Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 03 Oct 2020, 03:53

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

38 - መንፈስዊ ኃይሊ ትዕግሥቲ


መንፈሳዊ ሰብ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ሓደ ካብቶም ቅድሚ ኵሉ ከተጥርዮ ዚግብኣካ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ትዕግሥቲ ኢዩ (1ጢሞ 6፡11 ረአ)። ቍጥዓ ዕረ ኪኸውን ከሎ፡ ትዕግሥቲ ግን መዓር ኢዩ፥ ቍጥዓ ከድክመካ ከሎ፡ ትዕግሥቲ ግን የበርትዓካ ኢዩ፤ ቍጥዓ ንኽፉእ ዝንባሌ ዜለዓዕል ኪኸውን ከሎ፡ ትዕግሥቲ ግን ንቝጥዓ ዜዝሕል ኢዩ፥ ትዕግሥቲ ጥበብ ኪህበካ ከሎ፥ ቍጥዓ ግን ንብርሃን ኣእምሮኻን ንልዕልና ሓሳብካን ዜጸልምት ኢዩ፥ ትዕግሥቲ ንርእስኻ ከምትቋጻጸር ኪገብረካ ከሎ፡ ቍጥዓ ግን፡ ንኽእለትን ኃይሊ ነፍስኻን ዚበታትን ኢዩ።

ቁጡዕ ሰብ ዕግርግር ኪፈጥር ከሎ፡ ትዕግሥተኛ ግን ንዕግርግር ዜህድእ ኢዩ (ምሳ 15፡18 ረኣ)፡ ትዕግሥተኛ ሰብ ኃይሊ ካብ ዘለዎ ሰብ ይበልጽ፥ ንርእሱ ዚመልኽ ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ውግእ፡ ከተማታት ጸላኢኡ ዚወርር ይኅይል (ምሳ 16፡32 ረአ)፥ ትዕግሥተኛ ሰብ፡ ሕስብ ኣቢሉ፡ ብቕንዕና ዚሰርሕን፡ ከየዕዘምዘመ ንበደል ዚዕገሥን ኢዩ።

ንስኻ ከኣ፡ ኣብ ሕማቕ መዓልቲ ህይወትካ፡ ትዕግሥቲ እንተገይርካ፡ ካብ ፈተናኻን ስቓይካን፡ ጥቕምን ትርጉምን ክትረኽበሉ ኢኻ፥ ነዙ ኵሉ ከኣ ጽቡቕ ፍረ ከምዚፈሪ ገይርካ፡ ብታሕጓስ ክትሥዕሮ ኢኻ። ከመይሲ ትዕግሥቲ፡ ንመከራን ንስቓይን ጥዑም ኢዩ ዚገብሮ፡ ትዕግሥቲ ዘይምግባር ወይ ምቝጣዕ ግን፡ ናብቱ ዝኸፍኤ ጥርዙ ኢዩ ዜብጽሖ። ትዕግሥቲ እንተገይርካ፡ ነቲ መዋጽኦ ዘይረኣየሉ ዝነበረ ጽንኩር ነገር የቕልሎ። ንስኻ፡ ከይተሸበርካ ክትዕገሥ ከሎኻ፡ ዋላ እውን ኣብ ሽግርካ ፈጺምካ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኣይትገላገል እምበር፡ እዙይ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ጸጋ ኢዩ። ንስኻ ንዕቤት ትሕትናኻን ትዕግሥትኻን ክትመዝኖ እትኽእል፡ ብፈተና ጊዜ ጥራይ ኢዩ።

ንገዛእ ርእስኻ እውን ትዕግሥቲ ክትገብር ኢዩ ዚግብእካ። ንኣብነት፡ ንርእስኻ ከተመሓይሽ ኢልካ ብዙኅ ጽዒርካ፡ ከምቲ እትብህጎ እንተዘይኮይኑልካ፡ ምስ ገዛእ ርእስኻ ትዕግሥቲ ክትገብር ኣሎካ። እቲ ንኻልኦት ኣብ ጸገሞም እትልግሶ ጽቡቕ ምኽሪ፡ ንባዕልኻ ለግሶ ኢኻ። ብዙኅ ጊዜ፡ እግዚኣብሔር ንጸሎትካ ምቕባል ዚድንጕየካ፡ ትሩፋትካ ምእንቲ ኬብዝኃልካ ኢሉ ኢዩ።

ብትዕግሥቲ ምስቓይ፡ ፍሉይ ምልክት ፍቕሪ-እግዚኣብሔር ኢዩ። ትዕግሥቲ፡ እግዚኣብሔር ንዚህበካ መስቀል ተሓጕስካ እሺ ኢልካ ብምቕባልካ ደኣ እምበር፡ ባዕልኻ ብኢደ ወነንካ እትገብሮ ነገር ስለ ዘይኮነ፡ እዙይ ንስራሕኻ ፍጹም ኢዩ ዚገብሮ (ያዕ 1፡4)። ብርግጽ ትዕግሥቲ፡ ንቅዱሳን ኢያ ትፈጥር (ያዕ 1፡4)። ብጊዜ ቅሳነት፡ ኣባኻ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ትዕግሥቲ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ብዙኅ ካልእ መንፈሳዊ ኃይሊ ተገሊጹ ኪረኤ ይከኣል ኢዩ።

ትዕግሥቲ ካብ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይሊታት እታ ዝበለጸት ሓርበኛ ኢያ፥ ስለምንታይ፡ ንሳ ናይ ሓርበኛ ምስሊ ስለ ዘይትገልጽ ኢያ። ንዝጸርፉኻ እንተተዓጊስካን፡ ንጸላእትኻ እንተፍቂርካን ብውሽጥኻ ሳምዕ ክትከውን ኢኻ። ስቓይ ኣብ ሰብነትካ ከየርኣኻ ኣብ ውሽጥኻ ክትሳቐ ኢኻ።

ብትዕቢት ሕቶ ንዜቕርበልካ ሰብ ብገርህነትን፡ ብምስትውዓልን፡ ብለዋህነትን፡ ክትምልሸሉ ጽዓር። ንቑጡዕ ሰብ፡ ብትዕግሥትኻን ብልኡም መልስኻን ክትከስቦ ኢኻ። ንኻልኦት ጽቡቕ ነገር እተምህር፡ ኣብ ሕይወትካ ዚገጥመካ ሕማቕ ነገር ብትዕግሥቲ ዓቕሊ ብምግባር ደኣ እምበር፡ ብሓሳብ ጥራሕ ምምሃር ኣይኣክልን ኢዩ (ምሳ 19፡11 ረኣ)።

ኣስተውዕል፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣመና ርኅሩኅ እንተደኣ ኮይንካ፡ ንኻልኦት ግን ዘይተናሕሲ ጨካን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብናይ ብጻይካ ኣመል ትዕግሥትኻ ዚጐድል እንተኾይኑ፡ ገና ኣብ ፍጽምና ከምዘይበጻሕካ ግሁድ ኢዩ። እቲ ንውራይ ርእሱ ዕሽሽ ኢሉ ብውራይ ብጻዩ ዚሻቐል፡ ዓሻ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ብሰንኪ ኃጢኣትና፡ ማዕረ ክንደይ ከምዚዕገሠና እሞ ሕሰብ! እግዚኣብሔር ንዅራ ደንጓዪን በዓል ምሉእ ምሕረትን ኢዩ። ንሱ ከም ብዝኂ ኃጢኣትና ኣይቐጽዓናን ኢዩ (መዝ 103፡8 ረአ)፡ እንታይደኣስ ኵላትና ኣብ ጣዕሳ ኃጢኣትና ንኽንበጽሕ፡ እሞ ክንጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ብትዕግሥቲ ኢዩ ዚጽመመና (2 ጴጥ 3፡9፥15 ረአ)።

ኣብ ቅድሚ እቲ ክፉእ ዝኾነ ተግባር ርጉማት፡ ኢየሱስ ኪዅርየልካ እንተዘይደሊኻ፡ ንቍጢዓኻ ኣህድእ ኣብሎ (ሉቃ 9፡55 ረአ)። ሓቀኛ ትዕግሥቲ፡ ካልኦት ኪጐድኡኻ ከለዉ፡ ናይ ቍጥዓ ምልክት ከየርኣኻ፡ ብህዱእ መንፈስ ክትጻወሮም ከሎኻ ኢዩ።

ነቲ ወልደ እግዚኣብሔር ዝኾነ ኢየሱስ ኣብ ሕማማቱ ውርደትን መከራን ዝተጻወሮ ኵሉ እሞ ሕሰብ!። ናብ ቤት ማእሰርቲ ተጐቲቱ ከም ዚውሰድ በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን (ኢሳ 53፡7 ኦዘ 11፡19 ረኣ)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንድዙይ ዚኣክል ስቓይ እናተሳቐየ ከሎ፡ ንስኻ ግን ንመስቀልካ ኣውሪድካ ካባኻ ትድርብዮ። ኢየሱስ ንጹሕ ክነሱ፡ በዣ ኃጢኣት ካልኦት ኪሳቐ ከሎ፥ ንስኻ ግን ብሰንኪ ኃጢኣትካ ትሳቐ ዘሎኻ ኢኻ።

ኢየሱስ ንጹሕ በጊዕ እግዚኣብሔር ኪኸውን ከሎ፥ ንስኻ ግን ዝጠፋኤት በጊዕ ኢኻ። ኣብ ሕማቕን ኣብ ፈተና ጊዜን ካብቲ ኣዚዩ ትሑት ዝኾነ ኢየሱስ ለዋህነትን ትዕግሥትን ተመሃር። ንስኻ እውን እቲ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዝነበረ ስቓይን ድኽነትን ምናኔን ከምናትካ ገይርካ፡ እንተዘይ ኣጥሪኻዮን ፍቕሪ ብዝመልኦ ትዕግሥቲ እውን እንተዘይጸርካዮ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ ብዙኅ ስጕምቲ ዝገበርካ ኣይምሰልካ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሕያውነት፡ ብርቱዕ ኃይሊ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 17 Oct 2020, 02:26

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

39 - ሕያውነት፡ ብርቱዕ ኃይሊ


ንርእስኻ ቅጻዕ፡ ምስ ካልኦት ግን፡ ሕያዋይን ለጋስን ክትከውን ጽዓር። ሕያውነትን ለዋህነትን፡ ዕምባባ ፍቕርን ፍረ መንፈስ ቅዱስን ኢዩ (ገላ 5፡22 ረአ)። ሕያውነትን ለዋህነትን ንልቢ፡ ቂምታ ካም ምኃዝ ኪዕቅቦ ከሎ ንጸርፍን ንበደልን ከኣ፡ ተዓጊሱ ኪጻወሮ ከሎ፡ እዙይ ሓቀኛ ሕያውነትን ለዋህነትን ምዃኑ የረጋግጽ (ምሳ 19፡11 ረአ)።

ለዋህ ምዃን ማለት፡ ኣብ እምነትን ኣብ ፍቕርን ተመሥሪትካ ብትሕትና ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ማለት ኢዩ ገላ (5፡22)። ንዜሳድደካ ብሕያውነትካ ገቢርካ ሠዓሮ። ንትዕቢተኛን ስዲ ንዝኾነ ሰብ እውን፡ ኵሉ ጊዜ ብሕያውነት ንኽትምልሸሉ ጽዓር። ዝበሉ እንተበሉኻ፡ ብኵሉ ኣገባብራኻ ሕያዋይ ኩን፥ ብሕርቃን ኣይትሸነፍ።

ቂምታ ብምኃዝ ሕነኻ ብምፍዳይን፡ ወትሩ እናተጠዓስካሉ ክትነብር ኢኻ። ንኽፉእ ነገር ብጽቡቕ ነገር ከምተሸንፍ ደኣ ግበር እምበር፡ ብኽፉእ ኣይትሸነፍ (ሮም 12፡21 ፥ 13፡10 ፥ 1ተሳ 5፡15)። ንኽፉእ ዘረባ ብጽቡቕ ዘረባ ንኽትምልሸሉ ጽዓር። ካብ ብኃይልኻ ተኸላኺልካ እትረኽቦ ጥቅሚ፡ ኣብ ኣካልካ ግፍዒ ወሪዱካ፡ ብትዕግሥቲ ተጻዊርካዮ፡ እትረኽቦ ጥቕሚ ይበዝኅ። ለዋህነት ንልቢ ናብ ሕያውነትን ተስፋ ናብ ምግባርን ኪድርኾ ከሎ፡ ኃይሊ ግን ንልቢ ዜቐይምን ዚሽጕርን ኢዩ።


ብዓያሹ እንተተወቐስካ፡ ኣንፃሮም ክንዲ ትቍጣዕ፡ ነቲ መሠረት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ወቐሳ ምሒርካ፡ ነቲ ንኺወቕሱኻ ምኽንያት መለዓዓሊ ኮይኑ ዘሎ ነገር፡ ክተጥፍኦ ጽዓር። ንጸርፍን ንሕሜታን ክንድቱይ ግዲ ከይሞትካሉ ሸርተፍ ምባልን፡ ካብ ምዅራይን ሕነኻ ካብ ምፍዳይን፡ እቲ ዝሓሸ ኣገባብራ ኢዩ። ሐደ ሰብ ኣዀሪዩካ እንተደኣ ኾይኑ፡ ምስኡ፡ ብሕያውነትን ብጣዕምን ንኽትዛረብ ጸዓር። ከምኡ እውን ኣብ እተካይዶ ክትዕ፡ ከምቲ ንስኻ እትሓስቦን እትኣምኖን እንተዘይኮይኑ፡ ንልቢ ሰብ ብኃይሊ ቃል ከየቐየምካ፡ ንኽትረዳዳእ ጽዓር።

ነቲ ክትቅበሎ ዘይትኽእልን ዘይትኣምነሉ ነገርን፡ ብጽቡቕ ዘረባን ብህያውነትን ክትነጽጎ ትኽእል ኢካ። ጽቡቕ ሓሳብ ወይ ጽቡቕ እማመ ከተቕርብ ክትደሊ ከሎኻ ከኣ፡ ልቢ ሰብ ናባኻ ንምስሓብ ብሕያውነትን ብጥዑም ዘረባን ከተቕርቦ ከሎኻ፡ ጥዑም ምግቢ ከም ምቕራብ ኢዩ። ዘረባኻ ኵሉሻዕ ብሕያውነት ዝተቓመመ ኪኸውን ይግባእ፥ ኣብ ልቢ ዝተሓንጸ ዘረባ እንተደኣ ተዛሪብካ፡ ጸመማት እውን ኪሰምዑኻ ኢዮም።


ኣብ እተወድአ ዘረባን፡ ወግዕን፡ክትዕን፡ ዝወግእ ዘረባ ኣብ ክንዲ ምዝራብ፡ ፍቕሪ ዘመኃላልፍን፡ ልዋምን፡ ልዙብን ዝኾነ ቃል ምምራጽ ይሕሸካ። ንኣብነት፡ ልብኻ ተረቢሹ እተሊዩ፡ ኣይትዛረብ። ዝተረበሸ ልቢ፡ ንርእሱ ኪቘጻጸር ኣይኽእልን ኢዩ። ንሰብ፡ ናብ እግዚአብሄር ንምቕራብ፡ ኃይሊ ሕያውነት፡ ብርቱዕ ኢዩ’ሞ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሕያውነት ክትዛረብ ጽዓር። “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ንዅራ የለዓዕሎ” (ምሳ 15፡1)።

ጥዑም ዘረባ ፈተውቲ ኢዩ ዘብዝኃልካ፡ ልዙብ መልሓስ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ተፈታዊ ኢዩ ዚገብረካ (ሲራ 6፡5)። እግዚኣብሔር ምስ ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ሰብ ኢዩ ዚነብር፥ ካብ ተበኣሳይ ሰብ ከኣ ይርሕቕኻ። እምበኣር ብሓቂ ንእግዚአብሔር ተፍቅሮ እንተኾይንካ፡ ካብ ክፉእ ጊዜ እውን ንሕውነትካ ከየጥፋእካ ክትነብር ኢኻ። ነፍስኻ ዕረፍቲ ክትረክብ እንተደሊኻያ ለዋህነትን ትሕትናን ካብ ኢየሱስ ተመሃር (ማቴ 11፡29)። እቲ ዝዓበየ ግልጸት ሕያውነትን ለዋህነትን ኣምላኽ፡ ባዕሉ ኢየሱስ ኢዩ (ማቴ 12፡18)።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ክእለት ልዝብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 30 Oct 2020, 09:13

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

40 ክእለት ልዝብ

ተላዚብካ ምኽኣል ሕድሕዳዊ ጽቡቕ ድላይ ሕያውነትን፡ ምክብባርን፡ ፍቕርን፡ ኢዩ ዜድሊዮ፥ እዙይ ከኣ፡ ድኅነትካ ካብቲ ናይ ብጻይካ ድኅነት ፈሊኻ ክትርእዮ ስለ ዘይከኣል ኢዩ። ጽቡቕ ልዝብ ንምክያድ፡ ቅድሚ ኵሉ፡ ንኵሉ ሰብ ምኽባር፥ ከምኡ እውን ምስ ኵሉ ሰብ ሓቀኛ ምዃን ይግባእ። ልዝብ ዘይብሉ ሰብ ሓቀኛ ዕርክነት እውን ኣይርከቦን ኢዩ። ተላዝቦ መሠረት ስኒትን ሓድነትን ኢዩ። ንኽትሰማማዕ፡ ንኽትረዳዳእ፡ ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ንኽትፋቀር ምልዛብ ኣድላዪ ኢዩ።

ተላዚበ እኽእል ኢየ እትብለሉ፡ መኣስ ኢዩ፡ ነቲ መዛርብትኻ ንምሉእ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባኡ ቅኑዕን ርቱዕን ሓናጽን ይኹን ኣይኹን ምስ ትቕበሎ ኢዩ። ንኣብነት፡ ምስ ሓደ ሰብ ክትዛረብ ከሎኻ፡ ጽን ኢልካ ትሰምዖ እንተኾይንካ፡ ንኺዛረብን ሓሳቡ ንኺገልጽን፡ ሕቶ ንኸቕርብን ተራ ትህቦ እንተዀይንካ፥ ከምኡ እውን ነቲ መዛረብትኻ ዜቕርቦ ሓሳብ ብኣኽብሮትን ብርግኣትን ብሕያውነትን ትሓስቦን ተስተውዕለሉን እንተኾይንካ ኢዩ ተላዝቦ ምክያድ እኽእል ኢየ ክትብል እትኽእል።

ቅድሚ ኵሉ እቲ ዜድሊ ነገር፡ ሓናጺ ዝኾነ ናይ ነቐፈታ ሓሳብ ኣቕሪብካ ምኽኣል ኢዩ፥ እዙይ ከኣ ንኻልኦት ብስም ምንቃፍ ዘይኮነስ፡ እንታይደኣ ብቕሱን መንፈስ፡ ልብኻን ኣእምሮኻን ከፊትካ፡ ብሕያውነት፡ ምስ ካልኦት ብኽፉት ልቢ ተላዚብኻ ምኽኣል ኢዩ። እምበኣር ምልዛብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፡ ንጽቡቕን ንሕማቕን ጐድንኻ ኣለሊኻ ምኽኣልን ናይ መዛርብትኻ ውልቃዊ ጸገም ምርዳእን ይግባእ፥ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተሰማማዕካሉ ነጥቢ፡ ሕድሕካ ንምቅርራብ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ድኅሪ ምክያድ፡ ንሓቂ ከይበደልካ፡ ኣብቲ ናይ ኃባር ነጥቢ ምብጻሕ ይግባእ።

ንስኻ እውን ከም ወዮም ከምኦም ገይሮም ዘይሓስቡ ሰባት ከም ጸላእቶም ገይሮም ዚርእይዎም፡ አይትኹን። ክልተ ዝተፈላለየ አረኣእያ ዘለዎም ሰባት እውን፡ ኣዕሩኽ ኪኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት እውን፡ ሓድነት ኪቘውም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ኵነት ኢዩ እምበኣር፡ እቲ ናይ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልይ መሊሱ ምእንቲ ከይገፍሕ፡ ዘይሕለል ጻዕሪ ተላዝቦ ምክያድ ዜድሊ።

ብሓጺሩ ተላዚብካ ምኽኣል ማለት፡ ክልተ ሰብ ኣብ ናይ ኃባር ነጥቢ ንምብጻሕ ዚገብርዎ ናይ ልብን ኣእምሮን ሓቀኛ ሕድሕዳዊ ምኽፋት ኢዩ። ንስኻ እውን ምስ ኃውካ፡ ሓቀኛን ልባውን ዝኾነ፡ ምይይጥን ምርድዳእን ከተካይድ እንተደኣ ደሊኻ፡ ናቱ ኣረኣእያ ክትግንዘብ የድሌካ፥ ሓሳቡ ክትርዳእ ኢልካ ዝከኣለካ ጻዕሪ ግበር፥ ንዓለም በቲ ናቱ ኣዒንትን፡ ስግኣትን፡ ሃረርታን፡ ስቓይን ክትርእዮ ጸዓር። ምስ ካልኦት ብሓሳብ ክትማጐት እትኽእል ካባኻን፡ ካብ ውሽጥካን፡ እንድኅሪ ወጺእካ ጥራይ ኢዩ።

ንሓሳብ መዛርብትኻ፡ ብቕንዕና ተቐቢልካ ኣጽንዓዮ፡ እቲ ሓሳብ ጽቡቕ እንተኾይኑ ልበሶን ናትካ ግበሮን። ናይቲ ብቕንዕና ኣብ ነፍሱ ይኹን ኣብ ካልኦት ይኹን ንሓቂ ዚደልያ ሰብ ጠባይ ከምዙይ ኪኸውን ኢዩ ዚግባእ። ተላዝቦ፡ ኣብ ግዳማዊ ሕይወትካ ይኹን ኣብ ምዕባለ ኣእምሮኻ ይኹን፡ ዓቢይ ጥቕሚ ዘለዎ ሜላ ኢዩ። ብርግጽ፡ ጻዕሪ ኵሉ ሰብ፡ ንሓቂ ምድላይን ንሓቂ ምጭባጥን ይኹን እምበር፡ ሓቂ ኪበሃል ከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ኣይኮነትን ትርከብ።

ኵሉ ሰብ ንሓቂ እናናደየ ከምዚነብርን፡ ድኅሪ እዙ ኵሉ ምንዳይ ከኣ፡ ሕጂ ረኸብኹዋ፡ ሕጂባ ኃዝኩዋ ኪብል ከምዘይኽእልን ምስ ተረድኣካ ኢኻ፡ ንስኻ እውን ከም ሰብ መጠን ክትጋገ ከምትኽእል ዚርድኣካ’ሞ ንፉዕ ተላዛቢ ክትከውን እውን እትጅምር። እዙ ኵሉ መንገዲ ምስ መዛርብትኻ ኃቢርካ ምስ ከድካ፡ ትርጉም ተላዝቦ እናቐየረ ይኸይድ እሞ፡ ንኃባራዊ ጸገምካ ብሓንሳብ ኮይንካ ምፍታሕ ማለት ከምዝኾነ እውን ይርድኣካ።

ምእንትዙይ ኣብ እተካይዶ ዘረባን ክትዕን፡ ክሥዕር ኢልካ ካብ እትጽዕር፡ ንኸተረድእ ኢልካ ተዛረብ ክትኵንን ኢልካ ካብ እትጽዕር ንኽትመያየጥ ኢልካ ጸዓር። ምይይጥካ ካብ ልብኻ ዚወጽእ፡ ሓቀኛ ከምዚኸውን ግበር፥ እቲ ንዝኾነ ይኩን ሰብ ክትብሎ እትደሊ ነገር፡ ብሕያውነትን፡ ብሓቅነትን፡ ብገርህነትን፡ ከይተጻረፍካን ከይሓጨጭካን፡ ተዛረብ። ምስ መልሓስካ ሓደ ውዕሊ ክትገብር ጽዓር፥ እዙይ ከኣ፡ ልብኻ ዘይሃድኤ እንተኾይኑ፡ ካብ ኣፍካ ሓንቲ ቃል ከይተውጽእ መሓል።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጥቅሚ ፍሽኽታ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen: :mrgreen: :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Nov 2020, 03:08

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

41 ጥቅሚ ፍሽኽታ


ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ፣ ብፍሽኽታኻ፡ ንኽንደይ ፍሽኽ ከምዘበልካ እንተትፈልጥ። ንኽንደይ ሰባት ታሕጓስን ተስፋን ኣብ ልቦም ከምዝመለስካሎም ከኣ ምፈለጥካ ነይርካ። ንእትፈልጦ ኵሉ ሰብ፡ ኣብ ልቡ ሓጎስ ከተኅድረሉ ጽዓር፡ ጕንጕን ዕንባባ ኣብ ልዕሊ መቓብር ካብ ምንባር፡ ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ከተንብር ጽዓር። ንእግዚአብሔር እውን፡ ንፍቓዱ ብፍቕሪ እናመላእካ፡ ፍሽኽ በሎ ኢኻ (ምሳ 17፡22 ረኣ)። ኣብቲ ዝኸፍኤ ስቓይ ሕይወትካ እውን፡ ቅሳነትን፡ ታሕጓስን፡ ፍሽኽታን፡ ካብ ገጽካ ኣይሠወር። ምእንቲ ገዛእ ጥቕምኻ ኢልካ ጥራይ ግዲ ከይሞትካ፡ ንኻልኦት ጽቡቕ ንኽትገብር ጽዓር።

ሽሕኳ ብሕማም ተደኒስካ እንተዀንካ፡ ንእሽቶ እውን ትኹን፡ ገጸበረከት ፍሽኽታኻ ከየቕረብካሉ፡ ንዋላ ሓደ ካባኻ ኣይተፋኑዎ። በጻሕትኻ ልዕሊ ኵሉ ነገር፡ ነቲ ብፍሽኽታኻ ዚበርሄን ዝተዀልዔን ገጽካ ብምርኣይ፡ ናባኻ ኪስሓቡን ኪድነቑልካን ኢዮም፡ ኣብ ሽግሮም ከኣ፡ እምነትን፡ ተስፋን፡ ዓቕልን ገይሮም ከምዚሳቐዩ ኪገብሮም ኢዩ።

ኣብ ሕይወትካ ይኹን ኣብ ሕይወት እማትካ፡ ዝበዝኄ ታሕጓስ ከተእቱ ኢልካ እንተትጽዕር፡ ንእግዚአብሔር ብዙኅ መሐጐስካዮ ነይርካ። ምሉእ ሰብነትካ ብታሕጓስን፡ ብቅሳነትን፡ ብሰላምን፡ እንተደኣ ደሚቑ፡ እግዚአብሔር ነፍሳት ናብኡ ከተምጽኣሉ ክመርጸካን ክምዝዘካን ኢዩ። ብሓደ ንጹሕ ዝኾነ ፍሽኽታ ጥራይ፡ ክንደይ ሠናይ ነገር ክትገብር ከምትኽእል ኣይትዘንግዕ።

ፍሽኽታ፡ ኣዕሩክን ፈተውትን ንምጥራይ እቲ ዝበለጸ ነገር ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ብፍሽኽታ፡ ኣብ ልቢ ሰብ፡ ሽዑን ሽዑ ኢኻ መንፈስ ዕርክነት ተኅድር። ሓድሓደ ጊዜ፡ ክትብሎ እትደሊ ቃል ምምጻእ ምስ ዚኣብየካ፡ ሽዑ ፍሽኽታኻ፡ ካብቲ ደሊኻ ዝሰኣንካዮ ቃል ዝበለጸ ትርጉም ኂዙ ኢዩ ዚርከብ። ነቲ ካብ ብዝኂ ህልውና ኣምላኽ ዝተላዕለ፡ ኣብ ውሽጥኻ ሰፊሩ ዘሎ ሓጎስ፡ ንኻልኦት እውን ኣካፍሎ። ንዝልምነካ ድኻ፡ ሓንቲ ነገር ክትተዀበሉ’ኳ እንተዘይኸኣልካ፡ ካልእስ ይትረፍ፡ ንልቡ ዚኸፍተሉን ንነፍሱ ደስ ዜብሎን ፡ ፍሽኽታኻ ለግሰሉ።

ንገለ ሰባት፡ ህያብ ምስ ትገብር፡ እቲ ህያብ ምስ ፍሽኽታኻ ኣሰንዮ። ህያብ ብዘይ ፍሽኽታ፡ ማለት ዕምባባ ብዘይ መዓዛ ማለት ኢዩ። እግዚአብሔር ዚፈቱ ተሓጕሱ ንዚህብ ኢዩ (2ቆሮ 9:7 ረኣ)። ኣብ ሕይወትካ፡ ንእግዚአብሔር ይኹን ንሰብ፡ ንሕያዎት ይኹን ንርጉማት፡ ንሠናይ ጊዜ ይኹን ንኽፉእ ጊዜ፡ ብሓጎስ ይኹን ብሓዘን፡ ንሕይወት ይኹን ንሞት፡ ፍሽኽ ምባል እንተኽኢልካ ብሓቂ ዕድለኛን ብፁዕን ኢኻ!። ብዛዕባ እግዚአብሔር፡ ብሕይወትካ ክትህቦ እትኽእል ዝበለጸ ምስክርነት፡ ንዕኡ እናገልገልካ ምስኡ ክትነብር ከሎኻ፡ ኣብ ገጽካ ሓጐስ ዜንጸባርቕ እንተኾይኑ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ዘረባኻ፡ ጥንቑቕ ኩን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 14 Nov 2020, 02:56

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

42 - ኣብ ዘረባኻ፡ ጥንቑቕ ኩን


ውሽጣዊ ምሥጢር መንፈሳዊ ሕይወትካ፡ ብዘይምኽንያት ንኻልኦት ኣይትግለጽ። ምሥጢርካ ብዘይምኽንያት ንኻልኦት ትገልጾ እንተደኣ ኮይንካ፡ ኣብ ውሽጢ ምዓሙቕካ ኣእቲኻ ክትዓቝሮ ኣይኸኣልካን ማለት ኢዩ። ንሕና ውሽጣዊ ታሕጓስናን ውሽጣዊ ስቓይናን ብቐሊሉ ንምግላጽ ሕፍረት ይሰመዓና ኢዩ። ሓድሓደ ነገር ሱቕ ኢልካ፡ ንኻልኦት ከየፍለጥካ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ክትሳቐ ኢዩ ዚግብኣካ።

እቲ ብዘይ መጠን ዚዛረብ ሰብ፡ ውሽጣዊ ሃብቱ፡ ሒደት ኢዩ። ኣፍ ዓሻ ዘይረብሕ ነገር ኪደግም ኢዩ ዚነብር፥ ዘረባ ጥበበኛ ግን፡ ኣብ ሚዛን ተመዚኑ ኢዩ ዚኃልፍ (ሲራ 21፡25 ረኣ)። ንነዊኅ ጊዜ፡ ብዙኅ ምዝራብ ጠንቂ ሓደጋን ጕድኣትን ኢዩ። ሓድሓደ ጊዜ እውን፡ ኣመና ምዝራብ የጣዕስ ኢዩ። ካብ ብዙኅ ነገር፡ ሓድሓደ ነገር፡ ሓቂ እውን ይኹን፡ ምዝርጋሕ ስለ ዘየድልዮ፡ ንኻልኦት ከይተዛረብካዮ ኣብ ውሽጥኻ ኂዝካ እንተዓቝርካዮ ጽቡቕን ጥበብን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ እትገልጾ ሓቂ ኣየበላሽዎን ኢዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰፊሩ ዘሎ ነገር ናብ ልሳንካ ቅድሚ ምኅላፉ፡ ተጠንቒቕካ ክትሓስበሉ ይግባእ። ብዙኅ ጊዜ እቲ ክትዛረቦ እትህወኸሉ ነገራት እውን፡ ምናልባት ከየውጽእካዮ፡ ኣብ ውሽጥኻ ቀቢርካ እንተኃዝካዮ ዝሓሸ ኢዩ። ልብኻ ሕያዋይ እንተኾይኑ ግን፡ ብዛዕባ ልሳንካ እትስከፎ ነገር ኣይክህሉን ኢዩ፡ ከመይ “ኣፍ ምልኣት ልቢ ኢዩ ዚዛረብ” (ማቴ 12፡34: ሉቃ 5፡45 ረኣ)።

ሓሪቕኻ ከሎኻ፡ ዘየድሊ ዘረባ ክትዛረብ ስለ እትኽእል፡ ከይተዛረብካ፡ ሱቕ በል፥ ከመይ ቝጥዓ ምስ ኃለፈልካ በቲ ዝበልካዮ ክትጠዓስ ትኽእል ኢኻ “እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚህሉ ሰብ ካብ ጸበባ ይድኅን” (ምሳ 21፡23)። “ብመልሓስካ ካብ እትዕንቀፍ ኣብ ምድሪ ሸታሕ ኢልካ ምውዳቕ ይሓይሽ” (ሲራ 20፡18)። ህሜታ ብምቅብባል፡ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ኣይትኹን፥ ገለ ሕሜታ ኣብ እዝንኻ እንተበጽሔ እውን፡ ኣብ ውሽጥኻ ቅበሮ። ኣብ ውሽጥኻ እንተተቐሚጡ ከምዘይጐድኣካ ፍለጥ (ሲራ 19፡7: 10 ረአ)።”ምሥጢር ተውጽእ እንተ ኮይንካ፡ ሰብ ኣይኣምነካን ኢዩ፥ ዚኣምነካ ዓርኪ ከኣ ኣይትረኽብን ኢኻ” (ሲራ 27፡16)።

ጽቡቕ ምዝራብ እንተዘይኮይኑ፡ ንብጻይካ ወይ ንንብረቱ ኣይተልዕሎ። ሕሜታ ክትሰምዕ ከሎኻ፡ ድጋፍካ ከይሃብካ ሱቕ በል። “ፈላጥ ሰብ ዘረባ ኣየብዝኅን ኢዩ፥ በዓል ህዱእ መንፈስ ከኣ፡ ለባም ኢዩ” (ምሳ 17፡27)። እቲ ብዙኅ ዚሰርሕ፡ ሒደት ኢዩ ዚዛረብ፥ እቲ ብሓቂ ዚገብር ከኣ፡ ሱቕ በሃላይ ኢዩ። ንስኻ ጥበበኛን ገርሄኛን እንተኮይንካ፡ በዓል ብዙኅ ልቦና ክትከውን ኢኻ።

ኣብ እተካይዶ ወግዒ ወይ ዝርርብ፡ ድሌት ካልኦት ኣብ ግምት እናእተኻ፡ ካልኦት እውን ሓሳቦም ኪገልጹን፡ መልሲ ኪህቡን፡ ዕድልን ጊዜን፡ ክትህቦም ደኣ ኣሎካ ኣምበር፡ እናኮለፍካ ንስኻ ጥራይ ክትዛረብ ኣይግቡእን ኢዩ። ጽን እናበልካ ምስማዕ፡ ዓቢይ ክእለት ኢዩ። “ንምስማዕ ድልዊ ኩን፥ ከይሓሰብካ ከኣ፡ መልሲ ኣይትሃብ” (ሲራ 5፡11)። ሓድሓደ ጊዜ፡ ስቕታ ካብ ዘረባ ዚበለጸ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ስቕታ ፍቶ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 Nov 2020, 03:23

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

43 ስቕታ ፍቶ

ካብ ብዙኅ ዘረባ፡ ዕንቅፋት ኣይሰኣንን ኢዩ፥ (ምሳ 10:19 ረአ)። ዘረባ ምስ ተብዝኅ ብዙኅ ጌጋ ኢኻ እትገብር! ሓቂ ኢዩ፥ እንተኾነ ቃልካ ዚህቦ ጥቕሚ፡ ስቕታኻ ካብ ዚህቦ ጥቕሚ ንላዕሊ ኪኸውን ከሎ፡ ስቕ ኣይትበል፡ ተዛረብ ደኣ።

ምእንቲ ከይትጋገ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሓቂ ዘይብሉ ፍርዲ ካብ ምሃብን ብዘይመጠን ወጃዕጃዕ ካብ ምባልን ተቘጠብ (ምሳ 11፡12: 17፡18 ረኣ)። “ስቅ እትብለሉ ጊዜ ኣሎ፡ እትዛረበሉ ጊዜ ከኣ ኣሎ” (መክ 3፡7)። ጸሎተኛ ሰብ ክትከውን እንተደኣ ደሊኻ ስቕታ ፍቶ።

ሸበድበድን ገርማዕማዕን ኣብ ዚብል ዓለም፡ ንእግዚኣብሔር ክትረኽቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምስ ሰብ ብዙኅ ትዛረብ እንተ ኮይንካ ከኣ፡ ምስ እግዚኣብሔር ቍሩብ ኢኻ ትዛረብ (ሆሴዕ 2፡16 ረአ)። ምስ እግዚኣብሔር ብዙኅ ትዛረብ እንተኾይንካ ግን፡ ምስ ሰብ ምዝራብ ጥቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ኣይኽረኣየካን ኢዩ።

መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ኪወርድ እንተደሊኻዮ፡ ፈታዊ ስቕታን መንፈሳውን ኩን። ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ ከተስተማቕሮ ጽዓር። ኣብ ውሽጥኻ ስቕታ ከምዚነግሥ እንተገይርካ፡ ብመንፈስካ ካብ ጸሎት ነቒሕካ ክትርከብ ከሎኻ፡ ብግዳምካ ንዚርእየካ ግን፡ ኣብ ጉዳይ እዙ ዓለምዙይ ትኽስ ዝበልካን ዘይትረብሕን ጌሩ ኪግምተካ ኢዩ።

እወ፡ ንእግዚአብሄር ጽን ኢልካ ንኽትሰምዖ፡ ምስ ፍጡራት ዘረባ ክትገድፍ ኣሎካ፥ ምእንቲ ክትሰምዕ፡ ሱቕ ክትብል ኣሎካ፥ መንፈስካ ምእንቲ ኪሰምዕ፡ ሰብነትካ ሱቕ ኪብል ኣለዎ፥ ናይ ብሓቂ ከኣ እቲ ቃልካ ነቲ መንፈሳዊ ሃብትኻ ከምዚገልጾ ይግበሮ። ንኵለን ሰዓታት መዓልትኻ ፍቶወን ኢኻ፡ ብኅልፊ ግን፡ ነታ ምስ እግዚኣብሔር ተራኺብካ እትዛረበላ ሰዓት ስቕታ ኢያ’ሞ፡ ንዓኣ ክትፈቱ ኢዩ ዚግብኣካ።

እግዚኣብሔር ዚያዳ ዚሰምዕ፡ ነቲ ብኣፉ ከይተዛረበ፡ ብልቡ ዜፍቅር ኢዩ። ስለዚ ንእግዚኣብሔር ጽን ኢልካ ምእንቲ ክትሰምዖን ብዝበለጸ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባህሪኡ ምእንቲ ክትሳተፍን፡ ንስቕታ ሃረር በሎ። ናብ ደንደስ ሓደ ውሒጅ ከይድካ ኣብኡ ኮፍ በል እሞ፡ ሽዑ እግዚኣብሔር ሰማያዊ ዑፍ ሰዲዱ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ልብኻ ዚምስጥ ሓደ ጥዑም ደርፊ ኪደርፈልካ ኢዩ። ኣብ ደንደስ እቲ ውሕጅ ኮፍ ምስ በልካ እግዚኣብሔር ኪዛረበካ ኢዩ። እግዚኣብሔር ዝተዛረባ ቓል ሓንቲ ኢያ፥ ንሳ ከኣ፡ እቲ ቓሉ ዝኾነ ኢየሱስ ኢያ። ነዛ ቓል እዚኣ ከኣ ኪደጋግማ ዚርከብ ዘሎ ካብ ዘለዓለም ጀሚሩ ኢዩ። ነፍስኻ እውን ነዛ ቓል እዚኣ ንዘለዓለም ጽን ኢላ ክትሰምዓ ኢያ።

ሓቂ ክትረኽባ እትኽእል ኣብ ስቕታ ስለ ዝኾነ፡ ስቕ ምባል ፍቶ። ብዙኅ ሰብ ክንድ’ቲ ኣይእመንን ኢዩ። እቲ ተጠንቒቑ ዚዛረብ ሰብ፡ ንሕይወቱ ኢዩ ዜህብትም። እምበኣረይ ንስኻ እውን፡ መንፈሳዊ ክትከውን ጽዓር፥ ንመንፈሳዊ ጥቕምኻ ኢልካ ስራሕ እምበር፡ ጊዜኻ ኣብ ዘይጠቕም ሓሳብ እዙ ዓለምዙይ ኣይትበታትኖ። ስቕታ፡ ዓቃቢ ሰላም መንፈስካ ስለ ዝኾነ፡ ዓቢይ ሓጋዚኻ ኢዩ።

ስቕታ፡ ዓርከ’ቲ ኣብ ገዛእ ኃይሉ ከይኣመነ፡ ኣብ ኃይሊ ኣምላኽ ጥራይ ዚኣምን ኢዩ። ዓለም፡ ንዓኻ፡ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ብዛዕባ ነፍስኻን ኣጸቢቕካ ንኸይተስተንትንን፡ ኣብ ጐዳኢ ዝዀነ ተግባር ከምትዘናጋዕን፡ ጊዜኻ ኣብ ከንቱ ከምተኅልፎን፡ ከምኡ እውን ናይ ስቕታ ጊዜ ከምዘይህልወካን ኢዩ ዚገብርካ። ንስኻ እውን፡ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንማርያም መግደላዊት ኣብ ጥቓኡ ኮፍ ኣቢሉ፡ ቃሉ ከምትሰምዕ እንተገይሩካ፡ ዕዉትን ብፁዕን ኢኻ (ሉቃ 10፡39 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጽሞና ፍቶ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 28 Nov 2020, 10:23

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

44 ጽሞና ፍቶ


ንስኻ፡ ናብኡ ምእንቲ ክትጽጋዕ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሓደ ፍጡር ከይኣተወኩም፡ ጽሞና ፍቶ። ንልብኻ ከኣ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ግበሮ ኢኻ። ኣእምሮኻ ዓቕሊ ካብ ዜጽብብ ሻቕሎት ኣልጊሱ፡ ቅሳነት ምእንቲ ኪረክብ፡ ካብ ጫውጫውን ዕግርግርን እልይ በል ኢኻ። ንሰማያዊ ነገራት ምእንቲ ክትሓስብ ከኣ፡ ንነፍስኻ ጽሞና፡ ብዙኅ ኢዩ ዚጠቕማ። ጽሞና ንነፍስኻ ምስ እግዚአብሔር እትወሃሃደሉ ግሩም ዝኾነ ናይ ምቕርራብ ጊዜ ኢዩ ዚፈጥረላ።

ናይ ጽሞና ጊዜ ምስ ትረክብ ደስ ይበልካ፥ እዙ ዕድል ጽሞናዙይ ምስ ረኸብካ፡ ቀልጢፍካ ከይትመንዎ ተጠንቀቕ ኢኻ። ጥራሕስ፡ ካብ ናይ ሰብ ጫውጫውታ ከምትርሕቕ ግበር እምበር፡ ኣምላኽ ንበይኑ ክኣኽለካን ፍጹም ከዕግበካን ኢዩ። ካብ ናይ እግዚኣብሔር ዝበልጽ ዕርክነትን ወግዕንከ ኣበይ ይርከብ?

ንስኻ ምስ እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር ከኣ ምሳኻ እንተኾይንኩም፡ በይንኻ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ (ዮሓ 14፡23 ረአ)። እዙ ሕያዋይ ጋሻ ነፍስኻ ዝኾነ ኢየሱስ፡ ባህሪዩ ካባና ፍሉይ ስለ ዝኾነ፡ ንልብኻ ካብ ጫውጫታን ዕግርግርን እዙ ዓለምዙይ ርሒቑ ኢዩ ኪዛረቦ ዚደሊ። እግዚኣብሔር ቀስ ኢሉ ኢዩ ዚዛረብ፥ ድምጹ ከኣ ኣብ ስቕታን ኣብ ጸሎትን ጥራይ ኢዩ ዚስማዕ። እግዚኣብሔር ንነፍስኻ ኵሉ ጊዜ ኪዛረባ ምደለየ ነይሩ፡ እንታይሞ፡ እዙ ዓብሊሉካ ዘሎ ጫውጫው ዓለም’ንዶ ምዝራብ ከሊእዎ!። እግዚአብሔር ዚርከብ፡ ኣብ ጫውጫውታ ኣይኮነን (1ነገ 9፡11 ረኣ)።

ጽሞና ልቢ እንተዘይኣጥሪኻ ጽሞና ስብነት ጥራይ እንታይ ኪዓብሰልካ ኢዩ? እንተኾነ ግን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ሻቕሎት እዙ ዓለምዙይ ጥሒልካ እንተተረኸብካ፡ ብመንፈስካ ካብ ጸሎት ኣይትርሓቕ። ልብኻ ካብ ፍቕሪ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ እንተደኣ ርሒቑ፡ ኣብ ማእከል ዕዳጋ እውን እንተሃለኻ ጽሞና ኪስመዓካ ኢዩ። ግን፡ ልብኻ ኣብ ፍቕርን ኣብ ሻቕሎት እዙ ዓለምዙይን፡ ጥሒሉ እንተኾይኑ፡ ዋላ ኣብ ምድረ በዳ ሃሉ፡ ጽሞና ዚበሃል ኣይኪህልወካን ኢዩ።


ኣብ ትህኪት ዝተመሥረተ ኣይኹን ደኣ እምበር፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተመሥረተ እንተኾይኑ፡ እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎካ ሓድነት፡ ንጽሞናኻ ኪመልኦ ኢዩ። ካብ ብነዊኅ ዘረባ፡ ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ክሳብ ትስእን፡ ስራሕ ኣይተብዝኅ። ምስ እግዚኣብሔር ከተዋግዓሉ እትኽእል ስፍራ ኣብ ውሽጥኻ ኣሰናዱ’ሞ፥ ቅሳነት ኣብ ዝመልኦ ልብኻ፡ ብሰማያዊ ሃብታት ተመሲጥካ፡ ንመንፈስኻ፡ ንሰማይ ኣዕርጎ።

ብውሽጥኻ ካብ እግዚኣብሔር ከይተፈለኻን ጸሎትን ኣስተንትኖን እናገበርካ ምንባር ተመሃር እሞ፡ በይንኻ ምዃን ከቶ ኣይከጥቕዓካን ኢዩ። እቲ ብጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ዚዛረብ ምስ ካልኦት ኪዛረብ ኢሉ ኣይብህግን ኢዩ። ብጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንበይንኻ ክትብሕት ከሎኻ፡ ምሉእ ሰብ ኮይንካ ኢዩ ዚስመዓካ። ንጽሞና ትጸልእ እንተኾይንካ ግን፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እኹል ተኣማንነት ስለ ዘይብልካ ኢዩ።

እንሆ እቲ ኣብ ሣላሳ ዓመት ሕይወት ጐይታና ዝተገልጸ፡ ስቕታን፡ ምሉእን ዘየቋርጽን ጸሎት፡ ፍሉይን ኪንገር ዘይከኣል ውሽጣዊ ርክብን ኅብረት ኣምላኽን ኢዩ። ኦ ኣንቲ ተፈታዊት ዝኾንኪ ስቕታ፡ ንስኺ፡ ደቂ ሰብ ስቕ ዚብሉላን እግዚኣብሔር ዚዛረበላን ጊዜ ኢኺ። ኦ ኣንቲ ቅድስቲ ዝኾንኪ ስቕታ፡ እግዚኣብሔር እውን ኣባኺ ዚርከብ፡ ንስኺ ንንፍሲ፡ ካብቱ ኵሉ ኣብ ዓለም ዚርከብ ታሕጓስ ዝበለጽኪ ኢኺ!


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሓጐስን፡ ደስታን ጓህን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Sabur
Member
Posts: 1364
Joined: 11 Aug 2018, 07:41

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Sabur » 28 Nov 2020, 15:55


ክቡር ሓው መለከት :

ስለ'ቲ ዓብይ ኣስተምህሮ ብልቢ የመስግን ::

ክልተ ምዕራፋት ካብቲ ጽሑፋት "ምዕራፍ ፬፡ ድኅነትካ" "ምዕራፍ ፭ ፡ ንጊዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ" ነቢበየን ።

ኣብ "ምዕራፍ ፬ ፡ ድኅነትካ" ሓንቲ ቃል "ዕልድዙይ" ኣይበርሃትለይን ፤ ናይ ኣጸሓሕፋ ስሕተት ድዩ : ወይ ከዓ ትርጉም ኣለዋ ፧

"እዙ ዘለዓለማዊ ዕልድዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ።" - ካብ "ምዕራፍ ፬ ፡ ድኅነትካ"

ደጊመ የቐንየለይ ይብል :

ምስ ኣኽብሮት :

Sabur


Meleket wrote:
20 Mar 2020, 02:20
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

4- ድኅነትካ

ሕይወት ወዲ ሰብ ፈተናን ቃልስን ዚመልኦ ኢዩ። ሰብ ንመሬት ይዘርኣን የልምዓን ኢዩ፥ እንተኾነ ጻማ ስራሑ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዚረኽቦ። እቲ ንመዋቲ ሰብነትካ እትገብሮ ክንክን፡ ነታ ዘይትመውትን ንዘለዓለም እትነብርን ነፍስኻ እውን ግበሮ። ሰብነትካ ብምግቢ ይስሰ፥ ነፍስኻ ግን ብጽቡቕ ተግባርካ ኢያ ትስሰ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ሓደ ጽቡቕ ነገር ጥራይን፡ ሓደ ሕማቕ ነገር ጥራይን ፡ ኢዩ ዘሎ፡ ንሱ ከኣ ድኅነት ነፍስን፡ ጥፋኣት ነፍስን ኢዩ። ሰብ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ ዚመውት፥ ነፍሱ ሓንሳእ እንተ ጠፊኣ ከኣ፡ ንዅሉ ጊዜ ጠፊኣ ማለት ኢያ። ንስኻ ሓንቲ ነፍሲ ጥራይን ሓንቲ ሞት ጥራይን ኢዩ ዘሎኻ፥ እዙ ዘለዓለማዊ ዕልድዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ። “ሰብሲ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ ንነብሱ እንተጐድኣ ወይ እንተጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ?” (ሉቃ 9፡25)።

ንምሉእ መጻሕፍቲ ፍልጠት ገላቢጥካ እንተጽናዕካዮን እንተፈለጥካዮን፡ ግን፡ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ እንተዘይመራሚርካን እንተዘይተረጋጊጽካን እዙ ኵሉ ፍልጠት እንታይ ኪጠቕመካ ኢዩ?። ኣየወ! ክንደይ ዘይተመሃሩ ኪድኅኑ ይኾኑ፡ ክንደይ ዝተመሃሩ ከኣ፡ ኪጠፍኡ ይኾኑ!።

ንጸዋዕታኻን ንመረጻኻን ወትሩ ብዝበለጸ ንኽተረጋግጽ ክትጽዕር ይግባእ። ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ እኹል ዋሕስ ስለ ዘየሎ፡ ምእንቲ ድኅነት ነፍስኻ ኢልካ፡ ብፍርሃትን ብረዓድን ክትሠርሕ ይግብኣካ (ፊሊጵ 2፡12 ረአ)። ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ሕይወትን ኣብ ዝኸድካዮ ከድካ፡ ሽሕ ጊዜ ቅዱስ ተበሃል፡ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ ዋሕስ ዚተኽለልካ የብልካን።

ንሸይጣውንቲ እንዶ ንርኤ፥ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዚነበሩ ኢዮም፡ ንይሁዳ እንዶ ንርኤ፡ ምስቶም ካልኦት ሓዋርያት ዝነብር ዝነበረ ኢዩ፡ እኳ ደኣ ንሱ ምስ ኢየሱስ ወልደ ኣምላኽ ዝነብር ዝነበረን ክንደይ ሻዕ ምስኡ ዘዋግዔን ኢዩ! ንሸይጣን ዚኽልክሎ ነገር የልቦን፡ እቲ ኣዚዩ ዝጸንዔ ገዳም ይኹን፡ እቲ ዝረሓቐ ምድረበዳ ይኹን፡ ሸይጣን ንኸርክበልካ ዚጽግሞ ነገር የልቦን።

ብዛዕባ ርእስኻ ኣይትመካሕ፡ ከመይ ዋላኳ ጽውዑን ምሩጽን እንተዀንካ፡ ናብ መንግሥተ ኣምላኽ ክትኣቱ ብቑዕ ምዃንካ ወይ ዘይምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ ካብ ላዕሊ ካብ ዘይተገለጸልካ፡ ስለምንታይ ደኣ ነዙ ዓቢይ ጕዳይካ ብሸለልትነት ትርእዮ? ንስኻ ደሊኻን ረዲኻን፡ ብገዛእ ፍቓድካ ካብ እግዚኣብሔር እንተደኣ ርሒቕካ፡ ንሱ ከድኅነካ ሓንቲ ኃላፍነት የብሉን።

ድኅነትካን ጥፍኣትካን ኣብ ኢድካን ኣብ ገዛእ ናጽነትካን ኢዩ ዚርከብ። ነፍስኻ ንምድኃን ኣብ ሓደጋ ሞት እንተበጻሕካ እውን ኪዓጅበካ ኣይግባእን። እንሆ፡ ኣብ ቅድሜካ ሕይወትን ሞትን ኣለዋ፡ እቲ ንስኻ ዝሓረኻዮ ክተልዕል ኢኻ (ሲራ 15፡17 ረአ)። እግዚኣብሔር ኣብዙ ዓለምዙይ ዘንበረካ ነፍስኻ ንምድኃን ጥራይ ኢዩ። እንተኾነ ንኵሉ ነገር ተገዲስካ፡ ንነፍስካ እንተዘይተገዲስካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ዓቢይ ኃላፍነት ኪህልወካ ኢዩ (ሉቃ 16፡2 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንጊዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 30 Nov 2020, 04:36

ክቡር ሓውና Sabur

ስለቲ ነዙይ መንፈሳውን ሞራላውን ግብረገባዊን ጽሑፍ ብተገዳስነት ምንባብካ ኣመስግነካ። ዕላማ ምዝርጋሕ እዙይ ጽሑፍ፡ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዚነብዎ ኣማራጺታት ንምቕራብ ኢዩ። ኣብዙይ ቕርዓት መረጃ፡ ወትሩ ቦለቲካ ወትሩ ጸርፈመርፊ ጥራሕ ካብዚዝርጋሕ ገለ’ዶ ንነፍሳት ዜርብሕ ዘርኢ ምዝራእ ኣይሓይሽን’ዶ ካብዚብል ኣተና ኢዩ።

ናብቱይ ሕቶካ ምስእንምለስ፤ እቱይ “ዕልድዙይ” ዚብል ቃል ብርግጽ ከምቲ ዝገመትካዮ ናይ ኣጸሓሕፋ ስሕተት ኢዩ፡ “ዕድልዙይ” ወይ ድማ “ዕድል እዙይ” ዚብል ኣፍ ኢዩ። ክንድዝዀነ ድማ ከምታ ኣባ ተስፋልደት ኣባይ ዝጸሓፍዋ ብከምዚ መኣረምታ ክትንበብ ይግባእ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ሓደ ጽቡቕ ነገር ጥራይን፡ ሓደ ሕማቕ ነገር ጥራይን ፡ ኢዩ ዘሎ፡ ንሱ ከኣ ድኅነት ነፍስን፡ ጥፋኣት ነፍስን ኢዩ። ሰብ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ ዚመውት፥ ነፍሱ ሓንሳእ እንተ ጠፊኣ ከኣ፡ ንዅሉ ጊዜ ጠፊኣ ማለት ኢያ። ንስኻ ሓንቲ ነፍሲ ጥራይን ሓንቲ ሞት ጥራይን ኢዩ ዘሎኻ፥ እዙ ዘለዓለማዊ ዕድልዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ። “ሰብሲ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ ንነብሱ እንተጐድኣ ወይ እንተጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ?” (ሉቃ 9፡25)።


ንስለ ተገዳስነትካን መኣረምታኻን ብልቢ ኣመስግነካ፣ ክቡር ወዲ ክቡራት Sabur ሓወይ ወዲ ኤሩና!
:mrgreen:

Sabur wrote:
28 Nov 2020, 15:55

ክቡር ሓው መለከት :

ስለ'ቲ ዓብይ ኣስተምህሮ ብልቢ የመስግን ::

ክልተ ምዕራፋት ካብቲ ጽሑፋት "ምዕራፍ ፬፡ ድኅነትካ" "ምዕራፍ ፭ ፡ ንጊዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ" ነቢበየን ።

ኣብ "ምዕራፍ ፬ ፡ ድኅነትካ" ሓንቲ ቃል "ዕልድዙይ" ኣይበርሃትለይን ፤ ናይ ኣጸሓሕፋ ስሕተት ድዩ : ወይ ከዓ ትርጉም ኣለዋ ፧

"እዙ ዘለዓለማዊ ዕልድዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ።" - ካብ "ምዕራፍ ፬ ፡ ድኅነትካ"

ደጊመ የቐንየለይ ይብል :

ምስ ኣኽብሮት :

Sabur


Meleket wrote:
20 Mar 2020, 02:20
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

4- ድኅነትካ

ሕይወት ወዲ ሰብ ፈተናን ቃልስን ዚመልኦ ኢዩ። ሰብ ንመሬት ይዘርኣን የልምዓን ኢዩ፥ እንተኾነ ጻማ ስራሑ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዚረኽቦ። እቲ ንመዋቲ ሰብነትካ እትገብሮ ክንክን፡ ነታ ዘይትመውትን ንዘለዓለም እትነብርን ነፍስኻ እውን ግበሮ። ሰብነትካ ብምግቢ ይስሰ፥ ነፍስኻ ግን ብጽቡቕ ተግባርካ ኢያ ትስሰ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ሓደ ጽቡቕ ነገር ጥራይን፡ ሓደ ሕማቕ ነገር ጥራይን ፡ ኢዩ ዘሎ፡ ንሱ ከኣ ድኅነት ነፍስን፡ ጥፋኣት ነፍስን ኢዩ። ሰብ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ ዚመውት፥ ነፍሱ ሓንሳእ እንተ ጠፊኣ ከኣ፡ ንዅሉ ጊዜ ጠፊኣ ማለት ኢያ። ንስኻ ሓንቲ ነፍሲ ጥራይን ሓንቲ ሞት ጥራይን ኢዩ ዘሎኻ፥ እዙ ዘለዓለማዊ ዕልድዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ። “ሰብሲ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ ንነብሱ እንተጐድኣ ወይ እንተጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ?” (ሉቃ 9፡25)።

ንምሉእ መጻሕፍቲ ፍልጠት ገላቢጥካ እንተጽናዕካዮን እንተፈለጥካዮን፡ ግን፡ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ እንተዘይመራሚርካን እንተዘይተረጋጊጽካን እዙ ኵሉ ፍልጠት እንታይ ኪጠቕመካ ኢዩ?። ኣየወ! ክንደይ ዘይተመሃሩ ኪድኅኑ ይኾኑ፡ ክንደይ ዝተመሃሩ ከኣ፡ ኪጠፍኡ ይኾኑ!።

ንጸዋዕታኻን ንመረጻኻን ወትሩ ብዝበለጸ ንኽተረጋግጽ ክትጽዕር ይግባእ። ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ እኹል ዋሕስ ስለ ዘየሎ፡ ምእንቲ ድኅነት ነፍስኻ ኢልካ፡ ብፍርሃትን ብረዓድን ክትሠርሕ ይግብኣካ (ፊሊጵ 2፡12 ረአ)። ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ሕይወትን ኣብ ዝኸድካዮ ከድካ፡ ሽሕ ጊዜ ቅዱስ ተበሃል፡ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ ዋሕስ ዚተኽለልካ የብልካን።

ንሸይጣውንቲ እንዶ ንርኤ፥ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዚነበሩ ኢዮም፡ ንይሁዳ እንዶ ንርኤ፡ ምስቶም ካልኦት ሓዋርያት ዝነብር ዝነበረ ኢዩ፡ እኳ ደኣ ንሱ ምስ ኢየሱስ ወልደ ኣምላኽ ዝነብር ዝነበረን ክንደይ ሻዕ ምስኡ ዘዋግዔን ኢዩ! ንሸይጣን ዚኽልክሎ ነገር የልቦን፡ እቲ ኣዚዩ ዝጸንዔ ገዳም ይኹን፡ እቲ ዝረሓቐ ምድረበዳ ይኹን፡ ሸይጣን ንኸርክበልካ ዚጽግሞ ነገር የልቦን።

ብዛዕባ ርእስኻ ኣይትመካሕ፡ ከመይ ዋላኳ ጽውዑን ምሩጽን እንተዀንካ፡ ናብ መንግሥተ ኣምላኽ ክትኣቱ ብቑዕ ምዃንካ ወይ ዘይምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ ካብ ላዕሊ ካብ ዘይተገለጸልካ፡ ስለምንታይ ደኣ ነዙ ዓቢይ ጕዳይካ ብሸለልትነት ትርእዮ? ንስኻ ደሊኻን ረዲኻን፡ ብገዛእ ፍቓድካ ካብ እግዚኣብሔር እንተደኣ ርሒቕካ፡ ንሱ ከድኅነካ ሓንቲ ኃላፍነት የብሉን።

ድኅነትካን ጥፍኣትካን ኣብ ኢድካን ኣብ ገዛእ ናጽነትካን ኢዩ ዚርከብ። ነፍስኻ ንምድኃን ኣብ ሓደጋ ሞት እንተበጻሕካ እውን ኪዓጅበካ ኣይግባእን። እንሆ፡ ኣብ ቅድሜካ ሕይወትን ሞትን ኣለዋ፡ እቲ ንስኻ ዝሓረኻዮ ክተልዕል ኢኻ (ሲራ 15፡17 ረአ)። እግዚኣብሔር ኣብዙ ዓለምዙይ ዘንበረካ ነፍስኻ ንምድኃን ጥራይ ኢዩ። እንተኾነ ንኵሉ ነገር ተገዲስካ፡ ንነፍስካ እንተዘይተገዲስካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ዓቢይ ኃላፍነት ኪህልወካ ኢዩ (ሉቃ 16፡2 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንጊዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Sabur
Member
Posts: 1364
Joined: 11 Aug 2018, 07:41

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Sabur » 01 Dec 2020, 00:54


ክቡር ሓው መለከት ፥

ምውድዳስ ደኣ ከይመስል 'ምበር : ስለ'ቲ ጊዜኻ ሰዊእኻ ተቕርበልና ጽሑፋት ደጊመ የመስግን ::

ስለ'ቲ ረቂቕን ውሕሉልን ስራሕ ኣባ ተስፋልደት ዓቢ ሞሳን ዝላዓለ ምስጋናይን የቕርብ ::

ሓው መለከት ፥

ኤረና ኤሩና ኩሉ ጊዜ ኣብ ሰራውር ደምና ::

ምስ ኣኽብሮት :

Sabur


Meleket wrote:
30 Nov 2020, 04:36
ክቡር ሓውና Sabur

ስለቲ ነዙይ መንፈሳውን ሞራላውን ግብረገባዊን ጽሑፍ ብተገዳስነት ምንባብካ ኣመስግነካ። ዕላማ ምዝርጋሕ እዙይ ጽሑፍ፡ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዚነብዎ ኣማራጺታት ንምቕራብ ኢዩ። ኣብዙይ ቕርዓት መረጃ፡ ወትሩ ቦለቲካ ወትሩ ጸርፈመርፊ ጥራሕ ካብዚዝርጋሕ ገለ’ዶ ንነፍሳት ዜርብሕ ዘርኢ ምዝራእ ኣይሓይሽን’ዶ ካብዚብል ኣተና ኢዩ።

ናብቱይ ሕቶካ ምስእንምለስ፤ እቱይ “ዕልድዙይ” ዚብል ቃል ብርግጽ ከምቲ ዝገመትካዮ ናይ ኣጸሓሕፋ ስሕተት ኢዩ፡ “ዕድልዙይ” ወይ ድማ “ዕድል እዙይ” ዚብል ኣፍ ኢዩ። ክንድዝዀነ ድማ ከምታ ኣባ ተስፋልደት ኣባይ ዝጸሓፍዋ ብከምዚ መኣረምታ ክትንበብ ይግባእ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ሓደ ጽቡቕ ነገር ጥራይን፡ ሓደ ሕማቕ ነገር ጥራይን ፡ ኢዩ ዘሎ፡ ንሱ ከኣ ድኅነት ነፍስን፡ ጥፋኣት ነፍስን ኢዩ። ሰብ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ ዚመውት፥ ነፍሱ ሓንሳእ እንተ ጠፊኣ ከኣ፡ ንዅሉ ጊዜ ጠፊኣ ማለት ኢያ። ንስኻ ሓንቲ ነፍሲ ጥራይን ሓንቲ ሞት ጥራይን ኢዩ ዘሎኻ፥ እዙ ዘለዓለማዊ ዕድልዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ። “ሰብሲ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ ንነብሱ እንተጐድኣ ወይ እንተጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ?” (ሉቃ 9፡25)።


ንስለ ተገዳስነትካን መኣረምታኻን ብልቢ ኣመስግነካ፣ ክቡር ወዲ ክቡራት Sabur ሓወይ ወዲ ኤሩና!
:mrgreen:

Sabur wrote:
28 Nov 2020, 15:55

ክቡር ሓው መለከት :

ስለ'ቲ ዓብይ ኣስተምህሮ ብልቢ የመስግን ::

ክልተ ምዕራፋት ካብቲ ጽሑፋት "ምዕራፍ ፬፡ ድኅነትካ" "ምዕራፍ ፭ ፡ ንጊዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ" ነቢበየን ።

ኣብ "ምዕራፍ ፬ ፡ ድኅነትካ" ሓንቲ ቃል "ዕልድዙይ" ኣይበርሃትለይን ፤ ናይ ኣጸሓሕፋ ስሕተት ድዩ : ወይ ከዓ ትርጉም ኣለዋ ፧

"እዙ ዘለዓለማዊ ዕልድዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ።" - ካብ "ምዕራፍ ፬ ፡ ድኅነትካ"

ደጊመ የቐንየለይ ይብል :

ምስ ኣኽብሮት :

Sabur


Meleket wrote:
20 Mar 2020, 02:20
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

4- ድኅነትካ

ሕይወት ወዲ ሰብ ፈተናን ቃልስን ዚመልኦ ኢዩ። ሰብ ንመሬት ይዘርኣን የልምዓን ኢዩ፥ እንተኾነ ጻማ ስራሑ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዚረኽቦ። እቲ ንመዋቲ ሰብነትካ እትገብሮ ክንክን፡ ነታ ዘይትመውትን ንዘለዓለም እትነብርን ነፍስኻ እውን ግበሮ። ሰብነትካ ብምግቢ ይስሰ፥ ነፍስኻ ግን ብጽቡቕ ተግባርካ ኢያ ትስሰ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ሓደ ጽቡቕ ነገር ጥራይን፡ ሓደ ሕማቕ ነገር ጥራይን ፡ ኢዩ ዘሎ፡ ንሱ ከኣ ድኅነት ነፍስን፡ ጥፋኣት ነፍስን ኢዩ። ሰብ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ ዚመውት፥ ነፍሱ ሓንሳእ እንተ ጠፊኣ ከኣ፡ ንዅሉ ጊዜ ጠፊኣ ማለት ኢያ። ንስኻ ሓንቲ ነፍሲ ጥራይን ሓንቲ ሞት ጥራይን ኢዩ ዘሎኻ፥ እዙ ዘለዓለማዊ ዕልድዙይ ከእ እትረኽቦ ኣብ ሕይወትካ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ። “ሰብሲ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ ንነብሱ እንተጐድኣ ወይ እንተጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ?” (ሉቃ 9፡25)።

ንምሉእ መጻሕፍቲ ፍልጠት ገላቢጥካ እንተጽናዕካዮን እንተፈለጥካዮን፡ ግን፡ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ እንተዘይመራሚርካን እንተዘይተረጋጊጽካን እዙ ኵሉ ፍልጠት እንታይ ኪጠቕመካ ኢዩ?። ኣየወ! ክንደይ ዘይተመሃሩ ኪድኅኑ ይኾኑ፡ ክንደይ ዝተመሃሩ ከኣ፡ ኪጠፍኡ ይኾኑ!።

ንጸዋዕታኻን ንመረጻኻን ወትሩ ብዝበለጸ ንኽተረጋግጽ ክትጽዕር ይግባእ። ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ እኹል ዋሕስ ስለ ዘየሎ፡ ምእንቲ ድኅነት ነፍስኻ ኢልካ፡ ብፍርሃትን ብረዓድን ክትሠርሕ ይግብኣካ (ፊሊጵ 2፡12 ረአ)። ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ሕይወትን ኣብ ዝኸድካዮ ከድካ፡ ሽሕ ጊዜ ቅዱስ ተበሃል፡ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ ዋሕስ ዚተኽለልካ የብልካን።

ንሸይጣውንቲ እንዶ ንርኤ፥ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዚነበሩ ኢዮም፡ ንይሁዳ እንዶ ንርኤ፡ ምስቶም ካልኦት ሓዋርያት ዝነብር ዝነበረ ኢዩ፡ እኳ ደኣ ንሱ ምስ ኢየሱስ ወልደ ኣምላኽ ዝነብር ዝነበረን ክንደይ ሻዕ ምስኡ ዘዋግዔን ኢዩ! ንሸይጣን ዚኽልክሎ ነገር የልቦን፡ እቲ ኣዚዩ ዝጸንዔ ገዳም ይኹን፡ እቲ ዝረሓቐ ምድረበዳ ይኹን፡ ሸይጣን ንኸርክበልካ ዚጽግሞ ነገር የልቦን።

ብዛዕባ ርእስኻ ኣይትመካሕ፡ ከመይ ዋላኳ ጽውዑን ምሩጽን እንተዀንካ፡ ናብ መንግሥተ ኣምላኽ ክትኣቱ ብቑዕ ምዃንካ ወይ ዘይምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኻ ካብ ላዕሊ ካብ ዘይተገለጸልካ፡ ስለምንታይ ደኣ ነዙ ዓቢይ ጕዳይካ ብሸለልትነት ትርእዮ? ንስኻ ደሊኻን ረዲኻን፡ ብገዛእ ፍቓድካ ካብ እግዚኣብሔር እንተደኣ ርሒቕካ፡ ንሱ ከድኅነካ ሓንቲ ኃላፍነት የብሉን።

ድኅነትካን ጥፍኣትካን ኣብ ኢድካን ኣብ ገዛእ ናጽነትካን ኢዩ ዚርከብ። ነፍስኻ ንምድኃን ኣብ ሓደጋ ሞት እንተበጻሕካ እውን ኪዓጅበካ ኣይግባእን። እንሆ፡ ኣብ ቅድሜካ ሕይወትን ሞትን ኣለዋ፡ እቲ ንስኻ ዝሓረኻዮ ክተልዕል ኢኻ (ሲራ 15፡17 ረአ)። እግዚኣብሔር ኣብዙ ዓለምዙይ ዘንበረካ ነፍስኻ ንምድኃን ጥራይ ኢዩ። እንተኾነ ንኵሉ ነገር ተገዲስካ፡ ንነፍስካ እንተዘይተገዲስካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ዓቢይ ኃላፍነት ኪህልወካ ኢዩ (ሉቃ 16፡2 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንጊዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 12 Dec 2020, 04:05

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

45 ሓጐስን፡ ደስታን ጓህን

እግዚአብሔር ዝፈጠረካ ኣብ ሓጐሱ ንኼካፍለካ ኢሉ ኢዩ። ንልብኻ ብታሕጓስ ኪመልኦ ዚኽእል ከኣ ንሱ ጥራይ ኢዩ፥ ፍጡራት ንልብኻ ብታሕጓስ ኪመልኡልካ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ኢዩ። ታሕጓስ ልብኻ ብሰብ ኪመልእ ምጽባይ ማለት፡ እንጌራ ሕልሚ ምብላዕ ማለት ኢዩ። ተስፋ እዙ ዓለምዙይ መጋገዪን ሓሶትን ኢዩ።

ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ስራሕ ብዘይመጠን ዝተፈላለየ ይኹን እምበር፡ እታ ኵላቶም ሃረር ዚብሉዋ ነገር፡ ሓጐስ ኢያ። እንተዀነ ብዙኃት፡ ኣብቲ ንሳ ዘይትርከቦ ስለ ዚደልይዋ፡ ንዓኣ እናደለዩ ኢዮም ዚጠፋኡ። እቲ ሓደን ንውልቁን ሓጐስ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ።

ሓቂ ክንዛረብ እንተዀንና እቲ ንሓጐስ ካብ እግዚኣብሔር ወጻኢ ኪረኽባ ዚደሊ፡ ንሱ ንሓቀኛ ሓጐስ ኪረክብ ደልዩ ኣይኮነን። እቶም ንሓቀኛን ንዘለዓለማውን ሓጐስ ምርካብ ስኢኖም ሕዙናት ኮይኖም ዚነብሩሉ ምኽንያት፡ ካብዙ ሓጺር ጊዜ እዙ ዓለምዙይ ዚርከብ ቍሩብ ሓጐስ ኪመጽዩ ብምህዋኽ ኢዮም። ንወርቂ እዙ ዓለምዙይ ቅድሚ ምሕሳብካ፡ ሰማያዊ ሓጐስ ንኽትሓስብ ዠምር። ብዛዕባ ርእስኻ ምሕሳብ ንእግዚኣብሔር እሞ ኅደገሉ፡ ከምኡ እውን ንርእስኻ እሞ ረስዕ፡ ድኅሪኡ፡ ሓቀኛ ሓጐስ ኪስመዓካ ኢዩ።


ሓጐስ ክትረክብ ኢልካ ናብ ምሉእ ዓለም ድኅሪ ምዅብላልካ፡ ሓጐስ ኣብ ድርኩዅት ገዛኻ ከምዝገደፍካያ ክፍለጠካ ኢዩ። ሓጎስ እንተደሊኻ፡ ዝደለኻዮ ነገር ምርካብ ማለት ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘሎካ ነገር ተሓጕስካ ምቕባል ማለት ኢዩ። ሓጐስ ዘይነጽፍ ሃብቲ ኪኸውን ከሎ፥ ብልግሲ ብዝዓደልካዮ መጠን፡ ብእኡ መጠን ከኣ፡ ይወሃበካ። ሓጐስ ጥራይ ኢያ፡ እታ ኣብ ኢድካ ምስ ኣተወት፡ ተኣማሚንካ ክትኅዛ እትኽእል። ብናይ ካልእ ታሕጓስ ትሕጐስ እንተኾይንካ፡ እታ ታሕጓስ ትርከበላ ምሥጢራዊት መንገዲ ረኺብካያ ኣሎኻ ማለት ኢዩ።

ንእግዚኣብሔር ትፈርህ እንተደኣ ኮይንካ፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ፥ ባህታኻ ከኣ፡ ኣብ ተኣዝዞ ሕጊ ኣምላኽ ዝተመሥረተ ኪኸውን ኢዩ (ዘዳ 112፡1 ረአ)። ዋሕስ ታሕጓስ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ። ርጉማት ኪሕጐሱ እንተረኤኻ፡ ታሕጓሶም ኣብ ኃላፊ ነገርን ቀጻሊ ኣብ ዘይኮነን ዝቖመ ክንዲ ዝኾነ፡ ጽንዓት እምነትካ ኣይተጕድል። ኣብ ኵሉ፡ ኣፈጻጽማኡ ርኢኻ ተዛረብ። “ቅድሚ ሞቱ ሓደ’ኳ ሕጉስ ኢዩ ኣይትበል፥ ሰብ ብሓቂ ዚፍለጥ ኣብ መወዳእታ ኢዩ” (ሲራ 11፡28)።

ንሰብ ኣይትፍረድ በቲ መጻእን ዘለዓለማውን ሓጐስ ደኣ እምበር፡ በቲ ንሓጺር ይኹን ንነዊኅ ይኹን ዚረኽቦ ሓጐስ ወይ ዚወርዶ ስቓይ ኣይኮንካን (ሉቃ 6፡20-22 ረአ)። በቲ ዘይኃልፍ ነገር እምበር፡ ብኃላፊ ነገር ኣይትተሓጐስ። ክትሕጐስ ዚግብኣካ፡ ብኻልእ ዘይኮነስ ስምካ ኣብ ሰማይ ስለ ዝተጻሕፈ ኢዩ (ሉቃ 10፡20 ረአ)።

እግዚኣብሔር ጣዕሚ ህያባቱ ኣብ መንፈስካ፡ ትዕቢት ምእንቲ ከየኅድረልካ ኢሉ፡ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጥበቡ ገይሩ፡ ካብ ሓጐስ ናብ ሓዘን ከሳግረካ ይነብር። ብሰንኪ እቲ ሰፊሕ ዝኾነ ትምህርትኻ ሓጐስ ዘይብሉ ምሁር እንተዀንካ፡ እቲ ሰፊሕ ትምህርትኻ ኣብ ቅድሚቶም ከይተማሃሩ ሕጉሳት ዝኾኑ ሰባት ንኽተምብሮ ኣይትድለ።

ብኢየሱስ ትኣምን እንተኾይንካ፡ ንታሕጓስካ ዝትንክፈልካን ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚፈልየካን የልቦን (ሮማ 8፡39 ረአ)። ከም መጠን ወዲ መዝሙር ኢየሱስ፡ ብወጻኢ ሕዙን ትመስል ትኸውን፡ እንተኾነ ብሓቂ እንተርኢና ንስኻ፡ ወትሩ ሕጉስ ዝኾንካ ሰብ ኢኻ (2 ቆሮ 6፡10 ረአ)። ኣብ ጐደናታት እዙ ዓለምዙይ እናተጐዓዝካ ከሎኻ እውን፡ ነታ ሰማያዊት ታሕጓስ ከተስተማቕራ ኢኻ፥ እግዚአብሔር፡ ነቶም ንዘለዓለም ምስኡ ዚነብሩ ምሩጻት ቅዱሳን፡ ንብዓቶም ሓሲሱ ብሰማያዊ ታሕጓሱ ኪመልኦም ኢዩ (ራእ 7፡17፥ 21፡4 ረአ)።

ሓቀኛ ሓጎስ ኣብ ውሽጢ ውሻጠ ነፍስኻ ኢዩ ዚርከብ እምበር፡ ኣብቲ ከቢቡካ ዘሎ ሃብትኻ ኣይኮነን። ሓቀኛ ሓጐስ ዚርከብ ኣብ ውሽጢ ነፍስኻ እንተደኣ ኾይኑ፡ ንስኻ ንሓጐስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኹን ብጽባቔኡ ኣብ ዜንጸባርቕ ርሻን ይኹን፡ ካባኻ ኣይትፍለን ኢያ (ግብ 5፡41 ረአ)።


እቲ ዓለም ዚህቦ ሓጐስ፡ ከም ጽላሎት ኢዩ ዚኃልፍ። ኦም ታሕጓስካ ብንብዓት ጣዕሳ፡ ተተኺሉ፡ ዓንቢቡ፡ ኣብ ፍረ ኪበጽሕ ይኽእል ኢዩ። እዙ ታሕጓስ እዙይ እግዚኣብሔር ከምዘፍቅረካን ምሳኻ ኃቢሩ ከምዚነብርን፡ ኣብዙ ስደትዙይ ከኣ መጓዕዝትኻ ከምዝኾነን፡ ብልቢ እትኣምኖ ዓርክኻ ትኽ ትንፋስኻ ከምዝኾነን ምስ ኣመንካ፡ ዚመጽእ እዩ።

እቲ ኢየሱስ ዚህበካ ውሽጣዊ ታሕጓስ፡ ዘሕድገካ የብልካን (ዮሓ 16፡22 ረኣ)። ታሕጓስ፡ ብሓቂ፡ ከተስተማቕራ እንተደሊኻ፡ ምስ ኢየሱስ ኮይንካ፡ ኣብ መስቀል ክትሳቐ እምበር፡ ካብ መስቀል ክትወርድ ኢልካ ኣይትጠይቆ። ሰብ ብስም ኢየሱስ ምስ ዘሳድደካ ዕዉትን ብፁዕን ኢኻ፥ እቲ መዓልቲ’ቲ ንዓኻ መዓልቲ ታሕጓስ ኢዩ፡ ዓስብኻ ኣብ ሰማይ ብዙኅ ኢዩ (ሉቃ 6፡23 ረአ)።

እቲ ጐይታና ቀሪቡልና ዘሎ ታሕጓስ ብዘይመጠን ዓቢይ ክንዲ ዝኾነ፡ ካባኡ፡ ዝኾነ ይኹን ሥጋዊ ስቓይ፡ ከታርፈና ወይ ኪዕንቅፈና ኣይኽእልን ኢዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኪጽሕፍ ከሎ “ብዙኅ ጸበባ እኳ እንተ ኣሎና፡ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን” (2 ቆሮ 7፡4)። “ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ኵሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና” (2ቆሮ 6፡10)። ንብጻይካ ከተገልግሎ ከሎኻ፡ እቲ ትልግሶ ፍቕሪ ዘይውዳእ ሓጐስ ይፈጥረልካን፥ ፈተናኻ ክብርትዕ ከሎ ከኣ፡ ካብ መስቀል ዚምንጩ ፍጹም ዝኾነ ፍስሓን ባህታን ኢዩ ዜኅድረልካ (ግብ 16፡22-25 ረአ) ኣብቲ ምእንቲ ኣኅዋት ኢልካ እትሳቐዮ ስቓይ ከኣ፡ ፍጹም ታሕጓስ ከምዚስመዓካ ኢዩ ዚገብረካ (ቆላ 1፡24 ረአ)።

ኣብ መንግሥቲ ፍቁር ወዲ እግዚኣብሔር ከምትሳተፍ ብምፍላጥካ፡ እዙ ሓሳብዙይ ንገዛእ ርእሱ ብሓጐስ ኪመልኣካ ይግባእ (ቆላ 1፡11-14 ረአ)። ኣብቲ ካብ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ዘተረኽበ ታሕጓስ ክትሳተፍ እንተ ደሊኻ፡ በቲ ንሱ ዘፍቀሮ ፍቕሪ ከተፍቅር አሎካ። ትካዜ እቲ ካብ ኵሉ ክፉኣት መናፍስቲ፡ ዝገደደ ኢዩ፥ ምእንትዙይ ካብ ነፍስኻ ጸሪግካ ኣውጽኣዮ። ናይ ዓለም ትካዜ ሞት ኢዩ ዚወልድ (2 ቆሮ 7፡10 ረአ)። እኳ ደኣ፡ ንስኻ ብኣንጻሩ፡ ክዳን ሓጎስ ተኸደን። ሕጉስ ሰብ ኵሉ ጊዜ ጽቡቕ ኢዩ ዚሓስብ።

ድኅሪ ኃጢኣት፡ እቲ ዝኸፍኤ ጕድኣት ነፍሲ፡ ትካዜ ኢዩ። ትካዜ ስቓይ ዘኸትል መንፈሳዊ ሕማም ኢዩ፥ ከምቲ ንኽዳን ቝንቝን ዚበልዖ፡ ከማኡ ከኣ ትካዜ ንልብኻ ኢዩ ዚበልዖ። ትካዜ ንጸሎትን ንምንጪ መንፈሳውነትን ዘንቅጽ ርጉም ዝኾነ ባልዕ ኢዩ፥ ትካዜ ኣጕል መንፈስን ንመንፈሳዊ ቃልሲ ዘየተባብዕ ሕማቕ ዝኾነ መንፈሳዊ ሕማምን ኢዩ። ኣባኻ ሓደ ዓይነት ትካዜ ጥራይ ይሃሉ፥ ንሱ ከኣ፡ ክሳብ ሎሚ ዘይተቐደስኩ ኢልካ ተክዝ።

እወ፡ ሥርዓት ኣብ ዘይነግሠሉ ህውከት፡ ሥርዓት ኣብ ዚነግሠሉ ከኣ፡ ቅሳነት ኣሎ። ህውከት ኣደ ትካዜ ከምትበሃል፡ ትካዜ ከኣ፡ ነፍሲ እተልምስ ሕማም ኢያ። ንጥዕናኻ ካባኻ ኣርሒቑ፡ ንሕማምካ ዜግድድ፡ ካብ ህውከት ዚብእስ ነገር የሎን። ንስኻ ልብኻ ኪህውኸኻ ከሎ፡ ንበይንኻ ኃቢእካ ኣይትኃዞ፡ ብምኽሪ ምእንቲ ኪኅግዘካ፡ ሽግርካ ንኺኢላ ኣካፍሎ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መንፈሳዊ ተጋድሎ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 Dec 2020, 04:48

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

46 መንፈሳዊ ተጋድሎ

ተጋድሎ ንምግባር ካብ ሕጂ ኣትኂዝካ ዘይፍተወካን ዕረዕረ ዚጥዕመካን እንተ ኮይኑ፡ ዘለዓለማዊ ኵነኔኻ ምስ ሰማዕካ ደኣ እንታይ ኪጥዕመካ ኢዩ? ጽባሕ ንሓጐስ-ጻማኻ ከተስተማቕሮ እንተደሊኻ፡ ነዙ ሎሚ ዕረዕረ ዚጥዕመካ ዘሎ ስቓይ-ተጋድሎኻ ፈቲኻ ተቐበሎ። በታ ንመንግሥተ ሰማይ ተእቱ ጸባብ መንገዲ ኣቢልካ ክትከይድ እንተዘይፈቲኻ፡ በታ ናብ ጥፍኣት ተእቱ ገፋሕ መንገዲ ኣቢልካ ናብ ገሃነምእሳት ክትኣቱ ኢኻ ማለት ኢዩ (ማቴ 7፡13 ረአ)።

ሰብነትካን ነፍስኻን ተተኃኂዞም ናብ ገሃነምእሳት ምእንቲ ከይኣትዉ፡ ንሰብነትካን ንኽፉእ ኣመልካን ቅጻዕ። ኣብቲ ዚመጽእ ሕይወት ምእንቲ ክትሕጐስ፡ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ከሎኻ ንሰብነትካ ኣጽኒዕካ ኃዞ (1 ቆሮ 9፡27 ረአ)። ዝተፈጠርካ ከይሞትካ ንዘለዓለም ብህይወት ንኽትነብር ክንዲ ዝኾነ፡ በቲ መዋቲ ዝኾነ ሰብነትካ ከይትሠዓርን ከይትማረኽን ተጠንቐቕ፥ እወ፡ ሰብነትካ ብሰንኪ እቲ መዋቲ ዝኾነ ባህሪኻ ንመንፈስካ ዕንቅፋትን ሸከምን ኢዩ።

ንሕይወተይ ብግዲ የድሊየኒ ኢዩ እናበልካ፡ ሓዲሽ ኣመል ከይተጥርን፡ ካብ ግቡእ ንላዕሊ እውን ንርእስኻ ኣይተህንቕቕ። ፍጹም ኣድላዪን ፍቑድን ካብ ዘይኮነ ነገር ንርእስኻ ምቕጻዕ ምእንቲ ክትለምድ፡ ካብቲ ኣድላዪን ፍቑድን ዝኾነ ነገር ንርእስኻ ምቕጻዕ ምእንቲ ክትለምድ፡ ካብቲ ኣድላዪን ፍቑድን ዝኾነ ነገር፡ ፈቲኻ ንርእስኻ ክትክልክል ከሎኻ ዓቢይ መንፈሳዊ ጥቕሚ ኢዩ።

ነቲ ኣብ መሥርዕ ሕጂ ዘይኣተወ ባህሪያዊ ስምዒትካ፡ ብኣጋ፡ ብተጋድሎ ገይርካ እንተዘይ ኣሪምካዮ፡ ቀስ እናበለ ናብ ክፉእ ኵነታት ከውድቐኻ ይኽእል ኢዩ፥ ከማኡ እውን ንኣእምሮኻ ኣዕዊሩ፡ ንጥበበኛ ህያብካ ከጥፍኦ ይኽእል ኢዩ። መንፈሳዊ ተጋድሎ፡ መንፈሳዊ ሃብቲ ንምርካብ ዚሕግዝ ዕዉት ተግባር ኢዩ።

ተጋድሎኻ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ኣዚዩ ክቡርን ቅቡልን ኢዩ። ንትዕቢትካ ከተጥፍእ እንተጽዒርካ፡ ብሓጺር ጊዜ፡ ፍጹም ሰብ ክትኸውን ኢኻ። ነቲ ኣውራ ብርቱዕ ዝኾነ፡ ባህርያዊ ኣመልካ እንተሥዒርካ፡ ነቲ ኵሉ ካልእ ዝተረፈ ኣመልካ ብቐሊሉ ክትሥዕሮ ኢኻ። ተጋድሎኻ፡ ንስኻ ንባዕልኻ እትገብሮ ርእሰ-ምቝጽጻር ኬኸውን ይግባእ። ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ይኹን፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንተዘይተዛሪብካ፡ ኃያል ተጋድሎ ትገብር ከምዘሎኻ ትምስክር ኣሎኻ። ዓቢይ ተጋድሎ ምእንቲ ኪቐለልካ፡ ንእስ ዝበለ ተጋድሎ ኣዘውትር።

ረብሓ መንፈሳዊ ሕይወትካ እናዓበየ ዚኸይድ፡ ተጋድሎ ተዘውትር እንተኾይንካ ኢዩ። እምበኣርከስ፡ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘይገብርካሉ መዓልቲ ከም ጥፉእ መዓልቲ ገይርካ ክትቘጽሮ ይግብኣካ። ብዘይ ተጋድሎ ጸሎት ምግባር፡ ንርእስኻ ምትላል ኢዩ። ከምኡ እውን ከምፍትወት ርእስኻን ንዓይ ይጥዓመንን ዝበሉ ኃጢኣት ምስ እግዚኣብሔር ከምዘይትራኸብ ኢዮም ዚገብሩኻ። ምስ እግዚኣብሔር ንኽትራኸብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ኣዘውትር። ምስ ክርስቶስ እንተሞይትካ ንሞቱ ኣብ ሰብነትካ ቀሪጽካ ክትኅዞ ኢኻ (ሮማ 8፡13፥ ቆላ 3፡3 ረኣ)።

እዚ ብጥምቀት ኣብ ርእስኻ ዝተፈጸመ ምሥጢራዊ ተግባር፡ መዓልቲ መጸ፡ ብተጋድሎኻ ገይርካ፡ ንሞት ኢየሱስ ኣብ ሕይወትካ ከምዚፍጸም ግበር (ሮማ 8፡13 ረአ)። ነዙ ኵሉ ከምግቡእ እንተተረዲካዮ፡ ትርጉም ተጋድሎ ክርስትና እንታይ ከምዝኾነ ኣጸቢቑ ኪርድኣካ ኢዩ። ተጋድሎ ከተዘውትር ከሎኻ፡ ምስ ክርስቶስ ተሓጕስካ ክትነብር ኢልካ ግበሮ እምበር፡ ብባህሊ ኣይትመራሕ።

ኃይሊ መንፈሳዊ ተጋድሎ፡ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ብዝበለጸ ምእንቲ ኪጽመድን፡ ከምኡ እውን ብዝበለጸ ቅልጡፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን ዚግበር ተግባር ኪኸውን ከሎ፡ ካብ ሸኽሚ ኃጢኣት ዚገላግል ጸጋ ኢዩ። መንፈሳዊ ተጋድሎ ኪፍጸም ዚከኣል፡ ብኃይሊ ፍቅሪ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብውህበት እግዚኣብሔር ኣይትዅራዕ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 05 Jan 2021, 04:47

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

47 ብውህበት እግዚኣብሔር ኣይትዅራዕ

በቲ እግዚኣብሔር ሂቡካ ዘሎ ህያባት ኣይትተዓበ፡ ብኽእለትካ እንተነኣዱኻ እውን ኣይትጀሃር። ትዕበን ትጅሃርን እንተኾይንካ፡ ከምቲ ጽውጽዋይ ኣድጊ ኮይንካ ክትተርፍ ኢኻ ማለት ኢዩ። ኣድጊስያ፡ ትሩፋት ቅዱሳት ጽዒኖም ኮብኵቦምዎ፡ እንተኸዱስ፡ ምእንቲ ክብሩ ኢሎም ዝጸዓኑዎ ይመስሎ ይበሃል።

ንስኻ “ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ? ዝተቐበልካ ካብ ኮንካኸ ደኣ፡ ስለምንታይ ከምዘይተቐበልካ ትሕበን?” (1ቆሮ 4፡7)። እግዚኣብሔር ከይረድኣካ ሱቕ እንተዚብልን እንተዝጥንጥነካን ኣብ ከመይ ዝበለ ክፉእ ድኽነት ምወደቕካ ነይርካ። በል ከይትወድቕሲ፡ በቱ እትሰርሖ ጽቡቕ ስራህን፡ ብቕድስናኻን፡ ኣይትተሓበን። ብዛዕባኻን ብዛዕባ ተግባርካን ጽቡቕ ግምት ትገብር እንተኾይንካ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣይኮንካን። ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ሓደ ጽቡቕ ሓሳብ ኪህልወካ’ዃ ከምዘይትኽእል ሕሰብ (ዮሓ 15፡5 ረኣ)።

እዙ ኵሉ እግዚኣብሔር ጸጊዉካ ዘሎ ህያብ፡ ተኣምር ምግባር ከይተረፈ፡ ብኽእለትካን ብሞያኻን ዘጥረኻዮ ዘይኮነስ፡ ብህያውነቱ ጥራሕ ከምዚረኸብካዮ ብገርህነትን ብቕንዕናን ክትእመነሉን ሞሳ ክትመልሰሉን ኢዩ ዝግብኣካ (ሉቃ 1፡49 ረአ)። ንእግዚአብሔር ገባሪ ጽቡቕካ፡ ከተፍቅሮን ሞሳ ክትመልሰሉን፡ ዝከኣለካ ግበር፥ እዙ ኵሉ ሂቡካ ዘሎ ህያብ ብጥርሑ ኢዩ። ነዙ ኵሉ ግን ከም ዘይናትካ ገይርካ ረኣዮ፥ ብምኽንያት እዙ ዝተዋህበካ ህያብ፡ ልዕሊ ካልኦት ከምዝኾንካ ኮይኑ ከይስመዓካ፡ ተጠንቐቕ። እኳ ደኣ፡ ኣነ ጽቡቕ ተግባር ዘይብለይ፡ ካልኦት ግን፡ ክንደይ ጽቡቕ ተግባር አለዎም ኢልካ ብዛዕባ ካልኦት ጽቡቕ ክትሓስብ ኢዩ ዚግብኣካ።

እግዚኣብሄር ብህያብን ብኽእለትን ሸሊሙካ ዘሎ ምኽንያት፡ ንስኻ እውን ብወንገንካ፡ ብትሕትና ተደሪኽካ፡ ንኻልኦት ንኽተገልግል ኢዩ። እዙ ኵሉ ከኣ እንታይን ኣብ ምንታይን ከምዝተጠቐምካሉ፡ እግዚኣብሔር ጸብጻብ ኪጥይቐካ ምዃኑ ሕሰብ። ነዙ ኵሉ ሠናይ ነገር ክትገብር እንተበቒዕካ፡ ሽዑ እውን ዘይትጠቅም ባርያ ምዃንካ ኣይትረስዕ (ሉቃ 17፡10 ረአ)። ከምቲ ኢየሱስ፡ ንሓደ ዓይነ-ሥዉር፡ ብርሃን ዓይኑ ኪመልሰሉ ከሎ፡ ጭቃ ዝተጠቕመ፡ ንዓኻ እውን፡ ንብዙኃት ነፍሳት ናይ እምነት ዓይኒ ብርሃን መጋበሪ ክትኮነን፡ መሣርሒኡ ኪገብረካ ይኽእል ኢዩ (ዮሓ 9፡6 ረአ)።

ብዙኅ ጽቡቕ ስራሕ እውን ሰሪሕካ ትከውን፡ እንተኾነ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዓኻ ኢሉ ዚፈሰሰ ደም ጐይታና፡ ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ ተግባርካ፡ ሞያ ከምዘይብሉ ኣስተውዕል። ሓቀኛ ቅድስና ዚርከብ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ተመሥሪትካ ደኣ እምበር፡ ብኃይሊ ገዛእ ስራህካ ከምዘይኮነ ፍለጥ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ። ንስኻ፡ ብህያውነቱ ጥራሕ ኢኻ፡ ኣብ ቅድስናኡ ክትሳተፍ እትኽእል። ንሱ ንዓኻ ብዝገበርካዮ ናይ ጽድቂ ግብሪ ዘይኮነስ፡ ብኃይሊ ምሕረቱ ጥራሕ ኢዩ ዜድኅነካ (ቲቶ 3፡5 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ናይ ሰብ ከንቱ ውዳሴ ኣይትድለ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 Jan 2021, 09:17

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

48 ናይ ሰብ ከንቱ ውዳሴ ኣይትድለ

ሰብ ብኸንቱ ውዳሴ ኪውድሰካ ከሎ፡ አይትተዓበ። እቶም ብኸንቱ ውዳሴ ዚውድሱካ ይገርፉኻ ከምዘለዉ ፍለጥ። ብኸንቱ ውዳሴ ኣይትህብትም፡ ወይ ብህሜታን ወቐሳን ኣይትደክን ኢኻ። ነቲ ብዙኅ ዚንእደካ ኣይትእመኖ፥ ካብ ኵሉ ግን፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ኮይኑ ዚንእደካ ክትኣምኖ ኣይግብኣካን። እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዚንእደካ፡ መብዛኅቲኡ ናይቲ ብድኅሬኻ ኮይኑ ዚሓሜካ ካሕሳ ኢዩ።

ነቲ ብዘይመጠን ዚንእደካን ዚውድሰካን ሰብ፡ ከም ዓርክኻ ገይርካ ኣይትቝጸሮ። ከንቱ ውዳሴ ዘይፍለጥ ምቁር መርዚ ኢዩ። ከምኡ እውን ንዕርክነት ደቂ ሰብ ክንድቲ እምነት ኣይትግበረሉ፥ ከመይሲ ሎሚ ዮሃና ኪብሉኻ ዊዒሎም፡ ጽባሕ ኪኽሕዱኻን ኣኅሊፎም ኪህቡኻን ኢዮም። ብፍቕሮምን ብኣኽብሮቶምን ኣይትጀሃር። ገሊኣቶም ኪንእዱኻ ከለዉ፡ ዝገበርካዮ ኃጢኣት ዘክር እሞ፡ እግዚኣብሔር ከኣ በደልካ ኪገድፈልካ ኢዩ። ንስኻሲ፡ ኃጢኣተኛ ክነስኻ፡ ከመይ ኢልካ ካብ ሰብ ናእዳ ትደሊ? ኢየሱስ እኳ፡ ንጹሕ ክነሱ፡ ካብ ሰብ ውዳሴን ናእዳን ዘይደለየ! ንሱስ ተናዕቐ እኳ ደኣ!።

ብዙኅ ሰብ ስለ ዚፈልጠካ ስምካ፡ ክሳብ ርሑቕ ቦታ ፍሉጥ ብምዃኑ ኣይትተሓበን። ንስኻ እውን፡ ካብቲ ንእሽቶ ዝኾነ ዓለምካ ወጻኢ ዝፈልጠካ የብልካን። ብሕይወት ከሎኻ ከምዙይ ካብ ኮንካ ምስ ሞትካ ደኣ መን ኪዝክረካ ይኸውን? ስም እቶም ምስ ሞቱ እናተዘከረ ዚነብር፡ ብሓቂ ውሑዳት ኢዮም። ንዓኻ ዜገድስ ነገር ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ጽቡቕ ምስክር ኅሊናኻን ጥራይ ኢዩ።

ንስራሕካ ትንእድ እንተኾይንካ፡ ብዕምቘት ከምዘይትሰርሕ ኢኻ ትገልጽ ዘሎኻ። ንእተጥርዮ ቅድስና ብትሕትና ዕቀቦ። ቅድስና ከም ተኽሊ ዕምባባ ኢያ፡ ንሳ ከይተቐንጠበት ኣብ ገዛእ ጉንዳ ለጊባ ክሳብ ዘላ ጽብቕቲ ኢያ፥ ካብ ጉንዳ ተቐንጢባ ኣብ ኢድካ ምስ ኣተወት ግን፡ ክትሃስስን ክትቅምረርን ትጅምር። ንስኻ፡ ንርእስኻ እንተወዲስካን እንተወዳዲስካን፡ ኪሰምዓካ ዚደሊ ሰብ ኣይክርከብን ኢዩ።

ሓድሓደ ጊዜ እቲ ሃረርታ ውዳሴ ከንቱነትካ ሚዛን ዘይብሉ ኢዩ ዚኸውን። ንኣብነት ካልኦት እንተዘይወዲሶሙኻ ባዕልኻ ክትውደስ ትደሊ። ንርእስኻ ምውዳስ ከኣ፡ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ እኳ ደኣ ተፃይ ቅድስና ኢዩ። እቲ ቅዱስ ዚበሃል ስራሕካ እውን ከንቱ ውዳሴ ኢልካ እንተደኣ ገይርካዮ፡ ንቕድስና ኣየብቅዓካን ኢዩ።

ዓቢይ ሰብ ንኽትከውን፡ ኣብ ላዕሊ ክትቅመጥ ሃረርታ እንተደኣ ኣሊዩካ ኮይኑ፡ ከምኡ እውን ጽምኢ ሥልጣንን፡ ጽምኢ ዓወትን ክብርን ዚስመዓካ እንተኾይኑ፡ ኣብኡ ኢድ ሰይጣን ከምዘሎ ኣይትረስዕ። በደልካ ንምግላጽ እንተዘይኾይኑ፡ ብዛዕባኻን፡ ብዛዕባ ስራህካን፡ ብዛዕባ ህያብካን፡ ብዛዕባ ርእስኻን ፈጺምካ ኣይትዛረብ፥ ብሓጺሩ ኾታ፡ ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ይኹን፡ ብዛዕባኻ ኣይትዛረብ። ንጽቡቕ ስራሕካ፡ ብትሕትናን ብጥንቓቔን እንተዘይ ሓሊኻዮ፡ ከተጥፍኦ ኢኻ። ዝገበርካዮ ጽቡቕ ስራሕ ምኅባእ፡ ብሓቂ ጠባይን ኣገባብራ ቅዱሳንን ኢዩ (ማቴ 6፡3 ረአ)። ብዝከኣለካ መጠን ካብ መዓርግን ካብ ክብርን እዙ ዓለምዙይ ክትርሕቕ ጽዓር።

እግዚኣብሄር እቲ ዚግብኣካ ውዳሴን ክብርን ኣብ ሰማይ ኪህበካ ኢዩ። ንስኻ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ፡ ብፍቶትካ፡ እንተደኣ ተረሲዕካ ተሪፍካ፡ ኣብ ሰማይ፡ እቲ ዝለዓለን ዝኸበረን ፍጡር ክትከውን ኢኻ። ከምቲ ዓለም ክብሪ ንኺረኽብ ብዙኅ ዚጽዕር፡ ንስኻ ከኣ ካብ ክብሪ እዙ ዓለምዙይ ክትርሕቕ፡ ዚከኣለካ ጻዕሪ ግበር። ብሓቂ ትሑት ሰብ፡ ብዛዕባ ርእሱ ትሑት ግምት ኢዩ ዘለዎ፥ ሰብ ይፍለጦ ኣይፍለጦ፡ ክንድዚ ግዲ የብሉን፥ ካብ ሰብ ክብሪ ኣይጽበን ኢዩ፥ ብሓቂ ከኣ፡ ንሱ ኢዩ እቲ ናይ መንፈስ ሰላም ዘስተማቕሮ።

ንስኻ፡ ንናእዳ ይኹን ንወቐሳ፡ ግዲ ኣይትሙተሉ፥ እንተነኣዱኻ፡ እቲ ክትኮኖ ዚግብኣካ ኢዮም ዚነግሩኻ ዘለዉ፥ እንተወቐሱኻ ከኣ፡ እቲ ሓቀኛ ኵነታትካ ኢዮም ዚገልጹልካ ዘለዉ። እቶም፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዘለዓለማዊ ሽልማት ኣምላኽ ዚቕበሉ፡ ግዜያዊ ሽልማት ሰብ ዚቕበሉ፡ ክንደይከ ይዕሽዉ ኢዮም! (ማቴ 6፡16 ረአ)። ክብሪ ወዲ ሰብ ፡ ከም ንፋስ ቀልጢፉ ዝኃልፍ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንኵሉ ካባኻ ከምዚሓይሽ ገይርካ ሕሰብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 16 Feb 2021, 08:42

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

49 - ንኵሉ ካባኻ ከምዚሓይሽ ገይርካ ሕሰብ

ንርእስኻ፡ ትሕቲ ኵሎም ገይርካ እንተዘይገሚትካ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ፡ ብቕድስና፡ ዚረብሕ ስጕምቲ ዝገበርካ ኣይምሰልካ። እቲ እግዚኣብሔር ዚሃበካ ጸጋታት፡ ንኻልኦት ሂብዎም እንተዝኾውን፡ ካባኻ ንላዕሊ ተቐዲሶሙሉ ምሃለዉ፥ ከምኡ እውን፡ ጸጋኡ እንተዘይዕድለካ ነይሩ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኃጢኣት ምገበርካ ነይርካ። ንመንፈሳውነትካ ጽኑዕ መሠረት ምእንቲ ክተንብረሉ፡ ትሕቲ ኵሎም ምዃን ፍቶ። ብዝከኣለካ መጠን፡ ኣብ መወዳእታ ስፍራ ከምትቕመጥ ግበር። ከመይ “እቲ ርእሱ ዜልዕሊ ኵሉ፡ ኪዋረድ ኢዩ፥ እቲ ርእሱ ዜትሕት ግና፡ ኪኸብር ኢዩ” (ሉቃ 14፡11)። ቀዳማይ ቦታ ክትኅዝ እንተደሊኻ፡ ኣገልጋሊ ኵሉ ኹን (ማቴ 20፡27 ረአ)።

ኣብቱ ፍጻሜ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣብ መወዳእታ ስፍራ ከይትቕመጥ፡ ኣብዙ ሓጺር ዝኾነ ሕይወትዙይ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ክትቅመጥ ሃረር ኣይትበል። እቲ ዝዓበየ ክብርኻ፡ ካብ ኵሉ ዝተሓትካ ምዃን ይኹን። ንርእስኻ ካብዙ ዓለምዙይ ከዊልካ ምንባርን፡ ካልኦት ኪንዕቑኻ ከለዉ ከኣ፡ ደስ ከምዚብለካ ምግባርን፡ በዙ ቅዱስ ስሚዒትዙይ ልዕሊ ኵሎም ንኽትከውን ጽዓር።

ከምቲ ምስ ኣሕሉቕካ ትሕትና እተዘውትር፡ ምስቶም ኣብ ትሕተኻ ዘለዉ ሰባት ከኣ፡ ትሕትና ኣዘውትር። ኣገባብራኻ ካብቲ ናይ ካልኦት ኣገባብራ ዚሓሸ ኮይኑ ኣይረኣየካ። ፈታው ርእስኻ ብዝኾንካሉ መጠን፡ ብመጠኑ ከኣ ንኻልኦት ክትንዕቕ ኢኻ፥ ንተግባር ካልኦት ብዝወቐስካዮ መጠን፡ ተግባርካ እቲ ዚሓሸን ኣብነታዊ ኵሉን፡ ኮይኑ ኪረኣየካ ኢዩ።

ምስቶም ክእለት ዚጐድሎምን ዕሽው ዚበሉን ሰባት ጸወታ እተብዝኅ፡ ምናልባት ብምኽንያት እቲ ኣብ ተፈጥሮኻ ዘሎ ናይ ልዕልና ስምዒት፡ ምስቶም ክኢላታትን ለባማትን ሰብ ናይ ምክእኣልን ምጽውዋርን መንፈስ ስለ ዘይብልካ ኪኸውን ይከኣል። ብእግዚኣብሔር ምእንቲ ከይትፍረድ፡ ንርእስኻ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣንቢርካ፡ ንርእስኻ ኣይትመጻደቕ (ሉቃ 18፡14 ረአ)።

ካብ ካልኦት ትበልጽ ኣይምሰልካ፥ ስለምንታይ ንሕጂ ደኣልካ ካብኣቶም ትሓይሽ ትመስል ዘሎኻ እምበር፡ ንሳቶም እውን ጊዜኦም ምስ ኣኸለ ኪመሓይሹ ስለ ዝኾኑ፡ ሽዑ ንዓኻ ብኽንደይ ከምዚበልጹኻ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ንፍርዲ ኣምላኽ ዚፈልጥ የልቦን። ሽሕኳ ከም ክርስቲያን መጠን፡ ዝሓሸ ናብራ ቅድስና እኳ ተካይድ እንተኾንካ፡ እቲ ትገብሮ ዘሎኻ ተግባር ቅድስና፡ ሳላ ትሩፋት ካልኦት ኪኸውን ከምዚኽእል ክትኣምነሉ ይግባእ። ብስራሕካ ኣይትጀሃር፥ ንስራሕ ካልእ ከኣ፡ አድንቆ። ካልኦት ንኺእርሙኻ ከይተጸበኻ፡ ጌጋኻ ኣለሊኻን ኣሚንካን ባዕልኻ ተኣረም። ሓቀኛ ትሕትና እንተሊዩካ፡ ካብ ንዓኻ ኪንእዱ ንካልኦት ኪንእዱ ብምስማዕ ዚያዳ ደስታ ኪስመዓካ ኢዩ ዚግባእ።

ክፉእ ኣመል ንዘለዎ ሰብ ኣይትንዓቕ፥ ርእስኻ ካብኡ ከምዘይትሓይሽ ኣይትዘንግዕ። ኣብ ርእስኻ ገለ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኃይሊ እንተቘጸርካ፡ ንሳቶም እውን ዚበልጹን ዚሓሹን መንፈሳውያን ኃይላት ኪህልውዎም ከምዚኽእል ሕሰብ። ንኣመላቶም ኵሉ ሰብ ዚፈልጦ ኪኸውን ከሎ፡ ኣመልካ ግን ኣብ ግዳም ዘይወጸ ብምሥጢር ዝተታኃዘ ክንዲ ዝኾነ ዚፈልጦ የብሉን። ከምኡ እውን፡ ናቶም መንፈሳዊ ኃይሊ ኅቡእ ኪኸውን ከሎ፡ ናትካ መንፈሳዊ ኃይሊ ግን፡ ፍሉጥ ከምዝኾነ ገይርካ ርኣዮ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ካብ ሰብን ካብ እግዚኣብሔርን ዚርከብ ኣኽብሮት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 27 Feb 2021, 04:16

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

50 - ካብ ሰብን ካብ እግዚኣብሔርን ዚርከብ ኣኽብሮት

ሰብ፡ ብዙኅ እንተነኣደካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ግን፡ ኵሉ ጊዜ እትነኣድ ኣይምሰልካ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቡር እንተተበሃልካ ጥራሕ ኢዩ ኣገዳሲ ነገር። እግዚኣብሔር ንዓኻ ዚፈልጠካ ከምታ ዘሎኻያ ኢዩ። ንስኻ እውን ከምቶም ብውሽጦም ከይጸደቑ፡ ብወጻኢኦም ግን ኣብ ቅድሚ ሰብ ጻድቃን ኮይኖም ኪረኣዩ ዚደልዩ ኣይትኹን። እግዚኣብሔር ንልብኻ ኣጸቢቑ ኢዩ ዚፈልጦ፥ ብዙኅ ጊዜ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር ዝኾነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንዑቕ ኢዩ (ሉቃ 16፡15 ረአ)።

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጽቡቕ ግምት ዘይብልካ እንተኾይንካ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጽቡቕ ግምት እንተሃለወካ እውን እንታይዶ ኪዓብሰካ ኢዩ? ሓንትስ እግዚኣብሔር ይፍተውካ እምበር፡ ሰብ ኒዒቑካን ጸሊኡካን ዚኒክየልካ የብሉን።

እምነትካ፡ ኣብ ኣኽብሮት ሰብ ብዘንበርካዮ መጠን፡ ብመጠኑ ኣኽብሮት እግዚኣብሔር ኢዩ ዚንክየልካ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ሰብ ብዝሓሰርካዩ መጠን፡ ብእግዚኣብሔር ትኸብር ኢኻ። ንኽብሪ እዙ ዓለምዙይ ሃረር ትብሎ እንተኾይንካ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ኮይኑ፡ ዚጽበየካ ዘሎ ኣምላኽካ፡ ከተሕጕሶ ኣይትጽዕርን ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ሰብ ነቲ እግዚኣብሔር ዚለገሰልካ ህያብ ርእዩ እንተኽበረካ ንስኻ በዙይ ክትሕጐስ የብልካን።

ከምቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከቢርካዮ ዘሎኻ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ግን፡ ሓሲርካ ከይትህሉ ጻማኻ ከኣ ናብ ክብሪ እዙ ዓለምዙይ ተቐዪሩ ከይኸውንን ደኣ ፍራሕ። ሰባት ንስራሕካ ርእዮም ዚግብኣካ ናእዳ ድሮ ኣሰሚዖሙኻ እንተኾይኖም፡ ደስ ኣቢሉካ እውን እንተኾይኑ፡ ዓስብኻ ድሮ ስለ ዝተቐበልካ፡ ካብ እግዚኣብሔር እትቕበሎ ጻማ የብልካን።

ልዑል ውዳሴ ዚግብኦ፡ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ (ዘዳ 45፡3 ረአ)። ንሱ፡ ብዛዕባ ንዓኡ ዚግባእ ኣኽብሮት ቀናእ ኢዩ፥ እቲ ንዕኡ ዚግባእ ክብሪ፡ ንኻልኦት ኪከፋፈል ኣይደልን ኢዩ (ኢሳ 42፡8 ረአ)። ንስኻ፡ ካብዙ ዓለምዙይ ከምትኽወል ግበር፥ እግዚአብሔር ጥራሕ ንኽንእደካን ንኽውድሰካን ኢልካ ሃረር በል።

ክትሕበን እንተደሊኻ ብእግዚኣብሔር ጥራሕ ተሓበን (1ቆሮ 1፡31 ረአ)፥ ንሱ እዩ እቲ ኣብ ውሽጥኻ ኮይኑ፡ ንስኻ ከምትደልን ከምትገብርን ዚገብረካ (ፊሊፕ 2፡13 ረአ)። በቲ ካልእ ወገን ግን፡ ንስኻ ብናእዳ ሰብ ኣይትዳህልል፥ ብነቐፋ ሰብ እውን ኣይትደሃል። ኣብታ መላእኽቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚርከቡላ ክብሪ መንግሥቲ ኣምላኽ ክትበጽሕ ኢልካ ብርቱዕ ጻዕሪ ግበር (ማቴ 6፡1-5 ረአ)። ናእዳን ውዳሴን እዙ ዓለምዙይ ምቕባል፡ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎካ ውሽጣዊ ኅብረት መንፈሳውነት፡ የላህልሖ ኢዩ።


ሰብ እዙ ዓለምዙይ ዘይፈልጡካ እንተኾይኖም ብዙኅ ግዲ ኣይትሙተሉ። እቲ ዚፈርደካ እግዚኣብሔር ጥራይ እንተፈሊጡካ ይኣኽለካ ኢዩ። ብሓቂ ዓቢይን ዘይመውትን ከኣ፡ እዚ እግዚኣብሔር ዜኽብሮ ሰብ ኢዩ። ነዙ ከምዙይ ዝመሰለ ሰብ ከኣ፡ ኵሎም ምድራውያንን ሰማያውያንን ወሎዶ፡ ዕዉትን ብፁዑን ኪብልዎ ኢዮም (ሉቃ 1፡48 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “እግዚኣብሔር ምሉእ፥ ሰብ ጐደሎ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 15 Mar 2021, 04:21

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

51 - እግዚኣብሔር ምሉእ፥ ሰብ ጐደሎ

ኣብ ውሽጢ ባህሪ እምላኽ እናኣቶኻ ብዝኸድካዮ መጠን፡ ንስኻ ከምዘይትበቅዕ እናተረድኣካ ኪኸይድ ኢዩ። ከመይሲ ንስኻ ናብ ብርሃን እናቐረብካ ብዝኸድካዮ መጠን ኣብ ውሽጥኻ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ኃጢኣት ስለ ዚግለጸካ ኢዩ። ንባህሪ ኣምላኽን ንመንነቱን ክትሓስብ ከሎኻ፡ ንስኻ ሐመድን ሓሙዅሽትን ምዃንካ ኪርድኣካ ኢዩ። ንእግዚኣብሔር እናፈለጥካዮን እናፍቀርካዮን ብዝኸድካዮ መጠን፡ ንርእስኻ ክትንዕቕ ኢኻ። እቶም ዓበይቲ ቅዱሳን እውን፡ ንቕድስና ኣምላኽ እናስተንተኑ ኢዮም፡ ትሑታት ኪኾኑ ዝኸኣሉ። ንገዛእ ርእስኻ ክትፈልጥ እንተደሊኻ፡ ንመንነት ኣምላኽ ዘይኮነስ፡ ንመንነት ገዛእ ርእስኻ ፍለጥ “ንስኻ ዘይተቐበልካዮ እንታይ ኣሎኻ?” (1 ቆሮ 4፡7)።

እግዚኣብሔር በቲ ኵሉ ዚኽእል ኃይሉ፡ ካብ ኢምንት ኢዩ ፈጢሩካ፥ ንሓንቲ ካልኣይቲ ደቒቕ ብኢዱ እንተዘይኅዘካ ከኣ፡ ከም ቀደምካ፡ ናብ ኢምንት ወይ ናብ ዘይምህላው ምተመለስካ ነይርካ። ንኵሉ ነገር ዚገብር እግዚኣብሔር ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ኃይልኻ ኣይትተኣማመን። ከመይሲ እግዚኣብሔር ምሉእ ኢዩ፥ ንስኻ ግን፡ ጐድሎ ኢኻ። ንርእስኻ ፈሊጥካ፡ ብሓቂ፡ ንእግዚኣብሔር እውን እንተትፈልጥ ነይርካ፡ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ! ኵሉ ክእለትካን ሞያኻን እግዚኣብሔር ዚገበረልካ ህያብ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ሃብትኻ ኃጢኣት ኪኸውን ከሎ፡ ዓቅምኻ ከኣ ክፉእ ምግባር ኢዩ። እቲ ካልእ ነገር ኵሉ እግዚኣብሔር ዚሃበካ ኢዩ (ዮሓ 15፡5 ረኣ)።

ሠናይ ነገር ክትሰርሕ እንተኺኢልካ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ ተረዲእካ፡ እዙ ኵሉ ከኣ፡ ምእንቲ ክብሩ ኪሥራዕ ከምዘለዎ ተረዲእካ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ክትዕቆብ ኢልካ ሃረር ክትብል ኣሎካ። ነኅዋትካ ብኅቡእ እናገልገልካ፡ እተካይዶ ሕይወት ኣብ ድኽነት ዝተመሥረተን ኣብ ኣምላኽ ዝተዓቝበን ይኹን። ንስኻ እውን ከም ኢዮብ፡ ብኵሉ ተረሲዕካን ተናዒቕካን፡ ኣብ ጐዱፍ ጥራሕካ ተደርቢኻ ምህላውካ ምስ ተረድኣካ፡ ሽዑ እቲ ንድኻ ካብ ጭቃ ዜልዕል ኣምላኽ፡ (ሉቃ 1፡48 ፥ 1 ሳሙ 2፡8 ረአ) ናባኻ እውን ቀሪቡ፡ ካብ ጭቃ ኣልዒሉ፡ ናይ ሃብቱ ተኻፋልን ወራስን ኪገብረካ ኢዩ።

ድኻን፡ ድኹምን፡ ዕዉርን፡ ሓንካስን እንተኾይንካ፡ ናብ ቤተ እግዚኣብሔር፡ ምእታው ኣይሽግረካን ኢዩ (ሉቃ 14፡21 ረአ)። እንተኾነ ግን፡ ልብኻ ድሮ ትዕቢት መሊኢዎ እንተኾይኑ፡ ጸጋ ኣምላኻ ኪመልእ ኣይኽእልን ኢዩ። እግዚኣብሔር ብኣኻ ገይሩ ዓቢይ ነገር ኪሰርሕ ኣይኽእልን ኢዩ። እግዚኣብሔር ብኣኻ ገይሩ ዓቢይ ነገር ኪሰርሕ ሰማያዊ ነገር እውን ኪገልጸልካ እንተደሊኻ፡ ከም ሕፃን ክትንእስ ኣሎካ (ማቴ 11፡25 ረአ)። እግዚአብሔር ብዘይረኤን ብሕሹኽታን ኪምህረካ እንተደሊኻ፡ ደንቆሮ ምዃንካ ብትሕትና ተኣመን። ክሳብ ዕለተ ሞትካ፡ ንእግዚኣብሔር ብትሕትና እንድኅሪ ኣገልጊልካ ፍቓዱ ክትፍጽም ኢኻ፥ ንሱ ከኣ፡ መዋዕል ሕይወትካ ምስ ኣኸለ፡ ከምቲ ንኢየሱስ ዘኽበሮ፡ ንዓኻ እውን ከኽብረካ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ግቡእ ኣኽብሮት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 24 Mar 2021, 04:42

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

52- ግቡእ ኣኽብሮት

ኣብ ቅድስና ክትስጕም እንተደሊኻ፡ ንገለገለ ክብርኻ ዚትንክፍ ነገር፡ ግዲ ክትሞተሉ ኣይግባእን። ክብሪ ምድራዊ ሕይወትካን መንፈሳዊ ጥቕምኻን፡ ተሳኒዩን ኃቢሩን ኪኸይድ ኣይኽእልን ኢዩ። ብመንፈሳዊ ኃይሊ ክትምዕብል እንተደሊኻ ንምድራዊ ክብርኻ ክትምንን ናይ ግድን ኢዩ። ምእንቲ ምድራዊ ክብርኻ ኢልካ ክትዋጋእ ግድነት ኣይሰምዓካ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ክትከብር እንተደሊኻ፡ ንሓሳረ መከራ እዙ ዓለምዙይ ክትጻወሮ ትዕግሥቲ ኣይኽትረክብን ኢኻ። ቅድስቲ ተረዛ “ንኽትከብር ኢልካ እቲ ዓሠርተ ዓመት ዝደኸምካሉ ጊዜ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ግን፡ ንኽብሪ እንተመኒንካያ፡ ዋጋ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ኢዩ” ትብል ነበረት። ፍቕሪ ገዛእ ክብርኻ ረጕድ ሰንሰለት ስለዝኾነ፡ ንዕኡ ኪብጥስ ዚኽእል ኃይሊ የልቦን። ነዙ ሰንሰለት ክብርኻ ኪብጥስ ዚኽእል እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ፥ እንተኾነ ንሱ እውን ኪብጥሶ ዚኽእል፡ ንስኻ ብጸሎትን ብጻዕርን እንተ ሓጊዝካዮ ኢዩ።

ንድምራዊ ክብርኻ ረጋጊጽካ ኢዩ ንእግዚኣብሔር ኣዚዩ ኽቡር ዝኾነ መሥዋዕቲ ከተቕርበሉ እትኽእል። ክብርኻ ኪምንዘዔካ ንዚደሊ፥ ኣይትቃዎሞ። መሠረት ኣኽብሮት ዚርከብ ኣብ እተካይዶ ሕይወት ኢዩ። እዙ ሕያውነትዙይ ምሳኻ ክሳብ ዘሎ፡ እዚ ዚግብኣካ ኣኽብሮት ከምብሓዲሽ ኪወሃበካ ኢዩ። ንኣኽብሮትካ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣንብሮ፥ ካብ ኢድ ኣምላኽ ንላዕሊ፡ ዚእመን የልቦን። እቶም ብመንፈስ ኣብ ክብ ዝበለ ቦታ ዚቕመጡን ናብ ቅድስና ዚመጣጠሩን ኵሎም፡ ብዛዕባ ኣኽብሮት ክንድቲ ግዲ ኣይገብሩን ኢዮም። ካብ ክንዲ ጎቦ ዚኸውን ክብሪ እዙ ዓለምዙይ፡ ሓንቲ ናይ ትሕትና ፍረ፡ ትበልጽ ኢያ።

ክብሪ ዜምዕረልካ፡ ካልኦት ከም ኣኽብሮት ገይሮም ኪምጡዉልኻ ከለዉ ኢዩ። ንኽብሪ ከም መሰልካ ገይርካ እንተሓሲብካዮ ወይ እንተደሊኻዮ፡ ወይ እውን እንተለሚንካዮ፡ ዋጋ ዘይብሉ ኢዩ ዚኸውን። ሓቀኛ ትሕትና እንተሊዩካ፡ እቲ ካልኦት ብዛዕባኻ ዚህብዎ ፍርዲ ከሰክፈካ ኣይግባእን ኢዩ። ሽሕ እኳ ሕማቕ እንተተዛረቡልካ፡ ሓቆም ኢዮም ኢልካ ብምሕሳብ ኣይትቕየመሎምን ኢኻ፥ ተመኽንየሎም እኳ ደኣ። እቲ ነገር ከኣ ካብ ሕሰሞም ዚመጸ ክነሱ፡ ብምኽንያት ዘይምኽኣልካ ከምዚመጸ ገይርካ ኢኻ ተቕርቦ።

እግዚኣብሔር ብዓቢይኡ ብሰብ ተናዒቑን ተዀኒኑን ኢዩ’ሞ፡ ንስኻ ግን ብዛዕባ ክብርኻ ብዙኅ ኢኻ ትግደስን፡ ትሓምምን። እንተኾነ ከምዙይ ብምግባርካ ክትሓፍር ኢዩ ዚግባእ። ምእንቲ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኢልካ፡ ነቲ ነዓኻ ኢሉ ብዙኅ ዝተሳቐየ ኢየሱስ፡ ሓደ ንዕቐት’ኳ ተሳቒኻ እንተዘይኺኢልካ፡ ከመይ ገይርካ ደኣ ንኢየሱስ ከተፍቅሮ ትኽእል? ከጋፍዑኻ ከለዉ፡ ምኽንያት እቲ መግፋዕትኻ፡ ኣይትጠይቕ። ንኢየሱስ ኣብ መስቀል ሰቒሎም ዝቐተልዎስ፡ ምኽንያትዶ ነይሩዎ ኢዩ?

ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ እንተተናዒቕካ፡ ሓቀኛ ወዲ መዝሙሩ ስለ ትኸውንን፡ ውርደትካ ከኣ ናብ ክብሪ ስለዚቕየርን ደስ ይበልካ (ማቴ 5፡11 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ልብኻ ትሑት ይኹን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 30 Mar 2021, 04:27

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

53 - ልብኻ ትሑት ይኹን

ብነቶም ናእሽቱ ኃጢኣትካ ከተጥፍእ ኢልካ እንተተቃሊስካ ድኅሪዙይ ድኹም ምዃንካ ኪርድኣካ ኢዩ እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ዘሎካ መንፈሳዊ ኃይሊ ከኣ ኣይኽትሕበንን ኢኻ። ብድኻምነትካ ትፈርሕ እንተኾይንካ ግን፡ ነቲ ኵሉ ትገብሮ ዘሎኻ ጽቡቕ ነገር፡ ብትሕትና ክትዕቅቦ ኢኻ። ብሓደ ወገን፡ እቲ ድሮ ዓቝርካዮ ዘሎኻ መንፈሳዊ ኃይሊ ነቲ ገና ዘይዓቘርካዮ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ከመይ ገይርካ ከምተጥርዮ ኪሕግዘካ ከሎ፥ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ እቲ ገና ዘየጥረኻዮ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ነቲ ድሮ ዓቝርካዮ ዘሎኻ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ከመይ ገይርካ ብትሕትና ክትዕቅቦ ከምዚግብኣካ ኪሕግዘካ ኢዩ።

ብሓደ ወገን ናይ ዓወትካ ጣቕዒት ምስ ትሰምዕ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣእዛንካ እቲ ዝተሠዓርካሉ ጊዜ ኣብ ርእስኻ ዝወረደ ሰሓቕን፡ ላግጽን፡ እውን ከምዚሰምዓ ግበረን ኢኻ። በቲ ዘሎኻ ህያብ፡ ምእንቲ ከይትዕበ፡ በቲ ዘይተዋህበካ ህያብ ትሕትና ምዝውታር ተላመድ። መኣስ ይመስለካ እትበኪ? ብውሽጥኻ ከምቲ ንርእስኻ “ኣነስ ከምዚ ኢየ” ኢልካ እትሓስቦ ዝነበርካ ከምዘይኮንካ ምስ ፈለጥካ፡ ናትካ ሓቀኛ ኵነት ምስ ፈለጥካ፡ ሽዑ ኢኻ ትበኪ።

ንስኻ ዋላኳ ብሓደ ወገን ጽቡቕ መንፈሳዊ ኃይሊ እትውንን እንተኾንካ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ እግዚኣብሔር ብናእሽቱ ኃጢኣት ክትጋገ ከሎኻ ክንድዙይ ዚኣኻል ኣይተቋጻጸረካን ኢዩ። ከመይ ዋላኳ ደላዪ ሠናይ እንተዀንካ፡ ነቲ እትደልዮ ሠናይ ክትጭብጦ ብዘይምኽኣልካ፡ ነቲ ኂዝካዮ ዘሎኻ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኃይሊ ብትሕትና ክትዕቅቦ ክትክእል ኢሉ ኢዩ።

ብድኻምነትካ ተስፋ ዘይትቘርጽ እንተዘይኮይንካ፡ ብሓቂ፡ ኣብ ጐደና ትሕትና ኢኻ ትርከብ ዘሎኻ። ትሑት ኮይንካ እትረኣየሉ፡ ብምኽንያ’ቲ ጽቡቕ ነገር እትፍጽሞ እንተኾይኑን፡ ኃጢኣተኛ ኢየ ኢልካ ስለ እትናዘዝ እንተኾይንካን፡ ብጌጋኻ ኪእርሙኻ ከለዉ ርእሰ ምክልኻል ትገብር እንተኾይንካን፡ እዙ እተርእዮ ዘሎኻ ትእትናዙይ፡ ኣኽብሮት ንኽትቅበል እትገብሮ ትሕትና ደእ እምበር፡ ሓቀኛ ትሕትና ስለ ዘሎካ ኣይኮነን።

ዓቢይ ፍጻሜ እንተገበርካ ቅዱስ ኮይንካ ከይስመዓካ ተጠንቐቕ፡ ከመይሲ እግዚኣብሔር ካብቲ ዑቕባኡ እንተዘውጽኣካ ነይሩ፡ ብዘይ ሓደ ጥርጥር፡ ኣብቲ ትምኽሓሉ ዝነበርካ ኃጢኣት፡ ምወደቕካ ነይርካ። ነቲ ከም ዓቢይ ነገር ገይርካ እትርእዮ ስራሕካ፡ ምስቲ ስራሕ ቅዱሳን እንተተነጻጽሮ፡ ንእሽቶ ነገር ኮይኑ ምተረኣየካ ነይሩ። ንስኻ ንትሕትና ልብኻ እንተዘይዓቂብካ፡ ኣኽብሮት ሰብነትካ ከተጥፍእ ኢኻ። ትዕቢት፡ ሡር ፍትወት ሥጋ ኪኸውን ከሎ፡ ትሕትና ኣእምሮ ከኣ፡ እቲ ንመንፈሳዊ ንጽሕና ሰብነትካ፡ ዚዕቅብ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ ኢዩ።

ብፍልጠትኻ ኣይትዅራዕ፡ ኅልፊ ካልኦት ስለ ዝተመሃርካን፡ ድግሪ ስለ ዝሰቐልካን፡ ብዘይረብሕ ናይ ትዕቢት ዘረባ ንሰብ ኣይተሕዝን፡ እንታይድኣስ ንኵሉ ሰብ፡ ግቡእ ዝኾነ ክብሪ ሃብ። ትሑት እንተዘይኮይንካ ግን፡ እቲ ዝቐሰምካዮ ልዑል ትምህርቲ፡ ንዓይኒ እምነትካ ከዕውሮ ኢዩ። እግዚኣብሔር፡ ብትዕቢት ምኽንያት ንቅዱሳት ነገራት ምቕባል ካብ ዘይደሊ ሰብ፡ ነቲ ብምኽንያት ድኻምነቱ ኃጢኣት ዚገብር ሰብ ኢዩ ብዚያዳ፡ ዚዕገስን ዜፍቅርን።

ብልብኻ ገርሀኛ፡ ብመንፈስካ ግን ሃብታም ክትከውን ጽዓር።
ካብ ዓለማውን ረቂቕን ጃህራ ዚመላኦን ዘረባ፡ ካብ ልቢ ዚወጽእ፡ ገርሂ ዝኾነ ፍቕሪ፡ ከተርኢ ጽዓር። እቲ ብቕንዕና ክትገልጾ ደሊኻ ዘሎኻ ዘረባ ምእንቲ ከይበላሸወካ፡ ብዓቢይ ኣኽብሮትን ሥነሥርዓትን፡ ብምሉእ ናጽነትን ሓሳብካ ግለጽ። እቲ መንፈሳዊ ቅንኣትካ ትዕቢት ከይኸውን፡ እቲ ትሕትናኻ ከኣ፡ ፍርሒ ከይኸውን ተጠንቐቕ። ደው ኢልካ እንተሊኻ ከይትወድእ ተጠንቐቕ፥ እዙ ናይ ሕጂ ኣወዳድቓኻ ካብቲ ናይ ቅድም ቅዱስ ከሎኻ ዘጋጠመ ኣወዳድቓ ካብኡ ዝገደደ ኪኸውን ኢዩ (1 ቆሮ 10፡12 ረአ)።

“እግዚኣብሔር ጸጋኡ ምእንቲ ኪህበካ፡ ብዝዓበኻዮ መጠን፡ ትሑት ኩን” (ሲራ 3፡18 ረአ)፡ ከምቲ ማያት ናብ ሕሉምን ስንጭሮን ዚእከቡ፡ ከምኡ ከኣ፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ናብ ትሑት ኢዩ ዚወርድ። ከምቲ ትዕቢት መሠረት ኵሉ ኃጢኣት ዝኾነ፡ ከምኡ ከኣ፡ ትሕትና መሠረት ኵሉ መንፈሳዊ ኃይሊ ኢዩ። ትዕቢት ጓንጓ ኪኸውን ከሎ፡ ትሕትና ግን፡ ፍረ ዚመልኣ ኢያ። ትዕቢት ናብ ጥፍኣት ዚመርሕ ክፉእ ጠባይ ኪኸውን ከሎ፡ ትሕትና ግን፡ ናይ እቶም ንመንግሥተ ሰማይ ኪኣትዉ ኣቐዲሞም ዝተመርጹን ዝተመደቡን ምልክት ጻድቃን ኢያ (ማቴ 19፡14 ረአ)፥ ትዕቢተኛ ምዃን ዕሽነት ኪኸውን ከሎ፡ ትሑት ምዃን ግን፡ ዓቢይ ጥበብ ኢዩ።


ትሑት እንተዀይንካ ንናይዙ ዓለምዙይ መስፍን ዝኾነ ሰይጣን ሥዒርካ ብትንትን ከተብሎ ኢኻ። ናይ ትሕትና ስራሕ ክትገብር ከሎኻ፡ ንሸይጣን፡ ከም ንወዮ ኪጥህረካ ኢሉ ዚሕንሕነልካ ከልቢ፡ ክትሃርሞ ኢልካ እምኒ ካብ መሬት ኣልዕል ኣቢልካ ወስ ክትብል ከሎኻ ልቡ ምልሕ እትብል ኢዩ። ብርግጽ ትሕትና ዓቃቢት ቅድስና ኢያ፥ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ፡ ነቲ ብትሕትና ዝኣከበቶ ጽቡቕ ነገር፡ ንፋስ ትዕቢት መጺኡ ይበታትኖ። እቲ ትሕትና ከይለበሰ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ ዚእክብ፡ ነቲ ኣብ ንፋስ ዚመልኦ ስፍራ ደሮና ዚዞርው ሰብ ኢዩ ዚመስል።

ትሕትና ከም መንፈሳዊ መሠረት ሕይወትካ ገይርካ ተዘውትሮ እንተ ኮይንካ፡ ሰይጣን እውን፡ ብኣካል እንተመጸካ እትኾኖ ነገር የብልካን። ከምኡ እውን ብኣንጻሩ፡ ትሕትና ዘይብልካ እንተኾይንካ፡ ዋላ እውን እግዚኣብሔር ይረኣየካ፡ እተፍሪዮ ነገር የብልካን። እምነት ንኽተጥሪ ነቲ ዚወሃበካ ብርሃን ብትሕትና ክትቅበሎ ናይ ግድን ኢዩ። እወ፡ ትሕትና ናይ እምነት ድኅነት ክትከውን ከላ፥ ትዕቢት ከኣ፡ ዚባላዕ ቝንቑን ሓሰኻ ኢዩ።

እወ፡ ትሕትና መምህርን ኣደ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይልን ኢያ። ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዚርከብ ኣብ ትሕትና ኢዩ። ትሕትና ኣብ ዘሎዎ፡ ኣብኡ ፍቕሪ እውን ኣሎ። እቲ ዝነኣሰ ተግባር ትሕትና፡ ካብ ራእይን ካብ ክሥተት ኣምላኽን ዝበለጸ ኢዩ። ብስራሕካ ዓቢይ ሰብ እንተተበሃልካ፡ ካብ ልብኻ ዚወጽእ ኣብ ውሽጢ ነፍስኻ እውን ዚቕመጥ፡ ትሕትና ከምዚህልወካ ግበር። ኣብ ሕይወትካ፡ ንድኅሪት ግልጽ ከይበልካ፡ ሱቕ ኢልካ ጽቡቕ ዘርኢ ቅድስና፡ ከምትዘርእ ግበር። እቲ ኵሉ ዚከኣለካ ጽቡቕ ነገር ምስ ገብርካ፡ “ኣነ ዘይጠቅም ባርያ ኢየ፥ እቲ ክገብሮ ዝግብኣኒ ኢየ ዝገበርኩ” (ሉቃ 17፡10) ኢልካ ንርእስኻ መዓድ።

ኣብ ውሽጢ ልብኻ ትሕትና ዘይብልካ እንተዀይንካ ግን፡ ንቅድስናኻ ዝኾነ ይኹን ቦታ ሓንቲ ኣይዓብሰካን ኢዩ። ነቶም ብትዕቢት ዝተዀነኑ መላእኽቲ እውን፡ ኣብ ሰማይ ምንባር ኣይጠቐሞምን። ንስኻ ትሑት ምዃን ካብ ኢየሱስ ተመሃር፡ “ንሱ ብባህሪዩ እግዚኣብሔር እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዝነበሮ ማዕርነት፡ ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን” (ፊሊጵ 2፡6)።

እትገብሮ ኵሉ ጽቡቕ፡ ካብ ዓይኒ ሰብ ተኸዊልካ ግበሮ፡ “እቲ ብሥውር ዚርኢ ኣቦኻ፡ ከኣ፡ ብግልጺ ኪፈድየካ ኢዩ” (ማቴ 6፡4)። ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ናዝሬት ኪነብር ከሎ፡ ንመለኮቱ ኃቢኡ ኢዩ ዝነብር ዝነበረ፥ ንስኻኸ ኣየናይ ዚኅባእ መንፈሳዊ ኃይሊ ኣሎካ? እቲ ዘይብልካ ነገር፡ ከምዘሎካ ኣምሲልካ፡ ንዓይኒ ሰብ ምቕራብ ጥራይ ምድላይ፥ ፈሪሳውነት ስለ ዝኾነ፡ በዚ ምኽንያት ኢየሱስ ካባኻ ኪርሕቕ ይኽእል ኢዩ።

ሓቀኛ ትሕትና፡ ህያብ ኣምላኽ እምበር፡ ውጽኢት ናይ እትገብሮ መጽናዕቲ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ነዙ ህያብ ትሕትና ምእንቲ ኪህበካ፡ ከይደኸምካ ለምኖ። ኦ ኢየሱስ ጐይታይ፡ ምስቶም ምስ ኣቦኻ ንኽተፋልጦም ቃል ዝኣቶኻሎም ደቂ ማኅበርካ፡ ኣነ እውን ብቑዕ ኣባል ምእንቲ ኪኸውን፡ ነቲ ናይ ሕጻናት ዚመስል ህያብ ትሕትና፡ ክትህበኒ እልምነካ ኣሎኹ (ማቴ 11፡25-27 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ትሑት፡ ኣረኣእያ ርእስኻ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 10 Apr 2021, 03:55

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

54- ትሑት፡ ኣረኣእያ ርእስኻ

ብዛዕባኻ ትሑት ዝኾነ ኣረኣእያ እንተሊዩካ፡ ነቶም ዚንዕቑኻ ከተፍቅሮም ኢኻ። ከምቲ ሓደ ትዕቢተኛ ዝኾነ ሰብ፡ ከኽብርዎ ከለዉ ዚሕጐስ፡ ከምኡ ከኣ፡ ሓደ ትሕትና ዘለዎ ሰብ፡ እንተኒዒቖሙዎ፡ ዝኣምነሉ ነገር ስለ ዝኾነ፡ ከየዕገርገረ ተዓጊሱ ብሰላም ኢዩ ዚቕበሎ። ቅዱሳን ኪነዓቑ ከለዉ፡ ኅልፊ እቶም ብኽብሪ እዙ ዓለምዙይ ዝተኸቡ ሰባት ኢዮም ዚሕጐሱ ዝነበሩ (ማቴ 5፡11-12 ረአ)።

ብሓደ ወገን ሰማዕት ኮይንካ ክትመዉት ሃረር እናበልካ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንሓንቲ ጸርፊኳ ትዕግሥቲ ገይርካ ዘይምኽኣል ወይ ዕሽሽ ኢልካ ከተኅልፎ ዘይምኽኣል፡ ንርእስኻ ምትዕሽሻው ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣነ ኃጢኣተኛ ኢየ ክትብል ጸኒሕካ፡ ካልእ ሰብ፡ በቲ ንስኻ ዝበልካዮ መሠረት ተኣሚኑ፡ ኃጢኣተኛ ኢኻ ኪብለካ ከሎ፡ ኣይትቕበሎን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ትሓዝንን፡ ትኵርን፡ ትበኣስን ኢኻ። ስለዚ ክትንዓቕ ከሎኻ ብትዕግሥቲ ጸዊርካ ክትክእሎ እምበር፡ ክትውደስ ኢልካ ኣይትጽዓር። እቲ ዜገርም እኮ፡ ብዛዕባ ርእስኻ ሕማቕ ክትዛረብ ጸኒሕካ፡ ግን፡ ካልኦት እንተዘይ ኣኽቢሮሙኻ ወይ ንመሰልካ ትንክፍ እንተቢሎሙልካ፡ ክትርበሽን ረኣዩለይ፡ ስምዑለይ ክትብልን ኢኻ ትስማዕ። ከምዙይ ምግባር ፈሪሳውነት ኢዩ!።

ብሓቂ ትሑት ክትበሃል እትኽእል፡ ባዕልኻ ንባዕልኻ ከተዋርድ ከሎኻ ዘይኮነስ፡ እንታይደኣ፡ ካልኦት ከዋርዱኻ ከለዉ፡ እሞ ንስኻ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢልካ፡ ክትጻወሮ ከሎኻ ኢዩ። ትሑት እትኸውን፡ ንውርደት ብትዕግሥቲ እንተጸይርካዮ ኢዩ፥ ከምኡ እውን፡ ቅዱስ እትኸውን፡ ንፈተና እንተሥዓርኻን ምስ ክርስቶስ መንፈሳዊ ሕይወትካ እንተካየድካ ጥራይ ኢዩ። ምስቲ ውሽጣዊ ሓቀኛ ስምዒትካ ዘይትኸይድ እንተዘይኮይኑ፡ ንትሕትና ዚምልከት ዘረባ ወይ ምልክት ኣይትግለጽ።

ነቶም ዚብድሉኻ ብጥዑም ዘረባ እንተተዛሪብካዮምን እንተመሊሽካሎምን፡ ንርእስኻ ጠቒምካ ንዓኣቶም ከኣ ክትሓንጾም ኢኻ። መዓልቲ መጸ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ርእስኻን፡ ምእንቲ ትዕቢትካን እናተዋጋኣካ፡ ንዚወርደካ ንዕቐት ብዓርክኻ ከም ዝተባህለካ ዋዛ ገይርካ ክትርእዩ ጀምር እሞ፡ ሰላምን፡ ቅሳነት-ኅሊናን ኪስመዓካ ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ደረጃ ትሕትና፡ ባዕልኻ፡ ብስምዒትካ፡ ብኃጢኣትካ ክትእመንን፡ ክትሓዝንን፡ ክትበክን፡ ከሎኻ ኢዩ። ሓቀኛ ትሑት፡ ንርእሱ ኣየኽብርን ኢዩ።

እቲ ትሑት ዝኾነ ኣካያይዳኻ፡ ንርእስኻ ዓቢይ ግምት ከምዘይብልካ ኢዩ ዚገልጽ። ሓንቲ ዝሓዝካዮ ፍልጠት ዘይብልካ፡ ከም ሓደ ፈላጥ ኮይንካ እንተተረኣኻ፡ ንርእስኻ ኢኻ ትጥብር ዘሎኻ (ገላ 6፡3 ረአ)። ዓሚቝ ዝኮነ ጣዕሳ ኃጢኣትካ ዘይብልካ እንተኾይንካ፡ ብቕድስና ብዙኅ መንገዲ ዚሰጐምካ ኣይምሰልካ። ኃጢኣተኛ ምዃንካ ብዝተኣመንካሉ መጠን፡ ዘሎካ መንፈሳዊ ኃይሊ ከኣ ክእለት ገዛእ ኃይሊኻ ከምዘይኮነ ክትኣምን ኢኻ፣ ዓቢይ ሰብ ዚበሃል እቲ ብዛዕባ ርእሱ ትሑት ግምት ዘለዎ ኢዩ። ንትሑት ዓቕምኻ ምልላይ፡ በዓል ልቦና ከምዝኾንካ ይገልጽ። ንስኻ እውን ንጕድልነትካን ንኢምንትነትካን ኣለሊ። እዙ ብርሃን ዝኾነ እምነትዙይ ንጸላም ኅሊናኻ፡ ቀዲዱ ኪወጽእ ከሎ፡ ንነፍስኻ ብብርሃን ኪውልዓ ኢዩ።

ክትወጽእ ከሎኻ ብርሃን ኂዝካ መታን ክትወጽእ፡ ካብ ዓይኒ ሰብ ኣብ ዝተከወለ ኣብ ውሽጢ ኮይንካ ከምትሰርሕ ግብር። ብዛዕባ ርእስኻ ትሑት ኣረኣእያ አሊዩካ፡ ኣብ ኵሉ ቦታን ስራሕን ሕጉስ ኮይንካ ክትነብር ኢኻ። ቅሳነት ኅሊና እውን ኪህልወካ ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ ትዕቢተኛ እንተዀይንካ ሰላም ኣይኪህልወካን ኢዩ። ስለዚ መንፈሳዊ ኃይሊ ክትጓናጸፍ እንተደሊኻ ትሑት ኩን።


ኣገልጋሊ ኵሉ እምበር፡ ልዕሊ ሰብ ኮይኑ ኣይሰመዓካ (ማቴ 20፡27 ረአ)። ተስፋኻ ኣብ እግዚኣብሔር ኣንቢርካ፡ ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጐድኒ ክትርኢ ኢልካ ጥራይ ጽዓር፥ ኣባኻ ከኣ፡ ነቲ ሕማቕ ጐድንኻ ከተስተውዕል ጽዓር። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ትሑት ኣረኣእያ እናኅደርካ፡ ነቲ ብኻልኦት እትረኽቦ ክብሪ ብዙኅ ግዲ ኣይትግበረሉ። ኣብ ማእኸል ክብሪ ምስ ትርከብ፡ ሓመድ ከምዝኾንካ ዘክር። ቅዱሳን ተኣምር እናሰርሑ ከለዉ እውን፡ ትሕትና ገይሮም ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ኢዮም። ንስኻኸ ደኣ፡ ቅድስናዃ ዘይብልካ፥ እኳ ደኣ ትዕቢት ዘሎካ ሰብ ኢኻ፡ እንታይ ኢልካ ደኣ ከተመኽኒ ኢኻ?

ምስ ኃጢኣተኛ ሰብ ክትራኸብ ከሎኻ፡ ምስኡ ኃቢርካ፡ ብኃጢኣትካ ብኸ፥ ከመይሲ ኣብ ኃጢኣት ገና ዘይወደቕኻ እንተኾይንካ፡ እቲ ንሱ ዝገበሮ ኃጢኣት ንስኻ እውን ቀልጢፍካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ትሕትናኻ ዓቂብካ ክትነብር እንተደሊኻ፡ ሓድሓደ መንፈሳዊ ተግባር እውን እንተለካ፡ ምስኡ ከኣ ሓድሓደ ድኹም ጐድኒ ከምዘሎካ ኣይትረስዕ። ኣባኻ ኃይሊ ክርስቶስ ንኺኃድር፡ ንኃጢኣትካ ፈቲኻን ረዲኻን ተናዘዞ፥ ክትብርትዕ እትኽእል ምስ ትደክም ኢኻ (2 ቆሮ 12፡10 ረአ)።

እግዚኣብሔር ንነፍስኻ ከፍቅር ኢሉ፡ ንገዛእ ልዕልናኡ ሸለል ኢሉ፡ ንዕቤት ትሕትናኻ ኪጥምት ኢዩ ሃረር ዚብል። ኣብ ገዛእ ርእስኻ እምነት ኣይተንብር፥ ከመይ በዚ ምኽንያትዙይ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ፍጽምና በጺሖም፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ዝጸደፉ ሰባት ከምዘለዉ ኣስተውዕል ኢኻ። ንኻልኦት ካብ ትፈርሕ፡ ንርእስኻ ፍራሕ። ዓሚቝ ሡር ዘለዎ ትሕትና፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ብዙኅ እምነት የብሉን። ኣብ ርእስኻ ጥርጣሬ እንተዘይ ኣኅዲርካ፡ ንኽፉእ ዝንባሌኻ ክትሥዕር ኢልካ ንርእስኻ ኣይተቀባጥር። ካብ ኵሉ ግን፡ ብግጉይ ርእሰ ተኣማንነት ገዛእ ርእስኻ ንኸይትስሕት ተጠንቐቕ።

ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ምስ ትረክብ፡ ኣብ ገዛእ ኃይልኻ ምሒር ኣይትተኣመን። ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ምስ ዚጐድል፡ ነፍስኻ ክንደይ ድኽምቲ ከምዝኾነት ብኡብኡ ከተስተውዕሎ ኢኻ። ፈተናን እቲ ንቕጸት መንፈሳውነትካን ንሓቅነት ኃጢኣትካን ንትሑት ደረጃ ሕይወትካን፡ ኪገልጸልካ ኢዩ። ካብዙ ግልጸት እዙይ ከኣ ነፍስኻ ብብዙኅ ሓለፋ ክትክበብ ኢያ፥ እዙ ሓለፋ እዙይ፡ ብዙኅ መንፈሳዊ ኃይሊ ምጥራይን ንጹሕ ዝኾነ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምርካብን ኢዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እምነት ዘይምግባር ዚብል ጽቡቕ እምነትካ፡ ሸይጣን ንኸየጋግየካ ተጠንቐቕ። ብዙኅ ጸጋ ተቐቢልካ እውን እንተኾንካ፡ ገና ናብ ኃጢኣት ክትወድቅ ስለ እትኽእል፡ ናብ ናይ ኃጢኣት ሓደጋን ፈተናን ኣይትቕረብ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ትሑት ምዃንን፥ ኣብ እግዚኣብሔር ምእማንን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Post Reply