ ብኃይሊ ኣምላኽ እምበር ብሰብኣዊ ጥበብ ኣይትከላኸልን ኢያ። ኣብ ማኅበራት ቤተክርስቲያን ገለ ጉድለት እንተ ተዓዘብኻ ኣይትተዓንቀፍ። ከመይ እተነ ማኅበራት ብሰብ ደኣ እምበር ብመላእኽቲ ኣይኮናን ቖይመን፥ ካብዙ ዝተላዕለ ኵሉ ዓይነት ድኻምነት ኪህልወን ይኽእል ኢዩ። ንቤተ ክርስቲያን ወላ እቶም ናታ ወገን ዝኾኑ ሰባት ኬፍርስዋ ኣይኽእሉን ኢዮም፥ እዙይ ከኣ፡ መሠረታ ኣምላኽ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።

ገሊኣቶም ንቤተ ክርስቲያን ናብ መንግሥትነት እዙ ዓለምዙይ ተቐዪራ ኢሎም ዚኸስዋ ኣለዉ፥ እንተኾነ እዙ ክሲዙይ ንጕድለት እምነቶም ከመኻንዩ ስለ ዝደለዩ ጥራሕ ኢዩ። እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚቃወም፡ ኃጢኣት ሰብ ጊዜና ከኣ፡ እዙይ ኢዩ። ንሳቶም ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን እቲ ዓቢይ ጌጋኦም፡ ነቲ መለኮታዊ ተግባራ፡ ብዓይኒ ፖሊቲካ ምርኣይን ምፍራድን ኢዩ። እንተኾነ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይፈለጥዎን ዘይተረድእዎን ነገር ኣሎ፡ንሱ ከኣ፡ ክንየው እታ ብዓይኒ ትረኤ ቤተ ክርስቲያን፥ እታ ምሥጢራዊት ዝኾነት ዘይትረኤ ቤተ ክርስቲያን ከምዘላ ዘይተገንዘቡዎ ነገር ኣሎ።


እታ ትረኤ ቤተ ክርስቲያን ኃጢኣት ኣይፍለያን ኢዩ፥ እታ ዘይትረኤ ቤተ ክርስቲያን ግን፡ እንከን ዝበሃል የብላን (ኤፌ 5፡26-27 ረአ)። ንስኻ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዚጸርፍን ዚሓምን ቅምታ ኣይትኃዘሉ። እቲ ኢየሱስ ኣቐዲሙ “ንዓይ ኣሳዲዶምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩም እውን ኬሳድዱኹም ኢዮም” (ዮሓ 15፡20) ዝበሎ ቃል ትንቢት ኪፍጸም ግድነት ኢዩ። እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዜሳድዱ ሰባት፡ ነቲ ዚገብርዎ ክፉእ ተግባር ከይፈለጡ ይገብርዎ ይኾኑ፡ እንተኾነ ንሳቶም እውን፡ ሓቀንነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኪፍለጥ፡ መሳርሕቲ ኣምላኽ ኢዮም።

ንስኻ ከኣ፡ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ከምዝኾንካ ኣይትረስዕ፥ ካብዚ ዝተላዕለ፡ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ክትከውን ተጸዊዕካ ኢኻ (ማቴ 5፡13-14 ረአ)። ካብዙ ኃሊፍካ ከኣ፡ ኣብ ስራሕ ቤተ ክርስቲያን ተዋፊርካ ገለ ልዕል ዝበለ መዝነትን ኃላፍነትን ለቢስካ እንተሊኻ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብጽቡቕ ኣብነትካ ንቤተ ክርስቲያን ጽብቕ መልክዕ ክትህባን ከተውህባን ጽዓር።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንቤተ ክርስቲያን፡ ከም አደኻ ገይርካ ኣፍቅራ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 01 Jul 2023, 02:10

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

148 - ንቤተ ክርስቲያን፡ ከም አደኻ ገይርካ ኣፍቅራ

ንቤተ ክርስቲያን ከም ኣደኻ ገይርካ ከተፍቕራ ይግባእ፥ ንሳ ብጥምቀት ውሉድ ኣምላኽ ገይራ ወሊዳትካ ኢያ፥ ብዘይምቍራጽ ከኣ ብመሥዋዕቲ ቅዳሴን፡ ብመሥጢራትን፡ ብቃለ ኣምላኽን፡ ክትሰስየካ ኢያ ትነብር። ቤተ ክርስቲያን አደካ እንተዘይኮይና፡ እግዚኣብሔር ኣቦኻ ኪኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። ንስኻ ሕያው ኣባል ቤተ ክርስቲያን ኮይንካ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከይወጻእካ፡ ኣብ ውሽጣ ክትነብር ጸዓር።

ቤት ክርስቲያን፡ እቲ ብስም ኣብን፡ ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ዝተጋብኤ ሓዲሽ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኢያ፥ (ቅዱስ ሲጵሪያኖስል ብዛዕባ ጸሎት ሰንበት)። እግዚኣብሔር፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣብዙ ዓለምዙይ ዝመሥረታ ኣብ ዘመን ኣዝማናት ምልክት ቅድስናኡ ኮይና ክትነብር ስለ ዝደለያ ኢዩ (ማቴ 16፡19: 18፡19 ረአ)። ንስኻ ኣብዛ ዓለምለኻዊት ምሥጢረ ድኅነት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እምነትካ ኣጽንዕ። እቲ ክርስቶስ ዜምጽኦ ድኅነት፡ ኣባና ምእንቲ ኪሰርሕን ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኪውዕልን ህልውና ቤተ ክርስቲያን ፍጹም ኣድላዪ ኢዩ። ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምሥጢረ ሥጋዌ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ክትቕጽሎን፡ ንኽርስቶስ ከኣ ከምብሓድሽ ኣብ ምሥጢራት ህልው ክትብሮን ትርከብ ኣላ።

እታ ንውልቃ ሓንቲ ዝኾነት፡ ንመዝገብ መለኮታዊ ትምህርቲ ክትሕሉ መዝነትን ኃላፊነትን ዝተዋህባን፡ ከምኡ እውን ዓዳሊት ሃብቲ መንግሥተ ሰማይን ድኅነትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ኢያ። ንሳ እታ ኣዚያ ተፈታዊ ዝኾነት መርዓት ኢየሱስ ኢያ፥ ንሳ እታ ኣብ ምድሪ እትፍጽሞ ተግባር፡ ኣብ ሰማይ እውን ቅቡል ክንዲ ዝኾነ፡ እግዚኣብሔር ምሉእ ሥልጣን ስለ ዘልበሳ፡ ክትእዘዛ ጽዓር። ቤተ ክርስቲያን ዓንድን ሓላዊት ሓቅን ኢያ እሞ፡ ንዓኣ እመን (1ጢሞ 3፡15 ረአ)፥ ሽሕዃ ኣብዙ ዓለምዙይ ካብ ንብርሃን ንጸላም ዚመርጹ ብዙኃት እንተሃለዉ፡ (ዮሓ 3፡19 ረአ) እንተኾነ ተልእኮኣ፡ ንደቂ ሰብ ናብ መንግሥተ ሰማይ ዚወስድ መንገዲ-ሓቂ ምህባር ኢዩ።

ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ጽቡቕ ኣረኣእያ ይሃሉኻ፥ ብዙኃት ሰባት ሽሕኳ ሃሞምን ቀልቦምን ኣብ ገንዘብ ገይሮም፡ እንግድዓኦም እንተሃብዋን እንተኸሓዱዋን፡ ንሳ ግን፡ ተልእኮኣ ከየቋረጸት ንደቂ ሰብ ውራይ መንፈሶም ከይርስዑ እናዛኻኸረት ኢያ ትነብር። ንስኻ፡ ምሉእ ተስፋኻ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣንብሮ፥ ንሳ ንጭቁን ሕዝቢ፡ እታ ሓንቲ ኡንኮ ዝኾነት ባንዴራ ናጽነቱ ኢያ፥ ንሳ ድምጺ’ቶም ድምጺ ዘይብሎም ኢያ፥ ኃይላ ቃለ-ኣምላኽ ኢዩ። ንሳ ጥራሕ ኢያ እታ ፍልልይ ዓሌትን መደብን፡ ጾታን ዘይብላ (ገላ 3፡28: ቆላ 2:11 ረአ)፥ ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ንሳ ኣብ መንጎ ሕዝብታት፡ ምልክትን ምንጭን ሰላም ኢያ። ንስኻ፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣኽብር፥ ንሳ ትእምርት ታሪኽ ዓለም ኢያ፥ እቶም ኣብ ክብርን ጥበብን እዙ ዓለምዙይ ዝተመሥረቱ ገዛእቲ ሕዝብታትን፡ መንግሥታትን፡ ፖሊቲካውያንን፡ ሥነ ሓሳባውያንን (ኣይደዮሎጂስትን) ሓደ ድኅሪ ሓደ እናተኸታተሉኳ እንተመጹ፡ ቤተ ክርስቲያን ግን ንዘለዓለም ኣብ ቦታኣ ዝቖመትን እትነብርን ኢያ።

ንሳ ኣብ ቃል ክርስቶስ ጥበብ ኣምላኽን ዝተመሥረተት ስለ ዝኾነት ካብዙ ጊዜዙይ ወጻኢ ኢያ እትነብር። ንሳ ከምቲ መሥራቲኣ ክርስቶስ ምሉእ ሕይወታ ኣብ ስደት ኢያ እትሳቐ፥ እንተኾነ ዘሸንፋ ኃይሊ የልቦን፥ እኳ ደኣ ምእንቲ ሓቂ ኢላ ብዝተሳቐየቶ መጠን፡ ብዝበለጸ ኣብ ሓቂ ኢያ ትጸንዕ። ምእንትዙይ ንስኻ እውን፡ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ክልተ ሽሕ ዓመት ዠሚራ እተምህሮ ዘላ ትምህርቲ ጽናዕ እምበር፡ በዙ ጊዜ ዘምጽኦ ሓዲሽ ትምህርቲ ከይትሰድዕን ከይትታለልን ተጠንቀቕ።

ቤተ ክርስቲያን እታ ሓንቲ ንውልቃ ዓቃቢት መዝገበ ሃይማኖት ዝኾነት ኢያ፥ ንሳ ኢያ እታ ንዘለዓልማዊ ቃል ኣምላኽ ከይዝረግ እናኃለወት፡ ናብ ምሉእ ዓለም ከምዚዝርጋሕ እትነግሮን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እውን እተመኃላልፎን። ንስኻ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተጸጋዕ፥ ከመይ ኣብዙ ከም ውሕጅ ብርቱዕ ዝኾነ ተፈጥሮኣዊ ሰብኣዊ ፍትወት፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ብሓደ ወገን ሕጊ ኣምላኽን ሞራላዊ ሕጊን ንኺኸበር ክትቃለስ ከላ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንጽቡቕን ንኽፉእን ነገር እናመልከተት እተምህርን እተረድእን ኢያ።

ንስኻ ካብ ምእመናን ከይተፈለኻ፡ ምስ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትካ ኣጽንዕ፥ ኣብቱ ክርስቶስ ዝርእሱ ንስኻ ከኣ ዝኣባሉ፡ ምሥጢራዊ ሰብነት ቤተ ክርስቲያን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ካልእ ክትድኅን ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣባል ቤተ ክርስቲያን ኰይንካ፡ ብእምነት እንተነቢርካ፡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ንዘለዓለም ንኽትነብር ካብዙ ዓለም ክትወጽእ ኢኻ። ካብዛ ኣብዙ ዓለምዙይ ዘላ ተቓላሲት ቤተ ክርስቲያን ተላቒቕካ፡ ናብታ ቃልሳ ወዲኣ ኣብ ዓወት፡ ኣብ ሰማይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክትጽንበር ኢኻ። ኣየ እወ! ኣባል ቤተ ክርስቲያን ኮይንካ ምንባርን ምማትን ክንደይ ሠናይ ኢዩ!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ድንግል ማርያም፡ ኣደ ኣምላኽን ኣደኻን ኢያ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 21 Aug 2023, 04:40

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

149 - ድንግል ማርያም፡ ኣደ ኣምላኽን ኣደኻን ኢያ

እግዚኣብሔር ንድንግል ማርያም ብድንግልናእ ፈተዋ፥ ንወልደ እግዚእብሔር ከኣ ኣብ ትሕትንኣ ፀነሰቶ። ብሕጊ ተፈጥሮ ፍረ ዚረኤ ድኅሪ ዕንባባ ኢዩ፥ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ግን፡ እዚ ሕጊ ተፈጥሮ ኣይሰርሔን፡ እንታይደኣ ብተኣምር፡ ዕምባባ ድንግልንኣን ፍረ ከርሳን ሓደ ኮይኑ ተረኸበ። ምሥጢራዊ ዝኾነ ድንግልና ማርያም ምሉእ ብምሉእ ንጹሕ ኪኸውን ከሎ፥ እዙይ ብትሩፋት ክርስቶስ ኣቐዲሙ ስለ ዝተረኸበ፡ ንማርያም ብዘይ ኃጢኣት ኣዳም ከምትፅነስ ገይሩ፡ ቅድስትን ንጽሕትን ዝገበራ ጸጋ ኢዩ።

ነፍሲ ድንግል ማርያም ብጸጋ ኣምላኽ ዝመልኤት ኢያ፥ ካብዙ ጸጋዙይ ዝዓብን ዝደምቕን ከኣ፡ ፈጺምካ ኣይትረክብን ኢኻ። ንመርገም ሔዋን ናብ ቡራኬ ዚቐየሮ ፍረ ስለ ዚፈረየት፡ እታ ካብ ኵለን ኣንስቲ እተባረኸት ኮነት። እቲ ምሉእነት ጸጋቲ፡ ብሕይወት ኣምላኽን፡ ብመንፈሳዊ ጽባቔን፡ ብመልዕልተ ባሕርያዊ መንፈሳዊ ኃይላትን፡ ብህያባት መንፈስ ቅዱስን ድምቕቲ ይገብራ። ምእንትዙይ ንሳ ሳላ መለኮታዊ ጸጋ፡ ኣርኣያ ጽባቔ ተፈጥሮ ሰብን፡ እቲ ብዝለዓለ ጥርዚ ዝፈረየ ድንቂ ዝኾነ ፍረ ድኅነትን፡ ልዕሊ ኵሎም ፍጡራትን ኢያ።

እዙ ናይ እግዝእትነ ድንግል ማርያም ነገር ዜገርም ኢዩ! ድኅሪ እግዚኣብሔር እታ ዝኸበረት ፍጥርቲ ኢያ። ንሳ እታ መንፈስ ቅዱስ፡ ባዕሉ ብኢዱ ዝሰኣላን ንኢየሱስ ከኣ ብቐረባ እተምሰልስልን ኢያ። ብዛዕባ ክርስቶስ ካብኣ ንላዕሊ - “ከምቲ ኣነ ንኽርስቶስ ዝመስሎ፡ ንስኻትኩም ከኣ ንዓይ ምሰሉ” ኪብል ዚኽእል ሓደኳ የልቦን (1ቆሮ 11፡1)። ሕይወታ፡ ንሕይወት ኢየሱስ ኢዩ ዚመስል፥ ምስኡ ተጸንቢሩ ኢዩ ከኣ ዚጠፍእ። ቅዱስ ወንጌል ብዛዕብኣ ዚዛረበሉ ምኽንያት፡ ከም መጠን ወላዲቱን ከም መጠን ሰራሒት ሓቀኛ ታሪኽ ወዳን፡ ምስክር ንኽትከውን ጥራሕ ኢዩ።

ንሳ ኣብዙ ዓለምዙይ ዝነበረት፡ ብሓቂ ብኽርስቶስ ኣብ እግዚኣብሔር ተኃቢኣ ኢያ (ቆላ 3፡3 ረአ)። ንብሥራት መልኣኽ፡ እሺ ኢላ ምስ ተቐበለቶ፡ ፍቓዳ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ሓደ ኮነ። ንቓል መልኣኽ ምሉእ እሽታኣ ምስ ሃበት፡ እግዚኣብሔር ማእለውያ ዘይብሉ ጸጋታት ዓደላ። እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ፈጣሪኣ እግዚኣብሔር፡ ሥጋ ካብኣ ለበሰ፥ ውሉድን ባርያን ወዳ ንኽትከውን በቕዔት። እግዚኣብሔር ከም ንማርያም ገይሩ ዘፍቀሮ ፍጡር የልቦን፥ ከም ማርያም ገይሩ ንእግዚኣብሔር ዜፍቀረ ፍጡር ከኣ፡ የልቦን።

እቲ ንኵሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ድንግል ማርያም ፍጡር ኮይኑ ተፀንሰን ተወልደን። እቲ ብውልቁ፡ መንጎኛን ዓራቒናንን ዝኾነ ኢየሱስ ወልደ ኣምላኽ፡ ብድንግል ማርያም ገይሩ፡ ኃው ኵሉ ሰብ ኮነ፥ ምስ ነፍስወከፍ ሰብ ከኣ ኣካላዊ ሓድነት ኣቆመ። እግዝእትነ ማርያም ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰብ ኢላ፡ ናጻ ብዝኾነ እምነትን ብምቕሉል ተኣዝዞን ምስ እግዚኣብሔር ኃቢራ ሰርሔት እምበር፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣስተዋጽኦ ዘይነበራ ከም ሓደ ግዙፍ መሳርሒ ጥራሕ ኮይና ኣይሰርሔትን።

እግዚኣብሔር ንምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣብታ ኣደ ንኽትከውን ኣቐዲሙ ዝኃረያ ሰበይቲ፡ ንኽፍጸም ንሳ እሽታእ ኣቀዲማ ኪትህብ ናይ ግዲ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ሔዋን ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራስ ንጥፍኣት ውሉደ ኣዳም ምኽንያት ዝኾነት፡ ከምኡ ከኣ ድንግል ማርያም ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምኽባር ንድኅነት ምሉእ ዓለም ምኽንያት ክትከውን በቕዔት። ካብዙ ድኅነትዙይ ከኣ፡ እታ ቅድሚ ኵሉ ረብሓ ዝረኸበት ንሳ ባዕላ ኢያ።

ማርያም ንኢየሱስ ከምቲ ሕጊ ተፈጥሮ ወዲ ሰብ፡ ስለ ዝፀነሰቶን ስለ ዝወለደቶን ብሓቂ ኣደ ኣምላኽ ኢያ። ኣቦ ኢየሱስ፡ እግዚኣብሔር ኢዩ፥ ወዲ ማርያም ከኣ ኣምላኽ ኢዩ። ኣደ ኢየሱስ ምዃን ማለት፡ ኣብቱ ምድራዊ ይኹን ሰማያዊ ይኹን ሕይወት ኢየሱስ፡ ምሉእ ብምሉእ ምትሕግጋዝ ማለት ኢዩ። ንኢየሱስ ብሓቂ እንተደሊኻዮ፡ ካብ ሕቝፊ ማርያም ኢኻ ትረኽቦ። ማርያም፡ ብሓደ ሸነኽ ኣደ እቲ ፈጣሪ ዝኾነ ክርስቶስ ክትከውን ከላ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ኣደ እቲ ኣብ ልብኻ ብኢየሱስ ዝተዋህበካ ጸጋ ኢያ፥ እዙ ጸጋዙይ ንሰብኣዊ ተፈጥሮኻ ዘማዕረጎን፡ ወዲ እግዚኣብሔር ንኽትከውን ዜብቅዓካን ኢዩ (ዮሓ 1፡12 ረአ)። እምበኣር ድንግል ማርያም ብጸጋ ኣደኻ ኢያ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል መቀጸልታ “ድንግል ማርያም፡ ኣደ ኣምላኽን ኣደኻን ኢያ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 11 Sep 2023, 03:16

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

149 - ድንግል ማርያም፡ ኣደ ኣምላኽን ኣደኻን ኢያ

. . .

ንሳ ኣደ እቲ ንኵሉ ሰብ ዜድኃነ ኢየሱስ ስለ ዝኾነት ምእንትዙይ ከኣ ኣደ ኵሉ ድኁን ኢያ። ከምቲ ጸጋ እግዚኣብሔር ካብ ተፈጥሮ ዚዓቢ፡ ከምኡ ከኣ ማርያም ከም ኣደ መጠን፡ ካብታ ሥጋዊ ሕይወት ዝሃበትካ ወላዲትካ ትዓብን ትበልጽን ኢያ። ንስኻ ከኣ ሳልኣ፡ ንእግዚኣብሔር እምበር፡ ነዙ ዓለምዙይ ኢልካ ኣይተወለድካን። ቅዱስ ጳውሎስ ንኽርስቲያን ኪወልድ ዚበቕዔ ብስብከተ ወንጌል ኢዩ (ገላ 4፡19 ረአ)። ማርያም ከኣ ንዓኻ ዝወለደትካ ብዝበለጸ መንገዲ፡ ብምሥጢረ-ሥጋዌ ቃል ኣብ ኢዩ።

ምስኡ ኃቢርካ ምእንቲ ክትወርስ ኢሉ ኢየሱስ፡ ብኽልቲኣቶም ወለዱ፡ ማለት ብሰማያዊ ኣቡኡን ብምድራዊት ኣዲኡን፡ ብጸጋ ፡ ከም ቆሞና ኃዉ ገይሩ ኢዩ ዚቘጽረካ። እግዝእትነ ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ካብ ኮነት ሓቀኛ መንፈሳዊት ኣደኻ እውን ኢያ፥ ከመይሲ ንሳ፡ ነቲ ካብ መዥመርያ ኣደ ድንግላዊ ዝኾነ ከርሳ ዝፀነሰትሉ እዋን ኣትኂዛ፡ ነታ ምሥጢራዊት ዝኾነ ሰብነቱ፡ ከም መጠን ርእሳ፡ ምስኡ ኣወሃሂዱዋ ኢዩ። ምእትንዙይ ነቲ ሕይወት ነፍስኻ ዝኾነ ኢየሱስ ስለ ዝወለደት፡ መንፈኣዊት ኣደኻ ኢያ።

እግዝእትነ ማርያም ንመላኣኽቲ ሰማይ ንግሥነቶም ኢያ፥ ንዓኻ ግን ኣደኻ ኢያ። ድንግል ማርያም ኣብዙ ዓለምዙይ ጥራሕ ኣይኮነን ብፍሉይ መንገዲ፡ ኣብ ተግባረ ድኅነት ዓለም ዝሰርሔት፡ ኣብ ሰማይ እውን ንዚልምና ኵሉ፡ ሕጂ እውን፡ እቲ ናይ ድኅነት ተግባራ ገና ኣየቋረጸን። ንሳ ዓዳሊት ኵሉ ጸጋ ኮይና፡ ኣብቲ ክቡርን ኃይልን ዝመልኦ መንጐኝነት ክርስቶስ ወዳ ኢያ ትሳተፍ። ልመናኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዘይመጠን ተሰማዓይ ኢዩ፥ እዙይ ከኣ ኣዲኡ ወላዲቱ ክንዲ ዝኾነት ኢዩ።

እግዚኣብሔር፡ ኣዲኡ ክትኮኖ ንማርያም ዝኃረየሉ ምኽንያት፡ እቲ ብኃይሊ ፍትሒ ንኺድኅን ዘይኽእል፡ ብእኣ ገይሩ ግን፡ ብኃይሊ ምሕረት ምእንቲ፡ ኪድኅን ኢዩ። ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ካብ እግዚኣብሔር፡ ጸጋ ክተውህበካ ኢልካ ክትልምና ከሎኻ፡ ንዓኣ፡ እዙይ እቲ ዝዓበየ ታሕጓስ ኢዩ። ኣብዙ ዓለምዙይ መንገደኛ ስለ ዝኾንካ፡ ምስቶም ኵሎም ማኅበር ቅዱሳን ኃቢርካ ኣብቱ ሰማያዊ ሃገር ክሳብ ትበጽሕ፡ ንሳ ክትግደሰልካን ክትኃልየልካን ክትነብር ኢያ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ድንግል ማርያም፡ ኣርኣያ ቅድስናን ረዳኢት ክርስቲያንን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply