Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
EthioRedSea
Member
Posts: 4089
Joined: 31 Aug 2019, 11:55

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሪያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by EthioRedSea » 08 Apr 2022, 03:43

Meleket wrote:
17 Mar 2020, 10:56
1 ትርጉም ሕይወት ወዲ ሰብ

ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፡ ናበይከ ትኸይድ ኣሎኻ፡ ጽባሕከ ዕድልካ እንታይ ኢዩ? ኣብዙ ዓለምዙይ ምንባርን ዘይምንባርንከ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ? እዙ ዚሓልፍ ዘሎ ዕለት መዋዕልካኸ እንታይ ኢዩ ትርጉሙ? ከምኡ እውን እዙ ከም ደመና ኣሠር ከይሓደገ ዚውዳእ ዘሎ ሕይወትካ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? እዙ ኣብ ውሽጥኻ ብኃይሊ ተፈጥሮ ዚስመዓካ ዘሎ ናይ ሕይወት ሃረርታን፡ ሕይወትካ ናይ ምዕቃብ ጻዕሪኸ ትርጉሙ እንታይ ኢዩ? ካብ ሕይወት ዚዓቢ ነገር ኣሎዶ ይመስለካ?

ጊዜ ረኺብካ ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ጕዳይ ሕይወትካ፡ ንኸይተስተንትን ዓለም ብጫውጫውታኡ ይርብሸካ። ኣብ ሕይወትካ እቲ ቀንዲ ቁምነገር ሓደ ጥራይ ኢዩ፡ ንስኻ እውን፡ ብዙኅ ጊዜ ብዘይጠቅም ነገር ኢኻ ክትርበሽ እትርከብ። ቅዱሳን ግን፡ ኣብ ሕይወቶም እቲ ዝሓሸ ነገር ኢዮም ኃርዮም (ሉቃ 10፡42 ረአ)።

እቶም ኣብ መንገዲ እዙ ዓለምዙይ ከይጠፍኡ ዚተርፉ ሰባት ብሓቂ ሒዶት ኢዮም። ዕላማ መፍጠሪኡ እንታይ ምዃኑ ምስትውዓልን ካብቲ መንገዲ ዕላማ መፍጠሪኡ ከይወጸ ብሕይወቱ ምንባርን ንወዲ ሰብ ብሓቂ ዓቢይ ጥበብ ኢዩ።

ኣንታ ሓወይ ንምንትምታይ ኢኻ ወትሩ ብተርባጽ ክትጐዪ እትነብር? ጠጠው ኢልካ ነቲ ዘለዓለማዊ ሕይወትሞ ሕሰብ። ሓደ መዓልቲኮ ንወትሩ ጠጠው ክትብል ኢኻ። ናብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት እናኸድካ ከሎኻስ ናበይ ትኸይድ ከምዘሎኻ ኣይትፈልጥን?

ዕብዳን፡ ንሕይወትካ ብሓጐስ ዚመልኦ ኣይምሰልካ። ኣብ ጽምዋ፡ ንበይንኻ ጥራይ ምስ እትርከብ፡ እቲ ልብኻ ጥርሑ ምዃኑ ዚርድኣካ እሞ እትሓዝን ሽዑ ኢዩ። ሕይወትካ ትርጉም ኂዙ ኪኸይድ እንተደኣ ደሊኻዮ ንቕድሚት ጥራይ ክትጥምት ይግብኣካ። ነቲ ቀንዲ ዕላማ ሕይወትካ ከኣ ኣይትረስዕ። ናብቲ እትኸዶ ቦታ ኣቢልካ፡ ንቕድሚት እንተዘይጠሚትካ፡ ናብቲ ክትበጽሖ ዝሓሰብካዮ ቦታ ኣይትበጽሕን ኢኻ። ንሕይወትካ ብዓይኒ ጥበብ ምእንቲ ክትፈርዳን ብኣኣ’ውን ምእንቲ ከይትምለኽ፡ እስኪ ካብዛ ከም ንፋስ እትውንጨፍ ሕይወትካ፡ ቁሩብ ውጽእ በል።

ንስኻ ንግድል ሕይወትካ እትፈትሕ፡ ቅድሚ ኵሉ ግን ሕይወትካ ትርጉም መፍጠሪኡ ከየጥፍኤ ዚነብር፡ ኣብ ኣምላኽ ትኣምን እንተደኣ ኮይንካ ጥራይ ኢዩ። እቲ ብእግዚአብሔር ዘይኣምን ግን፡ ንግድል ሕይወቱ ዘእምን መረዳእታ ከቕርበሉ ኣይኽእልን እዩ። ኣእምሮ ወዲ ሰብ ንምሥጢራዊ ህልውና ኣምላኽ ንምርዳእ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ይኹን ደኣ እምበር፡ ግን፡ ተፃዩ ኣይኮነን። ሕይወትካ ትርጉም ንኺዘርእ ብምሥጢር ኣምላኽ ተኣመን ወይ ከኣ ሕይወትካ ትርጉም ኣይክህልዎን ኢዩ። ሕይወትካ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ትርጉም ዘይብሉ ከይመስለካ። እግዚኣብሔር ኣቦኻ ኢዩ፡ ንሓደ ኣቦ ከኣ፡ ሕይወት ውሉዱ፡ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ።

ሕይወት ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ብእምነትን ብፍቕርን ዠሚሩ፡ ድኅሪኡ ኣብ ሰማይ ኢዩ ንዘለዓለም ዚነብር። ንስኻ ከኣ ኣብ ሰማይ፡ ንእግዚኣብሔር ከምቲ ዘለዎ እናረኣኻዮ ንዕኡ ክትመስል ኢኻ (1 ዮሓ 3፡2 ረአ)። ንስኻ፡ ኣብዙ ዓለም እዙይ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢኻ ትነብር፡ ስለዙይ ብጥበብ ንኽትነብር ጽዓር። ንእግዚኣብሔርን ንብጻይካን ኣፍቅር፡ ምእንቲ ካልኦት ኢልካ ከኣ፡ ንርእስኻ መንን፥ ምድራዊ ሕይወትካ ከኣ ብእግዚኣብሔር ኮነ ብሰብ ኮነ፡ ዝተባረኸ ኪኸውን ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ዘለዓለማዊ ዕላማ ሕይወትካ፡ ኣይትረስዕ።” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:
This is acari religion. Catholic religion is anti-Christ. The only true Teaching is Orthodox Religion of Egypt, Russia, Syria, Greece and Aksum. Please remove this tread.

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 15 Apr 2022, 04:51

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

92- መንፈሳዊ ሕይወትን፡ ሓቀኛ መንፈሳውነትን።

መንፈሳዊ ሰብ ክትከውን እንተደኣ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ርእስኻ ትሑት ግምት ኪህልወካ ይግባእ፥ ካልኦት ከኣ ብዛዕባኻ ልዑል ግምት ኪህልዎም ኣይትድለ። መንፈሳዊ ሕይወት ትርጉሙ፡ ብዛዕባ ዕቤት እግዚኣብሔርን ናትካ ንኡስነትን፥ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽን ንዕቀት ገዛእ ርእስኻን፥ ፍቓድካ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምንባርን፡ ንገዛእ ፍቓድካ ምኽሓድን ኮይኑ፡ መንፈሳዊ ፍልጠትካ ምምዕባልን መንፈሳዊ ተጋድሎ ምዝውታርን ኢዩ ዜስምዕ።

ብርግጽ፡ ኣብ መንፈሳዊ ተግባር ዚሳተፉ ብዙኃት ኢዮም፡ እንተኾነ እቶም ብሓቂ መንፈሳውያን ዝኾኑ ሰባትስ፡ ውሑዳት ኢዮም፥ እዙይ ከኣ፡ እቲ ተሳታፍነቶም ብምሉእ ልቦም ስለዘይገብርዎን ናብኡ ምሉእ ኣቓልቦ ስለ ዘይገበሩን ኢዩ። ኣብ ውሕድ ጸሎት እውን ይኹን ብተገዳስነት እንተትሳተፍ ነይርካ፡ ብሓቂ ቅዱስ ምዀንካ ነይርካ። እቶም ጸሎት ዚገብሩ ብዙኃት ኢዮም፥ እንተኾነ እቶም ብሓቂ ጸሎተኛታት ዝኾኑ ሰባት፡ ውሑዳት ኢዮም።

ንስኻ፡ ከኣ ብወገንካ በቲ መዓልቲ መጸ እትደጋግሞ ጸሎት መንፈሳውነትካ ከይደክም፡ ብኣስተንትኖን ብጸሎት ገይርካ ንመንፈሳውነትካ ከተብስሎ ጽዓር። መንፈሳዊ ሕይወትካ መቐረቱ እንተደኣ ኣጥፊኡ፡ መቐረት ብምንታይ ክትመልሰሉ ኢኻ?

ሓቀኛ መንፈሳውነት ዚበሃል፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ፥ ንሱ ከኣ ንስኻ፡ ንኵሉ ሠናይ ነገር ብተገዳስነትን፡ ብዘይምቍራጽን፡ ብቕልጣፌን፡ ከምትሰርሖ ዚገብረካ ኃይሊ ኢዩ። ሓቀኛ መንፈሳውነት፡ ነቲ ኵሉ ናይ ፍቕሪ ተግባራት፡ ብተቓጽሎን ብቕልጣፌን ንኽትፍጽሞ ዚሕግዘካ ኢዩ። ጸሎት ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ኪኸውን ከሎ፡ እግዚኣብሔር እንተፈትዩልካ፡ ካብቲ ንስኻ ላዕልን ታሕትን ኢልካን ተጣቢብካን ድኅሪ ዓመታት ከተጥርዮ እትኽእል ትምህርቲ፡ ንዙ ብሓጺር ጊዜ ዝበለጸ ትምህርቲ ኪምህረካ ይኽእል ኢዩ።

እግዚኣብሔር ንነፍስኻ እንተዚዛረባ፡ ከምቅጽበት ምመሃራን፡ ምቐየራን፥ ሕያወይቲ ምገበራን ብሓጐስ ምመልኣን፡ ከምኡ ከኣ ውዑይ ብዝኾነ ብርሃኑ ናብኣ ሠሪጹ ጽቡቕ ነገር መርኣያን ናብኡ ንኽትበጽሕ ምደረኻን ነይሩ። ቃል ኣምላኽ መንፈስን ሕይወትን (ዮሓ 6፡63 ረአ) ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ነፍስኻ ሓንሳብ ምስ ተኃትመ፡ ኪጠፍእ ኣይኽእልን ኢዩ። ከምኡ ከኣ እቲ ኣብ ክፉእ መንፈስ ዚመጽእ ቃል ኣብኣ እንተኣትዩ ሓዘንን፡ ሽበራን፡ ፍርህን ኢዩ ዚፈጥረላ።

ብዛዕባ ሓጐስ ዚርከበሉን፡ ዘይርከበሉን መንፈሳውነትን ጸሎትን ክንድዙይ ዚኣክል ግዲ ክትሞተሉ ኣይግባእን። እምነት ልዕሊ ህዋሳት ስለ ዝኾነት፡ እቲ ኵሉ ብህዋሳትካ ዚስማዕ ነገር፡ ምስ እምነት ሓንቲ ርክብ የብሉን። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ምእንቲ ኪወርድ፡ ኢየሱስ ካብኣቶም ኪርሕቕ ናይ ግድን ኢዩ ነይሩ (ዮሓ 16፡7 ረአ)።

ኣብ ናይ ሓቀኛ መንፈሳዊ ታሕጓስ ክትኣቱ እንተደሊኻ፡ ካብ ግዙፍን ዚረኤን ታሕጓስ ክትርሕቕ ኣሎካ። ሥጋዊ ጣዕሚ ዘለዎ መንፈሳውነት ምዝውታር እንተለሚድካ፡ ናብቲ ሓቀኛ ዝኾነ መንፈሳዊ ታሕጓስ ክትሳገር ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓቀኛ መንፈሳዊ ታሕጓስ ዚርከብ ድማ፡ ብጸሎትን ብመንፈስካ ትሑት ብምኳንን ኢዩ።

ንስኻ ከኣ፡ ከምቶም ገሊኣቶም ቀንዲ ተስፋኦም ኣብ ጸሎት ክንዲ ዜንብሩዎ፡ ኣብ ግዳማዊ ኣገባብራ ጸሎት ጥራይ ዜምብሩዎ ኣይትኹን። መን ይፈልጥ ንስኻ እውን፡ ንእግዚኣብሔር ብኣፍካ ጥራይ ተኽብሮ ትኸውን፥ ልብኻ ግን፡ ካብኡ ርሑቕ ይኸውን (ማቴ 15፡8-9 ረአ)።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብመንፈስ ንምምዕባል ኣድላዪ ምኽሪ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 21 Apr 2022, 10:05

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

93- ብመንፈስ ንምምዕባል ኣድላዪ ምኽሪ

ብመንገዲ ቅድስና ንቕድሚት ክትስጕም እንተደሊኻ፡ ሓደ ምሉእ ፍቕርን እኹል ትምህርትን ዘለዎ ሰብ፡ ከምኡ እውን ጥበብ ዘይጐደሎ፡ ኮታ ብሓጺሩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝኃደሮ ሰብ፡ ኣቦ ነፍስኻን መንፈሳዊ መራሒኻን ኪህልወካ ይግባእ። መንፈሳዊ ሰብ ወይ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ እንተዘይኮይንካ፡ ብዛዕባ መንፈስ ኣይትዛረብ፥ ወይ ከኣ ብዛዕባ መንፈስ፡ ክትፈርድ ኣይትኽእልን ኢኻ ከምዝተባህለ ኢዩ።

ኪመርሓካ ዚበቅዕ መንፈሳዊ መራሒ እንተረኪብካ ብሓቂ ዕድለኛ ኢኻ። ንነፍሲ መሪሕካ ምኽኣል ቀሊል ኣይኮን። እቲ ንነፍስኻ ዚመርሕ ሰብ፡ ምስሌነ ኣምላኽ ከምዝኾነ ኣይትረስዕ። ሓድሓደ ጊዜ፡ ገለ ሃንደበታዊ ሓሳብ ኪመጸካ ከሎ፡ ፍረ ምህዞ ሓንጐልካ ክነሱ፡ እግዚኣብሔር ዘተንፈሰልካ ኮይኑ ይስመዓካ ይኸውን።


ናይ ሓሳብ ጸሎት ምዝውታር እውን፡ ንምዕባለ መንፈሳዊ ሕይወትካ፡ ብዙኅ ጠቓሚ ኢዩ። እቲ መዓልትን ለይትን ብዛዕባ ምሥጢረ ድኅነት ዜስተንትን ሰብ ብፁዕ ኢዩ፥ ንሱ ከምቲ ኣብ ጥቓ ዛራ ማይ ተተኺሉ ዚርከብ፡ እሞ ከኣ፡ በብጊዜኡ ፍረ ዚህብ ኦም ዚመስል ኢዩ (መዘዳ 1፡2-3 ረአ)። ብዛዕባ ዝለዓለማዊ ትምህርቲ መወዳእታኻ፡ ብናይ ሓሳብ ጸሎት ኢኻ ተስተንትኖ እምበር፡ ብዓይንኻ ዚረኤ ነገር ኣይኮነን፥ ኣብ ሕይወትካ፡ ነዙ ነገራት እዚ እናስተንተንካ እንተነቢርካ፡ ፈጺምካ ኣብ ኃጢኣት ኣይኽትወድቕን ኢኻ (ሲራ 7፡36 ረአ)።

ካልእ ንመንፈሳዊ ረብሓኻ ዝኸውን ኣገዳሲ ሓገዝ፡ ጽቡቕ መጻሕፍቲ ከተንብብ ጽዓር።
ኣነ ከም ዓርኽኻ መጠን ክመኽረካ እንተኾይነ፥ መጻሕፍቲ ክትመርጽ ከሎኻ፡ ቅዱሳን ዝጸሓፍዎም መጻሕፍቲ መሪጽካ ኣንብብ። ከተንብቦም ከሎኻ ከኣ፡ ብሓቂ ንረብሓ መንፈሳዊ ሕይወትካ ዝኸውን ትምህርቲ እናደለኻ ብህርፋን ከተንብቦም ጽዓር፥ በዙ መልክዕ እዙይ እንተዘይኣንቢብካዮም ግን፡ ሽሕ ጊዜ ጽቡቓት ይኹኑ፡ ኣብ መወዳእታ ከምቲ ተሓጕስካ ዝበላዕካዮ ምግቢ እንተዀነ ግን ስለ ዘይተሰማምዓካ እትተፍኦ፡ ከምኡ ከኣ ንዓኣቶም ብመንፈስካ ክትተፍኦም ኢኻ።

መንፈሳውያን መጻሕፍቲ፡ ምናዳ እቶም ቅዱሳን ዝጸሓፍዎም መጻሕፍቲ፡ እሞ ኸኣ ንብዙኅ ዘመናት ዘገልገሉ፡ ከምቲ እንጀራ ንሰብነትና ዚዕንግሎ፡ ከምኡ ከኣ፡ ንሳቶም መግቢ ነፍሳትና ኢዮም። ነቲ እተንብቦ ነገር ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ደኣ ጸዓር እምበር፡ ካብኣቶም ፍልጠት ክትድልብ ጥራይ ኢልካ ኣይተንብቦም።

ነቲ ኣብ መጻሕፍቲ ዘንበብካዮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ እንተትደሊ ነይርካ፡ ቅዱስ ንኸትከውን ኅልፍን ትርፍን ትምህርትን ኣብነትን ረኺብካሉ ኢኻ። ንቕዱሳት መጻሕፍቲ እሞ ኣንብብ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ብኣኣቶም ገይሩ ኪዛረበካ ኢዩ።

ብዙኅ ክትርድኦም ዘይትኽእል መጻሕፍቲ ኣይተንብብ፥
ንስኻ ከተንብብ ዘሎኻ፡ ነቶም ብዛዕባ መንፈስ ዚዛረቡን፡ ልዕሊ ኵሉ ከኣ፡ ገድሊ ቅዱሳትን ኣንብብ። ከተንብብ ከሎኻ ከኣ ንምፍላጥ ወይ ንምምርማር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ልዕሊ ኵሉ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብዝበለጸ ንምምዕባል ምእንቲ ኪሕግዘካ ኪኸውን ይግባእ።

ከምቲ ናብ ሓደ እንዳ ኣታክልቲ እምባባ ምስ ኣተኻ መዓዛኡ ሸቲትካ ምእንቲ ከተስተማቕሮ ቢልካ ዕምባባ ቀንጢብካ እትማላእ፡ ከማኡ ከኣ፡ ካብቲ ዘንበብካዮ መጻሕፍቲ ንሕይወትካ ዚኸውን ሓደ ኣብነት ወይ ቍርጺ ፍቓድ ኂዝካ ኪድ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ቅኑዕ ኣተሓሳስባ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 28 Apr 2022, 10:06

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

94 ቅኑዕ ኣተሓሳስባ


ናይ እግዚኣብሔር ጥራይ እምበር፡ ናይ ደቂ ሰብ ናእዳ ኣይትጸበ። ካብ ደቂ ሰብ ክብሪ ክትረክብ ኢልካ ትሰርሕ እንተኮይንካ፡ ኣይክትሕጐስን ኢኻ፡ እኳ ደኣ ክትሓዝን ኢኻ። እቲ ዘይኽሕድ እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ፥ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ጥራሕ ስራሕ። ብእትገብሮ ስራሕ ምኽንያት ኪወርደካ ዚኽእል ቘየቛን ኩነኔን ቅኑዕ ሓሳብካ ንኸይትቕይር ኪጠቕመካ ኢዩ።

ምእንቲ ክብሪ ደቂ ሰብ ኢልካ ምስራሕ ዕሽነት ኢዩ! ደቂ ሰብ እንታይዶ ኪህቡኻ ይኽእሉ ኢዮም? እቲ ንዘለዓለም ዚነብር ሽልማት ዚህበካ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ። ንስኻ ከኣ ንእግዚኣብሔር ዘይኮነስ፡ ንሰብ ከተሕጕስ ኢልካ እንተደኣ ሰሪሕካ፡ ብሓቂ እተሕዝን ሰብ ኢኻ። ሰብ ተቐያየራይ ባህሪ ኢዩ ዘለዎ፥ ነቲ ቅድም ዚንእዶን ዚውድሶን ዝነበረ ሰብ፡ ጽንሕ ኢሉ ሕማቕ ኪዛረበሉ ትሰምዕ።

ንስኻ ከኣ፡ ሰብ ምእንቲ ኪውድሰካ ኢልካ እንተሰሪሕካ ነቲ ስርሕ ቀኒዩ ዓስቢ ድኻሙ ዝኾነ ደሞዙ ኣብ ቀዳድ ቀረጢጥ ኣእቲዩዎ ዚጐዓዝ ሰብ ኢኻ ትመስል (ሓጌ 1፡6 ረአ)። እቲ ምእንቲ እግዚኣብሔር ዘይሰራሕኻሉ ጊዜ፡ ጥፉእ ጊዜ ኢዩ። ዝኸበርካ ኃወይ! እዙ ኵሉ ኣብዙ ዓለምዙይ ዚግበር ነገር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ እንተዘይገርካዮ ሓንቲ ቁምነገር ከምዘይብሉ ኣይትስሓት።

ናእዳ ሰብ ክትረክብ ኢልካ ትሰርሕ እንተኾይንካ፡ ነቲ ኵሉ ስራሕ፡ እቲ ንፋስ መዋቲ ዝኾነ ሕይወትካ ኪወስዶ ኢዩ። ኣተና ተግባርካ ምድራዊ ጥራሕ እንተኾይኑ፡ ከምቲ ዓለባ ሳሬት ዚሰርሕ ወይ ከምቲ ንኽቡር ኣቕሓ ብዘይጠቅም ገንዘብ ዚሸይጥ ሰብ ክትመስል ኢኻ። ንስኻ፡ ብስራሕካ ንሰማይ ክትከስብ እናኸኣልካ፡ ብኃላፊ ዝዀነ ናእዳ ሰብ ጥራይ ትሕጐስ።

ብዙኃት ብቕንዕና ኪሰርሑ ስለ ዘይርከቡ፡ ነቲ ፍረ ጽቡቕ ስራሖም ብኸንቱ የጥፍእዎ! (ማቴ 6፡1 ረአ)። ካብ መዠመርያ ኣትኂዞካ፡ ሓሳብካ ቅኑዕ እንተዘይኮኑ፡ እቲ ኵሉ እትፍጽሞ ስራሕ ኪበላሾ ኢዩ። ከምዚ ክትገብር ከሎካ፡ ነቲ ብርሃን ሰብነትካ ዝኾነ ዓይንኻ፡ ምዕዋር (ማቴ 6፡23 ረአ) ወይ ከኣ ንምንጪ ማይ፡ ምዝራግ ማለት ኢዩ።

ብዙኅ ጽቡቕ ዚመስል ስራሕ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ክትርእዮ ከሎኻ፡ ብቕንዕና ስለ ዘይተሰርሔ ብኣምላኽ ቅቡል ኣይኮነን (ማቴ 6፡23 ረአ)። ክትሰርሕ ከሎኻ ጽቡቕ ገይርካ ክትሰርሕ ጥራይ ኣይኣክልን ኢዩ፥ እንታይ ደኣ፡ እቲ እትሰርሖ ነገር ንእግዚኣብሔር ዜሕጕስ ኪኸውን ይግባእ። ንፍትሒ ዚምልከት ተግባር ክትፍጽሞ ከሎኻ፡ ብሰብ ክትፍቶ ወይ ክትነኣድ ዘይኮነስ፡ ምስ ኅሊናኻ ዚሰማማዕ ተግባር ክትገብር ይግባእ። ንእግዚኣብሔር ተፍቅሮ እንተኾይንካ፡ ብእኡ ፍቱው ምዃንካ ምፍላጥ ይኣኽለካ ኢዩ።

ንስኻ ጽቡቕ ተግባር ክትፍጽም ከሎኻ፡ እግዚኣብሔር ይርእየካ ከምዘሎ ፈሊጥካ ደስ ይበልካ። “ሰብ ዚርኢ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ ኢዩ፥ እግዚኣብሔር ግና፡ ልቢ ኢዩ ዚርኢ” (1ሳሙ 16፡7 ረአ)። ሓደ ስራሕ ኣብቅድሚ እግዚኣብሔር ንቅድስና ብቑዕ ዚኸውን፡ እቲ ስራሕ ብቕኑዕ ሓሳብ ክትገብሮ ከሎኻ ኢዩ።

እምበኣር ስራሕካ ንመንግሥተ ሰማይ ብቁዕ ምእንቲ ኪገብረካ እትገብሮ ስራሕ ኵሉ፡ ምእንቲ ክብርን ውዳሴን እግዚኣብሔር ቢልካ ፈጽሞ ኢኻ። ንስኻ ብግሩህ ልብን ብቕኑዕ ሓሳብን ንእግዚኣብሔር እንተደሊኻዮ፡ ምሳኡ ኃቢርካ ስለ እትነብር፡ ብፁዕ ኢኻ (ማቴ 5፡8: መጸጥ 1፡1 ረአ)።

እግዚኣብሔር ካብ ነፍስወከፍ ተግባርካን ሃረርታኻን ነቲ ብኽብርኻ ዘምጻእካዮ ዕምባባ ኪወስድ ከሎ፡ ንሱ ከኣ፡ ንዓኻ፡ ብጻማኻ ንዝረኸብካዮ ፍረ ይህበካ። ሓደ ኣምላኽ ከምዘሎ ትኣምን ካብ ኮንካ፡ ብዘይካ ምእንታኡ፡ ምእንቲ ካልእ ኢልካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ንሓደ ነገር ሃረር እናበልካ፡ ንእግዚኣብሔር እውን ሃረር እንተዘይልካዮ፡ ንእግዚኣብሔር ዘሎኻ ፍቕሪ ምሉእ ኣይኮነን ማለት ኢዩ።

ሓሳብካ ቅንዕና ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ እግዚኣብሔር ንስራሕካ ኣይቕበሎን ኢዩ (ማቴ 6፡ 2-5 ረአ)። እቲ ንስራሕካ ክቡር ዚገብሮ ኣተናኻ ኢዩ። ንስኻ፡ ሓሳብካን ስራህካን ምሉእ ስኒት ኪህልዎም ከሎ ኢዩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይትውቀስ። እቲ ንኣተና ሓሳብካ ዜልዕሎ ስራሕካ ኢዩ፥ እቲ ንዕላማ ስራሕካ ዜልዕሎ ከኣ፡ ሓሳብካ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ውዱስ ዚኸውን፡ እቲ ምእንታኡ ኢልካ እትገብሮ ኢዩ።

ከም መጠን ዓስብኻ፡ ውርሲ ዜውርሰካ እግዚኣብሔር ጥራሕ ክንዲ ዝኾነ፡ እትገብሮ ኵሉ ምእንቲ ክብሩ ኢልካ ጥራሕ ግበሮ (ቆላ 3፡23-24 ረአ)። እቲ ኵሉ ካልእ ነገር ብሕይወትካ ከሎኻ ወይ ምስ ሞትካ ዚጠፍእ ኢዩ። ዕቤት ስራሕካ ዚምዘን ብብዝኂ ዘይኮነስ፡ ክትሰርሖ ከሎኻ፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ገይርካዮ እንተኾይንካ ኢዩ። እግዚኣብሔር ጥራሕ ምእንቲ ኪፈልጠልካ፡ ንስራሕካ ካብ ዓይኒ ሰብ ሠውሮ፥ ዋላ ሓደ ኪርእየልካ እውን ኣይትድለ።

ነቲ ንእግዚኣብሔር ከተሕጕስ ኢልካ፡ ብቕኑዕ ሓሳብ ዝፈለምካዮ ስራሕ፡ ሰባት ምእንቲ ኪውድሱካ ኢልካ፡ ካብቲ ቅኑዕ መንገዲ ከይትወጽእ፡ ከምኡ እውን፡ ነቲ ብቕድስና ዝዠመርካዮ ስራሕ፡ ብኃጢኣት ንኸይትዛዝሞ ተጠንቐቕ። ኣብ ሕይወትካ ክብርን ጥቕምን ኣምላኽ እምበር፡ ጥቕምኻ ኣይትድለ። ፍልጠት እንተሊዩካ፡ እቲ ፍልጠት ዝረኸብካዮ ሳላ እግዚኣብሔር እምበር፡ ብኽእትካ ከምዘይየጥረኻዮ እመን። እግዚኣብሔር ብዝሃበካ ህያባት ነቲ ቀንዲ ወሃባይ ኣምላኽ ረሲዕካ፡ ንሰባት ጥራሕ ከተሕጕስ ኢልካ ኣይትድከም።


እዙ እተኅልፎ ዘሎኻ ምድራዊ መዋዕልካ፡ ንመንግሥተ ሰማይ እንታይ ዓይነት ጥቕሚ ይህበካ ይኸውን? ንመንግሥተ ሰማይ ዚጠቕመካ እቲ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ እትገብሮ ስራሕ ጥራሕ ኢዩ፥ እቲ ኵሉ ካልእ ነገር ኪጠፍእ ኢዩ። ዋላ’ውን እቲ ዝነኣሰ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ዝገበርካዮ ስራሕ ክቡር ኮይኑ ኪጸንሓካ ኢዩ።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ጽቡቕ ስራሕ ንኺበሃል፡ ብፍቅሪ ዠሚሩ ብፍቕሪ ኪውዳእ ይግባእ፥ ናብ ቅድስና ዚብጻሕ ብቕኑዕ ሓሳብ እናሰራሕካ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ሕይወትካ፡ ነቲ ኣብ ምሉእ ሕይወትካ ዝገበርካዮም ስራሕ ምስ ጠመትካ፡ ኣብ መንጎኡ ገለ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይገብርካዮ ስራሕ፡ ዘይትርእየሉ ይግበርካ፥ ኣሜን!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንቓል ኣምላኽ፡ ጽን ኢልካ ምስማዕ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 05 May 2022, 04:29

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

95- ንቓል ኣምላኽ፡ ጽን ኢልካ ምስማዕ

ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኢልካ፡ መንፈሳዊ ህርፋን ኪስመዓካ ይግባእ። ብዙኃት ክርስቲያን ከምቲ ቓል ኣምላኽ ንምስማዕ ሃረር ዚብሉ፡ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ኢሎም እውን ከምኡ ሃረር እንተዝብሉ፡ ድሮ ቀደም ዓበይቲ ቅዱሳን ኮይኖም ምሃለዉ!

ኣብ ግብሪ ንኽተውዕሎ ከይጸዓርካ ቃል ኣምላኽ ትሰምዕ እንተኾይንካ፡ ከም ወዮ ግራቱ ዘሪኡ፡ ሓንቲ ፍረ ከይረኸበ ዚተርፍ ሓረስታይ ኮይንካ ማለት ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ሰሚዕካ፡ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ከሎኻ፡ ኢየሱስ ከም ኃውን ኣዲኡን ገይሩ ኪርእየካ ኢዩ (ማቴ 12፡48 ረአ)። ቃል ኣምላኽ ንዚመሃር ሰብ መዓር ኢዩ፥ ንዜምህሮ ከኣ ዝበለጸ መዓር ኢዩ፥ ኣብ ግብሪ ንዜውዕሎ ከኣ፡ ኣዚዩ ዝበለጸ ወለላ መዓር ኢዩ።

ቃል ኣምላኽ ሰሚዕካ፡ ኣብ ልብኻ መኺኑ ምእንቲ ከይተርፍ፥ ኣብ ብልኻ ብጥንቓቔ ከትዕቅቦ ጸዓር (ሉቃ 2፡51 ረአ)። እቲ ቃል ኣምላኽ ዜስምዕ ሰብ፡ ነቲ ዜስምዖ ቓል ኣምላኽ፡ ናብ ሰማዒ እዝንን ናብ ተቐባላይ ልብን ዚዘርኦ ይግበሮ! ሃምኻን ቀልብኻን ኣብ ምንዝርናን ኣብ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይን እንተኾይኑ፡ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዖ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ እንተሰማዕኻዮ እውን፡ ኣብ ልብኻ ተዓቢጡ ብዘይፍረ መኺኑ ኪተርፍ ኢዩ (ማቴ 13፡22 ረአ)።

ቃል ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ኪሠርጽ እንተደሊኻ፡ ቃሉ ኪግለጸካ ከሎ፡ ብኃጢኣትካ ብኸ እምበር፡ ምኽኒት ኣይትግበር። ቃል ኣምላኽ ክትሰምዕ ከሎኻ፡ እቲ ዜበሥር ሰብ፡ መን ምዃኑ ከይተገደስካ፡ ብዛዕባ እቲ ብሥራትን ብዛዕባ እቲ ብስሙ ዚብሠር ዘሎን ጥራይ ክትግደስ ይግብኣካ።

እቲ ብእምነትን ብትሕትናን ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ኣእዛኑ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተኸፍታ ስለ ዝኾና፡ ካብ ኣእዛን ካልኦት ብዝበለጸ ኢየን ዚሰምዓ። ንስኻ ከኣ፡ ኣብ ማዓሙቕ ነፍስኻ ኣትዩ፡ ኣብ ፍቕርኻን ኣብ ስራሕካን ምእንቲ ኪረኤ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ዓቂብካ እንተኂዝካዮ፡ ብሓቂ ብፁዕ ኢኻ (ሉቃ 11፡28 ረአ)።

ቃል ኣምላኽ፡ ሕይወትን ኃይልን ዚህበካ ይግበሮ፥ ኣብ መዓሙቕ መንፈስካ ኣትዩ፡ ስምዒትካን ሓሳባት ልብኻን ዚምርምር ይግበሮ (ዕብ 4፡12 ረአ)። ንቓል ኣምላኽ እንተሓሊኻ፡ ቃል ኣምላኽ ከኣ፡ ንዓኻ ኪሕልወካ ኢዩ። ዳዊት መዘምር እውን “ንዓኻ ምእንቲ ከይብድል፡ ንሕግኻ ኣብ ልበይ ዓቘርኩዎ” ይብል (መዘዳ 119፡11)።

ንሕይወትካ ኣብ ቃል ኣምላኽ ድለያ እሞ፡ ኣብዙ ምድራዊ ጕዕዞኻ ከኣ፡ ቃል ኣምላኽ ከምዚመርሓካ ግበር (ዮሓ 6፡63 ረአ)። ቃል ኣምላኽ ንእግርኻ እተብርሃልካ ፈኑስን፡ ንመንገድኻ እተብርሃልካ ብርሃንን ትኹንካ (መዘዳ 119፡105 ረአ)። ቃል እቲ፡ ናብ ቅድስና ዚጽውዓካ ዘሎ ኢየሱስ ክትሰምዕ እንተደኣ በቒዕካ፡ ብፁዕ ኢኻ! ኢየሱስ ኪዛረብ ከሎ፡ ኣዚዩ ዓቢይ ተኣምር ኢዩ ዚገብር።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ህያብ ጸሎትን ትሕትናን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 12 May 2022, 03:36

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

96 - ህያብ ጸሎትን ትሕትናን

ባዕሉ እግዚኣብሔር እንተዘይሂቡካ፡ ብልዑል ተመስጦኣዊ ህያብ፡ ንእግዚኣብሔር ክትርኢ ኢልካ፡ ሃረር ኣይትበል፥ ተመስጦ ንመላእኽቲ ኢዩ ዚግባእ። ንስኻ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ፡ ከም መልኣኽ ኮይንካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምኡ እውን መሠረት ሕንጻ ጸሎት፡ ትሕትና ከምዝዀነ ኣይትረስዕ። እግዚኣብሔር እንተዘይሓጊዙካ፡ ብሓመድ ዝተሰራሕካ ሰብ ክንዲዝኾንካ፡ ከም መልኣኽ ክትበርርን ክትነፍርን ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ጸሎት ፍሉይ ጸጋ ምድላይ ከኣ፡ ትዕቢት ኢዩ። ጸሎተኛ ወይ ብጸሎት ፍሉይ ጸጋ ዝተቐበልካ ሰብ ኮይንካ፡ ክትርኤ እውን ኣይትድለ፥ ካብዙ ኵሉ ነገር ምድላይ ግን፡ እቲ ዝበለጸ ብትሕትና ምንባር ኢዩ።

ቅድስና ዚርከብ በዙ ፍሉይ ዝኾነ ህያብ ኣይኮነን፥ እቲ ዝለዓለ ሽልማት ኪቅበል ዚግብኦ ብጽቡቕ ድላይን ብጻዕርን ዜጥረኻዮ መንፈሳዊ ኃይልን ቅድስናን ኢዩ። ብተጋድሎን፡ ብትሕትናን፡ ብንጽሕና ኅሊናን ንእግዚኣብሔር ዜገልግል ኢዩ እቲ ኣውራ ቅዱስ ዚበሃል። ካብቶም ትሕትና ዘይብሎም፡ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ሊቃውንቲ ኣተሓሳስባ፡ ናይቲ ገርሂ ዝኾነ ጸሎት፡ ትሑት ሰብ ይበልጽ። እቲ እግዚኣብሔር ንነፍሳት ዚህቦ ፍሉይ ዝኾነ ጸጋ ጸሎት፡ ባዕልኻ እንተዘይፈቲንካዮ ጣዕሙ ፈጺሙ ኪርድኣካ ኣይኽእልን ኢዩ።

ንትሑት መንነትካ ብዝተኣመንካሉ መጠን፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ብእኡ መጠን ሓፍ ኬብለካ ኢዩ። ፍልጠትካ ትሕትና እንተደኣ ኣሊዩዎ፡ ብጐደና ጸሎት ቀልጢፍካ ንኽትስጕምን ንኽትምዕብል ብዙኅ ኪሕግዘካ ኢዩ። ነፍስኻ ብትሕትና ኣጸቢቓ ምስ ደልደለት፡ እግዚኣብሔር ንኺፍትነካ፡ ናብ ምድረ በዳ ኪወስደካ ኢዩ።

ጸሎት ክትገብር ከሎኻ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድኻን፡ ዓባስን፡ ምልቡስን ከምዝኾንካ ፈሊጥካ ትሕትና ገይርካ ቅረብ። እግዚኣብሔር ልዕሊ ኵሉ ንልብኻ ኢዩ ዚርኢ፡ ንድምጽኻ ጥራይ ኣይኮነን ዚሰምዕ። ንመንፈሳዊ ጥቕምኻ ዚኸውን ዚፈልጥ ከኣ፡ እቲ ንነፍስኻ ዚከናኸን መለኮታዊ ሓኪምካ እምበር ንስኻ ኣይኮንካን። እግዚኣብሄር ካብ ንሓደ ብትምህርቲ መለኮት ሊቅ ዜበለ ብዓል እምነት፡ ንሓንቲ ዘይተማህረት ድኻ ዝኾነት አረጊት ሰበይቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝበለጸ ርድኢት ኪህባ ከምዚኽእል ፍለጥ።

ብጸሎት ዚርከብ ናይ መንፈስ ኃለፋ፡ እግዚኣብሔር ብኸማኡ ዚህቦ ፍሉይ ጸጋ ኢዩ። እዙ ብጸሎት ዚርከብ ናይ መንፈስ ኃለፋ ባዕሉ እግዚኣብሔር ፈትዩ፡ እንተዘይሂቡካ፡ ንስኻ ናብ ሞት ክሳብ እትበጽሕ፡ ሃረር እንተበልካ እውን፡ ክትረኽቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። እምበኣር፡ እዙ ናይ መንፈስ ናይ ጸሎት ህያብ ተዓዲልካ እንተኾይንካ፡ ካብ ካልኦት ዘይተዋህቦም ዝበለጽካ ኮይኑ ከይስመዓካ ተጠንቐቕ ኢኻ።

ናይ ጸሎት ህያብ ብምሕረትን ብርኅራኄን ኣምላኽ እምበር፡ ብሞያኻ ኣይኮነን ዚርከብ። ኣብ ጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ክትራኸብ ከሎኻ፡ ናይቲ ርክብ ፍረ፡ ኣብ ውሽጥኻ ተኃቢኡ ዚነብር ወርቂ ዝኾነ ኅብረት ኣምላኽ ኢዩ። እዙይ ከኣ፡ ብዘይ ናይ እግዚኣብሔር ሓገዝ ኣይርከብን ኢዩ።

ኣብ ትሓዝነሉ ጊዜ ጸሎትካ ኣይተቋርጽ፡ ወይ ከኣ እግዚኣብሔር ብኣኻ ዘይግደስ ኮይኑ ኣይሰምዓካ። ናይ መንፈስ ዝሕታሌ እንተተሰምዓካ እውን፡ ዓቢይ ሓገዝ ክትረኽበሉ ስለእትኽእል፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል ኮይንካ ጸሎት ግበር።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጸዋዕታ ጐይታ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 19 May 2022, 03:55

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

97 - ጸዋዕታ ጐይታ

ጸዋዕታ ጐይታ ዚበሃል፡ እግዚኣብሔር ንነፍስኻ መሪጹ፡ ኣብ መደብ ድኅነቱ፡ ኣብ ፍሉይ ዝኾነ ስራሕ ኬዋፍራ ምስ ዚደሊ፡ ናይ ዕድመ መጸዋዕታ ዚገብረላ ኢዩ። እግዚኣብሔር ንሓደ ሰብ መዓልታዊ ስራሑ እናኣካየደ ከሎ፡ ብሃንደበት ጸዊዑ፡ ካብ መዓሙቝ ልቡ ኣትኂዙ፡ ሡር ነቀል ብዝኾነ ለውጢ፡ ንምሉእ ሕይወቱ ቐይሩ ኪጽውዖ ከሎ ኢዩ (ኦዘ 12፡1: ኦዘጸ 3፡10: ኣሞ 7፡15: ኢሳ 6፡9: ኤር 1፡7: ሕዝ 3፡1-4: ማቴ 9፡9-13: 10፡1-4: ማር 3፡13: ሉቃ 6፡12: ግሓ 9፡1-16 ረአ)።

እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ንባህርያዊ ናጽነቱ ከይነኽኦን ከይቀሰቦን፡ ብሕሽዅታኡ ናብኡ ከምዚዝንብል ይገብሮ ደኣ እምበር፡ ብኃይሊ፡ ብሰንሰለት ኣሲሩ ኣይጐቶን ኢዩ።
እግዚኣብሔር ንነፍሲ፡ ከምቲ ሥጋዊ ዕግበት ዘይኮነ፡ ካልእ ዓይነት መንፈሳዊ ዕግበት ኣብ ውሽጣ ኣኅዲሩ ብጥዑምን ብሰላማውን ዝኾነ ሕሹኽታ ኢዩ ዚዛረባ። ሓንቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ምስ ትኣቱ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ካብቱ ኵሉ ኣብ ምሉእ ሕይወታ ዝረኸበቶ ካብኡ ዚበዝኅ ጽቡቕ ነገር ኢያ ትረክብ።

እግዚኣብሔር ናብኡ ኪጽውዓካ እንተደሊዩ፡ እቲ ድምጹ ነቲ ጸሚሙ ዘሎ እዝንኻ ብኃይሊ ከፊቱ፡ ንነፍስኻ ናብ ሰማይ ናብኡ ኬዕርጋ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ንጸላም መንፈስካ ዜብርህን ብማሕታ ብርሃኑ ገይሩ ንዑረትካ ዜሕውን ቅጽበታዊ ብርሃን ኢዩ። እታ ኣብ ሕይወትካ ክትረኽባ እትኽእል ብልጽቲ ሉል፡ ጸዋዕታኻ ከተለሊ ከሎኻ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ንነፍሲ ብርሃን-ሓቂ ኪገልጸላ ምስ ደለየ፡ ሻቡ ሸይጣን ኬስሕት ኢሉ ኣብ መንገዲ ዚመልሶ ፈተናን ዕንቅፋትን፡ ንዓኣ ንሱ እቲ ዝበለጸ ኃይሊ ዚህባ ነገር ኢዩ። እግዚኣብሔር ንሓንቲ ነፍሲ ንርእሱ ቢሉ እንተመረጸ፡ ፍጡራን ዚገበሩ እንተገበሩ፡ ኣብ ዚበጽሕዎ የብሎምን። ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ምስ ተቐበልካ፡ ናይ ፍቓድካ መሥዋዕቲ እንተድለየካ’ኳ፡ ግን ንልብኻ፡ ካብ ፍቕሪ ቤተ ሰብ ከምዚርሕቕን ከምዘይሰምዕን ኣይገብሮን ኢዩ (1መነገ 19፡20 ረአ)።


ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ዘለዋ ነፍሲ፡ ነቶም እተፍቅሮም እሞ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢላ ዝተፈለየቶም ኵሎም፡ ናብቲ ጥዑም ዝኾነ ኣምላኽ ኢያ ተማኅጽኖም። እግዚኣብሔር ነቶም ዓለም ዚንዕቆምን ንድምጹ ቀልጢፎም ዚሰምዑን ኢዩ ዚመርጽ። እግዚኣብሔር ኪጽውዕ ከሎ፡ ካባኻ፡ ናይ ልብኻን ናይ ምሉእ ሕይወትካን እሺ ዚብል መልሲ ኢዩ ዚጽበ (ኦዘጸ 19፡8 ረአ)። እግዚኣብሔር ናብኡ ዚጽውዓካ ንዓኻ ከይተወከሰ ኢዩ፡ መልሲ ምሃብ ግን ናትካ ናጻ ምላሽ ኢዩ።

ንስኻ፡ ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታኻ እሞ ሕሰብ (1ቆሮ 1፡26 ረአ)፥ ሰማያዊ ዜጋን፡ ስድራ ኣምላኽን፡ ኃው ክርስቶስን፡ ወራሲ ኣምላኽን፡ መዋርስቲ ክርስቶስን፡ ዳግማይ ክርስቶስን፡ ብሓጺሩ ኮታ ክርስቲያን ክትከውን ዝተጸዋዕካ ኢኻ። ጸዋዕታኻ ናብቲ ዝለዓለ ጠርዚ ኣገልግሎት ኣምላኽ፡ ብውፉይ ሕይወትካ ኢዩ ዚበጽሕ። ኣምላኽ ሎሚ ኪጽወዓካ ከሎ፡ ጽባሕ ንግሆ ምእንቲ ከይትጠዓስ፡ መልስኻ ከይሃብካዮ ሱቕ ኣይትበል።


ከምኡ እውን እግዚኣብሔር ምስ ጸውዓካ እሺ ኢልካ ምስ ተኸተልካዮ፡ ንምሉእ ሕይወትካ ብሓቂ፡ ንኣምላኽ ተወፊኻ እንተዘይነቢርካ፡ ሕይወትካ ብኸንቱ ኃሊፉ ማለት ኢዩ። እቲ ኂዝካዮ ዘሎኻ ስራሕ ጽቡቕ እንተዘይሰሪሕካዮ፡ ነቲ ስራሕ ከምዚመክን ገይርካዮ ማለት ኢዩ (ሉቃ 13፡7 ረአ)፥ ንእግዚኣብሔር ብንጹሕ ልቢ እንተዘየገልጊልካዮ ከኣ፡ ሕጉስ ኮይንካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብ ኵሉ ነገር ናብ እግዚኣብሔር እናጠመትካ ንኽትነብር ጽዓር። ኣብ ውፉይ ሕይወትካ ከኣ፡ ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ተስፋ እናገበርካን ንመንፈሳዊ ሕይወትካ እናስተንተንካን ንዚገጥመካ ኵሉ ጸገም፡ ንኽትሥዕር ጸዓር። ብእምነት ንጸዋዕታኻ ከተለሊዮ ኢኻ፥ ብተስፋ ከኣ፡ ኣብ ፍጻሜ ንኽተብጽሖ ክትጐዓዝ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንሃብትኻ ኣብ ሰማይ ዕቘሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 26 May 2022, 03:19

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

98 - ንሃብትኻ ኣብ ሰማይ ዕቘሮ

ዓቢይ ክፋል ማኅበር ደቂ ሰብ፡ ናብዙ ዓለምዙይ ምስ መጸ ክፉእ ስራሕ ሰሪሖም ኢዮም፡ ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ ህልም ኢሎም ዝጠፍኡ። ቅዱሳን ኣብ መንግሥተ ሰማይ ኪሓዝኑ እንተዚኽእሉ ነይሮም፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከለዉ፡ ንጊዜኦም ጽቡቕ ገይሮም ስለ ዘይተጠቐሙሉ ወይ ከኣ ሕማቕ ገይሮም ስለ ዝተጠቐሙሉ ንዘለዓለም ኪበኽዩ ምነበሩ ነይሮም። ከምኡ እውን ቅዱሳት ንመንግሥተ ሰማይ ዝኸውን ካልእ ትሩፋት ኪገብሩ፡ ናብዙ ዓለምዙይ ኪምለሱ እንተዚኽእሉ ነይሮም፡ ብርግጽ፡ መንግሥተ ሰማይ ጥርሑ ምተረፈ ነይሩ!

ንስኻ ከኣ፡ ጊዜ ክሳብ ዘሎካ፡ ንሰማይ ዝኸውን ሃብቲ ኣዋህልል፡ ምስ ሞትካ ትሩፋት እትእክበሉ ጊዜ ኣይኪህሉን ኢዩ። ምድራዊ ሕይወትካ ምስቲ ዘለዓለማዊ ሕይወትካ ኪነጻጸር ከሎ፡ ከም ሓደ ሓጺር መዓልቲ ኢዩ።

ምናልባት ክትሰርሕ ተጸዊዕካ ከሎኻ፡ ክኸይዶ ክተርፍ እናበልካ እዋን ስራሕ ኃሊፉካስ፡ ጐይታ ኣብ ከተማ ወዘንዘን ክትብል ምስ ረኸበካ እንታይ ኢልካ ክትምልሸሉ ኢኻ? ነቲ እግዚኣብሔር ናብኡ ክትምለስ ኢሉ ዝሰደደልካ ናይ መጸዋዕታ ዕድመ፡ መልሲ ከይሃብካሉ ክሳብ መወዳእታ ሕይወትካ ኣይትጸበ። ኣብ ከምዙይ ዝመሰለ ጕዳይ፡ ክሳብ መወዳእታ ሰዓት ሕይወትካ ምጽባይ ብሓቂ ሓደገኛ ኢዩ። እዛ መወዳእታ ሰዓት ሕይወትካ እዚኣ ብሃንደበት ክትመጸካ ትኽእል ኢያ። እኳ ደኣ፡ ነፍስወከፍ ሰዓት ሕይወትካ፡ እታ መወዳእታ ክትከውን ስለ እትኽእል፡ ጽቡቕ ገይርካ ተጠቐመላ።

ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዚርከብ መዓልቲ እናረኤኻ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ዕላማ ሕይወትካ ዝኾነ፡ ዓቢይ ሽልማት ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ጐይታኻ ንኽትቅበል ጽዓር (ፊሊ 3፡14 ረአ)። ጊዜ ሕይወትካ ቀልጢፉ ምስ ኃለፈ ስለ ዘይምለስ፡ ነዙ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጊዜ ብቕድስና ኣሕልፎ።

ነቲ ”ዘይበሊ ማኅፉዳን ዘይጐድል ሃብትን፡ ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦን፡ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎን፡ ኣብ ሰማይ ዕቘሮ” (ሉቃ 12፡33: ማቴ 6፡20 ረአ)። እቲ ጐይታ ኪበጽሐካ ኢሉ ዚመጸሉ ጊዜ ኣስተውዒልካ ኣለሊዮ፥ ንሱ ሓንሳብ ካባኻ እንተኃሊፉ ከይተመልሰ ኪተርፍ ስለ ዚኽእል፡ እዙ ዓቢይ ዕድልዙይ ንኸይተጥፍኦ ተጠንቐቕ።

ጸልማት ከየርከበካ፡ ብርሃን ከሎ መንገድኻ ንኽትቅጽል ጽዓር (ዮሓ 8፡12ረአ)። ካብቲ እግዚኣብሔር ሂቡካ ዘሎ ሰዓት ሕይወትካ፡ በቲ መዓልቲ መዓልቲ ዚኃልፍ ሰዓት፡ እናተነከየ ስለ ዚኸይድ፡ ነዛ ሕጂ ዘሎኻያ ሰዓት፡ ክትቅድሳ ዠምር። ወይ ጕዳም ዝኾነት ሰዓት! ኣብ ሕይወትካ ኵለን ሰዓታት ኢየን ኪቝስላኻ ዝነብራ፡ እታ ትቐትለካ ግን፡ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኢያ።

መዋዕልካ ተቘጺርካ እትሰርሓሉ ዘሎኻ፡ ጊዜ ኢዩ፥ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ እዙ ስራሕዙይ ጸብጻብ ክትህብ ኢኻ (ማቴ 25፡14-30 ረአ)። ንሕይወትካ ብኽንደይ ጥቕሚ ክትመልኦን ቅዱስ ክትገብሮን ከምትኽእል ሕሰብ። ኣብ ቅድስና ክትበጽሕ እንተዘይኺኢልካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ብዙኅ ዓመት ምንባር እንታይ ይዓብሰልካ? እቶም ብሓጺር ጊዜ ተቐዲሶምስ፡ ንነዊሕ ጊዜ ከኣ፡ ኣብ ቅድስና ዚነብሩ ብዙኃት ኢዮም! (መጥ 4፡13 ረአ)።

ንሓደ ዓቢይ ሥነ ጥበባዊ ስራሕ፡ ኣሕጽር ወይ ኣንእስ ኣቢሉ ኬቕርቦ ዚኽእል፡ ዓቢይ ኪነታዊ ሞያ ዘለዎ ሰብ፡ ጥራይ ኢዩ። ከምኡ ከኣ፡ ኣብ ምሉእ ሕይወትካ ጽዒርካ ዘይትረኽቦ ፍጽምና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ግን፡ ብሓጺር ጊዜ ትበጽሖ። ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ሓድሓደ ጊዜ ትዕግሥቱ ዜጥፍኤ ኢዩ ዚመስል፡ እዚ ከኣ፡ ነቶም ኣዕሩኽቱ ገና ጊዜኦም ከይኣኸለ ከሎ፡ ናብቱ ዝበለጸ ሕይወት ስለ ዜሳግሮም።

ንስኻኸ ብዛዕባ መጻኢ ጊዜኻ፡ ስለምንታይ ኢኻ ክሳብ ክንድዙይ ትሻቐል? ርግጽ ኢዩ፡ እቶም ኣብ ታሪኽ ዓለም እናተዘከሩ ዚነብሩ ዘለዉ ሰባት፡ እቶም ኣብ ሕይወቶም ኣርሒቖም ዝጠመቱ ኢዮም፥ ንስኻ እውን ካብ ሎሚ መዓልቲ ዠሚርካ ንኽትቅደስ ዚኽልክለካ ነገር የብልካን።

ጽባሕ ምህላውካ ዘይምህላውካ መን ኢዩ ዜረጋግጸልካ? ጽባሕ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ኣብ ኢድካ ኣይኮነትን። ስለዚ ነቲ እግዚኣብሔር ሂቡካ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ከይተሸገርካ (ማቴ 6፡34 ረአ)፡ እሞ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጊዜ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣጸቢቕካ ተጠቐመሉ ኢኻ።

ንድኅሪት ተገልቢጥካ ምጥማት ምልክት ድኻም ክንዲ ዝኾነ (ሉካ 9፡62 ረአ) ነቲ ዝተጐዓዝካዮ መንገዲ ክትርኢ ኢልካ፡ ንድኅሪት ገጽካ ፈጺምካ ኣይትጠምት። መዋዕልካ ነዊኅ ከምዘይኮነ ተረዲኡካ ስለ ዘሎ፡ እዙይ ከኣ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጊዜ ኣጸቢቕካ ንኽትጥቀመሉ ይሓግዝካ።

እወ፡ ኵሉ ነገር ኪኃልፍን ኪውዳኣን ኢዩ፡ ፀሓይ ዓራርቦ መዋዕልካ እውን ይቀራረብ ኢዩ ዘሎ። ነፍስወከፍ ዝኃልፍ መዓልቲ ከኣ ናብቲ ናይ መወዳእታ ምድራዊ ሕንጻጽ ሕይወትና፡ እናተቐረበ ኢዩ ዚኸይድ ዘሎ። ብዙኃት፡ ቦታ ሓዲጎሙልካ ካብዙ ህይወት እዙይ፡ ኃሊፎም ኢዮም፥ ንስኻ ከኣ ጊዜኻ ምስ ኣኸለ እቲ ቦታኻ ንኻልኦት ሓዲግካሎም ክትከይድ ኢኻ። እንተኾነ እቲ ኣገዳስን ኣድላዪን ነገርሲ፡ ነዙ ሓጺር ምድራዊ ሕይወትካዚ፡ ክትቅድሶ ከምዘሎካ ኢዩ።


ኣብዙ ዓለምዙይ ሓንሳብ ጥራሕ ስለ እትነብር፡ ቅዱስ ኮይንካ ንኽትነብር ጽዓር። ንሕይወትካ ኣብ ጽቡቕ ከተውዕሎን ጽቡቕ ፍረ ከተፍርየሉን እንተደሊኻ፡ ንምድራዊ ሕይወትካ ብቕድስና ኣኅልፎ። እቲ ጊዜ ቃልሲ ሓጺር ኢዩ፥ እቲ ጊዜ ታሕጓስ ግን፡ ንወትሩን ንዘለዓለምን ከምዝኾነ ኣይትረስዕ (2ቆሮ 4፡17 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንሓቂ ብልቢ ድለያ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 01 Jun 2022, 04:30

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

99 - ንሓቂ ብልቢ ድለያ

ንሓቂ ብልብኻ ክትረኽባ ኢልካ እንተደሊኻያ፡ ነቲ ሓቂ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኢኻ ትደልዮ ዘሎኻ (1ዮሓ 5፡6 ረአ)። እግዚኣብሔር ንኵሉ ሰብ፡ ኣብ ሓቂ ኪበጽሕ ኢዩ ዚደሊ (1ጢሞ 2፡4 ረአ)። እንተኾነ ግን፡ ንሓቂ ክትደሊ ከሎኻ፡ ናብ ጥቕምኻ ክትምልከት የብልካን። ንሓቂ ክትደሊ ከሎኻ፡ ከም ስምዒታዊ ዝኾነ ኣገባብራ፡ መጋገዪ ነገር የልቦን።

ንርእስኻ ከየሔጐስካ ብህዱእ ልቢ ንሓቂ መሚኻ ከተውጽእ እንተደሊኻ፡ ካብ ክንደይ ዘይጠቕምን ጐዳእን ዝኾነ ነገር ኢኻ ትድኅን። ሓቂ፡ ዋላ ንጊዜኡ ተቝስለካ እንተኾነት፡ ንኸተኽብራን ወይ ከኣ ንማንም ከይወቐስካ፡ ንኵሉ ምእንቲ ከተበሥራ፡ መንፈስካን ልብኻን ከተዕቢ የድሌካ።

ካብ ሓቂ ናብ ሕይወትካ ክትኣቱ እትዥምር ብኣእምሮኻ ጥራሕ ትሓስብ፡ ብልብኻ እውን ከተፍቕር ምስ ትዥምር ኢዩ። ንሓቂ ሕጂስ ኂዘያ ኢየ ክትብል እትኽእል፡ ብልብኻ ክትሰምዓ ምስ ትዥምር ጥራሕ ኢዩ።

ክትካታዕ ከሎኻ፡ ዘረባኻ ንኻልኦት ኬረድእ ዚኽእል፡ ሓቂ ኂዝካ ትዛረብ እንተ ኮይንካ ኢዩ። ከምቲ ፍቕሪ ንጽልኢ ዜጥፍኦ፡ ከምኡ ከኣ፡ ሓቂ እታ ንጌጋ ወይ ንሓሶት እተጥፍእ ዝበለጸት መሳሪሒት ኢያ። ከምቲ ንስኻ ብዛዕባ ሓቂ ዘሎካ ርድኢት ከምኡ ከኣ ካልኦት ተረዲኦም ንኺሰርሑ፡ ከተሳድዶም መሰል የብልካን። ከምኡ እውን ተፃይ ሓቂ ክትዛረብ ዘይፍቀደልካ’ኳ እንተኾነ፡ ግን ከኣ፡ ንኵሉ እትፈልጦ ሓቂ ክትዛረቦ ብኅሊናኻ ኣይትግደድን ኢኻ።

ንጌጋ ክትነጽግ መሰልካ ኢዩ፥ ንሓቂ ክትነጽግ ከሎኻ ግን፡ ገበን ኢኻ ትገብር። ሓቂ ንኽትዛረብ ትፈርሕ እንተኾይንካ፡ ሱቕ ብምባልካ ጥራሕ፡ ኣብ ውግእ ንጸላኢኻ ሕቖኻ ሂብካ ከም ምህዳም ኢዩ ዚቝጸር። ካልኦት ብዛዕባ ሓቂ ካባኻ ኣብሊጾም ኪምስክሩ ከለዉ፡ ንዓኻ ከምዚመስከሩልካ ገይርካ ርኣዮ ኢኻ። ነፍስወከፍ ሰብ ናይ ሓቅነት መሳርሒ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ንስኻ ንኻልኦት ምስክር ሓቅነት ክትኮኖም እትኽእል፥ ካልኦት እውን ንዓኻ ምስክር ሓቅነት ኪኾኑኻ ይኽእሉ ኢዮም። ብርሃን፡ ካብ ዝመጸት ትምጻእ፡ ሓንጎፋይ ኢልካ ክትቅበላ ይግባእ።

ብዙኅ ጊዜ፡ ሓቂ፡ ከከም ጥቕምኻ ገጻ እናቐያየረት ኢያ ትረኤ። እንተኾነ ግን፡ ሓቂ ክትፈልጥ እንተደሊኻ፡ እቲ ካባኻ ዚድለ መሠረታዊ ነገር፡ ካብ ሓቂ፡ ጥቕሚ ገዛእ-ርእስኻ ዘይምድላይ ኢዩ። ሓሶት፡ ቀልጢፉ ናብ ኵሉ ስለ ዚብተንን ስለ ዚባዛኅን፡ በዙ ምኽንያትዙይ ጥራሕ፡ ሓሶት ሓቂ ኪኸውን ኣይኽእልን ኢዩ።


ደቂ ሰብ፡ ብዙኅ ጊዜ፡ ንሓቂ ዚፈትዉ፡ ደማቕ ኮይንና ኪትርኤ ከላ ኢያ፡ ዚጸልእዋ ከኣ ኪትወቕስ ከላ ኢያ። ከምኡ እውን ብዙኅ ጊዜ፡ ሰባት ሓሳብ ካልኦት ኪቕበሉ ከለዉ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣሚኖሙሉ ዘይኮነስ፡ ምስ ሓሳቦም ስለ ዚሰማምዕ ጥራይ ኢዩ።

ንስኻ እውን፡ ንሓሳብ ካልኦት ክትቅበል ከሎኻ፡ ክትቅበሎ ዝግብኣካ ሓቂ ክንዲ ዝኾነ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ሓሳብካ ስለ ዚሰማማዕ ጥራይ ኪኸውን ኣይግባእን። ነቲ ሃብቲ ኵሉ ዝኾነ ሓቅነት ከተፍቅር ኢዩ ዝግብኣካ እምበር፡ ንዓኻ ወይ ንዓኣቶም ጥራይ ስለ ዚድግፍ ኣይኮነን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሃብቲ ጸጋ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 10 Jun 2022, 09:42

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

100 - ሃብቲ ጸጋ

ጸጋ ኣምላኽ፡ ናይ ሓቀኛ ሕይወትን መሠረትን ዘለዓለማዊ ክብርን፡ ሓቀኛ ዘርኢ መንግሥተ ሰማይን ኢዩ። ጸጋ ኣምላኽ፡ እቲ ባዕሉ ኢየሱስ፡ ናብዙ ዓለምዙይ ኂዙዎ ዝመጸ ዘለዓለማዊ ሕይወትን (ሮማ 6፡23 ረአ)፡ ብትሩፋቱ ከኣ፡ ናይ ጸጋ ምንጪ ኢዩ (ዮሓ 1፡7፡4፡14 ረአ)

ጸጋ ጥምቀት ካብ ዝተቀበልካሉ ጊዜ ዠሚርካ መለኮታዊ ማራ ዝኾነ ጸጋ ሕይወት ኣባኻ ይርከብ፥ ንኵሉ ተግባርካ ከኣ፡ ልክዕ ከም ኣምላኽ ኮይንካ ኢኻ ትፍጽሞ። ጥምቀትኻ፡ ናይቲ ኵሉ ዝተቐበልካዮ ጸጋ፡ ሓለፋ ኵሉ ዘለዎ ጸጋ ኢዩ። ጸጋ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዝኾነ፡ ኣባኻ ዚነብር ሕይወት ኣምላክን፡ ንስኻ ኣብ ቅድስና ኣምላኽ ዘሎካ ተሳትፎን ማለት ኢዩ።

ጸጋ፡ እቲ እግዚኣብሔር ብናጻ ዚህበካ ናይ ባዕሉ ውህበት ኢዩ። ከማኡ ከኣ ናባኻ ኣብ ገዛእ ባህሪኡ ከምትሳተፍን ምስ ኢየሱስ ወዱ ከኣ ኃቢርካ ከምትወርስን ዚገብረካ ውህበት ኢዩ። ምእንቲ እዙ ሰማያዊ ሃብቲ ጸጋ እዙይ ኢልካ፡ ንገዛእ ሕይወትካ፡ ኣኅሊፍካ እንተሃብካ፡ ጽቡቕ ስለ ትገብር፡ ነዙሰማያዊ ሃብቲ ጸጋ እዙይ ዓቢይ ክብሪ ይሃሉኻ። ኣየባ! ነዙ ህያብ ኣምላኽዙይ እንተትፈልጦ ነይርካ! (ዮሓ 4፡10 ረኣ)።

እግዚኣብሔር ክነሱ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ንወዱ ዚበቅዕ ሓደ መንበሪ ከሳናድወሉ ምስ ደለየ፡ ካብ ሓንቲ ጸጋ ዚመልኣ ማርያም ድንግል ዝሓሸ ኪረኽበሉ ኣይኸኣለን (ሉቃ 1፡28 ረኣ)። ሰብነትካ ምእንቲ ነፍስካ ኢሉ ኢዩ ዚነብር፡ ነፍስኻ ከኣ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢላ ኢያ ትነብር። ከምቲ ነፍሲ ኣብዙ ባህርያዊ ሕይወት ንኽትነብር ኃይሊ ሰብነት እትጥቀም፡ ከምኡ ከኣ ጸጋ፡ መልዕልተ ባህርያዊ ሕይወት ንምርካብ፡ ብኽእለት ነፍሲ ኢያ ትጥቀም።

ኣብ ገዛእ ኃይልኻ ጥራሕ ኣብ እትምርኰሰሉን እትተኣማመነሉን ጊዜ፡ ክፉእ ኣወዳድቓ ኢኻ ትወድቕ። ኣብ ርእስኻ ክትተኣማመን ከሎካ ኢኻ፡ ድኻምነትካ ዚግለጽን እትወድቕን። ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ምትእምማን ግና፡ ኃይልኻን መንፈሳዊ ሕይወትካን ዚግለጸሉ ጥበብ ኢዩ። ብኽርስቲያናዊ ጸዋዕታኻ ዝረኸብካዮ ጸጋ ኣምላኽ ንድኅነት ነፍስኻ ዜረጋግጸካ ሓገዝ ኪኸውን ኣለዎ፥ ነቲ ዝተዋህበካ ጸጋ ኣምላኽ ብተኣማንነት ተጠቐመሉ፥ ዝተቐበልካዮ ጸጋ ኣምላኽ ከይሰራሕካሉ መኺኑ ንኸይተርፍ ተጠንቐቕ።

ኣብ መንጎ ጸጋ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ናትካ ጸጋ ተግባርን ናይ ምትሕግጋዝ ውዕሊ ቆይሙ ይርከብ። እዙይ ከኣ፡ ብዘይ ሓገዝ ኢየሱስ ዚግበር ነገር ከምዘየልቦን፥ ብዘይ ናትካ ጽቡቕ ድላይ ከኣ፡ ዚግበር ነገር ከምዘየልቦን ዜረድእ ኢዩ። ሓቀኛ ሕይወት እቲ ናይ መንፈስ ኢዩ፥ ብመንፈሳዊ ሕይወት ከኣ ምጽንናዕ ኮነ ንጸገም ምስዓር ኮነ ኵሉ ብኃይሊ መንፈስ ኢዩ ዚርከብ። ንስኻ ምስ እግዚኣብሔር ኃቢርካ ምእንቲ ክትነብር ናብዙ ሕይወትዙይ ተጸዊዕካ ኣሎኻ፥ እዙ ሕይወትዙይ ከኣ ባህርይኻ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ብብዝኂ ሕያውነት ኣምላኽ ዝተዋህበካ ኢዩ።

ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ሰብኣዊ ሕይወትካ ንዚርከብ ንባህርይኻ፡ የኽብሮን፡ የኄይሎን፡ መለኮታዊ ይገብሮን ደኣ እምበር፡ ጐደሎ ኣይገብሮን ኢዩ፥ ኣይቐትሎን እውን ኢዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር ኪበሃል ከሎ መሰል ባህርይኡ ኢዩ፥ ንስኻ ግን፡ ወዲ እግዚኣብሄር እትበሃል ብጸጋ ጥራይ ኢኻ። ነቲ ኢየሱስ ዜምስለካ ቀዳሲ ጸጋ፡ መሠረታዊ ዝኾነ ምልክት እንተዘይለቢስካ፡ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ከም ወዱ ገይሩ ኣይርእየካን ኢዩ።

እቲ ብዘይ ቀዳሲ ጸጋ እትገብሮ ነገር ኵሉ፡ ንዘለዓልማዊ ሕይወት ዚጠቅም ትሩፋት የብሉን። እቲ ኣብ ሰብኣዊ ባህሪ ጥራሕ ተመርኵስካ እትገብሮ ስራሕ ከኣ፡ መልዕልተ ባሕሪያዊ ዝኾነ ፍረ ኣይፈርን ኢዩ። ንኢየሱስ ብጸጋ ኅዉ እንተዘይኮይንካ፡ ምሳኡ ኃቢርካ ክትወርስ እውን ኣይትኽእልን ኢኻ።


እቲ ሳላ ጸጋ ዚርከብ ፍቕሪ ኣባኻ እውን ዚርከብ እንተኾይኑ፡ ኵሉ እቲ ንስኻ እትገብሮ ጽቡቕ ተግባር፡ ከምቲ ኣብ ጕንዱ ኮይኑ ዚዕምብብ ዕምባባ፡ ወሰን ዘይብሉን ዘለዓለማውን ታሕጓስ ኪህበካ ኢዩ፥ እቲ ዋላ ሓደኩባያ ማይ እውን እንተዀነ ኣስቲየኒ ኢሉ ንዚሓተካ፡ ንስኻ ከኣ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ እንተስቲኻዮ፡ በዙ ተግባር እዙይ ጥራሕ፡ ወሰን ዘይብሉን ዘለዓለማውን ዝኾነ ታሕጓስ፡ ክትረክብ ኢኻ (ማቴ 10፡42 ረአ)።

ፍቓድካ ምስ ፍቓዱ ሓንሳእ ተሰማሚዑ ንእግዚኣብሔር እሺ ምስ በልካዮ፡ ሽዑንሽዑ፡ ከም ቅጽበት ዓይኒ፡ ከምቲ ንመላእኽቲ ዝገበሮም፡ ንዓኻ እውን ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ናይ ቅድስናን ናይ ክብርን ደረጃ ከቐምጠካ ምከኣለ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ምልኣት ኣባኻ ክሳብ ዚፍጸም፡ ንመለኮታዊ ሕይወትካ ባዕልኻ ከተማዕብሎ ከምእትኽእል ገይሩ ኢዩ ፈጢሩካ (ኤፌ 4፡13 ረአ)።

ነዙ ኪዓቢ ዚዥምር ዘሎ ውልዶ ዝኾነ ሕይወት፡ ከተማዕብሎ ጽዓር፥ ምሥጢራት፡ ልዕሊ ኵሉ ከኣ፡ ቅዱስ ቁርባን፡ ምንጪ እዙ ሕይወት’ዙይ ኢዮም። ጽቡቕ ተግባርካ እናበዝኄ ብዝኸደሉ መጠን ጸጋ ኣምላኽን ዘለዓለማዊ ታሕጓስን እውን ኣባኻ እናዓበየ ኪኸይድ ኢዩ። ዘለዓለማዊ ታሕጓስካ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ብዝኣከብካዮ ብዝኂ ጸጋ ተመጣጢኑ ኪምሥረት ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መለኮታዊ ውሉድነት ዚህብ ምሥጢር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 17 Jun 2022, 10:37

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

101 - መለኮታዊ ውሉድነት ዚህብ ምሥጢር

እምነት ሡር ጽድቕኻን መሠረት ክርስትና ሕይወትካን ኢያ፥ ንሳ፡ ምስቲ እግዚኣብሔር ዝለኣኾ ቦዅሪ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቀንዲ ኣተና ስምዒትካን ተግባርካን ኢያ። “ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከኣ፡ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን፡ እቲ ዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን፥ ምፍላጥ ኢዩ” (ዮሓ 17፡3)

ምእንትዙይ እምነት ሡር ጽድቕኻ ካብ ኮነት፡ እቲ ኵሉ ብዘይ እምነት እትገብሮ ተግባር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ጥቕሚ የብሉን፥ ከንቱ ነገር ኢዩ።

እምነት ዘይብልካ እንተኾይንካ፡ ብስራሕካ፡ ንእግዚኣብሔር ከተሕጕሶ ኣይትኽእልን ኢኻ (ዕብ 11፡6 ረአ)። ኢየሱስ ንጥምቀት ዚሠርዓሉ ምኽንያት፡ ንዓኻ ብእኡ ንእትኣምን፡ ኣካሉ ምእንቲ ኪገብረካ ኢሉ ኢዩ። እዙይ ከኣ፡ እንድኅሪ ኣሚንካን ተጠሚቕካን ክትድኅን ከምእትኽእል ባዕሉ ኣረጋጊጹካ ኢዩ (ማቴ 16፡16 ረአ)።

ምስ ተጠመቕካ፡ ከምቲ ንኢየሱስ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ዝቐበርዎ፡ ንስኻ እውን ምስ ኢየሱስ ተቐቢርካ ኢኻ። በዙ ምሥጢራዊ ኣገባብራዙይ ንስኻ ኣብ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ተሳቲፍካ ኢኻ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ብሓደ ጊዜ ሞይትካን ከምብሓዲሽ ተወሊድካን ኢኻ፥ ክንዲ ዝሞትካ ከኣ ዳግም ክትውለድ ክኣልካ።

ብጥምቀት፡ ጸጋ እትረኽበሉ መንፈሳዊ ሕይወት እውን፡ ተዋህበካ። ከምኡ እውን፡ እግዚኣብሔር፡ ብጥምቀት ገይሩ፡ ዕርቡን መንግሥተ ሰማይ ዝኾነ ገዛእ ሕይወቱ ሃበካ። ማይ፡ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ንነፍስኻ፡ ዳግም ወለዳ። ከምኡ እውን ክትጥመቕ ከሎኻ፡ እቲ ግዙፍ ዝኾነ ሕጽበት ማይን፡ እቲ ረቒቕ ዝኾነ መለኮታዊ ርደት መንፈስ ቅዱስን፡ መልዕልተ ባሕሪያዊ ጸጋ ምእንቲ ኬውህበኻ ብሓንሳብ ተፈጸሙ።

ብጸጋ ጥምቀት ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሔርን ኣካል ኢየሱስን ኢኻ (2ቆሮ 1:22: 5፡5 ረአ)። ምስ ተጠመቕካ ከኣ ምስ ኢየሱስ ስቝል፡ መንፈሳዊ ኅብረት ኣባኻ ተፈጸመ፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞት ከኣ፡ ጥሒልካ ተረኸብካ (ሮማ 6፡3 ረአ)። ስቓይ ጥምቀት ኢየሱስ፡ ንጥምቀትካ ሕይወት ዘርኣሉ (ማቴ 10፡38: ማር 12፡50 ረአ)። ክትጥመቕ ከሎኻ፡ እኳ ደኣ፡ ብኃይሊ መንፈሳዊ ስቓይ ኢየሱስ ኣብ ጥምቀቱ ጠሊቕካ ክንዲ ዝተጠመቕካ፡ እቲ ስቓይ ጥምቀት ኢየሱስ፡ ሓቀኛ ጥምቀትካ ኮነ።

ጥምቀትካ ኣምሳል ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ስለ ዝኾነ፡ ንኃጢኣት ዳግም ከምዘይትግዝኦን ብኢየሱስ፡ ሓዲሽ ሕይወት ከምትረክብን ገበረካ። ንሞት ዳግም ንኸይትግዛእ ምሒልካ፡ ምስቲ ብጸጋ ጥምቀት ኣካሉ ዝገበረካ፡ ብኽርስቶስ፡ ኣብ ኣምላኽ ሕያው ስለ ዝኾንካ፡ ሓዲሽ ሕይወት ሰኒቕካ ክትነብር ይግባእ (ሮም 6፡3-13 ረአ)።

ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምልክት ሞቱ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ንኽዳውንቱ ኣብ ውሽጢ መቓብሩ ኃዲግዎ ዝኸደ፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ፡ ብኃጢኣትካ ኣብ ማየ-ጥምቀት ኃዲግካዮ ኢኻ ወጺእካ። ከምቲ ኢየሱስ ካብ መቓብሩ ናጻ ኮይኑ ዝወጸ፡ ንስኻ፡ ከኣ ካብ ማየ ጥምቀት፡ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ነጺሕካን፡ ብጸጋኡ መንፈሳዊ ኃይሉን ተመሊእካን ብህያቡ ተሸሊምካን፡ ቤተ መቕደስ ሥላሴ ኮይንካን ኢኻ፡ መለኮታዊ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዓሰለካ።

እቲ ብጥምቀት ዝዠመረ መንፈሳዊ ተሓድሶ፡ እታ ንዘለዓለም ዘይትመውት ነፍስኻ ኣብ ክብሪ መንግሥተ ሰማይ ክሳብ እትበጽሕ፡ ንምሉእ ክርስቲያናዊ ሕይወትካ ኪቕጽል ኢዩ (2ቆሮ 4፡18 ረአ)። እቲ ብጥምቀት ዝተቐበልካዮ ጸጋ-ውሉድነት፡ ፈላሚ ምንጪ ኵሉ ጸጋ ኢዩ። ዕቤትካ ዝዠመረ ብጥምቀት ኢዩ፥ ጥምቀት ከኣ፡ ንዘለዓለም ዜናብረካ መለኮታዊ ሕይወት ኢዩ።

“ኦ ክርስቲያን፡ ክብርኻ ፍለጥ፥ ኣብ ሕይወት ኣምላኽ ኢኻ ትሳተፍ ዘሎኻ፥ ብኽፉእ ጠባይካ ናብቲ ናይ ቀደምካ ሕማቕ ናብራ ኣይትውረድ፥ ሓለቓኻ መን ምዃኑን፡ ንስኻ ከኣ፡ ኣካል ኣየናይ ሰብነት ምዃንካን ኣይትረስዕ ኢኻ። ካብ ጸላም ዝኾነ ሥልጣን ሸይጣን ተመንዚዕካ፡ ናብ ብርሃን መንግሥቲ ኣምላኽ ከምዝኃለፍካ ኣይትረስዕ። ንስኻ፡ ብምሥጢረ ጥምቀት፡ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ኮይንካ ኢኻ። ብኽፉእ ጠባይካ፡ ነቲ ኣዚዩ ክቡር ዝኾነ ጋሻኻ ኢየሱስ፡ ካባኻ ከምዚርሕቕ ኣይትግበሮ። ንዓኻ ንምድኃን ክርስቶስ ደሙ ከምዝኸፈለልካ ኣይትረስዕ” (ቅዱስ ለዩነ ማኞ)

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሃረርታ ቅድስና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 23 Jun 2022, 10:55

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

102 - ሃረርታ ቅድስና

ኣብ ቅድስና ክትበጽሕ እንተደሊኻ፡ ቀዳማይ ነገር፡ ናቱ ሃረርታ ኪህልወካ ይግባእ። ልዕሊ ኵሉ ሃረርታ ቅድስና ይሃሉኻ፥ ካብ መንገዲ ቅድስና ኣይትውጻእ፥ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ ንድኅሪት ከይትምለስ፡ ካብ ልብኻ እዙ ሃረርታ እዙይ ኣይተውጽኣዮ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ ዓስብኻ ኪህበካ ኢዩ።

ዓበይቲ ነገር ንኽትፍጽም ድሌት እንተገቢርካ ንእሽቶ ነገር ንምፍጻም ኪቐለልካን ትብዓት ኪስመዓካን ኢዩ። መዓልቲ መዓልቲ ናብ ቅድስና ንኽትበጽሕ እንተዘይጽዒርካን ንኽትፍጽሞ ቍርጺ ፍቓድ እንተዘይገይርካን፡ ሃረርታ ምግባር ጥራሕ ኣይኣክልን ኢዩ። ቅዱስ ንምዃን ሃረር ምባል ትዕቢት ኣይኮነን፡ ንሱ፤ እኳ ደኣ፡ ኣተና መፍጠሪኻ ስለ ዝኾነ፡ ንቕድስና ሃረር ምባል ጽቡቕ ኢዩ (1ተሳ 4፡3 ረአ)።

እግዚኣብሔር ቅዱስ ንኽትከውን ኢዩ ፈጢሩካ (1ተሳ 4፡7 ረአ)፡ ብሓገዙን ብጽቡቕ ድላይካን፡ ኵሉ ስለ ዚከኣል፡ (ማቴ 19፡26 ረአ) ብጸጋኡ ቅዱስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ (ፊሊ 4፡13 ረአ)። ኢየሱስዶ ኣይኮነን ግዲ ብቕድስና ንዕኡ ክትመስል ዚምዕደካ ዘሎ? (ማቴ 5፡48 ረአ)።

ነቶም ናብ ቅድስና ክትበጽሕ ዚሕግዙካ ምሥጢራት ንኽትጥቀመሎም ጽቡቕ ድላይ እንተደኣ ኣሊዩካ፡ ብሓጺር ጊዜ ኣብ ፍጽምና ብዙኅ ስጕምቲ ንቕድሚት ክትገብር ኢኻ። ኣነ ንቕድስና ኪበጽሓ ኣይኽእልን ኢየ ትብል እንተደኣ ኰይንካ ግን፡ ንቕድስና ፈጺምካ ክትጓናጸፋ ኣይትኽእልን ኢኻ።

መዓልቲ መጸ፡ ክሳብ ሎሚ ሓንቲ ጽቡቕ ነገር ከምዘይገበርካ ቈጺርካ፡ ኵለንተናኻ ንኣምላኽ ብመንፈሳውነት ኣወፊ። ብገዛእ ስራሕካ ተሓጕስካን ትዕቢት ኣኅዲርካን ንርእስኻ ካብ ዘመጐስካላ መዓልቲ ዠሚርካ፡ ሓንቲ መንፈሳዊ ስጕምቲ ኣይክትገብርን ኢኻ። ብዝተጓናጸፍካዮ ርትዕን ጽድቅን፡ ንርእስኻ ኣይትመጕስ። ናብ እግዚኣብሔር ብዝቐረብካዮ መጠን፡ ከኣ፡ ካብ ቅድስና ማዕረ ክንደይ ርሑቕ ከምዝኾንካ ክርድኣካ ኢዩ።

ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገር፡ ወትሩሻዕ ጽምእን ጥሜትን ኪስመዓካ ይግባእ፥ ብዛዕባኡ ከኣ ዓጊበ ኢየ ክትብል ኣይግባእን (ማቴ. 5፡6 ረአ)። ዕግበት ኪስመዓካ ዚግባእ ኣብ ሰማይ ጥራይ ኢዩ፥ ከመይ ኣብ ሰማይ፥ ካብቲ ጽምእካ ዚበርተዔ ዓይኒ ማይ ኪህልወካ ኢዩ፥ ሃብቲ እውን ካብቲ ዜድሌካ ንላዕሊ ኪህልወካ ኢዩ።

ንስኻ ንርትዕን ንጽድቅን ከምትጸምእን ከምትጠምን ግበር፥ ተግባርካ ኣብ ልዕሊ ልብኻ ዘየቋርጽ ሥነ ልቦናዊ ጸቕጢ ስለ ዜኅድረልካ፡ ናትካ ናይ በይንኻ ዝኾነ ኣተሓሳስባ፡ ኪፈጥረልካ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ከኣ፡ ተግባርካ ጽቡቕ ከምዝኾነ ከተርድእ ክትጽዕር ኢኻ። ድኅሪ ነዊኅ ጊዜ እውን፡ እዙ ሓሳብዙይ ካብቲ እትገብሮ ስራሕ ስለ ዘይፍለ፡ ከም ተግባርካ ገይርካ ክትሓስብ ክትዥምር ኢኻ። ንስኻ ከም ሓደ ቅዱስ ኰይንካ ስራሕ እምበር፡ ልክዕ ከምኡ ገይርካ ከኣ፡ ክትሓስብ ኢኻ። ባዕልኻ እንተዘይተከልኪልካ ቅዱስ ንኽትከውን ዚኽልክለካ ሰብ ከምዘየሎ ፍለጥ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ቅድስና፡ ውህበት ኣምላኽ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 30 Jun 2022, 10:42

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

103 - ቅድስና፡ ውህበት ኣምላኽ

ቕድስና ብገንዘብ ኣይዕደግን ኢዩ፥ ቅድስና ንብረት እቲ ምንጪ ቅድስና ዝኾነ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ። ቅድስና ኪህበካ ዚኽእል እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ፡ ንዚደለዮ ናብ ቅድስና ዚጽውዕ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ (ማር 3፡13: ዮሓ 15፡5 ረአ)።

ቅዱስ ዚበሃል፡ እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ፥ ቅድስና ምስ ክርስቶስ ናብ ሕይወት እግዚኣብሔር ኃቢርካ ምስታፍ ማለት ኢዩ። እዙይ ከኣ፡ ንስኻ ምስ ክርስቶስ ትኃብር፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ይኃብር ማለት ኢዩ።

እግዚኣብሔር ንስኻ ቅዱስ ከምትኸውን ዚገብረካ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ናባኻ ልኢኹ ኢዩ።
እምበኣር ቅዱስ ዚበሃል፡ እቲ እግዚኣብሔር ዚቕድሶ ሰብ ጥራሕ ኢዩ። ንስኻ ከኣ፡ ብወገንካ፡ ክትገብሮ ዚግበኣካ ስራሕ፡ ዕንቅፋት ንዚፈጥር ነገር እናኣለኻ፡ ንጸዋዕታ ኣምላኽ ብምቕሉል ልቢ እሺ ቢልካ ምቕባል ይግባእ። ብገዛእ ኃይልኻ ቅዱስ ንምዃን ምጽዓር ዕብዳን ኢዩ። “ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ” (ዮሓ 3፡13) ብገዛእ ኃይሉ ንሰማይ ዝዓረገ ሓደኳ የልቦን።

ቅዱስ እትኸውን፡ እግዚኣብሔር እንተመረጸካ ጥራሕ ኢዩ። ከምቲ ዝናም ንመሬት ከምትፈሪ ዚገብራ፡ ከምኡ ከኣ፡ ጐይታ ንመንፈስካ ፈራዪ ይገብሮ። ከምቲ መሬት ብዘይ ዝናም ዚደርቕ ከምኡ ከኣ ነፍስኻ፡ ብዘይ እግዚኣብሔር ክትደርቕ ኢያ (ኢሳ 30፡23 ረአ)።

ቅድሚ ኵሉ ናብ ቅድስና ዚድርኸካ እግዚኣብሔር ኢዩ፥ ንስኻ ኃጢኣተኛ ከምዝዀንካ ካብ ምእማን ጥራሕ ድኅር ኣይትበል። እግዚኣብሔር ኣብ መዓሙቕ ህልውናኡ ኣእቲዩ፡ ባዕሉ እንተዘይቀዲሱካ፡ ቅዱስ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ (ሮማ 3፡23-24 ረአ)።

ናብ ቅድስና እተእቱ መንገዲ፡ እታ እግዚኣብሔር ዝመረጸልካ ደኣ እምበር፥ እታ ቓሕ ስለ ዝበለትካ ባዕልኻ እትመርጻ ኣይኮነትን። ናብ እግዚኣብሔር እትበጽሕ፡ በቲ ንሱ ዚመርሓካ መደብ ደኣ እምበር፡ በቲ ንስኻ እትገብሮ መደብ ኣይኮነን። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት፡ ብመደብ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንስኻ ብዘውጻእካዮ መደብ ክትምራሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብመንፈስ ኣምላኽ እንተዘይተመሪሕካ ከኣ፡ ንሱ ካብቲ ዘይቕዱስ ሕይወትካ ንኽትወጽእ ኣይግድደካን ኢዩ።

ንስኻ ባዕልኻ ክትምራሕ እንተመሪጽካ፡ እግዚኣብሔር ካብቲ ኣይውዑይ ኣይዝሑል ዝኾነ ሕይወትካ ኣየድኅነካን ኢዩ። ምእንትዙይ በቲ ምሥጢራዊ ዝኾነ መደብ ኣምላኽ፡ ክትምራሕ ጽዓር። ቅዱስ ንኽትከውን፡ ካብቲ ንስኻ ንርእስኻ እትግደሶ፡ እግዚኣብሔር ንዓኻ ብዝበለጸ ዚግደሶ ይበዝኅ። ካብዙይ ተላዒሉ ኢዩ ከኣ፡ ኣምላኽ ሕይወቱ ዝሠውዓልካ። ቅዱስ ክትከውን እንተዘይክኢልካ፡ ባዕልኻ ዕንቅፋት ስለ እትፈጥር ኢዩ። ብሓደ መዓልቲ ወይ ብሓጺር ጊዜ ቅዱስ ኪኽወን ስለ ዘይከኣል፡ ብምሉእ ሕይወትካ ብጸጋ ኣምላኽ ክትምራሕ ጽዓር።


እቲ ቅዱስ ንኽትከውን ዝጸውዓካ፡ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ፡ ንስኻ እቲ ኵሉ ዚከኣለካ ምስ ገበርካ፡ ዘይትረብሕ ባርያ ምዃንካ እመን። ስለዚ ቅድስና ፍረ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኮነ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ቅዱስ ንኺገብረካ ለምኖ ኢኻ (ገላ 5፡22 ረአ)።

ቅድስና ምጕንጻፍ ማለት፡ ምስቲ ክትወሃሃዶ ዚጽውዓካ ዘሎ እግዚኣብሄር ምርኻብ ስለ ዝዀነ ነፍስኻ ከኣ ንፍቓዱ እሺ እናበለት ፍቓዱ ክትመልእ ከላ ኢዩ። ቅድስና ማለት ኣብ ሕይወት ኣምላኽ ምስታፍ ማለት ኢዩ፥ እዙይ ከኣ፡ ህያብ ፍቅሩ ኢዩ። ብሓጺሩ፡ እቲ ኵሉ፡ ብመንፈስ ምስ ኣምላኽ ዚራኸብ ቅዱስ ኢዩ። ምእንትዙይ ንስኻ ጸጋ ኣምላኽ ንምቅባል ወትሩ ምቅሉልን፡ ስንድውን፡ ብልብኻ ክፉትን ኰይንካ ንኽትነብር ጽዓር።

ጐይታ ምእንቲ ኪኸፍተካ፡ ካብ ኣፍ ደገ ቅድስና ከይረሓቕካ፡ ብትሕትና ኳሕኵሓዮ። እቲ መሸጐሪ ማዕጾ ቅድስና ከኣ፡ ብውሽጢ ኢዩ ዚርከብ፥ ብማዕጾ ቅድስና ንግዳም ኮይንካ ክትከፍቶ እትኽእል፡ ቅዱስ እንተዀይንካ ጥራሕ ኢዩ (ራእ 3፡20 ረአ)።

ካብ ንእስነትካ ዥሚርካ ነዙ ናይ ጐይታና ጸዋዕታ ቅድስና እሺ ቢልካ ተቐበሎ። ሎሚ፡ ብንእስነትካ፡ ቅዱስ እንተዘይኮይንካ፡ ዕድመ ምስ ደፋኣካ ብቐሊሉ ቅዱስ እትኸውን ኣይምሰልካ። ምስ ሸምገልካ ቈሪርካ ሓዊ እትስሕነሉ፡ እቲ ብንስነትካ ከሎኻ ዝኣጐድካዮን ዘነኻኸስካዮን ሓዊ ከምዝዀነ ኣይትዘንግዕ።


እግዚኣብሔር ንዓኻ ጽቡቕ ዕድል ካብ ምሃብ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን ኢዩ፥ ነዙ ጽቡቕ ዕድልዙይ ከም ግቡእ እንተደኣ ተጠቒምካሉ፡ ቅዱስ ንኽትከውን ወሳኒ ኢዩ። ጲላጦስ ጴንጠናዊ ንኢየሱስ ሽኡ ናጻ ገይሩ ፈቲሒዎ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ሎሚ ንሱ ሓደ ካብቶም እነክብሮም ዘሎና ቅዱሳን ምኾነ ነይሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ሕይወትካ፡ ንሕሹኽታን ንምኽሪ ኣምላኽን ኵሉ ጊዜ ምሉእ ብምሉእ እንተትቕበሎም ነይርካ፡ ቅድስናኻ ዓቢይ ምዕባሌ ምገበረ ነይሩ! ጸጋ ኣምላኽ ኣባኻ ከንቱ ኮይኑ ንኸይተርፍ ጽዓር (2ቆሮ 6፡1 ረአ)። ደቂ ሰብ ምስ ሞቱ ካብቱ ካልኣይ ዓለም ኪምለሱ እንተዝኽእሉ ነይሮም፡ ኵሉ ሰብ ቅዱስ ምዀነ ነይሩ! ዝኸበርካ ኃወይ! እቲ እግዚኣብሔር ክትቅደሰሉ ኢሉ ሂቡካ ዘሎ ጸጋ፡ ከም ሥርዓት ክትጥቀመሉን ጽቡቕ ፍረ ክተፍርየሉን እቲ ዝበለጸ ሃብቲ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ቅድስና ፡ ፍቕሪ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 08 Jul 2022, 04:57

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

104 - ቅድስና ፡ ፍቕሪ ኢዩ


ቅድስና ማለት ዓቢይ ነገር ምግባር ወይ ተኣምር ምስራሕ ማለት ኣይኮነን፥ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሳት ዚገብሮ ነገር፡ገርሂ ኢዩ። ንሕና ቅድስና ክንብል ከሎና ፍቕሪ ምዝውታር ማለት ኢዩ፥ እግዚኣብሔር ንሓንቲ ነፍሲ ናብ ቅድስና ኬእትዋ ኪደሊ ከሎ፡ ዝገብረላ ህያብ ፍቕሪ ኢዩ። ቅድስና እቲ ዝዓበየ ተሳትፎ ሕይወት ኣምላኽ ኢዩ። እቲ ቅዱስ ዝኾነ ሰብ፥ እቲ ፍቕሪ ዘለዎ ኢዩ።

ኅብሪ ልብሲ-ቅድስና በብዓይነቱን ኣብ ኵሉ ስፍራ ዚዕብብ ዕምባባን ኢዩ። እንተኾነ መሠረቱ ሓደ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ቀንዲ ትርጉሙ፡ ንርእስኻ ንታሕቲ ኣውሪድካ፡ ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምንባር ማለት ኢዩ። ቅዱስ ሰብ እቲ ንእግዚኣብሔር ዜፍቅር ኢዩ፥ ልቡን ቀልቡን ከኣ፡ ካብኡ ኣይፍለን ኢዩ። ንስኻ ከኣ ኣብ ቅድስና እትነብር፡ ኣብ ሕይወትካን ስራሕካን እግዚኣብሔር እንተሎ ኢዩ፥ ከምኡ ካብ ቅድስና እትርሕቀሉ፡ ኣብ ማእከል ሕይወትካን ስራሕካን፡ እግዚኣብሔር ክንዲ ዚህሉ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ማእከል ገይርካ ክትነብር ከሎኻ ኢዩ።

ብጸጋ ኣምላኽ እናተሓገዝካ፡ ቀስ እናበልካ፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክትዓቢ ኢኻ፥ ካብ ፍቕሪ ርእስኻ ጨሪሽካ ምስ ተገላገልካ ከኣ፡ ኣብ ፍጽምና ፍቕሪ ኣምላኽ ክትበጽሕ ክትክእል ኢኻ። ነቲ ዕላማ መወዳእታ ሕይወትካ እናስተንተንካ፡ ብመንገዲ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትጐዓዝ ጽዓር።

ፍቕሪ ኣምላኽ መወዳእታ የብሉን! ንስኻባ ደኣ! ብሓገዝ ኣምላኽ መዓልቲ መጸ፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምጐዓዝ እንተትክእል! ኣየባ! ንስኻ እውን ንእግዚኣብሔር ክትፈልጦ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዚያዳ ከተፍቅሮ እንተትጽዕር! ኣየባ! ንእግዚኣብሔር፡ ክንዲ ብዘረባ ሊቅነት እትዛረቦ ብፍቕሪ እንተትዛረቦ! ኣየባ! ንቓሉ ካብ ብኣእምሮ፡ ብመዓሙቝ ልብኻ እንተትሰምዖ! እምበኣር፡ ንስኻ ከኣ ንእግዚኣብሔር ብኵለንተናኻ እንተደኣ ተወፊኻ፡ ንምድራዊ ተድላ ብምምናንካ ክትሕጐስ ኢኻ፥ እቲ ቕድም ኢሉ ንኽትምንን ዜጸግመካ ዝነበረ ክፉእ ስምዒት፡ ጽንሕ ኢልካ ግን፡ ብምምናንካ ክትሕጐስ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንስኻ እትነብሮ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ኢዩ’ሞ፡ ተቐደስ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 15 Jul 2022, 03:18

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

105 - ንስኻ እትነብሮ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ኢዩ’ሞ፡ ተቐደስ

ቅዱስ ንኽትከውን መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ኪኃድርን ብጽቡቕ ተግባር ሃብታም ክትከውንን ይግበኣካ እምበር፡ ካብ ኃጢኣት ናፃ ምዃን ጥራይ ኣይኣክልን። ጽሩይን ብልጭልጭ ዝበልካን እምበር፡ ጭቃ ካብ ሰብነትካ ምእላይ ጥራይ ኣይኣክልን። ቅዱስ ክትከውን ብሓቂ ደኣ ጸዓር እምበር፡ ቅዱስ ክትበሃል ጥራይ ኣይትድለ፥ ቅዱስ ኢሎም እንተነኣዱኻ እውን፡ ኣይትእመን።

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲን ቅዱስ ኮይንካ ብሓቂ ንኽትርከብ ክትጽዕር ይግብኣካ ደኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ-ሰብ ቅዱስ መሲልካ ንኽትረኤ ኣይትድለ። እቲ ሓቀኛ ዅውንነትካ ኃቢእካ፡ ዘይኵውንነትካ ክተርኢ ኣይትድለ። ቅድስናኻ እንተዘይኮይኑ፡ ንኻልኦት ክትኃብኦ እትደልዮ ነገር ኣይሃሉ። ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንኽትበጽሕ በቲ ዘሎኻዮ ደርጃ ኣይትተሓጐስ። ሽሕዃ ቅዱስ ኰይንካ እንተተሰምዓካ፡ እንተዀነ ብፈተና እንተዘይኃሊፍካ፡ ቅድስናኻ ማዕረ ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ነቲ ለቢስካዮ ዘሎኻ መንፈሳዊ ኃይሊ እትሓስብ፡ ነቲ ገና ዘይለበስካዮ መንፈሳዊ ኃይሊ ሃረር እናበልካ፡ ከመይ ገይርካ ክትለብሶ ከምእትኽእል ክትሓስብ ይግብኣካ።

ነቲ ዝተርፈካ መገዲ ደኣ ጸብጽብ እምበር፡ ነቲ ዝኸድካዮ መንገዲ ኣይትጸብጽብ። ዕድመካ ብዝደፍኣሉ መጠን፡ ብዝበለጸ መንፈሳውነት ክትዓቢ እውን ይግብኣካ። እግዚኣብሔር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱስን መንቅብ ዘይብልካን ንጹሕ ኮይንካ ምእንቲ ክትርከብ፡ ዓለም ከይተፈጥረ ኢዩ ኃሪዩካ (ኤፌ 1፡4 ረአ)። ዝተፈጠርካ ምስልን ብርሃንን ኣምላኽ ንኽትከውን ኢዩ (ኦዘፍ 1፡26: ሮማ 8፡29 ረአ)።

ንስኻ ብሓቂ ቅዱስ ክትከውን ኢዩ ዝግብኣካ! እንተኾነ፡ እንታይ እሞ! ባህርይካ ንጸጋ ኣምላኽ ብዙኅ ጊዜ ይዕብልሎ ኢዩ። ምስ ተጠመቕካ፡ ወዲ እግዚኣብሔር ክትከውን በቓዕካ፡ ኣብ ሕይወት እግዚኣብሔር እውን ክትሳተፍ ዥመርካ፡ ብሓቂ ከኣ ተቐደስካ። ሕጂ እውን ከም ወዲ እግዚኣብሔር መጠን ምሉእ ቅድስና ኢኻ ኂዝካ ትርከብ ዘሎኻ፥ ካብ ባህርይኻ ብዘይመጠን ዝዓቢ ክብሪ ኢኻ ኂዝካ ትርከብ ዘሎኻ። ንኸምዙይ ዝበለ ክብሪ፡ ዚበቅዕ ጠብይ ከኣ ኂዝካ ክትነብር ግቡእካ ኢዩ።

ምእንትዚ ቅዱሳን ኪነብርዎ ዚግባእ ሕይወት ንበር (ኤፌ 5፡3 ረአ)። እቲ ቅዱስ ንኽትከውን ዝጸውዓካ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ፍጻሜኡ ምእንቲ ክተብጽሖ ጸጋኡ ኪህበካ ኢዩ (1ቆሮ 1፡9 ረአ)።

ቅዱስ ንኽትከውን፡ ጊዜ ኃሊፉኒ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ከመይ ተግባር ቅድስና ናብ ግብ ዝበለ ጸላም ዝል ኢልካ ከም ምእታው ኢዩ፥ ምሉእ እምነትካ ኣብ እግዚኣብሔር ሓንሳብ ምስ ኣኅደርካ፡ ብኣኡ ተማሪኽኻ ንሱ ዝደለየ ኪገብረካ ኢዩ። ዘለዓለማዊ ሕይወትካ ዚጽብቕ ወይ ዚኸፍእ፡ ነዛ ዘይትድገም ምድራዊ ሕይወትካ፡ ጽቡቕ ወይ ህማቕ እንተኅሊፍካያ ኢዩ።

ምድራዊ ሕይወትካ ቀልጢፉ ስለ ዚኃልፍ ንድኅሪት ኪምለስ ከኣ ስለ ዘይኽእል፡ ቅዱስ ንኽትከውን ከይሰልከኻ ስራሕ። ከም ኵሎም ቅዱሳን ኣብዛ ዘይትድገም ምድራዊት ሕይወትካ ከምትቕደስ ግበር። ነቲ ክቡርን ፈጺሙ ዘየጣዕስን፡ ግን ከኣ፡ ቀልጢፍካ ዘይጭበጥ ኣደናቒ ዝኾነ ዕላማ ሕይወትካ ብምሉእ ንኽትሥውዓሉ ኣብ ውሽጥኻ እትሰምዖ ጸዊዒትን ሕሹኽታን ኣምላኽ፡ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ጽዓር።

ሽሕዃ ንኽትፍጽሞ ኣተናኡ ርሑቕን ብርቱዕን ይኹን እምበር፡ ገዛእ ሕይወትካ ነዙ ብዙኅ ዜኹርዕ ክቡርን ልዑልን ዝኾነ ዕላማ ኢልካ ከተወፍዮ ዕዱም ክትከውን ከሎኻ፡ ነዙ ጉዳይዚ ብሸለልታ ንኸይትርእዮ ጐይታና ከጠንቕቐካ ይርከብ። ነዙ እዚዩ ልዑል ዝኾነ ዕላማዚ ከኣ ሸለል ከይትብሎ ኣጥቢቐ ኃደራ እብለካ ኣሎኹ። ነዙ ዓላማ እዙይ፥ ኣብቲ ግቡኡ ከተብጽሖ እንተዘይኪኢልካ። ወይ ከኣ ታሪኽ ገዛእ ሕይወትካ ክትገብሮ እንተዘይኪኢልካ፡ ካብ ልብኻ ፈጺምካ ከተውጽኦ ኣይግባእን፥ ንእግዚኣብሔር ምምስጋን ኣይትረስዕ፥ ከመይ ሓደ መዓልቲ ብእኡ ክትሕጐስ ኢኻ። ኢየሱስ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዕቤት እግዚኣብሔር ሃረር እናበልካ፡ ቅንኣት ቅድስናኡ ንኽስመዓካ ይምዕደካ ኣሎ (ማቴ 5፡48 ረአ)።

እቲ ቅዱስ ንኽትከውን ኣባኻ ዘሎ ጽቡቕ ፍቓድ ከይቕህም ኃደራ፡ ሽሕኳ ብሰብኣዊ ድኻምነት ዝተዓብለልካ እንተኾንካ፡ ግና እግዚኣብሔር ከኣ፡ ኣብ ግብሪ ዘይውዕል ሃረርታ ኣብ ልብኻ ኬኅድረልካ ስለ ዘይኽእል፡ ብወገንካ፡ ቅዱስ ንኽትከውን ሃረር ምባል ድኅር ኣይትበል (ማቴ 5፡6 ረአ)። ቅዱስ ክትኸውን እትኽእል ኣብ ንእሽቶ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ እናፈጸምካ እምበር፡ ዓቢይ ነገር ብምፍጻም ጥራሕ ኣይኮነን እትቕደስ።

ነዙ ምድራዊ ሕይወትካ ንኽትቅድሶ፡ ካብዙ ዓለምዙይ ወጺእካ ክትነብር ኣይትድለ። ፍቕሪ፡ ነፍሲ’ታ ክትበጽሓ ተጸዊዕካላ ዘሎኻ ቅድስና ኢያ። ኣብ ቅድስና እትበጽሕ መንገዲ፡ ምሉእ ተስፋኻ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ምንባር ኢዩ። ኣብ ውሽጥኻ ገና ናብኡ ዚስሕበካ፡ ገሊኡ ዚዕድመካ፡ ገሊኡ ዚጽውዓካ፡ ገሊኡ ዜሳቕየካ ነገር ኣሎ፥ ከምኡ እውን ገለ ቅድስና ዘይህበካ ነገር ኣሎ ኣብ ውሽጥኻ። ንስኻኸስ! ብዘይካ በቲ ቅዱስ ዘይምዃንካ እምበር፡ ብኻልእ ክትሳቐ ኣይግባእን ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንእግዚኣብሔር ዝተወፈየ ኵሉ ቅዱስ ኪኸውን ይግባእ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 21 Jul 2022, 09:02

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

106 - ንእግዚኣብሔር ዝተወፈየ ኵሉ ቅዱስ ኪኸውን ይግባእ


ንስኻ ንዓለም ዝመነንካ፡ ቅዱስ ክትከውን ኢልካዶ ኣይኮንካን? እንታይ ደእ ትገብር ኣሎኻ? ቅዱስ እንተዘይኮይንካ ንዓለም ምምናንካ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ድኅሪ እዙ ኵሉ ምናኔኻ፡ ቅዱስ እንተዘይኮይንካ፡ ነቲ ዝመነንካዮ ኣጥፊእካስ፡ ነቲ ዚመጽእ ከኣ ሓንቲ ነገር ኣይክትረብሓሉን ኢኻ።

ንእግዚኣብሄር ማዕረ ሕይወትካ ዚኣክል ነገር ወፊኻስ፡ ቅዱስ ንኽትከውን እንተዘይጽዒርካ፡ ህይወትካ ኣይ ንእግዚኣብሔር ኣይ ንሰብ፡ ከንቱ ኰይኑ ኪተርፍ ኢዩ ማለት ኢዩ። ኣብ ማኅበርካ ኮይንካ ንቕድስና ሃረር እንተዘይልካ፡ ንርእስኻ ኮነ ንኻልኦት፡ ጸገም ኮይንካ ክትነብር ኢኻ። “መንኵሰ ኣይተቀደስኩ፡ ወሊደ ኣይለኣኩ”።

እቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ስፍራ፡ ቅድስናኻ ንምምዕባል ይሕግዘካ ኢዩ። ኵሉ ዓይነት ዕምባባ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኪዓቢ ኣይኽእልን ኢዩ። ንስኻ ከኣ ብወገንካ፡ ኣብዙ ክትቅደሰሉ እትኽእል ኣከባቢ፡ ንርእስኻ ጸገም ከይፈጠርካ፡ ብቕዱስ ሕይወትካ ከምትጥቀመሉ ግበር። ኣብ መዥመርያ ሕይወቶም፡ ኣብ ቅድስና ጽቡቕ ኪስጉሙ ጸኒሖም፡ ትዕግሥቲ ስኣን ምግባር፡ ዜቋርጹ ብዙኃት ኢዮም። እዚኣቶም ንዕርፊ ኂዞም ንድኅሪት ዚጥምቱ ሰባት ኢዮም (ሉቃ 9፡62 ረአ)።

ብትዕግሥቲ፡ ናይ ብሓቂ፡ ብዙኅ ዓቢይ ነገር ኪፍጸም ይከኣል ኢዩ! ነቲ ንእግዚኣብሔር ዝተወፈኻሉ ናይ መዠመርያ መዓልቲ ውዑይ ዝኾነ መንፈሳውነት ዓቍርካ ክትኅዞ ይግባእ!። ኣብ ቅድስና ንኽትበጽሕ ብዙኅ ትዕግሥቲ የድሌካ። እግዚኣብሔር ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ሂቡካ እንተደኣ ኮይኑ፡ ቅዱስ ኮይንካ ነፍስኻ ከተድኅን ኢዩ ዚደሊ።

ቅዱስ ክትከውን ኢልካ እንተዘይጽዒርካ ግን፡ ብዛእባ ድኅነትካ ክትሰግእ ይግብኣካን። እቲ ዚጽውዓካ እግዚኣብሔር፡ ቅዱስ ስለ ዝኾነ፡ ንስኻ እውን ቅዱስ ንኽትከውን ጽዓር (1ጴጥ 1፡15 ረአ)። ንሕጊ ማኅበርካ ኣኽብር፥ ከመይ እግዚኣብሔር ክትቅደስ ደልዩካ ዘሎ፡ በዙ ሕጊዙይ ኢዩ።

ኣብዙ ዓለምዙይ፡ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ዝዓበየ ስራሕ፡ ንርእስኻ ምቕዳስ ኢዩ። ኣተናኡ ቅድስና ዝኾነ ማኅበር ኃሪኻ እንተኾይንካ፡ ዕዉትን ብፁዕን ኢኻ! ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ኣብ ቅድስና ንኽትበጽሕ፡ እቲ ቅድሚ ኵሉ ዜድሌካ ገዛእ ቅድስናኻ እምበር፡ ቅድስና ማኅበርካ ኣይኮነን። እቲ ሕይወቱ ንእግዚኣብሔር ዘወፈየ ሰብ፡ ከም ሓደ መልኣኽ ኮይኑ ኢዩ ኪነብር ዚግባእ።

እቲ ሕይወቱ ንእግዚኣብሔር ዘወፈየ ሰብ፡ ነቲ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢሉ ዝመነኖ ነገር ተመሊሱ ሃረር ኪብሎ ከሎ፡ ናይ ብሓቂ ዜሕዝንን ዜሕፍርን ኢዩ (ሉቃ 9፡62 ረአ)። ንስኻ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ብብዙኅ ተግባርካ ክትጠዓስ ትኽእል ኢኻ፥ እቲ ሓደ ከቶ ዘይትጠዓሰሉ ነገር ግን፥ ምእንቲ ቅድስናኻን ድኅነትኻን ብምስራሕካ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ናይ ቅድስና ዜብጽሕ መንገዲ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 27 Jul 2022, 10:35

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

107 - ናይ ቅድስና ዜብጽሕ መንገዲ

ኣብ ግብሪ እንተዘይኣውዒልካዮ፡ ብዙኅ ስብከት ምስማዕ እንታይ ይዓብሰልካ? ቅዱስ እትኸውን፡ ነቲ ዝሰማዕካዮ ቃል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ እንተውዒልካዮ ኢዩ እምበር ሰሚዕካ ኣብ ልብኻ ዓቝርካዮ ሱቕ እንተበልካ፡ ዝዓብሰልካ የብሉን።

ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት እቶም ንቓል ኣምላኽ ኪሰምዑ ሃረር ዚብሉ ብዙኃት ኢዮም፥ እቶም ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎ ጽቡቕ ድላይ ዘለዎም ግን፡ ውሑዳት ኢዮም፥ ከምኡ እውን ብሓደ ወገን እቶም ብዛዕባ ብዙኅ ነገር ፍልጠት ኪድልቡ ዚደልዩ ብዙኃት ክነሶም፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ነዙ ኩሉ ምስ ረኸቡዎ፡ ኣብ ሕይወቶም ሓንቲ ከየፍረዩሉ ዚተርፉ ብዙኃት ኢዮም።

ንኣብነት ንሓንቲ ትምህርቲ ወንጌል ፍልይ ኣቢልካ ወሲድካ እናስተንተንካ ኣብ ሕይወትካ ተግባራዊ ክትገብራ እንተትውስን፡ ዓቢይ ቅዱስ ክትከውን ምኸኣልካ ነይርካ። ሓዲሽ ነገር ንምፍላጥ ጥራይ ድሌት ምግባር፡ ብዙኅ ጊዜ ምልክት ሓቀኛ ድሌት ቅድስና ኣይኮነን፥ እዙ ድሌትዙይ ሳሒ ፍልጠትን ውጥምናን ጥራይ፡ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምኡ እውን ንኣብነት ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበካ ዓቢይ ኃላፍነት ቅድስናኻን ድኅነትካን ሸለል ኢልካ፡ ብዛዕባ ሺሕ ነገራት ክትግደስን ክትሻቐልን እትነብር ስለምንታይ? ነቲ እግዚኣብሔር ክትቕደስ ኢሉ፡ ዝለኣኸልካ መጸዋዕታ ዘይምኽባር፥ ኃጢኣት ኢዩ። ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ዓበይቲ ስርሓት ዠሚሮም ከሲሮም ዚተርፉ ብዙኃት ኢዮም! ንስኻ እውን ኣብዙ ዓቢይ ስራሕ ጕዳይ ነፍስኻ፡ ከሲርካ ንኸይትተርፍ ተጠንቐቕ።

ልዕሊ ኵሉ ክትግደስ ዚግብኣካ ብዛዕባ ቅድስና ሕይወትካ እምበር፡ ብዛዕባ ሥጋዊ ሕይወትካ ኣይኮነን። ሥነ ሥርዓትን ኣደብን ስለ ዘሎካ፡ ፍጹም ከምዝኾንካ ገይርካ ኣይትሕሰብ። ንሰብ ሥነ ሥርዓት ዘለዎን ኣደበኛ ምዃንን ጽቡቕ እኳ እንተዀነ፡ ግና እቲ ኣብ ቅድስና ኬብጽሓካ ዚኽኣል ቀንዲ ነገርስ፡ እዙይ ኣይኮነን። ንልቢ ዘይትንክፍ ጽድቂ፡ እንታይ ይዓብስ? ጽድቕኻ ብልብኻ ክዥምር ኣለዎ። ንሰብ ቅዱስ ዚገብሮ፡ ስፍራ ኣይኮነን፥ ንስኻ ቅዱስ ክትከውን እትኽእል፡ ስፍራ ብምምራጽ ኣይኮነን።

እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ኢዩ ዚርከብ፥ ቅዱሳን ዘይተቐደሱሉን ዘይሰርሑዎን ስፍራን ስራሕን የልቦን፥ ንእግዚኣብሔር ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ስፍራ ኣብ ካልእ ስፍራ ብዝበለጸ እተፍቅረሉ ምኽንያትስ፡ እንታይ ኢዩ? ወይ ድማ ናይ ሰማይ ክትበርር ክትደሊ ከሎኻ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ሓደ ስፍራ እትበርር ካብ ካልእ ስፍራ እንተበረርካ እንታይ’ዩ እቲ ብልጫኡ? ቅዱስ ንኽትከውን፡ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ድላይ እንተሊዩካ፡ ኣብ ዝኾነ ስፍራን ስራሕን ተሰማሚዕካ ክትነብር ኢኻ፥ ጽቡቕ ድላይ እንተዘይብልካ ግን፡ ኣብ ኵሉ ሕማቕ ክትነብር ኢኻ።

ኣብ ዝኸድካ ከይድካ ንገዛእ ርእስኻ ኃዲግካዮ ክትከይድ ስለ ዘይትኽእል፡ ክትቅይር ዘሎካ፡ ስፍራ ዘይኮነስ ገዛእ ርእስኻ ኢዩ። ኣብቲ ቁምነገር ክትገብረሉ እትኽእል ክትነብር ካብ ዘይደለኻ፡ ኣብቲ ክትነብረሉ ደሊኻ ዘሎኻ ከኣ፡ ቁምነገር ክትገብር ዘይትኽእል ካብ ኮንካ፡ ኣብ ዝኸድካዮ ከይድካ፡ ሕጉስ ኮይንካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ።

ንሕይወትካ ብኸንቱ ኣይተኅልፎ፡ ኣብ ህልውናኻን ኣብ መዋዕልካን ጽቡቕ ፍረ ንኽተፍሪ ጽዓር፥ እግዚኣብሔር ንዝሃበካ መኽሊት ብዘይ ናይ ባንክ ወለድ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ከይተረክቦ፡ ኣብ መሬት ቀቢርካ ኣይትኃዞ። ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበካ ገንዘብ ከኣ፡ ከምዚፈሪ ግበሮ። ሕይወትካ ንእግዚኣብሔር ጸብጻብ ክትህበሉ ኢኻ (ማቴ 25፡14-30 ረአ)።

ቅድስና፡ ሞያን ረብሓን ዚርከቦ ኣብ መደብ ኣምላኽ ኢዩ እምበር፡ እቲ ድንቂ ዝኾነን ዓው ኢሉ ዚዛረብን ስራሕ ኣይኮነን። ቅዱስ ሰብ፡ ዋላ እቲ ካብ ኵሉ ዝተሠወረ፡ ኣብ ታሪኽ መንግሥቲ ኣምላኽ፡ ሓደ ምልክት ኃዲጉ ኢዩ ዚኃልፍ። ካብ ሺሕ ሊቃውንቲ መምህራን ነገረ-መለኮት ዚሰርሕዎ ስራሕ፡ ሓደ ቅዱስ ንበይኑ ዚሰርሖ ስራሕ ይበልጽ። ንዓለም ኬድኅኖ ዚኽእል ስራሕ ቅዱሳን ጥራይ ኢዩ። ነቲ ኵሉ እግዚኣብሔር ዝሃበካን ዚህበካ ዘሎን ጸጋ፡ ብዘይምፍራይካ ክትሓዝን ኢዩ ዚግብኣካ።

ኣብዙ ዓለምዙይ፡ እቶም ንገዛእ ርእሶምን ንዓለምን ኪምንኑ ዘይኽእሉ ብዘይመጠን ብዙኃት ኪኾኑ ከለዉ፥ ብኣንፃሩ ከኣ፡ እቶም ነዙ ኵሉ ነገራት እዙይ መኒኖም ቅዱሳን ኪኾኑ ዚኸኣሉ ብሓቂ ውሑዳት ኢዮም! ካብዙይ ዝተላዕለ ንኵላትና፡ ነዙ ረብሓ እንረኽበሉ ንእሽቶ ዓለም ገዲፍናን መኒንናን ውራይ ቅድስና ነፍስና ዘለዓለማዊ ድኅነትናን ንኽንገብር ብሓቂ ብርቱዕ ኢዩ።

ቅዱሳን ኪኾኑ ዚደልዩ ብሓደ ወገን፡ ብዙኃት ከምዘለዉ ክትዕዘብ ከሎኻ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ እቶም ጸበባን ሽግርን ብጽቡቕ ፍቓድ ኪጾርዎ ዚደልዩ ሒደት ከምዝኾኑ ይርድኣካ። ናብ ቅድስና ክትበጽሕ እንተደሊኻ፡ ከይተሃወኽካ ቀስ እናበልካ ናብኡ ከምትበጽሕ ግበር፥ ከመይ ሓደ ሰብ ርጉም ወይ ሕያዋይ ዚኸውን ኣብ ሓደ ጊዜ ኣይኮነን። ኣተና ሕይወትካ ከኣ፡ ናብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝኾነ ዕላማኻ፡ ማለት፡ ናብ ቅድስና ንምብጻሕ ኢዩ እሞ፥ ንስኻ እውን፡ ነዙ ትምህርቲ እዙይ ኣብ ሕይወትካ ክትርዳኦን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን እንተኺኢልካ ብሓቂ ዕዉትን ብፁዕን ኢኻ!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ቅዱሳን እንታዎት ኢዮም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Aug 2022, 03:47

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

108 - ቅዱሳን እንታዎት ኢዮም

ቅዱሳን ሕያው ዝኾኑ ምስሊ-ፍቕሪ-ኣምላኽ ኪኾኑ ከለዉ፡ እቲ ናቶም ዕቤት፡ ኣብ ውሽጢ ልቦም ኢዩ ዚርከብ። እግዚኣብሔር ናብ ነፍሲ ቅዱሳን ብምሉእ ጸጋኡ ሓንሳብ ምስ ኣተወ፡ ንነፍሶም ብብርቱዕ ማኅተም ኢዩ ዚኃትማ። ብርግጽ፡ ኵሎም ቅዱሳን ዓበይቲ ኢዮም፥ እንተኾነ፡ ከምቲ ነፍስወከፍ ዕምባባ መመዓዛኡ ዘለዎ፡ ከምኡ ከኣ፡ ነፍስወከፍ ቅዱስ፡ ሀህያቡ ኣለዎ። እግዚኣብሔር ኣብ ቅዱሳን ህልውናኡን መልክዑን ኢዩ ዚገልጽ፥ ቅዱሳን ሽሕኳ ፍጡራት እንተኾኑ፡ ግን ክብርን ብርሃን ጐይታንን ኢዮም ዜንጸባርቑ (2ቆሮ 3፡18 ረአ)።

ቅዱሳን ኣብ ዝኃለፍዎ ኵሉ፡ ምልክት ኣምላኽ እናኃደጉ ኢዮም ዚኸዱ። ኣብዙ ዓለምዙይ ምልክት ሕይወቶም ዚገድፉ ቅዱሳን ጥራሕ ኢዮም፥ እቶም ካልኦት ኵሎም፡ ድምጺ ጥራይ እምበር ምልክት ዚበሃል ኣይኃድጉን ኢዮም። ኣዠማምራ ሕይወት ብዙኃት ቅዱሳት ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ኣፈጻጽማ ሕይወት ኵሎም ቅዱሳን ግን፡ ጽቡቕ ኢዩ። ከምቲ ጌጋ ዘይገበረ ቅዱስ ዘየልቦ፡ ከምኡ ከኣ፡ ንኺጠዓስ ተስፋ ዘይብሉ ኃጢኣተኛ የልቦን። እግዚኣብሔር፡ ንህንጻ ቅድስና-ቅዱሳን ዚሓንጾ፡ በቲ ገዛእ ባሕርዮም ገይሩ ኪኸውን ከሎ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ንባሕሪ ወዲ ሰብ ከምዚዓብን ከምዚመሓየሽን ይገብሮ ደኣ እምበር፡ ፈጺሙ ኣየጥፍኦን ኢዩ።

ቅዱሳን፡ ብርግጽ፡ እቶም ዝዓበዩ መሰካኽር ኣምላኽ ኢዮም፥ ምስኣቶም ኪዛረቡ ዚኸኣሉ እሞ፡ “ኣብ ሓደ ሰብ ኣምላኽ ኃዲሩ ርእየ” ኢሎም ዝመስከሩ፡ ብዙኃት ሰባት ኣለዉ። ከምቲ ናይ ኃጢኣት ባርያ ኮይኑ ዚነብር እሞ፡ ክፉእ መልክዕ ነፍሱ ኣብ ገጹ ዚግለጽ ሰብ፡ ከምኡ ከኣ፡ መልክዕ ጽባቔ ነፍሲ ቅዱሳን፡ ኣብ ገጾም ኢዩ ዚረኤ። ቅዱሳን እቶም ንፍቕሪ ክርስቶስ ዝተረድእዎን ኣብ ምሉእ ሕይወቶም ከኣ፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ግብራዊ መልሲ ፍቕሪ ዚሃቡሉን ኢዮም።

ቅዱሳን እቶም ኣብ እግሪ መስቀል፡ ኣብ ቀራንዮ ኮይኖም፡ ኣብቲ ኢየሱስ ብሞቱ ንደቂ ሰብ ፍቕሩ ዚገለጸሉ ኮይኖም፡ ምእንትኡን፡ ምእንቲ ፍቕሩ ኪነብሩ ዝመሓሉን፡ ብፍቕሪ ተቓጺሎም ዝሞቱን ኢዮም። እቲ ኣብ ሕይወት ኵሎም ቅዱሳን ዚረኤ፡ ዘይልወጥ ተግባር ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ኢዩ። “እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብኡ ይነብር” (1ዮሓ 4፡16 ረአ)።

ቅዱሳን እቶም ነቲ ኣዚዩ ፍጹም ዝኾነ እግዚኣብሔር ዚቐረቡ ፍጡራት ስለ ዝኾኑ፡ ንሳቶም፡ እቶም ካብ ኵሎም ፍጡራት ኣውራ ፍጹማን ኢዮም። ንሳቶም ተኣምራት ኪገብሩ ከለዉ፡ እቲ ኵሉ ንብረት ኣምላኽ፡ ንብረቶም ስለ ዝኾነ፡ ናብቲ ኅብረት ሕይወት ሥላሴ ኣትዮም ኢዮም ዚርከቡ። ፈላጥ ሰብ ኣማዕድዩ ኢዩ ዚራኢ፥ ቅዱሳን ከኣ፡ ንዘለዓለም ኣማዕድዮም ዚጠመቱን ንምድራዊ ሕይወቶም ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምርካብ ኢሎም ስለ ዘኅለፉዎን፡ ንሳቶም እቶም ካብ ኵሉ ዝበለጸ ዚፈልጡ ኢዮም።

ቅዱሳን ኣብዙ ዓለምዙይ ከለዉ፡ ልቦምን ቀልቦምን ኣብ ሰማይ ኢዩ ነይሩ፥ ንሳቶም ክቡር መዝገቦም ኣብ ዝነበረሉ፡ ልቦም ከኣ፡ ኣብኡ ይነብር ነበረ (ማቴ 6፡21 ረአ)። ቅዱሳን ከም ሰብ መጠን፡ ኵሉ ስራሖምን ግቡኦምን እናካየዱ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከምዘየለዉ ኮይኖም ይነብሩ ነበሩ፥ ዳርጋ ምስ እግዚኣብሔር ተወሃሂዶም ኢዮም ዝነብሩ ዝነበሩ። ኵሉ ምድራዊ ባህጎም ምስ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ሰቒሎም፡ ምድራዊ ባህጊ ዚበሃል ኣብኣቶም ኣይነበረን፥ ካብኣቶም ከኣ ብዙኃት ከም ህሱም ሃረር ሃረር ዚብልዎ ዝነበሩ ሰማዕታት ኮይኖም ንኺሞቱ ኢዩ። ሕጂ፡ ንሳቶም፡ ንዘለዓለም ኣብ ዚነብር ሃገር፡ ይነብሩ ኣለዉ፥ ዓስቦም ከኣ፡ ጐይታ ዓቝርሎም ይርከብ፥ ንዓኣቶም ዚግደሰሎም ከኣ ባዕሉ፡ ልዑል እግዚኣብሔር ኢዩ (መጥ 5፡15 ረአ)። መንግሥቲ ሰማይ ሃገር ቅዱሳን ኢዩ፥ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከኣ መዕረፊኦም ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብነት ቅዱሳን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 12 Aug 2022, 09:32

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

109 - ኣብነት ቅዱሳን

እዙ ናይ ቅዱሳን ጕዳይ፡ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተመሥረተት ዝዠመረ ኢዩ፥ ቅድስና፡ ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ቀንድዝኾና ምልክታት ቤተ ክርስቲያን ኢያ። ቤተ ክርስቲያን ኣደ ቅዱሳን ክትከውን ከላ፥ ንሳ ነዞም ቅዱሳን ዝኾኑ ደቃ ክሳብ መወዳእታ ዓለም እናወለደትን ንኽርስቲያን ምእመናን ከኣ፡ ከምኣቶም ቅዱሳን ምእንቲ ኪኾኑ፡ ከም ኣብነት እናቕረበትን ክትነብር ኢያ። ንስኻ፡ ንገድሊ ቅዱሳን፡ ኵሉ ጊዜ ከተንብብ ጽዓር፥ ነዙ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያኑ ሂብዋ ዘሎ ተውህቦ ቅዱሳን፡ ተጠቐመሉ። ኣብነት ቅዱሳን ንድኻምነትካ ሓገዝ፡ ንእምነትካ ምርኵስ፡ ንቕድስናኻ መተባብዒ ኢዩ።

ብገለ ኃጢኣት ንዓኻ ዚመስሉ ቅዱሳን ኣይሰኣኑን ኢዮም፥ ስለዚ ንሳቶም ቅዱሳን ኪኾኑ ካብ ከኣሉ፡ ንስኻ እውን እንተደሊኻ ቅዱስ ክትከውን ዘይትኽእለሉ ምኽንያት የብልካን፥ ከመይ ንእግዚኣብሔር ዚሰኣኖ ነገር የልቦን (ሉቃ 1፡37 ረአ)። ነፍስወከፍ ቅዱስ፡ ንኢየሱስ እትመስለሉ ሓደ ፍሉይ ኣገባብራ ኪምህረካ ኢዩ። ኣብ መንጎ እቲ ንስኻ እትፈልጦ ኢየሱስን ኣብ መንጎ እቲ ቅዱሳን ዚፈልጡዎ ኢየሱስን ብዙኅ ፍልልይ ኪህሉ ይከኣል። እቲ ንሳቶም ዚፈልጡዎ ኢየሱስ፡ ኣብ ሕይወቶም፡ መዓልቲ-መዓልቲ ይርእይዎ ነይሮም ኢዮም፥ እቲ ንስኻ እትፈልጦ ኢየሱስ ግን፡ ምናልባት፡ ካብ መጻሕፍቲ ዝረኸብካዮ ፍልጠት ጥራይ ኪኸውን ይኸኣል።

ንቕዱስ መጽሓፍ ከተንብብ እንከሎኻ ኣብ ቅድስና ከመይ ገይርካ ከምዚብጻሕ ብሓሳብ ኢኻ ትመሃሮ፥ ገድሊ ቅዱሳን ምስ ተንብብ ግን፡ እቶም ቅዱሳን ንቕድስና ከመይ ገይሮም ብግብሪ ከምዚበጽሑዋ ኢኻ ትመሃር። እግዚኣብሔር ንኣብነት ቅዱሳን ዘቕርበልካ ዘሎ፡ እቲ ንሳቶም ዚፈጸምዎ ተግባር ዘይከኣል ኮይኑ ከይረኣየካ ንኽትፈልጥ ኢሉ ኢዩ።


ቅዱሳን ብብዝኂ ሓሳረ መከራ ተስፋ ዚቈረጹን ብጣዕሚ ናብራ ከኣ፡ ብትዕቢት ዝተመልኡን ሰባት ኣይኮኑን። ንስኻ፡ ብፍቕሪ ንሰማያዊ ሃገር እትቃጸል፡ ብትምህርቲ መንፈሳውያን መማህራን ዘይኮነስ፡ ኣውራ ብኣብነት ቅዱሳን ኢዩ። እምበኣር ኣሠር ሕይወት ቅዱሳን ኂዝካ ንበር።

ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ ገለ ጽቡቕ ስጕምቲ ዝገበርካ እንተመሲሉካ፡ ንሕይወትካ ምስ ሕይወት ቅዱሳን ምስ ኣነጻጸርካዮ፡ ግን ሽዑ መስኪን ከምዝኾንካን፡ እቲ ጐዲሉካ ዘሎ ነገር ከኣ፡ ኣየናይ ከምዝኾነን፡ ቀልጢፉ ኪርደኣካ ኢዩ። ገድሊ ቅዱሳን ከተስተንትን ከሎኻ፡ ኣብ ነፍሶም ክትኣቱ ደኣ ጽዓር እምበር፡ ኣብ ናይ ግዳማዊ ስራሓቶምን ተኣምራቶምን ጥራሕ ጠጠው ኣይትበል። ፍቕሪ ኣምላኽ ብዝተፈላለየ መንፈሳውነቶም ከምዚግለጽ ክትርኢ ኢኻ።

ኣብ ነፍስወከፍ ቅዱስ፡ እቲ ቃል ኣምላኽ ናብዙ ዓለምዙይ ዜምጽኦ ቍልዒ ሓዊ ኪባራዕ፡ ክትርእዮ ኢኻ (ሉቃ 12፡49 ረአ)። ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ቅድስና ንኺበጽሑ ሓደ መንገዲ ኣይተኸተሉን፥ እቲ ናይ ኵሎም ናይ መፈጸምታ መንገዲ ግን፡ ሓደ ኢዩ። ንስኻ እውን ምስ ሞትካ፡ ኣብቲ ኣኽሊል ዓወት ዚወሃበሉ ናይ ክብሪ በዓል ምእንቲ ክትሳተፍ፡ ኣብነት ቅዱሳንን ኅውነታዊ ፍቕሪ ዚመልኦ ኣማልዶኦምን፡ ኣብ ጕዕዞ ሕይወትካ ዘተባብዓካን ዚድግፈካን ኣብነት ይዅንካ (መጽጥ 5፡5 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ልዑል ባህጊ ጽቡቕ ነገር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 20 Aug 2022, 02:55

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

110 - ልዑል ባህጊ ጽቡቕ ነገር


ሕይወትካ፡ ትርጉም ዘይብሉን ዘይረብሕን ኮይኑ ከይረኣየካ፥ እግዚኣብሔር ኣባኻ ሓደ መደብ ኣንቢሩ ከምዘሎን፥ ንስኻ ከኣ፡ ኣብ ውሽጥኻ ዘርኢ ዘለዓለማዊ ሕይወት ተዘሪኡካ ከምዘሎን ኣይትረስዕ። ሓደ መዓልቲ ሕይወትካ ኣብ ክቡር ዝኾነ ዕላማ ንኽተኅልፎ ባህጊ እንተደኣ ተሰሚዑካ፡ ንእግዚኣብሔር ምእዙዝ ኩን።

ከምቲ ኣብ ሥነ ጥበብን ኣብ ሥነ ፍልጠን ብሉጻት ክኢላታትን መሃዝትን ዘለዉ፡ ከምኡ እውን ናይ ቅድስና ብሉጻትን ክኢላታትን ኣለዉ። ንስኻ እውን፡ መን ይፈልጥ፡ ሓደ ካብዞም ክኢላታት እዚኣቶም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ግና ንስኻ እውን ኣብ ውሽጥካ ልዑል ባህጊ ጽቡቕ ነገር ከምዚህልወካ ግበር።

ንእግዚኣብሔር ንምግልጋል ታሕጓስ ይሰመዓካ፥ ኣብዙ ዓለምዙይ ንህይወትካ ኣብ ክቡርን ዓቢይ ነገርን ከምተውዕሎ ግበር፥ ንኣብነት፡ ነቲ መዓልቲ-መዓልቲ እትነብሮ ኵሉ ተራ ዝኾነ ስራሕ፡ ምእንቲ ድኅነት ዓለም ኢልካ፡ ኣብ ሕይወት ኢየሱስ እንተእቲኻዮ፡ ዓቢይ ዋጋ ከምዚህልዎ ክትገብር ኢኻ። ኢየሱስ፡ ወሰን ዘይብሉን፡ ውዕልን እንተታትን ዘይብሉ፡ ምሉእ ብምሉእ ብኵሉ ልብኻ፡ ከተፍቅሮ ኢዩ ዚደሊ፥ ንሱ ፈጣሪኻን ብኽቡር ዋጋ ዝዓደገካ መድኃኒኻን ስለ ዝኾነ፡ ብኵለንተናኻ ከተገልግሎ ኢዩ ዚደሊ (1 ቆሮ 6፡29: 1ጴጥ 1፡19 ረአ)።

ኣብ ሕይወትካ ንጐይታ ንምግልጋል፡ መን ይነፍዕ፡ ናይ መን ተግባር ይበልጽ፡ ዜብል ውድድር ኪካየድ ይግባእ፥ ንጐይታ ብኵለተናኻ ንኸተገልግሎ ቍርጽ ዝበለ ውሳኔ ግበር። ሓንቲ ነገር ንርእስኻ ከይሓተትካ፡ ንኵሉ ነገር እሺ እናበልካ ፈጽሞ። እቲ ንስኻ እትኸፍሎ ገንዘብ፡ ብዝኁ ብዘየገድስ፡ ኢየሱስ ኣብ ጻዕዳ ወረቀት ምእንቲ ኪጸሓፍ ተዓሚትካ ፈርመሉ። ሕይወትካ ዓቢይ ህያብ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ፡ ብኣኽብሮትን ቅዱስ ዝኾነ ተግባራትን እናሰራሕካ ከተኅልፎ ጽዓር።

ኣብ ምድራዊ ሕይወትካ፡ ሓድሓደ ወሳንን ዘይድገምን ሓድሓደ ስለ ዘሎ፥ እሞ ንኻልኣይ ጊዜ ተመሊሱ ስለ ዘይመጽእ፡ ነዙ ዕድልዙይ ከተጥፍኦ እይግብኣካን። እግዚኣብሔር ቅዱስ ክትከውን ኢዩ ዚደልየካ (ተሳ 3፡13 ረአ)። ኣብዙ ምድራዊ ጕዕዞኻዚ ጠጠው ኣይትበል፥ ብሰንኪ ድኻምነትካ ከኣ ኅሊናካ ኣይተዕርብ፥ ስለምታይ ኃይሊ ክርስቶስ ዚርከብ ኣብ ጊዜ ድኻምነት ኢዩ (2ቆሮ 12፡9 ረአ)።

መለኸት ከይነፋሕካ (ማቴ 6፡2 ረአ) ነቲ መንፈሳዊ ጠመንጃካ ዝኾነ ጸሎት ተሓንገጦ፥ ነቲ ምሥጢራዊ ዝኾነ ስቓይካ ብእምነት ተቐበሎ። ነዙ ምድራዊ ህይወት እዙይ ብግዲ ክትነብሮ ስለ ዘሎካ፡ ብምልኡን ብስፍሓቱን ክትነብሮ ጽዓር። እቲ መወዳእታ ዕላማና ዝኾነ ሓቀኛ ሕይወት፡ ውሽጣውን፡ መልዕልተ ባሕርያውን፡ ሞት ዘይትንክፎ መለኮታዊ ሕይወትን ኢዩ (መጥ 3፡4 ረአ)።


ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብዘሎኻ፡ ጸጋ ኣምላኽ ብምውሳኽ ንዘለዓለማዊ ድኅነትካ ከተዕብዮን ክተረጋግጾን ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኵሉ ዝኃለፈ ረሲዕካ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ቀሪቡልካ ዘሎ ስልማት ንኽትቅበል ብኵሉ ኃይልኻ ንቕድሚት ጠምትን ገስግስን (ፊሊ 3፡14 ረአ)። እቲ ናይ ህይወትካ ዓቢይን ቁምነገር ዝሓዘን ጕዳይ፡ ንስኻ ክትገልጾ ስለ ዘይትኽእል፡ ኣውራ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓይሊ ሕይወትካ፡ እቲ ብዘይቀለም እትጽሕፎ ጽሑፍ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ልግሲ ዚርከብ ልዑል ሓጐስ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply