Page 1 of 9

ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 17 Mar 2020, 04:44
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

እዙይ “La Sapienza del Vangelo” ዚብል ኣርእስቲ ዛለዎ መጽሓፍዙይ ብኣባ ፍራንቸስኮ በርሲኒ ብቋንቋ ጥልያን ተደሪሱ፡ ብኣባ ተስፋልደት ኣባይ ማኅበር ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺን፡ ናብ ትግርኛ ምስ ተተርጐመ ከኣ “ፍኖተ ጥበብ” ተባሂሉ። ብ1984 ዓመተ ምሕረት ፈረንጂ ተጻሒፉ፡ ኣብ ዓሠርተ ዓመቱ ትሽዓተ ሻዕ ከምዝተኃትመ ይፍለጥ። ብኃልዮት ኮሚቴ ሊጡርጊያ ማኅበር ካፑቺን ኣብ ኣሥመራ ምስተኃትመ፤ ኣባ ተወልደ በየነ ሓለቓ ማኅበር ን.ኣ. ካፑቺን ኣብ ኤርትራ 10/11/2004 ከምኡውን ኣባ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ ብ 21/11/2004 “ኪኅተም ይከኣል እዩ” ከምኡውን “ይተኃተም” ዚብል ፍቓዶም ሃቡሉ። ንሕና’ውን ነበብናዮ’ሞ ትሕዝቶኡ ስለዝመሰጠና ብካቶሊካዊን ኤርትራዊን ጭውነት ንሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣብዙይ ኣካፈልናኩም:mrgreen:


መቕድም

ነዙ መጽሓፍ እዙይ፡ ዝደረሰ ሰብ፡ ተምበርኪኹ ኢዩ ጽሒፍዎ’ሞ፡ ብዓቢይ ኣኽብሮት ንኸተምብቦ ኃደራ እብለካ። እዙ መጽሓፍ እዙይ መኻሪኻን፡ ዓርክኻን፡ ጥዑም ኣበሣሪኻን ክንዲ ዝኾነ፡ ደጋጊምካ ኣንብቦን፡ ኣስተንትኖን፡ መራሒ ሕይወትካ እውን ግበሮ። ንሱ ኣብ ክርስቲያናዊ እምነት ተመሥሪቱ ንኵሉ ዓይነት ሰብ፡ ማለት፡ ንተራ ምእመናን ኮነ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ኮነ፡ ንኵሉ ምኽሪ ስለ ዚልግስ፡ ንስኻ ከተንብቦ ከሎኻ ከም ኣድላይነትካ ኣርእስቲ እናመረጽካ ድኣ እምበር፡ ተር ኢልካ ኣይተንብቦ።

ነዙ መጽሓፍዙይ ዝጸሓፈ፡ ከማኻ እናተሳቐየን እናተጻገመን በዙ ዓለምዙይ ዝኃለፈ ሰብ እዩ። ንሱ ናይቶም ኣእምሮኦምን ልቦምን ናብ ሰማይ ኣቕሊቦም ኣብዙ ሓጺር ምድራዊ ስደት ዝነበሩ፡ ንናይ ቅዱሳን ትምህርትን ኣብነትን እናተኸተለ እምነቱን ተስፋኡን ኣብ እግዚአብሔር ኣንቢሩ፡ ንኵሉ ስቓዩን መንፈሳዊ ግድላቱን ኪፈትሕ ዝጸዓረ ኢዩ።

ክትደግሞ ደኣ ዜሕዝን ኮይኑ እምበር፡ ብዙኃት ከምቲ ኪነብርዎ ዚግብኦም ሓቀኛ ክርስቲያናዊ ኣነባብራ ሕይወት፡ ኣይነብሩን ኢዮም። ንሳቶም ከንቱ ንዝኾነ ነገር ኬፍቅሩ ኢዮም ዚነብሩ፥ ንሓሶት ከኣ ኪደልይዋ ኢዮም ዚውዕሉ (መዘዳ 4፡3 ረኣ)፥ ዋኒኖም እንካ! መወዳእታ የብሉን! ብዛዕባ ነብሶም ግን፡ ሓንቲ ኣይግደሱን ኢዮም። ብሰብኣዊ ፍልጠት ኪፈትሕዎ ንዘይኽእሉ ጸገም ከኣ፡ ፍጹም ኣይግደሱሉን ኢዮም። ንሳቶም ንኸምዙይ ዝበለ መንፈሳዊ ጸገም፡ ብእምነት ካብ ምፍታሑ፡ ኪጻወቱን፡ ኪዓብዱን፡ ኪዛናግዑን፡ ኢዮም ዚፈትዉን ዚመርጹን። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ነቲ ዘለዓለማዊ ሕይወቶም ረሲዖም፡ ተስፋኦም ኣብ ኃላፋይን ከንቱን ዝኾነ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ፡ ዘንበሩ ኢዮም (2 ቆሮ 4፡18 ረአ)።

እዙ መጽሓፍዙይ፡ ነቲ ሓቀኛ ዝኾነ ክርስቲያናዊ ኣነባብራ ሕይወት እናገለጸ፡ ንስኻ ብኽርስቲያናዊ መንነትካ ነቒሕካን ተሓዲስካን፡ ንልብኻ ልዕሊ ኵሉ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ከተዕርጎ ኪሕግዘካ ኢዩ። እዙ መጽሓፍዙይ፡ ኣብ ጸላም ዝዀነ ናብራ እዙ ዓለምዙይ ብኢድካ ሒዙ እናመርሔ፡ ነቲ ብርሃን እምነትካ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ከምዚዅላዕ ኪገብሮን (ኦዘጸ 10፡23 ረአ) ፥ መንገዲ ሕይወት ከመልክተልካን፡ መንገዲ ጥበብ’ውን ኪምህረካን ኢዩ። እዙ ጥበብዙይ፡ ካብ ቅዱስ ወንጌል ዚርከብ ኢዩ። ነዙ ጥበብዙይ ዝኃዘ ሰብ፡ ንዘለዓለም ኪነብር ኢዩ።

እዙ መጽሓፍዙይ፡ በቲ ምሥጢር ኣምላኽ ዚፈልጥ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸ ብሥራት መለኮታዊ ጥበብ እምበር፡ ልዑል ሰብኣዊ ዘረባን ፍልጠትን ዝሓዘ ሃህ ዜብል መደረ ኣይኮነን። ንስኻ ነዙ መጽሓፍዙይ ክትርድኦ እትኽእል፡ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ እንተደኣ ኃዲሩ፡ እዙ መጽሓፍዙይ ኃይሊ ኣምላኽ ኣባኻ ኬኅድረልካ ኢዩ። መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። ንስኻ ከኣ ነዙ መጽሓፍዙይ ቅድሚ ምንባብካ፡ ነቱ ጥዑም ዝኾነ ጋሻ ነፍስኻ፡ ማለት፡ ንመንፈስ ቅዱስ ኣማኅፀኖን ለምኖን።

እዚ ንኣምላኽ ብሩህ ዝኾነ ነገር፡ ንኣእምሮኻ ግን፡ ጸላም ስለ ዝኾነ፡ መንፈስ ቅዱስ እንተዘይ ኣብሪሁልካ ነታ ፍኖተ ጥበብ ኣይኽትፈልጣን ኢኻ፥ ኣሠራ እውን፡ ኣይክትክተልን ኢኻ (ባሮክ 3፡23 ረአ)። “እቲ ጥበብ ዚረክብ፥ ኣእምሮ እውን ዜጥሪ ሰብ ብሩኽ ኢዩ። ብሩር ካብ ዜጥሪ፡ ጥበብ ዜጥሪ ይበልጽ፥ (ምሳ 3፡13-14 ረአ)። ሃብቲ እዙ ዓለም እዙይ ምስ ጥበብ ኪነጻጸር ከሎ፡ ከንቱ ኢዩ። ካብ ጥበብ ዚርከብ ሃብትን ዕቤትን ኣይጠፍእን ኢዩ፥ ንጥበብ ምስ ኅዝካ ኢኻ፡ ንኵሉ ካልእ ሃብቲ እትረክብ።

ጥበብ ካብ ፀሓይ እትደምቕ ምስ ብርሃን ተነጻጺራ ከኣ ካባኣ ዝለዓለት ኮይና ተረኽበት። እቲ ንእግዚኣብሔር ዜፍቅር ንሱ ምስ ጥበብ ኃቢሩ ይነብር። ኣነ ከኣ ብወገነይ፡ እቲ ዘየፍቅር ሰብ፡ ጥበብ ኣለዎ ኢለ ክኣምን ስለ ዘይኽእል፡ ንስኻ ከኣ ንፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣባኻ ከምዚኃድር ገይርካ፡ በዙ መጽሓፍዙይ ነቲ ሓቀኛ ዝኾነ ጥበብ ልቢ እትመሃር ይግበርካ እናበልኩ፡ ክምርቐካን ጽቡቕ ትምኒተይ ክገልጸልካን እፈቱ።

ተርጓሚ እዙይ መጽሓፍ እዙይ፡ ወፈያኦም ‘እዙ መጽሓፍ’ዙይ ምእንቲ ዝኽሪ’ቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሠላሳን ሠለስተን ዓመት፡ ህርኩት ልኡኽ ወንጌል ኮይኖም ዝሰርሑን፡ ቅድሚ ኵሉ ሰብ ከኣ፡ ማኅበር ካፑቺኒ ኣብ ሃገርና ንኺምሥርቱዎ ዝኃለኑን፡ ዝደኸሙሉን ዝተሳቐዩሉን ነባ ፕሮስፐሮ ማሮብዮ ዘሚላኖ፡ ብዓቢይ ውሉዳዊ ፍቕርን ሞሳን አወፍዮሎም ኣሎኹ።’ ኪብሉ ከለው፤ ንሕና ድማ ንኤልያስ ክፍሌን ምእንቲ ነዙይ ናይ መረጃ ቅርዓት ብዘይሌላን ጉሌላን ንኩሉ ሰብ ብጽቡቕ ድላይ ክፉት ጌሩ ሃሳባት ሰባት ብናጽነት ንኪግለጽ ዝገበሮ ኣበርክቶን ንሕናውን ንሰባት ብፍሬኦም ምእንቲ ክንመምዮም ስለዘኽኣለና ዓቢይ ምስጋናና ነቕርበሉ

ኣብ ቀጻሊ ክፋል፡ ካብ ‘ቀዳማይ ክፍሊ - ጕዕዞ ተሓድሶ’ ካብ ዚብል ምዕራፍ “ትርጕም ሕይወት ወዲ ሰብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ምህሮ ምስ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ክንካፈሎ ኢና!

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 17 Mar 2020, 10:56
by Meleket
1 ትርጉም ሕይወት ወዲ ሰብ

ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፡ ናበይከ ትኸይድ ኣሎኻ፡ ጽባሕከ ዕድልካ እንታይ ኢዩ? ኣብዙ ዓለምዙይ ምንባርን ዘይምንባርንከ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ? እዙ ዚሓልፍ ዘሎ ዕለት መዋዕልካኸ እንታይ ኢዩ ትርጉሙ? ከምኡ እውን እዙ ከም ደመና ኣሠር ከይሓደገ ዚውዳእ ዘሎ ሕይወትካ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? እዙ ኣብ ውሽጥኻ ብኃይሊ ተፈጥሮ ዚስመዓካ ዘሎ ናይ ሕይወት ሃረርታን፡ ሕይወትካ ናይ ምዕቃብ ጻዕሪኸ ትርጉሙ እንታይ ኢዩ? ካብ ሕይወት ዚዓቢ ነገር ኣሎዶ ይመስለካ?

ጊዜ ረኺብካ ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ጕዳይ ሕይወትካ፡ ንኸይተስተንትን ዓለም ብጫውጫውታኡ ይርብሸካ። ኣብ ሕይወትካ እቲ ቀንዲ ቁምነገር ሓደ ጥራይ ኢዩ፡ ንስኻ እውን፡ ብዙኅ ጊዜ ብዘይጠቅም ነገር ኢኻ ክትርበሽ እትርከብ። ቅዱሳን ግን፡ ኣብ ሕይወቶም እቲ ዝሓሸ ነገር ኢዮም ኃርዮም (ሉቃ 10፡42 ረአ)።

እቶም ኣብ መንገዲ እዙ ዓለምዙይ ከይጠፍኡ ዚተርፉ ሰባት ብሓቂ ሒዶት ኢዮም። ዕላማ መፍጠሪኡ እንታይ ምዃኑ ምስትውዓልን ካብቲ መንገዲ ዕላማ መፍጠሪኡ ከይወጸ ብሕይወቱ ምንባርን ንወዲ ሰብ ብሓቂ ዓቢይ ጥበብ ኢዩ።

ኣንታ ሓወይ ንምንትምታይ ኢኻ ወትሩ ብተርባጽ ክትጐዪ እትነብር? ጠጠው ኢልካ ነቲ ዘለዓለማዊ ሕይወትሞ ሕሰብ። ሓደ መዓልቲኮ ንወትሩ ጠጠው ክትብል ኢኻ። ናብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት እናኸድካ ከሎኻስ ናበይ ትኸይድ ከምዘሎኻ ኣይትፈልጥን?

ዕብዳን፡ ንሕይወትካ ብሓጐስ ዚመልኦ ኣይምሰልካ። ኣብ ጽምዋ፡ ንበይንኻ ጥራይ ምስ እትርከብ፡ እቲ ልብኻ ጥርሑ ምዃኑ ዚርድኣካ እሞ እትሓዝን ሽዑ ኢዩ። ሕይወትካ ትርጉም ኂዙ ኪኸይድ እንተደኣ ደሊኻዮ ንቕድሚት ጥራይ ክትጥምት ይግብኣካ። ነቲ ቀንዲ ዕላማ ሕይወትካ ከኣ ኣይትረስዕ። ናብቲ እትኸዶ ቦታ ኣቢልካ፡ ንቕድሚት እንተዘይጠሚትካ፡ ናብቲ ክትበጽሖ ዝሓሰብካዮ ቦታ ኣይትበጽሕን ኢኻ። ንሕይወትካ ብዓይኒ ጥበብ ምእንቲ ክትፈርዳን ብኣኣ’ውን ምእንቲ ከይትምለኽ፡ እስኪ ካብዛ ከም ንፋስ እትውንጨፍ ሕይወትካ፡ ቁሩብ ውጽእ በል።

ንስኻ ንግድል ሕይወትካ እትፈትሕ፡ ቅድሚ ኵሉ ግን ሕይወትካ ትርጉም መፍጠሪኡ ከየጥፍኤ ዚነብር፡ ኣብ ኣምላኽ ትኣምን እንተደኣ ኮይንካ ጥራይ ኢዩ። እቲ ብእግዚአብሔር ዘይኣምን ግን፡ ንግድል ሕይወቱ ዘእምን መረዳእታ ከቕርበሉ ኣይኽእልን እዩ። ኣእምሮ ወዲ ሰብ ንምሥጢራዊ ህልውና ኣምላኽ ንምርዳእ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ይኹን ደኣ እምበር፡ ግን፡ ተፃዩ ኣይኮነን። ሕይወትካ ትርጉም ንኺዘርእ ብምሥጢር ኣምላኽ ተኣመን ወይ ከኣ ሕይወትካ ትርጉም ኣይክህልዎን ኢዩ። ሕይወትካ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ትርጉም ዘይብሉ ከይመስለካ። እግዚኣብሔር ኣቦኻ ኢዩ፡ ንሓደ ኣቦ ከኣ፡ ሕይወት ውሉዱ፡ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ።

ሕይወት ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ብእምነትን ብፍቕርን ዠሚሩ፡ ድኅሪኡ ኣብ ሰማይ ኢዩ ንዘለዓለም ዚነብር። ንስኻ ከኣ ኣብ ሰማይ፡ ንእግዚኣብሔር ከምቲ ዘለዎ እናረኣኻዮ ንዕኡ ክትመስል ኢኻ (1 ዮሓ 3፡2 ረአ)። ንስኻ፡ ኣብዙ ዓለም እዙይ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢኻ ትነብር፡ ስለዙይ ብጥበብ ንኽትነብር ጽዓር። ንእግዚኣብሔርን ንብጻይካን ኣፍቅር፡ ምእንቲ ካልኦት ኢልካ ከኣ፡ ንርእስኻ መንን፥ ምድራዊ ሕይወትካ ከኣ ብእግዚኣብሔር ኮነ ብሰብ ኮነ፡ ዝተባረኸ ኪኸውን ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ዘለዓለማዊ ዕላማ ሕይወትካ፡ ኣይትረስዕ።” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 18 Mar 2020, 03:05
by Meleket
ንኽብሪ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

2- ዘለዓለማዊ ዕላማ ሕይወትካ፡ ኣይትረስዕ።

ሕይወት ወዲ ሰብ፡ ነቲ ንግሆ በቍሉ ምሸት ዚጽምሉ ዕንባባ ሜዳ ኢዩ ዚመስል (መዘዳ 89፡5-6 ረአ)። ሰብ ሓንሳብ ምስ ተወልደ፡ ንዝተወሰነ ጊዜ ኣብዙ ዓለምዙይ ምስ ነበረ፡ ድኅሪኡ ይመውት። ዕላማ ወዲ ሰብ መንግሥተ ሰማይ ኢዩ። መዋዕል ዕድሚኡ ከኣ፡ ምሒር ሓጺር ብምዃኑ፡ በናኒ ከም ሕልሚ ለይቲ ኢዩ። ግን እቲ ሞት ከምዘይትምልከቶን፡ አብዙ ዓለምዙይ ከኣ ንወትሩ ከምዚነብርን ገይሩ ዚሓስብ ሰብ፡ ናይ ብሓቂ ዓሻ ኢዩ።

ንስኻ፡ ኣብ ሕይወትካ ብዙኅ ግድል ክትፈትሕ ኢኻ ትጽዕር። እንተኾነ ነቲ ዝዓበየ ግድልካ፡ ማለት ነቲ ዕላማኻ ዝኾነ ዘለዓለማዊ ድኅነት ወይ መንግሥተ ሰማይ ሽለል ክትብሎ ትርከብ። ኣብ ማኣከል እዙ ሸናዕናዕን ዕብዳንን ዚበዝኆ ዓለምዙይ፡ ብዛዕባ ዕላማ መጻኢ ዘለዓለማዊ ድኅነትካ ኃላፍነት ዘሎካ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ንስኻ ዝተፈጠርካ ንዘለዓለም ክትነብር ደኣ እምበር፡ ጊዚያዊ ጥራይ ኣይኮነን። እወ፡ ናትካ ጽሕፍቶ ኣብቲ ዘይለዋወጥን ዘለዓለማውን ዝኾነ ሕይወት እግዚኣብሔር ንምስታፍ ኢኻ ተፈጢርካ። ኣተና እዙ ጊዚያዊ ሕይወትካዙይ ከኣ ነቲ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ንምስንዳው ጥራይ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ብኣምሳሉን ብኣርኣያኡን ገይሩ ምስ ፈጠረካ (ኦዘፍ 1፡26-27 ረአ) ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ሕይወቱ ሃረር ዚብል ውሽጣዊ ስምዒት እውን ኣኅዲሩልካ ኢዩ። እንተኾነ ብእግዚኣብሔር ክትዓግብ እናኸኣልካ ከሎኻ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዕግበትካ ካብ ፍጡራት እትደልዮ? ዕድልካ ዘለዓለማዊ ክነሱ ስለምንታይ ኢኻ ተስፋኻ ኣብ ኃላፊ ነገር እተንብሮ? ዘለዓለማዊ ጽሕፍቶኻ ኣይትረስዕ። እግዚኣብሔር መወዳእታ ዘይብሉ ሕጉስ ሕይወት ከውርሰካን ምስ መላእኽቱ ከንብረካን ቃል ኣትዩልካ ኢዩ። እቲ ኪህበካ ኢሉ ቃል ኣትዩልካ ዘሎ ነገር፡ ዘይበርስ ውርስን፡ ዘለዓለማዊ ክብርን፡ ጣዕሚ ሕያውነቱን፡ ኣብ ሰማያት ቅዱስ መንበርን፡ ካብ ሞት ምስ ተንሣእካ ከኣ ናይ ሞት ፍርሃት ዚበሃል ፈጺሙ ኣይኪህልወካን ኢዩ።

እዙ ኣብ ላዕሊ ዚሰማዕካዮ ተስፋ ብኢድካ ምስ ጨበጥካዮ፥ ዕላማ መፍጠሪኻ ረኺብካ ማለት ኢዩ። ካብዙይ ዝተላዕለ ከኣ፡ ናብቲ ዝለዓለ ታሕጓስካ ዝኾነ እግዚኣብሔር ጥሒልካ ትርከብ እሞ፡ እቲ ንሱ ዚፈልጦ ክትፈልጥ፡ እቲ ንሱ ዜፍቅሮ ከተፍቅር፡ በቲ ንሱ ዚሕጐስ ክትሕጐስ፡ ክትዥምር ኢኻ። ድኅሪዚ ልብኻ ብታሕጓስ ኪመልእ ኢዩ፥ ካብዚ ኃሊፍካ እትደልዮን እትልምኖን ነገር ኣይኪህልወካን ኢዩ። ካብዚ ንድኃር ናብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክትጥሕል ኢኻ። ሕይወትካ ከኣ ከምቲ ማይ ውሒዥ ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ዜዕርፍ፡ ከምኡ ከኣ ሕይወትካ ከዕርፍ ኪዥምር፡ ናብቲ ዘለዓለማዊ ናይ ታሕጓስ ሕይወት ምስ ኣተወ ጥራይ ኢዩ።

እቲ ወዲ ሰብ፡ ካብ ኵነታትን ነገራትን እዙ ዓለምዙይ ጸሚቑ ጸማሚቝ ዚረኽቦ ታሕጓስ ብሓቂ ቝሩብ ኢዩ። እዙ ታሕጓስ እዙይ፡ ሃሳስ ምስሊ እቲ መወዳእታን ዘለዓለማውን ዝኾነ እግዚኣብሔር ኪህበካ ቃል ኣትዩልካ ዘሎ ታሕጓስ ኢዩ። እቲ ኵሉ ኣብዙ ዓለም እዙይ ዜሕጕስ ነገር፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ታሕጓስ ኢዩ፥ እቲ ሓቀኛ ታሕጓስ ኣብ ሰማይ ጥራይ ኢዩ ዚርከብ።

እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ምሥጢራቱ ከካፍለካ ከሎ ዚስመዓካ ታሕጓስ፡ ካብቲ ዓቢይ ውሒዥ ታሕጓስ ዝነጠበት፡ ኣብ ሰማይ ዚቕረበልካ ዘሎ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ነጥቢ ሓጐስ ጥራይ ኢያ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቲ ኣብዙ ዓለም እዙይ መንበሪኻ ዝኾነ ሰብነትካ መዓልቲ መጸ ኪፈርስ ከሎ፡ በቲ ካልአይ ወገን ከኣ ኣብ ሰማይ ዘለዓለማዊ መንበሪ ክትቅበል ምዃንካ ፍለጥ (ሉቃ 16፡9 ረአ)።

ንስኻ፡ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዚርከብ ውቅያኖስ ሕይወት ኣምላኽ ክሳብ ትኣቱ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ኣብ ዚርከብ ንእሽቶ ነጥቢ ማይ ክትጥሕል ኢኻ። ካብ ሎሚ ኣትሒዝካ፡ ኣብ ባሕሪ እዙ ዓለምዙይ ምሕንባስ እንተደኣክኢልካ ብሓቂ ዕድለኛን ዕዉትን ኢኻ። ኣብ ጸገምካ ነቲ ዘለዓለማዊ ጽሕፍቶኻ እንተደኣ ዘኪርካ ምጽንናዕ ክትረኽብ ኢኻ። ልብኻ ነቲ ዘይሓልፍ ዘለዓለማዊ ጻማ ደኣ እምበር፡ ንበራሲ ምድራዊ ሽልማት ኪቋመት ኣይግባእን።

ሃረርታኻን ድሌትካን ንወትሩ ምሉእ ብምሉእ፡ ኪዓግብ ዚኽእል ብዘለዓለማዊ ነገር ጥራይ ኢዩ። ከምቲ ነበልባል ሓዊ ንላዕሊ ዚመጣጠር፡ ከምኡ ከኣ ሕይወትካ ብምሉኡ ናብ እግዚኣብሔር ኪለዓዓል ይግባእ። ቅዱሳን፡ ቅድሚ ኹሉ፡ ምድራዊ ሕይወቶም ዘኅለፍዎ፡ ልክዕ፡ ከም መሰጋገሪ ገይሮም ኢዮም። እቶም ንናይ ሰማይ ነገራት ከየስተውዓሉ፡ ገዛውቲ ጥራሕ ንምሕናጽን፡ ኣእዋም ጥራሕ ንምትካልን፡ ገንዘብ ንምኹማርን ጥራሕ ዝተፈጥሩ ዚመስሎም ሰባት፡ ኣየ ክንደይ ዓያሹን ደናቝርን ኢዮም!

ኩሉ ነገር ብሓጺር ጊዜ ከምዚውዳእ ኣይትረስዕ ኢኻ። ሽሕኳ በቶም ሓቀኛ ጥበብ ዘይብሎም ሰባት ከም ሓደ ዓሻ እንተተቘጸርካ፡ ንሕይወትካ ግን ምእንቲ እቲ ዘለዓለማውን ጠቓምን ዝኾነ ነገር አኅልፎ። እግዚኣብሔር ኣባኻ ዓቢይ መደብ ፍቕሪ ሓንጺጹ ይርከብ። ነዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከት፥ ንሳቶም ንምንትምታይ ከምዝተፈጥሩኳ ኣይፈልጡን ኢዮም፥ ዓራርቦ ሕይወቶም ምስ ኣኸለ ከኣ፡ ንዓኣቶም፡ ኵሉ ነገር ሽዑ ተወዲኡ ማለት እዩ። ንዓኻ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ንስኻ ስለምንታይ ከምትነብር ትፈልጦ ኢኻ፥ ምድራዊ ዓራርቦ ሕይወትካ ምስ ኣኸለ ከኣ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኪኽፈተልካ ኢዩ። ብርግጽ፡ መዋዕልካ ሓጺር ኢዩ፥ ዘለዓለማዊ ሕይወትካ ከኣ፡ ኣብ ኣፍደገኻ ኢዩ ዚርከብ። ምእንትዙ ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎኻ፡ ብሞት ኪጠፍእ ዘይኽእል ሠናይ ነገርን ሰማያዊ ሃብትን ከተዋህልል ጽዓር። ብጊዚያዊ ሃብቲ ንሰማያዊ ሃብቲ ምግዛእ ምኽኣልካ፡ ብሓቂ እዚ ዓቢይ ዕድልን ዓቢይ ስራሕን ኢዩ።

ኦ ኣምላኸይ፡ ኣብ ዓለም፡ እቲ ኣነ ክቕመጦ ዝግብኣኒ ቦታ ኣመልክተለይ ኢኻ፥ በቲ ናባኻ ዘቕርበኒ ነገር እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ነገር ከምዘይሕጐስ ግበረኒ፥ ከምኡ ኸኣ፡ ኦ ኣምላኸይ በቲ ካባኻ ዘርሕቐኒ ነገር እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ነገር ከምዘይጕሂ ግበረኒ። ኦ ጐይታ ንኵሉ ኃላፊ ነገር ንዒቐ ንዘለዓለማዊ ነገር ጥራይ ከምዘፍቅር ግበረኒ፥ ንስኻ ዘየለኻሉ ታሕጓስ፡ ሓቀኛ ታሕጓስ ስለ ዘይኮነ ከምዘየስተማቕሮ ግበረኒ፥ ካባኻ ወጻኢ ዚርከብ ነገር ንሓደዃ ሃረር ከምዘይብል ግበረኒ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሕይወት ወዲ ሰብ፡ ጕዕዞ ሰማያዊ ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 19 Mar 2020, 03:41
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

3 - ሕይወት ወዲ ሰብ፡ ጕዕዞ ሰማያዊ ሃገር

ንሃብቲ ሰማይ ደኣ እምበር ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ኢልካ ከምዘይተወለድካ ይሰቘርካ፥ ስለዚ ሃረር ክትብሎ ዘሎካ ሰማያዊ ነገር ደኣ እምበር፡ ምድራዊ ነገር ኣይኮነን። ኣብዙ ዓለምዙይ ናብቲ ዘለዓለማዊ መንበሪኻ ክሳብ ትኣቱ ኣብ ስደት ኢኻ ዘሎኻ፥ ናብቲ ሓቀኛ ሀገርካ ክትበጽሕ ኢልካ ትጐዓዝ ኢኻ ዘሎኻ፥ ጽባሕ ንእግዚኣብሔር እናረኣኻ ንኽትነብር፡ ሎሚ ብእምነት ንበር፥ ጽባሕ ንዕረፍቲ ከተስተማቕሮ፡ ሎሚ ጸዓር፥ ኣብ ሰማይ እግዚኣብሔር ንምርኣይ ሽልማትካ ምእንቲ ክትቅበል፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ላዕልን ታሕትን እናበልካ ጽዓር (2ቆሮ 5:6-8 ረአ)።

ኣብ ጕዕዞኻ ከሎኻ እንተዘይበኺኻ፡ ናብ ሃገርካ ምስ ኣቶኻ ኣይኽትሕጐስን ኢኻ። ተቐማጢ እዙ ዓለምዙይ ጥራይ ክትከውን እንተደኣ ደሊኻ፡ ተቐማጣይ ሰማይ ንምዃን መሰል ከተጥፍእ ኢኻ። ድኻም ጕዕዞኻ ናተይ ኢልካ እንተዘይተቐቢልካዮ ከኣ፡ ኣብ ገዛዕ ሃገርካ ዚርከብ ዕረፍትን ቅሳነትን ኣይትረኽቦን ኢኻ። ኣብቲ ጠጠው ክትብል ዘይግብኣካ፡ ጠጠው እንተደኣ ኢልካ፡ ነቲ መፈጸምታ ጕዕዞኻ ኣይትበጽሖን ኢኻ።

ናብዙ ክትሳገረሉ ጥራይ ዚመጻእካ ዓለምዙይ፡ ነባሪ መንበሪ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ከመይሲ ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ሕይወትካ፡ መዓልቲ መጸ፡ እናተነከየ ኢዩ ዚኸይድ። ምእንትዙይ ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ከም ሓደ፡ ጕዳይ እዙ ዓለምዙይ፡ ሓንቲ ዘይግድሶ ኮይንካ ንበር። ኣብዛ ምድሪዚኣ ነባሪ ቤት ስለ ዘይብልካ ንልብኻ ናጻ ገይርካን ወትሩ ጊዜ ናብ ኣምላኽ እናኣዕረግካን ሓዞ (ዕብ 13:14 ረአ)።

ነቲ ዘይበርስ ሃብቲ ሰማይ ሃረር እናበልካ ከም ሓደ ህውኽ መንገደኛ ካብ መንጎ እዞም በረስቲ ነገርዚኣቶም ቀልጢፍካ ኅለፍ በል ደኣ እምበር፡ ኣብ መንገዲ ጠጠው ኣይትበል። ነቶም ምድራዊ ነገራት ኣብ ጕዕዞኻ እናተጠቐምካ፡ ኣብቲ ሓቀኛ ሃገርካ ምስ ኣቶኻ ምእንቲ ኪጠቕሙኻ ሃረር በሎም ኢኻ። እዙ ዓለምዙይ ጽቡቕ ይኹን ደኣ እምበር፡ ዅሉ ጊዜ ዓዲ ስደት ኢዩ፥ ዓድኻ ሰማይ ኢዩ።

ኣብዙ ስደት ዝኾነ ዓለምዙይ ብምድራዊ ሃብቲ ከይተታለልካ ልብኻን ኣጠማምታኻን ናብ ሰማያዊ ሃገርካ ኣቢልካ፡ ንዓለም እናጐሰኻዮ ከምትኃልፎ ግበር። ሕይወት ወዲ ሰብ ናብ ሰማያዊ ሃገር ዚግበር ጕዕዞ ኢዩ። እንተኾነ ኣብ መንገዲ ከሎኻ ነቲ እትኸዶ ዘሎኻ ቦታ ኣይትዝክሮን ኢኻ። ንስኻኮ ናብዙ ዓለምዙይ ዚመጻእካ መንግሥተ ሰማይ ንምርኻብ ኢዩ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ንወትሩ ከምትነብር ጌርካ ትሓስብ እንተደኣ ኮይንካ ብሓቂ ዓሻ ኢኻ! እቲ ጐይታና ነቲ ብሃብቱ ሕጕስ ኮይኑ ኪነብር ተስፋ ዝነበሮ “ኣታ ዓሻ በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ኪወስድዋ ኢዮም፡ እቲ ዝደለብካዮ ሃብቲ ደኣ ንመን ኪኸውን ኢዩ?” ዚበሎ ቃል ዘክር (ሉቃ 12፡20 ረአ)።


አብዙ ዓለምዙይ ንወትሩ ነባሪ ከምዝኾንካ ገይርካ ብምሕሳብ ኣብ ጕዳይ እዙ ዓለምዙይ እንተደኣ ተዋሒጥካ ትነብር ኮይንካ፡ ካብቲ ሕይወትካ ኪኸውን ዚግብኦ ናብራ ርሒቕካ ከምዘሎኻ ፍለጥ። ሕይወትካ ኣብ ሓደ ሓጺር ጕዕዞ እናተጐዓዘ ከምዚርከብ ካብ ኣእምሮኻ ኪወጽእ ኣይግባእን። እኳ ደኣ ኣብዙ ዓለምዙይ ብለቓሕ ኢኻ ተቐሚጥካ ትርከብ ዘሎኻ።

እምበኣርከስ ካብ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ከይፈቶኻ ብኃይሊ ካብ እትፈላለ፡ ብፍቕሪ ፈቲኻ ክትፍለ ይሕሸካ። ዓለም ንቝሩብ ጊዜ መጽበዪ ወይ መጽንሒ ደኣ እምበር ዕላማ ገዛእ ርእሱ የብሉን። ፍጻሜ እቲ ብሩኽ ተስፋን ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ብትዕግሥቲ ተጸበዮ (ቲቶ 2፡13 ረአ)።

ቅዱሳን እግዚአብሄር ክሳብ ዚጽውዖም ብትዕግሥቲ ይጽበዪዎ ነበሩ። ንሳቶም ብሓቂ ሰብ ጥበብ ኢዮም ነይሮም። ምስ እግዚአብሔር ንምርኻብ፡ ካብዙ ድኻ ዝኾነ ዓለም እዙይ ኪወጹ ሃረር ይብሉ ነበሩ።

ሃብትኻ ኣብ ሰማይ እንተኾይኑ ልብኻ እውን ኣብኡ ኪኸውን ኢዩ እሞ (ማቴ 6፡21 ረአ) ንስኻ እውን እግዚኣብሔር ክሳብ ዚጽወዓካ ሃረር እናበልካዮን ብትዕግሥት እናተጸበኻዮን ንበር። እዙይ ኢዩ እቲ ሓቀኛ ገጽ ሕይወትና፥ ንስኻ ከኣ፡ ነዙ መደብ እዙይ፡ ብሓቂ ክትነብሮ እንተደኣ ክኢልካ ዕድለኛን ዕዉትን ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ድኅነትካ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 20 Mar 2020, 02:20
by Meleket
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

4- ድኅነትካ

ሕይወት ወዲ ሰብ ፈተናን ቃልስን ዚመልኦ ኢዩ። ሰብ ንመሬት ይዘርኣን የልምዓን ኢዩ፥ እንተኾነ ጻማ ስራሑ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዚረኽቦ። እቲ ንመዋቲ ሰብነትካ እትገብሮ ክንክን፡ ነታ ዘይትመውትን ንዘለዓለም እትነብርን ነፍስኻ እውን ግበሮ። ሰብነትካ ብምግቢ ይስሰ፥ ነፍስኻ ግን ብጽቡቕ ተግባርካ ኢያ ትስሰ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ሓደ ጽቡቕ ነገር ጥራይን፡ ሓደ ሕማቕ ነገር ጥራይን ፡ ኢዩ ዘሎ፡ ንሱ ከኣ ድኅነት ነፍስን፡ ጥፋኣት ነፍስን ኢዩ። ሰብ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ ዚመውት፥ ነፍሱ ሓንሳእ እንተ ጠፊኣ ከኣ፡ ንዅሉ ጊዜ ጠፊኣ ማለት ኢያ። ንስኻ ሓንቲ ነፍሲ ጥራይን ሓንቲ ሞት ጥራይን ኢዩ ዘሎኻ፥ እዙ ዘለዓለማዊ ዕልድዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ። “ሰብሲ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ ንነብሱ እንተጐድኣ ወይ እንተጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ?” (ሉቃ 9፡25)።

ንምሉእ መጻሕፍቲ ፍልጠት ገላቢጥካ እንተጽናዕካዮን እንተፈለጥካዮን፡ ግን፡ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ እንተዘይመራሚርካን እንተዘይተረጋጊጽካን እዙ ኵሉ ፍልጠት እንታይ ኪጠቕመካ ኢዩ?። ኣየወ! ክንደይ ዘይተመሃሩ ኪድኅኑ ይኾኑ፡ ክንደይ ዝተመሃሩ ከኣ፡ ኪጠፍኡ ይኾኑ!።

ንጸዋዕታኻን ንመረጻኻን ወትሩ ብዝበለጸ ንኽተረጋግጽ ክትጽዕር ይግባእ። ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ እኹል ዋሕስ ስለ ዘየሎ፡ ምእንቲ ድኅነት ነፍስኻ ኢልካ፡ ብፍርሃትን ብረዓድን ክትሠርሕ ይግብኣካ (ፊሊጵ 2፡12 ረአ)። ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ሕይወትን ኣብ ዝኸድካዮ ከድካ፡ ሽሕ ጊዜ ቅዱስ ተበሃል፡ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ ዋሕስ ዚተኽለልካ የብልካን።

ንሸይጣውንቲ እንዶ ንርኤ፥ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዚነበሩ ኢዮም፡ ንይሁዳ እንዶ ንርኤ፡ ምስቶም ካልኦት ሓዋርያት ዝነብር ዝነበረ ኢዩ፡ እኳ ደኣ ንሱ ምስ ኢየሱስ ወልደ ኣምላኽ ዝነብር ዝነበረን ክንደይ ሻዕ ምስኡ ዘዋግዔን ኢዩ! ንሸይጣን ዚኽልክሎ ነገር የልቦን፡ እቲ ኣዚዩ ዝጸንዔ ገዳም ይኹን፡ እቲ ዝረሓቐ ምድረበዳ ይኹን፡ ሸይጣን ንኸርክበልካ ዚጽግሞ ነገር የልቦን።

ብዛዕባ ርእስኻ ኣይትመካሕ፡ ከመይ ዋላኳ ጽውዑን ምሩጽን እንተዀንካ፡ ናብ መንግሥተ ኣምላኽ ክትኣቱ ብቑዕ ምዃንካ ወይ ዘይምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ ካብ ላዕሊ ካብ ዘይተገለጸልካ፡ ስለምንታይ ደኣ ነዙ ዓቢይ ጕዳይካ ብሸለልትነት ትርእዮ? ንስኻ ደሊኻን ረዲኻን፡ ብገዛእ ፍቓድካ ካብ እግዚኣብሔር እንተደኣ ርሒቕካ፡ ንሱ ከድኅነካ ሓንቲ ኃላፍነት የብሉን።

ድኅነትካን ጥፍኣትካን ኣብ ኢድካን ኣብ ገዛእ ናጽነትካን ኢዩ ዚርከብ። ነፍስኻ ንምድኃን ኣብ ሓደጋ ሞት እንተበጻሕካ እውን ኪዓጅበካ ኣይግባእን። እንሆ፡ ኣብ ቅድሜካ ሕይወትን ሞትን ኣለዋ፡ እቲ ንስኻ ዝሓረኻዮ ክተልዕል ኢኻ (ሲራ 15፡17 ረአ)። እግዚኣብሔር ኣብዙ ዓለምዙይ ዘንበረካ ነፍስኻ ንምድኃን ጥራይ ኢዩ። እንተኾነ ንኵሉ ነገር ተገዲስካ፡ ንነፍስካ እንተዘይተገዲስካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ዓቢይ ኃላፍነት ኪህልወካ ኢዩ (ሉቃ 16፡2 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንጊዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 21 Mar 2020, 05:01
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

5 - ንጊዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ

እቲ ክትገብሮ ተዋሂቡካ ዘሎ ክፋል ጊዘ ዕድሜኻ፡ ንዓኻ፡ ምናልባት ብዙኅ ኮይኑ ይረኣየካ ይኸውን፥ እንተኾነ ንዕኡ ንመንጽር ዘለዓለም ክትርእዮ ከሎኻ፡ ገለ ካብቶም ንጊዜ ዜቑሙ ደቓይቕ ጥራይ ኢዩ። ነዙ ተዋሂቡካ ዘሎ ምሒር ሓጺር ዝኾነ ዕድመኻ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ እንተደኣ ኣኅሊፍካዮ ብሓቂ ብፁዕ ኢኻ።

ነፍስወከፍ ደቒቕ ሕይወትካ ዘለዓለም ሕይወት ዝኃዘ ኢዩ። ነፍስወከፍ ዕለት፡ ህያብ እግዚኣብሔር ኢዩ። ጊዜ ንዓኻ፡ እቲ ንስኻ ኣብዙ ዓለምዙይ እትውንኖ ደቒቕ ኢዩ፥ እዙ ደቒቕዙይ ንሕይወትካ ትርጉምን ጥቕምን ከምዚህቦ ግበር። ንዓለም ዘይኮነ፡ እንታይድኣ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ከሎኻ ተዋሂቡካ ዘሎ ጊዜ ክትጥቀመሉ ጽዓር። ጊዜ ናይ ሕይወትካ ተቘጻጻሪ ስለ ዝኾነ፡ ጽባሕ ናትካ ከሳሲ ከይኸውን ተጠንቐቕ።

ንስኻ ኣብዙ ዓለምዙይ ንሓጺር ጊዜ ጥራይ ከምትነብር እናፈለጥካ፡ ንጊዜኻ ኣብ ዘይጠቅም ነገር ክትሕሽሾ ፍጹም ዕብዳን ኢዩ። ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ፍርዲ፡ ናይቱ ኵሉ ዝተዋህበካ ጊዜ፡ እንታይን ብከመይን ከምዝተጠቐምካሉ ጸብጻብ ክትሕተት ኢኻ።

ዋጋ ጊዜ መወዳደሪ ዘይብሉ፡ ብዘይ መጠን ክቡር ክንድዙይ ኪበሃል ዘይከኣል ኢዩ። ጊዜ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ጥራይ ዚርከብ ወርቂ ኢዩ። ምእንትዙይ ንወርቅካ ኣይትሓሽሾ። ብሓቂ ካብ ጊዜ ዚኸብርን ዚበልጽን ነገር ዋላዃ እንተዘየሎ፥ ግን ዜሕዝን ነገር ኢዩ፡ ከም ንጊዜ ዕሽሽ እንብሎ ነገር ከኣ የልቦን፥ ከመይ ከምቱ “ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቅስያ፡ ዳርጋ ጨርቂ” ዚበሃል ኢዩ። ነቲ ሕጂ እትሕሽሾ ዘሎኻ ጊዜኻ፡ ኣብ ጊዜ ሞትካ ክንደይ እኳ ደኣ ሃረር ክትብሎ ኢኻ!።

ጊዜ ድኅነትካ ምስ ኅለፈ፡ አይምለስን ኢዩ’ሞ ሲራክ ጥበበኛ፡ “ኦ ወደይ ንዝተዋህበካ ጊዜ ኣብ ቁምነገር ኣውዕሎ” (4፡20 ረአ) ይብለካ። ጽቡቕ ንኽትነብር ሎሚ ጥራይ ኢዩ ዕድል ተዋሂቡካ ዘሎ፥ ጽባሕ እዙ ዕድልዙይ ትረኽቦዶ ይመስለካ? ሎሚ መዓልቲ ብኸንቱ ንኸይኃልፍ፡ እቲ ሎሚ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ንጽባሕ ኣይተሳግሮ። እቲ ጊዜ ረፋድ ዚፈቕደልካ፡ ጊዜ አጋ ምሸት ከይፈቐደልካ ኪተርፍ ከምዚኽእል፡ ወይ ብአንጻሩ፡ ጊዜ አጋ ምሸት ፈቂዱ፡ ጊዜ ረፋድ እንቢ ኪብለካ ከምዚኽእል፡ መዓልቲ መጸ ክትዝክሮ ዚግብኣካ ነገር ኢዩ።

ሓደ መዓልቲ ነዙ ዓለምዙይ ሓዲግካዮ ክትከይድ ኢኻ፥ ግዳ እዙ ነገር እዙይ መኣስ ከምዚኸውን ኣይትፈልጥን ኢኻ’ሞ፡ ምእንትዙይ ነቲ ጊዜ እዚ ክትፈልጦ ስለ ዘይትኽእል፡ መኣስኮን ይኸውን ኢልካ ኣይትጸበ፡ እንታይድኣ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጊዜ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ዠምር።

ጐይታ፡ መዓልትኻ ክንደይ ከምዝኾነ ቈጺርዎ ኢዩ (መዝ 39፡6 ረአ)። ነፍስወከፍ ዚኃልፍ መዓልቲ ከኣ፡ ካብ መዓልታት እዙ ምድራዊ ስደት እዙይ ተነኪዩ፡ ንሰማያዊ ሃገር የቀራርበካ። ንስኻ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ንምእካብ ብዙኅ ጊዜ ከተጥፍእ ኢኻ ትረኤ፡ ንነፍስኻ ብጻማ ጽቡቕ ተግባር ንምህብታም ግን፡ ጊዜ ኢኻ ትስእን።

ኣየ እወ! ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዘሎ ዕሽነት! ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ንምድላብ ክንደይ ሸበድበድ ዘይብል! ነቲ ግምት ዋጋ ዘይርከቦን፡ ሽሕ ጊዜ ካብ ወርቂ ዚበልጽን ጊዜ ግን፡ ኣብ ዘይጠቅም ነገር የጥፍኦ! ነቲ ምስ ኃለፈ ዘይምለስ ጊዜን ንስኻ እውን ምሳኡ ሓንሳእ ምስ ኃለፍካ ዘይትምለስ ምዃንካን እሞ ሕሰብ! ጊዜ ወትሩ እግረ እግርካ ኢዩ ዚኸይድ፥ ንዕኡ ጽባሕ፡ ሎሚ ኢዩ። ሰዓት ምስ ዚሃርም፡ ዚኃልፍ ዘሎ ጊዜን ዚቐርበካ ዘሎ ዘለዓለምነትን ከዘካኽረካ ይግባእ።

ጊዜ ምስ ኃለፈ ኣይምለስን ኢዩ። ጊዜኻ ኣብ ሕማቕ ነገር እተውዒልካዩ፡ ንወትሩ ጥፉእ ኢዩ። ኣብ ሰማይ ደረጃ ወንበርካ፡ እቲ ኣብዙ ዓለም እዙይ ከሎኻ፡ ዘፍረኻዮ ደረጃ ፍቕሪ ኢዩ። ነቶም ብዛዕባ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ጥራይ ዚግደሱ ሰባት፡ ጊዜ ንዓኣቶም ወርቂ ኢዩ፥ ንዓኻ ግን፡ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ጥራይ እትግደስ፡ ጊዜ፡ ንዘለዓለም ዚነብር ክብሪ ኣምላካ ኢዩ።

ንስኻ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እንትጐዓዝ ዘሎኻ መንገደኛ ኢኻ፥ ጊዜ ክሳብ ዘሎካ ጕዕዞኻ ኣይተቋርጽ። ንዘለዓለማዊ ሕይወትካ ሸለል ኢልካ፡ ተስፋኻ ኣብዙ ኃላፊ ዝኾነ ዓለምዙይ ጥራይ እንተደኣ ኣንቢርካዮ ግን፡ ብሓቂ እተሕዝን ሰብ ኢኻ።

ብሓቀኛን ፍጹምን ዝኾነ ጣዕሳ፡ ዝከኣለካ እናገበርካ፡ ነቲ ብኸንቱ ዘጥፋእካዮ ጊዜ፡ ዳግም ከምትኸስቦ ግበር። እዙ ጊዜ እዙይ፡ ጊዜ ድኻም እንተኾነኳ፥ ግን ምእንቲ ፍቕሪ እተሰቕለ ኢየሱስ ኢልካ፡ ጥዑም ዝኾነ ጽንዓት እትረኽበሉ ኪኸውን ኢዩ ዚግባእ።

ኦ ጐይታ፡ እዙ ሓጺር ሕይወተይ እንታይ ዓይነት ጽቡቕ ተግባርኮን ይህልዎ? ብዝኾነ ግን፡ እቲ ጽቡቕ ተግባረይ፡ ኣብ ሰማያዊ መንግሥትኻ ኃሊፉ ከምዚጸንሓኒ ደኣ እምበር፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ብከንቱ ተሸሚሙን ጠፊኡን ከምዘይተርፍ ግበረኒ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጊዜ ንእስነት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 23 Mar 2020, 04:20
by Meleket
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

6 - ጊዜ ንእስነት

ዕላማን ፍረን ዘለዎ ሕይወት ዚሕነጽ፡ ካብ ጊዜ ንእስነትካ አትኅዝካ ኢዩ። ውሳኔ ምሉእ ሕይወትኻ፡ ካብ ምስ ዓበኻ፡ ገና ብንእስነትካ ከሎኻ፡ ክትገብሮ ይቐልል። ኣብ ሕይወትና እቲ ዜድሊ፡ ብዝኂ ዕድመ ዘይኮነስ፡ ዕላማን ጽቡቕ መደብን ኢዩ። እቶም፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ምልክት ሓንጺጾም ዝሞቱ ሰባት፡ ገና ኣብ እርጋኖም ከይበጽሑ ኢዮም።

ሕይወትና ዚምዘን ብብዝኂ ዓመት ዕድመ ዘይኮነስ፡ ብብዝኂ ጽቡቕ ተግባር ኢዩ። ጻድቕ “ብሓጺር ጊዜ ኣብ ፍጽምና ይበጽሕ እሞ፡ ንነዊሕ ጊዜ ከኣ ይጐዓዝ” (መጽ. ጥበብ 4፡13)። “ሰብ ዚኸብር ብንውሒ ዕድመ ወይ ብብዝኂ ዓመት ኣይኮነን፥ ሸያብ ዚበሃል ከኣ እቲ መስተውዓሊ ሰብ ኢዩ። ብዕድመ ዝበሰለ ሰብ ከኣ እቲ ብዘይ ሓደ ኣበር ዚነብር ኢዩ” (ጥበ ሰሎ 4:8-9)

ከምቲ ብንግሆኡ ኣእዳውና ወርቂ ዚሓፍሳ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ህይወትና ዓበይቲ ነገራት እንፍጽም፡ ብጊዜ ንእስነትና ኢዩ። ንጹር ዕላማን ጽኑዕ ፍቓድን ዘለዎ መንእሰይ፡ ካብቲ ልህሉሕ ፍቓድ ብዓሠርተ ኢድ ይኃይሽ። ሓድሓደ ሰብ ነቲ ዝበለጸ ጊዜ ሕይወቶም ብኸንቱ የጥፍእዎ። እዚኣቶም፡ ብርግጽ፡ ኣብ ብስለት ዕድሚኦም ምስ በጽሑ ሕይወቶም ከመዓራርዩ እኳ እንተፈተኑ፡ እዙይ ግን፡ እኹል ኣይኮነን፡ ጐደሎ ኢዩ። ዝኾነ ፍረ፡ ጊዜ ብስለቱ ተጸቢኻ ኢዩ ዚቕንጠብ።

ብግዜ ንእስነትካ እንተዘይዘሪእካ፡ ምስ ዓበኻ እኹል ፍረ ኣይትረክብን ኢኻ። ንእስነት ኣብ ጊዜ ብስለት ዕድመኻ፡ ዚፈሪ ዕንባባ ኢዩ። ስለዚ ዝኸበርካ ኃወይ! ተስፋ ከይቖረጽካ ከምትነብር ግበር። ገና ንእሽቶ ከሎኻ ቁም ነገር እንተዘይገይርካ፡ ምስ ዓበኻ እትገብሮ ብዙኅ ነገር የልቦን። ምስ ሸምገልካ፡ ንእስነትካ ኣብ ዘንክሶ ኃዊ ኢኻ ትመውቕ። እቲ ምሹእ ጊዜን፡ መዓልቲ ድኅነትን ሕጂ ኢዩ (ቆሮ 6፡2 ረአ)

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሓደጋ፡ ዓቢይ ኃጢኣት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:


Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 24 Mar 2020, 02:37
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

7 - ሓደጋ፡ ዓቢይ ኃጢኣት


ኣብዙ ዓለምዙይ ዓቢይ ሓደጋ ተባሂሉ ኪጽዋዕ ዚኽእል ኃጢኣት ጥራይ ኢዩ። ንስኻ ኣብ ኵነታት ዓቢይ ኃጢኣት እትነብር ነፍሲ እንተትርኢ፡ ንኻልኣይ ጊዜ ኃጢኣት ዚበሃል ክትፍጽም ኣይምኸኣልካን ነይርካ። እዙይ ከኣ፡ ሕይወትካ ዋላ ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ይውደቕ እምበር፡ ኃጢኣት ካብ ምግባር፡ ምተቈጠብካ ነይርካ።

ኃጢኣት ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ሰብን ዚርከብ ኮይኑ፡ ወዲ ሰብ ንኺድኅንን ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ተግባር ንኼውዕሎን ዚዕንቅጽ ዓቢይ ገደል ኢዩ (ኢሳ 59፡2፥ ኤር 2:11 ረአ)። ኃጢኣት ንባሕርይ እግዚአብሔር ኬጐድኦ እንተዘይኽኣለኳ፡ ግን ንሱ ንዚፈትዎም ምስ ዚጐድእ፡ ንዕኡ እውን ይጐድኦ ኢዩ (2ሳሙ 12፡9 ረአ)። እግዚኣብሔር እቲ ብግርማኡን ብቕድስናኡን ወሰን ዘይብሉ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ኃጢኣት ጸላኢ ኢዩ፥ ከመይ ኃጢኣት ተጻራሪ ፍቕሩን፡ ክሕደት ፍቕሩን፡ ዘራጊ ፍቕሩን ኢዩ።

መድኃኒና ኢየሱስ፡ ናብዙ ዓለምዙይ ዝመጸ ካብ ኃጢኣት ንኸድኅነና ኢዩ። ነዲኡ፡ ድንግል ማርያም ከኣ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ርስሓት ኃጢኣት ኣቐዲሙ ከንጽሓን ናጻ ከውጽኣን ደለየ። እቲ ንሱ ናይ ዝሠርዖ ጥምቀት፡ ቀዳማይ ፍረ ድምሳሴ ኃጢኣት ኢዩ።

ኃጢኣት ካብ ዕርክነት ኣምላኽ ስለ ዘውጽኣካን፡ ኣብ ህልውና ዓቢይ ኃጢኣት ከሎኻ እንተሞትካ ከኣ፡ ንዘለዓለም ዝዓበየ ኪገጥመካ ዚኽእል ሓደጋ ኢዩ። ከምኡ እውን እቲ ምእንታኻ ኢሉ ዝፈሰሰ ደም ኢየሱስ ብዓቢይ ኃላፍነት፡ ከይተጠቐምካሉ ትተርፍ ኣሎኻ ማለት ኢዩ።

በቲ ንጐይታ እተገልግለሉ መጠን፡ ብአኡ መጠን ከኣ፡ ናጽነት ኪስመዓካ ይግባእ። በቲ ንኃጢኣት እተገልግለሉ መጠን ከኣ፡ ብእኡ መጠን ባርነት ኪስመዓካ ይግባእ። ኣንጻር እቲ ናይ ብሓቂ ዘሎ ኣምላኽ እንተኸይድካ ናብቲ ኣምላኽ ዘይብሉ ትኸይድ አሎኻ ማለት ኢዩ። ኃጢኣት ናብቲ እተፈጠርካሉ ዕላማ ንኸይትበጽሕ ይኽልክለካ፥ ንሕይወት ካባኻ መንዚዑ ወሲዱ ሞት የውርሰካ። ንኃጢኣት እንተፍቂርካ ነቲ ሓደጋ ኵነኔ ዝኾነ ተፍቅር አሎኻ ማለት ኢዩ። ኃጢኣት ግብ ዝበለ ጸልማት ኢዩ፥ “እቲ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኵሉ፡ ብርሃን ኢዩ ዚጸልእ” (ዮሓ 3፡20)።

ናይ ኃጢኣት ባሕርን፡ ክፍኣትን፡ ስፍሓትን፡ ክትፈልጦ እትኽእል ብቅዱስ ታሪኽ ጌርካ ኢዩ። ንሞት ኣብ እትዝክረሉ ጊዜ፡ ንናይ ኃጢኣት ሓደጋ እውን ኣስተንትን። ደቂ ሰብ ብሰንኪ ኃጢኣት መወቲ ኮኑ። ወዲ ሰብ ኃጢኣት ምስ ገበረ ኢዩ ንሞት ዝተኰነነ (ኦ ዘፍ 2፡17 ፤ 3፡19)። ሞት፡ ኣብ ዓለም ኃጢኣትን በደል-ኃጢኣትን ነጊሡ ከምዘሎ ኢያ ትነግረካ።

ብሰንኪ ኃጢኣት ኢየሱስ ብዘስካሕክሕ ስቓይ ተሳቒዩ ካብ ሞተ፡ ኃጢኣት ክሳብ ክንደይ ክፉእ ምዃኑ ከተስተውዕሎ ይግባኣካ። ነቲ ብሰንኪ ኃጢኣት ዝመጸ መጕዳእቲ ንምሕዋይ ደም ኢየሱስ ኣምላኽ ምፍሳስ ካብ ኣድለየ፡ ክሳብ ክንደይ ጐዳኢ ምዃኑ ኣስተውዕል። “ኣነ ኃጢኣት ገይረ ኢየ፡ እሞ እንታይ ጕድኣትዶ በጺሑኒ ኢዩ” ኣይትበል። ኣብዙ ዓለምዙይ እቲ ዝዓበየ መቕጻዕቲ፡ እግዚኣብሔር ከይቀጽዓካ ሱቕ ኪብል ከሎ ኢዩ።

እቲ ዝዓበየ ናይ እግዚኣብሔር ሕነ፡ ኃጢኣተኛ ኣብ ሕማቕ ስራሑ ኪዕወት ከሎ ኢዩ። ኃጢኣት ኪበሃል ከሎ እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዝነበረካ ናይ ፍቕሪ ምትእስሳር ምቝራጽ ማለት ደኣ እምበር፡ ንሓደ ኣብ ወረቐት ንዝተጻሕፈ ትእዛዝ ምጥሓስ ጥራይ ኣይኮነን ዜስምዕ፥ ንስኻ ዕርክነት ኣምላኽ ኣጥፊእካ፥ ዘጥፋእካዮ ነገር ከይተረድኣካ፡ በቲ ጥቕሚ ዘይብሉ ምድራዊ ነገር ትሕጐስ እንተደኣኮይንካ፡ ዓሻ ኢኻ ማለት ኢዩ።
ንዕርክነት ኣምላኽ እንተኣጥፊእካ፡ ብሰንኪ እቲ ዜጥፋእካዮ ጸጋ ወይ ዕርክነት ኣምላኽ ብዘይምቍራጽ ክትሓዝን ይግባእ። ከምኡ እውን ኣብ ሕይወትካ መንፈሳዊ እፎይታ ኪስመዓካ እንተደሊኻ፡ ብኽፍኣት ኃጢኣትካ ሓዚንካን ተጣዒስካን፡ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ብዘይምቍራጽ እንተወዲስካዮ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኃጢኣት ምስ እትገብር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 25 Mar 2020, 03:32
by Meleket
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

8 - ኃጢኣት ምስ እትገብር

ንስኻ፡ ሓደ ድኹም ዝኾንካ ፍጡር ክነስኻ፡ ኃጢኣት ምስ ትገብር፡ ጸላኢ ኣምላኽ ምዃንካ ተግህድን ምስኡ ትቀያየምን አሎኻ ማለት ኢዩ። ሓደ ጻጸ ንሓደ ወተሃደር ውግእ እንተዚኸፍተሉ እንታይ ምተሰምዓካ? ንስኻ ከኣ፡ ኃጢኣት ምስ እትገብር ነቲ መጠን ብዘይብሉ ፍቕሪ ዘፍቅረካ እግዚኣብሔር ገዲፍካ፡ ኣብ ክንዳኡ ኣብ ልብኻ ፍትወትካ ተቐምጥ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ኣብ ልብኻ ኃጢኣት፡ ኣብ መንበረ ታቦት ልብኻ ከኣ፡ ጣዖት ተቐሚጡ ኣሎ ማለት ኢዩ። “ሡር ኃጢኣት ኣብ ውሽጢ ልብኻን ኣብቲ ናጻ ዝኾነ ፍቓድካን ኢዩ ዚርከብ” (ማቴ 15፡19-25)።

ኃጢኣት ምስ እትገብር ካብ ነፍስኻ ንእግዚኣብሔር ተርሕቖ’ሞ፡ በታ እግዚኣብሔር ዝወጸላ ማዕጾ፡ ሸይጣን ብኣኣ ገይሩ ናብ ነፍስኻ ይኣቱ። ብዕለት ጥምቀትካ ግን፡ ሸይጣን ካብ ነፍስኻ ምስ ወጸ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ነፍስኻ ሰፈረ። ብስኻ፡ ንህያባት ኣምላኽ ረሲዕካ፡ ኃጢኣት ክትገብር ከሎኻ፡ ነቲ ገዛ ሰማያዊ ኣቦኻ ትሕሰሞ፡ ካብ ማኅበር ኣኅዋት ትርሕቕ፡ ብኽፉእ ናብራኻ ንመልክዕን ንቕድስናን ቤተ ክርስቲያን ተቝስልን ተነውርን።

ኃጢኣት እንተገበርካ፡ ተግባርካን እምነትካን ስለ ዘይሰማማዕ ከሓዲ ትኸውን። እቲ ብኃጢኣት ዚግዛእ ሰብ፡ ካብ ወቐሳ-ኅሊና ምእንቲ ኪገላገል ኢሉ፡ እምነቱ ይቕይር። ኃጢኣት ክትገብር ከሎኻ፡ አካል ሰብነት ኃጢኣት ኢኻ ትኸውን። ናይ ኃጢኣት መወዳእታ ውጽኢት ከኣ፡ ዘለዓለማዊ ሞት ኢዩ (ሮሜ 6፡21-23 ረአ)። ንስኻ ንኃጢኣት ፍርሃዮ፥ እቲ ብጊዜ ፍርዲ-ኣምላኽ ዜፍርሃካ ኡንኮ ነገር፡ ኃጢኣት ኢዩ። እቲ ንኃጢኣት ዚፈርህ፡ ብዘይካ ንኃጢኣት ንኻልእ ዚፈርሆ የብሉን። ንስኻ ከምእትንስሓሉ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ኃጢኣት ከይትገብር ተጠንቐቕ።

ነመቕጻዕቲ እግዚኣብሔር ፈሪሕካ፡ ንዝገበርካዮ ኃጢኣት ኵሉ፡ ብእተናዘዝካዮ መጠን፡ ከምኡ እውን ካብ እግዚኣብሔር ብምርሓቕካ ምኽንያት፡ ብዝበኸኻዮ መጠን፡ ኃጢኣት ንኸይትገብር ብዝበለጸ እትፈርህን እትጥንቐቕን ይገብረካ። ተመላሊስካ ብዛዕባ ኃጢኣትካ እንተትሓስብ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ብሓደ ነገር’ኳ ኣይምሰዳዕካን ነይርካ። ውርደት ዚበሃል ኃጢኣት ጥራይ ኢዩ። ግዳ እቲ ኣውራ ዜሕፍርስ፡ ንኃጢኣት ከም ውርደትን ነውርን ገይሮም ዚርእይዎ ብዘይመጠን ውሑዳት ሰባት ምዃኖም ምፍላጥ ኢዩ።

ብሓደ መዳይ፡ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር እምነት ብምንባር ኃጢኣት ኣይትግበር፥ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ፡ ንፍርዱ ፈሪሕካ ብኃጢኣትካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እኳ ደኣ፡ ኃጢኣት ቅድሚ ምግባርካ ንፍርዲ ኣምላኽ ምፍራሕ ወይ ከኣ ኣብ ኃጢኣት ምስ ወደቕካ ኣብ ምሕረቱ ምእማን ይግባእ።

ጠባይካ ምእራምን ምምሕያሽን ደኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት በደለኛ ከምዝዀንካ ምእማን ጥራይ ኣይኣክልን ኢዩ። ምኅጣእ ድኻምነት ወድሰብ ኪኸውን ከሎ፥ ኣብ ኃጢኣት ተሸሚምካ ምንባር ግን፡ ሰይጣናዊ ተግባር ኢዩ። ኃጢኣተኛ ተጣዒሱ ናብ እግዚኣብሔር እንተዘይተመሊሱ፡ ይቕረታ ኪረክብ ዘበት ኢዩ። እግዚኣብሔር ንኃጢኣት ኢዩ ዚምሕር እምበር፡ ኃጢኣት ንምግዳፍ ጽቡቕ ድላይ ንዘይብሉ ኣይምሕርን ኢዩ።

“ኣብ እትገብሮ ዘበለ ኵሉ መፈጸምታኻ ዘክር፥ ኃጢኣት እውን ኣይክትገብርን ኢኻ” (ሲራ 7፡36)። “ብኃጢኣት ምስ ክርስቶስ ሞይትካ ኢኻ’ሞ፡ ደጊምስ ኣብ ኃጢኣት ኣይትንበር” (ሮም፡ 6፡1-11)።

ዝኽሪ በደልካ ጣዕሳ ዚህብ ጸጋ ኪስሕበልካ ኢዩ። ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎካ ብኃጢኣትካ ብኸ፥ ካብ ሎሚ ንድኃር ከኣ፡ ዜብክየካ ነገር ኣይትፈጽም። ብሓዘንን ብመሪር ብኽያትን ንኃጢኣትካ እንተዘይኣጥፊእካዮ፡ ንዘለዓለም ኣብ ቅድሜኻ ኪነብር ኢዩ። እቲ ብብኽያትን ብንብኣትን ኪሓዊ ዚኽእል ህማም ኃጢኣት ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንኽፉእ ዝንባሌኻ ክትስዕር ጽዓር፥ ካብ ምኽንያት ኃጢኣት ርሓቕ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 26 Mar 2020, 02:57
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

9 - ንኽፉእ ዝንባሌኻ ክትስዕር ጽዓር፥ ካብ ምኽንያት ኃጢኣት ርሓቕ

ክፉእ ዝንባሌና ሡር ኃጢኣት ስለ ዝኾነ ንሓንሳብን ንወትሩን ንምብርቛቑ ምእንቲ ክትክእል፡ ንኽፉእ ዝንባሌኻ ካብ ሓሳብካን፡ ልብኻን፡ ድሌትካን ከተርሕቖ ይግባእ። ከምዙይ እንተደኣ ዘይገርካ ግን፡ ዊዒልካ ኃዲርካ፡ ምኽንያት ኃጢኣት ምስ ዘጓንፈካ ክትሰዓር ኢኻ።

ክፉእ ዝንባሌኻ፡ ቀዳማይ መዓልቲ ይልምነካ፡ ካልኣይ መዓልቲ ግቡኤይ ኢዩ ይብለካ፡ ሣልሳይ መዓልቲ ከኣ የገድደካ። ክፉእ ዝንባሌ ዘበለ ኵሉ ነቶም ኣዕሩኽቲ ኪኾኑ ንዚጽዕሩ ብቐሊሉ ዚቐትል ኢዩ። ነቲ እግዚኣብሔር ንጥቕሚ ሕይወትካ ኢሉ ዝለገሰልካ ህያባት፡ ንገዛእ ርእስኻ ብምቕታል ኣይትበድል። ኵሉ ኣመል፡ ጽቡቕ ነገር ተመሲሉ ዚመጽእ መስድዒ ዝኾነ ዘረባን ክፉእ ጐድንን ኣለዎ። ንኸምዚ ዝመሰለ ዘረባን ክፉእ ጐድንን፡ ሃመም ኢልካ እንተደኣ ተቐቢልካዮ፡ ብቐሊሉ ናብ ሕማቕ ነገር ክትወድቕ ኢኻ። ምእንትዙይ ንስኻ ምስቲ ዘረባን ክፉእ ጐድንን ኣመልካ ዚቀርብ ሸፈጥን ምትላልን ተመልኪትካን መዚንካን ጥበበኛ ዝኾነ ስጉምቲ ብጊዜኡ ውሰደሉ።

እቲ ኣብ ካልእ ሰብ ዚረኤ ክፉእ ዝንባሌ እሞ ኸእ ንስኻ ባዕልኻ እትዅንኖ፡ ግን ኣብ ርእስኻ ምስ ወረደ ረቒቅ ምኽንያት ብምምጻእ ኵሉሻዕ ንገዛእ ርእስኻ ክትመጻደቕን ክትመሳመስን ትርከብ። እዙይ ግን ባዕልኻ ንባዕልኻ ትሽፍጥ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ንኽፉእ ዝንባሌኻ ጨሪስካ’ዃ እንተዘይ ኣጥፋእካዮ፡ ንኽፉእ ዝንባሌኻ እንድኅሪ ተዋጊእካዮ፡ ኣብ ጐደና ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ምምልላስ ድኅር ኣይኽትብልን ኢኻ።

ናብ ኃጢኣት ካብ ዘእትወካ ኵነታት ህደም። እዙይ ከኣ፡ እቲ ኃጢኣት ካብ ምግባር ዜርሕቐካ፡ ዝዓበየ ምኽሪ ኢዩ። “እቲ ንሓደጋ ዚደልያ ከኣ ኪጠፍእ ኢዩ” ከምዝተባህለ ኢዩ (ሲራ 3፡25)። ምእንትዙይ ክትድኅን እንተደሊኻ፡ ክትኃድጎ ዘሎኻ ነገር ንኃጢኣት ጥራይ ዘይኮነስ ንምኽንያት ኃጢኣት እውን ኢዩ። “ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣይትኺድ” (ምሳ1፡15)። “ከምቲ ካብ ተመን እትሃድም፡ ከምኡ ከኣ ካብ ኃጢኣት ህደም” (ሲራ 21፡2)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሞትን ትምህርቱን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 27 Mar 2020, 02:59
by Meleket
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

10 - ሞትን ትምህርቱን

ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ከም ሞት ርግጸኛ ዝኾነ ነገር የልቦን፡ ከም ናይ ሞት ሰዓት ዘይርግጸኛ ነገር ከኣ የልቦን። ኵሉ መዓልቲ ሕይወትካ ተሰናዲኻሉ ምእንቲ ክትነብር ኢሉ፡ እግዚኣብሔር ነቲ ናይ መወዳእታ ዕለት ሕይወትካ፡ ኃቢኡልካ ይርከብ። “እታ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ” ይብለና (ማቴ 25፡13)።

ንስኻ፡ ሓደ መዓልቲ ከምትመውት ኅልፍን ትርፍን ርድኢትን እምነትን ኣሎካ፡ እቲ ናትካ ጌጋ፡ ሞት ካባይ ገና ርሒቓ ኢያ ትርከብ ዘላ ኢልካ እንክትሓስብ ኢዩ። እከለ ወዲ እከለ ብሓደጋ ሞይቱ፡ ካልእ ብሕማም ልቢ ሞይቱ፡ እቲ ካልእ ብኤድስ ሞይቱ። ከምኡ’እውን ካልእ ብዓሶ ሞይቱ ዚብል ወረ ክንደይ ጊዜ ሰሚዕካ ኣሎኻ። ስለዚ ሞት ብዙኅ ጊዜ ብሃንደበት ኢያ ትመጽእ፥ ሕይወት ወዲ ሰብ ከኣ፡ ከም ጽላሎት ኃላፊ ኢዩ።

ሞት ከም ሰራቒ፡ ኣብ ዘይተጸበኻዮ ጊዜ፡(ሉቃ 12፡40 ረአ) ብለይቲ ስለ ትመጽእ፡ ኵሉ ጊዜ ተሰናዲኻ ጽናሕ (1ተሳ5፡2 ረአ)። ብልቢ፡ ብሓቀኛ መንፈስ ንሞት እናተቐረብካ መዓልቲ መጸ ከምትመውት ግበር። ሞት ምስ መጸትካ ናይ ብሓቂ ብቕሱን ልቢ ምእንቲ ክትቅበላ፡ ብዛዕባ ሞት ካብ ምሕሳብ ኣይተቋርጽ። ብርግጽ፡ ሞት ብሃንደበት ምስ ትመጽእ የናውጽ ኢዩ፡ ግዳስ፡ ነቲ ብነዊኅ ኣስተንትኖ ንሞት ዝተሰናደወ ሰብ ከኣ፡ ታሕጓስ ኢዩ።

ንስኻ ንሞት ከምዘይትፈርሃ ገይርካ ንበር። ንስኻ ብተስፋ እቲ፡ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ናብ ሕይወት እትበጽሕ ብሞት ገይርካ ኢኻ። ንመንግሥቲ ኣምላኽ ደቒቕ ድኅሪ ደቒቕ ብቑዕ ኮይንካ ምእንቲ ክትርከብ፡ ብፍቕርን ብቕድስናን ንበር። ምድራዊ ሕይወትካ መኣስ ከምዝዓርብ ስለ ዘይትፈልጦ፡ ጊዜ ክሳብ ዘሎካ፡ ሠናይ ተግባር ኣዘውትር። ነቲ እትጽውዓሉ መዓልቲ ኵሉ ጊዜ ተቐሪብካሉ ጽናሕ ኢኻ።

ኦ ሞት፡ ንስኺ ንኵሉ ሰብ ኣብ ሓደ ዕላማ ዝሠመረ ከመይ ዝበልኪ ዓባይ መለበሚ ኢኺ! ሞት ኣብ ሕይወት ወዲ ሰብ፡ ሕያውነት፡ ፍቕሪ፡ ምምሕሓር፡ ኅውነት፡ ኣገዳሲ ነገር ከምዝኾነ ኢያ ተምህር። ብዛዕባ ሞቱ ብሓቂ ዚሓስብ ሰብ ትዕቢተኛ ኪኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። ንሞት ኵሉ ሰብ ሓደ ኢዩ ዚበጽሓ፥ ሃብታም ይኹን ድኻ፡ ብዓል ሥልጣን ይኹን ኣይኹን፡ ዓቢይ ይኹን ኣይኹን፡ ምሁር ይኹን ዘይምሁር፡ ንዅሉ ብሓደ ዓይኒ ኢያ ትርእዮ።

ንስኻ መዓልቲ መጸ፡ ነዙ ዓለምዙይ ክትሓድጎ ምዃንካ እንተትሓስብ፡ ዝበለጸ ሕያዋይ ምኾንካ ነይርካ። ምስ ሞትካ ምሳኻ ትወስዶ ነገር እንተሊዩ፡ ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ። ኵሉ ካልእ፡ኣብዙይ ተራፊ ኢዩ። ኣብ ጊዜ ሞትካ ክትመርጽ እትደሊ ነገር እንተሊዩ፡ ህጂ ምረጾ። ንኵሉ ነገር ከኣ ኣብ መወዳእታ ሕይወትካ ከምዚበጻሕካ ገይርካ ረኣዮ።

ንሞት ኣስተንቲንካ ናብ ምናኔ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይን ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ዜቕርበካ እንተኾይኑ ጽቡቕን ጠቓምን ኢዩ። ብሞት ንኵሉን ንኵሎምን ገዲፍካዮም ክትከይድ ኢኻ። ሕያውነትካ ኂዝካ እንተዘይኮይኑ ብዋላ ሓደ ከይተሰነኻ ንበይንኻ ክትከይድ ኢኻ። ምስ ኣረግካን ኣብ ጊዜ ሞትካን እውን ካባኻ ዘይፍለ ሓደ ጭቡጥ ነገር ክትኅዝ ጸዓር። ንሃብትኻ ኮነ ንተግባርካ እትፈርድን እትመርህን ንሞትካ ብምሕሳብ ይኹን። ሞት እትህቦ ፍርዲ ብሓቂ ቅኑዕ ኢዩ (ሲራ 41፡2 ረአ)።

ነቶም ንልቦም ካብ ፍቕሪ እዙ ዓለምዙይ ኪርሕቕዎ ዘይኽእሉ ሰባት ኣይትምሰሉ ኢኹም። ንስኻ እውን ኣብዙ ዓለምዙይ ንቝሩብ ጊዜ ኢኻ ትጸንሕ፥ ሓቀኛ ቤትካ ዘለዓለማውነት ኢዩ።

ካብዙ ዓለምዙይ ምስ ተፋኖኻ ንኣኻ ዚሓስብ የልቦን። ከምቲ ንስኻ ብዛዕባ’ቶም ቅድሜኻ ዝሞቱ ዘይትግደስ፡ ከምኡ ከኣ፡ ካልኦት ብዛዕባኻ ኣይክግደሱን ኢዮም። ምስ ሞትካ ሰፈርካ ካልኦት ኪኅዝዎ ኢዮም። ንዓኻ ከኣ ዋላ ሓደ ኣይክዝክረካን ኢዩ።

ካብዙ ዓለምዙይ ምስ ተፋኖኻ፡ ኣብ ዘለዓለማዊ ድንዃኖም ምእንቲ ኪቕበሉኻ፡ ኣብሰማይ ኣዕሩኽ ኣጥሪ (ሉቃ 16፡9 ረአ) “ንስኻትኩም ኪጠፍእ ኣብ ዘይኽእል፡ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኣክቡ” (ማቴ 6፡20)

ንማዕጾ ሞት ሓንሳብ ምስ ኃለፍካያ ንድኅሪት ክትምለስ ስለ ዘይትኽእል፡ ጊዜ እንከሎካ፡ እቲ ንዘለዓለም ክትነብረሉ ዘሎካ ቤት ንኽተሰናዱ ተዓጠቅ። ሽሕኳ ሰብኣዊ ባሕሪኻ እንተዘይተቐበሎ፡ እንተኾነ ብፍቕርን ብእምነትን ንፍቓድ ኣምላኽ እንተተቐቢልካዮ፡ ሞትካ ፍቕሪ ዝመልኦ ኪኸውን ኢዩ። ብእግዚኣብሔር እንተኣሚንካን ንዕኡ እውን እንተ ኣገልጊልካን፡ ሞትካ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኪፈጸም ደኣ እምበር ኣይኪጠፍእን ኢዩ። ሽዑ ኣብ ፍቕሩን ኣብ ታሕጓስ ዕርክነቱን ምእንቲ ክትነብር፡ ምስ ኣምላኽ ገጽ ንገጽ ብኣካል ክትራኸብ ኢኻ (መጽ ጥ 3፡9)።

ከምቲ ጽቡቕ ክትሰርሕ ምስ ወዓልካ ልዋም ድቃስ እትድቅስ፡ ከምኡ እውን ጽቡቕ ሕይወት ብጽቡቕ ሞት ይዛዘም። ኦ ጐይታይ! ኣነ ንዓኻ ዘፍቀርኩን፡ ብኣኻ ዝኣመንኩን፡ ፍቕረይ ዝለገስኩልካን ምእንታኻ ንኵሉ ዝመነንኩን፡ እኔኹ ናባኻ ኣመጽእ ኣሎኹ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍርዲ ኣምላኽ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 28 Mar 2020, 03:12
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

11 - ፍርዲ ኣምላኽ


መጋረጃ ትርኢት ተዋሥኦ ሕይወትካ እዙ ዓለምዙይ ምስ ተዓጽወን ምስ ተወድኤን፡ ሓቂ ብሓቂ ንኽትፍረድ፡ ነቲ ተኸዲንካዮ ዝነበርካ ናይ ተዋሥኦ ክዳውንቲ ኣውጺእካ ከተንብሮ ኢኻ። ድኅሪኡ ኵሉ ምድራዊ ነገርካ ካብ ዓይንኻ ተኸዊሉ፡ ንበይንኻ፡ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ቆይምካ ክትርከብ ኢኻ። ድኅሪዙይ ነቲ ንዘለዓለም ዘይቕየር ፍርዲ ውሳኔኡ ምስ ሰማዕካ፡ ልብኻ ብፍርሓት ኪህወኽን ኪሽበርን ኢዩ። ሽኡ ሽሕኳ እትዝክሮ በደል እንተዘይሃለወካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ጐደሎ ኮይንካ ከይትርከብ ክትሰግእ ኢኻ (1ቆሮ 4፡4 ረአ)።

ኣብ ህይወትካ ጽቡቕ ተግባር ዘይገበርካ እንተኾይንካ፡ ናበየናይ ጠበቓ እሞ ክትምሕፀን ኢኻ? በቲ ኣዕኑድ ሰማይ ከይተረፉ ብፍርሂ ዘንቀጥቕጡሉ ዕለት’ቲ መን ኮን ኬጸናንዓካ ይኸውን? ሽዑ ሥልጣንካ ኮነ፡ ገንዘብካ ኮነ፡ ፍልጠትካ ኮነ፡ ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ኪጣበቑልካ ኣይኽእሉን ኢዮም። ሽዑ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሓደ’ኳ ኣይኪህሉን ኢዩ። እቶም ሎሚ ዚወዳድሱኻ ዘለዉ’ውን፡ ሽዑ እግዚኣብሔር ኪፈርደካ ከሎ፡ ትም ኪብሉ ኢዮም። ኣብቲ ቦታ’ቲ ንስኻን ተግባርካን ጥራይ ኢኹም ገጽ ንገጽ ተጠማሚትኩም እትረኣዩ። አድልዎ ብዘይብሉ ፍርዲ ብተግባርካ ክትፍረድ ኢኻ (1ጴጥ 1፡17፡ ሮም 2፡6 ረአ)።

ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ንሰማያዊ ሃብቲ ንዒቕካ እንተኾይንካ፡ ከምኡ እውን ብቕንዕና ተኻይድካ እንተዘይኾንካ፡ ኅሊናኻ ባዕሉ ኣንፃርካ ኪምስክር ኢዩ። ካብዙ ፍርዲ እዙይ ሱቕ ኢልካ ወይ ኣሉታ ሂብካ ዚኅለፍ ኣይኮነን። ሽዑ ነቲ ዝነዓቕካዮ ሰማያዊ ሃብቲ ሃረር ክትብሎ ኢኻ፡ እንተኾነ ግን ኣይክትረኽቦን ኢኻ።

እቲ ንኻልኦት ዝገበርካዮ ክፉእ ነገር፡ ንዓኻ ምስ ዚግበረካን ወይ በቲ ንኻልኦት ዚፈረድካዮ መስፈር-ፍርዲ ምስ ዚፍረደካ፡ ሽዑ እንታይ ምኽንያት ከተቕርብ ኢኻ? (ማቴ 7፡2) ንስኻ ንዝበደለካ ይቕረ ከይበልካ፡ ካልኦት ንዓኻ ይቕረ ኪብሉኻ ከመይ ገይርካ ትሓስቦ? (ማቴ 6፡12፣ 7፡22፣ 18፡35፣ ማር 11፡25 ረአ)። ናይቲ ዝተገብረልካ ምሕረት ጸብጻብ ከይወዳእካ ከሎኻ፡ ከመይ ገይርካ ኢኻ ሓዲሽ ይቕረታ ትሓትት? “እቲ ምሕረት ዘይገበረ ብዘይምሕረት ኪፍረድ ኢዩ” (ያዕ 2፡13 )።

እምበር ጊዜ ጸጋኻ ብብላሽ ምእንቲ ከይኃልፈካ ነቒሕካ ተጸበ ኢኻ። እቲ ጥዑም ዝኾነ ምሕረት ኣምላኽ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ናብ ዘየናሕሲ ፍርዱ ኺቕየር ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። እቲ መዓልቲ’ቲ ንጻድቕ ክብሪ፣ ንኃጢኣተኛ ከኣ ውርደት ከምዚኸውን ኣይትረስዕ (2 ጢሞ 4፡8 ረአ)። እቶም ንመንግሥተ ሰማይ ዝተመርጹ ጻድቃን ብምሕረት ኣምላኽ ኪውደሱ ከለዉ፡ እቶም ዝተረግሙ ከኣ በቲ ቅኑዕ ፍርዲ ኪእመኑ ኢዮም።

ጻድቃን ሽልማት ቅድስናኦም ኪቕበሉ ከለው፡ እቶም ዝተዀነኑ ግን’ በደሎምን ኃጢኣቶምን እናዘከሩ፡ ብሕፍረት ተሸምቒቖም ኪርከቡ ኢዮም። ሻቡ ኢየሱስ ነቶም ኣብዙ ዓለምዙይ ዘፍቀርዎ፡ ጣዕሚ ብዝመልኦ ዓይኒ ኪጥምቶም ኢዩ። ነቶም ዘየፍቀርዎ ግን፡ ብቁጡዕ ዓይኒ ኪጥምቶም ኢዩ። ፍርዲ-ኣምላኽ ንግብ ዝበለ ጸላም ጋህ ኣቢሉ ከምዘብርሆን፡ ንዝተሠወረ ገበን’ውን ከምዚገልጾን ኣይትረስዕ (1ጴጥ 4፡5 መዝ 7፡10 ረአ)።

ነቲ ዚፈርደካ ኣምላኽ ኵሉ ነገር ግሉጽን ብሩህን ኢዩ (ዕብ 4፡13 ረአ)። ኵሉ እቲ ንስኻ እትገብሮ ንዕኡ ኪሥወሮ ስለ ዘይኽእልን ስለ ዘይርስዖን፡ ካብ ቅኑዕ ፍርዱ ዜምልጥ የልቦን። ንስኻ ዘይትፈልጦ፡ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ይኹን ኣብ መጽሓፍ-ኣምላኽ ተመዝጊቡካ ኺኸውን ከምዚኽእል መን ይፈልጥ። ኣብዙ ጊዜ እዙይ ዘይመልክዕካ ኂዝካ ክትረኤ እንተገበርካኳ፡ ኣብቲ ፍርዲ እቲ ሓቀኛ መልክዕካ ጥራይ ኢዩ ዚረኤ። እዚ ንኣእምሮን ንልብን ዚምርምር ኣምላኽ ኣብ ውሽጥካ ጽርይቲ ነፍሲ ከምዚርኤልካ ግበር።

ነዙ ሓጺር ተዋሥኦ ሕይወትካ፡ ናይቶም ግዳይ ፍርዲ ኣምላኽ ዝኾኑ ጕጅለ ርጉማትን ከይትኸውን መንፈሳዊ ቃልሲኻ ኣካይድ ኢኻ። በቲ ዕለት’ቲ ኪወሃበካ ዘለዎ ፍርዲ፡ ካብ ሎሚ ኣትኂዝካ፡ ክትመርጾ ምሉእ መሰል ኣሎካ። እቲ ፈራዲ ምስ መጸ ምእንቲ ከይትሽበር፡ ካብ ሕጂ ኣትኂዝካ ንእግዚኣብሔር ፍራህ። ብኅሊናኻ ወትሩ ጊዜ ብቅንዕና እንተደኣ ትሰርሕ ኮይንካ፡ እቲ ፈራዲ ዝኾነ ኣምላኽ ኣብ ዚመጸሉ ጊዜ፡ ንስኻ እትሰግኣሉ ነገር ኣይክህሉን ኢዩ። ካብ ሕጂ ኣትኂዝካ፡ ንኅሊናኻ ኣጸቢቕካ መርምሮ፡ ንተግባርካ እውን ፍርዲ ኣካይደሉ፡ ንበደልካ ኰንን፡ እቲ መለኮታዊ ዝኾነ ፈራዲ ዚፍረድ ነገር ከይረኽበልካ መዓልቲ መጸ፡ ንርእስካ ገስጽ።

በቲ ንሕስያ ዘይብሉ መዓልቲ’ቲ ከይትኵነን፡ ካብ ሕጂ ኣትኂዝካ ንነፍስኻ እናፈቐድካ ንስሓ ግበር። ናብ ፍርዲ-ኣምላኽ፡ ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ፡ ክትቀርብ ምዃንካ ኣሚንካ ንክትነብር ጽዓር። ሕፍረት ከይተሰምዓካ፡ ማኅበር እቶም ምሩጻት ንምዃን፡ ንሓንሳእን ንወትሩን በቒዕካ፡ ብሓጐስ ናብቲ ሓቀኛ ሰማያዊ ሃገርካ ከምትሳገር ግበር።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ገሃነም እሳት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 30 Mar 2020, 03:45
by Meleket
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

12 - ገሃነም እሳት


ንገሃነም እሳት ምሕሳብ ክንደይ መጠንቐቕን ጠቓምን ነገር ይመስለካ። ነቲ “ኣንቱም ርጉማት፡ ናብቲ ንሸይጣንን ንመላእኽቱን ዝተቐረበ ዘለዓለማዊ ገሃነም እሳት ኪዱ” (ማቴ 25፡41) ዚብል ናይ ኩነኔ ቃል ምስማዕ ክንደይ ክፉእ ምዃኑ ሕሰበሉ ኢኻ።ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን ኢዩ። እቶም ዝተዀነኑ በቲ ባዕላቶም ዝኣጐድዎን ዘሳወርዎን ሓዊ ኪነዱ ኢዮም። ንሳቶም ከይሞቱ፡ ብመቕጻዕቲ ሞት ኪሳቐዩ ኢዮም። እታ ዝኣተዉላ ማዕጾ ከኣ፡ እትው ምስ በሉ ንወትሩ ኪትዕጸዎም ኢያ።

ነፍሶም ካብቲ ስቓይ ክትገላገል ወይ ካብቲ እትሳቐዮ ስቓይ ጻማ ክትረኽበሉ ኢላ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ኣይክህልዋን ኢዩ። ሽሕኳ ንእግዚኣብሔር ፈጣሪኦም ብውሽጦም ብብርቱዕ ጽልኢ እንተጸልእዎ፡ ግን ሓንሳእን ንወትሩን ስለ ዘጥፍእዎ፡ ኪረኽብዎ እውን ስለ ዘይኽእሉ፡ ንዘለዓለም እናበኸዩ ኪነብሩ ኢዮም። እዚ ዘጥፍእዎ ሠናይ ነገር ብዝዓበየሉ መጠን፡ ብእኡ መጠን ከኣ እቲ ዚስምዖም ስቓይ ዝኸፍኤ ኪኸውን ኢዩ።

ንስኻ እውን ነቲ ዕላማ ሕይወትካ ዝኾነን፡ ከምኡ እውን ሕይወትን ታሕጓስን ከተስተማቕር ዝፈጠረካ፡ ብተፈጥሮኣዊ ስምዒትካ እውን ንዓኡ ሃረር ክትብሎ ፈጣሪኻ እግዚኣብሔር እንድኅሪ ኣጥፊእካዮ፡ ካብኡ ተፈሊኻ ንዘለዓለም ክትነብር ማለት ኢዩ። ካብቲ ኵኑናት ገሃነምሳት ዚሳቐይዎ ስቓይ፡ ክትድኅን ስለ እትኽእል፡ ኵሉሻዕ ኣብ ትሕቲ ጸጋ ኣምላኽ ከምትነብር ግበር። ሳላ እዙ ጸጋ ኣምላኽ እዙይ ከኣ፡ ነቲ ንዘለዓለም ከምዚዅነኑ ዚገብሮም በደል ካብ ምግባር ተቘጢብካ፡ ድኂንካ ትርከብ ኣሎኻ።

ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወትካ ክትምርምርን ክትፈልጥን እትኽእለሉ ቦታ ግልል ኢልካ ዕቤትን ሕያውነትን ናይቲ ካብ ጥፍኣት ዘድኃነካ ኣምላኽ ኣስተንትን እሞ፡ ኣመስግኖ ከኣ። ካብቲ ዘለዓለማዊ ስቓይ ምእንቲ ከተምልጥ፡ ነዙ ኃላፊ ዝኾነ ጊዚያዊ ስቓይካ፡ ብትዕግሥቲ ተቐበሎ። ብርግጽ፡ ነቲ ብሰንኪ ኃጢኣቱ ኣብ ኣፍደገ ገሃነምሳት በጺሑ ዝነበረ ሰብ፡ ኵሉ ስቓይ እዙ ዓለም እዙይ፡ ቀሊል ኮይኑ ኢዩ ዚረኣዮ።

ንስኻ ሕጊ ኣምላኽ ንምህላው፡ ንህዋሳትካ ምቕጻዕ ትፈርህ ኢኻ። እንተኾነ፡ ንገሃነም እሳት ከምዝተዀነንካ እንተትሰምዕ ደኣ፡ እንታይ ምገበርካ ነይርካ? ንስኻ፡ ክትሓምም ከሎካ እኳ ሓንቲ ለይቲ እውን ብዘይመጠን ነዋህን ዘይትወግሕን ኢያ ትመስለካ፥ ብዛዕባ እታ ንስኻ፡ ኣብ ስቓይ ክትርከበላ እትኽእል ዘለዓለማዊት ለይቲኸ ደኣ፡ እንታይ ክትብል ኢኻ?

ዘለዓለማዊ ስቓይ ከመይ ከምዝኾነ እንተደኣ ተረዲእካዮ ብዝኃለፈ በደልካ ሓቀኛ ጣዕሳ ኪስመዓካ ኢዩ’ሞ እቲ መሪር ዚጥዕም ዝነበረ ንስሓ ናብ ጣዕሚ ዘለዎ ንስሓ ኪልወጠልካን ብናይ ንብዓት ጥምቀት ከኣ ክትሕደስን ኢኻ። እግዚኣብሔር ካብ ክፉእ ነገር ኬውጽኣካ ኢሉ ዘለዓለማዊ መቕጻዕቲ ገበረ። ናብ ጽቡቕ ነገር ኪድርኸካ ቢሉ ከኣ ዘለዓለማዊ ሽልማት ገበረ። እግዚኣብሔር ንቓሉ ኣብ ግብሪ ኣየውዕሎን ኢዩ ኢልካ ትሓስብ እንተደኣ ኮይንካ፡ ብሓደ ወገን ንእግዚኣብሔር ርኅሩኅ ገይርካ ክትርእዮ ከሎኻ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ከም ሓሳዊ ገይርካ ትርእዮ ኣሎካ ማለት ኢዩ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎኻ ንኵነኔን ንጥፍኣትን ክትመርጽ ምሉእ ናጽነት ስለ ዘሎካ ከምቶም ኵሎም ቅዱሳን ንገሃነም እሳት ኪዝክሩ ከለዉ ዘንቀጥቅጡ ዝነበሩ፡ ንስኻውን ከተንቀጥቕጥ ኢዩ ዚግብኣካ። ንስኻ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ወይ ከኣ ዘለዓለማዊ ኵነኔ ንምምራጽ ምሉእ ሥልጣን ኣሎካ። እቲ ንስኻ ዝመረጽካዮ ኪወሃበካ ኢዩ (ሲራ 15፡17 ረአ)።

ዘለዓለማዊ ገሃነም እሳት ከምዘሎ ተኣምን እንተደኣ ኮይንካ፡ ከምኡ እውን ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ክትመውት ከምትኽእል ትፈልጥ እንተደኣ ኮይንካ፡ ዋላ ንሓደ ሰዓት ጥራይ ይኹን፡ ኣብ ህላዌ ዓቢይ ኃጢኣት ክትነብር ኣይምተገብኣካን ነይሩ።

ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኮነስ ድሌትካ ፍቓድካ ጥራይ ምግባር እንተደኣ ኮይኑ ብሓቂ ክትሓዝን ይግብኣካ። ጻድቕ እኳ ጻድቕ ክነሱ፡ ብቍሩብ እናደኃነስ፡ ንስኻ ኃጢኣተኛ ደኣ፡ በዙ ትኸዶ ዘሎኻ መንገዲ ከመይ ገይርካ ክትድኅን ኢልካ ትደፍር?

ንስቓይ ገሃነምሳት እንተደኣ ትዝክር ኮይንካ፡ ፈጺምካ ኣይክትኃጥእን ኢኻ። ንነፍስኻ ቅዱስ ብዝኾነ ፍርሂ ምርሓያ። እዙ ነገር እዙይ ብሓሳብ ጥራይ ክሳብ ክንድዙይ ዘተክዝ ነገር ካብ ኮነ፡ ብዓቢይኡ ናብኡ ምእታው ደኣ፡ ከመይ ዝበለ ሓዘን ኬኅድረልካ ኢዩ?

ናብ ገሃነም እሳት ካብ ምስ ሞትካ ትኣትዎ ገና ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ፡ ገሃነም እሳታዊ ዝኾነ ስቓይ ምስቓይ ይሕሸካ። ንእግዚኣብሔር ካብ ምብዳል፡ እቲ ንዓኡ ዘሎካ ፍቕሪ ኪገትኣካ እንተዘይኺኢሉ፡ ካልእስ ይትረፍ፡ እቲ ፍርሂ ስቓይ ገሃነም እሳት ኪገትኣካ ኢዩ ዚግባኣ።

ኦ ጐይታ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኹ፡ ፈትነኒ፡ ቅጽዓኒ፡ ንወትሩ ምእንቲ ክትርኅርኃለይ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኹ ፈጺምካ ኣይትራኅርኃለይ፡ ኣሜን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፈሪሃ እግዚኣብሔር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 31 Mar 2020, 02:49
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

13- ፈሪሃ እግዚኣብሔር

“ዝተጸውዑ ብዙኃት፡ ዝተመርጹ ከኣ ውሑዳት ኢዮም” (ማቴ 22፡14 ረአ)። ንስኻ ከም ትምረጽ ርግጸኛ ስለ ዘይኮንካ፡ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ተስፋ ክትገብርን ንእግዚኣብሔር ክትፈርህን ይግባካ። ኣብዙ መዋቲ ምድራዊ ሕይወትካ ክሳብ ዘሎኻ ኵሉ ጊዜ ነፍስኻ ኣብ ሓደጋ ከምትርከብን ክትጠፍእ ከምትኽእልን ክትርዳእ ይግባእ።

ወዲ ሰብ ዚገብሮ ኃጢኣት ኵሉ ንስኻውን ክትፍጽሞ ከምትኽእል ኣይትረስዕ። ኣብዙ ዓለምዙይ ዚወሃበካ ክብርን ሃብትን ንቕድስናኻ ዚሕግዝ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዓለም ዘይወሃበካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ዚወሃበካ፡ ዘሎ ጻማ ኢዩ።

ብዝተቐበልካዮ ብዝኂ፡ ብእኡ ብዝኂ ከኣ፡ ናይ ተሓታትነት ኃላፍነት ኪስመዓካ ይግባእ። ፈሪሃ እግዚኣብሔር መሠረትን ምህሮ ፍልጠትን ኢዩ (ምሳ 1፡7: 15፡33 ረአ)። ንፍልጠት ብቐጻልነት እንተደኣ ደሊኻያ፡ ንፍርሃት እግዚኣብሔር ክትውንና ኢኻ (ምሳ 2፡2-5 ረአ)። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ መንገዲ ቅድስና ቀልጢፉ ከምትስጕም ይገብረካ። ፈሪሃኡ ከኣ ናብ ኃጢኣት ካብ ምውዳቕ ይሕልወካ። ንሰብ ኣይትፍራሕ ንእግዚአብሔር ጥራሕ ፍራህ። ንስኻ “መሓርን እሙንን ኩን፥ እግዚአብሄር ድማ ኃጢኣትካ ኪኃድገልካ ኢዩ” (ምሳ 16፡6 ረአ)።

ብዘይካ ንእግዚኣብሄር ምርካብ ካልእ ሃረርታ ኣይሃሉኻ፥ ብዘይካ ንእግዚአብሄር ምጥፋእ ከኣ ካልእ ስጋኣት ኣይሃሉኻ። ዝኸበርካ ኃወይ! ፈሪሃ እግዚአብሄር ካብ ልብኻ ከቶ ኣይተውጽኣዮ፥ ኣብ እትገብሮ ኵሉ ውሳኔ፡ ንፍርሃተ እግዚአብሄር ዘክር ኢኻ። እቶም ንፍርሃት እግዚአብሄር ሸለል ኢሎም፡ ብፍቕሪ ርእሶምን ብኽፋእ ዝንባሌኦምን ተለዓዒሎም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ፡ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ግፍዒ ዚፍጽሙ ብዙኃት ኢዮም!።

ንስኻ እውን፡ ኵሉ ጊዜ ብፈሪሃ እግዚኣብሔር ተመሪሕካ እንተትካየድ፡ ካብ ክንደይ ኃጢኣት ምተቆጠብካን ክንደይ ጽቡቕ ስራሕ ምሰራሕካን ነይርካ። ፈሪሃ እግዚአብሔር ዓቃቢ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይሊ ኢዩ። ንተግባር ቅድስናኻ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል እግዚአብሔር ኮይንካ ከምትፍጽሞ ግበር (2 ቆሮ 7፡1 ረአ)።

ብፈሪሃ እግዚአብሔር እናነበርካን ጽቡቕ ተግባር እናዘውተርካን ብእግዚአብሔር ቅቡል ኮይንካ ክትርከብ ኢኻ (ግሓ 10፡35 ረአ)። እቲ ንኃጢኣተኛታት ቀጥቀጥ ዜብል ፍርዲ ኣምላኽ፡ ሽዑ ንሱ ነቶም ንስሙ ዜፍቀሩን ዚፈርሁን ኵሎም፡ ኪሽልሞም ኢዩ (ራእ 11፡18)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ልጓም ክፉእ ዝንባሌ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 01 Apr 2020, 03:48
by Meleket
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

14- ልጓም ክፉእ ዝንባሌ


ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾነ ነገር ሃረር ኣይትበል (ሲራ 3፡22 ረአ)፡ ትምክሕተኛ ምዃን ጽላእ። እቲ ሓቀኛ ፈላጥ ትሑት ኢዩ፥ እቲ ምኹሕ ሰብ ግን፡ ደንቆሮ ኢዩ። ካብ ብስራሕካን ብሃብትኻን ትፍለጥ፡ ብመንነትካን ብጽቡቕ ጠባይካን ክትፍለጥ ጸዓር። መንነትን ኣቕዋምን ዘይብልካ እተኾይንካ ባዶ ገረወይናን ድኻ መደኽደኽን ኢኻ። ንፈሪሳውነት ወይ ንኣምሰሉነት ብልቢ ጽልኣዮ፥ ኣምሰሉነት ንቕድስና ዚቐርብ ናይ ሓሶት ኣኽብሮት ኢዩ። ክትዛረብ ከሎኻ ርግእ ኢልካ ንዘረባኻ ከይተቛጻጸካ ኣይትዛረብ። ንሓደ ምስ ሓመኻዮ፡ ብዘይካ ጉድኣት ንዓኻ ይኹን ንዕኡ፡ እንታይ ኢኻ ትረብሓሉ?

ጽላኢ ይቐትል ኢዩ፡ ፍቕሪ ግን ይሓንጽ ኢዩ’ሞ፡ ንስኻ ንሓደኳ ኣይትጽላእ። ኣብ ልብኻ ጽልኢ ኂዝካ፡ ጮማ ሥጋ ካብ ምብላዕ፡ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ምብላዕ ይሓይሽ (ምሳ 15፡17 ረአ)። ዓሻ ክትበሃል እንተዘይደሊኻ፡ ተፈጥሮኣዊ ጠባይ ንዝኾነ ናይ ሕነካ ምፍዳይ ጽላእ። ንስኻ ንናይ መወዳእታ መፈጸምታኻ ጸጸኒሕካ ትሓስበሉ እንተትኸውን፡ ብዝበለጸ ሕያዋይ ምዀንካ ነይርካ። ንሕና ኣብዙ ስደት ዝኾነ ዓለምዙይ ንርከብ ዘሎና፡ ሓደ ጋንታ ኮይንና፡ ናብ ሰማይ ኃቢርናን ብሓንሳብን ንምዕራግ ኢዩ።

ካብ ውሽጢ ልብኻ፡ ኵሉ ዓመጽ ዘቡኡ ሓኺኽካ ኣውጽኣዮ፥ ዓመጽ መሳርሒ እቶም ካብ ኣእምሮኦም ጽቡቕ ሓሳብ ኬምጽኡ ዘይኽእሉ ድኻታት ዝኾኑ ሰባት ኢዩ። ተቘጢዕካ ከሎኻ፡ ሓደ ውሳኔ ኣይትግበር። ኃጢኣት ንልብን ንኣእምሮን ዚደፍን ክፉእ ነገር ኢዩ። ኣይሁዳውያን ነቲ ካብ ኵሉ ወዲ ሰብ ቅዱስ ዝኾነ ኢየሱስ ኪሒዶም፡ ንቐታልን ሰራቕን በርባን ካባኡ ኣብሊጾም ርእዮም መረጽዎ። ካብቲ ናጻን ለባውን ዝኾነ ሰብኣዊ ተፈጥሮኻ ኣውጺኡ፡ ከጋጊየካ ካብ ዚኽእል ክፉእ ተግባር፡ ዚኸፍእ የልቦን።

ህድኣት፡ ንብርቱዕ ቂምታ ዜዝሕል ጠባይ ስለ ዝኾነ፡ ንጊዜኡ እውን እንተተቘጣዕካ፡ ናይ ቍጥዓ ተግባር ፈጺምካ ኣይክትፍጽምን ኢኻ። ኣብዙ ክፉእ ዝኾነ ቃልሲ እዙይ፡ እቲ ዚሓዝንን ዚጕዳእን እቲ ተዓዋታይ ኢዩ። ንስኻ ከኣ ንኽፉእ ነገር ብጽቡቕ ደኣ እምበር፡ ብኽፉእ ክትፍውሶ ኣይትድለ። ንዓመጽ ዚሥዕሮ ለዋህነት እምበር ዓመጽ ኣይኮነን። እቲ ዓው ዚብል፡ ሽሕኳ ንጊዜኡ ብዓል ሓቂ እንተመሰለ፡ ጸኒሑስ ዝኣምኖ የብሉን።

ብሰንኪ ትዕቢትን፡ ከንቱነት እዙ ዓለምዙይን ተፈታውነትካን ክብርኻን ከይተጥፍእ፡ ካልኦት እውን ከይንዕቑኻ፡ ተጠንቐቅ ኢኻ (ሉቃ 18፡9 ረአ)። ዓሻ ሰብ ብዙኅ ጊዜ ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባ ጕዳዩን ጥራይ ኢዩ ዚዛረብ፥ ንስኻ ግን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻ እንተደኣ ኣሊዩ ኮይኑ፡ ንኸንቱነት እዙ ዓለምዙይ ናባኻ ኣይተቕርቦ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ባልዕ ቅንኢ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 02 Apr 2020, 02:20
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

15 - ባልዕ ቅንኢ


ቅንኢ፡ ኣንጻር ፍቕሪ ኪኸውን ከሎ፡ (1ቆሮ 13፡6 ረአ) ብምኽንያት ጽቡቕ ዕድል ካልኦት፡ ስቓይ ዚፈጥረልካ ተግባር ኢዩ። ዚቐንእ ሰብ ብሰንኪ ታሕጓስ ሓዉ ይሳቐ፥ ታሕጓስ ሓዉ ንዕኡ መርገም ኢዩ። እዙይ ከኣ ከምቲ ምረት ንሓጺን በሊዑ ዚውድኦ፡ ከምኡ ከኣ፡ ቅንኢ፡ ንገዛእ ልቡ ኢዩ ዘሕቕቕ። ቀናእ ሰብ፡ ጸላኢ እቲ ሓንቲ ዘይገበሮ ሰብ ኢዩ ዚኸውን። ነቲ ብውሽጡ፡ በሊዑ ዚውድኦን ንኻልእ ከኣ ኪገልጾ ዘይኽእልን ጽልኢ፡ ኣብ ውሽጢ ልቡ ኃቢኡ ኢዩ ዚኅዞ። ንሱ ናይ ሕጂ ጽቡቕ ነገር ጸላኢ ኪኸውን ከሎ፡ ፈታዊ ጥፉእ ነገር ከኣ፡ ኢዩ ዚኸውን።

ቅንኢ ንልቢ ኃው ኢዩ ዚቐትል፥ ብሰንኪ ቅንኢ ክንደይ ዓመጽ ዘይተፈጸመ! ሞት ናብ ዓለም ዝኣተወ ብቕንኢ ኢዩ (ጥበ 2፡24 ረአ)። ንኣብነት ቃኤል ንኃዉ ኣቤል ብቅንኢ ኢዩ ቀቲልዎ (ኦዘ 4፡1-8 ረአ)፥ ንዮሴፍ ኣኅዋቱ ንግብጻውያን ዚሸጥዎ፡ ብቕንኢ ኢዩ (ኦዘ 37 ረአ)፥ ሳውል ንዳዊት ዘሳድዶ ዝነበረ ብቕንኢ ኢዩ (1ሳሙ 18 ረአ) ጲላጦስ ንኢየሱስ ኣኅሊፉ ዝሃቦ፡ ብቕንኢ ኢዩ (ማቴ 27፡18 ረአ)። ቅንኢ ምልክት ጸቢብን ርጉም ዝኾነ ልብን ኢዩ፥ ቅንኢ ከምቲ እነስተንፍሶ ረቒቕ ኣየር ናብ ልቢ ወዲሰብ ሰሊኹ ዚኣቱ ኢዩ።

ቅንኢ ልክዕ ከም ሕማቕ ሳዕሪ፡ ኣብ ኵሉ ዚበቝል ኢዩ፥ ኣብ ቅዱሳት ቦታ እውን ከይተረፈ ኢዩ ዚኣቱ። እዙ ክፉእ ባልዕ እዙይ፡ ብኅልፊ ዚሰርሓሉ፡ ኣብ መንጎ ሓደ ዝዓይነት ስራሕ ዘለዎም ሰባት ኢዩ። ቅንኢ ኮነ ውድድር ኮነ ዚፍጠር፡ ኣብ መንጎ ብስራሖም ማዕረ ዝኾኑ ሰባት ኢዩ።

ካልኦት እንተደኣ ኣድኒቖሙኻን ፈትዮሙኻን፡ ብእኡ መጠን ከኣ ካልኦት፡ ኪቐንኡልካን ኪጸልኡኻን ምዃኖም ኣይትረስዕ። ብስራህካ ዚቐንኡልካ እንተኾይኖም፡ እትፍጽሞም ተኣምር እውን ከም ገበን ገይሮም ኪፈርድዎም ምዃኖም ኣይትረስዕ። ምስ ቀናእ ሰብ ጥቡቕ ዕርክነት ኣይትግበር። ቅንኢ መንሽሮ ዕርክነትን ኣደ ሕሜታን ሕሰምን ኢያ።

ንስኻ፡ ብዝከኣለካ መጠን ካብ ልብኻ ንቅንኢ ኣጥፍኣዮ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ካልኦት ሠናይ ምስ ዝረኽቡ፡ ልክዕ ከም ናትካ ገይረካ፡ ምስኦም ኃቢርካ ተሓጐስ። ንሰማያዊ ሃብቲ ኣፍቅራ እሞ፡ ነቶም ኃላፊ ዝኾነ ምድራዊ ሃብቲ ዘለዎም ኣይኽትቐንኣሎምን ኢኻ። ንስኻ እትቐንኣሉ ነገር እንተደኣ ኣሊዩ ኮይኑ፡ “ዘይቐንእ ኣይወለድ” ከምዝበሃል ነቲ ገፊሕን ሃብታምን፡ ለጋስን ዝኾነ ልቢ ጥራይ ቅንኣሉ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 03 Apr 2020, 02:55
by Meleket
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

16 - ናብ ፈተና ኣይተእትወና


ሕይወትካ፡ ኣብዙ ምድራዊ ስደት’ዙይ፡ ካብ ፈተና ናጻ ኪኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። ምዕባሌ ዚርከብ ምስ ተፈተንካ ኢዩ፣ ወደይ! ኣገልግሎት ኣምላኽ ኣብ እትጅምረሉ ጊዜ፡ ንፈተና’ውን ተሰናዶ (ሲራ 2፡1 ረአ)። እግዚአብሔር ነፍሳት ከተድኅን ኢሉ እንተደኣ ጸዊዑካ፡ ብፈተናታትን ብስቓይን ወዲ ሰብ ኪፍትነካ ኢዩ።

ሰይጣን እንተደኣ ፈቲኑካ፡ ጽቡቕ ምልክት ምዃኑ ተረዳእ። እዙይ ናይ ምንታይ ምልክት ኢዩ እንተበልካ፡ ንስኻ ኣብ ጽቡቕ መንገድ ከምዘሎኻ እግዚኣብሔር ከኣ ብኣኻ ሕጉስ ከምዚኮነ ዜረድእ ኢዩ (ጦቢ 12፡13 ረአ)። ምእንትዙይ ዲያብሎስ ንቅዱሳን ማዕረ ክንደይ ከምዜሳቐዮም ሕሰብ። እቲ ጸላኢ ፍጥረትሰብ ዝኾነ ዲያብሎስ፡ ብዙኅ ጊዜ፡ ጽቡቕ እናምሰለ፡ ንኣእምሮ ክንደይ ዘየደንቆረን፡ ንድላይ ክንደይ ዘየዝሓለን፡ ንትዕቢት ክንደይ ዘየሸደነን! ከምዙይ እናገበረኸስ፡ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ፈላሊዩ፡ አብ ትዕቢት ጥሒልካ ከምትነብር ይገብረካ።

ንሱ ናብ ኃጢኣት ብቐጥታ ከመይ ገይሩ ከምዘእትወካ ምስ ዚሽግሮ፡ ንኽፉእ ከም ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዜርእየካ። ንሱ ብኸምዙይ ዝበለ ሻጥር፡ ካብ ቅኑዕ መንገዲ ንኽንደይ’ሞ ዘየውጽኤ!። ሸይጣን ዚፍትነካ በቲ ዚያዳ ምስ ባህሪይኻ ዚሰማማዕ ነገር ገይሩ ኢዩ። ኪፍትነካ ከሎ፡ ፈለማ ንኣእምሮኻ ብሓሳብ ናብ ክፉእ ድሌት የኅልፎ፡ ጽንሕ ኢሉ ከኣ፡ ናብ ክፉእ ተግባር የሰጋግረካ። ናብ ክፉእ ተግባር ዘእትዉ ሠለስተ መደያይቦ ኣለዉ፥ ንሳቶም ከኣ ንፈተና ምቕባል፡ ንፈተና ብሓሳብካ ትሓጕስካ ምቕባል፡ ንፈተና ኣብ ተግባር ምውዓል ወይ ምትግባር ኢዮም።

ነፍሲ፡ ሽሕ ጊዜ ትረበሽ፡ ንፈተና እንቢ ምባል እንተኺኢላ፡ ብኃጢኣት ኣይትመራሳሕን ኢያ። ምእንትዙይ ከምቲ ከቢድ ነገር ብሞደሻ ተሃሪሙ ነቕ ዘይብል፡ ንስኻ’ውን ብፈተና ዲያብሎስ ነቕ ኣይትበል። ናትካ ዓቕሚ ንፈተና ሸይጣን እዚ ኢልካ ዘይምቕባሉ ደኣ እምበር፡ ፈተና ከም ፈተና፡ ኣብ ሰብነትካ ዘይምስምዑ ኣይኮነን።

ፈተና ኪጋጥመካ ዚኽእል ብዘይሓደ ስራሕ፡ ዘወንወን እናበልካ፡ ጊዜኻ ኣብ ዘይጠቅም ከተኅልፎ ከሎኻ ኢዩ። ምእንትዙይ ንተጻብኦ እቲ ተንኮለኛ ሰይጣን እትፈልጦ፡ ድሮ ናብ ኃጢኣት ምስ ወደቕካ ዘይኮነስ፡ ገና ኣብ ፈተና ከይኣተኻ ኢኻ ነቒሕካ ክትጽበዮ ዚግብኣካ። ልብኻ ብብርቱዕ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚቃጸል እንተኾይኑ፡ ካብ ፈተና ከይተረፈ፡ ረብሓ ክትረክብ ኢኻ። ከምቲ ንፋስ ንንእሽቶ ሓዊ ዜጥፍኦ፡ ከማኡ ከኣ ንፋስ ንዓቢይ ሓዊ መመሊሱ ኢዩ ዘናኽሶን ኡፍ እናበለ ዘበርትዖን። ርግጽ ኢዩ፡ እቲ ጐይታና ቃል ዝኣተወልካ ኣኽሊል ዓወት ክትቅበል ኢኻ’ሞ፡ ንስኻ ንፈተና እንተደኣ ስዒርካ ብሓቂ ብፁዕ ክትበሃል ኢኻ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብጊዜ ፈተና ንርእስኻ ትፈልጥ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 04 Apr 2020, 03:34
by Meleket
. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

17 - ብጊዜ ፈተና ንርእስኻ ትፈልጥ


ከይተፈተንካ ንርእስኻ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ከይሠዓርካ ኣኽሊል ዓወት ክትደፍእ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ከይተዋጋእካ ክትዕወት ኣይትኽእልን ኢኻ። ሽሕ ጊዜ ርሑቕ ይኹን፡ ግን ፈተና ኣብ ዘይብሉ ክትነብር እትኽእለሉ ስፍራ የልቦን። እዙይ፡ ኣብ ልብኻ ትዕቢት ከየኅደርካ ንቕድሚት ምእንቲ ክትስጉም፡ ንምሉእ ሕይወትካ ከይቀሰንካን ተሸቢርካን ንኽትነብር ፡ ምእንቲ ጥቕምኻ ኢሉ ዝተገብረ ርኅሩኅ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ኢዩ። ኣብ ቃልሲ መንፈሳዊ ሕይወትካ ኣንፃር ኣመልካ ምስ ትዕወት፡ ኣብ ልብኻ ናይ ትምክሕቲ ሓሳብ ኪፍጠር ይከኣል ኢዩ፥ ካብዙይ ዝተላዕለ ከኣ ሽዑንሽዑ ፈተና ትምክሕቲ ክለዓዕለልካ ይኽእል ኢዩ።

ንእሽቶ ፈተና ስለ ዘለብመካ ድኻምነትካ እውን ስለ ዜፍልጠካ ብዝበለጸ መንፈሳዉነት ከኣ ናብ እግዚአብሔር ከምተብል ስለ ዚገብረካን ጥቕሚ ኣለዎ። ብብርቱዕ ፈተና እንተደኣ ተሸጊርካ፡ ብድኻምነትካ ተኣሚንካ፡ ናብታ ሓንቲ ዝኾነት ተስፋ ምሕረት-ኣምላኽ ክትጐዪ ኢኻ። ምስ ወደቕካ ካብቲ ጠጠው ኢልካሉ ዝነበርካ ጊዜ ዚያዳ ዝበርታዕካ ኮይኑ ክስመዓካ ኢዩ፥ ከምዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ምሳኻ ዘሎ ኃይሊ፡ ብገዛእ ኃይልኻ ከምዘይረኸብካዮ ኪርድኣካ ስለ ዝኸኣለ ኢዩ።

እግዚአብሔር ናባኻ ምስ ዚቐርብ፡ ኣብ ቅድስና ትስጉም፡ ካባኻ ምስ ዚርሕቕ ከኣ፡ ብፈተና ክትርበሽ ይፈቅድ፥ እንተኾነ ከምዙይ ዚኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብትሕትና ድኻምነትካ ምእንቲ ክትኣምንን ብገዛእ ዓቕምኻ ዝሠዓርካ መሲሉካ ምእንቲ ከይትጀሃርን ኢዩ። እግዚአብሔር ብኃጢኣት ከምትፍተን ዚፈቅድ፡ ኣብ ምዕባለ ቅድስናኻ፡ ቅድስና ዚጨበጥካ መሲሉካ፡ ድኻምነትካ ከይትርስዕ ኢሉ ኢዩ።

ብጊዜ ሰላም ብጅግንነትካ ምጅሃር ቀሊል ነገር ስለ ዝኾነ፡ ኃይልኻ እትመዝነሉ ብጊዜ ፈተና ኢዩ። ሓድሓደ ጊዜ፡ ኣብ ስቓይ ከሎኻ፡ እግዚኣብሔር ብጊዜ ፈተና ንጽንዓትካ ኪፍትን ኢሉ፡ ንበይንኻ ይሓድገካ ኢዩ። ብትዕቢት ተመሊእኻ ከይትንፋሕ ኢሉ፡ እግዚአብሔር ብፈተና ከምትዋረድ ይገብረካ ኢዩ።

ኣብ መንፈሳዊ ቃልስኻ እትረኽቦ ዓወት ነቲ ኵሉ እግዚአብሔር ዝሃበካ ነገር ከተለሊ ከሎኻ፡ ብጊዜ ፈተና ከኣ፡ እቲ ብገዛእ ዓቅምኻ ጥራይ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ክትፈልጥ ኢኻ። ብርግጽ፡ ንቅድስናኻ ዚዕቅቦ ድኻምነትካ ኢዩ። ብሰንኪ መንፈስካ ከይትሕበን፡ ሥጋኻ ናብ ታሕቲ ይስሕበካ። እግዚአብሔር ናብ ፈተና ክታኣቱ ዚፈቅድ፡ ንስኻ ንባዕልኻ ክትፈልጥ’ሞ፡ ሓገዝ ከምዜድሌኻ ፈሊጥካ ከኣ፡ ንዓኡ ክትልምኖ ኢሉ ኢዩ። ኣብ ጊዜ ፈተና፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ማዕረ ክንደይ ተኣማንነት ከምዝነበረካ ኪግለጸልካ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ፈተናኻ ክትዕወት እንተደኣ ደሊኻ፡ ኣብ እግዚኣብሔር እምበር፡ ኣብ ርእስኻ ኣይትተኣመን። ኃይሊ እግዚአብሔር ዚግለጽ፡ ኣብ ድኻምነትካ ኢዩ።

ወዲሰብ ከም ሓንቲ ብንፋስ እትወዛወዝ ቆጽሊ-ኦም ስለ ዝኾነ፡ ኣይትመካሕ። ዚገጥመካ ፈተና፡ ዓወት ይኹን ውድቀት ስለ ዘይትፈልጦ፡ ንእግዚአብሔር ብትሕትናን ብፍርሃትን ለምኖ። ጸሎት ብቐጻልነት እንተዘይገይርካ፡ ብሕፍረት ብፈተና ክትሠዓር ኢኻ። ዘየቋርጽ ጸሎት ንኃይሊ ናህሪ ፈተና የምክኖ ኢዩ።

ጸሎት ክትገብር ከሎኻ፡ ብፈተና ኃጢኣት ከይትሽነፍ ደኣ እምበር፡ ከይትፍተን ኢልካ ኣይትጸሊ። ካብ ከይተቓለስካ ሠናይ ነገር ትገብር፡ ተፈቲንካን ሥዒርካን ሠናይ ነገር ክትገብር ከሎኻ፡ እቲ ዝኸበረን ዜሕጉስን ነገር ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኅሊናና፡ ቤት መቕደስ ኣምላኽ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 04 Apr 2020, 03:48
by Tog Wajale
Tell Those Preaching To An Early Immigrant From Tigrai Agg*ame Ansceba Who Claims To Be From Keren Tahitai & Keren LaiLai. Bas*tard Ansceba.

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Posted: 04 Apr 2020, 11:52
by Meleket
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

18 - ኅሊናና፡ ቤት መቕደስ ኣምላኽ


እግዚአብሔር ንኽትፈርድ ኣእምሮ፡ ንኽትውስን ናጻ ፍቓድ፡ ንኣእምሮኻ ዜብርህን ንፍቓድካ ዜበርትዕን ከኣ፡ ኅሊና ሂቡካ ኢዩ። ነቲ ጽቡቕን ክፉእን ዝኾነ ውሽጣዊ ተግባርካ ዚፍረድ፡ ኣብቲ ውሽጢ ኅሊናኻ ዚካየድ ቤት ፍርዲ ኅሊና ኢዩ። ኣንፃር ኅሊናኻ ክትከይድ ከሎኻ፡ እናፈለጥካ ኢኻ ኣንፃር እግዚኣብሔር ትኸይድ፥ እዙይ ኢዩ ከኣ እቲ ዋና በደል። ኅሊና፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ንርእስኻ እትምርምረሉ ውሽጣዊ ቤት መቕደስ ኢዩ። ንዓኻ፡ ካብ ኅሊናኻ ዚቐርበካ ነገር የልቦን።

ኅሊናኻ ኣብ ውሽጢኻ ኮይኑ ዚመርሓካ መንፈስ ኢዩ። ከምኡ እውን እቲ ምስ እግዚአብሔር ኃቢርካ ከምትነብር ዜረጋግጸካ ኢዩ። እግዚአብሔር ብኣርኣያኡ ምስ ፈጠረካ፡ እቲ ኣርኣያኻ ምስቲ ናቱ ኣርኣያ ምእንቲ ኬንጸባርቕ ኅሊና ፈጢሩልካ።

ንትእዛዝ መለኮታዊ ሕጊ እትርድኦን እትፈልጦን ብኃሊናኻ ገይርካ ኢኻ። ነቲ ናይ መወዳእታ ዓላማኻ ዝኾነ እግዚአብሔር ንምጭባጥ ንኅሊናኻ ክትክተል ብጥብቂ ትኁዝ ኢኻ (ክብሪ ወዲ ሰብ፡3)። ንኅሊናኻ ካብ ነፍስኻ ኣውጺእካ ክትድርቢያ እንተትደሊ’ውን፡ ፍጹም ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ምስ ኅሊናኻ ኃቢርካ ንምሉእ መንገዲ ሕይወትካ ክትውድኦ ኢኻ፥ ከምኡ እውን ምስቲ ዘይሕሱን ዘይመውትን ኃሊናኻ ኮይንካ ናብ ፍርዲ ኣምላኽ ኃቢርካ ክትቀርብ ኢኻ።

ኣብ ኅሊናኻ ንዚዛረበካ ኣምላኽ ትሰምዖ’ሞ ትምልሸሉ ኢኻ። ኣብ ጽቡቕን ክፉእን ሕይወትካ እቲ ትእዛዝ ኣምላኽ ከተኽብር ዚእዝዘካ ኅሊናኻ፡ ኣብ ሓደጋ ከምዚርከብ ኣጸቢቑ ይርድኣካ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኅሊናኻ፡ ክትእዘዞ ዚግብኣካ፡ ግን ከኣ ባዕልኻ ዘይሓገግካዮ ሕጊ ከምዘሎ ተረዲኡካ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ልብኻ ብእግዚአብሔር ዝተጻሕፈ ሕጊ ኣሎካ። እዙ ሕጊ እዙይ ከኣ ክብርኻ ኢዩ፥ ክትፍረድ ከሎኻ’ውን በዙ ሕጊ እዙይ ኢኻ ትፍረድ (ሮም 2፡14-16: ሓጐስን ተስፋን፡ 16 ረአ)።

ኣንፃር ኅሊናኻ ምግባር ኮነ፡ ወይ ከኣ ምስ ኅሊናኻ ዚሰማማዕ ካብ ምግባር ዚኽልክለካ ዋላ ሓደ የልቦን (ክብሪ ወዲሰብ፡ 2)። ግን ሓድሓደ ጊዜስ ግጉይ ኅሊና’ውን ናብ ብርሃን ዜብጽሕ መንገዲ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ (1 ቆሮ 8: ሮም 14 ረአ)። ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ እቲ ንጽቡቕን ንኽፉእን ጠባይ ኪፈርድ ወይ ኪመርሕ ዚኽእል፡ እቲ ሕያዋይን፡ ንጹህን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኮነ ኣብ ቅድሚ ሰብ ኮነ፡ (1 ጢሞ 1፡5: ግሓ 24፡16 ረአ) ወቐሳ ዘይርከቦ ኅሊና ጥራይ ኢዩ።

ኅሊናኻ፡ ምስቲ ኣብ ልብኻ ተጻሒፉ ዘሎ ሥነ ምግባርን፡ ምስቲ እግዚአብሔር ንቤተክርስቲያኑ ሂብዋ ዘሎ ሕግን፡ ካብ ምንጽጻር ዓዲ ኣይትውዓል፥ ኅሊናኻ ቅኑዕን ሓቀኛን ኮይኑ ምእንቲ ኪርከብ፡ በዓል ሓቂ ክትከውንን፡ ጽቡቕ ሥነ ምግባር ከተዘውትርን ጽዓር።

ኅሊናኻ ዚእዝዘካ ክትክተል ምሉእ ናጽነት ኪህልወካ ከሎ፡ ኅሊናኻ ኣብ ምህናጽ ግን ከምድላይካ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ
። እዙ ናይ ኅሊናኻ ምሕናጽ ኅላፍነት ዚዓብየሉ፡ ካብ ጉጉይ ኅሊናኻ ዓቢይ ጕድኣት ኪርከብ ከሎ ኢዩ። እቲ ውሽጣዊ ምንጪ ኅሊና ኪዝረግ ከምዚከኣል ፍሉጥ ኢዩ፥ እቲ ውሽጣዊ ፈራዲ ብህያብ ኪመራሳሕ ይከኣል ኢዩ፥ እቲ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ዚምርምር ዓይኒ’ውን ኪዓውር ይኽእል ኢዩ (ማቴ 6፡23: ሉቃ 11፡34 ረአ)።

ንሕይወትካ ኣጥፊእካያ እንተኾይንካ፡ ናብ ውሽጥኻ ተመሊስኻ ኣዔሪኻ ኣስተንትን፡ ንኅሊናኻ ኣንቕሓዮ ብኽፉእ መንገዲ ምኻድ ግደፍ፡ ሰማያዊ ሃረርታ ኣዘውትር። መዓልቲ መጸ ንፍርዲ ኅሊናኻ እሺ ኢልካ ተቐበል፥ ንተግባርካ መርመር፥ ምስ ትምህርቲ ጐይታናን ምስ ኣብነት ቅዱሳንን ተነጻጸር፥ ንርእስኻ ገስጽን ብተጋድሎ ቅጻዕን።

ኣብ ቤት ፍርዲ ኅሊና፡ ከሳሲ ይኹን ተኸሳሲ፡ ሓደ ኢዩ። ንስኻ’ውን ከምቶም ዓይኖም ዓሚቶም ክፉእ ዚገብሩን፡ መቕጻዕቲ ምስ ተቐበሉ ጥራይ ዚርድኦም ርጉማትን ኣይትኹን። እዙ ኃላፊ ዝኾነ ስራሕ እዙ ዓለም’ዙይ፡ ንባዕልኻ ከይትሓስብ ዚዕንቅፈካ እንተኾይኑ፡ ንስኻ፡ ብሓቂ፡ እተሕዝን ሰብ ኢኻ

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሕሹኽታ ኅሊና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen: