Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 12 Jan 2023, 04:29
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)
131 - ናይ ጸሎት ኣድላይነትን ቁምነገርን
ምስ እግዚኣብሔር ብጸሎት እንተዘይተራኺብካ፡ ሰብኣዊ ባህርይኻ ኪኅይለካ ኢዩ። ዕርፊ ድኅሪ ምኃዝ፡ ጸሎት ገዲፎም፡ ንድኅሪት ዚግልበጡ፡ ብዙኃት ኢዮም (ሉቃ 9:62 ረአ)። ጸሎት ከይገበርካ፡ ንድኅነትካ ዜድሊ መሳርሒ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንነበልባል ክፉእ ስምዒትካ እተጥፍኦ ብንብዓት ጸሎት ኢኻ። ኣብ ኃጢኣት ክትወድቕ እንተዘይደሊኻ ኣብቲ ጽኑዕ ዝኾነ ዓንዲ ጸሎት፡ ተጸጋዕ።
ጸሎትን ተጋድሎን ዘይትገብር እንተኾይንካ፡ ኣብ ጕዕዞ መንፈሳዊ ሕይወትካ ብዙኅ ስጕምቲ እትገብርን ንእግዚኣብሔር ደስ እተብሎን ከይመስለካ። ኣብ ብልኃትካ ካብ ምትእምማን፡ ኣብ ጸሎትካ ምትእምማን ይበልጽ። ብዙኅ ነገር ኪበርሃልካ እንተደሊኻ፡ ካብ ብኣእምሮኻ ምስራሕ ጸሎት እናገብርካ ምስራሕ ይበልጽ።
ጸሎት ናይ ነፍሲ እስትንፋስ ኢዩ፥ እዙይ ከኣ፡ ብጥንቓቔን ብፍቕርን ኪግበር ከሎ፡ ንእግዚኣብሄር ደስ ዜብል ተግባር ኢዩ። ንጐይታ ኣገልጊልካ ምእንቲ ክትክእል፡ ጸሎት ካብ ምግባር ዓዲ ኣይትውዓል። ጸሎት ተዘውትር እንተደእ ኮይንካ፡ ሽህኳ እናወደቕካን እናተንሣእካን፡ ቀስ እናበልካን ትጐዓዝ እንተዀንካ፡ ካብ መገዲ ቅድስና፡ ኣይኽትወጽእን ኢኻ። ኣብ ናይ ጸሎት ኃይሊ ተኣማመን። እቲ ብርእሳ ሓቂ ዝኾነ ኢየሱስ “እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ከም ዝተቐበልኩሙዎ እመኑ እሞ፡ ኪኾነልኩም ኢዩ” ብምባል ተስፋ ሂቡና ኢዩ (ማር 11፡24)። ንሱ እዙ ቃልዙይ ኪኣትወልና ከሎ፡ ብዓል ዕዳና ከምዝኾነ ኣይትረስዕ ኢኻ።
እቲ ብድኻምነትካ ቀልጢፍካ እትረኽቦ ዘይኽኣልካዮ ነገር፡ ጸኒሕካ ብትዕግሥትኻ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ጸሎትካ ከምቲ ናይ ኣረማውያን ዘይኮነስ፡ እግዚኣብሔር ከምዝተቐበለልካ ርግጸኛ ምእንቲ ክትከውን፡ ብስም ኢየስስ ጸሊ (ዕብ 4፡14: ዮሓ 16፡24 ረአ)። ከምቲ ዝናብ ምስ ዘነመ ንመሬት ከምትፈሪ ዚገብራ፡ ከምኡ ከኣ፡ ጸሎት ንነፍስኻ ከምትቕደስ ኢዩ ዚገብራ።
ምእንቲ’ቲ ኵሉ ንስኻ ኣብ ጸሎት ዘኅለፍካዮ ጊዜ ኢሉ፡ እግዚኣብሔር ንስራሕካ ኪባርኾን፡ ንዓኻ ከኣ ጽቡቕ ኪፈድየካን ኢዩ። ከማኡ እውን፡ ብኽብሪ ንኽትዓርግ፡ ቅድም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክትምብርኸኽ ግቡእ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክትምብርኸኽ ከሎኻ ኢኻ፡ ዓቢይ ምዃንካ እተፍልጥ።
ጸሎት፡ ወልደ እግዚኣብሄር ምስ ሰማያዊ ኣቡኡ ዚገብሮ ዘተ ኢዩ፥ ጸሎት መፍትሕ መዝገብ ወርቂ እግዚኣብሔር ኢዩ። ጸሎት ንመንግሥተ ሰማይ ከተስተማቕሮ ዕድል ይህበካ፥ ንልብኻ ከምዚሰፍሕ ገይሩ፡ ንእግዚኣብሔር ከምተፍቅሮ ይገብረካ። እቲ ዝጸበቐን ዝዓበየን ተልእኮ ወዲ-ሰብ፡ ምጽላይን ምፍቃርን ኢዩ።
ክትጽሊ ከሎኻ ምስ እግዚኣብሔር ኢኻ ትዛረብ፥ ጸሎት መለኮታዊ ተግባር ኢዩ፡ ከመይ ጐይታና እውን ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎ፡ ጸሎት ኣዘውቲሩ ኢዩ። ሓቀኛ ጸሎት፡ ናብ እግዚኣብሔር ዚኸይድ ልኡኽን፡ ኣዕሩኹ ዚገብረናን፡ ብርሃን ነፍስና ዝኾነ፡ ንነፍስና ቤተ መቕደስ ህልውና-ኣምላኽ ከምትከውን ዚገብራን ዜጽግባን ሰማያዊ መግቢ ኢዩ።
ንስኻ ከኣ ንእግዚኣብሔር ብልቢ ለምኖን፡ ብእምነትካ ከኣ መስክሮን እሞ ፡ (1ሳሙ 1፡13 ረአ) እግዚኣብሔር ከኣ ጸሎት ትሑታን ዚሰምዕ ኣምላኽ ክንዲ ዝኾነ፡ ንጸሎትካ ኪሰምዖ ኢዩ። ጸሎት ምስ ትገብር፡ እቲ እግዚኣብሔር ኪህበካ ኢሉ ዝመደበልካ ህያብ ንኽትቅበሎ ብቁዕ ትኸውን።
ጸሎት ብሓደ ወገን ኃይሊ ሰብ ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ድኻምነት ኣምላኽ ኢዩ። ጸሎት፡ ምስቲ ዘሎ ኣምላኽ ንዘየሎ ከምዚህሉ ዚገብሮ መለኮታዊ ኃይሊ ኢዩ። ንስኻ ጸሎት እትገብር ንእግዚኣብሔር ክትውድስን ፍቕርኻ ክትገልጸሉን ኢልካ ደኣ እምበር፡ ታሕጓስ ስለ ዚስመዓካ ኣይኮነን። ኣብ ነቕጺ መንፈስ ይኹን ወይ ኣብ ታሕጓስ መንፈስ፡ እግዚኣብሔር ናትካ ፍቕሪ ኪረክብ ወትሩ ሻዕ ግቡእን መሰሉን ኢዩ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጸሎት፡ ድምጺ ልቢ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 18 Jan 2023, 09:22
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!
132 - ጸሎት፡ ድምጺ ልቢ ኢዩ
ጸሎት ምስ ትገብር፡ ካብ በቱ ዚስማዕ ቃልካ ትጽሊ፡ በቱ ሰብ ዘይሰምዖ፡ እግዚኣብሔር ግን ዚሰምዖ፡ ብድምጺ ልብኻ ገይርካ ጸሊ። ንሰብ ብግዙፍ ምልክት-ሰብነትካ ገይርካ ክትዛረቦ ከሎኻ፡ ንእግዚኣብሔር ግን እትዛረቦ ብውሽጣዊ ሃረርታ ልብኻ ገይርካ ኢኻ።
እግዚኣብሔር ዚሰምዕ ንባህጊ ልብኻ ደኣ እምበር፡ ንድምጺ ከናፍርካ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ካብ ንሓሳባትካን ንቓላትካን፡ ንልብኻ ኢዩ ዚሰምዕ (ማቲቴ9፡4: ዘዳ 44፡22 ረአ)። ጸሎት ክትገብር ከሎኻ፡ ካብ ብቓላት ብዘይ ልቢ፡ ልቢ ብዘይ ቃላት፡ እንተሃለወካ ይሓይሽ። እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜገድስ ነገር፡ እቲ እትገልጾ ድሌትን ፍቕርን ደኣ እምበር፡ እቲ እተውጽኦን እተስምዖን ቃላት ኣይኮነን።
እቲ ናብ ኣእዛን ኣምላኽ ዚበጽሕ ብርቱዕ ድምጺ፡ ድምጺ ሃረርታኻ ኢዩ፥ ክትጽሊ ከሎኻ፡ ነቲ ጽባቔ ሰማያዊ ሃብቲ ተመነዮን፡ ሃረር በሎን። ጸሎት ካብ ልቢ ብኃይሊ ዚወጽእ ፍቕርን፡ ገርህነት ዚመልኦ ቆላሕታ ሰማይን፡ ብጊዜ ሓዘንን ሓጐስን ጭርሆ ሞሳን ፍቕርን ኢዩ (ቅድስቲ ተረዛ ዘኢየሱስ ሕፃን)።
ጸሎት ክትገብር ከሎኻ፡ ነቲ ብኣፍካ እትብሎ ቃል፡ ብኣእምሮኻ ክተስተውዕለሉ፡ ብልቦናኻ ከተሰንዮ ጽዓር። ነቲ ኣብ ጸሎት እትደግሞ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ህይወትካ ኣብ ተግባር ከተውዕሎ እንተትውስን፡ ቅዱስ ምዀንካ ነይርካ። ጸሎትካ፡ ምስ እግዚኣብሔር ዜራኸበካ ፍቕሪ ዚመልኦ ርክብ ደኣ እምበር፡ ንሓሳብካ ላዕልን ታሕትን እትብለሉ፡ ባዕልኻ ምስ ባዕልኻ እትዛረበሉ ጊዜ ጥራሕ ኪኸውን ኣይግባእን።
ህልውና ኣምላኽ ኣባኻ ሕያውን ምሉእን ብዝኾነሉ መጠን፡ ውሽጣዊ ጸሎትካ እውን፡ ቀሊልን ገርህን ኪኸውን ኢዩ። ምስ ጐይታ እናተዛረብካ፡ ከይተዛረብካ እውን ብመንፈስ ነንሕድሕድካ እናተጠማመትካ፡ ብእምነትን ብፍቕርን ኣብ ቅድሚ ህልውና ኣምላኽ ንንውኅ ዝበለ ጊዜ ንኽትጸንሕ ጽዓር።
እግዚኣብሔር ንኽትረክቦ ካባኻ ርሒቕካ ክትከይድ ኣየድልን ኢዩ። እግዚኣብሔር ንኽትረክብ ጽሞና ናብ ዚርከቦ ቦታ ኪድ እሞ፡ ኣብ ውሽጥኻ ከኣ ድለዮ። እግዚኣብሔር ዚርከብ ኣብ ውሽጥኻ ኢዩ፥ ንስኻ ኣብቲ ኵሉሻዕ ክትረኽቦ እትኽእል ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ነፍስኻ ኣቲኻ ጸሎት ግበር።
መዓልቲ መዓልቲ ዝተወሰነ ቝጽሪ ጸሎት ክትገብር ኢልካ ኣይትተኣሰር፡ ብዙኅ ኣፍኣዊ ጸሎት ዘይገበርኩ ኢልካ ኣይትሰከፍ። ኣብ ጸሎት፡ ብዙኅ ቃላት ምጥቃም ሓሳብ ዚብትን ኢዩ (ማቴ 6፡7 ረአ)። ጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ ማለት ኢዩ እምበር፡ ቃላት ምሽምዳድ ኣይኮነን። ካብ ተሃዊኽካ ብዙኅ ጸሎት እትገብር፡ ብልቢ እትገብራ ሓንቲ ቀስተ ጸሎት ትበልጽ። ብስራሕካ ካብቲ ከንፈርካ ዚደግሞ ጸሎት-ሃረርታ ርሒቕካ ትነብር እንተኾይንካ፡ ኣብ ጸሎት ተጸሚድካ ነዊኅ ጊዜ ተኅልፍ እንተኾይንካ እውን፡ ናይ ጸሎት ሰብ ክትበሃል ኣይትኽእልን ኢኻ።
መንፈስ ቅዱስ ንጸሎትካ ሕይወት እንተዘይ ኣኅዲሩሉ፡ መንፈስካ ብብዝኂ ጸሎትካ ኪዕፈን ኢዩ። ጸሎትካ፡ ሓቅነት ዘይብሉ ተግባርን ፈሪሳውነትን ከይኸውን፡ ኣብ ጽኑዕ እምነት ንኽትምሥረት ጽዓር። ብኣቀማምጣኻን፡ ብኣራኣእያኻን፡ ብኣገባብራኻን ጸሎት ትገብር ዘሎካ እንተመሰለካኳ፡ ብኣእምሮኻን ብሓሳብካን ግን፡ ኣብ ካልእ ትህውትት ንኸይትህሉ ተጠንቀቕ።
ብዝከኣለካ መጠን፡ ንልብኻ ኣብ ቅድሚ ህልውና ኣምላኽ ክትኅዞ ጽዓር፥ ልብኻ ጸጸኒሑ እንተሃውተተ ከኣ፡ ግዲ ኣይትሙተሉ። ንመንፈስካ ምርባሽ ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ይበዝኅ። ኣብ ከምዙይ ዝመሰለ ኵነት፡ ርጉእ መንፈስን ጽቡቕ ፍቓድን ኢዩ ዜድሌካ። ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ፡ በዙ ጽቡቕ መንፈስዙይ እንተቐጺልካ፥ እግዚኣብሔር ምሕረቱ ኬፍስሰልካ ኢዩ ትብል ነበረት።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንመንፈስካ ብመንፈሳዊ ተመስጦ ኣህብትሞ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 27 Jan 2023, 03:12
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)
133- ንመንፈስካ ብመንፈሳዊ ተመስጦ ኣህብትሞ
ኣብጕዳይ እዙ ዓለምዙይ ክትግደስን ክትሰርሕን መሰልካ እውን እንተኾነ፡ግዳ ጸጸኒህካስ፡ ናብቲ መንም ኪርእዩ ዘይኽእል ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነ ኅሊናኻ ኣቲኻ፡ ምስ እግዚኣብሔር ክትራኸብ ግቡእ ኢዩ። ንሸበድበድን ዕግርግርን እዙ ዓለምዙይ ሓንሳብ ኣወጊንካ፡ ኣብ ጽሞና ኅሊናኻ ኣቲኻ፡ ነቲ ንኽትፍጽሞ ትቐራረብ ዘሎኻ ስራሕ ኣስተንትን። ብሰንኪ እቲ ንጥቕሚ ካልኦት ኢልካ እትገብሮ ጽቡቕ ተግባር፡ ነቲ ብጸሎት እትረኽቦ ታሕጓስ ንኸይተጥፍእ ተጠንቀቕ፥ ከመይሲ እቲ ኵሉ ንኻልኦት እትህቦ ጽቡቕ ነገር፡ ብጸሎት ኢኻ ትረኽቦ።
ብሓደ ወገን ብኣስተንትኖ ንኣእምሮኻ ናብ እግዚኣብሔር ከተዕርጎ ከሎኻ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ብጽቡቕ ተግባርካ ፍቕሪ ብጻይካ ክትገልጽ ትርከብ። ንብዙኅ ንጥፈታት ምድራዊ ሕይወትካ ምስ ኣስለጥካ፡ ኣብ ውሽጢ ኅሊናኻ ኣቲኻ፡ ነቲ ሓደ ንወልቁ ፍቕርኻ ኪረክብ ዘለዎ ፈጣሪኻ፡ ስገደሉን ብመንፈስ ተመስጦ ጠምቶን።
ናብቲ ወሰን ዘይብሉ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክትኣቱ፡ ጸጸኒሕካ ካብቲ ንእሽቶ ዝኾነ ዓለም ሻቕሎትካ፡ ግልል በል። ካብ ስክፍታ እዙ ዓለምዙይ ናጻ ምስ ኮንካን ኣብ ውሽጢ ልብኻ ከኣ፡ ምሉእ ሰላምታ ምስ ገበርካን ጥራሕ ኢኻ፡ ምስ እግዚኣብሔር ተራኺብካ ጸሎት ክትገብር እትኽእል። ቅሳነት ዘይብሉ ልቢ፡ ምስ እግዚኣብሔር ኪራኸብ ኣይኽእልን ኢዩ። ኣብ መንጎኻን ኣብ ሞንጎ እግዚኣብሔርን ሓደ ነገር ከይኣተወ፡ ንስኻ ከኣ ናጻ ኮይንካ ናብኡ ምእንቲ ክትበርር፡ ካብ ኵሉን ካብ ኵሎምን ተላቐቕ።
ተመስጦ ብውሽጢ ልብኻ እትገብሮ፡ ድምጺ ዘይብሉ ጸሎት ኢዩ። ካብ ሰብ ብዝረሓቕካዮ መጠን፡ ምስ እግዚኣብሔር ክትዛረብን ድምጹ ክትሰምዕ ክትክእልን ኢኻ። ዝኾነ ይኹን ስራሕ ምስ እግዚኣብሔር ክትራኸብ ኪኽልክለካ ከምዘይኽእል ኣስተውዕል። ጸሎት ዚግበር ኣብ ጽሞና ጥራሕ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ብርግጽ፡ ቀሊል ነገር ኣይምኾነን ነይሩ። ነፍስኻ ብጸጋኡ ገይሩ (ሉቃ 19፡46 ረአ) እግዚኣብሔር ዚነብረላ ቤት ኣምላኽ ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ዘሎኻዮ ኣሊኻ፡ ጸሎት ግበር።
ኣብ ልብኻ፡ እግዚኣብሔር እንተደኣ ኣሊዩ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ብዘሎ ነገር ከይተረበሽካ፡ ብዙኅ ሰላምን ታሕጓስን ኪህልወካ ኢዩ። ነፍስኻ፡ ንገዛእ ርእሳን ንእግዚኣብሔርን ብዝበለጸ እተለልን እትፈልጥን ኣብ ጸሎት ስለ ዝኾነ፡ ንጸሎት ኣፍቅር። ምስ ዕቤት ኣምላኽን ምስ ከንቱነት ርእስኻን ዚኸይድ ኣገባብራ ጸሎት፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኪንገር ዘይከኣል ፍልጠቱን፡ ሕያውነቱን፡ ፍርዱን፡ ጽባቔኡን፡ ርኅራኄኡን፡ ልዑል ፈጣሪ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ሱቕ ኢልካ ጸሎት ካብ ምግባር ዝበልጽ የልቦን።
ተመስጦኻ፡ ፍቕሪ ዚመልኦ ርክብ ኣምላኽን፡ ምስቲ እተፍቕሮን ዜፍቅረካን ኣምላኽ ኮይንካ፡ ልባዊ ዝርርብ እተካይደሉ እዋን ኢዩ። ኣብ ተመስጦ ምስቲ ዜፍቅረካ ጐይታ ኢኻ ብፍቕሪ እትዛረብ። ኣብ ተመስጦ፡ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ፡ ከምተፍቅሮን፡ ካብ ፍቓዱ ከይወጻእካ፡ ኣብ ሕይወትካ ብፍቕሩ እናዓበኻ ከምትምስክሮን ከተረጋግጸሉ እትርከብ። ብኃይሊ ተመስጦ፡ ነቲ ኵሉ ዕንቅፋት እዙ ዓለምዙይ ረጋጊጽካ ኅለፎ ኢኻ።
ብመንፈሳዊ ሃብቲ ብዝሃብተምካዮ መጠን ንናይዙ ዓለምዙይ ቀለዓለማዊ ኣገባብራ ግዲ ኣይክትገብረሉን ኢኻ። ኣብ ተመስጦ፡ ክንደይ ንእሽቶ ምዃኑ ክርድኣካ ኢዩ። ከምኡ እውን ልብኻ ኣብቲ መልዕልተ ባሕርያዊ ዝኾነ ዓለም እንተሰፊሩ፡ እቲ ኵሉ ኣብ ትሕቲኡ ዚርከብ ነገራት ማዕረ ክንደይ ንእሽቶ ምዃኑ ክትርኢ ኢኻ። ምስ እግዚኣብሔር ኃቢርካ ምንባር፡ ንመከራ እዙ ዓለምዙይ ቀሊል ገይሩ፡ ባህ ዜብል ሓጐስ ከምተስተማቅር ይገብረካ።
እግዚኣብሔር ምሳኻ ኃቢሩ እንተሊዩ፡ እንታይ ዘይከኣል ነገር ኣሎ? እቲ ንዓኻ እምበር፡ ንዕኡ፡ ዋላ ሓደ ዘየድልዮ ኣምላኽ፡ ምስኡ ክትወሃሃድ ፈቒዱልካ ኢዩ። ብጸሎት ዚርከብ ምጽንናዕ ነቲ ተፈታዊ ዝኾነ ህልውናኡ ከተስተማቕሮ ዚገብረካ፡ ጸጋ-ኣምላኽ ኢዩ። እዙይ ከኣ፡ ዋዜማ እቲ እትረውየሉን፥ ጽምኢ ዚበሃል ከኣ ዘይትሰምዓሉን ሰማያዊ ራእይ ኢዩ።
ሥጋዊ ሕይወትካ ኣብዙ ዓለምዙይ ዠሚሩ ኣብዙ ዓለምዙይ ኪውዳእ ኢዩ፥ ሕይወት ነፍስኻ ግን፡ ድኅሪ ሞት እውን ክትቅጽል ኢያ። እቲ ቀዳማይ ሕይወት ብዛዕባ ብዙኅ ነገር ኪግደስ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ሕይወት ግን ብዛዕባ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ኢዩ ዚግደስ (ሉቃ 10፡ 41-42 ረአ)። ጽቡቕ ተመስጦ ክትገብር እንተደሊኻ፡ ብትምህርትኻን ብፍልጠትካን ወይ ብኣእምሮኻ ኣይትመካሕ፥ ብዘይ ኣምላኽ ሓንቲ ቁምነገር ክትገብር ከምዘይትኽእል ተረዲእካ፡ (ዮሓ 15፡5 ረአ) እቲ ቀንዲ ገባሪኻ እግዚኣብሔር ጥራሕ ምእንቲ ኺኸውን፡ ነቲ ረቒቕ ዝኾነ ሥነ መጎትካ ኣወግን።
ኣብ ኣስተንትኖ ምስ እግዚኣብሔር እትራኸብ ብኃይሊ መጽናዕቲ ዘይኮነስ፡ ብኃይሊ ጸጋ ኣምላኽ ኢዩ። ነፍስኻ እትጸግብ ብመንፈሳዊ ነገር ብምቕባልን ብምስትምቓርን ደኣ እምበር፡ ብብዝኂ ፍልጠት ኣይኮነን። ጸጋ ተመስጦ፡ ሳላ ጸሎትካ፡ እግዚኣብሔር ንነፍስኻ ልዑል ፍልጠትን፡ ክቡር ስምዒትን፡ መንፈሳዊ ጣዕምን ሂቡ፡ ንስኻ እውን፡ ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ ንጽሕና ልብን ፍቕርን ክትረክብ የብቕዓካ።
ኣስተንትኖ ዚበሃል፡ እናደኸምካ ብእግርኻ እትኸዶ መንገዲ ኢዩ፥ መንፈሳዊ ተመስጦ ግን፡ ብዘይሓደ ጸገም ንሰማይ ነፊርካ ምዕራግ ኢዩ። ኣብዙ ዓለምዙይ ንሰማያዊ ሃብቲ ብተመስጦ እናጠመትካ እንተተቐሚጥካ፡ መንግሥተሰማያዊ ዝኾነ ሰላም ከተስተማቕር ኢኻ።
ብሓሳብካን ብተመስጦን ኣብ መዓሙቕ ሥላሴ ጠሓል። ኣብ ጸሎትካ እግዚኣብሔር እንተተገሊጹልካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ካብዚ ነገርዙይ ዝዓቢ ኣይትረክብን ኢኻ። ንስኻ ኣብ ህይወትካ ነቲ ብሉጽ ዝኮነ ተመስጦኣዊ ጸሎት እንተደኣ መሪጽካ፡ ዕዉትን ብፁዕን ኢኻ! (ሉቃ 10፡42 ረአ)
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንጽሕና ነፍስኻን ኣብ እግዚኣብሔር እትርከብ ሕይወትካን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 02 Feb 2023, 05:25
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!
134 - ንጽሕና ነፍስኻን ኣብ እግዚኣብሔር እትርከብ ሕይወትካን
ንዛዕባ ኃጢኣትካ ከም ግቡእ ቅድሚ ምብካይካ፡ ንግዳማዊ ተግባራትካ እውን፡ ቅድሚ ምእራምካ፡ ብኵሉ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ክሳብ ትነብር፡ ልዑል ዝኾነ ተመስጦኣዊ ጸሎት ክትገብር ኢልካ ኣይትሕሰብ። ብዛዕባ ጸሎት ብዙኅ ጽቡቕ ነገር ኣንቢብካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ ግን ልብኻ ካብ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ነጻ ክትገብሮ እንተዘይኺኢልካ፡ ጸሎተኛ ሰብ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ።
ንልብኻ ካብ ተረፈ መረፍ ባህርያዊ ክፉእ ዝንባሌኻን ካብ መዓልታዊ ኣመልካን እንተዘያጽሪኻዮ፡ ነጺህካ ምስ እግዚኣብሔር ክትራከብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ህልውና ኣምላኽ ምእንቲ ክትነብር፡ ንልብኻ ካብ ከንቱ ዝኾነ ድሌት እዙ ዓለምዙይ ኣጽርዮ። ኣየ! እዙ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ላዕልን ታሕትን እናበለ ዚመላለስ ሓሳብ እዙ ዓለምዙይ፡ ክንደይ ይበዝኅ ኢዩ! ካብዙይ ዝተላዕለ ከኣ፡ ነቲ ጥዑም ዝኮነ ዘለዓለማዊ መግቢ ንኽትበልዕ ጊዜ ኣይረከብካ፡ ወይ ነቲ መንፈሳዊ ተመስጦ ከተስተማቕሮ ኣይከኣልካ!
ሓንቲ ብባህርያዊ ፍቕርን ስምዒትን ዝተቛረነት ነፍሲ፡ ንመልዕልተ ባሕርያዊ ሓጐስ ከተስተማቕሮ ኣይትኽእልን ኢያ። ንስኻ እውን ካብቲ ኣረጊት ሰብነትካ ናጻ እንተዘይኮይንካ፡ ኣብቲ ሓድነታዊ ዝኾነ ህልውና ኣምላኽ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። እግዚኣብሔር ንሓንቲ ነፍሲ ከንጽሓን ኣብቲ ፍቕራዊ ዝኾነ ናይ ሓድነት ሕይወቱ ከሳትፋን እንተደልዩ፡ ብርቱዕ ዝኾነ ናይ ድኽነትን ናይ ከንቱነትን መንፈሳዊ ስምዒት ኣብ ውሽጣ ኢዩ ዜኅድረላ። ብዛዕባ ርእስኻ ትሑት ዝኾነ ግምት ምስ ዚህልወካ፡ ካብኡ ንድኃር ኢኻ፡ ንስኻ እውን፡ ብእኡ መጠን፡ ንላዕሊ ክትድይብ ተስፋ እተኅድር።
መንፈሳዊ ነቕጺ እንተተሰምዓካ ኣይትሰንብድ። እግዚኣብሔር ንልብኻ ኣብ ፍጹም ዝኾነ ሓድነቱ ንኸብጽሕ ተሳናድዩ ምእንቲ ኪጸንሕ፡ ኬንጽሖ ኢዩ ዚደሊ። ንስኻ ከኣ ንእግዚኣብሔር ክትረኽቦ እንተደሊኻ፡ ንልብኻን ንፍቓድካን ካብ ኵሉ ነገር እዙ ዓለምዙይ ናፃ ግበርሞ፡ ኣብ ከባቢኻ ሓንቲ ነገር ከምዘየላ ገይርካ፡ ኣብ ውሽጢ ኅሊናኻ ብሒትካ ተቐመጥ። ንዓለምን ንርእስኻን ብዝሞትካዮ መጠን፡ ብዝበለጸ ምስ እግዚኣብሔር ክትራኸብ ኢኻ።
እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥኻ ስለ ዚርከብ፡ ምስኡ ንኽትራኸብ ናብ ኅሊናኻ ክትኣቱ ኣሎካ። ካብ ኵሉ ነገርን፡ ካብ ኵሉ ሰብን፡ ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ካብ ገዛእ ርእስኻ እንተተገላጊልካ እግዚኣብሔር ጸጋ ጸሎት ኪህበካ ኢዩ። ካብቲ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ እትሥውዖ ጊዜኻ፡ ነቲ ኵሉ ካልእ ስራሕካ ከተስልጠሉ እትኽእል ምሉእ ዘይጕዱል መንፈሳዊ ኃይሊ ክትዓቍር ኢኻ።
ኣብ ስራሕ እግዚኣብሔር ተቈጺርካ ስራሕ፡ ባዕልኻ ብኣካል ምስኡ ኃቢርካ ተቐመጥ፡ ንስኻን እግዚኣብሔርን ጥራሕ ንበይንኹም ኮይንኩም ንበሩ! ኣብቶም ሓደ መዓልቲ፡ መንግሥተ ሰማይካ ኪኾኑ ዘለዎም፡ ኣካላት ሥላሴ፥ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ጥሒልካ ንበር።
እቲ ዝማዕረገ ወገን ክብርኻ፡ ምስ እግዚኣብሔር ንኽትኃብር ዝተገብረልካ መጸዋዕታ ኢዩ። እትነብረሉ ሃገር፡ ሰማይ ይግበረልካ፥ ምሳኻ ዚዛረቡ መላእኽቲ ይዅኑልካ!። እዛ ጐያዪት ዝኾነት ሕይወትዚኣ ቀልጢፋ ኢያ ትኃልፍ፥ ኦ ኣምላከይ ንስኻ ጥራሕ ኢኻ ዘይትኃልፍ። ኦ ኣምላኸይ እቲ ኣነ ከይትጠፍኣኒ ኢለ ዘይሰግኣሉን፡ ኣባኻ ዝጸንዓሉን ጊዜ፡ መኣስ ኮን ይኸውን?።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምስ እግዚኣብሔር ብፍቕሪ ተራኸብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 09 Feb 2023, 08:37
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)
135 - ምስ እግዚኣብሔር ብፍቕሪ ተራኸብ
ምስ እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ፍቕሪ ክትምሥርት እንተደሊኻ፡ ኣብ ጽምው ቦታ ክትከይድ ኣሎካ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ጽሞና ንልብኻ ኪዛረቦ ኢዩ (ሆሴዕ 2፡16 ረአ)። ናብ ልብኻ፡ ተግባር እዙ ዓለምዙይ ምእንቲ ከይኣቱ፡ ንማዕጾ ልብኻ ዓጺኻ፥ ንእግዚኣብሔር ለምኖ፥ ንሱ ከኣ ውሒጅ ዝኾነ ሰላም ናብ ልዕሌኻ ኬውርድ ኢዩ (ኢሳ 66፡12 ረአ)። ንስኻን ኣምላኽን ብሓደ ከይተሸገርኩም፡ ኣብታ ክፍሊ ገዛ ልብኻ፡ ንበይንኹም ኮይንኩም ክትቕመጡ ከሎኹም፡ ክንደይ ደስ ዜብል ኢዩ!።
ንስኻ፡ ንእግዚኣብሔር እትረኽቦ፡ ኣብ ጽሞና በይንኻ ከሎኻ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ዕግርግር እዙ ዓለምዙይ ርሒቕካ፡ ኣብቱ ሰላም ዝዓሰሎ ልብኻ ተዓቘብ። ኢየሱስ “ክትጽሊ ከሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾ ዓጺኻ ናብቲ ብሥውር ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ፥ እቲ ብሥውር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ ኢዩ” እናበለ ይምዕደካ ኣሎ (ማቴ 6፡6)። ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ መዓልቲ-መዓልቲ ምእንቲ ክትነብርን፡ ነቲ ዝተፈጠርካሉ ዕላማ ጥራሕ ምእንቲ ከተገልግልን፡ ሕይወትካ ከኣ ናብኡ ምእንቲ ከተምርሕን፡ ካብ ውራይኻን፡ ሻቕሎትካን፡ ሓሳባትካን፡ ስቓይካን፡ ናጻ እትኾነሉ ጊዜ ይሃሉኻ።
ተመስጦኣዊ ብዝኾነ ጐደና መንፈሳዊ ሕይወት ክትጐዓዝ እንተሊኻ፡ ክኒየው እቲ እናተዛረብካን እናረኤኻን ዚግበር ኣስተንትኖ ክትከይድ ይግብኣካ። ንእግዚኣብሔር ብዓቢይ ፍቕሪ እሞ ጠምቶ፡ ንሱ ከኣ ንኣእምሮኻ ከብርሆ ኢዩ። ግን ብርሃን ኣምላኽ፡ በርቲዑ ብዝመጸካ መጠን፡ ንኣእምሮኻ መሊሱ ከጸልምቶን ከደንቍሮን ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ንዓይነ ሥውር ሰብ ዚመርሖ፡ ከምኡ ከኣ፡ ንስኻ ብእግዚኣብሔር ክትምራሕ ኢዩ ዚግብኣካ።
እግዚኣብሔር መምህርካን መራሒኻን ስለ ዝኾነ፡ ናበይ ኣቢልካ ትኸይድ ከምዘሎኻ ከይፈለጥካ፡ ብእምነት ኣብ ጸላም እንተተጓዒዝካ፡ ብዙኅ ዓስቢ ኪህልወካ ኢዩ። ሰብኣዊ ኣእምሮኻ ንመለኮታዊ-ብርሃን ኪቕበሎን ኪጾሮን ኣይኽእልን ኢዩ። እግዚኣብሔር፡ ብመጋረጃ-ህልሚ-ራእይ ኣይኮነን ንነፍስካ ዚግለጻ፥ እንታይደኣስ፡ እቲ ሓቀኛ ባሕርይ እግዚኣብሔር ምስቲ ሓቀኛ ባሕርይ ነፍስኻ ብፍቕሪ ብምውህሃድ ንነፍስኻ፡ ኣእምሮን፡ ፍቕርን፡ ሕያውነትን፡ ኢዩ ዚህባ።
ከምቲ ፀሓይ ንክሪስታል ብብርሃኑ ዚውልዖ፡ ከምኡ ከኣ እግዚኣብሔር ንነፍስኻ ብርሃኑ ኢዩ ዚመልኣ። ነፍስኻ ብዘይ ሓደ ኢንታ እንተተረኺባ፡ ብርሃን ኣምላኽ ኢያ ትመልእ። ከምኡ እውን ከምቲ ኃያል ሰብኣይ ንሓደ ነገር ብቐሊሉ ሓፍ ዜብሎ፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ እንተደኣ ኮይኑ ከኣ፡ ልብኻ ትምሰጥ ኢያ። እግዚኣብሔር ንዓኻ ጣዕሚ ተመስጦ ከምተስተማቕሮ ዚገብረካ፡ ንሱ ኣብ ዝደለዮን ከምዝደለዮን ኢዩ።
መንፈሳውን ቅዱስን እንተኾይንካ ንሰብነትካ ኣይኽትግደሰሉን ኢኻ፡ ምስ እግዚኣብሔር ንኽትራኸብ ሰብነትካ ኣይጠቕመካን ኢዩ። ኣንጕዕ ነፍስኻ ንኽትረክብ፡ ንሰብነትካ ሰጊርካዮ ክትሓልፍ ይግብኣካ።
ኣብ ጐደና እምነት፡ ነቲ ኵሉ ንሰብነትካ ዚምልከት ነገር፡ ዓይንኻ ዓሚትካ ኢዩ ዚግበር። እግዚኣብሔር መልዕልተ ባሕርያዊ ጸጋ እንተሂቡካ፡ ትዕቢት ኣይትግበር፥ እዙ ፍሉይጸጋዙይ፡ ንኻልኦት ኣይትግለጾ። እቲ ንረብሓ ቤተ ክርስቲያን ኢሉ፡ ዝጸገወካ ኣምላኽ፡ ኣብ ዚድለየሉ ጊዜ፡ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኪደፋፍኣካ ኢዩ። ብዝኾነ ግን፡ ፍሉይ ጸጋ ኪወሃበካ ከሎ፡ ነቲ ብእምነት ክትረኽቦ ዚግብኣካ ዝነበረ ጻማ፡ ስለ ዝተርፈካ፡ ጻማኻ ከምዝንከ ኣይትረስዕ።
እምነትካ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመሥሪቱ፡ ንእግዚኣብሔር ደስ ዜብል ኪኸውን ደኣ ኣለዎ እምበር፡ ፍሉይ መልዕልተ ባሕርያዊ ጸጋ ተቐቢልካ ክርስቲያናዊ ምስክርነትካ ክትህብ ኣይትመነ። ጸጋ ተመስጦ ንኪወሃበካ ንእግዚኣብሔር ምሕታት ኣየድልየካን ኢዩ፥ ከመይ ብዙኃት፡ ብሰንኪ እዙ ጸጋዙይ፡ ኣብ ጌጋ ወዲቖም ኢዮም።
ምስ እግዚኣብሔር ብመልዕልተ ባሕርያዊ መንገዲ ምርኻብ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ፡ ከመይሲ እዙ ራእይዙይን ሰማያዊ ግልጸትዙይን ብሰይጣን ኪመጽእ ይኽእል ኢዩ። እቲ ብሸይጣን ዚመጽእ መንፈሳዊ ራእይ፡ ነቕጺ መንፈስን፡ ክብሪ ገዛእ ርእስኻን፡ ኪፈጥረልካ ከሎ፡ ኣብ ርእስኻ ምሉእ ምትእምማን ተኅድር ኢኻ። ብኣንፃሩ ከኣ፡ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዚመጽእ ራእይ፡ ሕያውነትን፡ ትሕትናን፡ ፍቕሪ ኣምላኽን ኢዩ ዚፈጥር።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ነቲ ዘይበርስ ሃብቲ ሰማይ ኣፍቅር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 16 Feb 2023, 05:03
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!
136 - ነቲ ዘይበርስ ሃብቲ ሰማይ ኣፍቅር
ነቲ ብቓል ኪግለጽ ዘይክኣል፡ ምስ ቅዱሳን ኃቢርካ ንገጽ ኣምላኽ ክትርእን ንዘለዓለም ክትውድሶን ንዘለዓለም ክትሕጐሰሉን ዘሎካ ሓጐስ ብምሕሳብ፡ ክንደይ ዓቢይ ነገር ምዃኑ ኣስተውዕል! (1ቆሮ 2፡9 ረአ)። ጻድቃን ከም ፀሓይ ኬንጸባርቑ ካብ ኮኑ፡ ናይቲ ፀሓየ-ጽድቂ ዝኾነ ኣምላኽ ምንጽብራቕ ደኣ፡ ከመይ ኪኸውን ኢዩ! (ማቴ 13፡43)
ከም መጠን ወዲ-ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣብ ፍጽምና ክትበጽሕ እትኽእልን፡ ገጹ ንምርኣይ እትበቅዕን፡ ሰብነትካ ከይበረሰን፡ ጽቡቕን ክብሪ ዚመልኦን ኮይኑ፡ ካብ ሞት ምስ ትትንሥእ ጥራሕ ኢዩ። ንእግዚኣብሔር ገጽ ንገጽ ምስ ረኣኻ፡ ብታሕጓስ ክትመልእ ኢኻ፥ ድኅሪዙይ ካልእ እትብህጎ ነገር፡ ኣይክህልውን ኢዩ (ዘዳ 16፡11 ረአ)። በቲ ዘይጠፍእ ብርሃንን፡ ዘይዓርብ መዓልትን፡ ምሉእ ታሕጓስ ክትጓናጸፍ ኢኻ። ነቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ንልብኻ ዝተንከፈ ጩራ ብርሃን፡ ሽዑ ብጋህዲ ክትርእዮ ኢኻ።
ኢየሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ እቲ ንስኻ መሬት ኢኻ ናብ መሬት ከኣ ክትምለስ ኢኻ ዝተባህለ ፍጥረት ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኢዩ (ዘፍ 3፡19 ረአ)። ናብቲ ብሰብነቱ ዝዓረገ ጐይታ፡ ብልብኻ ተኸተሎ። እቲ ንዓኻ ኢሉ ንውሉዱ ከወፊዮ እኳ ድኅር ዘይበለ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ብርግጽ ነቲ ካብ ገዛእ ውሉዱ ዘይዓቢ መንግሥተ ሰማይ ኪህበካ ኢዩ (ሮም 8፡32 ረአ)።
ብጊዜ ፈተናኻ፡ በዙ ኵሉ መከራ እዙ ዓለምዙይ እትሓስሮ ዘሎኻ፡ መንግሥተ ሰማይ ተቐሪቡልካ ከምዘሎ ፈሊጥካ ተጸናናዕ። ምስ ክርስቶስ ኣብ ስቓይ እንተኃቢርካ፡ ጥቓ ኽርስቶስ ኣብ ክቡር ዝኾነ ቦታ ክትቅመጥ ኢኻ።
ኣብ ሕይወትካ ደኺምካን ተስፋ ቆሪጽካን፡ ጻዕሪ ኣብ ርእሲ ጻዕሪ ተደራሪቡ ኪስመዓካ ከሎ፡ በቲ ተቐሪቡልካ ዘሎ ሽልማት ግን፡ ተጸናኒዕካ ከምብሓዲሽ ስራሕካ ቀጽል። ምድራዊ ሕይወትካ ክጽለኣካ ከሎ፡ ነቲ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዚጽበየካ ዘሎ ዕረፍቲ ሃረር እናበልካ ተጸበዮ።
ሽሕኳ ዓብዙይ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎኻ፡ ንሓጺር ጊዜ ክትሳቐ እንተኾንካ፡ ድኃር ግን ነቲ ዘይበስር ፍረ ትንሣኤ ክትቋደሶ ምዃንካ ኣይትረስዕ። እቲ ዘለዓለማዊ ናይ ታሕጓስ ሕይወት ይጽበየካ ስለ ዘሎ፡ እትገብሮ ዘሎኻ ጊዜ፡ ጊዜ ሓዘን እንተኾነ እውን፡ ኣይትሕዘን ኢኻ።
ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ህይወት ወዲሰብ ከምቲ እናገንጸልካ እተንብቦ መጽሓፍ ኢዩ። ኣብዙ መጽሓፍዚ ንመንግሥተ ሰማይ ዚበቅዕ ፍረን፡ ነኅዋት ዚጠቅም ሠናይ ነገርን ክትጽሕፍ ጽዓር። እቲ ብዛዕባ መንግሥተ ሰማይ እትሰምዖ ዘሎኻ ነገር፡ ሓደ መዓልቲ ብዓይንኻ ክትርእዮ ምዃንካ ዘክር። ነቲ ዝሰማዕካዮ ምእንቲ ክትርእዮ፡ ብዛዕባ እቲ ዘይረኤ ከኣ፡ ጽን ኢልካ ስማዕ። ጽባሕ ኣኽሊል ዓወት ንኽትቅበል፡ ኣብዙ ሕይወትዙይ ሕጂ ሰልጥን።
ኣብዙ ህይወትዙይ ፍረ ተግባርካ ምእንቲ ክትምእርር፡ ንጊዜያዊ ረብሓኻ እምበር ንእምነትካ ኣይምሓሰብካን፡ ብዛዕባ ንግዲ እምበር ብዛዕባ ጸሎት ኣይምተገደስካን ነይርካ። ነቲ ዘይመውት ወይ ነቲ ስቓይ ዚበሃል ዘይትንክፎን ሰማያዊ ሕይወት ሃረር በል። ኣብዙ ዓለምዙይ እተህልፎ ስደት ሓጺርን ጕዳይ-ቍሩብ መዓልትን ኪኸውን ከሎ፡ ዕረፍቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ግን ዜደንቕ ኢዩ።
ኵሉቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ክትፍጽሞ ኢልካ እትጽዕረሉ፡ ዚጠቕመካ ክሳብ ዕለት ሞትካ ጥራሕ ኢዩ፥ ንመንግሥተ ሰማይ ኢልካ እትፍጽሞ ግን፡ ንዘለዓለም ኢዩ ዚጠቕመካ። እቶም ደረት ግራውቶም ኪደፍኡ ዚውዕሉ፡ ብዛዕባ መንግሥተ ሰማይ ግን፡ ዘይግደሱ ሰባት፡ ብሓቂ ክንደይ ዓያሹ ኢዮም!
ዝኸበርካ ኃወይ! ንስኻ ገና ካብ ዓዲ ምውታን ከይወጻኣካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ሃረርታኻ ናብ ሰማይ፡ ናብቲ ንእግዚኣብሔር ንዘለዓለም ክትውድሰሉ ዘሎካ ሃገረ ሕያዋን ኣዕርግ። እግዚኣብሔር ንንእሽቶ ምድራዊ ድኻምካ ብዘለዓለማዊ ሽልማት፡ ኪሽልሞ ኢዩ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ሰማይ ዘለዓለማዊ ጻማኻ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 23 Feb 2023, 02:14
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)
137 - ኣብ ሰማይ ዘለዓለማዊ ጻማኻ
ሰብ ኪርእየልካ ኢልካ፡ ንጽቡቕ ተግባርካ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ሰብ ከይትጽፍም ተጠንቀቕ፥ ከምዙይ እንተገይርካ ግን፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ፡ ጻማኻ ኣይኪህበካን ኢዩ። ንጽቡቕ ተግባርካ እግዚኣብሔር ጥራሕ ይፍለጦ፥ እቲ ብሥዉር ዚርኢ ሰማያዊ ኣቦኻ ጻማኻ ኪህበካ ኢዩ (ማቴ 6፡1-6 ረአ)።
ጻድቃን ካብ ሞት ክትንሥኡ ከለዉ፡ ጻማኻ ምእንቲ ክትቕበል፡ ጽቡቕ ክትገብር ከሎኻ፡ ነቶም ተመሊሶም ኪገብሩልካ ዘይኽእሉ ጥራሕ ግበረሎም (ሉቃ 14፡14 ረአ)። ቁምነገር ምድራዊ ሕይወትካ፡ እቲ ካብዙ ዓለምዙይ ምሳኻ ኂዝካዮ እትኸይድ ነገር ኢዩ፥ እቲ ካብዙይ ኂዝካዮ እትኸይድ ነገር ከኣ፡ ብዘይካ ፍቕርን ቅድስናን፡ ካልእ የልቦን።
ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎኻ፡ መዓልታዊ ጸብጻብ ሕይወትካ ኢኻ ትገብር፥ ኣብ ሰማይ ግን፡ ጠቕላላ ጸብጻብ ሕይወትካ ክትገብር ኢኻ። ኣብ ሰማይ፡ ጊዜ ትሩፋትካ ኬብቅዕ ኢዩ። ብናትካ ዓገብ፡ ዋላ ንእሽቶ ደረጃ ክብሪ ምእንቲ ከይትጠፍኣካ፡ ሕይወትካን፡ ኃይልኻን፡ ቅድስናኻን፡ ንእስነትካን፡ ኵሉ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ቢልካ ወፊዮ ደኣ እምበር፡ ባዕልኻ ንኵሉ ኣይትደርቶ። እዙ ደረጃ ክብሪዙይ ንእግዚኣብሔር ብዝበለጸ ከምትርድኦ ኪገብረካ ኢዩ፥ ካብዙይ ዝተላዕለ፡ ንምሉእ ዘለዓለም ከተፍቅሮን ክትውድሶን ኢኻ።
ሰብ ዜውርሰካ፡ ምስ ሞተ ኢዩ፥ እግዚኣብሔር ዜውርሰካ ግን፡ ንስኻ ምስ ሞትካ ኢዩ። ነቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልካ ዘሎ ውርሲ ብሃረርታ እናተጸበኻ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከም ሓደ ኃላፊ መንገዲ ተጸበዮ። እዙ ውርሲዙይ ዘይበርስን፡ ዘይረስሕን፡ ዘይምሽምሽን ኢዩ (1ጴጥ 1፡4 ረአ)።
ኣብዙ ኃላፊ ዓለምዙይ ሓወልትን ክብርን ኣይትመነ፡ ሓወልትኻን ክብርኻን፡ ኣብቲ ሓንቲ ነገር በራሲ ዘይብሉን፡ ኣብቲ ኵሉ ነገር ንዘለዓለም ዘይመውትን ዘይለዋወጥን፡ ኣብ ሰማይ ጥራሕ ይኹን። ቀልብኻን ሃምኻን ናብ ክብሪ ሰማይ እንተ ኣቕለብካዮ ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ከም ጐሓፍ ገይርካ ክትቈጽሮ ኢኻ። እቲ ዝበለጸ ስራሕ ሕይወትካ ክትሰርሕ ከሎኻ፡ እቲ ዝኸፍኤ ጽልኢ ሰብ ኪለዓለካ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሰማይ ኵሉ ነገር ተጻሒፉ ከምዚርከብ ፈሊጥካ፡ ተጸናናዕ።
ኣብዙ ዓለምዙይ ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ፡ ንኵሉ ሃብትኻ መኒንካ እንተኃዲግካዮ፡ ኣብ ሰማይ ብሓቂ ሃብታም ክትከውን ኢኻ። ከምኡ እውን ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ፡ ንኽብርን ንሥልጣንን መኒንካ እንተኃደግካዮ፡ ንውርደት ከኣ ከም ታሕጓስ ገይርካ ተቐቢልካዮ እንተኾይንካ፡ ኣብ ሰማይ ናይ ብሓቂ ብዙኅ ክትከብር ኢኻ፡ ምእንቲ ኢየሱስ ቢሎም ከም ዓሻ ኪቈጽሩኻ ከለዉ፡ ባህ እናበለካ እንተደኣ ተቐቢልካዮ፡ ኣብ ሰማይ ብሓቂ ክቡር ክትከውን ኢኻ!
ወተሃደራት እዙ ዓለምዙይ ኣብ ውግእ ንጸላኢ ሥዒሮም ናብ ሃገሮም ምስ ዚምለሱ፡ ዓቢይ ክብሪ ኢዩ። ንስኻ እውን መዓልቲ መጸ፡ እቲ ሠናይ ኵናትካ ተዋጋእ እሞ፡ ዓወት ኂዝካ ከኣ፡ ናብ መንግሥተ ሰማይ ክትኣቱ ኢኻ (2ጢሞ 4፡8 ረአ)። ኣኽሊል ዓወትን ጻማን ዚወሃብ፡ ነቶም ብዘይምቍራጽን ብጽንዓትን ዝተዋግኡ ጥራሕ ኢዩ (ማቴ 10፡22: 24፡13 ረአ)። ሰማዕታት ዚውለዱ ምስ ሞቱ ኢዮም፥ ኣብዙ ዓለምዙይ ሞይቶምስ፡ ዝተረስዑ ኪመስሉ ከለዉ ከኣ፡ እነሆ ኣብ ሰማይ ይውልዑ (መጥ 3፡1-3 ረአ)።
ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ ጸገም እንተደኣ ገጢሙካ፡ እቲ ዝተዓወትካሉ ጸገም ብዝዓበየሉ መጠን፡ ብእኡ መጠን ከኣ ሽልማትካ ኪዓቢ ምዃኑ ምፍላጥ ጥራሕ ይኣኽለካ። ኣብ ጸገምካ፡ ንመንግሥተ ሰማይ እናሓሰብካ፡ ኣዒንትኻ ንሰማይ ቋሕ ኣብል። ኵሉ ስቓይካ ዚውዳእ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ኢዩ፥ ጻማ ቅድስናኻን ድኻምካን ከኣ ኪወሃበካ ኢዩ። ንመንግሥተ ሰማይ ኢልካ እተኅልፎን እትደኽሞን ድኻም፡ ድኻም ኮይኑ ኪራኣየካ ኣይግባእን (ሮም 8፡18 2ቆሮ 4፡17 ረአ)።
ምእንቲ ቅድስናኻ ብዘይምቍራጽ ሰሪሕካ እንተኾይንካ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ መንግሥቲ ሰማያዊ-ኣቦኻ ከም ፀሓይ ክትውላዕ ኢኻ (ማቴ 13፡43 ረአ)። እቲ ሕጂ ብተስፋ እትጽበዮ ዘሎኻ ነገር፡ ሽዑ ናይ በሓቂ ክትቅበሎ ኢኻ። መንግሥተ ሰማይ ኣብዙይ ኮይንካ ዝሰራሕካዮ ገዛ፡ ናብኡ ምስ ኃለፍካ እትነብረሉ ገዛ ምኳኑ ኣይትረስዕ። መጻኢ ሕይወትካ እትሓንጸሉ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ እናንበብካ ከሎኻ እውን ከምዝኾነ ኣስተውዕል።
ኣብዙ ዓለምዙይ ስደተኛን ጋሻን ክነስኻ ገዛ ዘይሰራሕኩ ኢልካ ክትሽገር ትረኣ፡ ኣብቲ ንዘለዓለም ክትነብረሉ ዘሎካ መንግሥተ ሰማይ ግን፡ ምናልባት ንእሽቶ ጸግዒ እንተረኺበስ ይኣኽለኒ ትብል ትኸውን፡ ከምቶም ደቂ እዙ ዓለምዙይ ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ምእንቲ ኪረኽቡ ዓቢይ ትግሃት ዘርእዩ፡ ንስኻ እውን ንሰማያዊ ሃብቲ ክትረክብ ትጉህ ክትከውን ይግባእ። ብሓቂ ከኣ፡ እቶም ደቂ እዙ ዓለምዙይ፡ ካብቶም ደቂ ብርሃን ዚጐርሑ ኢዮም (ሉቃ 16፡8 ረአ)።
ኦ ንኽብሪ መንግሥተ ሰማይ ከይተረዳእካዮን ከይተገደስካሉን ብብላሽ እተኅልፎ ዘሎኻ ምድራዊ ሕይወትካ፡ እቲ ዕድልካን ክንደይ ይኸፍእ ኢዩ! ንህልውና መንግሥተ ሰማይ እናኣመንካ ከሎኻ፡ ቅዱስ ንኽትከውን ዘይምጽዓርካ ክንደይ ዓቢይ ዕሽነት ኢዩ! እቲ ንዘለዓለማዊ ሃብቲ ዕሽሽ ኢሉ፡ ብዛዕባ እቲ ኃላፊ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ዚግደስሲ፡ ክንደይ ዓሻን ዕውሩን ኢዩ!።
ቅዱሳን ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ከለዉ ግቡእ ተገዳስነት ኣይገበርናን እናበሉ ክሳብ ምብካይ ይበጽሑ ከምዚነበሩ ይፍለጥ። ንስኻ ከኣ፡ ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ድኅነትካ ወይ ጥፍኣትካ ከይሓሰብካን፡ እኳ ደኣ ብኃጥኣትካ ደስ እናበለካን ትነብር ኢኻ ዘሎኻ። ብሰንኪ ጕድለት ተገዳስነት መንፈሳዊ ሕይወትካ ንምሉእ ሕይወትካ እውን እንተሓዘንካን እንተበኸኻን እኹል ኣይኮነን። ምሳኡ ከኣ፡ ጊዜኻ ይሓልፍ ኢዩ ዘሎ፥ ንስኻ እውን ምስኡ ኃቢርካ ኢኻ ትኃልፍ ዘሎኻ፥ ዘለዓለማዊ ህይወትካ እውን ይቀርብ ኢዩ ዘሎ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ክብርን ሓጐስን መንግሥተ ሰማይ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 02 Mar 2023, 06:50
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!
138 - ክብርን ሓጐስን መንግሥተ ሰማይ
ምድራዊ ህይወትካ ወዲእካ፡ ካብ መዋትነት ናብ ዘይመዋትነት ምስ ኃለፍካ፡ ምስ እግዚኣብሔር ገጽ ንገጽ ምስ ተረኣኣኻ፡ ካብ እምነት ናብ ምሉእ ራእይ፡ (1ቆሮ 13፡12 ረአ) ክትኃልፍ ኢኻ። ካብ ሽዑ ንድኃር ከኣ፡ ምልኣት ኣምላኽነት ኣባኻ ስለ ዚርከብ፡ ካብ ኣምላኽ ከይትጠፍእ ስግኣት ኣይኪህልወካን ኢዩ (1ቆሮ 15፡28 ረአ)።
ንኣምላኽ ብኣካሉ ምስ ረኣኻዮ ዚስመዓካ ታሕጓስ ወሰን ዘይብሉን ኪርድኦ ዚኽእል ኣእምሮን ኪገልጾ ዚኽእል ልሳንን ኣበይ ይርከብ! ንስኻ ንእግዚኣብሔር በቲ ወሰን ዘይብሉ ቅድስናኡን ሕያውነቱን ኣብ ሰማይ ምስ ረኣኻዮ፡ ኣየ እወ! ሽዑ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ታሕጓስ ኪስመዓካ ይኸውን።
እግዚኣብሔር፡ ኣብ ሰማይ ባህ ዜብል ነገር ኪህበካ ኢዩ፥ ነቲ ብተስፋ እትጽበዮ ዝነበርካ ነገር ከኣ ከረክበካ ኢዩ፥ ነቲ ሕጂ ብእምነት እትኣምኖ ዘሎኻ ነገር ብዓይንኻ ከምትርእዮ ኪገብረካ ኢዩ፥ እቲ ሕጂ ሃረር እትብሎ ዘሎኻ መግቢ ኬብልዓካ ኢዩ፥ እቲ ሕጂ ክትሰትዮ እውን ዚብለካ ዘሎ መስተ፡ ከስቲየካ ኢዩ። እቲ ታሕጓስካ ከምቲ ንመዠመርያ እተስተማቕሮ ዘሎኻ መሲሉ፡ ንኵሉሻዕ ሓዲሽ ኮይኑ ኪነብር ኢዩ። ሓንቲ ጸገም ከኣ ኣይኪህልወካን ኢዩ።
ሽሕኳ ብእግዚኣብሔር ጽጉብ እንተኾንካ፡ ግና ኵሉሻዕ ከኣ ሃረር እናበልካዮ ክትነብር ኢኻ። ሽሕኳ ንእግዚኣብሔር ድሮ ረኺብካዮ እንተኾንካ፡ መሊስካ ኣጸቢቕካ ንኸተረኽቦ ብርቱዕ ጽምኢ ኪህልወካ ኢዩ። እቲ ኵሉ ኣብዙ ምድራዊ ሕይወትካ ዝረኸብካዮ ሓጐስ ንኵሉ ኣብ ሓደ ጥቕልል ኣቢልካ እሞ ሕሰቦ፡ እቲ ታሕጓስ እቲ፡ ንዘለዓለም ክትውንኖ ምዃንካ ሕሰብ። እዙይ፡ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዚጽበየካ ዘሎ ሓጐስ፡ ሃሳስ ምስሊ ጥራሕ ኢዩ።
ኣብ ሰማይ ንሞት ኣይክትፈርህን ኢኻ፡ ሕይወትካ ካብ ዝኾነ ይኹን ስቓይን ሓዘንን ናጻ ኪኸውን ኢዩ። ኣብኡ ጻዕሪ ይኹን ተጋድሎ፡ ፍርሂ ይኹን ካልእ ክፉእ ነገር፡ ኪጠፍእ ኢዩ። ኣብኡ ቅንኢ፡ ዘይናትካ ምድላይ፡ ሕማም፡ ጸልማት፡ ለይቲ፡ ኣይኪህሉን ኢዩ፥ ኵሉሻዕ መዓልትን ብርሃንን ኪኸውን ኢዩ፥ ኵሉ ጊዜ እትዘናግዓሉ ጊዜ ኪኸውን ኢዩ። ካብ ሓሳረመከራን ስቓይን ናፃ ዝኾነ ዘለዓለማዊ ውርሻ ከተስተማቕር ኢኻ።
“ዓይኒ ዘይረኣዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ልቢ ሰብ ዘይኃለኖ፥ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ” (1ቆሮ 2፡9)። ኣብኡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክትሰክር ኢኻ፥ ኣብኡ ኣብ ኣምላኽ ክትጥሕል ኢኻ፥ ኣብኡ ንገዛእ ርእስኻ ረሲዕካ፡ ነቲ ኂዝካዮ ዘሎኻ ወሰን ዘይብሉ ሠናይ ንምፍቓርን ንምውዳስን ንምብራኽን እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣይክትሓስብን ኢኻ። መዓልቲ ንመዓልቲ ዚከታተል ጊዜ ኣይኪህሉን ኢዩ። ኵሉ መዓልቲ ኣብ ሓደ ኪጥቕለል ኢዩ፥ እቶም ሽዑ ዚህልዉ ሰባት ከኣ፡ ፀሓይ ኣይኪዓርቦምን ኢዩ።
እቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብመንጽር እቲ ጊዜያዊ ሕይወት፡ ንዘለዓለም ዚነብር እምበር፡ ኃላፊ ነገር የልቦን። ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኅሉፍ ወይ መጻኢ ዚበሃል ነገር የልቦን፥ ንሕና ንታሕጓስ እዙ ዓለምዙይ ብጥንቓቔ እንጥቀመሉ ጊዜያዊ ብምዃኑ ኢዩ፥ ኣብ ሰማይ ግን፡ መወዳእታ ዘይብሉ ሓጐስ ከምንረክብ ርግጸኛ ኢና።
እቶም ሠናይ ዝገበርካሎም ኵሎም፡ እሞ ሞሳ ዚመልሱልካ፡ እዙ ሞሳ እዙይ ናይቲ ኣብ ትንሣኤ ምዉታን እግዚኣብሔር ዓቢይ ጻማ ኪህበካ ዘለዎ ንኡስ ምሳሌ ኢዩ (ሉቃ 14፡14 ረአ)። ኣብ መንግሥተ ሰማይ፡ ኪበሃል ዘይከኣልን ሰብ ከኣ ኪደግሞ ዘይፍቀድን፡ ቃላት ክትሰምዕ ኢኻ (2ቆሮ 12፡4 ረአ)።
ኣብ መንግሥተ ሰማይ፡ ኣእምሮኻ ብታሕጓስ ምስ ተመሰጠ፡ ልሳንካ እውን ገለ ካብቲ እተፍቅሮ ምእንቲ ክትነግር፡ ዜማ ውዳሴ ንሰማይ ከተዕርግ ኢያ። ነቲ ንውልቁ፡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኪህብ ዚኽእል እግዚኣብሔር ተስፋ ከይቘረጽካ ለምኖ፥ እቲ ንሱ ዚህቦ ሕይወት፡ ዘለዓለማዊ እንተዘይኸውን ነይሩ፡ ጥቕሚ ኣይመሃለዎን። መጋረጃ እዙ ዓለምዙይ ምስ ተቐንጠጠልካ፡ ነቲ እተፍቅሮ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ገጽንገጽ ከተስተማቕሮ ምስ ዠመርካ፡ ማዕረ ክንደይ ጽቡቕን ዜሕጕስን ምዃኑ ካብ ሕጂ ዠሚርካ ሕሰቦ (ማቴ 5፡8 ረአ)።
ንሰማይ ብሓቂ ክትናፍቖ ኢዩ ዚግብኣካ! ናብ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ክብሪ ተጸዊዕካ ከምዘሎኻ እንተዚርድኣካ ካብ ታሕጓስ ዝተላዕለ ልብኻ ምተተኰሰ ነይሩ! መንግሥተ ሰማይ እቲ ንዓኻ ዚጽበ ዘሎ ገዛ ኣምላኽ ኢዩ፥ ሓደ መዓልቲ ንስኻ እውን ናብኡ ነፊርካ ኣብቲ ዝለዓለማዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ ከተዕርፍ ኢኻ። ነቲ ድሙቕ ዝኾነ ብርሃን እግዚኣብሔር እናረኣኻ፡ ነቲ ዓሚቍ ዝኾነ ምሥጢሩ እናተረዳእካ፡ ምስቲ እተፍቅሮ ኣምላኽካ ተወሃሂድካ፡ ንውዳሴኡን ንፍቕሩን ብዘይምቍራጽ እናዜምካ፡ ከምቲ ዘሎ ብኣካሉ እናረኣኻዮ ንዕኡ መሲልካ፡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዘለዓለማዊ ሕይወትካ ከተኅልፍ ኢኻ (1ዮሓ 2፡4 ረአ)።
መንግሥተ ሰማይ እቲ ናይ መወዳእታ ኣተናኻን፡ ዝዓበየ ሃረርታ ልብኻን ኣብ ግብሪ ዚውዕለሉ እቲ ናይ መወዳእታ ዝለዓለ ናብራ ታሕጓስን ኢዩ። ንስኻ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ምስ ኣቶኻ፡ ብዘይ ሓደ ናይ ፍጡር መንጎኝነት፡ ብኡንብኡ፡ ብቕጽበት፡ ንባሕርይ ኣምላኽ ክትርእዮን ክትርድኦን ኢኻ፥ እቲ ብፁዕ ራእይ ኣምላኽ፥ ወይ ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያዊ ክብሩ እንከሎ ምርኣይ ማለት እዙይ እዩ። ኦ ሰላማዊ ዝኾንካ ብፁዕ ራእይ! እግዚኣብሔር ኣብ፡ ንዓኻ ኣብ ክብሩ ከሳትፈካ ምስ ደለየ፡ ንወዱ ኣብ ሽግርካ ከሳትፎ ወሰነ።
ንስኻ፡ ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ክትነግሥ ኢኻ (ራእ 22፡5 ረአ)። ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ናብቱ ሓቀኛ ዝኾነ ሃገርና እትጐዓዝ ዘሎኻ ስደተኛ ምዃንካ ፈጺምካ ኣይትረስዕ። ንኃዋሩ ክትነብረላ እትኽእል ቆዋሚት ከተማ ኣብ ምድላይ ደኣ ትርከብ ኣሎኻ እምበር፡ ኣብዙይ ቆዋሚ ዝኾነ ከተማ ከምዘይብልካ ብሕይወትካ ኢኻ ትምስክሮ ዘሎኻ (ዕብ 13፡14 ረአ)። እቲ ናባኻ ዚቐርብ ኵሉ፡ ንስኻ ድሮ ካብዙ ዓለምዙይ ወጺእካ ትነብር ከምዘሎኻ ኪርኢ ይግባእ።
ሃረርታ መንግሥተ ሰማይ፡ ኮኸብ ሕይወትካ ይኹን። ኣብዙ ዓለምዙይ ትነብር ዘሎኻ ንኽትፍተን ኢኻ፥ እቲ ሓቀኛ ቤትካ ሰማይ ኢዩ። ንልብኻ ናብቲ ሰማያዊ ቤትካ ኣዕርጎ፥ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ታሕጓስ ሰማይ ከኣ ሃነን እናበልካ ጠምቶ።
ኣእምሮኻ፡ ብሓደ ወገን ናብቲ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ጥሒሉ ኪርከብ ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ዕድመ እዙ ኃላፋይን ከንቱን ዝኾነ ዓለምዙይ፡ ክንደይ ሓጺር ምዃኑ ኪሓስብ ይርከብ። ምስ ሞትካ፡ ልብኻ፡ ናብ እግዚኣብሔር ብዓቢይ ታሕጓስ ምእንቲ ኪዓርግ፡ መዓልቲ-መዓልቲ ጸሎትን ብኽያትን ንብዓትን ናብ ሰማይ ኣዕርግ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መንግሥተ ሰማይን፡ ብጭቃ ዝተሰርሔ መንደቕ ሰብነትካ ምስ ዚወድቕ፡ ናብ ታሕጓስ እትኃልፈሉ ጊዜ ስለ ዝኣኸለ፡ ከም እቲ ኵሎም ቅዱሳን ዚሕጐሱ ዝነበሩ፡ ንስኻ እውን ተሓጐስ።
ንስኻ እውን ኦ ኃወይ፡ እቲ እግዚኣብሔር ተስፋ ኣትዩልካ ዘሎ ነገር እትረክብ ይግበርካ! እዙ ነገር እዙይ፡ ክሳብ ናብቲ ምሉእ ታሕጓስ ዘለዎ መንግሥቲ ኣምላኽ ትኣቱ፡ ኣእምሮኻ ዘስተንትኖን፡ መልሓስካ ዚዛረቦን፡ ምሉእ ልብኻ ዚብህጎን ነገር ይኹነልካ (ማቴ 25፡21 ረአ)።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሞት፡ ሕያወይቲ ኃፍትኻ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 09 Mar 2023, 10:47
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)
139 - ሞት፡ ሕያወይቲ ኃፍትኻ
ሞት፡ ሓደ ሕይወት ወዲእካ፡ ካልእ እትዥምረሉ ኵነት ኢዩ። ሞት፡ ጸልማት ዝኾነ መተኃላለፊ ኪኸውን ከሎ፡ ንዕኡ ምስ ኃለፍካ ግን፡ ከምብሓዲሽ ድሙቕ ብርሃን እትርእየሉ ኵነት ኢዩ። ሞት መከራን ድኻምን ተወዲኡስ፡ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ዚዥምረሉን፡ ነቲ ካብ ዘለዓለም ኣትኂዙ፡ ነቲ ኅሩያቱ ኢሉ ዝቐረቦ መንግሥቱ ንኽትወርስ ኢየሱስ ዚጽውዓካ ጊዜ ኢዩ (ማቴ 25፡34 ረአ)።
ነዙ ዓለምዙይ እንተፈቲኻ፡ ኵሉሻዕ ኣብኡ ክትነብር ክትደሊ ኢኻ፥ ንሰማይ እንተፈቲኻ ግን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኮነ፡ ነዙ ዓለምዙይ ገዲፍካዮ ንኽትከይድ ኣይኸብደካን ኢዩ። ንሞት፡ ብዓቢይ ተስፋ እምበር ብፍርሂ ኣይትጠምታ። እግዚኣብሔር ንመወዳእታ ምድራዊ ሕይወትካ፡ ፈላሚ ሓቀኛ ሕይወት ከምዚኸውን ገበሮ (ቲቶ 2፡13 ረአ)። ንሞት፡ ናብቲ ንዓኡ ኢልካ ዝተፈጠርካሉ ዕላማ ክትወስደካ፡ ካብ ስደት ናብ ሓጐስ ዝመልኦ ሃገር ከተእትወካ ኢላ ክትመጽእ ጥዕምቲ ኃውቲኻ ገይርካ ሕሰባ። ሞት፡ እታ ንመዓጹ ቤትማእሰርቲ ነፍስኻ ሰባቢራ፡ እግዚኣብሔር ናብ እትርእየሉ መንገዲ ኣእቲያ፡ ናጽነት እትህበካ ኢያ። “ካብዚ ናብ ሞት ዚወስደኒ ዘሎ ሰብነትስ መን ኾን ኬድኅነኒ ኢዩ?” (ሮም 7፡24)።
ብርግጽ መንእሰይ ከሎኻ ብዛዕባ ሞት ክትሓስብ ከሎኻ ትፈርሕ ነይርካ ኢኻ፡ ሕጂ ግን፡ ብዕደመ ደፊእካን ሸምጊልካን ስለ ዝኾንካ፡ ናብ ገዛ ኣቦኻ ክትምለስ እዋኑ ስለ ዝኣኸለ፡ ጐይታ ከኣ፡ ሕጂስ ይኣኽለካ፡ ንዓናይ ደኣ ንኺድ ክሳብ ዚብለካ፡ ነፍስ ወከፍ ዚኃልፍ መኣልቲ ዚወሃበካ ህያብ ከምዝኾነ ክትርስዖ የብልካን። ምሉእሕይወትካ፡ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር እትራኸበሉ ዕለተ ሓቅን ብርሃንን፡ ጊዜ ምስንዳውን ኪኾነካ ይግባእ።
ንዝኃለፈ ከይዘከርካ፡ ብቕድሚት እናተመጣጠርካ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይ ብኽርስቶስ ገይሩ ኪህበካ ዚጽውዓካ ዘሎ ሽልማት ንኽትቅበል ጕየ (ፊሊ 3፡13-14)። ሞትካ ምስ ቀረበት፡ ጽቡቕ ገይርካ ንኽትቅበላን ንሳ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት እተሰጋግረካ ድልድል ምዃና ከኣ፡ መመሊስካ ክትሓስብ ይግባእ። ንሞት፡ ካብኣ ከተምልጥ ከም ዘይትኽእል ክፉእ ነገር ገይርካ ኣይትመልከታ።
ከምቲ ምእንቲ ጐይታ ኢልካ ብሕይወት እትነብር ዝነበርካ፡ ምእትኡ ኢልካ ከኣ፡ ክትመውት ኢኻ (ሮም 14፡8: ፊሊ 1፡20 ረአ)። ብኸምዙይ፡ ሞትካ፡ ናብ ሕማም ዜብጽሕን ዜፍርሕን ነገር ክንዲ ዝኸውን፡ ናብ ሓጐስ ዜእቱ ዓቢይ ዕድል ኪኾነካ ኢዩ (ራእ 14፡13 ረአ)።
ሞት፡ ነቲ ንእግዚኣብሔር ዜፍቀረን፡ ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ዝመነነን፡ ክንደይ ጥዕምቲ ክትኮኖ እያ! ንስኻ እውን ብሓቂ፡ እቲ ቅዱሳን ዝነበሮም ዓይነት እምነት እንተዚህልወካ ክንደይ ዕድለኛ ምኮንካ ነይርካ! ንሳቶም ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ መኒኖም ንመንግሥተ ሰማይ ሃረር ዚብሉ ዝነበሩ ኢዮም። ካብዙ ዓለምዙይ ቀልጢፎም ምኻዶም ይፈልጡ ብምንባሮም ሕጉሳት ኮይኖም ይነብሩ ነበሩ። ብዘይካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብመንፈስ ሕያው ኮይንካ ምንባር፡ ካልእ ስክፍታ ኣይነበሮምን።
ቅዱሳን ንሞት የፍቅሩዋ እምበር፡ ይፈርህዋ ኣይነበሩን። ብጊዜ ሞቶም፡ ነዙ ሃገረ-ስቓይ ዝኾነ ዓለምዙይ ገዲፎሙዎ፡ ናብቲ ሃገረ ሰላም ዝኾነ መንግሥተ ሰማይ ይኸዱ ስለ ዝነበሩ፡ ይሕጐሱ ነበሩ (መጥ 3፡3 ረአ)። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ እናዜመ ኢዩ ዝሞተ፡ ከምቲ ዳዊት መዘምር፡ ኣብዙ ሃገር ጸላኢ ዝኾነ ስደት እዙይ፡ መዋዕለ ሕይወቱ ስለ ዝነውኄ ዜዕዘምዝም ዝነበረ፡ (ዘዳ 120፡5 ረአ) ናብ ገዛ ኣምላኽ ንኺበጽሕ ቀሪቡ ብምርኣይ ይሕጐስ ነበረ፡ (ዘዳ 42፡83 ረአ) ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ከምኡ ምስ ክርስቶስ ቀልጢፉ ንኺራኸብ ሃረር ይብል ነበረ (ፊሊ 1፡23 ረአ)።
ሞት፡ መወዳእታ ምድራዊ ስደትካን፡ ጸጋን፡ ትሩፋትን፡ ምሕረትን፡ እትቕበለሉ መወዳእታ ጊዜ እዩ። መዓልቲ መዓልቲ፡ ከም መወዳእታ መዓልቲ ሕይወትካ ገይርካ ብምሕሳብ ንኽትነብር ጽዓር። ከምቲ ኢየሱስ ሓንሳብ ካብ ሞት ምስ ተንሥኤ፡ ንዘለዓለም ዚነብር፡ ንስኻ እውን ንዘለዓለም ንኽትነብር ኣብ መወዳእታ ዓለም ካብ ሞት ክትትንሥእ ኢኻ።
ኢየሱስ፡ ኣብ መስቀል ሞይቱ ንሞት ካብ ዝስዕራ ንድኃር፡ ንዓኻ መንገዲ ድኅነት ጸሪጉልካ ኢዩ። ንሕይወትካ ኮነ ንሞትካ ዚውስኖ ጐይታ ምዃኑ ኣይትጠራጠር። ንእግዚኣብሔር ገጽንገጽ ንኽትርእዮ፡ ከምትመውት ግድን ኢዩ፥ ብሥጋ ምስ ሞትካ፡ ሓዲሽ መንፈሳዊ ሕይወትካ ኢኻ ትዘርእ እምበር፡ ኣይትመውትን ኢኻ። ድኅሪ ሥጋዊ ሞትካ፡ ምስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ክትነብር ኢኻ፥ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ፡ ክርስቶስ ንሰብነትካ ካብ ሞት ከተንሥኦ ኢዩ (ሮም 8፡11: 1ቆሮ 15፡12 ረአ)።
ከም ኢየሱስን፡ ምስ ኢየሱስን፡ ብኢየሱስን ካብ ሞት ክትትንሥእ ኢኻ። እዙ መዋቲ ሰብነትካ እዚ ከምዘይመውት ዚገብሮ ኃይሊ ኪለብስ ኢዩ (1ቆሮ 15፡35 ረአ)። ቅዱስ ኮይንካ እንተትመውት፡ ሞትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንደይ ክቡር ምኾነ ነይሩ! (ዘዳ 116፡15 ረአ)። መወዳእታ ሕይወትካ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኪውዳእ ይግባእ፥ ከምቲ ሓደ ሕጻን ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ዚድቅስ፡ ንስኻ እውን ኣብ ሑቝፊ ኣምላኽ ክትመውት ኣሎካ።
ኦ ኣምላኸይ፡ ንስኻ ብዝደለኻዮ ሞት ክትወስደኒ፡ ካብ ሕጂ ኣትኂዘ ፍቓደኛ ምዃነይ እገልጸልካ ኣሎኹ፥ ኦ ኣምላኸይ፡ ምእንቲ ክብሪ መሥዋእትኻን ምእንቲ ድኅነት ነፍሳትን ኢለ ከኣ፡ ሞተይ ምስ ሞት ኢየሱስ ጸንቢረ ኣወፊየልካ ኣሎኹ። ከምቲ ሓደ ናብ ዘለዓለማዊ ሕጉስ ሕይወት ኪነቅል ከሎ ብዘይመጠን ሕጉስ ዚኸውን ሰብ፡ ከምኡ ከኣ፡ ኣነ ስንድውን ቅሱንን ኮይነ ናባኻ ከምዚመጽእ ግበረኒ።
ብዛዕባ እቶም ብሰላም ምስ ክርስቶስ ዝሞቱ ፍቁራን ቤተሰብካ እውን፡ እቲ ምስኣቶም ዝነበረካ ርክብ፡ ብምኽንያት እቲ ምስኣቶም ዘሎካ ናይ ኃባር መንፈሳዊ ሃብቲ ሱታፌ፡ ብዝበለጸ ደልደለ ደኣ እምበር፡ ከምዘይቋረጸ ኣይትረስዕ። ቅዱስ ዶመኒኮ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ፡ ንፈለስቱ “ኣይትብኸዩ፡ እዞም ደቀይ” ይብሎም ነበረ፥ ከመይ ኣነ ካብቲ ብሕይወት ከሎኹ ዝጠቕመኩም፡ ብኅልፊ ዝጠቕመኩምን ዚሕግዘኩምን ምስ ሞትኩ ኢየ። ቅድስቲ ተረዛ ዘኢየሱስ ሕፃን እውን፡ ቅድሚ ምማታ፡ “ኣብ ሰማይ ኮይነ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሠናይ እናገበርኩ ንዘለዓለም ከኅልፎ ኢየ” ትብል ነበረት።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ትንሣኤ ምውታን፡ ምስ ጐይታ ብተስፋ ተራኸብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 
-
Meleket
- Member
- Posts: 2598
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 17 Mar 2023, 10:09
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!
140 - ኣብ ትንሣኤ ምውታን፡ ምስ ጐይታ ብተስፋ ተራኸብ
ኣብ ኣምላኽ ርሒቕካ ኣብ ስቓይ ምንባር ክፉእ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባ ሞት ምሕሳብ ዜጸናንዕ ጽቡቕ ነገር ኢዩ። ሞት፡ ምስ ጐይታ ተሓጕስካ ንኽትነብር እትሓልፈላ ማዕጾ ኢያ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ድኅሪ እታ ማዕጾ ኢዱ ዘርጊሑ ኢዩ ዚጽበየካ። ምስ ኢየሱስ ስለ እትራኸብን ኣብ መንግሥተ ሰማይ ምሳኡ ስለ እትወሃሃድን ኣሚንካ ደኣ ተኣረም እምበር፡ ሰብነትካ ስለ ዚፈርስ ፈሪሕካ ኣይትተኣረም።
ካብዙ ዓለምዙይ ከይፈተኻ ተገዲድካ እንተ ወጻእካ፡ ባህ ከይበለካ ናብ ጐይታ እንተኸይድካ፡ ንሱ ሽልማትን ክብርን ከመይ ገይሩ ኪህበካ ይኻኣል? ንእግዚኣብሔር ክትርእዮ ዘይትደሊ እንተኾይንካ እዙይ ንገዛእ ርእሱ ከምዘይተፍቅሮ ኢዩ ዜመልክት። ሕይወትካ ናብኡ ንኽትበጽሕ ዘየቋርጽ ጕዕዞ ካብ ኮነ፡ ናብኡ ምብጻሕ ደኣ እንታይ ዜደንቕ ነገር ኣለዎ? ክትመውት ከሎኻ፡ ካብዙ ዓለምዙይን ካብ ሕይወትን ብኃይሊ ዝተመንዛዕካ ኣይምሰልካ፥ ቅሱንን ብዓል ጽቡቕ ፍቓድን ኮይንካ፡ ከምቲ ኣብቱ ሓጐሱ ዘይውዳእ ሃገር ኪነብር ኢሉ ተሓጕሱ ዚነቕል ሰብ፡ ንስኻ ከኣ ብሞት ንጐይታ ንኽትቅበል ብሓጐስ ናባኡ ገስግስ።
ሞት ንነፍስኻ፡ ናብ እንዳ ኣቦኣ እትምለሰሉ ኢዩ። ሞት ንሰብነትካ ከም ድቃስ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ “ክርስቶስ ነዚ ናይ ውርደት ሰብነትና ለዊጡ፡ ነቲ ክቡር ዝኾነ ሰብነቱ ከምዚመስል ኪገብሮ ኢዩ” (ፊሊ 3፡21 ረአ)። እቲ ናብ ሰማይ ዝዓረግካሉን ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ዝተቐመጥካሉን ቀዳማይ ጸጋ፡ ኣቐዲምካ ዕርቡን ሃብቲ መንግሥተ ሰማይ ስለ ዝተቐበልካ፡ ምፍራስ ሥጋዊ ሰብነትካ፡ ነቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎካ ብሩህ ተስፋ፡ ከጸልምቶ ኣይግባእን ኢዩ።
ነፍስኻ ከምዘይትመውትን ካብ ሞት ከምትትንሥእን ኣብ ክርስቶስ ጽኑዕ መሠረት ኣለዋ። ነዙ ናይ ሎሚ ስቓይካ ነቲ ጽባሕ ኪወሃበካ ዘለዎ ታሕጓስ እናሓሰብካ ብትዕግሥቲ ተቐበሎ። ሓደ መዓልት ሰብነትካ ብድምጺ መላኣኽን መለኸት ኣምላኽን ካብ ሞት ክትንሥእ ኢዩ (1ቆሮ 15፡52 ረአ)፥ ንዝደቀሱ ነቕኒቕካ ካብ እተተንሥእ፡ ነቲ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንሙታን ካብ ሞት ምትንሣእ ይቐልል።
ብሞት ከምትትንሥእ ኣሚንካ እንተሞይትካ፡ ንሞት ከም ኵነኔ ዘይኮነስ፡ ናብ መንግሥተ ሰማይ እተእቱ ንውልቃ ሓንቲ መንገዲ ምዃና ክትቅበላ ኢኻ። ምስ ክርስቶስ እንተሞይትካ፡ ምሳኡ እውን ክትነብር ኢኻ። ከምቲ ብሞት ንኽርስቶስ ዝመሰልካ፡ ከምኡ ከኣ፡ ብተስፋ ምስኡ ካብ ሞት ክትትንሥእ ኢኻ (ፊሊ 3:10-11 ረአ)።
ንሞት፡ ከም ሓደ ንሞት ዝተፈርደ ዘይኮነስ፡ ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ዓለም ካብ መንጎ ምዉታን ካብ ድቃስ እትበራበረሉ ገይርካ ክትርእዮ ይግባኣ። ንሞትካ እዙ ተስፋ እዙይ ኂዝካ እንተተቐቢልካያ፡ ዓቢይ ዓስቢ ክትቅበል ኢኻ (2 ምቃ 12፡45 ረአ)። ነታ ዘይትመውት ነፍስኻ እምበር ንሥጋዊ ሞትካ ኣይትሕሰብ፥ ንዘለዓለማዊ ክብሪ ደኣ እምበር ነቲ ኃላፊ ዝኾነ ስቓይ ኣይትሕሰብ። ሰብነትካ ናብቲ ናይ መዥመርያ መደብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኣቱ፡ እቲ ብኃጢኣት ዝተበላሸወ ሰብነትካ ኪድርቦ ግድነት ኢዩ (1ቆሮ 15፡53 ረአ)።
ጻድቕ፡ ነቲ ዝተቐረበሉ ዓቢይ ክብሪ ስለ ዚርኢ፡ እቲ ናይ ምሸት ሕይወቱ ድሙቕ ኢዩ ዚኸውን። ንስኻ ከኣ ብዓራርቦ መዓልቲ ሞይትካ፡ ብፀሓይ ብራቕ ኣብ ኣምላኽ ክትውለድ ከሎኻ፡ ክንደይ ጽቡቕ ኢዩ! ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ብሰንበትካ እንተዘይሞትካ ብሕይወት ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ሕይወት እትርከብ ምስ ሞትካ ጥራሕ ኢያ (1ቆሮ 15፡36 ረአ)። ሞት ናባኻ ክትቀርብ ከላ ኣይትረበሽ፡ ወይ ድማ ተስፋ ኣይትቍረጽ፥ ነቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ብቕንዕናን ብቕድስናን ዝነበረ ሰብ ምማት ማለት፡ ብጕያ ዓስቢ ኣኽሊል ምቕባል ማለት ኢዩ (2ጢሞ 4፡8 ረአ)።
ክትመውት ከሎኻ ነፍስኻ ካብ ጸበባ እዙ ምድራዊ ስደትዙይ ናጻ ክትወጽእ ኢያ፥ ናብ ሰማይ ምእንቲ ክትበርር ከኣ፡ ካብዙ ግዙፍ ዝኾነ ሰብነታ ክትጋላገል ግድነት ኢዩ። ንስኻ፡ ንሞትካ ምስ ትሓስብ፡ ነቲ ካብ ሰማይ ክትቅበሎ ዘሎካ ነገር ደኣ እምበር፡ ነቲ ኣብዙ ዓለምዙ እትገድፎ ነገር ኣይትሕሰብ። ብሓቂ ቅዱስ እንተኾይንካ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ሽሕኳ ሞት ስለ ዝቐረበት ከም ሰብ መጠን እንተፈራሕካ፡ ግን ሞይትካ ናብ ዝበልጸ ሕይወት ከምትሳገር ርግጸኛ ስለ እትኸውን፡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ክትብል ኢኻ።
ኣብ ሰማይ ሽልማት ንኽትቅበል ብሕጉስ ተስፋ ንምሉእ ሕይወትካ ንሞት ጽቡቕ ገይርካ ምእንቲ ክትሰናዶ ልምምድ ክትገብር ይግባእ። ነዙ ነገርዙይ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ፡ ንሕመረታ ጥበብ ብኢድካ ጨቢጥካያ ማለት ኢዩ። ንምሉእ ሕይወትካ ከምዙይ እንተደኣ ገይርካ፡ ንሞት ኣይኪትፈርሓን ኢኻ፥ ንሞት ፈቲኻን ረዲኻን፡ ብመንፈስካ ከም ግቡእ ተሰናዲኻ ክትጽበያ ኢኻ።
ሕይወት ማለት ንዓኻ፡ ክርስቶስ እንተደኣኾይኑ፡ ምማት ከኣ፡ ረብሓ ኢዩ (ፊሊ 1፡21 ረአ)። ምስ ሞትካ ኣብ ኣምላኻዊ ሕይወት ምእንቲ ክትጥቕለል፡ እቲ መዋቲ ዝኾነ ተፈጥሮኻ ተቐንጢጡ ኪድርበ ኢዩ (2ቆሮ 5፡1-4: 1ቆሮ 15፡51-53 ረአ)፥ ብድኅሪኡ ከኣ ንወትሩ ምስ ክርስቶስ ክትነብር ኢኻ (ፊሊ 1፡23 ረአ)።
ምስ ቅዱሳን እቲ ተነቢሩልካ ዘሎ ርስቲ ክንደይ ክቡር ይመስለካ! (ኤፌ 1፡18 ረአ)። ንሕይወትካ ምእንቲ ክብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ሠዊዕካ እሞ ምስ ሞትካ፡ ትኽ ኢልካ ናብቲ ብርሃንን፡ ፍቕርን፡ ሕይወትን ዚርከቦ ቦታ ክትኣቱ ኢኻ። ንምሉእ ሕይወትካ ንሞት ከይፈራህካ ድኅሪ ምንባር፡ ንእግዚኣብሔር ክትርኢ ንሞት እትብህግን ብሓጐስ እትቕበላን ይግበርካ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ቅንኣት ድኅነት ነፍሳት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! 